Eritrea real clear politics's Weblog

September 17, 2008

[Goddena Harnet] ጠንቅታት ስደትን መጻኢ መፍትሒኡ ኣብ ኤርትራን

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:53 pm

02 Nov, 2007


ብየማነ ወዲ ኣርባዕተ ናብ ናቕፋ ዝቐንዓ ጽቡቓት ሕቶታት ምስ ኣንበብኩ መልስ ዝብል ወነይ ገንፊሉኒ። የማነ ኣስማሪኖብወየንቲ ትመወል፣ ዓዋተብጀሃዳውያን ትካየድ ከም ዘይግድሶ፣ ንዕኡ ዝግድሶን ዘሕሞን ከኣ ምኽንያት ምውጻእ ገለ መንእሰያት ካብ ኤርትራን ምዃኑ ሓቢሩ። ኣመቱ ጽቡቕ ሕቶኡ ከኣ ክትበባዕ ዝግባእ እመስለኒ። 

ስለ ምንታይ ገለ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ይወጽኡ ኣለዉ ብዝብል ሕቶ? መልሰይ ክጅምር። ደቂ ሰባት ካብ ዝፍጠሩ ኣትሒዞም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተደሪኾም ካብ መበቆል ቦታኦም ክንቀሳቕሰኡን ክስደዱን ኣሽሓት ዓመታ ሓሊፉ ኣሎ። ቅዱሳን መጻሕፍቲ ምስ እነንብብ ጥራይ ሰባት ቅድሚ ልደተ ክስቶስ ኣትሒዞም እስደዱ ከም ዝነበሩ ዝእንፍቱ ትረኻን ፍጻመታትን ኣብ እተፈላለዩ እዝባራት ንረክብ ኢና። ምስ ምምጻእ ምስልምና ኣተሓሒዝና ንምንቅስቓስ ነቢ መሓመድን ድሕሪኡ ዝቐጸለ ኣመዓባብላ እስላማዊ እምነትን እንተ ተመልከትናውን ስደትን ምንቅስቓስ ሰባትን ካብ ቀደም ዝነበረ ምዃኑ ኢና እንርዳእ።

ካብ ግዜ ፊልመ ደስነት ኣትሒዞም ዝዝንትዉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ንባዕሎም ምንቅስቓስን ምስዳድን ሰባት ክሳብ ክንደይ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ተርእዮ ምዃኑ ብሰፊሑ እዮም ዝትንትኑ። ዓበይቲ ስልጣነታት ኣብ ዝተራእዩሉን እምባገነናውያን ስርወ ነገስታትን ኢምበራጦርያታትን የግላዕልዕሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ክንደይ ሰብ ዘይተሰደ። ሮማዊ ግዝኣት ንገለ እናኣከበ ንገለ ከኣ ኣስዲዱዩ። ዕብየት ናፖልዮን ንገለ ኣርቢሑ ንገለ ከኣ ኣህዲሙዩ። ሰፊሕ ንቅስቓስ ፖርቱጋልን እስጳኛን ኣብ ኣፍሪቃ፣ አስያን ደቡብ ኣመሪካን ዝፈጠሮ ምምዝባላት እምበረ መጠን ዓቢዩ።

ስደት ኣብ ኩለን ክፍላተ ዓለምና ዘሎን ዝርአን ይኹን እምበር ከም ኣፍሪቃ ገይራ ብባዕዳውያን ዝተዋረደትን ዝተመዝመዘትን ኣህጉር ብዘይምህላዋስ ኣፍሪቃውያን ቀንዲ ግዳያት ስደት ኰይኖምዮም። ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት እተኻየደ ንግዲ ባሮት 12 ሚልዮን ዝበጽሑ ኣፍሪቃውያን ብኣስገዳድ ናብ ናብራ ላነት ከም እተሰዱ ኣብ ገጻት ታሪኽ ደሚቑ ዝርከብ ሓቂዩ። ኣፍሪቃውያን ግን ኣካላዊ ማህሰይቲ ጥራይ ዘይኰነስ ስነኣእምራዊ ግህሰት እንተላይ በጺሑዎም። ሰባት እንከለዉ ንነብሶም ከም ዘይሰባት ገይሩ ብዘርኢ ባዕዳዊ ግፍዒ ነብሰ ምንዓቕን ምንእኣስን ወሪሩዎም።

ሃገራት ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን ገዛእቲ እተሓንጸጻን ኤውሮጳያን ገዛእቲ ንዝገደፍዎ ግዕዘይ ኣካይዳ እተቐባላን ኰይነን ክኸዳ ጸኒሐን። እቶም ሃገራት ኣፍሪቃ ሓራ ከውጽኡ እተቓለሱ ከም ሉሙምባ፣ ኑክሮማ፣ በንበላን፣ ኣጎስቲኖ ነቶን ካልኦትን ሓያላት ይንበሩ እምበር ብምዕራባዊ ኣተሓሳስባን ኣገባብ ኣመራርሓን እተለኽፉ እዮም ነይሮም። ዳርጋ እቶም ድሕሪ ምውጻእ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ኰረሻ ስልጣን ዝደየቡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ እተማህሩን ወይ ጽልዋ ዝነበሮምን ብምዃኖም፣ ንክብርታት ኣፍሪቃዊ ባህሊ ጠቕሊሎም ረሲዖም በቶም ንምዕራባዊ ዓለም ዘካይዱ ልምንድታትን ባህልታትን ክመርሑ ፈቲኖም። እዚ ግርጭት ክኸስት ባህርያዊ እዩ ነይሩ። ስለ ዝዀነ ድማ ነቲ ድሮ ተሃስዩ ዝነበረ ስነኣእምራዊ ጥንካረ ኣፍሪቃውያን መሊሶም ረሚሶሞን፣ ሃሙን ቀልቡን ናብ ምዕራባዊ ዓለም ከም ዝኸይድ ገይሮሞን እዮም። ነዚ ፍራንዝ ፋኖን ብኣጋኡ ንጠንቀቐሉኢሉ እንተ ነበረን ሓይሊን ሰማዒን ግን ኣይረኸበን።

ሓርነት ሃገራት ኣፍሪቃ ሓላፍነት ዘሰክም እምበር ናይ ፈንጠዝያ ሕጽኖት ዝኸስት ናይ ባህታ እዋን ኣይነበረን፤ ክኸውንውን ኣይክእልን። ክብርታት ኣፍሪቃዊ ባህልን ልምድን ኣብ ቦታኡ እንከሎ ኣፍሪቃውያን ናብ ባህልን ልምድን ኤውሮጳውያን ከቋምቱ ተራእዮም። ጸገማቶም ኣብ ታሪኾም ተመርኲሶም ክብድህዎም ክንዲ ዝፍትኑ፣ ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳውያን ተሸኺሎም ስለ ዝረኣይዎም ንዝገጠምዎም ጸገም ፊተፊት ክገጥምዎም ዓቕሚ ሓጺሮሞም። በቃ ስደተኛ ኵነተ ኣእምሮ ማዕቢሉ ስደ ዑቕባ ካብ ሽግራት ኰይኑ ሃገራት ይባድማ ገለ ሰባት ግን ኣብ ዓዲ ሃገር ከይዶም ብምስራሕ ኣብ ሃገራቶም ኣንጸባረቕቲ ኰይኖም።

በዚ ኣመጻጽኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጸ መሪሕነት ኤውሮጳቢ ቡራኬ ዝረኸበን ንረብሓ ኤውሮጳውያን ዘገልግልንዩ። ኤውሮጳውያን ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ፍራንክ ፎን፣ ኮሞን ዌልዝን ካልእ ብምባል እናጐጃጀላ ረብሓታተን ምሕላው ቀጸልኦ። ረብሕአን ክሕሎ እንተ ዀይኑ ነቲ ዝተጋህሰ ኣፍሪቃዊ ስነኣእምሮ ናብ ብልሽውና ብምድቕዳቕ ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጸቢቐንየን ኣስተዒለናሉ። ሓሳብ ልበን ስለ ዝሰመረለን ድማ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን መሪሕነታት ንስልጣኖም ብብልሽውና ክዕቅብዎ እንከለዎ ብዙሓት ተራ ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ድማ ንጸገማቶም ብስደት ክፈትሕዎ ክፍትኑ ቀጺሎም። ናይ ቃልሲ መንፈስ ጠፊኡ። ሰብ ተቓሊሱ ለውጢ ክኸስት ከም ዝኽእል ፍጹም ምርዳእ ስኢኑዎ። ህይወት ሓጻር ናብ ምዕራብ ከይድካ ከም ዕንዝራ ንህቢ ተኸይፍካ ምጥፋእ ይሓይሽ ዝብል ስነኣእምሮ ነጊሱ። በዚ መንገዲ ጥራይ ልዕሊ 10 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ነቶም ቅድሚ 400 ዓመታት ኣትሒዞም ብጊሊያነት እተሰዱ ገዲፍና ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም ኣለዉ። እዞም ኣፍሪቃውያን እዚኦም ዳርጋ ክንዲ ሰለስተ ኤርትራ ዝኣኽላ ሃገራት ከቝሙ ይኽእሉዮም። እዚኦም ካብቲ ኣብ ስደት ኰይኖም ንኣፍሪቃ ዘገልግልዎ 40 ዕጽፊ ዝዛይድ ንኣመሪካ ከም ዘገልግሉ ይፍለጥ።

ናብ ጕዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ክምለስ። ኣብ ኤርትራውን ስደት ከም ኣምር ሓዲሽ ኰይኑ ኣይፈልጥን። እዞም ነዛ ዘመናዊት ኤርትራ ኣቚሞማ ዘለዉ ብሄራት በብወገኖም ካብ ካልእ ቦታ እተጠራነፉ ምዃኖም ካብ መባእታ ኣትሒዝና ዝተማሃርናዮ ታሪኽዩ። ሰማውያን፣ ሓማውያን፣ ኒላውያን ብዝተፈላለየ መኣዝን ናብዚ ኤርትራና ዘላቶ ቦታ ብምንቅስቓስን ብስደትን እዮ መጺኦም። ኣብ መሰረታዊ መግለጺ ስደት ክትዕ ክፈጥር ስለ ዘይደለኹ ምንቅስቓስዝብል ቃል ዝሕውስ ዘለኹ።

ኤርትራ ክሳብ ብዓል ቀሺ ሳፔቶ ብዓሰብ ዝኣትዉ ራባቲኖ ካምፓኒኦም እናኣስፍሑ ንሰራዊት ጥልያን መንገዲ ከፊቶም ኣብ 1890 ግዝኣቶም ዝፈልዩ፣ በዚ ናይ ሕጂ መልክዕ ጥራይ ክንዛረበላ ኣጸጋሚ እንተዀነ ቅድሚኡ ነዊሕ ዝጸንሐ ሓባራዊ መረዳእታ ስፍራ ምንባሩ ዘካትዕ ኣይኰነን። ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን ቱርኪን ግብጺን ኣብ ዝበጽሕዎ ቦታታት ኤርትራ ምምዝባላት ፈጢሮምዮም። ምምጻእ ጣልያን ከኣ ንባዕሉ ማዕረ ኣብ ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ኣወንታዊ ነገራት ማእለያ ዘይብሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናትውን ከሲቱዩ። ኣብ ሰራዊት ጣልያን እተኸትቡ ኤርትራውያን። እቶም ካብ ዘመናዊት ኤርትራ ቀዳሞት ናይ ስደት ኣፍደገ ዝረኣዩ ክዀኑ ይኽእሉዮም።
ኤርትራዊ ሃገራዊ መንፈስ ኣብ ዝማበለሉ። ሓያላን ሃገራት ምስ ሃይለስላሰ ብምምሕዛው ናጽነት ኤርትራ ብዝኸልኣ፣ ከም ሓርበኛ ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ዝኣመሰሉ ጀጋኑውን ናይ ስደት መኣዝን ተኸቲሎምዮም። ብሓፈሻ ድሕሪ ፈደረሽን እተራእየ ዓመጽን ግፍዒን ኢትዮጵያውያን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ቍጽሪ ናብ ሱዳን እተሰደሉ እዋን ነይሩ። ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነገሰ ዝሩግ ናይ መግዛእቲ መንፈስ ንምርሓቕ ብዙሓት ኤርትራውያን መርሖታት ስደት ተኸቲሎምዮም።

ታሪኽ ግን ታሪኽ ስደት ጥራይ ኣይነበረን። ምንቅስቓስ ሓራካን፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝተላዕለ፣ ዓወተ ከም በዓል ኣቡ ጥራያ ምስ ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ኰይኑ ኣንጻር ገዛእቲ ኣብ ኣዳል ጥይት ምስ ተኰሰ፣ ቍልዒ ሓዊ ሃገራዊ ቃልስና ክትንብድበድ ጀሚራ። ብዙሓት መንእሰያት ድማ ካብ ስደትን ካብ ዓድን ናብ ቃልሲ ውሒዞም። ሓያል ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ዝጐሃሃረሉ ዝነበረ እዋንውን ዝስደዱ ሰባት ነይሮምዮም ሰብ ንኽስደት ብዙሕ ምኽንያት ስለ ዘለወ እናተኻሰስካ ትነብረሉ ምኽንያት ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኰነን። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን እቶም ኣብ ግዜ ቃልሲ ናብ ስደት ዘምርሑ ኤርትራውያንውን ምሉእ ዓቕሞም ንሃገር ብምግባር ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓንዲ ሕቆ ኰይኖሞ። እተን ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝነበራ ሓርበኛታት ኣዴታት ናይ ወሊድ ዕድሚአንን ዕድለንን ንሃገር ክውፍያ ስለ ዝረኣናስ፣ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኤርትራ ብስደት ጐዲኣ ጥራይ ዘይኰነትስ ተጠቒማ እያውን። ኣብ ኢጣልያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን፣ ኣመሪካንካልኦትን ብኤርትራውያን ስደተኛታት ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ገና ሓበን ኤርትራ ኰይኑ ክቕጽልዩ። በዚ መስርሕ ናጽነት ኤርትራ ተረኺቡ።

1991 ናጽነት ኤርትራ ብዝተረጋገጸ ኣብ ኤርትራ ናይ ፍስሃ መንፈስ ተራእዩ። ብዙሓት ናይ ፈንጠዝያ እዋን ዝመጸ ዝመሰሎም ዜጋታት ከኣ ነይሮም። ቆፎና ግን ጥርሑ ነይሩ። መንፈስና ድኣ ጸጊቡ ይሓድር ነይሩ እምበር ሓድጊ መግዛእቲ በረውረው ዝብል ቍጠባ ጥራይ ምንባሩ ናይ ኩሉ ተዘክሮዩ። መንእስያት ኣስመራ ሃራምበ ተኸዲኖምዮም ንህዝባዊ ግንባር ጸኒሖሞ። ገንእታት ነዳዲ ነቒጹ፣ ባንክታት ተዘሚቱ፣ መሬት ባዲሙ፣ ሓፋሽ ጸልምዩ ኮታ ዝነበረ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣልዩ። እቶም ነዚ ኩነታት እተመልከቱ ኣብ ስደት ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ዓዲ ናይ ምምላስ መንፈሶም ዓቢ ነይሩ ዝብል ኣካል እንተ ቅመራኡ ዝዘንብዐ ጥራሕዩ። ብኣንጻሩ ኣብ 1993-4-5-6 ናብ ስደት ንምኻድ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ፕሮሰስብዝብልዎ መስርሕ ይውሕዙ ነይሮምዮም። ብወገነይ እቶም ዝተሰዱ ክምለሱ ብዙሕ ትጽቢት ኣይነበረንን። ምናልባት ገለ ካብቶም ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ወዲ ሸሪፎይን ካልእን ብተዛማዲ ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት መነባብሮ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናይ ምምላስ መደብ ተታሒዞሎም ገለ ኣሳልጦታትውን ነይሩዩ። ገለ ምሒር ሃገራዊ ፍቕሪ ዝነበሮም፣ ኣብ ጀርመንን ካልእ ቦታታትን ጥሮታ ዝወጹ ዜጋታትውን ገዝኦም ዓዲጎም ዝተመልሱ ነይሮምዮም።

ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ግን ስደተኛ ንድሕሪት ገጹ ኣይጥምትንዩ። እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኩሎም ስደተኛታት ዝርአ ነገርዩ። ኩነተ ኣእምሮኡ ኣብ መንጎ ክልተ ነገራት ማለት ናይ ስደት ቦታን ዓድን ይቕርቀር። ቦታ ስደቱ ዓዲ እንጀራኡ ገይሩ ስለ ዝርእዮ ድማ ብዛዕባ ዓዱ ይሓስብ ነቲ ኣብ ግዜ ስደት እተላመዶ ባህልን መነባብሮን ክገድፎ ድማ ድፍረት ይስእን። ነዚ ብውድዓዊ መንገዲ እንተ ርኢናዮ ምስ ኩነታት ብዙሓት ኤርትራውያን ዝዛመድ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ገንዘብ ዝገበሩን ዕድመ ዝደፍኡን ኤርትራውያን ከይተረፉ ዓመታዊ ዓቢ ናይ መጐዓዝያ ወጻኢታት እናውጽኡ ንሃገሮም እንተ ተመላለሱ ጠቕሊሎም ንምእታው ግን ድፍረት ይስእኑ። ገሊኦም ናይ ጥሮታ ዕድመ ምስ በጽሑ ከም ዝምለሱ ይሕብሩ። ገሊኦም ከኣ ንጥዕናዊ ኩነታትን ኣገልግሎታትን ቀዋሚ መነባብርኦም ኣብ ደገ ከም ዝሓይሽ ይሕብሩ፣ ክረምታዊ ኣስመራ እንተ ዘይመጺኦም ከኣ ናይ መንነት ቁሪ ከም ዝቕፍቅፎም ይገልጹ። ገሊኦም ኣብ ህድማ ንቕድሚት ዝተሸሙ እዮም። ምናልባት ኣብ ምዕቡል ዓለም ብምህላዎም ጥራይ ዝማዕበሉ ዝመስሎም ከኣ ውሑዳት ኣይኰኑን። ናይ መብዛዕትኦም ዓይነት ስራሕ ምስቲ ዝነብሩዎ ሃገር ክላለዩ ስለ ዘይፈቅድ ከኣ ማሺናት ኰይኖም ይነብሩ። ግን ከኣ ኣብ ህድማ ንቕድሚት ስለ ዝርከቡ፣ ንድሕሪት ናብ ዓዶም ክጥምቱ እንከለዉ ናብ ብሓቂ ዓቕሞም ስለ ዝረኣዮም እፈርሑን ብዝኸድዎ እቕጽሉን።

ወራር ኢትዮጵያ ቅድሚ ምጅማሩ፣ እቶም ብኣሽሓት ክረምታዊ ናብ ሃገሮም ዝውሕዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኣስመራ መጺኦም ናይ ሕጽኖት ፈንጠዝያን ምሕሻሽን ምግያጽን ባህርያት ስለ ዘርእ ንብዙሓት መንእሰያት ናይ ስደት ጌጋ ምስሊ ይህቡ ነይሮም እዮም። ናብ ምዕራብ እንተ ተሰዲድካ ገንዘብ ብዅምራ እትሓፍስ ዝመስሎም፣ እቶም ብሆሊዉድ ዝወዓውዑ መዘናግዒታት ኩሉ ሰብ ዝድሰተሎም ዝመስሎም፣ ፈረንሳ እንተ ኸድካ ኣብ ሰንት ኤፈልን ካልእን ክትላኻ እትኽእል ገይሮም ዝሓስቡዎ ዝነበሩ፣ ብሪጣንያ እንተ ኸድካ ኣብቶም ምህሩጋት ቦታታት እታ ሃገርን ኣብ ስታዲዩማን ጋንታታት ፕረሜርሺፕን ተውዛሕዛሕ ትብል ትውዕል ዝመስሎም ብዙሓት ነይሮም። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ክረምቲ ንዓዲ ተመሊሶም ኣብ ግዜኦም ኣብ መዘናግዒታት ዘሕልፍዎ ሰባት ኣብ ምዕራብ ናብራ ሮቦት ከም ዝነብሩ ጠቕሊሎም ይፈልጡ ኣይነበሩን።

ኰነ ድማ ኣብ ከምዚ ግዜ ወራር ወያነ ኣጋጠመ። ሰራዊት ወያነ ናብ ኤርትራ ሓዊ እምበር ማይ ጸሎት ኣይኰነን ዝነጽግ ነይሩ። እተን ኣብ ኤርትራ ኣብ ደብዳብ እተዋፈራ ነፈቲ ወያነ ቦምባታት እምበር ብሽኮቲ ኣይኰናን ዝድርብያ ነይረን። ኲናት ምረት እምበር ምቾት ኣይዓደመን። መንእሰያት ከኣ ብኹለንትናኦም ኣብ በዳሂ ጸገም ወዲቖም፣ ብሓፈሻ ቀስ ብቐስ ኣብ ፈታኒ እዋን ኣቲና። ዓቕምን ዓቕልን ሰብ ኣብ ግዜ ፈተና ጥራይ ስለ ዝፍለጥ ከኣ፣ እቶም መጠን ኣልቦ ሃገራዊ ፍቕሪን ኒሕን ዝረኣዮም ምዑታት መስዋእቲ ከፊሎም፣ ሰንኪሎም፣ ብኹለንትናኦም ድማ ናብ ህንጸት ሃገር ቀጺሎም፣ እምባታት ክቐዱን ምድረበዳ ከልምዑን ውዕሉ ኣለዉ።

ዘይከሓድ ነገር ከኣ ዓዲ ገዲፎም ዝኸዱ መንእሰያት ኣለዉ። እዞም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ መንእሰያት ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ምኽንያታት ኣለዎም። ርዱእ ነገር ግን ዘለናዮ እዋን ቍጠባዊ ሕንቃቐ ዝፈጥር ኣይኰነን። እቲ ዕዮ ቍጠባዊ ሕንቃቐ ንምፍጣር ስለ ዝዀነ ድማ ናይ ዕድመን ዕድልን መስዋእቲ ዝሓትት ግዜዩ። ኣብ ልዕሊኡ ጽልዋ ግሎባውነትን ስነኣእምራዊ ኲናት ጸላእቲ ብምህላዉ ንገለ ደኸሙ ወገናት ክኸስቦም ይኽእልዩ። ገለ ሰባትውን ስደት ከም ፋሺን ዝርእይዎ ኣይሰኣኑን እዮም። እቲ ዝያዳ ሰባት ክስደድሉ ዝጀመሩ እዋን ውዕል ኣልጀርስ ምስ ተፈረመ እዩ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ናይ ኲናት ስንብራት (hangover) ክንጸባረቕ ስለ ዝጀመረ ንብዙሓት መንእሰያት ናይ ኣእምሮ ነውጺ ክፈጥረሎም ተራእዩዩ። ዕድመ ንእስነት ሕልምታትን ጥሙዕን ዝዓብለሎ ስምዒት ከኣ ዝገንፈሎ ብምዃኑ እቲ ተርእ ክኽሰት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ኣይነበረን። ገለ መንእሰያት ናይ ስደት ሕልሚ ስለ ዘሕደሩ ግን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቋረስ ኣይክእልንዩ። ገለ ሰባት ስለ ዘዕዘምዘሙስ፣ ሃገር ባዕላ ትፈልጥ ኢልካ ንኹሉ ሰራዊት ብወጅሃላይ ናብ ገዝኡ ኣይትሰዶን ኢኻ። ጸላእቲ ድኹም ጐድንታት እንተ ረኽብና ኢሎም ኣብ ተዋቓዒ ነገራት ስለ ዝጨደሩስ፣ ንዜጋታትካን ንሃገርን ዘየርብሕ ስጉምቲ ክውሰድ ዘይሕሰብዩ።

ብቐንዱ ዞም ካብ ኤርትራ ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ብዘይ ምዃኖም፣ ፖለቲካዊ ውሳነ ዝጠልብ ጕዳይ ኣብ ኤርትራ የልቦን። ጠንቂ ስደት እዞም መንእሰያት ብኹለንትናኡ ቍጠባዊ ጕዳይ ስለ ዝዀነ ስንኻ ነኺስካ ምዕያይ ጥራይ ምዃኑ እቲ ምርጫ ዝሰሓት ኣይኰነን። ኣብ ካልእ ጽሑፈይ ገሊጸዮ ከም ዝነበርኩ፣ ብዙሓት ተቓወምቲ ኢና በሃልቲውን ከም ዘተንብህዎ፣ እዞም መንእሰያት ናብ ስደት ምስ ከዱ ኣብተ ውንጭርጭር ዝበላ ንነብሰን ተቓውሞ ኢለን ዝሰምያ ናይ ውሑዳት ውድባት ክኣትዉ ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ ኣብ ኤምባሲታት ኤርትራ ከይዶም ግብሪ ንኽከፍሉ ክሓቱን ብመንግስቲ ኣብ ዝካየድ መደባት ተሳታፍነቶም ከዕብዩ እዮም ዝረኣዩ። ገለ ሰባት፣ እዞም መንእሰያት ናይ ዑቕባ ወረቓቕቲ ምእንት ክረኽቡ ኢሎም ንዘቕርቡዎም ምኽንያታት ከም ባይታ ዘለዉ ናይ ሓቂ ነገራት ገይሮም ከቕርብዎ ንዕዘብ ኢና። እቲ ሓቂ ግን ካብኡ ሓሊፉ ብኻልእ መንገዲ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኰነን።

ሕራይ። ብገለ መንእሰያት ኤርትራ ዝርአ ናይ ስደት ጕዕዞ ንቍጠባዊ እምበር ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘየንጸባርቕ ርኢና። ቍጠባዊ ኵነታት ጠንቂ ስደት ብዙሓት ሃገርት ኣፍሪቃ ካብ ዝኸውን ብዙሓ ዓመታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ከም ኢትዮጵያ፣ ናይጀርያን፣ ሱዳን ወዘተን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ካብተን ብብዝሒ ዜጋታት ናብ ስደት ዝውሕዝወንየን። ስደት ግን ካብ ኣፍሪቃ ጥራይ ኣይኰነን ዘሎ። እቶም ቍጠባኦም ጽቡቕ ይስጉም ከም ዘሎ ዝግለጹ ኤስያውያን ናብ ኤውሮጳን፣ ዓዲ ዓረብን እመሪካን ክስደዱ ይውዕሉ ኣለዉ። ኣዕራብ ንባዕሎም ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ይስደዱ ኣለዉ። ምሁራት ኤውሮጳውያን ከኣ ናብ ኣመሪካ ከም ዝስደዱን፣ ኣብ ኤውሮጳ ንጽፈት ኣእምሮ (Brain Drain) ከይከስቱ ከም ዝስጋእን ዘየንበብና ኣይኰንናን።

እሞ ድኣ ተማጐትቲ!? ስደት ክቕጽል ይኽእልዩ። እቲ ንሃገር ክሃንጽ እተዋደደ መንእሰይ ከኣ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ስርሑ ክቕጽልዩ። እቶም ምስ ተሰደዱ ብዓዶም ዝሓሙ ዜጋታት ከኣ ንሃገሮም ምብርካት ክቕጽልዎዮም። እቲ ኣብ መስርሕ ህንጸት እትርከብ ሃገር ከኣ ክትህነጽያ። ሽዑ ስደት ንደገ ዘይኰነስ ስደት ንውሽጢውን ክህሉ ይኽእልዩ። ህንዳውያን መምሃራን ናብ ኤርትራ ምስዳድ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቕጺሮም ኣለዉ። ካብ የመንን ካልኦትን መጹ ኣዕራብውን ናብ ኤርትራ ክስደዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ዲባያውያንን ካልኦትን ኣውፈርቲ ኣብ መስርሕ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተጸሚዶም ኣለዉ። በብግዜኡ ኩሉ ነገር ክቕየር ቃልስን ዓቕልን ጥራይ…..

ብጎደና-ሓርነት ኣስመራ

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: