Eritrea real clear politics's Weblog

September 17, 2008

መልሲ፡ ብያፌት ካልኣይ መዓልትን ገጽን

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:37 pm

 

ኩቡር ሓዉ ጎዶና ሓርነት…………………….ትማሊ ካልኣይ ገጽ ናይ ዘቕረብካዮ ርእይቶን መፍቲሕኡን ከም ሓፈሻዊ ርእይቶይ ኣቀሚጠ ነይረ፡ ሎሚ መዓልት ግን ኣብ ዝርዝራት ናይ ዛዕባ ምስ ታሪኽናን ህሉዉ ኩነታትናን ብምዝማድ “”ኣብ ጠንቅታት ስደትን መጻኢ መፍትሒኡ ኣብ ኤርትራን“” ክዛረብ እየ። ኣቀዲመ ግን ክእርሞ ዝደሊ ኣብ ቀዳማይ ጽሕፈይ ብናይ መፍት ሰሌዳ መጥምዕ ጌጋ ካብ ሱዳን ብሓገዝ UNHCR 10,000 ንኤርትራ ዝተመልሱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣሃዝ ተጻሒፉ ዘሎ ሓንቲ ዚሮ ኣጉዲለላ ስለዘለኹ ኣስታት 100,000 ተባሂሉ ክንበብ ይሕብር።

 

ብዛዕባ ጠንቅታት ስደትን መጻኢ መፍትሒኡ ኣብ ኤርትራን ክንዛረብ ኣብ ንዉስነሉ ወቕቲ፡ መጀመርታ ነተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ኤትኒክ ጉጂለታት፡ ማሕበራዊን ምጣኔሃብታዉን ስርርዓተን፡ ባህልታተን፡ ኣብ ባይታ ዝነበረ ኣካላዉን መንፈሳዉን ኩዉንነትን ዉሽጣዉን ግዳማዉን ግርጭታትን ተጻብኦታትን ነቲ ኣብቲ ጂኦግራፊካዊ ክሊ ዝነብር ህዝቢ ዝነበሮ ክንመሚ ዝግባኣ እዩ

 

እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ኣህዛብ፡ መሰረቱ ካብ ዝተፈላለየ መቦቆልን ዝተፈላለየ ጂኦግራፊካዊ ክልላት ዝሳገመ ንኤርትራ ምኻኑ ኣብ ቡዙሕ ናይ ታሪኽ መጽሓፍት ተገሊጹ ይርከብ። መቦቖል ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰለስት ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ዝቖመ እዩ። ንሶም ድማ፡

1.ኒላዊ ወይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ሰረት ዘለዎ {Nilotic Race} ኣብዚ እዋን ኣሰራቱ ንኤትኒክ ጉጂለታት ናራን ኩናማን ዝገልጽ እዩ።

2.ሓማዊ ወይ ኩሻዊ ሰረት ዘለዎ {Hametic or Kushetic Race} ናብ ኤርትራ ሕጂ ዝባሃል ዘሎ 5000-3000 .. ዝኣተወ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣሰራቱ ንኤትኒክ ጉጂለታት ሕዳረብ፡ ብሌን፡ ሳሆን ዓፋር ዝገልጽ እዩ።

3.ሴማዊ ሰረት ዘለዎ {Semetic Race} ናብ ኤርትራ ሕጂ ዝባሃል ዘሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሒሩ ዝኣተወ   ኣስታት 1000 .. ኮይኑ፡  ኣብዚ እዋንዚ ኣሰራቱ ንኤትኒክ ጉጂለታት ትግረን ትግርኛን ዝገልጽ እዩ። ብዘይካ እቲ ዘመን ኣምጾ ኤትኒክ ጉጂለታት ሃዉሳ፡ ይዳን ዳህሊክያን ዝባሃላ እየ ክዛረብ ጸኒሔ።

 

እዚ ድማ ዘገንዝበና ጉዳይ እንተሃልዩ ብዘይካ ኒላዉያን ካልኦት ኣህዛብ ንኤርትራ ዞቖሙ ገሊኦም ካብ ወሽመጥ ዓረብ ገሊኦም ካብ ሴሜናዉን ደቡባዊ ኣፍሪቓ ዝሳገሙ ምኻኖም እዩ። ኣብቲ ቀደም ዘመን ስደት ዝብሃል ቃልን መስርሕን ኣይነበረን። እንታይ ድኣ ስልጣኔ ኣህዛብ ክሕይልን ክዓብን እንኮሎ ንሳቶም ዝቛጻጸርዎ ቦታ ሓንሳብ እንዳገፍሔ ፡ሓንስብ ድማ እንዳተሸምረረ ስለዝኸይድ። ኣብ እዋናት ምግፋሕን ምሽምራርን ስፍሓት ግዝኣታት ወሲባዊ ምፍራይ ወይ ኣብ ዝነበርዎ ምትራፍ ናይ ኣህዛብ የጋጥም ከምዝነበረ ኢና ክንርዳእ እንኽእል።

 

ሕብረተሰባት ኤርትራ ኣማጻጽእኡን፡ ምዕብልንኡን ዝነብረሉ ዝነበረ ጂኦግራፊካዊ ክልላት ይፋላለ እኳ እንተነበረ፡ ነንሕድሕዱ ተኻባቢሩ ብሰላምን ፍቕርን ዝነብር ዝነበረ ሕብረተሰባት ዮም ንነዊሕ ዘመናት ድማ ጊሊኡ ቀዋሚ ዓድታት ብምምስራት ምርባሕ እንስሳን ዜቤትን ማሕረስ ብምልፋን፡ ገሊኡ ድማ ሰብሳግማዊ ጠባያት ሒዙ ኣብ ምርባሕን ጉስነት እንስሳ ዜቤት ዝተመርኮሰ መናባብሮ ሒዙ ክጓዓ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ እዉን እንተኾነ ኣስራቱ ኣብ ኤርትራ ህሉዉ እዩ። ብሓፈሻዊ ኣዛራርባ ሕብረተሰባት ኤርትራ ካብ ኣስታት 5000 .. ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ 2007 .. ኣብ ዉሽጥ ጂኦግራፊካዊ ክሊ ኤርትራ ዝነብር ዝነበረን፡ ዝነብር ዘሎን እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይክመስልን እዩ።

 

ምስ ዘመናዊት ሃገር ኣብ ዓለምና ኣብ 16 ክፍለ ዘመን፡ ኣንካይዶ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መላእ ዓለም እዉን እንተኾነ፡ ነህዛብን ንዝነብሩሉ ዝነበሩ ክሊ ጂኦግራፊካዊ ቦታታት ያይርዎ እዩ። ኤርትራ ከም ዘመናዊት ሃገር ብመሰረት ዋዕላ በርሊን ጥሪ 1885 ኣብ በርሊን ዝተኻየደ፡ ኤርትራ መበል 54 ሃገር ኣፍሪቃ ኮይና ቆይማን ከም ብጽሒት ግዝኣት ሃገር ኢጣልያ ስለዝተወሰነ፡ 1889 ... ድማ ከም ግዛኣት ጥልያን ኮይና ተኣወጀት። እዚ ስለዝኾነ ግን ኤርትራ ምስ ስግር ዶባታ ዘለዉ ኣህዛብ ደማዉ ታሪኻዉን ዝምድናታት የብሎምን ማለት ኣየስምዕን እዩ።

 

ኤርትራ ከምዘመናዊት ሃገር ካብ ቆመት፡ ዝኾነ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር መቦቖላዉን ፖሎቲካዉን ዜግነት ዘለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ዝብል ፖሎቲካዊ ዜግነት ከጽልል ስለዘለዎ፡ ኤርትራዊ ዝብል መንነትን ዜግነትን ክህልዎ እዩ። ካብ ዉሽጥ ሃገር ንኻልእ ሃገር ክንቃሳቀስ እንተኾይኑ እዉን፡ ንመንነቱ ዝገልጽ ናይ ዓዓዚ ሕጋዊ ሰነዳት (Travel docoment) ኩህልዎ ኣለዎ ማለት እዩ። ሳባዊ ስለዝኾነ ትም ኢሉ ናብ ካልኦት ሳባዉያን ሃገር ክኣቱ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ።

 

ኣብ ባህላዊ ሽነኻት ብጥምረት ክንርኢ እንተሃቂና፡ ብዘይካ ንመግሃጫ ዝስተ-ማይ ንመጭዓናን ጥሪት እንስሳ ንምንዳይ ዝካየድ ምስጓማት ካልእ ከምዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። ስሕት ኢሉ መሳፍንት ከበሳታት ንትግራይ ነይሮም፡ ናይባት ቀይሕ ባሕሪ እዉን ንየመንን ሱዑድን፡ ነተባት ሽማግሌታት ባርካ እዉን ንሱዳን፡ እዚ መገሻታት እዚ ግን ምስ ምምሕዳርን ዝምድናታቶምን ዝታኣሳሰረ ድኣ እምበር ስደት ወይ ምስጓም ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብ ባህሊ ሳባዉያን ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዝነብሩ፡ መንነትን ወዳባትነትን ምስ ዋንነት ትሕዞ መሬትን ጤሳን ተዛሚዱ ዝግለጽ ስለዝነበረ፡ ካብ መንደፈራ ንከረን ወሪዱ ክሰርሕ እንተወሲኑ ከም ሱዱድ እዩ ዝፍለጥ ዝነበረ። ዝተሰደ ሰብ ድማ ክብረት ዝጎዶሎ ሰብ ይዉሰድ ብምንባሩ፡ ርሱቱን ጤሱኡን ሓዲጉ ዝስደድ ኣዝዩ ብኣቻብዕ ዝቑጸር እዩ ዝነበረ

 

ኣብ ዓለምና ነቲ ዳግም ብሰላምን ምዕባሌ እንዱስትሪያላዊ ሰዉራ ረጊኡ ዝነበረ ሂወት ወድስብ ዝባህደሎ ቀዳማይን ካልኣይን ኩናት ዓለም ብሓፈሻ ክኸዉን እንከሎ፡ ብፍላይ ድማ ፈተነ ምጽናት ኣይሁዳዉያን ዓሌት ብፋሽሽታዊ ስርዓት ናዚ ጀርመን ዝተካየደ እዩ። ኣብ እዋናት እዚ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምጽናት ዓሌትነ ስለተጋህደ። ንኩሉ ፖሎቲካዊ ኩነታት ዓለም ቀይርዎ እዩ መጀመርታ ነቲ ከም ዉጽኢት ዋዕላ ሰላም ፓሪስ ዝፍለጥ ድሕ ምዉድኡ ቀዳማይ ኩናት ዓለም 1919-1920 ...ዝተመስረተ ዓለምለካዊ ዉድብ ማሕበር ሃገራት ዓለም (League of Nations) ብግብሪ ክሰርሕ ስለዘይክኣለ፡ ድሕሪ ምዉዳእ ካልኣይ ኩናት ዓለም 1945 .. ዓለምለካዊ ዉድብ  ሕቡራት ሃገራት ዓለም (United Nations (UN) ተተክኤ።

እዚ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ብቅርጹ ብትሕዝትኡ ሓዲሽ ኮይኑ ዓለምለኻዊ ሕጊ (international law), ዓለምለኻዊ ጸጥታ (international security) ,ምጣኔሃብታዊ ዕብየት ( economic development), ማሕበራዊ ምዕብልና (social progress) ሰብኣዊ መሰል ( human rights) ዛዕባታትን ጠቀሳትን ዓለምለኻዊ ግታት ስለዘጽደቀን ኩለን ሃገራት ዓለም ድማ በዚ ልዕልና ዓለምለኻዊ ሕጊ ክምዘዛ ስለዝተሳማምዓ፡ ካብዚ እዋንዚ ጀሚሩ እዩ ስደት ፖሎቲካዊ ትርጉምን ትግባረን ክሕዝ ዝጀመረ። ካብቲ ማሕበረሰብ ዓለም ዘጽደቖ ሕግታት ወጻኢ፡ ኣብ ዉሽጥ ሃገራን ህዝባን ተማሓድር መንግስት፡ ብዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ኩናኔ ይግበረላን፡ ካብኣ ኣምሊጦም ዑቕባ ዝሓቱ ዜጋታት ድማ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ኣብ ካልኣይት ወይ ሳልሰይቲ ሃገር ይዉሃቦም እዩ።

 

ከም መቀጸልትኡ ድማ ኣድማሳዊ ዉዕል ሰብኣዊ መሰላት (Universal Declaration of Human Rights (UDHR) ብባይቶ ጸጥታ (A/RES/217, ብዕለት 10 ታሕሳስ 1948 ኣብ ፓላይስ ናይ ቸይሎት, ፓሪስ ስለዝተኣወጀ፡ ብንጹር መን እዩ ስደተኛ (asylum seeker) ኣነጺርዎ ኣሎ።

ቀጺሉ ብመሰረት ናይ 1951  ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዉዕል (United Nations Convention) እዉን ሓደ ስደተኛ ዝባሃል ዕቕባ ሓታቲ ነዮኖት ሮቓሒታት ከማልእ ከምዘሎዎ ብዝርዝር ኣብኡ ሰፊሩ ስለዘሎ ምዉካሱ ይክኣል እዩ።

 

ካብዚ ጭቡጥ መወከሲታት ብምንቃል መን እዩ ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዑቕባ ዝብል ሕቶ ኣኳታዒ ክኸዉን ከምዘይኽእል ሓዉና ጎደና ሓርነት ትርድኣኒ ትኸዉን ዝብል ተስፋ ኣለኒ።

ካብ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ስደት ክልተ መልክዓት ሒዞም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ።

 

1. እቲ ዳማይ ስደት፡ ካብ ሃገርካ ናይ ስራሕ ዉዕል ኣብ መንጎ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ሓባራዊ ስምምዓት ተፋራሪምካ፡ ብፓስፖርት ሃገርካ ንዉሱን ዓመታት መንበሪ ቪዙም ተዋሂብካ ኣብ ካልእ ሃገር ተሰዲድካ ክትሰርሕ እንኮሎኻ እዩ። እዚ ዓይነት ስደት ብባህሪኡ ምጣኔ ሃብታዉን ስራሓዉን ስደት እዩ።

 

2. እቲ ካልኣይን ኣዛራብን ዛዕባና ሕጂ ኮይኑ ዘሎ ዓይነት ስደት ድማ፡ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ፖሎቲካዊ እምነቱ፡ ዓሌቱ ወይ ኤትኒክ ጉጅልኡ፡ መንፈሳዊ እምነቱ፡ መባእታዊ ሰብኣዊ ሓርነቱ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ዘይ ሰብኣዊ ኣካላዊ ምዝመዛ፡ ገበናት ኢሰብኣዊነት፡ መግረፍቲ፡ ማሕየርት፡ ሓዉሲ ዉዕለቱ  ዘይረኽበሉ ማእቶታዊ ኣገልግሎት……………... ነዚ ብምቕዋም፡ ስድርኡን ሃገሩን ሓዲጉ ዝስደድ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስደት ስለዝኾነ፡ ፖሎቲካዊ ሓታቲ ዑቕባ እዉን እዩ።

ኤርትራዉያን ሓተቲ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ወይ ፖሎቲካዊ ደተኛታት ጌና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን እንኮላ 1953 ... እኳ እንተጀመረ፡ንመጀመርታ ብዕስለ ዓዱታቱ ሓዲጉ ካብ ማሕረድቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተሰደሉ ህዝቢ ኤርትራ ግን 1967 ... ኮይኑ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት መመላእታ ኣስታት 70,000 ኤርትራዊ ንሱዳን ተሰዲዶም። ቀጺሉ ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ድማ ኤርትራዊ ካብ መጻወድያን ቅንጸላን መግዛታዊ ስለያን ሰራዊትን ንምድሓን ይስደድ ከምዝነበረን ከምዝተሰደን ኩላህና ንፈልጦ ሓቒ እዩ።

 

ኤርትራ 24 ግንበት 1991 ... ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ብመሪሒነት ዉድብ ... ሓራ ምስ ወጸት እዉን፡ ኤርትራዉያን ከንሶም ምስ ስርዓት ደርጊ ዝሰርሑ ዝነበሩን፡ ኤርትራዉያን ንስርዓትን ምሕደራን ፖሎቲካዊ ዉድብ ... ዝጻባኡን ዘይቕበሉን ጽልዋ ናይ .. ዝነበሮም ዜጋታት እዉን፡ ሃገር ናጻ ክትወጽእ እንኮላ ብህ... መታ ከይህደኑ ስለዝሰግኡ ንስደት ከምዘምርሑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚኣቶም እዉን ናይ ፖሎቲካ ስደተኛታት ምኻኖም ርድኡ እዩ።

 

ኤርትራዉያን ካብ 1991-1993 .. ኣብ ሕጽኖትን እፎይታ ምስትንፋስ ናጽነት እኳ እንተነበርና፡ እቲ ፖሎቲካዉን ምጣኔሃብታዉን ማሕበራዉን ዲፕሎማስያዉን ምሕደራ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ዝተዋጃበረን ዘይንጹር ስለዝነበረ፡ ዳርጋ ኩሉ ዜጋ ሰኸኽ ካብ ምባል ሓሊፉ “”ኣታ እዞ ቖልዑ ሃገርን ህዝብን ኣማሓዲሮም ክኽእልዎ እዮም“” ዝብል ሕቶታት እዩ ከንሂ ጀሚሩ! ሽዑ ንሹዕ ድማ ኣብታ ዓመት እቲኣ ካብ ኢትዮጵያን ካብ ሱዳንን ካብ ስደት ተመሊሶም ኣብ ሓዝሓዝን ሳላሳ ኣምስተኛ እንዳፍራስ ጥልያን ዝነበረ ድማ ኣብ 1995... ገዛዉቲ ብክሻ፡ ተንኮቦት፡ ዚንጎን ጭቓን ሰሪሖም ግዝያዊ መዕቐሊታት ሰሪሖም ክነብሩ ጀሚሮም ዝነበሩ ዜጋታ መንግስት ኤርትራ ንሓንቲ ቦጦለኒ ናይ 525 ሰዲዱ ኣፍሪሱ ካብኡ እንዳሃረመ ስለዝጸረጎም፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ነናብ ዝነበርዎ ናይ ስደት ሃገራት ንኢትዮጵያን ሱዳንን ተመሊሶም። ስለዚ ፖሎቲካዊ ስደት ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993 ... ብድፍረት ጀሚሩ እብል።

ቀጺሉ ናይ 1990 ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ንነብስወከፎም ሓሙሽተ ሽሕ ብር ተዋሂቦም ስለዝተጣየሱን፡ እቲ ምጥያሶም ምኽንያት ድማ  መንግስት ኤርትራ“”ብመሳሪሒ ናይ ዝኾነ ፖሎቲካ ሓይሊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ገምጋም ዘጣይስም ዘሎ “” ዝብል ሕሜታታት ስለዝነበረ፡ ብዘይካ ዉሑዳት ብሙልኦም ሽዑኡ ፕሮሶስ ዝባሃል መገዲ መሳለጢ ስደት ብኢትዮጵያ ስለዝነበረ፡ ንኢትዮጵያ ብምኻድ ነቲ ዝነበረ መስርሕ መካኒዝም ስደት ተጠቂሞም ተሰዲዶም እዮም።

 

ቀጺሉ መንግስት ኤርትራ ካብ 1993-1996 ... ኣስታት 56,000 ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት  ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ብዘይ ኣጋባብብዘይ ንጹር ናይ ምጥያስ መደባት፡ ብዘይ ንጹር ምኽንያታት ስለዘጣየሰ ዳርጋ እዚኦም እዉን፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣጋባብ ምጥያሳት እቲ መንግስት ብምቕዋም መብዛሕትኡ ሃገሮም ሓዲጎም ተሰዲዶም ዮም

ካብቶም ኣብ 11 ታሕሳስ 1994 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ማይ ሓባር ብጭኻኔ ሕቶታቶም ዝተዓምጸጸ ዉጉኣት ሓርነት እዉን፡ ነቲ መንግስት ኤርትራ ዝወሰዶ ጨካንን ኣስካሕካሕን ወትሃደራዊ ስጉምቲ ብምቕዋም፡ ሓያሎት ካብኣቶም ተሰዲዶም እዮም።

ኣብ 1995 .. ብምኽንያት ቅርጥዉ ኣጋባባት ኣሳራርሕ መንግስት ንምትእትታዉ ተባሂሉ፡ ብኣድልዎ ኣስታት 5000 ዜጋታት ካብ ዝነበርዎ ቀዋማ ስርሖም ስለተሰጉ እዚኦም እዉን ዳርጋ ፍርቖም ተሰዲዶም እዮም። ኣብ 1994 ኣባላት ናይ እስላማዊ ጂሃድ ኢኾም ብምባል መንግስት ኤርትራ ቡዙሓት ኣብ ከተማታት ኣስመራን ከረንን ምስ ኣሰረ፡ ቡዙሓት ዜጋታት ኣመንት ምስልምና በዚ ርዒዶም ሃገሮ ሓዲጎም ዝተሰዱ ዉን ቡዙሓት ኣለዉ፡ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ እዩ…………………………………………………….! ..

 

ኩናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዶብ ተሰቢቡ ምስ ተወልዔ፡ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ብቀጥታ እቲ ኩናት ስለዝጸልዎም ኣስታት 900,000 ዝግምገሙ ንሱዳን ኣትዮም እዮም። እዞም ስደተኛታት ዚኣቶም ዉጽኢት ናይቲ ኩናት ዝፈጠሮ ስደተኛታት እኳ እንተኾኑ፡ ከም ናይ ኩናት ዝፈጠሮም ተዛናበልትን ስደተኛታት ዝራኣዩን ዝፍለጡን እዮም። ንሶም ጥራይ ዘይኮኑ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊኦም ንሱዳን ዝኣተዉ ኣስታት ሓንቲ ቦጦለኒ ሰራዊት ኤርትራ እዉን መብዛሕትኦም ኣብ ሱዳን ዕቁባ ሓቲቶም፡ ዉሕዳት ድማ ንሃገሮም ተመሊሶም እዮም።

 

በል ሓዝ!……….. ኩቡር ሓዉ ጎደና ሓርነት እዚ ኩሉ ኣቀዲመ ዝገለጽክዎ እተዉን መሰረትን ንቀጺ ክብሎ ዝደሊ ጉዳያት መሰረት ንክኾነኒ  ብማለት እየ ክዝርዝሮ ዝጸናሕኩ። ድሕሪ ዉዕል ኣልጀርስ  ኣብ መንጎ መንግስት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍራሙ፡ ኣብ ዉሽጣዊ ፖሎቲካዊ ሂወት መንግስት ኤርትራ ቅድዉ ከምዘይነበረ ትኽሕዶ ኣይመስለን።

እቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ቁጽሪ-ብዝሖም ብዘየገድስ ኣብ ሰለስተ ወገናት እዩ ተመቂሉ። ንሱ ድማ፡

1.ገለ ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ፡ ኣብ መበል 13 ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 29/09/2000-02/10/2000 .. ኣብ ዝተቃንዔ፡ ኣብ ርእስ ካልኦት ነጥብታት ሓቐኛ ገምጋማት ክግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ንድሕሪት ዝያዳ ንቕድሚት ብምጥማት ድማ 4 ጉባኤ ግንባር ዝግበረሉ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ዝትከለሉ ፍሉት ደረት ግዜ ክግበር፡ ንዕኡ ዘዉሕስ ክንጸፍ ዘለዎ ስጉምትታት ክዉሰዱ፡ ክጸንዑ ዘለዎም ጉዳያት ክጸንዑ……….. ዝብል ጠለባት ዉሳኔን ደፍኡ ነይሮም እዮም።

2..ምስ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣንጻር  ናይ ቀዳማይ ጠለብ ደዉ ዝበሉ እዉን ነይሮም እዮም።

3.ትም ኢሎም ነዚ ክልተ ተጻረርት ጉጂለታት ዝዕዘቡ፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ምስቲ ዝሳዓረ ክጽግዑ ዝወሰኑ ዉን ነይሮም እዮም።

ዘይምርድዳእ እቲ ሃገራዊ ይቶ ዝፈጥሮ ጽልዋታት ኣብቲ ሕብረትሰብ ክህሉ ከምዝኽእል ቡዙሕ ንፋላላ ኣይመስለኒን። በዚ ዘይምርድዳእ ዝተጸልዉን ቀጺሉ በቲ ናይ 2001 .. ፕረሲደንት ኢሰያስ ብመገዲ //... ኣንጻር እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብትሕተሃገራዊነትን ሃገራዊ ክሕደትን ክኸሶምን ጎስጓሳትን ከካይድ ምስ ጀመረ፡ ብዘይካ እቶም ዝተኣስሩ ካልኦት ኣባላት እቲ ሃገራዊ ባይቶን ስዓብቶምን  ጋዜጠኛታትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ……….ወ.ዘ.ተ. ቡዙሓት ተሰዲዶም እዮም።

ቀጺሉ እዉን ምርዳእ መስዋእቲ ናይቶም ኣብ 1998-2000 ... ኩናት ዶብ ምስኾነ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊትን ህዝብን ዓቢ ኣዛራቢ ኩነታት ከምዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ! ንሱ ድማ ኣብቲ ግዝየ ኩናት ወትሃደራዊ ዓንቀጽ 500 ዝፍለጥ ዝተቀጽዑን ዝተቀንጸሉን ስድራቤቶም ኣሕዋቶም ንበለዛ / ሚኒስትሪ ምክልኻል ተጸዊዕኦም እዮም መስዋቶም ተነጊሮም። ክንገሩ እንከለዉ ድማ ቦታ ዕለት ዘይብሉ ወድኹም ወይ ሓዉኹም ተሰዊኡ ጥራይ ትብል መርድእ እያ ዝተነግረቶም እዚ ዝተፈላለየ ጉዳይ እዚ ዘፈልፈሎ ማዓት ስደት ዜጋታት እዉን ኣሎ። ይመስለካ ካብዞም ክሎም ዝጠቀስክዎም ኩነታት ቑጠባዊ ኩነታቱ እዩ መስደዲኦም ክባሃሉ ይክኣል?

 

ኩቡር ሓዉ ጎደና ሓርነት……….. ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዋጅ 82/1995 ... 23 ጥቕምቲ 1995 .. ዝተኣወጀ ንበቦ። ሓደ ዜጋ 6 ኣዋርሕ ወትሃደራዊ ታዕሊም፡ 12 ኣዋርሕ ድማ ንጡፍ ወትሃደራዊ ሃገራዉን ኣገልጉሎት እዩ ዝብል። ሕጊ መንግስት ኤርትራ ባዕሉ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣን መራኸብብዙሓን ግቡእ ዜጋ 18 ወርሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል እንተኾይኑ፡ ብሓይልን ብምጭፍላቕን ድማ 12 ዓመታት መመላእታ ዜጋ ከገልግል ገድዶም እንተኾይኑ፡ ኣብ ኤርትራ   ኣሎ ማለት እዩ። ቡኹረት ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈኖ ሃገርን መንግስትን ድማ መጀመርታ መርኣያ ስደት እያ። ሓደ ዜጋ ሃገራዊ ጉብኦይ 18 ኣዋርሕ ኣገልጊለ ክበቕዕ፡ መንግስት ብኣስገዳድ 12 ዓመት ኣስሪሑኒ ኢሉ ፖሎቲካዊ ዑቕባ እንተሓቲቱ ቁቡል እዩ።

 

ዜጋታት ኤርትራ ራሕሪሖም ክስደዱ እንተጀሚሮም ድማ ዘይምሕር ሮቛሒ ዉድቀት ሃገረ ኤርትራን መንግስት ኤርትራን እዩ። ድሕሪ 2001 .. ኣስታት 16,000 ዜጋታት ንኢትዮጵያ፡ ኣስታት 1300 ዜጋታ ንየመን 970 ዜጋታት ንሱዕድያ፡ ኣስታት 6000 ዜጋታት ንደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣስታት 4500 ኬንያ ኡጋንዳን ታንዛንያን፡ ኣስታት 69,000 ንሱዳን፡ ኣስታት 5000 ንመላእ ካልኦት ሃገራት ዓለም ተሰዲዶም ኣለዉ።

ሓዉ ጎደና ሓርነት እዚ ኣሃዝ እዚ ቀሊል ኮይኑ ይስማዓካ?  በብሓደ ሰብ ዉሓደ ከምዝባሃል፡ በብሓደ ተሰዲድና እንተተሸሪብና ኤርትራ ትብሃል ሃገር ትህሉ ይመስለካ? ዳርጋ ኤርትራዉያን ሮማንጂፕሲ ከምዘሎና ቁርብ ኣይስቖካን እዩ?

ኣብ ወዳእታ ጽሑፍካ ማሕበራዊ ጸጋታትና ካይባታተን ኣብ ክንዲ ትምዕድን ቁምነገረኛ ምኽሪ ዜጋታት ክትህብ ኣብ ክንዲ ትህቕን ከምዚ ኢልካ፡-

“”እሞ ድኣ ተማጐትቲ!? ስደት ክቕጽል ይኽእልዩ። እቲ ንሃገር ክሃንጽ እተዋደደ መንእሰይ ከኣ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ስርሑ ክቕጽልዩ። እቶም ምስ ተሰደዱ ብዓዶም ዝሓሙ ዜጋታት ከኣ ንሃገሮም ምብርካት ክቕጽልዎዮም። እቲ ኣብ መስርሕ ህንጸት እትርከብ ሃገር ከኣ ክትህነጽያ። ሽዑ ስደት ንደገ ዘይኰነስ ስደት ንውሽጢውን ክህሉ ይኽእልዩ። ህንዳውያን መምሃራን ናብ ኤርትራ ምስዳድ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቕጺሮም ኣለዉ። ካብ የመንን ካልኦትን ዝመጹ ኣዕራብውን ናብ ኤርትራ ክስደዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ዲባያውያንን ካልኦትን ኣውፈርቲ ኣብ መስርሕ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተጸሚዶም ኣለዉ። በብግዜኡ ኩሉ ነገር ክቕየር ቃልስን ዓቕልን ጥራይ…..””።

ናይብሓቂ ዘሕዝን ዘረባ እዩ! እቲ ተሰዲዱ ዘሎ ዜጋ ንሃገሩ ክምለስ ከም ዳግማይ ስደት ዲካ ትወስዶ? ዓቢ ጌጋ ዘረባ እዩ። እቶም ህንዳዉያን እቶም ኣዕራብ ንኤርትራ ክሃንጹ ዘይኮነ ንኤርትራ ዝመጹ፡ ንባህርያዊ ሃብቲ ኤርትራ፡ ንዕዳጋታት ኤርትራን ንሑሱር ጉልበት ኤርትራን ክምዝምዙ እዮም ዝመጹ። ኤርትራዊ ዜጋ ብፖሎቲካዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ ማሕበራዊን ዲፕሎማስያዉን ፖሊሲታት መንግስት ኤርትራ ተሳናቢዱ ስለዝተሰደ፡ እኹልን ብቑዕን ዉሽጣዊ ክእለታዊ ብዓይነትን ዓቀንን እንኮሎ፡ ተገዲድኩም ካብ ህንዲ ናይ ደገ ሸርፊ ዶሞዝ ዝወስዱ ዓዲኩም ተምጽኡ ከምዘለኹም ፍሉጥ እዩ። እተን ትረኽብወን ዘለኹም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምስተሸምረራ ግን ሽዑ እንታይ ከምዝግበር ክንርኢ ኢና።

 

ኩቡር ሓዉ ጎደና ሓርነት ብዝኾነ ፍሉጥ ኤርትራ ኣብ ህልዉ ኩነታት ከም ምርኽቲ ሃገር ኢየ ዝርእያ ዘለኹ። መዓስ ናብ ካልእ ዓይነት ፍሽለት ትጎዓዝ`ግን መዓልትን ስዓቱን ዝዉስኖ ዳይ ኣይኮነን። ብማዓት ወትሃደራዊ ዕንደራን ምጣኔ ሃብታዊ ብልሽዉናን ደም ዋሕዲ ዘጥቕዓ ሃገር ድያ ክትኸዉን ወይስ ናይ ሕንፍሽፍሽ ሃገር ግዜ ዝምልሶ ሕቶ እዩ።

ብዝኾነ ኩቡር ሓዉ ጎደና ሓርነት ንኣኻ ይኹን ንናቕፋ ንትኣምኑሉ ዕላማ ንምግላጽ ኣብ መጋባእያ ክትዕን ርእይቶን መጺኹም ምክታዕኹምን፡ ብንጹር ርእይቶኹም ምፍሳስኩምን ብጣዕሚ ደስ ዘብል ሕቶ እዩ። ዋላካ ፖሎቲካዊ ፍልልያት ይሃሉና፡ ፖሎቲካዊ ፍልልያትና ብምዝታይን ብእንካን ሃባን ንክንፈትሖ ክንቃለስ ድማ ይጽዉዓኩም።

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: