Eritrea real clear politics's Weblog

September 17, 2008

ፖሎቲካዊ ጽዉጽዋይ ኤርትራን ኢትዮጵያን!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:19 pm

ኣብ መንጎ ፖሎቲካዊ ስርዓት .... ፖሎቲካዊ ስርዓት .... ዉሽጣዊ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ዘይምርድዳት ዝመንቀሊኡ፡ ካብ ወርሒ ሰኔ/1997 .. ጀሚሩ ብናይ ዶብ ግርጭት ተጎልቢቡ ኣካላዊ ምጥቅቃዕ ጀሚሩ። ብሙሉኡ ሓቀኛ እኳ እንተዘይኮነ ተዛማዲ መዛኻኸሪ ክኸዉን ስለዝኽእል ነዚ ዝስዕብ ላቔባ ተመልከት

1http://www.geocities.com/~dagmawi/NewsMay99/May12_AdiMurug_Cover.html#Ref1

2 http://www.dehai.org/conflict/news/mofa-4-23-99.htm

3 http://www.dehai.org/conflict/analysis/alemsghed3.html

4 http://www.un.org/NewLinks/eebcarbitration/

5 http://www.un.org/NewLinks/eebcarbitration/EEBC-Decision.pdf

6 http://www.reliefweb.int/rw/RWB.NSF/db900SID/ACOS-64C28V?OpenDocument

7 http://www.dur.ac.uk/ibru/news/boundary_news/?itemno=5732&rehref=%2Fibru%2Fnews%2F&resubj=Boundary+news%20Headlines

8 http://www.awate.com/portal/content/view/4630/9/   ……….

.. እንተተዓዚብና ሰለስተ መሰረታዉያን ነጥብታት ሃጋፋት የመልክተና።

ቀዳማይ፡ እቲ ግርጭት ዋላ እካ ብዶብ እንተተሳበበ ናይ ዶብ ሕቶ ጥራይ ከምዘይኮነ።

ካልኣይ፡ እቲ ብሓፈሻኡ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ዝብሃል ካብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዉዕል ተጻብኦታት ምቁራጽ ንምግባር ብዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝቐረበ እማመን ስምምዕን ካብኡ ኣትሒዙ ዝጠመረ ድዩወይስ ብተናጸል ምስቲ ስዒቡ ዝተሰማምዑሉ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ናይ መጨረሻን ቀያድን ምኻኑ ዝርኤ እዩ? ምክንያቱ ኣብቲ ቀዳማይ ናይ ተጻብኦታት ምቁራጽ ሰነድ፡ መቋጻጸርን መተግበርን መካኒዝም ዓንቀጽ ዘለዎ እዩ። ምክንያቲ ኣብ ቁጽሪ 14/ ከምዚ ይብል፡ክልቲኡ ወገናት ወይ ዉን ሓደ ወገን ስምምዕነቱ ብዘፍርስ ብዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ክዉሰዶ ዝኽእል ስጉምትታት፡ እዚ እዉን ብመሰረት ቻርተር ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ምዕራፍ 7VII ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ክዉሰድ ዝኽእሉ ስጉምትታት ዘጠቃልል ኮይኑ፡ ኣብቲ ቀጺሉ ንናይ መጨረስታን ቀያድን ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ግን ብደረጃ ጽሑፋዊ ዓንቀጽ ዝሰፈረ መተግበሪን መቃጻጸርን መካኒዝም ስለዘይብሉ እዩ። ነዚ ንምድህሳሱ ድማ ናይ ቬና ዓለምለኻዊ ቀዋሚ ዉዕል ኣብ ሕጊ ዓለምለኻዊ ስምምዓት 1969 ዝጸደቀ ዓንቀጽ 3ተን 70 ተመልከት።http://untreaty.un.org/ilc/texts/instruments/english/conventions/1_1_1969.pdf

ሳልሳይ ብወግዒ መንግስት ኢትዮጵያ ነዚ ከቢድ ሰብኣዉን ነገራዉን ፋይናንሳዉን ናይ 9 ዓመታት ግዝየ መመላእታ ዝወሰደ ግርጭታት ናይ ዶብ ሕቶ ኣይኮነን ጸገምና ክብሉ መለስ ዜናዊ ይኹን ኣቀባሊ ዜንኡ ዋሂድ ገሊጾም እዮም። ኣብ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ቡዙሓን ክዛረቡ እንከለዉ ከምዚ ይብሉ “” ቀንዲ መንቀሊ እቲ ግርጭት ዶብ ዘይኮነስ፡ ኣብ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ፍልልያትና ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፡ ምስ መንግስት ኤርትራ ክንዛራረበሉ እንደሊ ነገራት ኣሎ እዚ ነገራት እዚ ድማ ንሶም ይፈልጥዎ ንሕና እዉን ንፈልጦ ኢና፡ ብዉሽጥና ስለንፋላለጥ እንታይ ንደሊ ከምዞሎና እዉን ይፈልጥዎ እዮም ዝብል እዩ“”

ስርዓት ወያኔ ዝረስዕዎ ጉዳይ ኣሎ። ብመሰረት ዓለምለኻዊ ዉዕላትን ሕግታትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብናይ ቬና ዓለምለኻዊ ቀዋሚ ዉዕል ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ስምምዓት 1969 ዝጸደቀ ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ፖሎቲካዉያን ዉድባ .... ... ብቃልን ብእምነትን ዝተገብረ ዘይጽሕፋዉን ዘይሕጋዉን ስምምዓት፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ወይ ሃገረ ኢትዮጵያ ክትግበር ከምዘይኾነን ዘይከዉን ምኻኑ እዩ። እዘን ክልተ ሃገራት እዚኣተን እዘን ክልተ ዉድባት ገና ሃገርን ህዝብን ካይወከላ ዝገብርኦ ናይ በረኻ ስምምዓት ካብ ናይ በረኻ ሕጊ ምኻን ሓሊፉ ካልእ ዝኸዉን ኣይኮነን። ብዓለምለኻዊ ሕግታት እዉን ንጹጉን ዘይቁቡሉን እዩ።

ሕሪ መንግስቲ .... ... ሕጋዉያን መንግስታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ምኻኖም፡ ዝተሳማምዕዎ ክልታኣዊ ዝምድናታትን ስምምዓትን ኣብ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝተሞርኮሰ እንተድኣ ሃሊዩ ድማ ብልማኖን ምፍርራሕን ዘይኮነ ብዓለምለኻዊ ሕግታት ክጥመት እቲ ሕጋዊ ሰነዳት ክወጽእ ኣለዎ።

ብሓሙስ ዕለት 30 ጥቅምት 2007 ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኣን ሃገራት ተወከልት ዝተገብረ ምልልስ ንዶብ ኣመልኪቶም ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ብቛንቓ ትግርኛ ኣብ ዝስዕብ ቀለቤት ጠዊቅካ ስማዕ፡

http://www.voanews.com/horn/tigrigna_audio.cfm

እቲ ዛጊት ተፈሊጡ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ዘዉትር ዝዛረበሉን ዉሳኔ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮምሽን ዶብ ናይ መጨረሽታን ቀያድን ምኻኑ እዩ። እቲ ኮምሽን ዶብ እዉን ብመሰረት ኣብቲ 6-7 መስከረም 2007 ኣብ ሄግ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ መንጎ መንግስት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮምሽን ዶብ ዘማእከሎ፡ ኣዉንታ ንኣካላዊ ምምልካት ዶብ ከተግብር ዘኽእሎ ተግባራዊ ክዉንነት ስለዘየሎ፡ ነቲ ኣቀዲመ ዝሃብክዎ ዉሳኔን ዝገበርክዎ ሓደ ሓደ ምምሕያሻትን ዝጠመረ ብመልክዕ ምኽታይ ኣብ ወረቀት {delimitation} ኣስፊረ ንመወዳእታ ወርሒ ሕዳር/2007 .. ስርሐይ ክዉድእ እየ እዩ ዝብል ዘሎ።

ሓቂ ተዛማዲ ሓቂ ስለዝኾነ፡ መንግስት ወያኔ ነቲ ዝተሳማማዓሉ ዉዕል ኣልጀርስ ኣብ መስከረም 2003 .. ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሉ ከምዝነጸግዎን፡ ኣብቲ ናይ ኮምሽን ዕርቂ ዉሳኔ እዉን፡ ነቲ ዉሳኔ ብመትከል ተቀቢልናዮ ኣሎና፡ የግዳስ ንኡኡ ንምትግባር ባዓል ሓሙሽተ ነጥብ ቅድመኩነታት ዘተ ዝብል ጣቃታት ከምዘምጹን ሕጂ ድሕሪ ርክባት ሄግ ድማ ኤርትራ ንዉዕል ኣልጀርስ ጥሒሳ ሰራዊታ ኣብቲ ካብ ሰራዊት ክልቲኡ ሃገራት ናጻ ክኸዉን ዝግብኦ ዞና ጸጥታ ኣብ ዉሽጥ ግዝኣት ኤርትራ ተሓንጺጹ ዘሎ 25 . ስለዘእተወት ነቲ ዉዕል ኣልጀርስ ከፍርሶ እየ ይብሉ ከምዘሎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ።

ብኣንጻሩ ድማ መንግስት ኤርትራ ብመሰረት ኣብ ዉዑል ኣልጀርስ ዝተሰማማዓሉ፡ ሰራዊቱ ኣብቲ 25 . ናይ ጸጥታ ዞና ከእቱ ከምዘይብሉ እንዳፈለጠ፡ መንግስት ኢትዮጵያ ይኹን ማሕበረተሰብ ዓለም እዉን በዛ ስጉምቲ እዚኣ ይጻብእዎ ከምዘሎ እንዳፈለጠ ከንሱ፡ ንኣኼባ ዕለት6 መስከረም 2007 ... ንሄግ ክመጽእ እንኮሎ፡ ካብተን ኮምሽን ዶብ ዘቕረበሉ ጠለባት ሓንቲ ሰራዊቱ ካብቲ ናይጸጥታ ዞባ ምዉጻእ ስለዝነበረት፡ ንኩሉ ጠለባት እታ ኮምሽን ኣማሊኡ ከብቕዕ፡  ነዛ ምዉጻእ ሰራዊቱ ካብቲ ናይ ጸጥታ ዞና ዘይምምሉኡ ስለምንታይ እዩ?

ሰራዊት ኤርትራ ዳርጋ ካብ 2000-2005 .. ነዚ ናይ ጸጥታ ዞና ሓዲግዎ ከምዝነበረን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣኽበርት ጸጥታ ወትሃደራት ምቁጽጻር ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ሕጂ እዉን ነቲ ዝተሳማሙዑሉን ዓለምለኻዊ ሕግታት ንምኽባር ተባሂሉ፡ ሰራዊት ኤሪትራ ካብኡ እንተወጸ መንግስት ኤርትራ ይኹን ኤርትራ እንታይ ትኸዉን? እንታይ ሕማቕ ሳዕቤናት ኣለዎ? ብወገነይ ዋላሓንቲ ጸገማት ከምዘይብሉ እየ ዝግምግም። ስለምንታይ ድኣ መንግስት ኤርትራ ከምኡ ይገብር ኣሎ? በዚ ኣይሰላምን ኣይኩናትን ሃዋህዉ ክነብር ጥራይ ስለዝሕልን እዩ። ወያኔ ድላዮም ይሕሰቡ ኣገዳሲ ኣይኮነን፡ እቲ ኣገዳሲ ሕጊ ኣብ ጎንኻ ክኸዉን እንኮሎ፡ ነቲ ሕጊ መሊሱ ዘጽንዖን ዘህጥሮን ዓለምለኻዊ ስምምዓት እዉን ከተኽብር እንኮሎኻ እዩ።

ስርዓት ...ፍ፡ ነታ ባዕሎ ስርዓት ወያኔ ኣብ ክሳዶም ዘእተዉዋ መሾንቆቃ ገመድ፡ ሰራዊተይ ካብቲ ዝተሳማማዕክሉ ናይ ጸጥታ ዞባ ኣየዉጽን እየ ብምባል፡ እስትንፋስ ስለዝፈጠረሎም ነቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ከነፍርሶ ኢና እዉን ክብሉ ኺኢሎም ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ።

ብዝኾነ ንስርዓት ወያኔ ይኹን፡ ንስርዓት ... ከምቲ ዝሓለፈ 5 ዓመታት መመላእታ ዘጋላብጥ ግዝየን ዕድላትን ሕጂ የሎን። ብመሰረት ኣባሃህላ ኮምሽን ዶብ ሓቂ እንተኾይኑ እቲ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ብሕጊ ኣብ ካርታን ወረቐትን ሰፊሩ፡ እታ ኮምሽን ስራሓ ወዲኣ ክትፈርስ ስለዝኾነት፡ ንቀጻሊ ቀስ ኢልካ ዝርኤ ጉዳይ እዩ።

እዚ ብመልክዕ ምኽታይ ተበጺሑ ዘሎ 50% ናይቲ ጸገማት ዶብ ብንጹር ኣብ ወረቀት ምስፋሩ እዉን ብድሌታት እዞም ክልተ ማካቬላን ስርዓታት ዝተበጽሔ ከምዘይኮነ ብወገነይ ይግምግም።

 

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: