Eritrea real clear politics's Weblog

September 16, 2008

ጠንቕን ሳዕቤናትን ቁጠባዊ ወጥርታት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ

Filed under: Economics — eritrearealclearpolitics @ 8:28 am

መእተዊ ቁጠባዊ ወጥርታት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ፡ እኩብ ድምር ናይ ዝተፈላለዩ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ሮቛሒታት እዩ። ኣብዚ እዋናት እዚ ዓለምለኻዊ ናይ ቁጠባ ኪኢላታት ከምዝሕብርዎ ኣብ 33 ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምና ዝላዓለ ምዝንባላት ናይ ቁጠባዊ ቀረባትን ጠለባትን ናህሪ ዋጋታት መግቢ፡ትሑት ዓቕምታት ኣህለኽቲ (Consumers) ክርኤ ምኻኑ ይጡቑሙ። ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ልዑል ናህሪታት ዋጋ ነዳዲን ጽዓትን ቁጠባዊ ቅልዉላዉ እታ መራሒት ቁጠባ ዓለምና ዝኾነት ኣመሪካ ምግሃዱ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለምና ቀጻሊ ወትሃደራዊ ረጽምታት ምክያዱ፡ ንቁጠባዊ ዓቕምታት ዓለምና ብቀዋምን ቀጻልን ንከይዓብን ቁጠባዊ ቅልዉላው (Inflation) ሃሚ (Depression)ጋህዲ ንክከዉን ካብ ዝደረኹ ሮቛሒታት እዮም። ጎኒ ጎኒ እዚ ክብሎ ዝጸናሕኩ ቁጠባዊ ትልምታትን ንጥፈታትን ዓለምለኻዊ ቁጠባዊዓዉላማ (Globalization) ንኣምር ቁጠባዊ ንጥፈት ህዝብን ሃገርን (Nation-state) ዶባት ሰጊሩ ዝገብረ ዘሎ ምጥርናፋትን ምንጥጣፍን ዘስዕቦ ጸቕጢ፡ ንዕዳጋታት ኣዝየን ድኻታትን ድኹማትን ሃገራት ግዳይ ስለዝገብረን ዘሎ እዩ።

 

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ሃገራት ቀርኒኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኤርትራ፡ ኣብ ቁጠባዊ ወጥርታት ክኣትዋ ምኻነን ርድኡ እዩ። ከም ዉጽኢት ናይዚ ቀንዲ ኩነታትን፡ ከም ኣብ መስርሕ ኣይሰላም ኣይኩናት ኩነት ኩነታትን፡ ኢደኣዝዉራዊ ኩናት ዘለዋ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ብከቢድ ቁጠባዊ ወጥርታት ይሳቀያ ከምዘለዋ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ብማዕረ ድማ ቁጠባዊ ዓቕምታተን ባይታ ዘቢጡ ይርከባ። ንኤርትራ ካብ ከባቢኣን ዓለምን ነጺልካ ክትገልጻ ብፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ስነፍልጠት እኳ ንጸቢብ ባዕላዊ መደምደምታ ዘዉድቕ እንተኾነ፡ ንዓና ዘገድሰና ናይ ኤርትራ ሃገርና ስለዝኾነ ግን ኣብኡ ዝያዳ ብሙቱካር ንህሉው ኩነታት ቁጠባዊ ወጥርታት ብሓርፋፍ መገዲ ክድህስሶ ክፍትን እየ።

 

መንግስት ኤርትራ ዝተፈላለየ ኣካላዉን ማሕበራዊ ቅርጻታት (Physical and social infrastructure) ማለት ጽርግያታ፡ መዕርፎነፈርትታት፡ ራህያታት፡ ሓጽብታት፡ ኣብያተትምህርትታት፡ ዘመናዊ ናይ ልምዓት ግራዉቲ፡ ጥሙርማሕረስ፡ ምግፋሕን ምዕማቕን ወደባት ኤርትራ፡  .. ብወፍርታት ዋርሳይ ይክኣሎ እኳ እንተሰርሔ፡ ዛጊት ግን ኣብ ኤርትራ በዚ ዝተሰርሔ ትሕተቅርጻ ተጠቂምካ ዉሕስነት መግቢ (Food security) ዝስተ ጹሩይ ማይ ተራጋጊጹ ድዩ ንዝብል ሕቶ ብርጡብ ምምላስ ከድሊ እዩ። ኣብ ዓመተ 2006 2007 ድሓን ዝኾነ ኣዝመራን ዝናብን ስለዝነበረ፡ ከምቲ ዝድለ እኳ እንተዘይነበረ ኤርትራ ብከፌል ናይቲ ዘድልያ ዓመታዊ ቀለብ ምህር ኣእትያ እያ። ብሓፈሽኡ ምልዉዋጥ ክሊማ ዓለም ዝፈጠሮ ናይ ዝናብ ሕጽረታትን ኣብዘየድሊ ወቕቲ ምዝናብን ወይ ዝናብ ጸያቂ ማዕጺድን ባልዕእኽልን እኳ እንተነበረ፡ ንኣብነት ኣብ ዓመተ 2007 ኣስታት 3 ሚልዮን ኩንታል ዝግመት ኣእካልን ኣስታት 1 ሚልዮን ኩንታል ዝግመት ጥሬታት ከም ኣዳጉራ፡ ፉል፡ ባሎንጋ፡ ዓተር፡ ብርስን፡ ሰበረ.. እስትራተጂካዊ ኣእካልን ፍርያትን ከም ጡጥ፡ ስምስም፡ ምህር ነይሩዋ። እዚ ምህርቲ እዚ ብዘይካ ዘመናዊ ብመስኖን ሞቶራት ጮንጋዕቲ ማይ ዝሰትዩ ጀራዲን ኣራንሽ፡ መንደሪን፡ ኣሕምልቲ፡ ኮመደረ: ጉዕበርበረ፡ ሽጉርቲ.. ኣብ ኣፍሂምቦል፡ ሳዋ፡ ኣለቡ፡ ዓላ፡ ማይዓይኒ፡ መሎበርን፡ ዓድዑመር.. ዝፈረዩ እዩ።

 

እዚ እቶት እዚ ንዓመታዊ ዉሕስነት መግቢ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ምርግጋእ ዕዳጋን ዘራጋግጽ ከምዘይኮነ ንጹር እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ዉሕስነት ዓመታዊ ቀለብ መግብን ምርግጋእ ዕዳጋን ክራጋገጽ ብዉሑዱ፡ ኤርትራ 6 ሚእቲ ሽሕ ሜትሪክ ቶን ዓመታዊ እቶት ምህርቲ ክትሓፍስ ኣለዋ። ነዚ እቶት እዚ ክትሓፍስኦን ቀጻልነትን ክህልዎ እንተኾይኑ ድማ፡ ንካብ ሰማይ ዝዘንብ ዝናብ ተጸቢኻ፡ ዘይቡቑዕ ኣጣቃቅማ ማይ እንዳኣዘዉተርካን ልምዳዊ ኣጋባብ ማሕረስ እንዳተጠቀምካን ኣይክኣልን እዩ። እቲ እንኮ ዘዋጽእ፡ ኤርትራ ንኹሉ ዘለዋ ዕዱን ሃብቲ መሬትን ሓመድን ብዘመናዊ ሕርሻ ኢንዱስትሪ (Agro-Industries) ክትጥቀም ክትበቕዕ ኣለዋ። ፍሉጥ እዩ ኤርትራ ነዚ ክትበቕዖ ድማ ዓሰርተታት ቢልዮናት ዝግመት ገንዘባዊ ወፍሪ፡ ጥዑይ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ትካላዊ ምሕደረታትን ሰብኣዊ ጸጋታትን ማሕበራዊ ምዕብልናን (Human Resources and Social Development)  ተዛማዲ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዉሽጥ ህዝባን ምስ ጎራባብታን ስግረጎራባብታ ሃገራት ዓለም ክህሉዋ ከድሊያ ምኻኑ ሩድኡ  እዩ። እዚ ድማ ዛጊት ኣብ ኤርትራ ዝተበጽሔ ቅድመዕየራ ኣይኮነን።

 

ሓቕታት ካይጓሲ ምእንቲ፡ ኣንኳይ ኤርትራ ብናይ ሰላሳ ዓመታት ኩናት ዝዓነወት፡ሓዳስ ሃገርን ኣብ ቀጻሊ ኩናት ወረ ኩናት ዓዘቕቲ ተሸሚማ ዘላ ሃገር፡ እተን ንዘላኣለም ናጻ ሃገራት ኔርና ዝብላን ዘይተደነ ነገራዉን ፋይናንሳዉን ሓገዛት ካብ ሓያላት ሃገራት ዓለም ዝረኽባ ባዓል ኢትዮጵያ፡ ግብጺ…ወ.ዘ.ተ እዉን እንትኾና ዛጊት ዉሕስነት መግቢ ዘራጋገጻ ከምዘይኮና ፍሉጥ እዩ። ንመረዳእታ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 1970 ታት ጀሚሩ ዓመት መጸ ካብ 7-16 ሚልዮን ዝግመት ህዝባ ኣብ ትሕቲ ምጽዋት  ማሕበረሰብ ዓለም ዝቶሞርኮሰ ናይ ምንባር ሂወት ዘለዎ እዩ። ሕጂ ድማ ነዚ ዝስዕብ ቀለበት ብምጥዋቕ ነቲ ኩነታታ ክምዘን ይክኣል እዩ።

http://www.bloomberg.com/apps/news?pid=20601116&sid=aNIn56zv9eb4&refer=africa

http://www.reliefweb.int/rw/RWB.NSF/db900SID/ASAZ-7DJDTF?OpenDocument

 

 ብተዛማዲ ብዓመታዊ ዉሕስነት መግቢ ምስ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ሶማልያ ኬንያ ኢትዮጵያ ክነዋዳድራ ምስ ዝድለ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘላ ኣይትመስልን። ኣብ ሓደጋ ስለዘየላ ግን ጽቡቕ ኣላ ወይ ጽቡቕ ትስጉም ኣላ፡ ዉሕስነት ዓመታዊ ቀለብ እዉን ኣራጋጊጻ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ብምዝማድ ንዓጸቦ ዝተቃልዔት ኣይኮነትን ንምስማዕ እየ። ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ኩሉ ዝድለ ሃለኽቲ ነገራት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ የግዳስ ናህሪ ዋጋታት ኣሎ። ናህሪ ዋጋታት ክጋሃድ እንኮሎ መንግስትን ብሕታዊ ትካላትን ዶሞዝ ሰራሕተኛ ክዉሰኻ ዝግባኣ ከንሱ፡ እዚ ዘይምግባሩ ንናይ ምዕዳግ ዓቕምታት ተጠቀምቲ ህዝቢ ባይታ ከምዝዘብጥ ገይርዎ ኣሎ። መንግስት ኤርትራ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ፖሊሲታቱ ክቕይር ዘይምድላዩ ድማ ነቲ ኩነታት መመሊሱ የጋድዶ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ።

 

ካብዚ መርትዖታትን ዘለዎ ኩዉንነት ብምንቃል፡ ኤርትራ ብቀሊሉን ኣብ ዝሓጸረ እዋናት ዉሕስነት መግቢ ከተራጋግጽ ከምዘይትኽእልን ሕጽረታት ጠለብን ቀረበን ከጋጥም ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ማለት ግን ከምቲ ሓደ ሓደ ስንጊንጢራት ምስሌኔባዕድታት ወይ ሓደስቲ ማሕበር ኣንድነት ዝኾኑ ዝብልዎ፡ ኤርትራ ንዘላኣለም በዚ ሕጽረታት ክትጥቃዕ ክትነብር እያ ወይ ብቁጠባዊ ዓቕማ ኪኢላ ክትነብር ኣይትኽእል እያ ማለት ኣይኮነን። ብወገነይ ከም ግዝያዊ ጸገማት ምስቲ ነዚ ኩነታት ዝፈጠሮ ፖሎቲካዊ ስርዓት ዝኸይድ ገይረ እየ ዝርእዮ። እዚ ክብል እንኮሎኹ ግን ኣብ ሓንቲ ለይቲ ይቕየር እዩ እዉን ማለተይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ተቃሊሱ ናጽነት ዘራጋገጸ፡ ሕጂ እዉን ተቃሊሱ ተኣምር ልምዓትን ምዕብልናን ፖሎቲካዉን ቁጠባዊ ማሕበራዊ ፍትሒ ከራጋግጽ ከምዝኽእል ይፈልጥ እየ። ነዚ ንምግባር ግን ክማዓራረን ክንጸፍን ዝግብኦ ቅድመኩነታት ከምዘሎ ንዝኾነ ሰብ ንጹር እዩ።

 

ሃገር ኤርትራን ህዝብ ኤርትራን 2 ወደባትን ቡዙሓት ማርሳታትን ፈጺሙ ዝይተተንከፈ ሃብቲ ባሕሪን ንዘራእቲ ልሙዕ መሬትን ትሕዝቶ ሓመድን ህርክትና ዝዉንን ህዝቢ ከንሱ፡ ብሕጽረታት መግቢ ክሳቀ ዝግብኦ ኣይነበረን፡ ካብ ኮነ ግን ኣዝዩ ዕቱብ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገማት ከምዘሎ ዝሕብረና ዘሎ። ኣብ ሓደ ሃገር ቁጠባዊ ቅልዉላዋት ክጋሃድ እንኮሎ፡ ብቀጥታ ንፖሎቲካዊ ፖሊሲታትካ ኢኻ ክትጥምት ዝግባኣካ። ምኽንያቱ ፖሎቲካዊ ፖሊሲታትካ ብቀጥታ ንቁጠባዊ ኩነታትካ ስለዝጸልዎ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ቁጠባዊ ኩነታትካን ፖሊሲታትካን ንፖሎቲካዊ ኩነታትካን ፖሊሲታትካን ይጻላለዉ። ስለዚ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ኤርትራ ተወሳኺ ሮቓሒታት ናይ ከባቢን ስግር ከባብን ጸቕጥታት እኳ እንተሃለዎ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ዉሽጣዊ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ፖሊሲታት እቲ ህሉዉ ፖሎቲካዊ ስርዓት ዝፈጠሮምን ዉጽኢት ናይ ጉጉይ ፖሊሲታቱ እዮ።

 

ብገለ መርትዖታታት መታን ከሰንዮ፡ ዕዳጋታት ኤርትራ ቁጠባዊ ትካላት ... ዝተዓብለለ እኳ እንተኾነ፡ እቶም ኣቀዲሞም ድካናት ዝዉንኑ፡ናይ ምእታዉን ምስዳድን ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ነጋዶ፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቀረጻዉን ቁጠባዉን ጸቕጥታት፡ እገዳታትን ዉድድራትን እቲ ስርዓትን ቁጠባዊ ትካላቱን ኮይኖም ብመጠኑ ከምዝነጥፉ ፍሉጥ እካ እንተኾኑ፡ እቲ ዉሽጣዊ ዕዳጋ ዝሓቶ ቀረባት ከምድላዮም ከምጽኡን ክዝርጉሑን ስለዘይክእሉ፡ ዉሽጣዊ ዕዳጋታት ኣብ ቀጻሊ ሓርጎጽጎጻት፡ ናህሪታት፡ ቅልዉላዋት ይርከብ ኣሎ።  ነዚ ክዉንነት እዚ ብንጹር ንምርኣዩ በዚ ዝስዕብ ቕማሶ ዝርዝራት ምኹኑይ ክገብሮ ክፍትን እየ።

 

ዕዳጋታት ኤርትራ መዓልታዊ ብዕጽፊ ዋጋ ዝንህር እኳ እንተኾነ ብዕለት 28/03/2008 ናይ ገለ መሰረታዉያን ኣድለይቲ ነገራት ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፡

1. ሓርጭ ፊኖ 1 ኪሎ 28 ናቕፋ፡ 1 ኩንታል ድማ 2700 ናቕፋ።

2. ሽኮር 1 ኪሊ ኣብ ርትዓዊ ድኳን ወይ ናይ ቀበልየ ብመልክዕ ወርሓዊ ሞቕነን ዝዉሃብ   ብሕሳብ 11.30 ናቕፋ፡ ኣብ ዕዳጋታት ድማ ንኪሎ ብሕሳብ 26 ናቕፋ።

3. ማሸላ 1 ኩንታል 1600 ናቕፋ ርብዒት ድማ 35 ናቕፋ።

4. ቡልቱግ 1 ኩንታል 1700 ናቕፋ። ን1 ርቢዒት ቡልቱግ 60 ናቕፋ።

5. ጻዕዳ ጣፍ 1 ኩንታል ካብ 3200-3400 ናቕፋ።

6. ቀይሕ ጣፍ 1 ኩንታል ካብ 2000-2200 ናቕፋ።

7. ዘይቲ ብልዒ 1 ሊትሮ ኣብ ርትዓዊ ድኳን ወይ ናይ ቀበልየ ብመልክዕ ወርሓዊ ሞቕነን ዝዉሃብ ብሕሳብ 38 ናቕፋ፡ ኣብ ዕዳጋታት ድማ ንሊትሮ ብሕሳብ 80 ናቕፋ።

8.  ኣረቒ 1 ጥርሙዝ 30 ናቕፋ ክሽየጥ ዝግብኦ፡ ኣብ ዕዳጋታት 100 ናቕፋ ይሽየጥ ኣሎ።

9.  ቢራ 1 ጥርሙዝ 7 ናቕፋ ክሽየጥ ዝግብኦ ኣብ ዕዳጋታት 30 ናቕፋ ይሽየጥ ኣሎ።

10. ዋጋታት ነዳዲ ብመንግስትን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሽየጥ ኣሎ ኣዝዩ ኩቡር እኳ እንተኾነ ምንሃር ነዳዲ ፖሎቲካን ዕዳጋታት ዓለም ዝፈጠሮ ብሙኻኑ እዩ። ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ፡ ኣንኳይ ኤርትራ ዋላ እዉን ንምዕራብ ዓለም ተንኪፍዎም ዘሎ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ከም ነጥቢ ኣልዒለ ክዛረበሉ ቡዙሕ ኣይመርጽን። እዚ ጭቡጥ ዝርዝራዊ ሓቤረታታት እዚ ሓርፋፍ ዝኾነ ስእሊ ዕዳጋ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ክህበና ከምዝኽእል ንጹር እዩ።

 

እቲ ብቁጠባዊ ትካላት ... ዝዉነን ርትዓዊ ድካናት ነቲ ህዝቢ ዘድልዮ እኹል ቀረባት ከቕርብ ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ይግደድ እዩ ካብቲ ብሕታዊ ክፋላት ቁጠባ ዝኾነ ድካናት ክዕድግ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ድርብ ዕጽፊ ዋጋ ከፊሉ ዘድልዮ መዓልታዊ ነገራት ከምዝረክብ ይኽዉን ኣሎ።

 

ሕብረተሰብ ወትሃደራዊ መሳርዕ ኣይኮነን። ሕብረተሰብ ብወርሓዊ መቕነን ከተካይዶ ኣጸጋሚ እዩ። ንክልተ ሰብ መቕነን ሽኮር 3 ኪሎ ንወርሒ መቕነን እኽሊ 10 ኪሎ.. ንወርሒ እንዳመጠንካ ከተናብሮ መዝነት መንግስት እዉን ኣይኮነን። መንግስት ከምዚ ብቀዳማይ ኣብ ዕዳጋ እኽሊ መንደፈራ ኣእኻል ዝሸጡ ሓረስቶት ዝሃገሮም እዉን ከቃርጽ ዘለዉ ተግባራት እዩ። ሓረስታይ ምህርቲ እኽሊ ኣፍርዩ፡ በደልኡ ንልብሱ፡ ንወልፊ ቡኑ ሻሂኡ፡ ንጸብሒ መማቕርት ዝኾኖ.. ገንዘብ ስለዘድልዮ፡ እኽሊ ሸይጡ ክዕድግን ክብረልዉዉጥ ከካይድን ናይ ግድን እዩ። ሕጽረታት መግቢ ኣብቲ ሃገር ህሉዉ ከንሱ፡ መንግስት ንእኽሊ ዝሸጡ ሓረስቶት ወይ ነጋዶ ዝገፍፍን ዝህግርን እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ንሕጽረታት መግቢ ከም መሳርሒ ፖሎቲካዊ ንዋት ይጥቀመሉ ከምዘሎ ጥራይ እዩ ከመስክር ዝኽእል።

 

መንቀሊ እዚ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ እንታይ እዩ መንቀሊኡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝገለጽክዎ እኩብ ድምር ናይ ዝተፈላለዩ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ሮቛሒታት እዃ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ መንቀሊኡ ግን ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ፖሊሲታት ምልካዊ ስርዓት ... እዩ። መንግስት ንሓደ ሕብረተሰብ ብመልክዕ ብመንግስት ጥራይ ዝዉነን ተራድኣዊቁጠባን (Cooperative) ኣዝዩ ጸቢብ ዓፋኒ ፖሎቲካን ከማሓድር እንተሃቂኑ፡ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ቅልዉላዋት ከጋጥሙ ግድነታዊ እዩ። እዚ እዩ ድማ እቲ መንቀሊ እቲ ጸገም። መንግስት ኣብ ክንዲ ዓበይት ቁጠባዊ ትልምታትን ምቁጽጻራትን ዝገብር፡ መንግስት  ርትዓዊ ድኳናት ዝስመዮ ከፊቱ ኪሎ ጨዉ ኪሎ በርበረ ክሸይጥ ዝዉዕል እንተኾይኑ፡ ነቲ ዓበይቲ ቁጠባዊ ትምልታትን ምቁጽጻራትን ዝኸዉን ግዝየን ሓሳብን እዉን የብሉን። ብዓቢኡ ግን ነቲ ብሕታዊ ቁጠባ (Privet sector) ብግብርን ሓሳብን ይዓግቶን ይቃዎሞን ስለዘሎ፡ ናጻ ዉድድራት ዕዳጋ (Free market  competition) ተቆጽዩ፡ ቀረባት ብሓደ ወገን ጥራይ ከምዝቀርብ ይኸዉን፡ እቲ ንቀረባት ዝቕርብ ኣካል ድማ ሕጽረታት ናይ ወጻኢ ሽርፊ ከጋጥሞ እንኮሎ ነቲ ጠለብ ሕብረተሰብ ዘድልዮ ክቕርብ ምስዘይክእል ናይ ቀረብን ጠለብን (Supply and Demand) ዘይምምጥጣን ይገጥም፡ እዚ ድማ ንቁጠባዊ ቅልዉላዋት ዝዕድም ዘሎ።

 

ቀዳማይ፡ ንኤርትራ ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣጋጢሙዋ ዘሎ። ብዓቢኡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣይኩናትን ኣይሰላምን መስርሕ ስለዘላ፡ ነዚ ኩነታት እዚ ንምልዋጥ መንግስት ኤርትራ ይኹን መንግስት ኢትዮጵያ ኣብዘይ ቀጥታዊ ኩናት እዮም ዝርከቡ። መንግስት ኤርትራ ንኩሎም ተቃወምቲ መንግስት ኢትዮጵያ ዘድልዮም ፋይናንሳዉን ነገራዉን ሓገዛት ይህቦም ኣሎ፡ ብኣንጻሩ ድማ መንግስት ኢትዮጵያ ከምኡ ይገብር ኣሎ። ነዚ ዘይቀጥታዊ ኩናት እዚ ንምምዋሉ ዘይተደነ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝሓትት ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። መንግስት ኤርትራ ነተን ካብ ደገ ንዉሽጥ በጻሕት፡ ንስድርኦም ንምንባይ ዝሰድዎ ገንዘብን፡ ካብ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ዝረኽበንን ዝሸማጥጠንን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገንዘብ ኣስታት 300 ሚልዮን ዝግመት ኣብ ዓመት፡ ኣብ ከምዚ ዘዉዕለን እንተኾይኑ ሽግር ምኻኑ ፍሉጥ እዩ።

 

ካልኣይ፡ መንግስት ኤርትራ ኣዝዩ ዉሑድ ሰደዳት (Export) ንማእከላይ ምብራቕን ዓዲ ጥልያንን ዝገብር እኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ዝርከብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንዓመት ካብ 20 ክሳብ 37 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንላዕሊ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ግን መንግስት ኤርትራ ካብ ደገ ንዉሽጥ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ዓዲጉ ዘእትዎ (Import) ኣስታት 800 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ዓመታዊ ወጻኢ ይገብር። ስለዚ ዘይምምዝዛን ወጻኢን ኣታዊን ዘለዎ መንግስት እዩ። ሓደ መንግስት ካብ ኣታዊኡ ወጻኢኡ ዝበዝሕ እንተኾይኑ ድማ ንፍጹም ጥፍሽና ዝመርሕ መስርሕ ቁጠባ ፖሊሲ እዩ። ኣብ ሕጊ ስነቁጠባ ኣታዊኻ ክዉሕድ እንኮሎ ወጻኢኻ ከተዉሕድ ናይ ግድን እዩ። መንግስትና ግን ፍሉይ ዝዓይነቱ መንግስት እዩ። ኣታዊ ናቱ እንዳዉሓደ ክኸይድ እንኮሎ፡ ወጻኢታቱ ዘብዝሕ ብምኻኑ እዩ።

 

ሳልሳይ፡ መንግስት ኤርትራ እቲ ንተቃወምቲ ዉድባት ጎረባብቲ ሃገራት ምምዋል ዝዉዕል ገንዘብ እንተዘቛርጾ፡ እቲ ንእኦም ንምንባይ ዝጠፍእ ገንዘብን ንዋትን ኣብ መዓላ ህዝቡን ልምዓትን እንተዘዉዕሎ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረታት ጠለብን ቀረብን ሃለኽቲ ነገራት ብመጠኑ ምሸፈነ ነይሩ ዝብል ግምታት ኣሎኒ።

 

ራብዓይ፡ ቁጠባዊ ቅልዉላዋት ከጋጥም እንኮሎ ወትሩ፡ ናህሪ ሃለኽቲ ብነገራት ሰማይ ክዓርግ እንኮሎ፡ መንግስት ዘእትዎ ቀረጽ ድማ መሬት እዩ ዝዘብጥ፡ ጎኒ ጎኒ እዚ እቲ ሰራሕተኛ ናይቲ ሕብረተሰብ ዶሞዝ ስለዘይዉሰኽን ዑደተን ሸርፍ ገንዘብ ስለዝላዋወጥ፡ ኣብ ሓደ ግዝየ መንግስትን ሕብረተሰብን ኣብ ሽግር ብሓባር እዮም ዝወድቑ። ንኣብነት ናይ ዚንባብወ ኩነታት ክንዕዞቦ ንኽእል ኢና። ስለዚ መንግስት ይኹን ብሕታዊ ኣስራሕቲ ብመጠን እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናህርታት ዕዳጋ ዶሞዝ ሰራሕተኛ ክንዲ ዝዉስኹ ትም ምባሎም፡ ነቲ ወጥርታት የጋድዶ ኣሎ።

 

ሓሙሻይ፡ መንግስት ካብዘይ ሕጋዊ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ብሕትዉናን ክዕገስን ክላቀቅን ኣለዎ፡ መንግስት ባዕሉ ቁጠባዊ ኮንትሮባንዳን ደለላን (Contrabandist & Broker) ዘካይድ እንተኾይኑ፡ እቲ እቶት ናይቲ ኮንትሮባንዳዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ገንዘባዉን ነገራዉን ድለላታት፡መኻዕበቱ ማሕፉዳ ዉልቀሰባት እምበር፡ ቁጠባዊ መፍትሒ እቲ መንግስትን ህዝብን ኣይከዉንን እዩ። ልዕሊ ኽሉ ድማ ንቁጠባዊ ብልሽዉናታት ክስዕርርን ዓሚቕ ሱር ክተክል መገዲ ዝጸርግ እዩ። ልዕሊኡ እዉን ንሃብቲ ሃገር ማለት ንካብ ኣታዊ ዉሽጥ ሃገር፡ ንካብ ዓለምለኻዊ ለቃሕ ባንክታት፡ ንዝተፈላለየ ልምዓታዊ ጽላታት ብለገስቲ ማሕበራትን ሃገራትን ዝተረኽበ ገንዘብ ካይተረፈ ብሻማሻማ፡ ብጉጅለይጉጅለኻ፡ ብጃንዳይጃንዳኻ፡ ብዘመደይዘመድካ ንብሕቶም ይማቀልዎ። ህዝቢ ብቁጠባዊ ቅልዉላዋትን ጥሜትን እንዳተሳቀየ እንኮሎ እዉን ብቢልዮናት ዝግመት ቀዋምን ተንቀሳቃስን ንብረት (Assets) ይዉንኑ።

 

ሻዱሻይ፡ መንግስት ካብ ናይ ተራ ድካናት (Retailers) ንግዳዊ ኣታሓሳስባታት ተናጊፉ፡ ብደረጃ መንግስት ክሓስብን ክንቃሳቀስን ኣለዎ። ኣብ ባህርያት መንግስት ኤርትራን ንጥፈታቱን እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ኩነታት ስለዘሎ ነቲ ቁጠባዊ ቅልዉላዋት ኣብ ክንዲ ዘህድኦ መመሊሹ ይገዳድዶ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ጎኒ ንጎኑ ድማ ቁጠባዊ ዓቕምታይ መንግስትን ህዝብን እንዳተሸምረረ ብምምጽኡ ናብ ፍጹም ዘይተደልየ ኣንፈት ከምርሕ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ።

ኤርትራ ብመንግስታዊ ቁጠባዊ ትካል (Parastatal institution) ትዉነንን ትማሓደርን እንተኾይና፡ ርኡይ ጸገማት ክህሉ እዩ። ምኽንያቱ መንግስት ዝበዝሑ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲኡ ዝኽፈሉን ዝናበዩን ሰለዘለዉዎ፡ ንኩሉ እቲ ሃብቲ ሃገርን ቁጠባዊ ንጥፈታትን ባዕሉ ስለዘማሓድርን ዝናጣጥፎን፡ መብዛሕትኦም ቁጠባዊ ትካላት ስለዝዉንን፡ ኣዝዩ ቱሑትን ናይ ስራሕ ጽፈትን ኣዝዩ ቡዙሕ ናይ ስራሕ ግዝያት ምብኻን ስለዘለዎ፡ ልዑል ናይ ሃብቲ ሃገር መባኸኒ ስለዝኾነ፡ ወትሩ ንቁጠባዊ፡ ፖሎቲካዊን ማሕበራዉን ቅልዉላዋት እዩ ዘምርሕ። መንግስታዊ ቁጠባዊ ትካላት ካብ ዘእትዉዎ ዘዉጽእዋ ስለዝበዝሕ፡ ቁጠባዊ ቅልዉላዋት ክገጥሞም እንኮሎ ድማ ማይቀጠነ እንዳበሉ ንዜጋ ብዘይ ሕግን ኣጋባብን እንዳመጸዩ ክቅጽሉ ዝህቕኒ። ኣብ ኤርትራና ድማ ኣዚ እዩ ጓህዲ ኮይኑ ዘሎ። እክሊ ሸጥካ እንዳበልካ ምህጋር፡ ወላድካ ሃዲሙ እንዳተባህለ ገንዘብ ምቅጻዕ...እዩ። ናይ ብሓቂ ብኸምዚ ኣጋባባት እቲ ጸገም ክፍታሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ንሓደ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ስርዓት ዝጋዓዘሉ መገድታት ብንጹር እንተዘይመድሚድካን ቁኑዕ ማእዝኑ እንተዘይትሒዝካ፡ ልክዕ ከምዚ ባቡር ሓዲድ ዘይመስመሩ እንተሒዙ ምስ ካልእ ባቡር ኣብ መስመራ እትጋዓዝ ዘሎ ተጋጭዩ ንነብሱን ሰብን ለኪሙ ዝዓኑ፡ ከምኡ እዩ ክኸዉን።

መፍትሒኡ ድኣ እንታይ እዩ፡ መፍትሒ እዚ ተጓሂዱ ዘሎ ጸገማት ሓንትን ንጽርትን እያ። ስርዓት ... ከም ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ስርርዕ ስለዝወደቀ ንምጽጋኑ ፈጺምካ ዝክኣል ኣይኩነን። እንታይ ድኣ ብሓድሽ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ስርርዕ ምትክኡ ጥራይ እዩ። እሞ ድኣ ብከመይ ክቕየር እዩ ዝብል ሕቶ ክልዓል ስለዝኽእል ክልተ መገድታት ጥራይ እየን ዘለዋ። ቀዳማይቲ እቲ ስርዓት ብዉድቀቱ ተኣሚኑ፡ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ኢሉ ንፖሎቲካዊ ሃገራዊ ዕርቂ ከካይድ ፍቃደኛ ምስ ዝኸዉን ክኸዉን እንኮሎ። እታ ካልኣይቲ መገዲ ድማ ካብ ዉሽጣዊ ማሕበራዊ ጸጋታትና ዝነቐለ ዉዱብ ህዝባዊ ናዕብ ብምንቃል ፖሎቲካዉን ማሕበራዉን ሰዉራ ብምክያድ ጥራይ እየን። ካብዚ ሓሊፉ ሳልሳይ ራብዓይ ምርጫታት ንዕንወት ጥራይ ዝመርሕ እምበር፡ ቡዙሕ ትርጉም ዝዋሃቦ ኣይኮነን።

ወድሓንኩም!

ያፌት 10/04/2008

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: