Eritrea real clear politics's Weblog

September 17, 2008

ናይ ኩናት ምናልባትነት ኣብ ሃገርና ይዝንቢ ኣሎ!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:04 pm

ድሕሪ ወከልት መንግስት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣካላዊ ምሕንጽጽ ዶብ ብዝምልካት ርክባት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብኣማላዲነት ኮምሽን ዶብ ኣብ ከተማ ሄግ (ሆላንድ) ብዕለት 6-7 መስከረም 2007 .. ምክያዱን፡ ብዘይ ዝኾነ ተግባራዊ ቁሩብነት ምዝዛሙ፡ እቲ ምናልባትነት ናይ ዳግም ምዉላዕ ኩናት ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ተኽእሎታት ስግኣታት እንዳዓረገ ይኸይድ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ስክፍታት”ዚ ድማ ዝተፈላለያ ዓለምለኻዊ መራኸቢ-ቡዝሓንን ዝተፈላለዩ መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ትካላት፡ ጉጂለታት፡ ዉድባትን መንግስታትን ይገልጽዎ ኣለዉ።

ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣብቲ ርክባት እዉን፡ እንተድኣ ክልቲኡ መንግስታት ክሳብ መጨረስታ ናይ ወርሒ 11/2007 .. ንኣካላዊ ምምልካት ዶብ ንምትግባር ድሉዉ እንተዘይኮይኑ፡ ኮምሽን ዶብ ንዉሳኒኡ ኣብ ፖሎቲካዊ ካርታ (Map) ብምስፋር ተልእኾ ዝተመዘዘሉ ዕማም ክዉድእ ምኻኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ እዋን እዩ ድማ ብመራኸቢቡዙሓን ማሕበረሰብ ዓለም ይኹን ብመራኸቢ ቡዙሓን ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዋቓዒ ምናልባትነት ዉግእ ዜናታት ዝቃላሕ ዘሎ። ምስእዚ ተዋቋዒን ተጋላባጥን ዜናታት፡ ኣብ ባይታ እዉን ብወገን ክልቲኡ ሃገራት ስነኣእምራዊ፡ ሎጂስቲካዊ፡ ዓቕሚ ሰብኣዊ፡ ስለያዊ፡ ፕሮፖጋንዳዊ….... ምቕርራባት ኣሎ። እቲ ንኩናት ንምስልሳል ዘድሊ ትሕዞታት (Package) ድልዉ ኣሎ፡ ዛጊት ግን ቃታ-ብረት (Trigger) ኣይተሳሕበን ዘሎ።

እቲ ዝኸይድ ዘሎ ወትሃደራዊ ምቕርራባት ናብ ግብራዊ ኩናት ናይ ምልዋጡ ርጉጽ ተኽእሎ ማዕረ ክንደይ እዩ? ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኩናት ካይጅመር እንታይ ጻዕርታት ኮን ክገብር እዩ? ብኸመይ መልክዕ ክጋሃድ እዩ ማለት ቀጥታዊ ኩናት ድዩ ወይስ ብኢደኣዙር (proxy): መንቀሊን ዕላማን እቲ ኩናት ፍትሓዊ ድዩ? ጠንቕታት እቲ ኩናት እንታይ እዩ………... ዝኣመሰላ ሕቶታት ንግዚኡ ኣወንዚፈ፡ ኣብ ሕጋዉነት ናይቲ ኩናት ክዛረብ ወሲነ ኣለኹ።

ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጽያን ኤርትራን ብዶብ ተሳቢቡ ዝተኻየደ ኩናት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ናይ ዶብ ጸገም ነይሩ እኳ እንተኾነ፡ ቀንዲ መንቀሊ እቲ ኩናት ጠንቂቡዛሓዊ (Multi-causal) እዩ። ቅድመዶባዊ ጸገማት ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ ምሕደራዉን ጸጥታዉን ፍልልያት እዉን ኣለዉዎ። ስለዚ ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ ምሕደራዉን ጸጥታዉን ፍልልያት ኣሎና ተባሂሉ፡ ከም ክልተ ልዕላዉያን ሃገራት ንኩናት ክኸዳ ስለዘይኽእላ፡ ንኩናት ሕጋዊ መንቐሊ ዝኸዉን እቲ ናይ ዶብ ሕቶ ስለዝነበረ፡ ብጥብቖ ምኽንያት ዶብ ተሳቢቡ ንኩናት ኣትየን። ስለዚ እቲ ንኩናት ምኻድ ሃዉራዊ (Randomly) ኣይነበረን ክባሃል ይክኣል።

ንማሕበረሰብ ዓለም መንግስት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኩናት ዘእተዎም ቀንዲ ጸገማት ዶብ ከምዝኾነ ኣፍለጥኦም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዶብ ጥራይ ከምዘይኮነ እንዳፈለጡ ከንሶም፡ ነቲ ግርጭት ከም ናይ ዶብ ግርጭት ገይሮም ክሕዞዎ ወሰኑ። ገና እቲ ኩናት እንዳተኽየደ እንኮሎ ብረዋንዳን ኣመሪካን ዝተፈተነ ዕርቂ እኳ እንተነበረ፡ ክዕወት ኣይተኻእለን። ድሕሪ ቡዙሕ ጻዕርታት ግን ብመጸዋዕታ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ 29 ግንቦት ክሳብ 10 ሰኔ 2000 .. ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ብኣቦ መንበርነት ፕረዝደንት ቡትፋልቕ ናይ ኣልጀርያ፡ ናይቲ እዋን ኣቦ መንበር ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝነበረ ከምኡዉን ተወከልት ማሕበር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣዉሮጳ ብተሓባበርነት ዝተሳተፍሉ ዘይቀጥታዊ ቅርበታዊ ዘተ ክሳተፉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዉዕል ተጻብኦታት ምቁራጽን ቀጺሉ ንምፍታሕ ናይ ዶብ ግርጭቶም ዘኽእሎም ክሳማምዑ በቕዑ።

እዚ ስምምዕ እዚ ናይ 12 ታሕሳስ 2000 .. ሓፈሻዊ ነቲ ናይዶብን ካሕሳን ሕቶታት ካልኦት ቀጥዕታት………... ዝጠመረ እኳ እንተኾነ ኣብ ዓንቀጽ 5 ቁጽሪ17 ድማ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ወሳንን ቀያድን ምኻኑ ብጽሑፍ ዝሰፈረ እዩ። ቃል ንቃሉ ድማ ከምዚ ይብል

 

“”5/17 Decisions and awards of the commission shall be final and binding. The parties agree to honour all decisions and to pay any monetary awards rendered against them promptly””.

 

“”4/2: The parties agree that a neutral Boundary Commission composed of five members shall be

Established with a mandate to delimit and demarcate the colonial treaty border based on

Pertinent colonial treaties (1900, 1902, and 1908) and applicable international law. The

Commission shall not have the power to make decisions ‘ex aequo et bono.””

 

ነዚ ዝተሳማማዓሉ ሓዲኤን ወይ ክልቲኤን ሃገራት ምስ ዝጥሕሳ፡ ብመሰረት ቻርተር ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ምዕራፍ 7 VII ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ክዉሰድ ዝኽእል ስጉምትታት ዘጣቓልል እዩ። ልዕሊ ኽሉ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበር ሕጋዊ ዉዕላትን ስምምዓትን ብጽሑፍ፡ ብዓለምለኻዊ ናይ ቬና ዉዕል ሕጊ ስምምዓት 1969 ቅዩድ እዩ።

መንግስት ኢትዮጵያ ባዕሉ ብዘንቀሎ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ናይ መጭረስታት ቀያድን ክኸዉን ተሳማሚዑ ከብቖን ባድመ ናባና በጺሓ ተዓዊትና እንዳበለ ዳንኬራ ከምዘይገበረ፡ መስከረም 2003 .. እቲ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ርትዓዊ ኣይኮነን። ልዕሊ ኹሉ ግን ዘላቒ መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ነጸግዎ።

መንግስት ኢትዮጵያ ንዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ነጺገዮ ክብል ጸኒሑ፡ ዳግም ኣብ 25 ሕዳር 2004 ..: ነቲ ናይ ኮምሽን ዶብ ዉሳኔ ብመትከል (“in principle”) ተቀቢለዮ ኣለኹ፡ ግን ናይ ሰላም እማሜ ብዓል 5 ነጥቢ ኣዉጺና ስለዘሎና፡ በዚ እማሜ መሰረት መንግስት ኤርትራ ንዘተ ኮፍ ክብል ኣለዎ ዝብል ጠለብ እዮም ኣምጺኦም።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕግታት፡

  1. ንዝተሳማማዕካሉ ዉዕል ምንጻግ።
  2. ንዉሳኔ ዳንነት ብኻልእ መካኒዝብ ክትቕይሮ ምፍታን።
  3. ንጽሑፋዊ ዉዕላት ብመትከላዊ እምነታት ክተፋኹሶም ምህቃን ዓቢ ገበን እዩ።

ሕጊን ዉዕላትን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝነግሮን ዘተግብሮን ጽሑፋዊ መንፈሳት ስለዘለዎ፡ ብመትከል ተባሂሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን።

መንግስት ኤርትራ ብፍጹም ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተባህለ መንጸግት ዉሳኔን ኮምሽን ዶብን፡ ሓድሽ እማሜ ዘተ ነጺግዎ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ክንዲ ነቲ ሕጋዊ ስምምዕ ከተግብር ጸቕጥታት ክገብር ዝህቕን ንናይ ሰላም እማሜ መንግስት ኢትዮጵያ ተቀቢሉ፡ ኤርትራ ኣብ ዘተ ክትኣቱ ጽቕጥታት ስለዝፈጠረ፡ ዝምድና ኣብ መንጎ መንግስት ኤርትራን ማሕበረሰብን እንዳተባላሸወ ከደ። ከም ዉጽኢቱ ድማ ንግስት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቓቢ ሰላም (UNMEE)  ናይ ምንቅስቃሱ ኩነታት ገደባት ክገብር ጀመረ። ብጥቅምቲ 2005 ... ድማ ናይ ኣመሪካን ኤዉሮጳን ኣባላት ሃገራት ዓቓቢ ሰላም ካብ ሃገሩ ከምዝጥረዙ ገበረ።

እዚ ኩሉ ኩነታት ዝጠንቁ ክልቲኤን ሃገራት ዳግም ኣብቲ ዶባት ወትሃደራዊ ምድላባት ይገብራ ስለዝነበራ፡ መንግስት ኤርትራ ን 5 ዓመታት መመላእታ ሓዲግዎ ዝነበረ ብስም ልምዓት ምክያድ ንሰራዊቱ ናብቲ ናይ ጸጥታ ዞና ተባሂሉ ዝተኸለለ ኣእተወ።

መንግስት ኤርትራ ዛጊት ንዉሳኔ ኮምሽን ዶብ፡-

  1. ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ናይ መጨረሽታን ቀያድን ምኻኑ ተቀቢሉ ነዚ ክተግበር እዉን ይሓትት ኣሎ።
  2. ብ12 ግንቦት 1998 ከም ጀማሪ ኩናት ሓላፍነት ተቀቢሉ።
  3. ዝተወሰነሉ ካሕሳ ክኸፍል እዉን ተሳማሚዑ።

ብኣንጻሩ መንግስት ኢትዮጵያ እንታይ ተቀቢሎም ዛጊት ዋላሓንቲ! ብንጹር ዝተቀበሎ ነገር የሎን ክባሃል ይክኣል።

ሕጊ ኣብ ጎድኒ መንግስት ኤርትራ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ብልጫ እዚ መንግስት ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ረብሓታት ክድልበሉ ግን ኣይክኣለን። ማሕበረሰብ ዓለም ንመንግስት ኤርትራ ብሓንቲ ነጥቢ እዩ ዝኸሶ ዘሎ። ንሳ ድማ ሰራዊቱ ካብቲ ግዝያዊ ጸጥታ ዞባ ከዉጽእን፡ ንዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ናጻ ምንቕስቓስ ከፍቕድን እያ።

መንግስት ኤርትራ ሰራዊት ኤሪትራ ካብኡ እንተወጸ መንግስት ኤርትራ ይኹን ኤርትራ እንታይ ትኸዉን? እንታይ ሕማቕ ሳዕቤናት ኣለዎ? ዋላእዉን ብወትሃደራዊ ስትራተጂካዊ ጠመተ ርኢኻ ብወገነይ ዋላሓንቲ ጸገማት ከምዘይብሉ እየ ዝግምግም። የግዳስ ከም ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ንዋት ክሰርሕ ይኽእል ይኸዉን ኣሉትኡ ድማ ይዓዝዝ። እዚ ግን ክግበር ኣይተኻእለን። መንግስት ኤርትራ ዋላካ ንኾምሽን ዶብ ኢትዮጵያ ኣካላዊ ምሕንጻጽ ዶብ ከተተግብር ድልዉቲ እንተድኣ ኮይና ሰራዊተይ ካብቲ ናይ ጸጥታ ዞና ከዉጽእን ናጻ ምንቅስቃስ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ከፍቕድ እየ ትበል፡ ኤርትራ እዉን ነዚ ዝተሳማማዓትሉ ሕጊ ጥሒሳ ኣላ።

ኤርትራ ነዛ ሕጊ እዚኣ ምጥሓሳ ግን ንዉዕል ኣልጀርስ ከፍርሶ ኣይክእልን እዩ። ምክንያቱ ዉዕል ኣልጀርስ ብቀሊሉ ዝፈርስ ነይሩ እንተዝኸዉን፡ ኢትዮጵያ ንዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ብመስከረም 2003 .. ክትነጽጎ እንኮላ ክፈርስ ነይርዎ። ብዝኾነ ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ መጨረስታ ናይዚ ወርሒ ኮምሽን ዶብ ዉሳኒኡ ኣብ ካርታ ኣስፊሩ ስርሑ ክዉድእ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ ዝፈጸመቶ ግህሰት ዓለምለኻዊ ልዕልና ሕጊ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ዓለምለኻዊ ልዕልና ሕጊ ክዓቢ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ኮምሽን ዶብ እዚኣ ክትቀዉም እንኮላ ዕማማታ ኩሉ እንትናዊ ምሕንጻጽን ኣካላዊ ምምልካት ዶብ ከተካይድ እዩ ዝነበረ። ማሕበረሰብ ዓለም ንዓለማዊ ልዕልና ሕጊ ምስ ጥቅሚ፡ ሻራ፡ ጽልኢ…... መንግስታት ብድርብ መስፈር ክተግብሮ እንተጀሚሩ ኣብ ዓለምና ሕማቕ ምልክታት ይሓድግ ኣሎ።

እዚ ሕጂ ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ዉግእ ምናልባትነት ድማ ካብዚ ዝነቕል እዩ። ኣብ ዓለም ጹቡቕ ዝምድናታት እንተሃሊካ ዓለም ብቀሊሉ ዝርእዮ ግህሰት ልዕልና ሕጊ እንዳገበርካ ምኽኒታት እንዳፈጠረ ዝኽየድ እንተኾይኑ፡ ኩለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ንኣሽቱን ድኻታት ሃገራትን ኣህዛብ ኣብ ሓደጋ ኣለዉ ማለት እዩ። ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብኣን እያ።

ምምልካት ዶብ ክልተ ሃገራት ምስ ዓይነትን ባህርን እቲ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ዝታኣሳስሮ ቅንጣብ ነገር የብሉን፡ ምክንያቱ ልዕላዉነት ሓንቲ ሃገር ካብ ዉሽጣዊ ስልጣን ዓለምለኻዊ ስልጣኑ ስለዝዓዝዝ እዩ።

ናይ ዶብ ግርጭታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ዓለምና ዘሎ፡ ኣብ ቡዙሓት ሃገራት ዓለም ዘሎን ነዊሕ መስርሕን ጊዚየን ዝወስድ እዉን እዩ። እቲ ክዉንነት ከምዚ ካብ ኮነ፡ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈሊ መስመር ድማ ብመልክዕ ክትያ (delimitation) ኣብ ወረቀትን ፖሎቲካዊ ካርታ ሰፊሩ ካብ ሃለወ ናብ ሓድሽ ኩናት ዘኽይድ ነገር ዘለዎ ኣይኮነን። ነቲ ተሪፉ ዘሎ ኣካላዊ ምሕንጻጽ ዶብ ብጽዑቕን ተዓጻጻፍን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ክፍታሕ ዝኽእል እዩ።

ሓቂ እዩ ካብ መቦቖላ ባድመ መሬት ኤርትራን ብፍርዲ ኮምሽን ዶብ እዉን ንኤርትራ በጺሓ ከንሳ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ኣላ። ባድመ ሕጂ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ 1980 .. ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲኦም እያ ትማሓደር ዝነበረት። ባድመ ኣብ ትሕቲኦም ምምሕዳራ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራዉያን ከቢድ ጸገማት ከምዝፈጠረሎም ፍሉጥ እዩ፡ ንመላእ ኤርትራ ግን ዝፈጠሮ ጸገም ስለዘየለ፡ ካብዚ ሕሉፉን ህሉዉን መንጽራት ብምንቃል፡ ዳግም ንኩናት ምኻድ ቡዙሕ ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብ ባድመ ሕጂ ዘሎ ህዝባዊ ዲሞግራፊ እዉን ተቀይሩ እዩ። ስርዓት ወያኔ 1996 ... ሓድሽ ፖሎቲካዊ  ካርታ ትግራይ ምስ ሳኣለ፡ ነዚ ንምትግባር ካብ ማእከል ትግራይን ላዕለዋይን ታሕተዋይን ኣድያቦ ሓደስት ሰፈርት እንዳምጼ ኣብ ባድመ ስለዘጣየሶምን ኣብኡ ዝነበሩ ኤርትራዉያን ተሶጊጎም ስለዝወጹ፡ ብምሕደራ ኢትዮጵያ ብቀጥታ ዝጽሎ ኤርትራዊ ኣብ ባድመ የብልናን እንተተባህለ እዉን ምግናን ኣይኮነን።

ናይ ጊዚየን ጻዕርን ሕቶ ጥራይ እዩ እንበር ባድመ ይኹን ካልኦት ቦታታት ኤርትራ ንኤርትራ ክምለስን፡ ኣካላዊ ምምልካት ዶብ ክካየድን ምኻኑ ዘጠራጥር ስለዘይኮነ፡ ብዓቢኡ ድማ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ረብሓና፡ ኣብ ኩናትን ዉራይ ኩናትን ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ስለዝኾነ ንሓድሽ ኩናት ፈጺምካ ክሕሰብ ዝግብኦ ኣይኮነን።

እቲ ኩናት ኢትዮጵያ እንተ ብቀጥታ ወይ ተዛዋዋሪ (Proxy) እንተጀመረቶ ዝብል ሕቶ እዩ ዝላዓል፡ ኢትዮጵያ እንተጀመረቶ ኤርትራ ነብሳ ክትካላኸልን፡ ልዕሊኡ እዉን ጸጥታኣ ከተዉሕስ መሰል ስለዝህልዋ፡ ኩሉ ዓለምለኻዊ ሕጊታት ዝሕሩሞን ዘፍቕዶን ብምግንዛብ ክትጓዓዝ ከምዘለዋ ፍሉጥ ነገር እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ግን መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያ እንዳሃለወ፡ እቲ ግዝያዊ ናይ ጽጥታ ቦታ 25 . ኣብ ዉሽጥ መሬት ኤርትራ ከንሱ፡ ኤርትራ ንዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ተቀቢላ ከንሳ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኣካላዊ ኩናት ከባርዑ ዝድርኾም እንታይ ዕላማ ስለዘለዎም እዩ ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ እዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ብቀጥታ ክትምልሶ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ዘዉትር ብኢትዮጵያዉያን ሰብመዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ሕጋዊ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ኮምሽን ዶብ ኣብ ሄግ ዝተጻዕደን ዝዝረብ ሐቕታታት ኣሎ። ንሱ ድማ፡

1.       ጠንቕ መጋራጨዉና ናይ ዶብ ሕቶ ከምዘይኮነ።

2.       መንግስት ኤርትራ ዘራጊ ርግኣትን መዋሊ ግብረሽበራ ስለዝኾነ፡ ከም ፖሎቲካዊ ስርዓት ክእለ ኣለዎ።

3.       ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ።

4.       ናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ሕቶ፡ ማለት ወያኔ ንሃገራት ኣፍሪቃ ብሰላም ከማሓዳድረን ዝኽእል ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት ፈደራላዊ ስርዓት እዩ ኢሎም ስለዝኣምኑ፡ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዚ ከታኣታትዉ ስለዝህቕኑ

5.       ህዝቢ ኤርትራ ትምክሕታዊ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ትምክሕቱ ክስበር ኣለዎ………... ዝብል እዩ።

መንግስት ኢትዮጵያ ድምጺ ጥይት ዘይብሉ “”ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም”” ኩናት ኣዊጁ ጸኒሑ እዩ። ነቲ ተሪፍዎ ዘሎ ዕላማታት ንምምሉኡ ንኣካላዊ ኩናት ውይ ድማ ናይ ነፈርትን መዳፍዕን ዓዉታ ዘለዎ ዝርርብ ክካይድ እንተኾይኑ፡ ወራርን ጎቦጣን ስለዝኾነ ብፍላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ድማ ማሕበረሰብ ዓለምን ናይ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ደዉ ከብሎን ሓቐኛ ዉሳኔ ክዉስን ክበቕዕ ኣለዎ። እዚ እንተ ዘይተገይሩ ግን ኩናት ናይገዛእ ርእሱ ሕግታት ስለዘለዎ እንታይ ክፍጠር እዩ ግዝየ ከርእየና እዩ። ብዝኾነ እቲ ሕጂ ዝፍራህ ዘሎ ኩናት ንክካየድ ሕጋዊ ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን መሰረታዊ ሮቛሒ የብሉን።

http://www.sudantribune.com/spip.php?article24685

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: