Eritrea real clear politics's Weblog

February 26, 2009

2008 Human Rights Report: Eritrea

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 9:17 pm
Bureau of Democracy, Human Rights, and Labor
February 25, 2009

 

Eritrea, with a population of approximately 5.5 million, is a one‑party state that became independent in 1993 when citizens voted for independence from Ethiopia. The People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ), previously known as the Eritrean People’s Liberation Front, is the sole political party and has controlled the country since 1991. The country’s president, Isaias Afwerki, who heads the PFDJ and the armed forces, dominated the country, and the government continued to postpone presidential and legislative elections; the latter have never been held. The border dispute with Ethiopia continued, despite international efforts at demarcation. (more…)

February 21, 2009

Command Economy as Failed Model of Development

Filed under: Economics — eritrearealclearpolitics @ 9:08 am

 

 

By Desalegn Abraha, Ph.D.

Associate Professor

School of Technology and Society

University of Skövde

P.O. Box 408

SE-541 28 Skövde, SWEDEN

Tfn:  +46 (0) 500-44 87 05

Fax:   +46 (0) 500-44 87 99

e-post:   desalegn.abraha@his.se

www.his.se/gebd

 

Paper presented at the Thirteenth World Business Congress, Maastricht School of Management, Maastricht, The Netherlands, July 14-18, 2006 and developed further several times on the basis of the reviewers comments (more…)

Advocates Debate Possession of the Port of Assab

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 8:37 am

By Tewelde Weldeghebriel Washington 20/02/2009

Two leading political advocates from the Horn of Africa mounted a lively debate over Ethiopia’s access to the sea and control of the Eritrean port of Assab. Eritrean opposition member Dawit Ghebremeskel told the Tigrigna service’s People to People that continued complaints by Ethiopians that they should regain the port of Assab will only provoke another round of bloodshed. Gebru Asrat, a former president of Tigray and the chairman of the Arena Tigrai party, told moderator Tewelde Weldegebriel, “Arena would not solve problems but through legal and peaceful means. Sea ports have security and development factors for a nation,” he added. Dawit argued, “Arena’s agenda is nothing new other than attempting to reverse the Eritrean independence.” He said Asrat’s party is trying to use Eritrean ports as playing card to gain traction in the Ethiopian political space. Dawit charged that the main problem is that there are still Ethiopian elites who do not recognize the Eritrean independence. “But as long as they recognize Eritrean sovereignty, no one can prevent the Ethiopians from using the port,” Dawit said. “They have the right to use it.” Gebru said that access to ports is important for Ethiopia’s development. So, too, is regional security. The Eritrean people should not worry that Arena’s programs could start another war between the two countries. “We believe nothing can be changed by making wars,” he said. However, he said, “The current governments may want to survive at the excuse of wars.”

February 18, 2009

“ሓጺር መልእኽቲ ንመራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ፡ ሓሶት ሓጺር እዩ ኣእጋሩ!”

Filed under: Media — eritrearealclearpolitics @ 11:48 am

ብፍላይ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ድማ ማሕበረሰብ ዓለምለኸ ከምዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ክልተ ዝተፈላለየ ገጽታታትን ዕላማታት ዘለወን መራኸቢ ቡዙሓን ከምዘለዋ እዩ። ንሳተን ድማ ቀዳማይ ብዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እንተ ብቐጥታ ብተዛዋዋሪ ዝዉነናን ንዑኡ ከምናይ ፕሮፖጋንዳ መሽን ዘገልግላ ክኾና እንኮለዋ፡ ካልኣይ ድማ ብናይ ተጻይ ፖሎቲካዊ ጉጂለታትን ዉልቀሰባትን ዝዉነና ኣንጻር እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝቐንዓን ኣንጻሩ ንጡፍ ፕሮፖጋንዳ ዘካይዳ እየን። ካብዚ ኣሳላልፋኣን፡ ኣዋዳድብኣን፡ ኣታሃላልዋኣን ፡ ዕላማታተን ንጥፈታተን…ወ.ዘ.ተ ዝነቐለ፡ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ናጻ ዝኾነ መራኸቢ ቡዙሓን ኣሎ ንክትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ወነንት ፈነወ ሬድዮታት፡ ቴለቪዝናት፡ መጽሔታት፡ ወፕሳይታት…ወ.ዘ.ተ ንሕና ካብ ኩሉ ናጻ ዝኾና፡ ንህዝቢ ሓቤሬታታት ንምዕንጋሉን፡ ንቕሓትን ሓቤሬታዊ ዓቕሚ ህዝብና ንምሕያሉ ዝተላዓልና ኢና ቢሎም ክጽዕዱ መዓልታዊ ዝስማዕ ጽዕዶ እዩ። ነዚ ንሳተን ዝጽዕድኦ ጽዕዶ ንምርግጋጽ ንምድህሳሶም ኣብ ትፍትነሉ እዋናት ግን ብዘይ ገለ መሳናኽላት ብድሕሪኦም ዘለዉ ደፋእት ሓይልታትን ዕላማታተንን ንምልላዮም ቡዙሕ ዘእግም ኣይኮነን። ገሊኤን ንኣፍሮ ዓረባዉነት፡ ንጽንፈነት-ሓበሻዉነት፡ ንሃይማኖታዉነት፡ ንብሔራዉነት፡ ንጸቢብ ዉድባዉነት፡ ንዉልቀ ተፈላጥነትን ረብሓ፡ ንዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምንዋሕ፡ ንህዝባዊ ሃልክን መሳርሒ ናይ ግዳም ሓይልታት ኮይነን ዝሰርሑ ምኻነን ንምልላየን ዘእግም ኣይኮናን።

መብዛሕትኣን መራኸቢ ቡዙሓን ዝጥቀማሉ ቋንቋታት፡ ዝዝርጋሕን ዝንበብን ጽሑፋት፡ ዘካይድኦ ጎስጋሳት፡ ዘዉርይኦ ወረታት፡ ዘሕልፍኦ መልእኽትታት፡…ወ.ዘ.ተ ክትሰምዕን ክትነብብን እንኮሎኻ፡ ካልእ ኣነ ዘይፈልጣ ኤርትራ ኣላ ድያ ዘብልን፡ ነቲ ከም ዉሑስ እንወስዶ ልዕላዊት ሃገር ኤርትራ ዝባሃል ነገር ከምዘየሎ ዝእምትን ዝፋታተንን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቲ ከም መተካእታ እዚ ህሉዉ ስርዓት እንሓስቦን እንምናዮን ቃልስታትን ዕላማታትን ዝኸይድ ኣይኮነን። ሃስዉ ኢልካ ሓንቲ ዘመናዊ ሲቪካዊ ሃገራዉነት ኣታሓሳስባን ዕላማን ዝወነነት መራኸቢ ቡዙሓን ክትድህስስ ድማ ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ። ዓለም ብመራኸቢ ቡዙሓንን ምንጭታት ሓቤሬታን ንሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣብተቐየረትሉ እዋናት፡ ከዳናግር እየ ኢሉ ዝሓስብ ዉልቐሰብ ወይ ጉጂለ ናይ መራኸቢ ቡዙሓን እንተድኣ ሃልዩ ዓሻ ምኻኑ እዉን ዘይምፍላጡ ንጥበብ ዕሽነቱ መሊሹ ዘንዕቆ እዩ።

ካብ ድሮ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት 2009 ጀሚሩ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ ዘይተማጣጠነ ዉድቀትን ትንሳኤን፡ ምርሕራሕን ምዉሻብን፡ ምዕልባጥን ምምናይ (forging) ወሬታትን፡ ምዉድዳርን ምጽራያትን፡…ወ.ዘ.ተ ተራእዩ እዩ። ኩሉ ግን ዘፍረዮ ሃናጺ ቅንጣብ ነገር የሎን። ዝዓበሶ ነገር እንተሃልዩ፡ ንሕልምታይ ኣዕሪጉ፡ ንዱሁላት ኣፍሪሑ፡ ንሓስዉቲ ናይ ሓሶቶም ጽምኣት ኣርዉዩ፡ ንኩዉንን ዘይክዉንን ወረ ዝፈትዋ ኣእዛን ወዲ ሰብ ንካብ ካልኢት ናይ ጊዝየ ዓቀን ዘይትልዕል  ኣሖጊሱ፡…ወ.ዘ.ተ። ሎሚ ኣብ ሎሚ መዓልት ደዉ ትብል ኣይኮነትን። ንጽባሕ ክትቕየር ስለዝኾነት፡ ቀጺላ ድሕሪ-ጽባሕ እንታይ ክባሃልን ክኸዉንን እዩ፡ ጊዝየ ዝምልሶ ሕቶ እዩ።

ብወገነይ ይምስክር ኣሎኹ፡ መራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ ካብ ናይ ጋዜጠኛነት፡ ብሎገር፡ ዌፕማስተር፡ ዌፕሳይት…ወ.ዘ.ተ ስነምግባራዊ-ሕጊ (code of ethics) ወጻኢ ክሰርሓ። እቶም ናይ ጋዘጠኛነት ኪኢላታት ክእሎቶምን ሞዮኦምን ብ ኣዝዮም ድኹማትን ፈጠርት ኣቓናበርት ወረ ትዓብሊሉን ተሰሪዱን ክዕሉቑን ክጽዕዱን፡ ብብርዕን ብወረቐትን መዓልታዊ ሰባት ክቐትሉን ከተሱኡን፡ ክኣስሩን ክፈትሑን፡ ካብ ስልጣን ከዉሩዱን ከደይቡን፡ ከሕሙሙን ከጥዕዩን…ወ.ዘ.ተ ዝዉዕሉን ዝሓድሩን፡ ካብ ዘለዎም ትጽቢታት ዝነቐለ ዘየሎ ነገር ከቛናጅዉ፡ ካብ ኣቀዲሙ ዝተጻሕፈን ዝተወርየን ኣስማትን ሕጥበ-ጽሑፋትን እንዳመንጠሩን እንዳለቆሙን ወረታት ክፍብሩኹን ዳግም-ክምስርሑ (recycling)፡ ንዝጽሕፍዎ ናይ ወሬን ዑሎቓ ድርሳናቶም ሓቂ ምኻኑ ንምርግጋጽ ካብ ኣቀዲሙ ኣብ ዌፕሳይታት ዝተዘርግሔ ሰነዳት ብምልቃብ እነሄልኩም መርትዖኣዊ ሰነድ ቢሎም ክጽዕዱ፡…ወ.ዘ.ተ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ እዩ። ዝገርም ነገር እንተሃልዩ ነዚ ኽሉ ክገብሩ ማዕረ ክንደይ ግዝየን ተበግሶን ከምዘለዎ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ከምዘይኮነ እዩ።

ብኣንጻር እዚ ድማ “”ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ከምዝባሃል”” ኣብ ክንዲ ልሳን ህዝቢ ምኻን፡ ከም ሓለይት ጸጥታን ልዕላዉነት ሃገርን ኤርትራ ተመሲሎም ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ዝመስሉ ሎኽመኛታት እንተብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ልሳንን መሳርሕን ናይ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኾኑ እዮም።

ሓደ ሓደ ግዝያት እቲ ዝጻሓፍን ዝዝርጋሕን ወሬታት ምስ ዉሽጣዊ ሕልምታቶምን ትጽቢታቶምን ዝትኣሳሰረ ብምኻኑ ንሓንሳብ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንሓንሳብ ፖሎቲካዊ ምንቕስቓስ፡ ንሓንሳብ ከም ሕቡእን ምስጡርን ሕብረተሰብኣዊ ፖሎቲካዊ ምንቕስቓስ…ወ.ዘ.ተ ምኻኖም ዝእምእት ሒቕታታት ኣሎ። ብስነፍልጠት ሓደ ኣግእዞ ወይ ነገር ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ክልተ ቦታ ክህሉ ስለዘይክእል ጥበራታት ምኻኑ ንምግንዛቡ ቡዙሕ ዘእግም ኣይኮነን።

መራኸቢ ብዙሓን፡ (Mass media) ከም ዓቢ ናይ ለውጥን ቊጽጽር ትካል መጠን፡ ንመስላትን ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምቕላሕ፡ ንዘይሕጋዊ ግህሰታት ዜጋታት ምቅላዕ፡ ንሽርሕን ጉርሕን ሓድነት ህዝቢ ዘይደልዩን ዝጻቡኡን ኣካላት ምቅላዕ፡ ንኣወንታዊ ተበግሶታን ምእንቲ ምዕዋት ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ ሕጊን ሓድነት ሃገርን ህዝብን መስርሑን ምቕላሕን ጽጻርን፡  ንሓቤሬታዊ ትሕዞን ንቕሓትን ህዝቢ ንምሕያልን ምኹስካስን ክሰርሕ እዩ ዝግብኦ። ሓይሊ መራኸቢ ቡዙሓን   ህዝቢ ምድንጋርን ጸለመን ወረታት ምፍብራኽን ጸግዒ መንግስት ወይ ተቃዋሚ  ምውፋር ነጻ ክኸውን ኣለዎ ዜጋታት ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ግዳያት ከይኮኑ ክጥንቀቅ ኣለዎ ኣልዕል ኣቢሉ ንዜጋታት ከም ገበኛታት ካይ ፈርድ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ካብ ጠቀነን ምክፋትን ክርሕቕ ኣለዎ። መራኸቢ ቡዙሓን ህዝቢ መሰሉ ንክረክብ ዝጽዕት ካብ ጸጊዕነት ነጻ ዝኾነ እንተዘይኮይኑ መሳርሒ ናይ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት እዩ።

መራኸቢ ቡዙሓን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንልሳን ህዝቢ ሎጊሙ ንብሕቱ ዝዕንድረሉ ኣእምሮ ዜጋ ዘዕንዝሮሉ ንዋት ኮይኑ፡ ብኣንጻር እዚ ድማ ብዲስፕሊንን ስነምግባራዊ ሕግታት ዘይተቀየደ ናይ ተጻይን ላንጋላንጋ መራኸቢ ቡዙሓን ምስ ዝኸዉን ኩሉ ንኣእምሮ ኤርትራዊ ዜጋ ንክቓጻጸር (manipulating) ዝህቕን ሰይጣናዊ ንዋት እዩ። ንክልቲኡ ወገናት መራኸቢ ቡዙሓን ድማ ሓሶትን ምንድናጋራትን ሓጺር እዩ ኣእጋሩ ብምባል ሓጺር ኣማቲ መልእኽተይ ይዛዝም።

http://www.spj.org/pdf/ethicscode.pdf

 

ያፌት

18/02/2009

 

 

 

 

 

 

 

 

 

February 17, 2009

Who rules the old and new world order?

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 8:33 am

Secret Societies (ILLUMINATI) (more…)

February 8, 2009

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part6

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:58 am

11.ንኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዘሎ ናይ ተጻይ ምንቅስቃሳትን ንጥፈታት ተጻይነት ህዝቢ ኣንጻር እቲ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብዝምልከት፡

ተፈጥራዉን ማሕበራዉን መጎት ከምዘራጋግጾ ዝኾነ ነገር ብክልተ ዝተፈላለዩ ኣንጻራት ዝቆመ እዩ። ኣሉታ እንተሎ ኣዉንታ ኣሎ፡ ጸልማት እንተሎ ብርሃን ኣሎ፡ ሓጺር እንተሎ ነዊሕ ኣሎ…ወ.ዘ.ተ ስለዚ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ጉጂለ እንተሎ እዉን ብኣንጻሩይ ካብኡ ዝሓሸ ወይ ዝሓመቀ፡ ንጡፍ ወይ ልኡም፡ ዉድብ ወይ ዘይዉድብ፡ ብዕስለ ወይ ብተናጸል ተቃዋማይ ክህሉ ባህርያዉን ማሕበራዉን ሕጊታት እዩ። ኣብ ደገን ጎሮባብቲ ሃገራትን ዝዓረዱን ዝተወደቡን ዝንቃሳቀሱን ሓደስትን ጸኒሓዉያን ፖሎቲካዊ ጉጅለታት ንግዚኡ ኣወንዚፍና ኣብ ከርስን ማዓናጡን መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ን ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ባእታታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና። ከምቲ ኣብ መእተዊ እዚ ንኡስ ዛዕባ እዚ ዝጣሕመስናዮ ፈቲና ጸሊኢና ንተግባራት፡ ፖሊሲታት መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝቃወሙ ኣብ ዉሽጥ ክህልዉ ናይ ግድን ካብኮነ፡ እንታይ ይመስሉ፡ ብከመይ መገድታት ይቃለሱ፡ ሓይሎምን ኣድማዕኖቶምን፡ ዘጋጥሞም መሰናኽላት፡…ወ.ዘ.ተ ምዝርዛሩ እኹል ስእሊ ክህብ ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣሎና። እቲ ኣብ ዉሽጥ መዓናጡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ተጻይ ንጥፈታት ብዝተፈላለዩ ጉጂለታትን መልክዓትን ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ ንምርድኡ መታን ክጥዕመና ብኣርባዕተ ጉጂለታት ጠሚርና ክንርእዮ ክንፍትን ኢና። ነዞም ኣርባዕተ ጉጂለታት ዘራኽቦምን ዝፈላልዮምን ሮቓሒታት እኳ እንተሃለወ፡ ኩሎም ንመሰረታዊ ወይ ጥማዓዊ ለዉጢታት ዝቃለሱ ምኻኖም ግን ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን።

1. ቀዳማይ ጉጅለ ኣካላት ወይ ላዕለዎት ማእኮሎትን ታሕተወትን ሰብ-መዝታትን ወትሃደራዉን ጸጥታዉን ሞኮንናትን ኣብ ቬርገሳዊ ኣገልግሎት ዝህባ ሚኒስትሪታት ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ኮይኖም፡ በቲ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ፖሊሲታት፡ ኣጋባብ ኣማሓዳድራ…ወ.ዘ.ተ ቁኑዕ ኣይኮነን፡ ህዝብናን ንሕናን ነዚ ኣይኮናን ተቃሊስና ዝብሉ፡ ብዘለዎም ጽፍሕታትን መስመራት ርክብን እቲ ስርዓት ኣጋባብ ኣካይድኡ ክቕይር ዝጠልቡ እዮም።ኣብ ሕጋዊ ኣኼባታቶም ድማ ነቲ ዘሎ ምረት ህዝቢ ኣልዒሎም ዝዝትዩን ምምሕያሻት ክግበር ዝጠልቡ እዮም።  ኣብዚ ጉጂለ እዚ ንመሰረታዉን ጥምዓዉን ለዉጥታት ዝሕልኑን ዝቃለሱን ኣለዉዎ።

2. ካልኣይ ጉጂለ ህዝብን ኣካላት ህዝቢ ዝኾኑ ቬርገሳዊ ዜጋታት እዮም። እዚኣቶም ሕቶ መሬት፡ ሕቶ ጤሳ፡ ሕቶ ምጣኔሃብታዊ ሓርጎጽጎጻት፡ ሕቶ ናህሪ ዕዳጋታት፡ ሕቶ ጥዕና፡ ሕቶ ማሕበራዊ ምጣኔሃብታዊ ፍትሒ፡ ሕቶ ሕግን ስነስርዓትን ፍርድን፡ ሕቶ ስሓን ጥዕናን፡ ሕቶ ከባብያዊ ምሕደራ፡ ሕቶ ዘራእትን ማሕረስን…ወ.ዘ.ተ እንዳልዓሉ ንፖሊሲታት መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝቃወሙ እዮም። ኣጋባብ ኣቃዉምኦም ንሓንሳብ ብተናጸል፡ ንሓንሳብ ብደረጃ ቀበሌ ወይ ምምሕዳር፡ ንሓንሳብ ብደረጃ ዓዲ ወይ ዞባ ተቃዉምኦም ዘርእዩን ዝቃወሙን እዮም። ንመምሪሒታትን ፖሊሲታትን መንግስት ወትሩ ክጥሕሱን ክቃወሙን ድማ ይራኣዩ። እዚ ጉጂለ እዚ ዳርጋ ብሙሉኡ ንመሰረታዊ ለዉጢ ዝሕልንን ዝቃለስን እዩ።

3. ሳልሳይ ጉጂለ ተማሃሮን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን እዮም። ብዲሞግራፊካዊ ብዝሖም ዝበዝሑን ኣብ መንጎ 13-30 ዕድሜ ዝርከቡ ስለዝኾኑ፡ ብዘለዎም ጸጋታት ዕድሜ ንእስነትን መንእሰይነትን መሰረታዊ ለዉጢ ዝሃርፉን ዝቕበሉን ኮይኖም ንፖሊሲታት ትምህርትን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ብትሪ ዝቃወሙ እዮም’። ንተቃዉምኦም ድማ ቀጻሊ ብዝተፈላለየ ኣጋባባት ዝገልጽዎ እኳ እንተኾኑ፡ ብዝላዓለ ግን 11 ክፍሊ ምስ በጽሑ መታን ንሳዋ ካይከዱ ትምህርት ምቁራጽ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስተመደቡ ዝተመደቡሉ ስራሓቶም ሓዲጎም ምሕካልን ብትግሃት ዘይምስራሕን፡ ሃገሮም ሓዲጎም ምስዳድ እዩ።እዚ ጉጂለ እዚ ዳርጋ ብሙሉኡ ካብ ዘለዎ ጸጋታት ዕድሜ ንእስነትን መንእሰይነትን ዝነቅል ንመሰረታዊ ለዉጢ ዝሕልንን ዝቃለስን እዩ።

4. ራብዓይ ጉጂለ ዳርጋ ሓንፈጽ ጉጂለ እዩ ክባሃል ይክኣል። ምኽንያቱ ንኣቀዲሞም ዝተሮቑሑ ጉጂለታት ብሓባር ወይ ብተናጸል ዘዕቆበ ኮይኑ የግዳስ ዉዳቤኡን ዝርጛሔኡን ምንቕስቃሳቱን ኣዝዮ ልኡም ተቃዉሞ {passive-resistance}ዝኾነ እዩ። እዚ ጉጂለ እዚ ሕብረ-ብሔራዉን ሕብረ-እምነታዉን…ወ.ዘ.ተ  ገሊኡ ድማ ንሓደ እምነት፡ ኣዉራጃ፡ ኤኒክ-ጉጂለ ዝወከለ ኮይኑ፡ ክትግበር ዝደልዮ ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮታታት ኣብ ግምታት ሓንጎሉ ዘቀመጠ እዩ። ምትእስሳራት ምሳ ኣብ ደገ ተሓዚኤን ዝነብራ ዘለዋ ተቃወምቲ ፖሎቲካዉያን ዉድባት ወይ ተራን ኣገደስት ዜጋታት ምትእስሳራት ዘለዎም እዉን እዮም። ገሊኦም ዲሞክራስያዉያንን ዕልማናዉያን፡ ገሊኦም ሃይመናታዉያን፡ ገሊኦም ኣዉራጃዉያን፡ ገሊኦም ቅዋማዉያን…ወ.ዘ.ተ ኣብ ዝተፈላለዩ ንኡሳን ጉጂለታት ዝተፋናጨሉ እዮም። ዘይስሓት ግን ኣብዚ ጉጂለ እዚ ንመሰረታዉን ጥምዓዉን ለዉጥታት ዝሕልኑን ዝቃለሱን ዘለዉዎም እዮም።

ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዘሎ ናይ ተጻይ ምንቅስቃሳትን ንጥፈታት ተጻይነት ህዝቢ ኣንጻር እቲ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብዝምልከት ኩነታቱ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስናዮ ካብ ኮነ፡ ዛጊት ዘይተጠምረን ፋሕፋሕ ዝበለ ካብ ምኻኑ ዝነቐለ ተቃዉምኡ ኣዝዩ ልኡምን ዘይ ኣድማዕን ምኻኑ ንምግንዛቡ ዘጸግም ኣይኮነን። ንጥርናፊኡ ዝበታትኖ ዘሎ እዚ ዝስዕብ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እዩ፡-

ቀዳማይ፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንሓርበኝነትን ሃገራዊ ወንን መንፈስን ብሓያል ናዕታ ስለዝሃሮም፡ ኣብ ዜጋታት ዉልቓዉነት፡ ቕጭታን እንታይ-ገደሽንነት ክዕንብብ ምኽኣሉ እዩ።

ካልኣይ፡ ሓያል-ጸቕጢ ዝኾኖ ጸጥታዊ መሳርዕ ናይቲ ስርዓትን ከፋፋሊ ሜላታቱኡን እዩ።

ሳልሳይ፡ ካብ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ዉሽጥ ዝነብር ህዝብና ኣካላዊ፡ ነገራዉን መንፈሳዊ ደገፌታ ዘይምርካቡ እዩ።

ራብዓይ፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ንኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ላዕሎዎትን ማእኮሎት ወትሃደራዉን ቬርገሳዊ ሰበ-ስልጣን፡ ከከም ኣገልግሎቶምን ከከም ሙእዙዙኖቶም ዓስብታትን ሓለፋታት ይገብረሎም ኣሎ። ንገሊኦም ክሰርሑሉን ክጾርዎ ዘይክእሉ ወትሃደራዊ መዓርግ መኽፈሊ ዶሞዝ ዝኾኖም ሂብዎም ኣሎ። ንገሊኦም ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝህባ ሚኒስትራት ክሰርሕሉ ዘይኽእሉ ሰፍ ዘይብል መዝነት ኣሰኪምዎም ኣሎ። ንገሊኦም ብናጻ ቀረጽ መካይን ከምዝእትዉን ከምዝዉኑኑን ገይርዎም ኣሎ። ንገሊኦም ዉልቃዊ ትካላት ከምዝዉኑኑ ገይርዎም ኣሎ። ሕጂ ድማ ሕሉፍ ሓሊፉ ናይ መንግስት ንብረት ዝነበረ ናይ ከተማ ኣባይት ን ብሰገን ኩባንያ ህንጻ ዝተሃንጸ ሓድሽ መንበሪ-ኣባይት በብደረጅኦም ከም ዉልቃዊ-ንብረቶም መንበሪ ኣባይት ከምዝዉኑኑ ይገብር ኣሎ። ዕላምኡ ድማ ቀዳማይ ብዕዳን ብረብሓን ከምዝሙቑሑ ንምግባሮም እዩ። ካልኣይ ኣብ ፍጹም ዉድድርን ምትፍናን ንምእታዎም ዝተሓብለ-ቶንኮል እዩ። ብሓቂ ድማ ንግዚኡ ይሰርሓሉ ኣሎ። ብስሞም ዝተጻሕፈ ሊብረቶ መንበሪ ኣባይትን ኣባይቲ ስለዝተዓደሉ። ሰፍ ዘይብል መዓርግን መዝነትን ተዋሂቦም ድሓን ዝኾነ ዶሞዝን ሞራላዊ ክብሪታት ስለዝወነኑ፡ ቀረጽ ዘይተቀርጻ መካይን ተወጢሖም ስለዝዘወሩ…ወ.ዘ.ተ ሕማቕ እንዳርኣዩ ከምዘይርኣዩ፡ ሕማቕ ኣንዳሰምዑ ከምዘይሰምዑ፡ ክቃለሱ ዝግብኦም ከንሶም ሕልንኦም ዝሸጡ፡ ህዝቦምን መጋድልቶም ተሰንድዮም እንዳርኣዩ ብጎቦ-ዓይኖም ጠሚቶም ከምዘይራኣዩ ዝሓልፉ….ወ.ዘ.ተ ዉሑዳት ኣይኮኑን። እዞም ኣዝዩ ንኡስ ረብሓታት ሕጂ ዝጥብሮም ዘሎ ጥቡራት ዜጋታት ትማሊ ቅድሚ 18 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልሲ ንናጽነት ከምኡ ኣይነበሩን። ናይዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሙኩራት ዜጋታት ኣብ መጻወድያ-ጥበራ ናይቲ ርእሰ-ስርዓት ምእታዎም፡ ነቲ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዘሎ ናይ ተጻይ ምንቅስቃሳ ከምቲ ዝድለ ካይሱጉም ሓሊኹ-ኮሊፍዎ ዘሎ ቀንዲ ሮቓሒ እዩ።

መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ከም ፖሎቲካዊ ምጣኔሃብታዊ ማሕበራዊ ስርርዕ እንዳወደቀን ደገፌታ ካብ ህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን እንዳበተኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋናት፡ እቲ ኣብ ዉሽጥ ዝርከብ ተቃዉሞ ኣብ ክንዲ እንዳተጠርነፈን እንዳተሰርዔን ዝኸይድ መመሊሱ እንዳተፈተገን እንዳተፈናጨለን ይኸይድ ከምዘሎ ካየስመርናሉ ክንሓልፍ ኣይንደልን። እዚ ድማ ዉጽኢት ናይ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እትማሓደር ዝነበረት ሃገርን ህዝብን ዝርኤ ተርእዮ  እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክዉንነት ነቲ ጥርኑፉን ዑጡቕን ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ንክቃወምን ፖሎቲካዉን ምምሕዳራዉን ህጉፈት ክመልእ ዝዕድም ስለዝኾነ ተበግሶታት ብሓይልታት ምክልኻል ኣብዚ እዋናት እዚ ይዉላዕ ኣሎ፡ ነዚ ተበግሶታት እዚ ምስሓሉን ቁርጡዉን ዉዱቡን ኣድማዕን መታን ክከዉን ኑጹር መልክዓትን ዕላማን ምትሓዙ ከቢድ ስራሕ ከድሊ እዩ።

ነቲ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ወገናት ህዝብና ከም ህዝብን ሃገርን መጠን፡ ምስቲ ታሪኽ ኣፋጣጥርኡን ኣቓዉምኡ ዝነቅል ቡዝሓዉነት ዝተታሓሐዘን፡ ከምተደራቢ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ፖሎቲካዊ ዕምሩ ንምንዋሕ ፈላልዩ ዝገዝኦ፡ ንክፋላለ ዝድሩኹ ሮቛሒታት እኳ እንተሃለዉ፡ እዚ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ንኣታሓሳስብኡን ምንቅስቃሱን ዝገዝኦን ዝሞቕሖን ኣይኮነን። ካብቲ ዉሽጣዊ ኩነታት ብዝያዳ ዝገዝኦ ዘሎ እቲ ጂኦ-ፖሎቲካዊ ኩነታት እዩ። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጎሮባብቲ ሃገራትን ዝካየድ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ንኤርትራ ዘመልከተ ፖሎቲካዉን ወትሃደራዉን ሽርሕታትን ስግኣታት ኣብ ኣታሓሳስብኡን ስጉምታቱን ስለዘንጻላልዎ፡ ሓደ ዓይነት ጭቖናን ሕሰምን መከራን እንከሎዎም፡ ኣብ ኣታሓሳስባን ኣጋባብ ኣታሓሕዝኡን ግን ንጹራት ፍልልያት ዘለዎ እዩ። ኩሎም ለዉጢ ዝደልዩ እኳ እንተኾኑ፡ ገሊኦም ነቲ ለዉጢ ብዘይ ገለ ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ስትራተጂ ሓደጋታት ከምጽዎ ይደልዩ። ገሊኦም ድማ ኣብቲ ሓሳብ ዝራዓሙ ኮይኖም፡ ዝግበር ክንገብር ኣሎና። ንከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ድማ ዝዉሕደሉ ዉሑሉል ጥንቓቄ ክንገብሮሉ ይግባእ ብሃልቲ እዮም።

ነዚ ኣብ ኣታሓሳስባን ኣጋባብ ኣታሓሕዝኡን ፍልልያት ዝፈጠረሉ፡ ነቲ ኣብ ዉሽጥ ዘሎ ናይ ተጻይ ወገናት  ክልተ መሰረታዉያን ዉድዓዉያን ነገራት እየን።

1.ጉዳይ ዶብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንይግባይ ዘይብሉ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ተኸይዱ ናይ መጨረስታን ክትግበር ዘለዎ ቀያድን ወሳኒ ፍርዲ ሂብሉ ከንሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጥታት ካብ ምግባር ነቲ ንምትግባሩ ዝሕንግድ ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ምቑጣቦም እዩ። እንታይ ኮን እዮም ዝደልዩ ዘለዉ ንዝብል ሕቶ ንጹሩን ጭቡጡን መልሲ ስለዘይተረኽበሉ እዩ።

2. ምስታ ቀዳመይትን ቀንዲ ነጥብን እትታኣሳሰር ኮይና፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ወግሔ-ጸብሔ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓኑ ዝዛረበሉ “”ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንልዕላዉነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዉዎ ይፍትኑ”” ኣለዉ። ማሕበረሰብ-ዓለም ዘሪና ባዕሉ ዘጽደቆ ሕግን ፍርድ ንኸይትግበር ኣጽቒጡ! ዝብል ዘረባን፡ ብተዳጋጋሚ ብሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኤርትራ ዝጻሓፍ ንማሕበረሰብ ዓለም ተቃዉሞታትን መግለጽን ዝዉሃብ ቀጻሊ ብሪድዮ ቴለቪዝን ስለዝዝርጋሕ፡ ኣብ ህዝቢ ይኹን ኣብ ሰራዊት ዓቢ ጽልዋ ናይ ምጥርጣር ሓዲጉ እዩ። እቲ ተጋሂዱ ዘሎ ምጥርጣራት ካብ ባዶሽ ዝነቐለ ኣይኮነን ኣብ ዞናናን ብኢትዮጵያ ምትሕብባር ዓበይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ሶማልያ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ነዚ ንምፍላጥ ድማ ነዘን ዝስዕባ ቪድዮታት ብምጥዋቕ ክትሰምዖን ክትርእዮን ይክኣል እዩ። http://video.google.com/videoplay?docid=-6975382872394175181:http://video.google.com/videosearch?q=WARLORD+NEXT+DOOR&hl=en&emb=0# : ርጉጽ እዩ ናይዚ ምጥራጣራት ንረብሓ (benefit of the doubt) ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.,ፍ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ክኸዉን ካይኸዉን ኩሉ ተዛማዲ እዩ። ፍጹም ረብሓ ናይ ሓደ ወገን ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ እቲ ሚስጢር ማዕረ ክንደይ እቲ ናይ ዶብ ሕቶ ን ግርጭታት ምስ ስርዓት ወያኔ ዉሽጣዊ ስርሓትና ካይነካይድ ሓሊኹ ሒዝና ከምዘሎ ከገንዝበና ይክኣል።

ስለዚ እቲ ከም ቀንዲ ፈላላይ ኮይኑ ዘሎ ኣብ ኣታሓሳስባን ኣጋባብ ኣታሓሕዝኡ መሰረታዊ ነጥቢ ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ስትራተጂ (national security strategy) ሕቶ እዩ። ኩሉ ወገናት እዉን ዝሳማማዓሉ ነጥቢ እዩ። ጸጥታን ምርግጋእን ናይ ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ዝኾነ ነገር ሰሪዑ ይጥምትን የዕለብጥን ከምዘሎ ሩኡይ እዩ። ብዘይካ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝግበረሉ ጸቕጥታትን ጭቖናን ብምዕራብ ብደቡብን ምብራቕን መኣዝናት ኤርትራ ካብ ስግረ-ዶብ ዝነቀለ ዝትፋኣሉ ዘሎ በርቕን ነጎዳን እዉን ይርእዮን ይሰምዖን ስለዘሎ ኣብ ጸጥታዊ ወጥርታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ሩጉጽ እዩ ሓደ ናይ ለዉጢ ሓይሊ ኣብ ቅድሚኡ ቡዙሓት ሓደጋታት ተገቲሮም ከምዝራእይዎን ከምዝብድህዎን ብኡ እዉን ክፍተን ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ካይትሓልም መታን ተባሂሉ ካይ ደቀስካ ስለዘይሕደር ግን ክኽየድ ዝግብኦ ኪደት ክኽየድ፡ ስለዝተረድየ ዝተራዕመን ዘይኮነስ እቲ ህሉዉ ኩነታት ስለዘገድደካን ዝገዝኣካን ክኽየድ ምኻኑ ግድነታዊ እዩ። ንኽክየድ ክራጋገጹ ዝግብኦም መሰረታዉያን ሮቛሒታት ኣለዉ። ንዓታቶም ንምምልኦም ቁልጡፉን ጽዕጹዑን ጻዕርታትን ቃልስታት ከድሊ እዩ።

መደምደምታ፡-

ዘረባ እንተበዝሔ ዳስ ናይ ዝገፍሔ ዋጋ ስለዘይብሉ መዛዘሚ ዛዕባና ክንገብረሉ ኢና። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘይገበሮ ገበንን ኣበሳታትን የለን፡ ዘይተነግረ ግን ቡዙሕ እዩ። ቡዙሕ ጉዳያት ኣለዉ ንደገ ኣዉጺእካ ምብታኖም ነቲ ሃገርን ህዝብን ኣብ ክንዲ ዘርብሕዎ ንጊዚኡ ክጎድእዋ ስለዝኽእሉ ንግዚኡ ክሳብ ንምጽዋዮም ጊዝያቶም  ዝኣክል ተጸሚምና ሓሊፍናዮም ኣሎና። ኣቀዲምና ከነንጽሮ እንደሊ ቁምነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ተቃሊሱ ዝተዓወተሉ ዓበይት ስትራተጂካዊ ሕቶታት ከም መንቀሊና ወሲድና ንዝቦኸረ ንምቕጻልን ንምዕዋትን ጥራይ ኢና ክንቃለስ እንደሊ። ኣብ ተ.ሓ.ኤ ስለዘይነበርና ንታሪኽ ተ.ሓ.ኤ ከም ዘይታሪኽና ኣይንርእዮን ኢና፡ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለ ዘይነበርና ድማ፡ ነቲ ታሪኽ ክጎስን ንኩሉ ሕማቁ ጽቡቁ ኣብ ሓደ ጎድፍ ክጉሕፍ ዝፍትን እዉን ኣይክንሕሽሸሉን ኢና። ሕማቁ ጽቡቑ ኤርትራዊ ታሪኽና እዩ፡ ሕማቁን ጽቡቑን ተዳማሚሩ ዉጽኢቱ ንሃገራዊ ናጽነትን ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብጺሕና እዩ። ስለዚ ከም ህ.ግ.ሓ.ኤ ወይ ከም ተ.ሓ.ኤ ዄይና ኣይኮናን ንሓስብን ንቃለስን፡ ከም ኤርትራዉያን ዄይና ኢና ንሓስብን ንቃለስን። ንሕና መወከሲታት ንታሪኽና ከድልየና እንኮሎ ስሕት ኢልና ንድሕሪት ክሳድና ጠምዚዝና ንጥምት ኢና፡ መብዛሕትኡ ጊዝያት ግን ንቅድሚት ጠመቲ ኢና። እዚ ሕጂ እነካይዶ ዘሎና ማሕበራዊ ሰዉራ መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓወተሎም ዓበይቲ ስትራተጂካዊ ሕቶታትን ሕቶ ህዝብ ዘማእኸለን እዮ። ንመዛኻኸሪ መታን ክኸዉን ክንጠቕሶም ዝግብኣና ሓቕታትን ሕጋዉያን ሃገራዉያን ሰነዳትን ኣለዉ። ንሳተን ድማ እዘን ዝስዕባ እየን፡-

1. ኤርትራ ናጻን ልዕላዊት ሃገር እያ።

2. ኤርትራ ብቕዋማዊ ፓርላማ ዝጸደቀ የግዳስ  ተግባር ዘይዉዓለ ሃገራዊ ቅዋም ኣለዋ።

3. ኤርትራ ዝተነድፈን ዝጸደቀን ሕጊ ምስረታ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ምንቕስቃሳትን ኣለዋ።

4. ኤርትራ ዝተነድፈን ዝጸደቐን ሕጊ ምርጫታት ዘለዋ ሃገር እያ።

5. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ እዩ።

6. ኣብ ኤርትራ ቦኺሩ ዘሎ ቡኽረት ግዝኣተ ሕጊን ማሕበራዊ ፍትሕን እዩ።

ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ክዉንነትን ሕጋዊን ሃገራዉን ነዳት ድኽመታትን ነቓዓትን ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብርግጽ ድማ ድኽመታትን ነቓዓትን ዘለዎ እዩ። ድኽመታቱን ነቓዓቱን ምምዕራይ ወይ ምቕያር ዘድልዮ ድማ ብዝቐዉም ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ምምዕራይ ክግበረሉ ከምዝኽእል ከምርዱኡ ወሲድና። ብቀዳምነት ነቲ ዘሎ ምልካዊ ስርርዕ ብቅዋማዊ ህዝባዊን ዲሞክራስያዉን ስርርዕ ክቕየር ምቕላስ እዩ። ዘሎ ፖሎቲካዊ ስርዓት ንሃገራዊ ቅዋም ከተግብር ሕራይ ዝብል እዉን እንተኾይኑ፡ ካብ ዘይቅዋማዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ንቕዋማዊ ስርዓት ይቕየር ስለዘሎ ከም መሰረታዊ ለዉጢ ንምርኣዩ ኣየሰክፈናን እዩ። የግዳስ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ገበናትን መስፈሪ ዘይርከቦ በደላት ስለዝተሸመ ብወለንታነት ንቕዋም ምትግባር ዝዉዕሎ ኣይመስለናን እዩ። ነልዕሎ ኣግእዞታት ህዝባዊ ሕጋዉን ርትዓዉን መቀጸልታ ናይ ዝሓለፉ ቃልስታትና መታን ክኸዉን፡ ሕጋዊ ሕቶታት ከነልዕል ይግብኣና። እቲ ህዝባዉን ሕጋዉን ኣግእዞ ካብቲ ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ቡኽሮትን ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት ዝነቐለ ምስ ዝኸዉን ብህዝብን ማሕበረሰብ-ዓለምን ተቐባልነት ስለዝህልዎ ወትሩ ማዕባልን ተዓዋቲ እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ቅዋም ወይ ግዝኣተ-ሕጊ ከተግብር ድሉዉ ስለዘይኮነ፡ ኣዝዩ ከቢድ ዝተወደበ ህዝባዊ ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምዉዓል መጀመርታ ዝተነጸረ ዕላማታትን መትከላትን ክህሉዉ ኣለዎም፡ ነዚ ዝተነጸረ መትከላትን ዕላማታትን ዝጸዉር ጸዋሪ ዓንድ መሓዉርን፡ ነቲ መሓዉር ከም ቀንዲ ሱር ደም ኮይኑ ዝምግብ መትንታት ኣብ ህዝቢ ዝተስረተ ዉደባዉን ኣካላዉን ቕርጻ ክህሉ ኣለዎ። እቲ ዝቀዉም ናይ ህዝቢ ምንቕስቓስ ካብ ህዝብ ዝነቕልን ብህዝቢ ዝምወልን  ንረብሓ ህዝብ ዝሰርሕ እንተኾይኑ፡ ዳርጋ ተቀዲሑ ዘይነጽፍ ናይ ለዉጢ ሃዋርያት እዩ። ሓያል ኣካላዉን ፖሎቲካዉን ጸቕጥታት መታን ክግበር ድማ፡  ዉድብ ቀቢርካ ካልእ ዉድብ ምዕባይ! ሰልፊ ቀቢርካ ካልእ ሰልፊ ምዕንጋል ዘይኮነ ሓድሽ ገጽታ፡ ዕምቆት፡ ዝርጋሔ፡ ዕላማ፡ ራእይ፡..ተ ዘለዎ ናይ ህዝቢ ምንቕስቓስ እዩ ዘድሊ ዘሎ። ኣብ ዉሽጥ ከስዕን ማዓናጡ  ስርዓት ...ፍ ን ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ተጸፍዩ ዝንዓዓብ ዘሎ ናይ ተጻይ  ሉኡም ምንቕስቓሳት፡ ከምቲ ዝድለ ካይስጉምን ካይዓብን ደሪትዎ ዝጸንሐ ቀንዲ ሮቓሒታት ኣቀዲምና ገሊጽናዮ ኢና። ነዚ ኣብ ዉሽጥ ሃገር ዘሎ ናይ ቃልሲ ተበግሶታት ንምብርባሩን ንምሕያሉን፡ ብደገ ሓያል ናይ ህዝቢ ምንቕስቃስ ፈጢርካ ንዉሽጢ ከምዝዞርቕን ከም ለበዳሓዊ ድማ ከምዝላባዕ ምግባሩ ከድሊ እዩ። ናይ ዉሽጥን ናይ ደገን ከም መርፍእን ፈትልን ተዋሲቦም ብሓባር ከምዝሰርሑ ምግባር ከም ቀንዲ ዕላማ ተወሲዱ ክስራሓሉ እዚ መድረኽ  ዝጠልበና ዘሎ ሕቶ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልጥ እዩ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዉሽጣዊ ዓቕምታቱ ምስተጸንቐቀ ዝምድናታቱ ምስ ኣብ ዉሽጥ ዝነብር ህዝብና ምስተባታተኸ፡ ኣቅልብኡ ናብቲ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝብና እዩ ተጠምዚዙ። ስለዚ እዚ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝብና ኣዝዩ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ የመልክተና። ካብዚ ክዉንነት ብምንቃል፡ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበራዊ ጸጋታት ዝተሞርኮሰ ለዉጥን፡ ብኤርትራዉያን ጥራይ ዝዉስን ፖሎቲካዊ ለዉጢ ክራጋገጽ እንተተደልዩ፡ ሙሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ክራጋገጽ ኣለዎ። ሙሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ክራጋገጽ ድማ እቲ ምንቕስቓስ ካብ ህዝቢ ዝነቕልን ንረብሓ ህዝቢ ዘዉሕስን ምስዝኸዉን እዩ። ኣብ ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታ ኤርትራ ጥዑይ ሓሳብ ንህዝብን ሃገርን ክመርሕ ዝኽእል ኣይኮኖን ተሳኢኑ። ጥዑያት ፖሎቲከኛታት ንሃገሮምን ንህዝቦምን ከገልግሉ ዝደልዩ ኣይኮነን ተሳኢኖም፡ ምሁራትን ለባማትን ኣይኮነን ተሳኢኖም እንታይድኣ ሓደ ጽንዑ ናይ ህዝቢ ወይ መሰረታት ምንቕስቓስ (Grass-root movement) ተበግሶ እዩ ተሳኢኑ ዘሎ። እቲ ክቃለስን ረብሓታቱ ክካላኸልን ከሰስን ዝኽእል ኣዝዩ ዝበዝሓ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ገሊኡ ተገዲዱ ኣገልጋሊ ምልካዉያን፡ ገሊኡ ኣገልጋሊ ኣርካናት ኩናት፡ ገሊኡ ላንጋላንጋ፡ ገሊኡ ኣብ ዉልቓዊ ሂወቱ ምስሳን፡ ገሊኡ ኣፉን ኢዱን ኣኪቡ ብምጽቓጥ፡ ገሊኡ ብሃይማኖት፡ ብብሔርን ኣዉራጃን ብምምቕቃል.. ከም መእሰሪ ማእዶ ዘይብሉ መኾስተር ተባታቲኑ ስለዘሎ፡ ነዚ ኩነታት እዚ ዝቕይር ሓድሽ ቅዲ ቃልሲ እዩ ዘድሊ ዘሎ። ቅድሚ ነቲ ሕብረተሰብ ብመሰረታዊ ሶጋሚ ኣታሓሳስባ ክትቕይሮ ምፍታን ድማ፡ መጀመርታ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣታሓሳስባ ምቕያር ከድሊ ምኻኑ ተፈሊጡ ክስራሓሉ ኣለዎ። ስግር እዚ ዘሎ ኩነታትን ስግር እዚ ዘሎ ስርዓትን ብግምታትናን ኣታሓሳስባናብ ክንሓስብ እንተዘይበቂዕና፡ ኣብ ክንዲ ፈታሕቲ ጸገም ንሕና እዉን ክንፍታሕ ዘሎና ጸገም ኢና።

ወድሓንኩም!!!!!!!!!!

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራስያዉያን ባታታቱ!

ዘላኣላማዊ ዝኽሪን ክብርን ንስዉኣትና!

ዓወት ንሓፋሽ!

18/10/2008 ዓ.ም.ፈ.

 

 

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part5

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:56 am

7. ን ሓፈሻዊ ትምህርት፡ ኣካዳምያዊ ናጽነትን ባህሊ ብዝምልከት፡

 

ቅድሚ ኣብዚ ኣገዳሲ ዛዕባ እዚ ኣቲና ምዝራብና፡ ኣብ ኤርትራ ብመንግስትን ብሕትን ዝዉነና ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርትን ሞያን ኣስተምህሮ ዝምጥዋ ኣብያተ-ትምህርትታት ከምዘለዋ ከነነጽር ኣድላይ እዩ። መብዛሕትኣን 98% ኣብያተ-ትምህርታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝማሓደራን ዝካየዳን እየን። እተን ብሕታዊ ናይ ዝተፈላለየ ሞያን ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ዝህባ ኣብያተ-ትምህርታት ንተማሃሮ ወርሓዊ ክፍሊታት እንዳኽፈላ ዝምህራ ክኾና እንኮሎዋ፡ እተን ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርት ዝማሓደራን ዝካየዳን ግን ብናጻ ብመሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝስልዖ ዓመታዊ ባጀት ንትምህርት ወጻኢታት ዝምህራ እየን።

ስለዚ ኤርትራ ካብተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዓለም ከንሳ ትምህርት ብናጻ እዩ ክብሃል ይክኣል። እዞም ኩሎም ሕጂ ዝላዓለ ደረጃ ትምህርትን ሞያን ኣብ ዉሽጥ ሃገርን ደገን ማህደረ-ትምህርት ተዋሂብዎም ትምህርትን ሞያን ቀሲሞም ኣብ ዉሽጥ ኤርትራን ኣብ ስደትን ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ብህዝብ ንኣታዊ ዉሽጢ ሃገር ዝኸፈሎ ቀረጽ፡ ብመሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ካብ ዓለማዊ ባንክ ንሰብኣዊ ዓቅምታት ንምምዕባል ብዝተለቕሖ ገንዘብን ብለገስት ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ብዝተዋህበ ፋይናንሳዉን ነገራዉን ሓገዛት ዝተማህሩ ምኻኖም ኣቀዲሙ ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ዓለም እንካን ሃባን ርትዓዊ ሂወት {Give and take is fair play} ስለዝኾነት ድማ ንክማሃር ዝተለገሰሉን ዝተመወለን ዜጋ ተመሊሱ ንህዝቡን ሃገሩን ኣዉንታዊ ዓስቦም ክኸፍሎም ሃገራዉን ሞራላዉን ግዴታታት ከምዘለዎ ብንጹር ክፈልጥ ኣለዎ። ዕድል ተዋሂብዎ ዝተማህረን፡ ዕድል ተኸሊእዎ ዝደንቆረን ብሓደ መዕቀኒ ዝዕቀኑ ስለዘይኮኑ፡ እቲ ዕድል ረኺቡ ዝተማህረ ነቲ ዕድል ተኸሊእዎ ዝዶንቆረ ኣብ ምስትምሃርን ፖሎቲካዊ ምጣኔሃብታዊ ማሕበራዊ ለዉጥታት ኣብ ምልዓልን ምቕያርን መናባብሮን ምሕደራ ኤርትራ ብዘይግብዝና ብንጡፍ ክሳተፍ ኣለዎ ። ብራሃጽ ህዝቢ ብንመጻኢ ዝኽፈል ዕዳ ሃገርን ብምጽዋት ንሃገር ሰብኣዊ ዓቕምታት ንምምዕባል ዝተለገሰ ተማሂርካ ንዉልቃዉን ንናይ ደገ ሃገራትን ኣህዛብን ኣገልጋሊ ኼንካ ክትዕስብ ጥራይ እንተተሃቂኑ ግን ዓቢ ይቕሬታ ዘይባሃለሉ ገበን ክኸዉን እዩ። ኣብዚ ብኑጹር ከነቀምጦ እንደሊ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ንደገ ተሰዲዱ ዘሎ ፈሊጣዊ-ኣካላት ሕብረተሰብና ተመሊሱ ንሃገር ከይዱ ክሰርሕ ኣለዎ ማለትና ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ናብርኡ እንዳመርሔ ብንጡፍ ግዝኣተ-ሕግን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ሃገርና ክነግስ ኣብ ኪደት ቃልሲ ክሳተፍ ኣለዎ ማለትና እዩ። ንሓደ ተዛራቢ ትግርኛ ብቛንቓ እንግሊዝ ዝጻሓፎ ብትግርኛ ክትርጉምን፡ ንመሰረታዊ ሓቕታት ዘይብሉ ሃበስ-ቀደስ ዘረባ ከተንብብን፡ ንቃልሲ ከመሳጋገሪን መሳርሕን መጣጣሒ ዉልቃዊ ናይ መጻኢ ሂወቱ ክጥቀመሉ ዝህቕኑ…ወ.ዘ.ተ እንተኾይኖም ናይ ግዝየን ቦታን ሕቶ ጥራይ እዩ እምበር ናይብሓቂ ስሓቦ-ጉትቶ ዘለዎ ተግባር እዩ። ስደት ካብ ቃልሲ ኣይንጽለካን እዩ። እንታይድኣ ንመልክዓት ቃልስታትካ ጥራይ እዩ ዝዉስኖ። ስለዚ በቲ ዘለዉዎ ሂወትን ቦታን ብዝወሰኖ ኩነታት ነዚ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ክመርሕዎን ክደፍእዎን ጉንዕታቶምን ጉቡኣቶም እዩ።

መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ኣብ ዕድላት ምሃብ ንናይ ደገ ማህደረ-ትምህርት ንዝላዓለ ደረጃ ትምህርት ዝፈጸሞ ሓደ ዓቢ ጌጋ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ኤርትራዉያን ደቂ-ኣንስትዮ ዘተኮረ እዩ። ኤርትራዉያን ደቂ-ኣንስትዮ ዳርጋ 54% ዲምግራፊያዊ ብዝሒ ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘለወን እየን። ብመጠነ ብዝሓንን ብመጠን ዘለዎን ጸቕጥታት ኣባታዊ ኣታሓሳስባ ሕብረተሰብና፡ ብልዑል ተሳታፍነተን ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ መጻኢ ሂወት እቲ ሕብረተሰብን ተቀሚሩ ኣብ ግምት ኣትዩ መጠነ-ብዝሔን ክብ ዝበለ ኣብ ክንዲ ዝሰድድ፡ ዳርጋ 3% ናይቶም ንደገ ዝተሰዱ ጥራይ እየን ነይረን። ሰብ መዚ መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ናይ ብሓቂ ዘይፈለጥዎ ፍልስፍና ሕብረተሰብኣዉነት ኣሎ። “”ንሱ ድማ ጓል ኣንስተይት ምምሃር ሕብረተሰብ ምምሃር እዩ። ወዲ ተባዕታይ ምምሃር ድማ ንዉልቀ ዜጋ ምምሃር ምኻኑ እዩ።”” ነዚ ፍልስፍና እዚ ንከይፈልጡ ዝደፈኖም ድማ እቲ ዝዉንንዎን ዝዉንኖምን ኣባታዊ {Patriarchy} ዝምባሌታቶም እዩ። ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይት ንምሕያል ኣብ ኣካዳሚካዉን ባህላዉን ዓቕምታተን ክብ ንምባል ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ ነይሩ። የግዳስ ኣይኮነን።

ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ከም ሰበን ዘጋንፈን ዘሎ ሕሰምን መከራን፡ ምጭፍላቕን ምዝመዛን፡ ኣባታዊ ሕብረተሰብን ዕዋላዊ ባህርያት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ንዝኸፍኤ ሓደጋታት ኣጋሊጽወን ይርከብ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ህ.ግ.ደ.ፍ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይትን ኤርትራዊት-ኣደን ኣንካይዶ ንዝላዓለ ደረጃ ትምህርት ክትዉሃብ፡ ኣደዳ ሕሰም፡ ጥምየት፡ ጓሂ፡ ስጋዊ-ዓመጽ፡ ዘይነፍስን ዘይረደዮቶን ዕሸልን መዉስባዊ-ሕማማት ሙጻር፡…ወ.ዘ.ተ፡ ደቃ ብሓሳረ-መከራ ኣዕብያ ንመላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብኣስገዳድ እተረክብ ዓስቢ ዘይብላ ማሕበራዊ ፋብሪካ ኮይና ኣላ። ኤርትራዊት መንእሰይ ጓል-ኣንስተይት ጽባቐእን ጉብዝናኣን ኣብ ክንዲ ባህርያዊ ተዉህቦን ግርማን ዝኸዉን ብወትሃደራዊ መኮንናት ህ.ግ.ደ.ፍ መከራ ዝዕድመላን ክብራ ዘግህሳ ዘይነጽፍ-ዕዳ ኮይንዋ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣቦታቶም ዝተሰዉኡ፡ ኣቦታቶም ዝጠለሙዋን ዘኽታማት-ህጻናት ላዕልን-ታሕትን ኢላ ንበይና ከተዕቢ ኣብ እንግዳዓኣ ዝተሓንገረ  ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ሂወትን ድኽነትን ኣብ ጸቢብ ኩርናዕ ናይት ሕብረተስብ ኣጸጊዕዋ ከምዘይሓልፍ ይጉስጣን የልፍዓን ኣሎ። ካብቲ ዘሕፍርን ዘስካሕክሕን ሃለዋት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብዚ ህሉዉ ኩነታት እዩ። ስለዚ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ብግቡእ ዘመለሰን ካብቲ ኣቀዲሙ ዝነበረ መሊሱ ምዕብልነኤንን ሱታፌኤን ንታሕቲ ከምዘንቖልቁል ዝገበረ ፖሎቲካዊ ስርዓት እዩ።

መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ናይ  ምምሃርን ምፍላጥ ነጻነትን መሰላትን ብስልታዊ ብልሓት {systematically} ንቂጹዎ ኣሎ ከመይ ኢሉ እዩ ማዓት ማህደረ-ትምህርታት እንዳሃበ፡ ኣብያተ ትምህርትታትን ኮሎጃትን እንዳሃነጸን እንዳከፈተን ከንሱ ዓንቂጹ ኣሎ ዝባሃል ዘሎ ዝብል ሕቶ ክልዕል ርትዓዊ ስለዝኾነ ብቀጥታ ንኡኡ ምምላስ ኣኻሊ ክኸዉን እዩ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ምምሃር ንኩሉ ዜጋ ብዘይ ሓደ ክፍሊት መሰላትን ጉባኣትን ምኻኑ ብቀዳምነት ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ቀጺሉ ተማሃራይ ብኣካዳምያዊ ብቕዓቱን ዝንባሌታቱን ዝመረጾን ዝመልኮን ሓንጎሉ ከሳስዮ ዝኽእል ዓይነት ትምህርቲ ክወስድ መሰሉን ዉጺኢታዉን እዩ። እቲ ሓቂ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዚ እዩ መንግስት ንተማሃራይ ሓሪምዎ ዘሎ።

ተማሃራይ ናይ ሓሳባት ምግላጽ ነጻነት እንተዘይብሉ፣ ተማሃራይ ምስ ባህርያዊ ዝንባሌታቱ ዝድርኾ ዝመልኮን ደስ ዝብሎን ዓይነት ትምህርቲ ዘይምሃር እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ክሳብ ዓቕሙን ንያቱን ዘፍቕደሉ ትምህርት ክማሃር ዘይክእል እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ብዘይ ገለ መሳናኽላትን ጸቕጥታትን ዘይምሃር እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ናይ ተመሃሮ ናይ ምንቅስቓስ መሰላቱ ዘይሕሎ እንተኾይኑ፣ ተማሃራይ ናይ ምእካብ ዋዕላታት ሰሚናራት መጋባእያታት ኣብ ኣካዳምያዊ ትሕዝቶ ዘተኮረ ከምድላዩ ዘይሳተፍን ዘየካይድን እንተኾይኑ፡ መሰላት ናይ ኣካዳምያዊ ፈሊጣን ዘይሕሎ እንተኮይኑ፡ ተማሃራይ ብኣስገዳድ ኣብ መባእታ ደረጃ ትምህርት ብቛንቛ-ኣደ ዝማሃር እንተኾይኑ፡ ተምሃራይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣስገዳድ ክገብር ዝግደድ እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ሕጽረታት ንዋትን ቀረባትን ትምህርቲ ዘጋጥምዎ እንተኾይኖም …ወ.ዘ.ተ መንግስቲ ንትምህርትን ኣካዳምያዊ ናጽነትን ዓንቂጹ ኣሎ ክባሃል ይክኣል።

ስርዓተ ትምህርት ኤርትራ፡ ትምህርትን ኣስተምህራዊ መስርሕን ብዕምቆትን ብመርትዖን ክርኤ እኳ ጉቡእ እንተነበረ፡ ኣብ ክንዲ ክልስሓሳባዉን ዝርዝራዊ ዝኸዉን ብሓፈሻዊ መገዲ ኩሉ ብክርድኦ ዝኽእል ቋንቋ ክንገልጾ ክንፍትን ኢና። መጀመርታ እቲ ስርዓተ ትምህርት ኣብ ሳሕል ኣብ ቤት ትምህርት ሰዉራ ዝስራሓሉ ዝነበረን ገለ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ስርዓተ ትምህርት ዝነበረ ብምጽንባር እዩ ትምህርት ኣብ 1992 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ። ስለዚ ትምህርት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክጅምር እንኮሎ ኣዝዩ ንጹርን ተዓጻጻፍን ስርዓተ ትምህርት {programmatic curriculum{ ኣብ ንባህላዉን ትጽቢታት ተማሃሮ ዘንጸባርቕ ዝተሞርኮሰ ኣይነበረን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ንገዛእ ርእሱ እዉን እቲ ስርዓተ-ትምህርት ተጻፊፉ ዝተወድኤን ንጹር ዕላማን መደባትን ናይ መምሃሪ-ጥረ ነገራት ኣይነበርዎን። ድሕሪኡ ብመጠኑ እቲ ስርዓተ ትምህርት ተሓንጺጹ ምስተወድኤ፡ ስርዓተ ትምህርት ኤርትራ ኣብ መባእታ ደረጃ ትምህርት ንኩለን ዝተፈላለያ ኢትኒካዊ ጉጂለታት ብቛንቛ-ኣደ ከምዝማሃራ እዩ ገይሩ። ዝተፈላለየ ባህልን ምዕብልና ቋንቋ ማሕበራዊ ቀጸላታትን ትጽቢትን ዘለዎም ተማሃሮ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ሓደ ኣምጺኻ ክትምህሮምን፡ ንሳቶም እዉን ምስቶም ካልኦት ከምኦም ተማሃሮ ብቀሊሉ ክዉሃሃዱን ክጽንበሩን ኣዝዩ ከቢድ ምምስራሕ እዩ ዘጋጥም። እዚ ጸገም እዚ ዝፈጥሮ መሰናኽላትን ስንብራታትን ኣብ ልዕሊ እቶም ተማሃሮ ኣዝዩ ዓቢ ጸገም ፈጢሩሎም እዩ። ስለዚ እቲ ጸገማት ኣብ ትምህርት፡ ካብታ ቀዳመይቲ መሰረት ጽፍሒ መባእታዊ ትምህርት ትጅምር ኣላ ማለት እዩ።

ቀጺሉ እዉን ናይቲ ካብ 1992-2002 ዓ.ም.ፈ ዝስረሔ ስርዓተ ትምህርት ኣዉንትኡን ኣሉትኡን ብቡቑዕ ካይተገምገመ እንኮሎ፡ ብካልእ ስርዓተ ትምህርት ብናይ ቴክሳስ ስርዓተ ትምህርት ዝፍለጥ ከምዝትካእ ተገይሩ። እኹል መጽናዕትን ምርምራትን ካይተገብረሉ ብሃታ-ሃታን ሽበድበዳትን ከምዝታኣታቶ ተገይሩ። እዚ ስርዓተ ትምህርት እዚ ክታኣታቶ እንኮሎ ኣብ ምድላዉ ኣባላት ሚኒስትሪ ትምህርት ክኮኑ እንኮሎዉ ዝቛጻጸሮ ዝነበረ ተቃጻጻሪ ድማ ፕረዝደንት ኢሰያስ ነይሩ። ስለዚ በቶም ናይ ኣካዳሚክ ፈሊጣን ዝተጻሕፈ ብፕረዝደንት ገሊኡ ቁቡል ዝበሎ ቁቡል ይኸዉን እዚ ቀይርዎ ዝበሎም ድማ ኣንዳተቐየረ ዝተሓንጸጸ ስርዓተ ትምህርት እዩ። ዉጽኢትን ኣድማዕነትን ናይዚ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርት እዉን ዛጊት ውጽኢቱ ብኪኢላታት ስነ-ትምህርት ዓዉደ-ፍልጠትን ኣይተገምገመን ዘሎ። ላዕለዎት ሰብ መዚ ነዚ ስርዓት ትምህርት ንምትእትታዉ ዝደፋፉኡ መሰረታዉያን ሮቛሒታት ከምዘለዉ እዮም ዘተንብሁ። ካብቶም ዝተንብህወን ርቛሒታት እዞን ዝስዕባ እየን፡-

1.ኣብ ምህናጽ ማሕበራዉን ኣካላዉን ትሕተ ቕርጻታት ስለንርከብ፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዓዉድታት ጽላታት ናይ ተግባሬ-ኢድ ኪኢላታት ዓቕሚ ሰብ ከነማዕብል ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና ምትካል-ዋልታ ጽምዶ {Strategic Engagement} ከዓዉት ስለዝኽእል፡ ኣብ ክንዲ ንጊዚኡ ከስራሓና ዘይክእል ፍልጠት ዜጋ ዝማሃር፡ ነዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና መደባት ዘዓዉት ክማሃር ኣለዎ ዝብል እምነታት ከምዘለዎም የተንብሁ።

2.ካብቲ ዝተረኽበ ሓጺር ተሞክሮታት ኩሉ ማህደረ-ትምህርት ተዋሂብዎ ረኺቡን ዝተማህረ፡ ገሊኡ ትምህርቱ ወዲኡ ገሊኡ ካይወድኤ ብኡ ኣቢሉ ኣብ ዝማሃረሉ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሃገር ወይ ሳልሳይ ሃገር ዝተርፍ እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ንወጻኢ ሃገራት ተማሃራይ ምስዳድ፡ ኣብዚ ተተይ እንዳበለ ክሳብ ማስተርስ ዘጽናዓሉ ባይታታት ምፍጣር ኣማራጺ እዩ ዝብል ቅመራታትን እምንቶታት ስለዘሎዎም ከምዝኾኑ የተንብሁ።

3.ዓቕሚ ሰብኣዊ ክእለትና ካብ ህሉዉ ኩነታትና ዝነቕልን ንህሉዉ ኩነታትን ንምፍታሕ ኣበርክቶ ዘለዎ ግድላዊ ዓይነት ትምህርቲ {Problem-Posing Method} ክከዉን ኣለዎ ዝብል እምነታት ስለዘሎ እዩ ቢሎም የተንብሁ። ብኣጣቃላሊ ክትመዝኖ እንተፈቲንካ እቲ ኣታሓሳስባ ኣዉንታን ኣሉታን ገጽታታት እኳ እንተሃለዉዎ፡ ከም ኣታሓሳስባ ኣብ ሎሚ መዓልት ጥራይ ዘተኮረ እምበር ናይጽባሕ ዝጠመተ ከምዘይኮነ ተኾሊዑ ይርኣየካ። ልዕሊ ኹሉ ግን ዝኾነ ዜጋ ዝደልዮን ዝብህጎን ዝኽእሎን ዓይነት ፍልጠት ካይምሃር፡ ናይ ምርጫ ሰብኣዊ መሰላቱ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተመንዚዑ ካይፈተወ ጸራባይ፡ ኣልሓማይ፡ ነዳቃይ፡ መካኒክ፡ ናይ ዝተፋላለያ ማሽናት ኦፕሬተር፡…ወ.ዘ.ተ ንክኸዉን ይዉሰነሉ ከምዘሎ ጥራይ ኢና ክንግምግም ኪኢልና ዞሎና።

ኣቀድም ኣቢሉ ኣስመራ ዩኒቬርሲቲይ ከም ማእከለይቲ-ኣደ ፍልጠት ናይ ብሕጂ ዝህነጻ ኮሎጃት ኣብ ኤርትራ ንክትከዉን እዩ ዝሕሰብን ዝሕለንን ዝነበረ። ብሃንደበት ግን ኣብ 2002 ዓ.ም.ፈ.ዝወጸ ናይ መንግስቲ ፍሉይ ትእዛዝ ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝኸፋፍልን ንምዕጻዋ ዝሃቀነ መምርሒን ትእዛዝን ተማሓላሊፉ። ኣስመራ ዩኒቬርሲቲይ ካብ 2003 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ሓደሽት ተማሃሮ ምቕባል ኣቛሪጹን ኣብ 2006ዓ.ም.ፈ ድማ ፈጺማ ተዓጽያ። ከም ሳዕቤኑ  ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ታሕተዋይ ጸፍሒ መጽናዕቲ ምዕጻው ኣከቲሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንክመሃሩ ስለዘይክእሉ ንኣብ ማይ ነፍሒ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ቴክኒካዊ ቤት ትምህርቲ ንኽኣትዉ ተገዲዶም። ልዕሊ ኹሉ ግን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ ዝቕጽል ዓይነት ትምህርቲ ባዕሎም ንኸመርጹ ኩልኩላት እዮም። እንታይ ድኣ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ መሰጋገሪ ፈተና ዝረኸብዎ ነጥቢ መሰረት ብምግባር፣ ናብ ቅደም ተከተል ዘለዎ ተክኒካውን ስሩዑን ዝኾነ ተግባረ ኢድን ስነ-ኪነትን መደባት ትምህርት {Vocational and technical education } ብሚኒስትርይ ትምህርት ከምዝመዝገቡ ተጌይሩ። ናይ ካልኣይ ደረጃ መሰጋገሪ ፈተና ነዚ {matric} ዝወስዱ ተመሃሮ ኣብ መዓስከር ሳዋ ወተሃድራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ወይ ከኣ ብምኽንያት ናይ ጥዕና ጉድለት መረጋገጺ ወረቐት ዘለዎም ጥራይ እዮ ንክፍተን ዝፍቀደሉ። ኣዝዩ ውሑድ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ሙሁራን ትምህርቲ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ። የግዳስ ሓደስት ተማሃሮ ከእንግድ ኣይክእልን እዩ።

ገለ ዉልቀ ሰባት ብመገዲ መቕርቦም ወይ ብናይ ርሕቀት-ምጽሕሓፍ ጻዕርታቶም ኣብ ደገ ከይዶም ንዝላዓለ ደረጃ ትምህርቶም ክቕጽሉ ማህደረ-ትምህርት ዝረኽቡ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ሙዉል ማህደረ-ትምህርት ረኺበ ክማሃር ንደገ ክኸይድ ኢሉ ክሓትት እንኮሎ ካብ ሰለስተ ቦታታት ፍቃድ ክረክብ ኣለዎ። መጀመርታ ምምሕዳር ከተማ፡ ቀጺሉ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መጨረስታ ድማ መዉጽኢ ፍቃድ ወይ ቪዙም ዝሃርመልካ ኢምግረሽን ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ሰለስተ ቦታታት ክሰልጦ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጉዕዞን መገድን ክወስድ ኣለዎ። መብዛሕትኦም ፈጺሙ ስለዘይቐንዖም ንሱዳን ወይ ኢትዮጵያ ከይዶም ብኡ ዝወጹ እዉን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ንማሃደረ ትምህርት ዝረኸበ ተማሃራይ ናይ መውጽኢ ፍቃድ ቪዙም  ብቀሊሉ ዝህብ ኣይኮነን። ኣንካይ ዶ ተማሃራይ ኬንካስ ዋላ እዉን ናብ ወጻኢ ንዝለዓለ ትምህርቲ፡ ዋዕላታት፡ ምርምራት…ወ.ዘ.ት ወይክኣ ንምብጻሕን ሕክምና ንምግባርን  ክኸዱ ዝደለዩ ላዕለዎት ኣካዳምያውያን ናይቲ ሃገር ፣ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ወይ ዘሎዋ ኮሎጃትን ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ከምኡውን ናይ መንግስቲ ፍቓድ ኣቐዲሞም ክረኽቡ ኣለዎም።  እዚ እንተዘይብሎም መዉጽኢ ፍቃድ ብኢምግረሽን ክዉሃቦም ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ግን ፍጹም ብሕጋዊ ኣጋባብ ካብ ኤርትራ ብቀሊሉ ዝወጹ ዜጋታት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቶም ዝወጹ ዜጋታት እቲ መንግስት ባዕሉ ንደገ ዝሰዶም፡ መቕረብ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስት ዝኾኑን ብሰኪዔት ምጣኔሃብታዊ ፖሎቲካዊ ሞራላዊ መዝነታዊ ብልሽዉናታት ተጠቂሞም ዝወጹ ወይ መዉጽኢ ፍቃድ ቪዙም ዝዉሃቦም ከምዘለዉ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ’ቲ ዘሎ ኣብያተትምህርታትን ኮሎጃትን ተማሂሮም ብሴርትፊኬት፡ ዲፕሎም ን ዲግሪን ዝምረቁ ተማሃሮ ከምዘለዉ ዘታሓታት ሕቶ ኣይኮነን የግዳስ ከምቲ ዝድለን ትጽቢትን ዝግበረሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ ኣስታት 17000 ዝግመቱ ተማሃሮ ንካልኣይ ደረጃ መዛዛሚ መርመራ ማትሪክ ተፈቲኖም፡ ካብዚኣቶም ድማ 10000 ተሪፎም። እዚ ድማ ቡሩህ ስእሊን ግምታትን ክህበና ይኽእል እዩ። ስለዚ ትምህርት፡ ስርዓተ ትምህርት፡ ኣካዳምያዊ ናጽነት ምዕብልናን ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሕማቕ ፖሊሲ እቲ ስርዓት ኣብ ዝታሓተ ሕሉም ወሪዱ ከምዘሎ ክግምገም ይክኣል።

ናይ ፈሊጣን ዋንነት {intellectual property} መሰል ብግብሪ ሕሉዉ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መሰላት ደረስት፡ ደረፍት፡ ማሃዝት…ወ.ዘ.ተ ክሕሎ ከምዘለዎን፡ ንኡኡ ዝካላኸል ማሕበር ተመስሪቱ ዘመታትን እኳ እንተተኻየደ ብግብሪ ግን ጽሓፋይ ጽሒፉ፡ ደራፋይ ደሪፉ፡ ተዋስኣይ ተዋሲኡ፡ ስኣላይ ሲኢሉ፡ ገጣማይ ገጢሙ፡ ማሃዛይ ሚሂዙ…ወ.ዘ.ተ እቶቱ ንመንግስት ከረክብ ኣለዎ። እዚ እንተዘይገይሩ ድማ ክንጽል ወይ ዕዳጋታቱ ክመክን ከም ዘለዎ ይግበር።

ንስፖርትን ኣትለቲክ ብዝምልከት፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርትን ኣትለቲካዊ ንጥፈታት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ይካየድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ስፖርታዊ ትካላት ብወትሃደራዊ ሞኮንናት ከምባዓል ሜጀር ጀነራናል ኣዉልያን ብሪጓይደር ጀነራል ብላታን ካልኦት ኮሎኔላት ዝካየድ ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ ስፖርታዊ ትካል ምኻኑ ወትሃደራዊ ትካል እዩ። እቲ ኣጋባብ ኣታሓሕዛን ኣብ መንጎ ሓለፍት እቲ ትካልን ስፖርተኛታትን ዘሎ ናይ ጊልያን ጎይታን ዝዓይነቱ ዝምድናታትን ሕጽረታት ምርድዳእን ጸቕጥታትን ዘንቀሎ፡ መብዛሕትኦም ስፖርቶኛታትን ኣትለቲካትን ንኤርትራ ወኪሎም ክጻወቱ ንወጻኢ ሃገር ምስ ከዱ ቡኡ ኣቢሎም ዝተርፉ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ንኣብነት ንምጥቃስ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኣንጎላ ክትጻወት ኢላ ንኣንጎላ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ካብቶም ተጻወቲ 6 ሰባት ኣብ ኣንጎሎ ዕቁባ ሓቲቶም። ኣቃልብኦም ኣብ ምትራፍን ዑቕባ ምሕታትን ስለዝነበረ ጹቡቕ እዉን ስለዘይተጻወቱ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ተሳዒራን ተጻወታ ኣብ ኣንጎላ ሓዲጋ ንኤርትራ ተመሊሳ እያ። ልዕሊ ኹሉ ሕጽረታት ንዋት፡ ሕጽረታት ምሕደራ፡ ሕጽረታት ኣሰልጠንቲ፡ ሕጽረታት ግዝየ፡ ሕጽረታት ምትብባዕን ምክትታልን፡ ሕጽረታት ተበግሶን ነቲ ተበግሶ ናይ ምስሳይ….ወ.ዘ.ተ ስለዘሎ ኤርትራ ልዕሊ 10 ከም ኣቶ ዘርእሰናይ ታደሰ ፕሮፊሽናሊስ ብደረጃ ዓለምለኸ ክዋስኡ ዝኽእሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርትን ኣትለቲክን ከተፍሪ ዓቕሚን ተኽእሎን እንዳ ሃለወ ከንሱ፡ ብሰንኪ ኣሉታ ፖሊሲ እቲ መንግስት ተወዝ ምባል ተሳኢኑ ኣሎ። ነዚ ዝባሃል ዘሎ ሓቕታት ንምፍላጥ ዝስዕብ ቀለቤት መርበብ ሓቤሬታ ኢንተርኔት ክንበብ ይክኣል እዩ። http://www.nation.co.ke/sports/football/-/1102/504034/-/yun04v/-/

ንባህሊ ብዝምልከት፡ ባህሊ ብዝሰፍሔ ትርጉሙ ንትምህርት፡ ስነጥበብ፡ ስነፍልጠት፡ ስነኪነት፡ ወግዕን ልምድታትን፡ ስነቛንቛ ሞዕብልናታት…ወ.ዘ.ተ ዝሓቖፈ እዩ። ኣዝዩ ሙዑቡል ሃገራዊ ባህሊ መሰረት ምዕቡል ምጣኔሃብታዊ ሙዕቡል ፖሎቲካዊ ስርርዕ እዩ። ባህሊ ካይማዕበለ ዝስልጥን ሃገርን ሕብረተሰብን የሎን። ባህላዊ ምዕብልና ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብዘገምታዊ ሕግታቱ ብምርዓምን ብምንጻግን ዝኸዉን እቲ ስርዓት ብሓይሊ ከታኣታትዎ ዝደሊ ባህልታት ምትእትታዉ ስለዘሎ፡ ባህላዊ ኩልፈታትን ባህላዊ ስራዝነትን {nihilism} ብሩኡይ ምጥፋእ ባህላዊ ሚዛን ኣጋጢሙ ኣሎ።

ንመዛናጊዒታትን ምርኢታትን ብዝምልከት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ክለባት፡ መዛናጊዒታት፡ ሲናማታት…ወ.ዘ.ተ ኣሎ። ብሙሉኡ ብዘይካ ብዉልቀሰባት ዝዉነና ባራትን ኣብያተሻሂታት ሓዲካ እቲ መዛናጊዒታት ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስትን ብቁጽጽር መንግስትን ዝካየድ እዩ። ኣብ ክንዲ መዛናጊዒታት ዝኸዉን ናይ ስለያ መርበብ ሰኪዔታት ስለዝተቀየረ፡ ኣብ ክንዲ ዜጋታት ኣብ ትርፊ ጊዚኦም ዝዛናግዕሉ ሃመማታት ክዝንብይሉ ዝዉዕሉ ግዝያት ይበዝሕ። ዜጋ ኣብ ትርፊ ግዚኡ ዘይዛናጋዕን ምስ ቤተሰቡን ኣዕሩኹቱን ዘይራኸብን እንተኾይኑ ማሕበራዊ ርኽኽባት ኣብቲ ሕብረተሰብ እንዳተሸምቀቀ ስለዝኸይድ ሕማቕ ማሕበራዉን ኣእሙራዉን ሓደጋታት ክህልዎ እዩ።

8. ንክብሪ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ብዝምልከት፡

ኩሉ ኤርትራዉን ዓለምናን ከምዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ክብሪ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዝተቀንጠጠ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ምኹኑይ ንምግባር ድማ በዞም ዝስዕቡ መርትዖታታት ክግለጽ ይክኣል።

1. ዜጋታት ክእከቡ፡ ዜጋታት መሰላቶም ክሓቱ፡ ዜጋታት ብድላዮም ኣጋባብ ሃይማኖቶምን ጸሎቶምን ከካይዱ፡ ዜጋታት ከም ድላዮም ክጽሕፉን ክዛረቡን፡ ዜጋታት ናብ ድላዮም ሃገራት ክገሹ፡ ዜጋታት ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ፡ ዜጋታት ቅሬታቶም ክገልጹ…ወ.ዘ.ተ ፍቁድ ኣይኮነን።

2. ናይ ወትሃደራዊ ስርሒታት፡ ናይ ስለያን ጸረስለያን፡ ጸጥታዊ ሓይልታት፡ ፖሊስ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ቀጥዕታትን ዜጋታት ምቕያድ ምስቃይ ክሳብ ምቕታልን ካብቲ ዘሎ ኣዝዩ ዘሰክፍ ነገራት እዩ።

3. ካብ ኣገልግሎት ንዝሃደሙን ዝኣበዩን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምቅያ፡ ምግፋፍ፡ ምእሳር፡ ምስቓይን ምብስባስን ስግሩ ድማ ገለ ካብዚኣቶም ኣብ ትሕቲ-ቀይዲ ኣካላት መንግስቲ እንከለው ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝመቱን ኣካላዊ ስንክልና ከምዘጋጥሞም ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ ኢሰብኣዊ ኣጋባብ ኣታሓሕዛ እሱራት ኣሎ።

4. ኣሰቃቒ ዝኾነ ንህይወት ደቅ ሰባት ዘስግእ ናይ መቀየዲ መደበራት ኣብ ትሕቲ መሬት ህዱም ባዓትታትን ገዛዉትን ብሓጺን ዝተሰርሔ ኮንተይነራት ተሰሪሑ ኣብኡ ብምእታዉ ንቁዩዳት ምቅጻዕ፡ ምሕያርን ምሙቛሕን ልሙድ ብልሓት ናይዚ ዘሎ ስርዓት እዩ።

5. ሰብ መዚ እቲ ህሉዉ ስርዓት ፊን ከም ዝበሎም ምሙቋሕን ምእሳርን ንቤተሰብ ናይቶም ካብ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ከይተረፈ ምእሳርን ምምቋሕን ስግሩ ድማ 50000 ናቕፋ ከምዝኸፍሉ ንብረቶም ምህጋርን  መዓልታዊ ልሙድ ኣጋባብ ኣሳራርሓ እዩ።

6. መንግስቲ ንውልቃዊ መሰላት ዜጋታትን ሰብኣዊ ጸጥታዊ ህላዊኦም ፍጹም ኣይሕልዉን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ኣብዚ ኣለዉ ኣብዚ ወዲቖም ዘይባሃለሉ ሽርበት ናይ ዜጋታት ወትሩ ዝርኤ እዩ። ሓደ ሓደ ግዝያት ስድራቤታቶም ሃለዋት ዝተሸርበ ሰብ ንምፍላጥ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ፍላን ዝባሃል ዝራኣየ ዓይኑ ይብራህ ብምባል ምንዳይ ዜጋታት ይርኤን ይስማዕን እዩ።

7. ኩሎም ትሕቲ 40 ዓመታት ዝዕድሜኦም ዜጋታት፡ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓይሊን ጸቕጥን ንምዉፋር ምግፋፍ መዓልታዊ ተግባር እቲ ዘሎ መንግስት እዩ።

8. ንመንግስት ወይ ኣካላት መንግስት ዜጋታት ከሲሶም ኣብ ሕጊ ከቕርብዎም ዘኽእል ባይታታትን ሕግታትትን መሰላትን ፍጹም የሎን።

9. ዜጋ ብመንግስት ብምኽንያት ፖሎቲካ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይድ ምስኣተወ ኣብ ትሕቲ ቀይድ ክጸንሕ ወይ ክልቀቅ ብሕጋዊ ቤት ፍርዲ ጉዳዩ እሱር ኣይዉሰንን እዩ። ንቀየድቲ ወይ ንቁዩድ ሕጋዊ ወይ ዘይሕጋዊ ዝገብር ቀጥዒ ቁዩድ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝተወሰነ መዓልታት ወይ ስዓታት ምቕራብ ፡መሰልን ሕግን ብግብሪን ክልስሓሳብን ኣይሰርሕን እዩ።

10. ቁዩድ ብሕድሪ ንነዊሕ ኣዋርሓት ወይ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርት ክድርበ ይካእልን ዝግበር ንቡር ኣሳራርሓ እዩ።

11. ኣብ ኤርትራ ፍርዳዉን ፍትሓዉን ትካላት ፈጺመን ትካላዊ ናጽነት የብለንን። ኢድ ኣታውነት ናይ ፈጻሚ ኣካላት መንግስት ኣብ ሕጋዊ ትካላት፡ ንፍሉ ቤት ፍርዲ ተጠቒምካ ሕጋዊ ኣገባብ ምዕጋትን ምስራዝን ንቡር መካኒዝም እዩ።

12. ዜጋታት ብሰላማዉን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መንግስቶም ንክቃወሙን ኽቕይሩ ዘለዎም መሰል ዉሑሱን ሕሉዉን ኣይኮነን።

13. መሬት ናይ መንግስት ስለዝተባህለ፡ ዜጋ ከምድላዩ ክሓርስ፡ ከምድላዩ ጤሳ ዓዲ ኣብኡ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ዜጋ ናይ ምዉናን መሬት መሰላት የብሉን።…ወ.ዘ.ተ

9.ንሓፈሻዊ ሃገራዉን ህዝባዉን ጸጥታ ብዝምልከት፡

ንጸጥታ እታ ሃገር መንግስትን ህዝብን ብዝምልከት፡ ኣዝዩ ስሩዑን ስጡሙን ዝኾነ ንጹር ኣዋዳድባን ኣሳራርሓን የሎን። ኣብ ኤርትራ ፖሊስ፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻልን ስርሒታትን፡ ስለያን ጸረስለያን…ወ.ዘ.ተ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብያተ ማእሰርት፡ መደበራት ተሓድሶታት፡ ብልሓታት ኣሳራርሓ፡ መቕጻዕትን ዉሽጣዊ ሕግታትን ኣለዎም። ፖሊስ ዕላዊ ስርሖም ናይ ውሽጢ ጸጥታ ህዝቢ ምሕላው እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ድማ ብግዳም ዝመጽእ ጸጥታዊ ሓደጋን ወትሃደራዊ መጥቃዕትታት ንምክልኻል እዩ። ስለያን ጸረ ስለያን ድማ ክልተ ገጻት ወትሃደራዉን ቬርገሳዉን መልክዕን ትሕዝቶን ሃሊዎ ብዉሽጥን ብደገን ክልዓል ወይ ክመጽእ ዝኽእል ጸጥታዊ መጥቃዕትታትን ዘይምርግጋእን ጉሁድን ሙስጡር ምንቕስቃሳት ኣብ ምክትታልን ምድርቃስን ዝተመዘ እዩ። እዞም ሰለስተ ዝተፈላለዩ ወትሃደራዉን ጸጥታዊ ትካላት ነፍስወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብያተ ማእሰርቲ፡ መርመርቲ፡ ኣጋባብ ኣሳራርሓ፡ ኣጋባብ መቕጻዕትን ዉሳኔን ኣለዎም። ንመረዳእታ ሓደ ዜጋ ብፖሊስን ስለያን ጸረስለያን ንሓደ ዓይነት ክሲ ወይ ጥርጠራ ክድለ እንኮሎ ስለያን ጸረስለያን እንተሒዞሞ፡ በቲ ዝጠርጠርዎ ክሓትዎን ቀይዶሞን ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ቀይድ ምስተፈትሕዎ ዳግም እዉን ፖሊስ ክሓቶን ክቕይዶን ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጸጥታዊ ኣሃዱ ክትያን ንጹር መደብ ዕዮ-ስልጣን ስለዘይብሉ ፈዉዳ ድላዩ ክገብር ይኽእል እዩ። ልዕሊ ኽሉ ግን ነዚ ስለስተ ክፋላት ጸጥታ ዉህደት ዝኣሳስሮምን ዝፈላልዮምን ቀለቤት ስራሕ ስለዘየሎ፡ ዜጋ ግዳይ ናይዚ ብኹረት መካኒዝም ይኸዉን ኣሎ።

ሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነት ተጸዋዕነቱን ቀጥታ ምትእስሳሩን ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እዩ። እዚ ሚኒስትሪ እዚ ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል መዝነትን ስልጣንን ኣለዎ። ኣባላት እዚ ሚኒስትሪ’ዚ ንሃገራዉን መንግስታዉን ጸጥታ ንሓደጋ ኣጋሊጾም ወይ ከጋልጹ እዮም ኢሉ ንዝጠርጠሮም ወትሃደራት ወይ ቬርጌሳውያን ዜጋታት ብዘይ ገለ ሕጋዊ ወኸሳታት ናይ ምእሳር ሓላፍነት ኣለዎ። ብተማሳሳሊ እውን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወትሃደራትን ቬርጌሳዉያን ዜጋታት ክቕይዱን ክኣስሩን ይፍቀደሎም እዩ። ኣቀድም ኣቢሉ ካብ 1992-2004 ዓ.ም.ፈ. ከም ዕላማን መደባት ስርሓትን ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ ጠቀስ ዝምልከት ጉዳያት ኣይኣትዉን እዮም ኔሮም። ኩሉ ስርሓቶም ምስ ህዝቢ ጥራይ ዝታኣሳሰረ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ፖሊስ ካብ ሃገራዊ ኣግልግሎት ንዝሃደሙ ወትሃደራት ወይ ካብ ሙዱብ ስርሓቶም ንዝኸብሎሉ ንዝተባህሉን ዝተጠርጠሩን ኣብ ምክትታልን፡ መንቀሳቀሲ ወረቅት ኣብ ምሕታት፡ ስግሩ እዉን ምቕያድን ምግፋፍን መዓልታዊ ስርሓቶም ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ዝኸፍኤ ጉዳያት ዘሎ ክልተ መሰረታዉያን ጉዳያት እየን። ንሳተን ድማ፡-

1.ካብዞም ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ዋላ እዉን ብዘይኮነ-ነገር ኣሲሮምኻ ድሕሪ ኩሉ ሕሰምን መከራን ካብ ቀይድ ምስፈነዉኻ፡ ኣነ ብዘይዉዓልክዎ እዚ ግፍዒ እዚ ኣብ ልዕለይ ወሪዱ ብምባል ተመሊስካ ስምካ ተጽርየሉን ንገፋዕትን ቀየድትን ትኸሰሉ መካኒዝም፡ ባይታ፡ መሰላት ዘይምህላዉ እዩ።

2.ኣባላት እዘን ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ነቲ ዘለዎም ጸጥታዊ መዝነትን ባይታን ተጠቂሞም ኣብ ምጣኔሃብታዊ፡ ፖሎቲካዊን ሞራላዉን ብልሽዉናታት  ምዝዉታሮም እዩ። ሓደ ኣባል እዘን ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ነቲ ዘለዎም ጸጥታዊ መዝነትን ባይታን ተጠቂሞም ንዉልቃዊ ቅርሕንት መፍደይ ሒነ፡ መኻዕበቲ ዉልቃዊ ማሕፍዳ ፋይናንሳዉን ነገራዉን ረብሓታቱ፡ ሌላን ጉሌላን ዘመደይ ዘመድካ…ወ.ዘ.ተ ክጥቀመሉ ዘዉትር ዝርኤን ዝስማዕን ፍጻሜ እዩ። ብፍቃድን ምትሕብባራትን ናይዞም ኣባላት ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ብዘይ ገለ ጸገም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንወጻኢ ክትወጽእ ትኽእል፡ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ከንስኻ ብዘይ ገለ ጸገም ኣብ ዉልቃዊ ዋኔንካ ክትዋፈር ትኽእል፡ ዝተኣሰረካ ዘመድ ወይ ፈታዊ ካብ ቀይድ ከተዉጽእ ትኽእል፡ ንሱዳን ወይ ንኢትዮጵያ ክትወጽእ እንተደሊኻ ብመካይኖም ገይሮም ኣብ ጫፍ ዶብ ከስጉርኻ ይኽእሉ …ወ.ዘ.ተ እዩ። ስለዚ እቲ ዝላዓለ ምጣኔሃብታዊ፡ ፖሎቲካዊን ሞራላዉን ብልሽዉናታት ኣብ ዉሽጥን ደገን በዞም ዝተጠቅሱ ሰለስተ ትካላት መንግስት ዝያዳ ካልኦት ይካየድን ይዝዉተርን።

እቲ ጸጥታዊ ማሓዉራት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ካብ ቀበሌ ወይ ምምሕዳራት ጀሚሩ ንነፍስወከፍ ቬርጌሳዊ ነባሪ ናይቲ ምምሕዳር ዝቃጻጸር መርበባት ኣሎ። ነዚ መርበባት እዚ ዝቃጻጸር ድማ ሕመራት ጓል ሕመረት ተባሂሉ ዝተወደበ ስለያዊ ሕቡኣን ዉሃዮታት እዩ። ኣንኳይ ዶ ኣብ ህዝብስ ዋላእዉን ኣብቲ ወትሃደራዊ ትካላት እዉን ዝዞረቀን ዝተዘርግሔን እዩ። ስለዚ እቲ ስርዓት እንታይ ይኸይድ ኣሎ እንታይ ይባሃል ኣሎ ኣብቲ ዝታሓተ ጽፍሒ እዉን ብዝርዝር ይፈልጥ እዩ። እቲ ጭቆናን ሕማቕ ምሕደራን ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ ስለዝበጽሔ ኣባላት ሰራዊትን ህዝብን ብእብረን ብዘይጥርኑፍ ኣጋባባት {mop} ኣንጻር መራሒ መንግስትን መንጉስቱ ደዉ ኢሎም ክቃወሙ ትእዛዛት መምሪሒታትን ሸለል ክቡሉ ይርኣዩን ይስሙዑን ኣለዉ። እዚ ምዕብልናታት እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ዝጸንሔን ዘሎን ኮይኑ፡ ናብ ህዝቢ እዃ ሰጊሩ እንተሎ ዛጊት ግን ኣብ ዝተሓተን ዘይተዋሃሃደን ፈላሚ ደረጅኡ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ምረቱን ተቃዉሙኡን ብጉሁድ ኣብ ፈቆዶ ኣብያተ-ሻሂታትን ባራት ክዛረብ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ህዝባዉን ሰራዊታዉን ምንዕዓባትን ዘይምእዙዙነት {public and military disobediences } ናበይ ገጹ ክምዕብል እዩ ዓሚቕ ምክትታልን መጽናዕትን ከድሊዮ እዩ። ብኣንጻር እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ዘሎ ስርዓት ምጽንጻን ጥሩጡራት ዝገብርዎ ርኽክባት ብቴለፎን፡ ደብዳቤታት፡ ኢንተርነታት እዉን ህሉዉ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ዘሰክፍ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ዉሽጥ ኣባላት እዚ ስለያዊን ወትሃደራዉን ትካላት ዉሑዳት መኮንናት ሕዙእ ሓቤሬታታት ሃገረ-መንግስት {confidential-information} ክሸጡን ክልዉጡን ዝስከፉ ስለዘይኮኑ፡ ሓይሊ ገንዘብ እንተሃልዩ ሚስጢራት ናይቲ መንግስት ንምፍንቃሉን ንምርካቡን ቡዙሕ ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

ካልእ ምስ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገርን ህዝብን ተኣሳሲሩ ክግለጽ ዝግብኦ ጉዳይ እንተሃልዩ ቀጻሊ ሱልኮታት ስለያን ጸረስለያን ኣብ ኩሉ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሎ። ዝተፈላለየ ንእስ ንእስ ዝበለ ወትሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣሎ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕትታት ምክያዱ ተቃወምቲ ፖሎቲካዉያን ዉድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝደጀነን ሓላፍነት ይጽዕዳ እየን፡ ብዉሽጣዊ ዓቕምታተን ወይ ምድግጋፍ ስርዓት ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ መጥቃዕትታት ምክያዱ ዘራጋግጽ መርትዖታት የሎን። መብዛሕትኡ ብኸባቢ ጋሽን ሰቲትን እኳ እንተኾነ ስሕት ኢሉ እዉን ብከባቢ ጾሮናን ራሓይታን ይርኤ እዩ። ልዕሊ ኽሉ ግን ካብ 2000ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን መንነቶም ክስብ ዛጊት ዘይተራጋገጸ ዕጡቃት ኣብ ከባቢ ሰቲትን መረብን ጥሪት-እንስሳን ን መጭዓኛን፡ ኣጣል፡ ኣባጊዕ፡ ኣእዱግን ኣግማልን ካብ ጓሶት ኤርትራዉያን ዜጋታት እንዳመንዝዑ ንኢትዮጵያ መብዛሕትኤን፡ ገሊኤን ድማ ንሱዳን ከባቢታት ገዳርፍ ከምዝወስድወን ይንገርን ይዝንቶን እዩ። ኣብ ዉሽጥ እዚ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ኣስታት 8000 ዝግመታ ጥሪት-እንስሳ ተሰሪቀን ኣለዋ። ነዚ ንኡስ ኣርእስት ንምጥቕላሉ ዝኣክል፡ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ንጸጥትኡ ዝዘርግ ካብ ብግዳም ዝመጽእ ሓይሊ፡ ካብቲ ስርዓትን ናይ ጸጥታዊ ትካላቱ ዝነቕል ከምዝዓቢ ብንጹር ከነቀምጥ ንደሊ።

10.ንሕብረተሰብኣዊ፡ ኤትኒክ ጉጂለታትን እምነታት ማዕርነትን ኣድልዎን ብዝምልከት፡

ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ ሃብታዊ፡ ሕብረተሰብኣዉን ባህላዉን ሂወት ሃገሩን ሕብረተሰቡን ተሳታፊ ስለዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ሃይማኖት ነቲ ካልእ ሃይማኖት፡ እቲ ሓደ ኤትኒክ-ጉጅለ ነቲ ካልእ ኤትኒክ-ጉጅለ ፡ እቲ ሓደ ኣዉራጃ ነቲ ካልእ ኣዉራጃ …ወ.ዘ.ተ ኣጻብዕቱ ከመልክትን ብጓህዲ ክኸስስን ወትሩ ዝስማዕ እዩ። ልዕሊኡ ድማ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ከም ንገለ ኣካላት ሕብረትሰብና ዝቀርቦን፡ ንኻልእ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝርሕቆን ተወሲዱ፡ ካብ ላዕለዋይ ብልሒ ጫፍ እቲ መንግስትን ሕብረተሰብን ጀሚሩ ካሳብ ታሕተዋይ ሕሉማቱን ማሕዉራቱን ብኢትኒክ፡ ኣዉራጃ፡ ሃይማኖት…ወ.ዘ.ተ ስምዒታትን ቅልዉላዋትን ካይተረፈ ይዕንብብን ይጋማማዕን ኣሎ። ነዚ ህሞት እዚ ንምርድኡ ድሕረ-ባይታ ምንጪ ናይዚ ፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጉጂለ ምፍላጥ ስለዘድሊ ኣሕጽር ኣቢልና ክንጥሕምሶ ኢና።ዉድባዊ ኣዋዳድባ፡ ኣሳራርሓ ፖሎቲካዊ ስልጣን መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ብቀዳምነት ብዘይገለ ስክፍታን ምድንጋራትን ክንርድኦ ዝግብኣና ቀንዲ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘሎ ፖሎቲካዊ ዉድብ ዋና ከምዘለዎ እዩ። ብዋንነት ስለዝስራዕን ዝኸይድን ድማ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖሎቲካዊ ዉድብን መራሕቱን፡ ንነብሱን ንዉዱቡን ብሓድሽ ወለዶን ደምን እንዳተክኤን እንዳተሓደሰን፡ ንሙሉእ ህዝብን ሃገርን ማሕበራዊ ቀጸላታቱ ወካሊን ኣሳታፍን፡ ግዝኣተ-ሕጋዊን ዲሞክራስያዉን ህይወት ዝዉንን ፖሎቲካዊ ስርርዕ ንክኸዉን ፍጹም ኣይካኣልን እዩ። ነዚ ሓቕታት እዚ ንምርድኡ ነዚ ፖሎቲካዊ ዉድብ እዚ ናብታ ናይ ፈለማ ኣማሳሳርትኡ ድሕረ-ባይታ ኬድና ምድህሳስ ከድልየና እዩ። እዚ ዉድብ እዚ ክቀዉም እንከሎ ብዝተፈላለዩ ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት፡ ክልተ ኤትኒክ ጉጂለታትን ክልተ ዝተፈለለዩ መንፈሳዊ እምነታት ብዝዉንኑ ዝተመስረተ እዩ። እቶም ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት፡- 1፡ ብኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ኣብቲ እዋንቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ዝፍለጥ። 2፡ ፍሉይ መጸዉዒ ዘይነበሮ ንደቂ ማርያ ዝዉክል ዝመስል ብኣቡ-ጥያራ ዝምራሕ ጉጅለ። 3፡ ብዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ንደቂ ሰምሃርን ገለ ደቂ ከበሳን ዝጠመረ ጉጅለ ብህዝባዊ ሓይልታት ዝፍለጥ ጉጅለ። 4፡ ብኣደም ሳልሕ ዝምራሕ ናይ ደቂ ዑቦል ጉጂለ ብዕቦልዩን ዝፍለጥ እዮም መስሪቶሞ። መብዛሕትኦም ድማ ደቂ ትግርኛን ትግረን ኤትኒክ ጉጂለታትን ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ነይሮም። ካብ 1972-1977 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዝተኻየደ ዉሽጣዊ ቃልስታት ድማ ካብ እቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝባሃል ዉድብ፡ ናይ ማርያን ናይ ዕቦልዩን ፖሎቲካዊ ጉጂለታት ኣብ መንጎ 1972-1977 ዓ.ም.ፈ. ሓለፍተንን ገለ ታራ ኣባላተንን ብከፊሎም ቀልጢፎም ብወለንተእምን ምርጫታቶምን ካብቲ ሓባራዊ ሽርክነታዊ-ብርኪ ግንባር ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣልጊሶም እዮም።

ኣብ ዝላዓለ ብልሒ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ብደቂ ከበሳን ሰምሃርን እንዳተባሕተ መጽዩ። እዚ ማለት ግን ደቂ ካልኦት ኤትኒክ-ጉጅለ ኣይነበሩን ዝስምዕ ተረድኦን መግለጽን ኣይኮነን። በዚ መሰረት ድማ ዋሕዚ ናይ ሓደስት ዝስለፉ ዜጋታት ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ዝላዓለ ፖሎቲካዊ ብልሒ ስልጣን እንዳኾነ ስለዝኸደ ዘይተማጣጠነ ዲሞግራፊካዊ ብዝሒ ምስላፍን ምምቕራሕ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ኩለን ኤተኒካዊ ጉጂለታት ኤርትራ ኣይነብረን ማለት ኣይኮነን። ድሕሪ 1975 ዓ.ም.ፈ መብዛሕትኦም ኣባላት ኤተኒክ ጉጅለ ትግርኛ ብሓፈሻ ንሰዉራ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብብዝሒ ምስላፎም ዓብሊሎሞ እዮም። ዋላ እኳ ኣማሳራርትኡ ዲሞግራፊካዊ ዓብላልነት ከምኡ እንተነበረ፡ ዘይክሓድ ሓቂ እንተሃልዩ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ፍርቂ ክርስትያን ፍርቂ ኣስላም ዝኾነ፡ ኣብ ትሽዓተ ብሄራት ዝተመቓቐለ ብዙሓዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣሕቢሩ ናብ ሓደ ብልዑል ተወፋይነትን ዲስፕሊንን ዝተሃንጸ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ለዊጡዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ብመሪሕነቱ፡ ነቶም ብርእሰ-ሓያላን ኣመሪካን ሶቬት ሕብረትን ብተኸታታሊ ዝተደገፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ዳርጋ ብዘይ እኹል ናይ ወጻኢ ደገፍ “”ንጸላኢ ብጥዩቱ ብብረቱ” ብምዉቓዕ ኣላሽ ኣቢሉ ኣምበርኪኹዎም እዩ። እዚ ንርእሱ ዓቢ መዘና ዘይብሉ ዓወትን ተሞክሮ ሰዉራታት ዓለምና እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ምስቲ ጎረብብቲ ኤርትራ ኣብ መዳይ ዳግመህንጸት ዝነበረን ዘጕሂ ተመክሮ ክወዳደር እንከሎ፡ ጎሊሑ ዝርኤ ኣዉንታ ተሞክሮ ድማ እዩ። ጎኒ ንጎኒ ናይቲ ቃልሲ፡ ደቀንስትዮ፡ ሰራሕተኛታት፡ ጓሶትን ሓረስቶትን ካብቲ ንዘበናት ሓኒቑ ሒዙዎም ዝጸንሐ ዓዘቕቲ ማሃየምነት፡ ድኽነት፡ ጥምየትን፡ ጭቆናን ሞቕሕ ሕሱም ጸቕጥን ሓርነት ንኽጋናጸፉ፡ እቲ ግንባር ብሓይሊ ለይትን ምዓልትን ሰሪሑሉ እዩ። ብሓቂ ክርአ እንተተደልዩ፡ እቲ ብሰዉራና ሓራ ዝወጹ ቦታታትን ህዝብን ኤርትራ፡ ንልምዳዊ ዝምድናታት ትሕዝቶ ዋንነት መሬት፡ ማሪታዊ ምፍልልያት ንከብቕዕ፡ ማሃይምነት ንምጥፋእን ኣፈጻጽማ መርዓን ንምልዋጥ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ከምኡ ውን ኣብ ሕርሻ፡ ህዝባዊ ኣግልግሎት ጥዕናን ብልዑል ኣሳታፍነት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎታት እዩ። ጓሶት፡ ሓረስቶት፡ ሸቃሎ፡ መንእሰያትን ደቀንስትዮን፡ ነቲ ቓልሲ ብብዝሒ ክጽምበሩዎ ዝደረኾም ቀንዲ ግብራዊ ድርኺት እዩ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንሃገራዊ ሓርነትን ማሕበራዊ ለውጥን ብሓደ ኣጣሚሩ ቃልሲ ምስልሳሉ ድማ እዩ፡ ን ሰዉራ ኤርትራ ዘዐወቶን ንተመክሮኤርትራ ከም ሓደ ዓቢ ተሞክሮ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዓለምና ዘመዝገቦ

ነዚ ማሕበራዊ ዋሕዚ ተሳትፎን ተጠቂሙ ፖሎቲካዊ ጉጂለ ሰልፊ ናጽነት ብመራሒኣን መስራቲኣን ኢሰያስ ኣፍወርቂ ተገሪሓ ንናጻ ኤርትራ ኣትያ። ስለዚ ይብዛሕ ይዉሓድ ቡዝሑ ብዘየገድስ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቃለሰላ ፖሎቲካዊት ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ መንዲልን ንብረትን ኢሰያስን ሓዋርያታቱን ስለዝነበረት፡ ብዘይ ገለ መወከሲታትን ተሳትፎን ኣባላታን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ቆይሙ ዘሎ ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) መስሪታ ን17 ዓመታት መመላእታ ንኤርትራን ህዝባን ላዕልን ታሕትን ዘብልዋ ዘለዉ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ካይሓፈሩ ነዚ ሰዉራ ንሕና መሪሕና ስለዝዓወትናዮ ነዚ ሃገርን ህዝብን ንሕና ኢና ንመርሖ ዝብሉ ዘለዉ። ኣብ ኤርትራ ቅያ ዝሰርሔ ዳግም ቅያ ክሰርሕ ዝኽእል ዓርሞሾሽ ሕቡእ ሓይሊ ኣሎ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። መዝነቱን ስልጣኑን ካብዞም መንዲሎምን ንብረቶምን ገይሮማ ዘለዉ ጃንዳ ክምንዝዕ ድማ ነቲ ዘባኾርዎ ስርሓት ንምቕጻሉ ተባራቢሩ ክቃለሶም ኣለዎ። እቲ ሕጂ ኣብ ህዝብናን ገለ ፖሎቲካዉያን ጉጂለታትን ዝርኤን ዝስማዕን ግጉይን ድንጉሩን ዋህማዊ ፖሎቲካዊ ተረድኦ {mythical political perception} ካብዚ ህያዉ ነጸብራቕ ዝነቕልን የግዳስ ኣብ ልክዕ ልዓቱ ዘየሎ እዩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ብፖሎቲካዊ ጉጂለ ሰልፊ ናጽነት ብመራሒኣን መስራቲኣን ኢሰያስ ኣፍወርቂ ተገሪሓ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝዓተረት ድኣ እንበር፡ ወካሊትን ረብሓ ኣራጋገጺትን ናይ ደቂ ከበሳ፡ ናይ ዉሱን ኤትኒክ ጉጅለ ሃይማኖት ን ኣዉራጃን፡ ክትዕረ ወይ ክትጽገን እትኽእል፡ ብኣጣቃላሊ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብኣካልን ብመልክዕ ሓፋሽ ዉድባትን ተወዲቡ ዘገልግል ዝነበረ ዜጋ ወይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ትዉክል ኣይኮነትን። ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይኑ ብሽም ህዝቢ ከበሳን ኣመንት ክርስትናን ዝተመስረተት ሰልፊ ናጽነት፡ ንህዝቢ ከበሳ ከምዘይሓልፍ ኣጽኒታቶ፡ ኣድክያቶ፡ በታቲናቶ…ወ.ዘ.ተ እያ። ሕጂ እዉን ከምዘይሓልፍ ዲፋጭኡ ተዉጽኦ ኣላ። ካብዚ መሰረታዊ ሓቕታት ብምንቃል መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝዉክሎ ወይ ብፉሉይ ረብሓታቱ ዘራጋግጸሉ ኤትኒክ-ጉጂለ፡ እምነት፡ ኣዉራጃ…ወ.ዘ.ተ ኣይነበረን ሕጂ እዉን የሎን። ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ዝመጾ ዝኾነ ይኹን ኤትኒክ-ጉጂለ፡ እምነት፡ ኣዉራጃ…ወ.ዘ.ተ ድማ ብዘይንሕስያን ሕድገታትን ዝጭፍልቕ ምኻኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቕታት እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኩለን ኤትኒክ ጉጂለታት፡ ኩለን እምነታት፡ ኩሎም ዜጋታት፡ ኩለን ኣዉራጃታት ብዘይገለ ሓለፋ ኣርዑት ጭቆና መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ኣብ ዝባነን ይፋጺ ስለዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሕብረተሰብኣዊ፡ ኤትኒክ ጉጂለታትን እምነታዊ ኣድልዎ በቲ ስርዓት ይካየድ ኣሎ ንምባል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ወይ ካብ ሓቕታት ዝራሓቀ እዩ። ንዓና ዝራየና ዘሎ ዝቶኾልዔ ሓቂ እንተሃልዩ እቶም ብኣንጻር ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ደዉ ኢሎም ዘለዉ እዉን ዘመናዊ ሃገራዊ ሲቪካዊ ስርርዕ ዘይፈልጡን ዘይኣምኑን መሳፍንት እዮም። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ነቲ ህዝቢ ፈላሊኻ ንምግዛእን ዕምሪ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ተባሂሉ ብዉሽጥ ዉሽጥ ብዝተፈላለየ ሜላታት ብኤትኒክ ጉጂላዊ፡ ብእምነት፡ ብኣዉራጃ፡ ብቀቢላ፡ ብጾታ፡ ብሞያ…ወ.ዘ.ተ ነንሕድሕዱ እቲ ህዝቢ ከምዝጋራጮን ኣብ ድዉታ ተፋጠጥ ተጻይነት ከምዘእትዎ ፍሉጥ እዩ። የግዳስ በዚ ዝረብሕ ወይ እቲ ስርዓት ንዝተወሰነ ኤትኒክ ጉጂላዊ፡ እምነት፡ ኣዉራጃ፡ ቀቢላ፡ ጾታ፡ ሞያ…ወ.ዘ.ተ ንምርባሕን ብምዉካልን ዘይኮነ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ሜላ እዩ። ዓስቢ ምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ጥራይ እዩ። ነዚ ፖሎቲካዊ ስርዓትን ገለ ተቃወምቲ ኢና ብሃልቲ ዝወስድዎ ሜላታት ምጉጅጃል ከም ቅቡልን ክዉንን ጌርካ ብጌጋ ምርድኡን ብኡ መሰረት ድማ ምስዓብን ምንጻግን፡ ምዉዳብን ምንቕስቃስን እንተተኻይዱ፡ እዚ ጉጉይ ግምታትን ተረድኦን መንግስት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝጥቀመሉን ዝረብሓሉን። እዚ ፖሎቲካዊ ሕብረተሰብኣዊ ነቕዓት እዚ ቀንዲ መቃለሲ ንዋትን ዕርድን ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን እዚ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝተቀርጸ ድንጉር ዋህማዊ ፖሎቲካዊ ተረድኦ ንኤርትራ ከም ዘመናዊት ሃገር ንክትሰርር ዝጻባእን ዘስግእን ኣድማሳዊ ክዉንነት እዩ።

ነጸብራቕ ናይዚ ንዛረበሉ ዘሎና ዛዕባ ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ህሉዉ እዩ። ደቂ ኣዉራጃ ሓማሴን እዚ ህሉዉ ስርዓት ናቶም ወይ ወኪሎም ዝመስሎም ኣለዉ። ደቂ ኣዉራጃ ኣከለጉዛይ እዉን ነዚ ህሉዉ ስርዓት ከምናይ ደቂ ሓማሴን ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣምሲሎም ዝገልጹዎ ኣለዉ። ደቂ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ እዉን ነዚ ህሉዉ ስርዓት ከም ናይ ደቂ ከበሳን ኣመንት ክርስትናን ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ። ደቂ ኤትኒክ ጉጂለ ኩናማ እዉን እዚ ስርዓት እዚ ብፍላይ ንህዝቢ ኩናማ ከጽንት ዝተበገሰ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ። ደቂ ኣዉራጃታት ሰራየ፡ ሰምሃርን ዳንካልያን እዉን ዝተዋሰኑ ይስምዖም እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ሻዕብያ፡ ጀብሃ፡ መታሕት፡ ከበሳ፡ ክርስትያን…ወ.ዘ.ተ ዝብል ጫሌዳታትን ጊድጊዳታትን እዉን ኣለዎ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ግን ናይዝኾነ ኣይኮነን። ናይ ገዛእ ርእሱን ንኹሎም ምልካዉያን ስርዓታት ዓለምና ዘንጸባርቕ ባህርያት ዘለዎ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ኮይኑ፡ ንዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ግን ንገለ ይቐርቡኑን ይብጽሑንን እዮም ዝብሎም ዉልቐ-ዜጋታት ካብ ገለ ወገናት ሕብረተሰብና ኣብ ቁልፊ ፖሎቲካዊ ስልጣናት ዝመደበ እዩ። ንኽሉ ዝሓለፈ ጽቡቕን ሕማቕን ታሪኽ ኣብ ሓደ መግሓፊ ደርቢኻ ከምብሓድሽ ሓድሽ ነቢ ክትከዉን ኣይክኣልን እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ኣሉታ ከም ኣሉታ ካይድገም ምጥንቃቅ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ጽቡቕ ድማ ከምጽቡቕ መቐጸልታ ናቱ ኬንካ ምቕላስ ከድሊ እዩ። ህዝብና ዝተቃለሰሉን ዝተሰዋኣሉን ሃገራዉን ዲሞክራስያዉን ማእከላይ ፖሎቲካዊ ሕቶታት ናጽነት፡ ሓርነት፡ መሰል፡ ሓድነት፡ ራህዋን ቅሳነትን፡ ሰላምን ምርግጋእን እንከሎዉ፡ ነዚኦም ቀንዲ መሰረታዉያን ሕቶታት ክምለሱ ዝግብኦም ኣወንዚፍና፡ ኣብ  ሻዕብያ፡ ጀብሃ፡ መታሕት፡ ከበሳ፡ ክርስትያን…ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ጫሌዳታትን ጊድጊዳታትን ንኣእምሮናን ኣካላትናን ክንዉሽቦም እንተመሪጽና፡ ንህዝብናን ሃገርናን ናብ ክብ ዝበለ ሓድነት ሃገራዊ ንቕሓትን ቃልስን ከነሳጋግሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ክንዲ ፈታሕቲ ጸገም ክንፍታሕ ዘሎና ጸገም እዉን ኢና። ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከይድ እዉን ብምልካዊ ስርዓት ክትካእ ምኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ብመሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ረብሓታቱ ዝዉከል ወይ ዝረብሔ ፍሉይ ኤትኒክ-ጉጂለ፡ ኣዉራጃ፡ ሃይማኖት…ወ.ዘ.ተ ኣብ ኤርትራ የሎን። ስለዘየሎ ድማ ፍሉይ ንሕብረተሰብኣዊ፡ ኤትኒክ ጉጂለታትን እምነታት ኣድልዎን ኣሎ ክባሃል ኣይክኣልን እዩ። ኩለን ኤትኒክ-ጉጂለታት፡ ኣዉራጃታት፡ ሃይማኖታት…ወ.ዘ.ተ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ብማዕረ ብመሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ይጭፍለቓን ይግዝኣን ኣሎ።

ሎሚ እዉን ብሃገራዊን ዲሞክራስያዉን ፖሎቲካዊ መስመር ርዒምና፡ ኤትኒካዊ ሕብረተሰብኣዊ ጾታኣዊ መቦቖላዊ መንፈሳዊ እምነትን ማሕበረቀጸላዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ፡ ካብ መላእ ኤርትራን ኤርትራዉያንን፡ ሓድነት ማዕርነት ተሳትፎን ኩሉ ክፍልታትን ወገናትን ሕብረተሰብ ኤርትራ መሰረት ኩሉ ማሕበራዊ ሰዉራናን ፖሎቲካዊ መደባትናን ክንገብሮ ናይ ግድንን መድረኽ ዝሓተ ዘሎ ሕቶ እዩ። መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ሓድነት ማዕርነት ተሳትፎን ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ህይወት ማሕበራዊ ሰዉርኡ ተሳታፊ እንተዘይኮይኑ፡ ንኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ዓዘቕቲ ኣዉጺኢና ግዝኣተ-ሕጊ ዝራጋገጸላን ክንሃንጻን ከነማዕብላን ይትረፍ፡ ነዚ ረኺብናዮ ዘሎና ልዕላዉነት ሃገር እዉን እንተኾነ ክንዕቕቦ ከምዘይንኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። ዝኾነ ቃልሲ ኣብ ህዝቢ ምስ ዝስረትን ህዝቢዝሳቶፎን ህዝቢ ከምትካላዊ ዉሕስነት ስለዝኸዉን እዩ ዝዕወት። ህዝቢ ክሳተፎ ድማ ክስተታት ሓድነት ህዝቢ ዝኹስኩስ፡ ሃገራዉነትን ዲሞክራስያዉነትን መሰረት ኩሉ ፖሎቲካዊ መስመርን ፖሊሲታትን ዝዉንን ንቁሑን ዉፉይን መሪሕ የድልዮ ኣሎ።

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part4

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:51 am

6.ንስደትን ምዝንባላት ዜጋታት ብዝምልከት፡

ንስደትን ምዝንባላትን ቀንዲ ምንጭ ዝኾኑ ቡዙሓት ግዳማዉን ዉሽጣዉን፡ ስሓብትን ደረኽትን ሮቓሒታት እኳ እንተኾኑ፡ ከም ሓፈሻዊ ፍሉጣትን ንጹራትን ግን ኣብ ግዝያት ኪናት፡ ኣብ ግዝያት ድርቕን ጥሜትን፡ ኣብ ግዝያት ምጣኔ ሃብታዊ ሓርጎጽጎጻትን ድኽነትን፡ ኣብ ግዝያት ሃይሞኖታዊ፡ ኤትኒካዊ፡ ቆርበታዊ፡ ጸወታዊ፡ ማሕበራዊ ኣድሉዋታት፡ ፖሎቲካዊ ዘይርትዓዉነት፡ ምጣኔሃብታዊ ዘይሓርነት፡ ፍትሒ-ኣልቦነት..ወ.ዘ.ተ ሌላን-ጉሌላን ኣድልዎ ጸቕጥታት ጭቆና ኣብ ዝህልወሉ ግዝያት ዝጋሃድ ማሕበራዊ ክስተታት እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ኤርትራዉያን ሓተቲ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ወይ ፖሎቲካዊ ስደተኛታት ጌና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን እንኮላ 1953 ... እኳ እንተጀመረ፡ ንመጀመርታ ብዕስለ ዓዱታቱ ሓዲጉ ካብ ማሕረድቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተሰደሉ ህዝቢ ኤርትራ 1967 ... ኮይኑ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት መመላእታ ኣስታት 70,000 ዝብዝሖም ኤርትራዊ ንሱዳን ተሰዲዶም። ቀጺሉ ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ድማ ኤርትራዊ ካብ መጻወድያ ቅንጸላ መግዛታዊ ስለያን ሰራዊትን ገዛእቲ ሓይልታት እምብራጦርያዊት ኢትዮጵያ ንምድሓን፡ ይስደድ ከምዝነበረን ከምዝተሰደን ኩላህና ኤርትራዉያንን ማሕበረሰብ-ዓለም ዝፈልጦ ሓቒታት እዩ። ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ኣስታት ½ ሚልዮን ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ፋሕ ኢሎም ይነብሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኦ ግን ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታትን ኣብ ከተማታት ሱዳን ተሰትዮም ዝነብሩ ዝነበሩን ዘሎዉን እዮም።

 

ኤርትራ24 ግንበት 1991 ... ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ብመሪሒ ዉድብ ... ሓራ ምስ ወጸት ኤርትራዉያን ከንሶም ምስ ስርዓት ደርጊ ዝታሓባበሩን ዝሰርሑ ዝነበሩን ኤርትራዉያን ንስርዓትን ምሕደራን ፖሎቲካዊ ዉድብ ... ዝጻባኡን ዘይቕበሉን ጽልዋ ናይ .. ዝነበሮም ዜጋታት እዉን እንተኾኑ፡ ሃገር ናጻ ክትወጽእ እንኮላ ብህ... መታን ከይህደኑ ስለዝሰግኡ ንስደት ከምዘምርሑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኤርትራዉያን ካብ 1991-1993 .. ኣብ ሕጽኖትን እፎይታ ምስትንፋስ ናጽነት እኳ እንተነበርና፡ እቲ ፖሎቲካዉን ምጣኔሃብታዉን ማሕበራዉን ዲፕሎማስያዉን ምሕደራ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ዝተዋናጃበረን ዘይንጹር ስለዝነበረ፡ ዳርጋ ኩሉ ዜጋ ሰኸኽ ካብ ምባል ሓሊፉ “”ኣታ እዞም ቖልዑ ሃገርን ህዝብን ኣማሓዲሮም ክኹእልዎ እዮም“” ዝብል ሕቶታት እዩ ብህዝቢ ከልዓል ዝጀመረካብ 1992-1995... ካብ ኢትዮጵያን ካብ ሱዳንን ካብ ስደት ብወለንትኦም ተመሊሶም ኣብ ሓዝሓዝን ሳላሳ ኣምስተኛ እንዳኣፍራስ ጥልያን ዝነበረ ገዛዉቲ ብክሻ፡ ተንኮቦት፡ ዚንጎን ጭቓን ገድጊዶም ግዝያዊ መዕቐሊታት ሰሪሖም ክነብሩ ጀሚሮም ዝነበሩ ዜጋታ፡  መንግስት ኤርትራ ነቲ ዝሰፍሩሉ ዝነበሩ ስፍራን መሬትን ንኣዉፈርት ኣባይቲ ክሰርሕሉ ክዕድሎ መደብ ስለዝገበረ፡ ንሓንቲ ቦጦለኒ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 525 ሰዲዱ ነቲ ሰሪሖሞ ዝነበሩ ግዝያዊ መዕቐሊ ኣፍሪሱ ካብኡ ሓይሊ ተጠቂሙ ስለዝጸረጎም፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም መተካእትኡ መንበሪ ኣባይት ስለዘይተዋህቦምን ክረኽቡ ስለዘይካኣሉ፡ ነናብ ዝነበርዎ ናይ ስደት ሃገራት ንኢትዮጵያን ሱዳንን ብቅጽበት ተመሊሶም እዮም። ስለዚ ካልኣይ ስደት ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993-1996 ... ብድፍረት ጀሚሩ ክብሃል ይክኣል።

 

ቀጺሉ ኣብ 1990 ዓ.ም.ፈ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንነብስወከፎም ሓሙሽተ ሽሕ ብር ተዋሂቦም ስለዝተጸልጸሉ፡ እቲ ምኽንያት መጸልጸሊኦም ድማ  መንግስት ኤርትራ“”ብመሳሪሒ ናይ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ገምጋም ዝጸልጸሎም ምኻኑ “” ዝብል ሕሜታታት ኣብ ዉሽጥ ኣባላት ግንባርን ህዝብን ስለዝነበረ፡ ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ነብሶም ካይመርሑ ድማ ሰሪሖም ክነብሩሉ ዝኽእሉ ስራሓት ስለዘይነበረ፡ ብዘይካ ዉሑዳት ብሙልኦም ሽዑኡ መስርሕ {process} ዝባሃል መገዲ መሳለጢ ንስደት ብኢትዮጵያ ስለዝነበረ፡ ንኢትዮጵያ ብምኻድ ነቲ ዝነበረ መስርሕ መካኒዝምን ክስተት ስደት ተጠቂሞም ተሰዲዶም እዮም።

ቀጺሉ መንግስት ኤርትራ ካብ 1993-1996 ... ኣስታት 56,000 ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት  ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ብዘይ ኣጋባብ፡ ብዘይ ንጹርን ዝተጸንዔ ናይ ምጥያስ መደባት፡ ብዘይ ንጹር ምኽንያታት ስለዝተጸልጸሉ ዳርጋ እዚኦም እዉን፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣጋባብ ምጽልጻል እቲ መንግስት ብምቕዋም፡ መብዛሕትኦም ሃገሮም ሓዲጎም ተሰዲዶም እዮም።

ካብቶም ኣብ 11 ታሕሳስ 1994 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ማይ ሓባር ብጭኻኔ ሕቶታቶም ዝተዓምጸጸ ዉጉኣት ሓርነት እዉን፡ ነቲ መንግስት ኤርትራ ዝወሰዶ ጨካንን ኣስካሕካሕን ወትሃደራዊ ስጉምቲ ብምቕዋም፡ ሓያሎት ካብኣቶም ተሰዲዶም እዮም።

ኣብ 1995 .. ብምኽንያት ቅርጥዉ ኣጋባባት ኣሳራርሕ መንግስት ንምትእትታዉ ተባሂሉ፡ ብኣድልዎ ኣስታት 5000 ዜጋታት ካብ ዝነበርዎ ቀዋማ ስርሖም ስለተጸልጸሉ፡ እዚኦም እዉን ዳርጋ ፍርቖም ተሰዲዶም እዮም።

ኣብ 1994 ኣባላትን ተሓባበርትን ናይ እስላማዊ ጂሃድ ምንቕስቃስን ሓሙሻይ መስርዕን { una quinta columna } ኢኹም ብምባል መንግስት ኤርትራ ቡዙሓት ኣብ ከተማታት ኣስመራን ከረን ኣቁርደትን ጊንዳዕን ምስ ኣሰረ፡ ቡዙሓት ዜጋታት ኣመንት እስልምና በዚ ኢሰብኣዊ-ተግባር ርዒዶምን ተዳሂሎም ሃገሮም ሓዲጎም ዝተሰዱ እዉን ቡዙሓት እዮም።

ኪናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዶብ ተሰቢቡ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ.ም.ፈ ምስ ተወልዔ፡ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ብቀጥታ እቲ ኪናት ስለዝጸልዎም ኣስታት 900,000 ዝግምገሙ ካብ መቦቖላዊ ዓድታቶም ተዛናቢሎምን ብምዕራባዊ ወገን ኤርትራ ዝነብሩ ዝነበሩ ብኸፊል ንሱዳን ተሰዲዶም እዮም። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ዉጽኢት ናይቲ ኪናት ዝፈጠሮ ስደተኛታት እኳ እንተኾኑ፡ ከም ናይ ኪናት ዝፈጠሮም ተዛናበልትን ስደተኛታት ዝራኣዩን ዝፍለጡን እዮም። ንሶም ጥራይ ዘይኮኑ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊኦም ንሱዳን ዝኣተዉ ኣስታት ሓንቲ ቦጦለኒ ሰራዊት ኤርትራ እዉን መብዛሕትኦም ኣብ ሱዳን ዕቁባ ሓቲቶም፡ ዉሕዳት ድማ ንሃገሮም ተመሊሶም እዮም።

ድሕሪ ዉዕል ሰላም ኣልጀርስ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ኣብ መንጎ መንግስት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍራሙ፡ ኣብ ዉሽጣዊ ፖሎቲካዊ ሂወት መንግስት ኤርትራ ቅድዉ ከምዘይነበረ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቕታት እዩ።

ዘይምርድዳእ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝፈጥሮ ጽልዋታት ኣብቲ ሕብረትሰብ ክህሉ ከምዝኽእል ቡዙሕ ንፋላላ ኣይመስለናን። በዚ ዘይምርድዳእ ዝተጸልዉን ቀጺሉ በቲ ናይ ጥሪ 2001 .. ፕረሲደንት ኢሰያስ ብመገዲ //... ኣንጻር እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብትሕተሃገራዊነትን ሃገራዊ ክሕደትን ክኸሶምን ጎስጓሳትን ከካይድ ምስ ጀመረ፡ ብዘይካ እቶም ዝተኣስሩ ካልኦት ኣባላት እቲ ሃገራዊ ባይቶን ስዓብቶምን ተማጸደቕቶም፡ ጋዜጠኛታትን፡ ነጋዶ፡ ኪኢላታት ሞያዉያንን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ…ወ.ዘ.ተ. ነቲ ሓደገኛ ኩነታት ብምዕዛብ ቡዙሓት ስርሖምን ሃገሮምን ራሕሪሖም እዉን ተሰዲዶም እዮም።

ቀጺሉ እዉን መርድእ መስዋእቲ ናይቶም ኣብ 1998-2000 ... ኩናት ዶብ ምስኾነ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊትን ህዝብን ዓቢ ኣዛራቢ ኩነታት ከምዝነበረ ኩሉ ዜጋ ዝዝክሮን ዝፈልጦን እዩንሱ ድማ ኣብቲ ግዝየ ኪናት ወትሃደራዊ ዓንቀጽ 500 ዝፍለጥ ዝተቀጽዑን ዝተቀንጸሉን ነባራት ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝነበሩ እዩ። ስድራቤቶም ኣሕዋቶም ንበለዛ / ሚኒስትሪ ምክልኻል ተጸዊዖም እዮም መስዋቶም ተነጊሮም። ክንገሩ እንከለዉ ድማ ቦታ ዕለት ዘይብሉ ወድኹም ወይ ሓዉኹምጓልኩም ወይ ሓብትኹም ተሰዊኡ/ተሰዊኣ ጥራይ ትብል መርድእ እያ ዝተነግረቶም። እዝን ወዲ ኸምዝን ዝተፈላለየ ጉዳይ እዚ ዘፈልፈሎምን ዝደረኾን ማዓት ስደት ናይ ዜጋታት እዉን ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ሰላም ዉዑል ኣልጀርስ ዝጣየስ ክጣየስ፡ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ክሳናበት፡ ዝማሃር ክማሃር፡ ዝሓርስ ክሓርስ ዝነግድ ክነግድ…ወ.ዘ.ተ ትጽቢታት ናይ መላእ ህዝብን ሰራዊትን እዩ ነይሩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)  ግን ብዘይካ 5000 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ነባራት ተጋደልት ጉድለታት ጥዕናን ስንክልናን ዝነበሮም ምስ ኣጣየሰ፡ ነቲ መስርሕ ምጥያስ ኣቃሪጹ ኩሉ ሰብ ኣብ ተመዲቡሉ ዘሎ ቦታ ክቕጽል ምስ ኣዘዘ፡ እቲ ትጽቢታት ህዝብን ሰራዊትን ብኣንጻሩ ፖሊሲን ዉሳኔ መንግስትን ስለዝተጋጨወ፡ መንእሰያት ንማህደረ ትምህርቲ ዝወጹ ብኡ ኣቢሎም ክተርፉ ጀሚሮም። ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነበሩ ድማ ንዱባይ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ…ወ.ዘ.ተ ክዉሕዙን ክስደዱን ጀሚሮም። ሕጂ ኣብ ኤርትራ 10% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉዱድ ዕስክርናን ክትያ-ጊዝያት ዘይብሉ ኣገልግሎት ይርከብ። ኤርትራ ብብዝሒ ሰራዊታ መበል 26 ካብ ሃገራት ዓለም እያ። http://en.wikipedia.org/wiki/List_of_countries_by_size_of_armed_forces ዓመታዊ ባጄታ ንምክልኻል ድማ ኣስታት 52 ሚልዮን ዶላር ይግመት።

ካብቲ ዝገርምን ዘደንጹን ፖሊሲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኤርትራ ካብ መግዛቲ ምስተጋላገለት፡ ዳርጋ እቲ ስራሕን ትምህርትን ዘይነበሮ መንእሰይ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነበረን ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ መንእሰያት፡ መንግስት ካይሓተቶም እንኮሎ፡ ብናጻ ተበግስኦም በሉ ንሱኹም ተጋዲልኩም ካብ መጻኹም ንሕና ድማ ዓቕምና ክንሕግዘኩም ናጻ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክንገብር ብምባል ኣሽሓት ቬርገሳዉያን መንእሰያትን ኪኢላታትን ኣብ ዝተፈላለየ ስራሓት ተመዲቦም ካብ 1991-1994 ኣገልጊሎም እዮም። ኣብ 1995 ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ እንኮሎ ነዞም ኣቀዲሞም ዘገልገሉ ዜጋታት ናጻ ዝገበረን ዘመስገነን ኣይነበረን። ዋላ የገልግሉ ዳግም ንሳዋ ወሪዶም ከገልግሉ ዝእዝዝ እዩ ነይሩ። ካብ 1991 ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ ዉሑዳት ከምዘይሳኑ እዉን ፍሉጥ እዩ።

ኣዋጅ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት፡ ብኣዋጅ 82/1995 ...ዝልለ፡ ኣ23 ጥቕምቲ 1995 .. ዝተኣወጀሓደ ዜጋ ን 6 ኣዋርሕ ወትሃደራዊ ታዕሊም፡ 12 ኣዋርሕ ድማ ንጡፍ ወትሃደራዊን ሃገራዉን ኣገልጉሎት እዩ ዝብል። ሕጊ መንግስት ኤርትራ ባዕሉ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣን መራኸብብዙሓን ግቡእ ዜጋ 18 ወርሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ከንሱ፡ ብሓይሊ፡ ብዘይ ገለ ዓስቢ፡ ብምጭፍላቕን ምግዳድን {compulsory labor service} ድማ 13 ዓመታት መመላእታ ዜጋ ከገልግል ዝግደድ እንተኾይኑ፡ ዋሕዚ ስደት ክክሰት ግድነታዊ እዩ። ካብዚ ኩሉ ሞርትዖቶታት ብምንቃል ንካልኣይ ጃምላዊ ስደት ጠንቂ ዝኾነ ጭቛኒን ዘይርትዓዉን ፖሊሲታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።

ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ክቕመር እንኮሎ ኣስታት ½ ሚልዮን ኤርትራዉያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ፋሕ ኢሎም ይነብሩ ኣለዉ እኳ እንተበልና፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ክልዕል ከምዝኽእል ዘጣራጥር ኣይኮነን። ዘልዕሎ ምኽንያት ድማ ካብ ዉሽጢ ሃገሩ ጥራይ ዝስደድ እምበር፡ ካብ ደገ ንዉሽጥ ዝምለስ ዜጋ ስለዘየሎ እዩ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር መገዲ፡ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ፡ ሞራላዉን ሰብኣዉን ሓገዝ እንተረኺቡ ጾትኡ፡ ዕድሚኡ፡ ኤትኒክ-ጉጅላዊ እንታይነቱ፡ ኣካዳሚካዊ ዓቕሙ ሞይኡ ብዘየገድስ ዝፈትዋ ስድራቤቱን ሃገሩን ራሕሪሑ ንክስደድ ድሉዉ ይመስል። ከም ቅማሶ-መርኣያ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደት መዓልታዊ ንምዕዛብ ነዚ ዝስዕብ ቀለቤት መርበብ ሓቤሬታ ኢንተርኔት ትዓዘብ። http://www.nharnet.com/December_2008/EPP_News_65T_Dec1708.htm። ነዚ ቀጻልነት ዘለዎ ዋሕዚ ስደት ዜጋታት  ዘታባብዕን ዘሳስይን ናይ ስዉራት ሓበልት ሰክዔታት መጎዓዓዝቲ ሰባት ዶባት ሰገር {human trafficking net-work} ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጀሚሩ ንኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ንሃገራት ንኡስ ሳሃራ፡ ካብኡ ድማ ንኤዉሮጳ፡ ሜክሲኮ: ካብ ሜክሲኮ ንሆንድረስ፡ ኢትዮጵያ፡ ኼንያ፡ ቡሩሱል፡ ኡጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተዘርግሔ እዩ። ነዚ ዘይሕጋዊ ገበናዊ ስርሓት ዘካይዱ ዉልቀሰባት ገሊኦም ኣባላት መንግስት ኤርትራ ኣብ ጸጥታዉን ወትሃደራዉን ዕማማት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ እዮም። ገሊኦም ብድሕሪኦም ሃይሞኖታዊ ዘይመንግስታዊ ትካላት {NGO} ማሕበረሰብ-ዓለም ብድሕሪኦም ዝድርኻ ዘለዉኦም እዮም። ገሊኦም ድማ ኤርትራዊ ሰብኣዊ ዓቕምታት ንምድኻም ናይ ዝተፈላለያ መንግስታት ዓለም ዝምዉልኦም ሃሱሳት እዮም። ገሊኦም ድማ ነጋዶ ብኸምዚ ስርሓት ማሕፍዱኦም ክኻዕብቱ ከም ሞያ ዝሓዝዎ እዮም። ገሊኦም ድማ ተቃወምቲ ኢና ብሃልቲ እዮም።

ናይዞም ኩሎም ዝተፈላለዩ ጉጂለታት ዕላማ ሓንቲን ንጽርትን እያ። ንሳ ድማ ከመይ ጌርካ ንኤርትራ ብሰብኣዊ ዓቕምታታ ኣዳኺምካ ዓንዲ ሕቅኡ ዝተመሰሰ ሃገረ-መንግስት ትኸዉን እዩ። እዚ ዕላማ እዚ እንኮሎዎም እዉን፡ ነቲ ዝስደድ ዘሎ ዜጋ ብናይ መጋዓዓዚ ሰነዳት፡ ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ብሰብኣዊ መገድታት እንተድኣ ዝሕግዝዎን ዝሕዝዎምን ነይሮም ምናልባሽ ንክትማረረሉ መገዲ ኣይምስሃበን ነይሩ። ብኣንጻሩ ኩሉ ገንዘባዊ ወጻኢታት ጻዕርታት ሓደጋታት መሳላጥያታት…ወ.ዘ.ተ እቲ ዝስደድ ዘሎ ዜጋ ክኸፍሎ ኣለዎ። ነዚ ከፊሎም እዉን ዝዕወቱ ዉሑዳት እዮም። እቲ መጠን ገንዘብ ንክትስደድ ዘድሊ ብዘይካ ወጻኢታት ናይመነባበሪካ መራኻቢታት ክንክንጥዕናን ካልኦት መዓልታዊ ዘድልዩ ነገራት፡ ንኤዉሮጵ ክትኣቱ ኣስታት $10-16 ሽሕ ዶላር፡ ንኣመሪካን ካናዳን ክትኣቱ ድማ ኣስታት $20-23 ሽሕ ዶላር እንዳተኸፍለ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኩሉ ዝስደድ ዜጋ እዉን ይቀንዖ ማለት ኣይኮነን። ገሊኡ ኣብቲ ዝተሰደሉ ሃገር ይእሰርን ይጥረዝን፡ ነዚ ዝስዕብ ቀለቤት መርበብ ሓቤሬታ ኢንተርኔት ትዓዘብ።

http://www.amnestyusa.org/document.php?id=ENGNAU200812198768&lang=e&rss=recentnews

ገሊኡ ኣብ መስርሕ ስደት እንኮሎ ኣብ ስሓራታትን ብጽምእን ጥምየትን ደሪቁ ይመዉት፡ ገሊኡ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ክስንጥቕ እንኮሎ ጠሊቁ ይመዉት፡ ገሊኡ ድማ ንዘቕሮቦ ናይ ዕቁባ-መሕተቲ ታሪኹ ተነጺግ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክሳጋገር ዕንክሊል ክብል ንእስነቱን ጊዚኡን የሕልፎ።

ኣብቲ ብዶብ ተሳቢቡ ኩናት ዝካየደሉ ዝነበረ ወቕቲ መንግስት ወያኔ ኣስታት 75000 ዝግመቱ ኤርትራዊ ሞቦቀል ዘለዎም፡ መዋእሎም ኣብ ኢትዮጵያ ነበርት ዝነበሩ ንብረቶም ራስዩ ኣባሳቢሱ ንኤርትራ ብተናጸል ጠሪዝዎም እዩ። እዚኣቶም እዉን ከም ኪናት ዝፈጠሮ፡ ዝተዛናበሉን ኣብ መቦቖል ሃገሮም ኤርትራ ክጣየሱ ዘለዎም እዮም ነይሮም፡ የግዳስ ኩነታት ኣታኣላልያን ኣጣይሳን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስለ ዘይማእምኦም፡ ገሊኦም ንወጻኢ ሃገራት ገሊኦም ድማ ዳግም ናብታ ዝጠረዘቶም ሃገር ተመሊሶምን ተሰዲዶም እዮም። ብተወሳኺ ድማ ካብ 1998-2008 ዓ.ም.ፈ ንኤርትራ ሓዲጎም ንኢትዮጵያ ዝተዓቕቡ ኤርትራዉያን ብናይ ማሕበር ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት {UNHCR} ዝተመዝገቡ ብድምር 17909 እዮም። እቲ ቁጽሪ ድምር ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝኣተዉ ክልዕል ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ገሊኦም ኣብቲ ሕብረተሰብ ተሰትዮም ዝተርፉ ኣለዉ። ገሊኦም ንኢትዮጵያ ከም መሳጋገሪ ንሱዳን ኬንያን ወይ ስግረ-ዉቅያኖሳት ሃገራት ዝጥቀሙላ ስለዝነበሩን ዘለዉን እዩ። ካብዚኦም 4893 ደቂ-ኣንስትዮ ክኾና እንኮለዋ፡ 13016 ድማ ደቂ-ተባዕትዮ እዮም። ዝነብሩሉ ዘለዉ መደበር ድማ ሽመልባን ማይዓይንን ዝባሃል ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ቦታታት እዩ። ክሳብ ሕጂ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብመገዲ UNHCR ንሳልሳይ ሃገር ዝተጣየሱ {resetlled} ብድምር 1236 ስደተኛታት ኮይኖም ካብዚኣቶም 700 ደቂ ኤትኒክ-ጉጂለ ኩናማ እዮም። ብሕጂ ኣመሪካ {USA} ክትወስዶም መዲባ ኣላ ዝባሃል ትሒምታ ድማ ኣስታት 6500 ዝግመቱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እዮም።ነዚ ዝባሃል ዘሎ ሓቂ ንምርግጋጹ ንዝስዕብ ቀለቤት ክንበብ ይክኣል እዩ። http://www.state.gov/g/prm/refadm/rls/fs/2008/110858.htm። ኣብ 2008 ዓ.ም.ፍ ካብ ኤርትራ ንዝተፈላለያ 44 ሃገራት ዓለምና ተሰዲዶም ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ልክዕ 8010 ዜጋታት እዮም።

 

 

መደበር ስደተኛታት ሽመልባ ብስእሊ

 

 

 

 

 

ኤርትራዉያን ስድተኛታት ኣብ ሱዳን መብዛሕትኡ ካብ 1967 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዞም ዝተሰደ እዩም። እቲ ካብ 1967-1991 ዓ.ም.ፈ ዝተሰደ ኤርትራዊ ኣዝዮም ብቁጽሪ ዉሑዳት ንማእከላይ ምብራቕን ናይ ምዕራብ ሃገራት ዝተሰዱ ክኮኑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ግን ኣብ እተን 12 መዓስከርስ ስደተኛታት ሰምሰም፡ ወደልሒለዉ፡ ግርባ፡ ወድሸሪፈይ፡ ሸገራየብ፡ ኪሎ 26…ወ.ዘ.ተ ዝነብሩ ዝነበሩን ዘለዉን ኮይኖም፡  ኣዝዮም ዉሑዳት ድማ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን ኣብ ዉሽጥ ሕብረተሰብ ሱዳን ተሰትዮም ይሕመቕ ይጸብቕ ናብርኦም ዝመርሑ ዘለዉ እዮም። እቲ ሕጂ ካብ ኤርትራ ዝስደድ ዘሎ ዜጋ ንሱዳንን ኢትዮጵያ ከም መተሓላለፊ ምዕርፎ (transit port) እንተዘይኮይኑ ቀዋሚ ኣብኡ ተሰትዩ ክነብር ዝደሊ ዉልቀሰብ እዉን ኣይርከብን እዩ። ኣቀዲሙ ኣብ ሱዳን ኣስታት 136000 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝግመቱ ይነብሩ ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ግን ብወለንተኛቶምን ብምትሕግጋዝ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት {UNHCR} መንግስት ሱዳንን መንግስት ኤርትራ ካብ 1993-1997 ... ኣስታት 68000 ዝኾኑ ንሃገሮም ተመሊሶም {repatriates} ኣብ ዓሊግድር፡ ተሰነይ፡ ገርገፍ፡ ጎልጅ.. ንንፍስወከፍ 2 ሂክታር መሬት ዝሕረስ እንዳተዓደሉ ተጣይሶም። የግዳስ ትጽቢቶምን እቲ ዝነበረ ኩነታት ዝተፈላለየ ብምንባሩ ተመሊሶም ናብታ ዝነብሩላ ዝነበሩ ሃገር ሱዳን ዝተመልሱ ዉሑዳት ዉልቐሰባትን ስድራቤታትን ኣይኮኑን።

ነዚ ኩነታት እዚ ጠንቂ ዝኾነ ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታትን መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)  ኣብቲ ናይ ስደተኛታት ናይ ምምላስ መስርሕን ቀጥዕታትን እኹል ዘዕግብ ምርድዳእ ኣይነበረን። መንግስት ኤርትራ ነቲ ናይ ምምላስ ስደተኛታት መደባት ባዕለይ ብዉሽጣዊ ትካላተይን ዓቕሚ ሰበይን ከካይዶ ስለዝኾንኩ፡ እቲ ዝዉሃብ ሓገዝ ገንዘብ ንኣይ ሃቡኒ ብሃላይ ነይሩ። ኮምሽነር ስደተኛታት ድማ ንሕና እንዳተቛጻጸርና ከነተግብሮ ኢና ባሃልቲ ብምኻኖም፡ ነቲ ናይ ስድተኛታት ምምላስ ሕቶ ኣዝዩ ሓላሊኹዎን ዓንቂፍዉዎን እዩ። ከም ተወሳኺ ጸገም እዉን እቶም ዝምለሱ ዝነበሩ ስደተኛታት ወሪሶሞን ተሓንጊጦሞ-ሒዞሞን ዝመጹ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ዝንባሌታት እዉን ነዩርዎም እዩ።

ብመገዲ እዞም ንሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት እቲ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ዉድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ እስላማዊ ጅሃዳዊ ምንቕስቃስ  ነዚ ናይ ምምላስ ንሃገር መደባት ተሞኽልዩ ኣባላቱ ንዉሽጥ ኤርትራ ከዝሩቕን ንጡፍ ወትሃደራዊ መጥቃዕታትን ድብያታትን ከሳላስል ምስ ጀመረ፡ መንግስት ኤርትራ ፈጺሙ ነቲ ናይ ዳግም ምምላስ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ብትግሃት ክርእዮን ብዕቱብ ክሰርሓሉን ኣይመረጸን። እታ ብተወከልቲ መንግስት ሱዳን፡ ኤርትራን ኮምሽነር ስደተኛታት ዝቆመት ናይ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምምላስ ንሃገሮም ተሳሲን ተካይድን ሓባራዊ-ሽማግሌ ክስብ 2002 ዓ.ም.ፈ ኣብ ንጡፍ ምክያድ ስራሓታ እኳ እንተነበረት፡ ንገዛእ ርእሱ እቲ ኩናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ከም ስዕቤናቱ ዝተራእየ ዋሕዚ ስደትን ምዝንባላትን ነቲ ናይ ምምላስ ተስፋታትን ንጥፈታትን ብከቢድ ኣሉታ ስለዝጸለዎ ክትሰርሕ ኣይካኣለትን። ብኸምኡ ምኽንያት ድማ ቂሂማን ለሚሳን ተረፈት።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሱዳን ኣስታት 89000 ዝግመቱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣለዉ።

 

ካብዚኣቶም 28000 ኣብ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት {UNHCR} ተመዝጊቦም ምጽራይ {screening} ዝተገብሮሎም እዩ። ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ ምጽራያት ኣስታት 4000 ጥራይ እዮም ከም ቁቡላት ስደተኛታት ዝፍለጡ። መብዛሕትኦም ኣብ ማዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ምብራቃዊ ሱዳን ዝነብሩን ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ሂወት ዘሕልፉ ዘለዉ እዮም። እቶም ዝተረፉ ድማ እንተ ብሕጋዊ መንበሪ ሱዳን (ኢቃማ) ሒዞም ወይ ካልእ ብልሓታት ተጠቂሞም ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ሱዳን ተሰትዮም ከም ሱዳናዉያም መሲሎም ዝነብሩ ዘለዉ እዮም።

ኣዝዮም ዉሑዳት ዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራዉያን መብዛሕትኦም ደቂ-ምዕራባዊ ቆላ ናይ ሱዳን ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ወይ ዜግነት ዘለዎምን ዝተዋሰቡን መንበሪ ኣባይቲ ዓዲጎምን ሰሪሖምን ኣብ ንግድን ካልኦት ስራሓት ዝነጥፉ እዉን ኣለዉ። ሽሕ እኳ ካብ ኤርትራ ዝሳገሙ ኤርትራዊ መቦቀል ዘለዎም ይኹኑ እምበር ኣብ መዓልታዊ ኣጋባብ ኣናባብራ ሂወቶም ንሱዳናዊ ባሂሊ ተቀቢሎም ዝራዓሙ እዮም። ብኣንጻሩ ድማ ደቂ ከበሳ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ከምዘለዉ ክፍለጥ ኣለዉ።

 

 

 

 

 

 

መደበር ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብስእሊ

 

ስኣሊት ሰላም ዳንኤል

 

ኣብ ታሪኽ ምዝንባላት ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ገጽታ እዩ ዘለዎ እቲ ቀዳማይ ኣብ እዋናት መግዛእቲ እምቦሮጣዊት ኢትዮጵያ ካብ 1967-1990 ዓ.ም.ፈ ዝተራየ ተርእዮ ክኸዉን እንኮሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብዶብ ተሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኩናት ዝተኣትወሉን ዝተኻየደሉን ወቕት ካብ 1998-2000 ዓ.ም.ፈ ዝነበረ ግዝያት እዩ። ቡዙሓት ዓድታትን ስድራቤታትን ካብቲ ምዕራባዊ ግንባር ብወገን ባድመ፡ ማእከላይ ግንባር ዓሌተናን ጾሮናን ምዕራባዊ ግንባር ቦሬን ባዳን ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዓድታቶምን ሉሙድ መናባብርኦም ተዛናቢሎም እዮም። ብፍላይ እቲ ብምዕራብ ዝነብር ዝነበረ ዝተናዛበለ ህዝቢ፡ ብስነምድራዊ ኣቃማምጥኡ ንሱዳን ዝቀረበ ቦታታት ብምኻኑ ንሱዳን ዝኣተዉ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ብኣጣቃላሊ ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ክቕመር እንኮሎ ኣስታት 205000 ዝግመት ህዝቢ ነይሩ። ክስብ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኪናት መስተንፈሲ-መዕልቦ ዝግበረሉ እቲ ዝተዛናበለ ህዝቢ ብመገዱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እኳ ተዓቒቡ እንተጸንሔ፡ ድሕሪ ስምምዕ ዉዕል ኣልጀርስ ግን ኣብ ፍሉይ ቦታታት ከምዘጽልል እዩ ተገይሩ። ብሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ዉሽጣዊ ዓቕምታትን ገሊኡ ንዓድታቱ ክምለሱ እንኮሎዉ፡ ገሊኦም ድማ ንምዕራባዊ ቆላታት ብምዉሳድ ኣብኡ ከምዝጣየስ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ስጉምትታት ምጥያስ መንግስት ኤርትራ ብፍላይ ኣብቲ ወገናት ምዕራባዊ ቆላታት ኣብ ህዝብን ፖሎቲከኛታትን ኣሳሓሓቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ጽበት መሬት ንቀንዲ መቦቆል ነበርት ህዝቢ፡ ዲሞክራፊካዉን ባህላዉን ምቅይያራት ክፈጥር እዩ ዝብል ምዕዝምዛማት ኣሎ።

ገሊኡ ዝተዛናበለ ህዝቢ ካብ ዓድታቱ ድማ ጌና ኣብ መጽለሊ ማዓስከራት ይነብሩ ኣሎዉ። ንኣብነት ካብቶም ካብ ዓድታቶም ዝተመዛበሉ ገለ 19,000 ዝኾኑ ዜጋታት ካልእ ናይ መንበሪ ቦታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ኣብ መውዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ንገለ 6,625 ዝግመቱ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ክልተ ግዝያዊ መጽለሊመዓስከራት ይነብሩ ኣለዉ። ኣስታት 1,250 ዝኾኑ ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መዓስከር ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ነባብሮኦም መሰረታዊ ነገራት ንሓደ ወዲሰብ ክነብር ዘድልዮ ጥራሕ እኳ ዘማለአ  እንተኾነ ንግዝያዊ መነባብሮስ ኣኻሊ እዩ ክባሃል ይክኣል። ኣብዚ ዓመት እዚ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነብሩ ዜጋታት ኣለዉ። መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነዞም ዝተመዛናበሉ ንምሕጋዝ ክነጥፉ ኣብኩሉ መዳይ ኣፍቂድሎም ስለዝኾነ ይሕግዙ ኣለዉ። ብፍላይ ቀይሕ ስቀል 54,000 ዜጋታት ዝግመቱ ሓገዝ ኣወፍዩ። እዚ ሓገዛት እዚ ኣብ ዞም ዝስዕቡ መዳያት ዘተኮረ እዩ ነይሩ፣ ናይ ማይ፣ ዳግመ ምህናጽ፣ ናይ ጥዕናን ስሓን ስራሓትን…ወ.ዘ.ተኣብ ዝኣመሰሉ ቀዋሚ ጥቕምታት ዉዒሉ። መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣስታት 12,000 ዝግምገሙ ዝተመዛናበሉ ዜጋታት እንደገና ንምጥያስ ጽዑቕ ግብራዊ ስጉምትታት ኣብ ምዉሳድ ይርኤ ኣሎ።

 

መደበር ካብ ዓድታቶም ዝተናዛበሉ ኣብ ኤርትራ ብስእሊ

 

 

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part3

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:45 am

4.ንዉሕስነት መግብን ዝስተ ጽሩይ ማይ ብዝምልከት፡

 

መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)  ዝተፈላለየ ኣካላዉን ማሕበራዊ ቅርጻታት {Physical and social infrastructure} ማለት ጽርግያታ፡ መዕርፎ-ነፈርትታት፡ ራህያታት፡ ሓጽብታት፡ ኣብያተ-ትምህርትታት፡ ዘመናዊ ናይ ልምዓት ግራዉቲ፡ ጥሙር-ማሕረስ፡ ምግፋሕን ምዕማቕን ወደባት ኤርትራ፡  …ወ.ዘ.ተ ብወፍርታት ዋርሳይ ይክኣሎ እኳ እንተሰርሔ፡ ዛጊት ግን ኣብ ኤርትራ በዚ ዝተሰርሔ ትሕተ-ቅርጻ ተጠቂምካ ዉሕስነት መግብን ዝስተ ጹሩይ ማይ ተራጋጊጹ ድዩ ንዝብል ሕቶ ብርጡብ ምምላስ ከድሊ እዩ። ኣብ ዓመተ 2006 ኤርትራ ን ዓመታዊ ቀለብ ካብ ዘድልያ 13-18% ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣፍሪያ። ኣብ 2007 ድማ ካብ 42-48% ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣፍርያ። እዚ እቶት ምርካቡ ህጡር ዝኾነ ዝናብ ኣዝመራን ክራማትን ስለዝነበረ እዩ። ከምቲ ዝድለ እኳ እንተዘይነበረ ኤርትራ ብከፌል ናይቲ ዘድልያ ዓመታዊ ቀለብ ምህርቲ-እኽሊ ኣእትያ እያ። ኤርትራ ልዕሊ እዚ ዘእተወቶ ከተእቱ ትኽእል ነይራ፡ የግዳስ እቲ ክሓርስን ክሕምስን ዝኽእል ሰብኣዊ ዓቕሚ ጉልበት ሰብ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተገፊፉ ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከራት ስለዝተወሸበ፡ ኩሉ ዝሕረስ ዝነበረ ግራዉትን ክሕረስ ዝግብኦ መሬት ካይተሓርሰ ቛዲሩ ስለዝተረፈ፡ ህጡር ኣዝመራን ክራማትን እንኮሎ እኩል ምህርቲ-እኽሊ ክሕፈስ ኣይተኽእለን።

ሕጂ ኣብ ዓመተ 2008 ስሕዉ ዝናብ ኣዝመራን ክራማት ስለዝነበረ፡ ሕጽረታት ምህርትን-እኽልን መግቢ ኣጋጢሙ ኣሎ። ከም መርኣያ ናቱ ኣብ ኤርትራ ጸሊም ሕብስት ክስንከትን ክሽየጥን ጀሚሩ ኣሎ። ንኩንታል ማሸላ 4000 ናቕፋ ንኩንታል ጣፍ 11000 ናቕፋ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ይሽየጥን ይልወጥን ኣሎ። ሕጽረታት ዝናብን ምቕይያር ክሊማ ዓለምና ነዚ ዘሎ ስርዓት ከተላግበሉ ዘይግባእን ዘይክኣልን እኳ እንተኾነ፡ ወዲ ሰብ ዝዓበየ ቃልሱ ንኩነታት ባህሪ ተላማሚዱን ኣጽኒዑን ንመዓላታቱ ክቕይሮ ቀዳማይ ክፍታሕ ዘለዎ ባህርያዊ-ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ካብቲ ወዲሰብ ዝፈጠሮም መሳናኽላት ንምፍትሑ ዝጠፍኤ ጽዓትን ጊዝየ ቀዳምነታት ብዘይምሃቡ ግን፡ ከም ዓቢ ናይ ቀዳምነታት ኣሳራርዓ ጉድለት ክግለጽ ይክኣል እዩ።

ብሓፈሽኡ ምልዉዋጥ ክሊማ ዓለም ዝፈጠሮ ናይ ዝናብ ሕጽረታት፡ ኣብዘይተደልየ ቦታን ወቕት ምዝናብ፡ ዝናብ ጸያቂ ማዕጺድ ምግጣሙ፡ ሕማማት ዘራእትን ባልዕእኽልን ምግሃዱ፡ ንዘራእቲ ዝሃሲ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ከምዚኦም ባህርያዊ ጸገማት ምህላዉ፡ ንኣብነት ኣብ ዓመተ 2007 ኣስታት 3 ሚልዮን ኩንታል ዝግመት ኣእካልን ኣስታት 1 ሚልዮን ኩንታል ዝግመት ጥሬታት ከም ኣዳጉራ፡ ፉል፡ ባሎንጋ፡ ዓተር፡ ብርስን፡ ሰበረ.. እስትራተጂካዊ ኣእካልን ፍርያትን ከም ጡጥ፡ ስምስም፡ ምህርቲ ነይሩዋ። እዚ ምህርቲ እዚ ብዘይካ ዘመናዊ መስኖን ሞቶራት ጮንጋዕቲ ማይ ዝሰትዩ ጀራዲን ኣራንሽ፡ መንደሪን፡ ኣሕምልቲ፡ ኮመደረ: ጉዕበርበረ፡ ሽጉርቲ.. ኣብ ኣፍሂምቦል፡ ሳዋ፡ ኣለቡ፡ ዓላ፡ ማይዓይኒ፡ መሎበርን፡ ዓድዑመር.. ዝፈረዩ እዩ።

እዚ እቶት እዚ ንዓመታዊ ዉሕስነት መግቢ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ምርግጋእ ዕዳጋን ዘራጋግጽ ከምዘይኮነ ንጹር እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ዉሕስነት ዓመታዊ ቀለብ መግብን ምርግጋእ ዕዳጋን ክራጋገጽ ብዉሑዱ፡ ኤርትራ 6 ሚእቲ ሽሕ ቶን ዓመታዊ እቶት ምህርቲ ክትሓፍስ ኣለዋ። ነዚ እቶት እዚ ክትሓፍስን ቀጻልነት ክህልዎ እንተኾይኑ፡ ንካብ ሰማይ ዝዘንብ ዝናብ ተጸቢኻ፡ ዘይቡቑዕ ኣጣቃቅማ ማይ እንዳኣዘዉተርካን ልምዳዊ ኣጋባብ ማሕረስ እንዳተጠቀምካን፡ ክሓርስ ዝኽእል ጉልበት ሰብ ኣብ ወትሃደራዊ ማዓስከራት እንዳወሸብካ፡ ንሓረስቶት ኣብ ክንዲ ክሓርሱ ምትብብዖኦም ዝሓፈስዎ ምህርቲ ብምግዳድ እንዳዓደካን እንዳመንዛዕካን…ወ.ዘ.ተ ፈጺሙ ኣይክኣልን እዩ። እቲ እንኮ ዘዋጽእ፡ ኤርትራ ንኹሉ ዘለዋ ዕዱን ሃብቲ መሬትን ሓመድን ብዘመናዊ ሕርሻ ኢንዱስትሪ {Agro-Industries} ክትጥቀም ክትበቕዕ ኣለዋ። ፍሉጥ እዩ ኤርትራ ነዚ ክትበቕዖ ድማ ዓሰርተታት ቢልዮናት ዝግመት ገንዘባዊ ወፍሪ፡ ጥዑይ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ትካላዊ ምሕደራ፡ ዝተነጸረ ዉጥን፡ ሰብኣዊ ጸጋታትን ማሕበራዊ ምዕብልናን (Human Resources and Social Development)፡ ተዛማዲ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዉሽጥ ህዝባን ምስ ጎረባብታን ስግረ-ጎረባብታ ሃገራት ዓለም ክህሉዋ ከድሊያ ምኻኑ ሩድኡ  እዩ። እዚ ድማ ዛጊት ኣብ ኤርትራ ዝተበጽሔ ቅድመ-ዕየራ {criteria} ኣይኮነን። ኣንኳይ ዶ ኤርትራ ሓዳሽ ሃገርን ብፍጹም ምልካዊ ስርዓት ትማሓደር’ስ እተን ናይ ናዊሕ ዘመናት ናጽነትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣሎና ዝብላ ሃገራት ኣፍሪቃ እዉን ኣይበጽሕኦን ዘለዋ። እሰን ስለዘይበጽሖኦ ግን ናይ ኤርትራ ምኹኑይ ክኸዉን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

ንዝኣረገ ትሕዞ መሬት ንምህብታሙ ዘይተደነ ዘመናዊ ድኹዕታት ከድሊ እዩ። ሓያልን ኣዝዩ ንጡፍ ምግራብን ምክንኻን ኣግራብ ከድሊ እዩ። ሓመድ ተባሕጊጉን ተፈጊሩን ካይከይድ ምዝላይ ጸድፍታትን ኩርባታትን ከድሊ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዓመታዊ ኣብ ወቕቲ ክራማት ምግራብ ብወፍሪ ተማሃሮ ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ ቀጺሉ ነቲ ዝተተኽለ ፈልሲ ኣግራብ ዝካናኸኖን ማይ ዘስትዮን ስለዘየሎ ዳርጋ 95% ደሪቁ ዝመዉት እዩ። ምዝላይ መሬት ብወፍሪ ዓድታት ንከባቢኦም ይካየድ እዩ የግዳስ ዛጊት ብኣዝዩ ዕቱብ መደባት ዝተታሕዘ ኣይኮነን። እዚ ክንገልጾ ዝጸናሕና ንጥፈታት ብቀጥታ ምስቲ ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ ስለዝታኣሳሰር እዩ።

ከምቲ ኣቀዲምና ብሓጺር ዝገለጽናዮ፡ ንሕርሻን ዝስተ ጹሩይ ማይ ንምዉሓስ ብዝምልከት፡ ኣስታት 578,000 ሄክተር ዝስፍሓቱ መሬት ንክሕረስ ድሉዉ ዝኾነ መሬት ኣሎ። ካብዚ 49,200 ሄክተር ዝስፍሓቱ ኣዝዩ ስቡሕ መሬት ኮይኑ፡ ንስትራተጂካዊ ዘራእቲ ንምፍራይ ዘገልግል እዩ። ዝተፈላለዩ ንዉሓትን ዕሙቀትን ዘለዎም መስኖታት እዉን ተዘርጊሖም ኣለዉ። ኣብ መላእ ኤርትራ ኣስታት 1032 ሓደስት ዒላታት ንዝስተ ማይ ተኻዒተን ኣለዋ፡ ኣስታት 238 ዓበይቲ ማእኮሎት ንኣሽቱ ዲጋታት ተገዲበን ተሃኒጸን ኣለዋ፡ ኣስታት 324 ራህያታት እዉን ተዶኪነን ኣለዋ። የግዳስ ኩሉ ትጽቢታት ካብ ሰማይ ጥብ ትብል ማይ ትጽበዮ ጉዳይ ስለዝኾነ ዉሑስ ኣይኮነን።

ምንጻፍ ትሕቲ መሬት ኤርትራ ዋሕድታት ማይ ስለዘጥቕዖ እቲ ዝተዃዕተ ዒላታት ማይ ከመንጩ እንተኾይኑ ዝናብ ክዘንብ ኣለዎ። ዝናብ እንተዘይዘኒቡ ነጺፉ ዝተርፍ ጎዳጉድን ጓብላታትን እዩ። ካብዚ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ሓቕታት ብምንቃል ኣብ ኤርትራ ዉሕስነት መግብን ዝስተ-ጹሩይ ማይ ርጉጽ ኣይኮነን። ምስእዚ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ምቕይያር ክሊማ ምንሃር ነዳድን መግብታትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንሓደጓ  ጥሜት ዓጸቦን ጽምእን ንክቃላዕ ዝተዋደደ ይመስል። ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ወይ ክራማት ባሕሪ ጽቡቕ ዝናብ ስለዘሎ ግን ምልክታት ጮራ ድሕነት ብከፊል ኣሎ ክባሃል ይክኣል እዩ። ሎሚ ባሕሪ ብህርመት ዝናብ እንተጸጊቡ ንዓመታ ድሓን ዝኾነ ዝናብ ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ቢሂላዊን ስነፍልጠታዉን ጥቆማታት ኣሎ። ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ካልኣዊ ደረጃ ኣብ መስርዕ ቀዳምነታት ናይ ዕዮ-ዕማም እንተተሰሪዑ፡ ክሓርስን ክሕምስን ዝኽእል ዓቕሚ-ሰብኣዊ ጉልበት ኣብ ካልእ መዓላታት እንተዊዕሉ፡ ንሓረስቶት ንከሓርሱ ዘየታባብዕ ፖሊሲ መንግስት እንተቀጺሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፍጹም ዓጸቦን ጥሜትን ክቃላዕ እዩ።

ኣብ ዓመተ 2008 ዝናብ ኣዝዩ ስሑዉ እዩ ነይሩ። እቲ ብከፊል ዝሕፈስ ዝነበረ ምህርቲ እዉን ኣይትሓፍሰን። መንግስት ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ማሕረስ ፍርያት ንምቁጽጻሩ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ንብቃጽዖታታት ዝሓረሱ ሓረስቶት ምህርቶም ንመንግስቲ ከረክቡ እዉን የገድዶም ኣሎ።  

ምስቲ ኣብ ዓለምና ገጢሙ ዘሎ ምጣኔ ሃብታዊ ቕልዉላዋትን ምንሃር ዋጋታት መግቢ ኣብ ዓለምና ብ48% ን ፖሊሲ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ረዲኤት ስራሕ-ንገንዘብ (cash-for-work policy) እንታይ ከምዝኸዉን ክግመት ዝክኣል እኳ  እንተኾነ፡ ኣቀዲምና ሕማቕ ፋላት ክንስንዝር ኣይንደልን። ዓለማዊ ባንክ ኣብ 09 ጥቅምት 2008 ዝዘርግሖ ገምጋማቱ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 28 ሃገራት ዓለምና ብሕጽረታት ገንዘብን ዕድግን ቀረባትን ክትሳቀ ምኻና ይጥቁም። እቲ ረዲኤት ስራሕ-ንገንዘብ ዝብል ፖሊሲ ቀንዲ መበገሲኡ ካብቲ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዘዉትር ዘንህየሉ ፍልስፍና ርእሰ-ሙርኮሳ {self-reliance} ዝነቕል እኳ እንተኾነ፡ ዕላምኡ ግን ንመግቢ ከም መቕጽዒ ፖሎቲካዊ ንዋት ክጥቀመሉ ስርዓት ኣስመራ ስለዝወሰነ እዩ ዝብል ገምጋማዊ ዕግበታት ኣሎና።

ካብዚ ኩሉ ዝጣሕመስናዮ ሮቓሒታት ብምንቃል ዛጊት ኣብ ኤርትራ ዉሕስነት መግብን ዝስተ-ጹሩይ ማይ ኣይተራጋገጸን ብምትእምማን ክባሃል ይክኣል። መግቢ ምምጋብን ጹሩይ ማይ ስስተ ምስታይን ድማ ኣድማሳዊ መሰል ኩሉ ፍጡር እዩ። ኣንኳይ ዶ ህዝቢ ኤርትራስ እንስሳ-ዘገዳምን እንስሳ-ዘቤትን ኤርትራ ጠበቕ ሙጹጹላይ…ወ.ዘ.ተ!!! እዉን ካይተረፉ ዝብላዕ መግብን ዝስተ ማይን ክረክቡ ኣለዎ። ቀንዲ መሰረት ናይቲ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ካብ ዘንቀልዎ ቀንዲ ሕቶታት ድማ ንሱ እዩ።

 

5.ንሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ብዝምልከት፡

 

ሕብረተሰብኣዊ ሃለዋት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደጓ ዘሎ ይመስል። ሓደ ሕብረተሰብ ሃለዋቱ ንክትመዝኖ በታ ዝንኣሰት ምጣኔ ሃብታዊ ኣሃዱ ወይ ሓንቲ ስድራቤት ኤርትራ ኢኻ ትመዝኖ።  ዝተፈላለያ ማይ-ቤታት ወይ ስድራቤታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ቀጸላ፡ ምጣኔ ሃብታዊ ዓቕምታትን እትዋትን፡ ዝተፍላለየ መዓልታዊ ናይ መናባብሮ መንበሪ ሞያታት…ወ.ዘ.ተ እኳ እንተሃለወን 80% ሕብረተሰብ ኤርትራ መናባብሩኡ ኣብ ልምዳዊ ማሕረስን ምርባሕ እንስሳ ዝተሞርኮሰ ስለዝኾነ ተዛማዲ ምጣኔሃብታዊ ዓቕምታትን ሕብረተሰብኣዊ ሃለዋት ዘለዎ እዩ። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዘቖማ ስድራቤታት ወይ ማይቤታት ኣብ ፍጹም ሻቕሎት፡ ምብትታን፡ ስደት፡ ሽርበት፡ ድኽነት፡ ሓድሕዳዊ ግርጭት፡ ጉዱድ ዕስክርና፡…ወ.ዘ.ተ ስለዝተሸማ ኣስተርሕያ ብሰላምን ቅሳነትን ፍስሃን ደስታን እትነብር ስድራ-ቤት የላን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኩለን ስድራ-ቤታት ወይ ማይ-ቤታት ኤርትራ ይዕበ ይንኣስ፡ ይዕሞቕ ይቕረብ፡ ይንዋሕ ይሕጸር በቲ ኣቀዲምና ዝጣሕመሰናዮ ሽግራት ስለዝተለኽፋ፡ ሃለዋት እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ መስቀላዊ- መገድን ሓደጋ ኣሎ ንብል ኣሎና።

1.ኣብ መላእ ኤርትራ ምዑሩይ ዝርጋሔ ሕብረተሰብኣዊ ኣገልግሎት ዛጊት ኣይተበጽሓን።

 

2 ኣብ መላእ ኤርትራ ምሕላዉ ሕብረተሰብኣዊ መሰላት ኣይተራጋገጸን።

3.መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ምትእትታው ኣብ ብሕታዊ ናብራን፡ ስድራ ቤትን፡ መንበሪ ኣባይት፡ ዉልቃዊ ንብረት፡ ምህርትን፡ ሕብረተሰብኣዊ-ርኽኽባትን ስለዝገብር ትኹላዉን ጋድማዉን ዝምድናታትን ርኽክባትን ስድራቤትን ሕብረተሰብ ንዘይተደልየ ማኣዝን የምርሕ ኣሎ።

4.መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንስድራቤታት ኤርትራ ወሊደን ዘዕበይኦም ደቀን ብሓይሊ ብምምንዛዕ ኣገልገልቲ ናይ ዝወጠኖም ኪናትን ስርሓት መተግበሪ ይጥቀመሎም ኣሎ። እታ ዘዕበየት ስድራቤት ዓስቢ ናይ ዘካየዶቶ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ዉላዳ ኣብ ክንድ ትፍደ ከምትባድን ትኸዉን ኣላ።

5.ዉልቃዉን ስድራቤታዉን ዉሕስነት ጸጥታ ዜጋታት ኣብ ኤርትራ ዘይተራጋገጸ እዩ። ሰባት መዓልታዊ ይሽረቡ ሃለዋቶም ንምድህሳስ ዝካየድ ንጥፈታት ድማ ብሕጊ ዉሑስ ስለዘይኮነ ንምንዳዮም ዝካየድ ፈተነ ሙኹን እዩ።

6.ሕብረተሰብኣዊ ግፍዕን ሃይሞኖታዊ ኣድልዎን እዉን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ኣዝዮም ዉሑዳን ዝኾኑ ኣመንት ጆሆባን ጵንጠቆስተ ይርኤን ይዝዉተርን። መንግስት ብመገዲ ሃይሞኖታዊ ጉዳያት ትካሉ ኣቢሉ፡ ኣብ ሃይሞኖታዊ ጉዳይ ህዝብና ምትእትታዉ ይገብር እዩ።

7. ከም ሳዕቤን ናይቲ ን30 ዓመታት መመላእታ ንኤርትራ ናጻ ንምግባር ዝተኻየደ ኪናትን፡ ኣብ 1998-2000 ዓ.ም.ፍ ብዶብ ተሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኪናት፡ ሃገርና ኤርትራን ሕብረተሰብናን ልዕሊ 100 ሽሕ ስዉኣት ልዕሊ 30 ሽሕ ናይ ኩናት ሱንኩላን ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ። ሓድግታት ኪናት  ኣዝዩ ድሙቕ ስምብራት ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ዘይተደነ ዝኽትምና፡ ብርሰት ስድራቤት፡ ብሰንኪ ቀዋሚ ስንክልና ፍጹም ጽግዕተኛነት፡ ስነኣእሙራዊ ጭንቀትን ነዉጽን፡ ዝልዕሎም ዝሳኣኑ ኣረጋዉያን ወለዲ ስዉኣትን ስንኩላንን፡ ድኽነት…ወ.ዘ.ተ ሓዲጉ እዩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)ን ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾኑ ዜጋታት ንስድራቤት ስዉኣትን ስንኩላንን ንምሕጋዝን ርእሶም ዝኽእሉሉ ባይታታት ንምፍጣር ሓገዛትን ጻዕርታትን ወፈያን ለቃሕ ገንዘብን ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ዝተነጸረ ግሉጽነት፡ ቀጻልነት ዘለዎ ቁርጡዉ መደባት ካብዘይምኻኑ ዝነቀለ ኣብ ምልዓል መናባብሮ ናይቶም ዝእለዩ ዜጋታት መሰረታዊ ለዉጢ ከምጽእ ኣይክኣለን። ንኣዝዮም ህሱያት ናይ ኩናት ስንኩላን ዝኾኑ ዜጋታት ሽግር መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ እዉን ጻዕርታት ይግበር ኣሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ግን ዝተፈላለ ኣድልዎታት ዘንጸላለዎ እዩ። ኣብ ማእከል እቶም ስንኩላን ዘይዕግዕበታት መረረታትን ምግሩምራማት ይርኤን ይስማዕን እዩ። ዳርጋ 98% ዝብዝሖም እቶም መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ክሕግዞም ዝህቕን ዘሎ ስንኩላንን ስድራቤት ስዉኣትን ኣቀዲሞም ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ጥራይ እዮም። ኣብ ዉሽጥ እቲ 30 ዓመታት መመላእታ ዝተኻየደ መሪር ኩናት ዝሰንከሉን ዝተሰዉኡን ግን ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ ጥራይ ከምዘይኮኑ ኩላህና ንግንዘቦ ሓቕታት እዩ። ኣባላት ተ.ሓ.ኤ እዉን ከምዝነበሩን ከምዘለዉን ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ከፊላዉን ጸግዓዉን ብምኻኑ፡ ኣብ ዉሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ምትፍናንን ምጉጅጃልን ዝፈጠሮ ኣዝዩ ዓቢ ስምብራት ኣሎ። ኣብ ጽርግያ ዝነብሩ ዓበይትን ንኣሹቱ ትሕቲ-ዕድመ እዉን ዳርጋ ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ኣዝዮም ቡዙሓት ዜጋታት ኣለዉና። እዚ ተርእዮ እዚ ምስ ምብትታን ስድራቤትን ብትከት ድኽነትን ሽቅለተ-ኣልቦነት ዝጋሃድ ማሕበራዊ ተርእዮ ስለዝኾነ ንምፍዋሱ ዛጊት ዝተወስደ ኣድማዒ መደባትን ስጉምታትን ስለዘየሎ ንልመና፡ ስርቂ፡ ናይ ከተማ ሽፍትነት፡ ኣመንዝራነት…ወ.ዘ.ተ ማሕበራዊ ተርእዮታት እንዳማዕበለ ይኸይድ ኣሎ። ብፍላይ ነቶም ትሕቲ-ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ዝጠመተ ንጹር ክንክንን መደባትን የሎን። ንምጥቕላሉ ዝኣክል፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ዉሕስነት ዛጊት ዘይተራጋገጸ ጉዳይ እዩ።

8. ልዕሊ ኽሉ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ናይ ማሕበራዊ ዉሕስነት ዘይምህላዉ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስት ተጸሚዶም ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ገሊኦም ፍሉጥን ሙዱቡን ዶሞዝ ዘለዎም፡ ቀረጽ ዝኸፍሉ እዮም። መብዛሕትኦም ግን ብዘይ ፍሉጥን ንቡር ዶሞዝ ኣገልግሎት ዝገብሩ ዘለዉ እዮም። ሰንኪሎም ኣሪጎም…ወ.ዘ.ተ ዝጽብጸበሎም ወይ ዝጣረቐመሎም ናይ መልዕሎ-ጥሮታ ዉሕስነት ዘይብሎም ብዘሎ መንግስት እዮም። ኣንካይ ዶ ነዞም ሕጂ ዝስርሑ ዘለዉ ዜጋታትስ፡ ነቶም ን 30 ዓመታት መመላእታ ሙሉእ ግዝያቶም ኣብ ሰዉራ ተጸሚዶም ክብርቲ ሂወቶም ንክኸፍሉ ድሉዋት ዝነበሩ፡ ናይ ዕድል ግዳይ ኮይኑ ብሂወቶም ዝኣተዉ ንገሊኦም ብዘይ ገለ ገንዘብ ንገሊኦም 10 ሽሕ ብር፡ ንካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኪኢላታት ጥዕና ተመርሚሮም ኣብ ዉትህድርና ክሰርሑ ኣይኩኡሉን እዮም ዝተባህሉ ቦርድ ዝኣተዉ፡ ንነፍስ-ወከፎም 5 ሽሕ ናቕፋ ሂቡ ምስጸልጸሎም ቁሊሕ ኢሉ ኣይጥምቶምን እዩ። ጽባሕ ንግሆ እዚ ብዘይእስትንፋስ ለይትን መዓልትን ዳናጉላ ዝስከምን ጽርግያታት ዝሰርሕን ዘሎ መንእሰይ ብሰንኪ ከቢድ ናይ ስራሕ ኩነታት መጻኢ ሂወቱ ዘምርሖ ጉልበታዊ ዓቕምታት ክስእን ምኻኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ መን ክናብዮ እዩ? ብመን ክናበ እዩ ዝብሉ ማሕበራዊ ናይ መልዕሎ-ዉሕስነት ዘድልዮም ሕቶታት ባዶሽ ምቕርራባትን መልስታትን ጥራይ እዩ ዘለዎም።

ከም ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ህሞት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብተዳጋጋሚ ዝራኣዩ ዘለዉ ኣሉታዊ ማሕበራዉያን ክስተታት ኣሎዉ። ንሳቶም ድማ ከምዚ ዝስዕቡ እዩ፡-

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ፖሊሰ-ሰራዊታዊ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ዳርጋ ½ ናይቲ ሕብረተሰብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰደን ክትኩስን መጻወድያ ነታጊታት ክጸምድ ዝኽእል ወትሃደራዊ ኣታሓሳስባን ሞያን ዝወነነ ብምኻኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኣብ ጽንኩር ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ኩነታት ዓበይቲ ዘይተደልዩ ገበናት ክፍጸሙ ክትርኢ ትጽቢታት ዝግበረሉ እዩ። ኣብ ጽንኩር ኩነታት ሓደ ሕብረተሰብ፡ እቲ ኩነታት ዝፈጥሮም ሓደስት ማሕበራዉያን ኣበሳታት ክክሰቱ ድማ ንቡር እዩ። ኣብ ኤርትራ ድማ ደሚቆም ብተዳጋጋሚ ሕጂ ክርኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ። ከም ዉጽኢት ናይቲ ጽንኩርን ድዉሽን ኩነታት: ምቡሕጋግ ማሕበራዊ ክብሪታት ሕብረተሰብ ጋህዲ እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ። ሕጂ ዝራኣዩ ዘለዉ ማሕበራዊ ኣበሳታት ሓደስት እኳ እንተዘይኮኑ ደሚቆምን ብተዳጋጋሚ ዝራዩ ዘለዉ ብምኻኖም ብዝርዝር ምጥማቶም ከድሊየና እዩ።

1. ነባሪ ሕማም ዘይነበሮ ሰብ፡ ብቕጽበት ሙማት፡ ድሓን ዉዒሉ ንጽቢሒቱ እዚ ቀቲልዎ ዘይባሃለሉ ሞት ብብዝሒን ተዳጋጋምን ይርኤ።

2. ንትሕቲን ልዕልን ዕድሜ ደቂ ኣንስትዮ ብዓመጽ ምግሳስ፡ ዓሚጽካ ድማ ምቕታል። ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ኣብ ዉሽጥ ከተማ ኣስመራ ንሓንቲ ጓል 4 ዓመት ህጻን ተጋሲሶም ብኻራ ማዓንጥኣ ጠባቢሖም ኣብ ትሕቲ ሒሖት ቆጥቓጥ ተሰንድያ ተረኺባ። እቲ ስርዓት እዉን ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ክረኽቦምን ክድህስሶምን ዛጊት ኣይክኣለን ዘሎ።

3. ስርቕን ክትራንን ብመዓልቲን ጸልማት ተጎልቢብካን ቀጻሊን ንቡሩን እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ።

4. ጥልመት፡ ሓሶት፡ ሕሉፍ-ቅንእታት…ወ.ዘ.ተ መሊኡ እዩ።

5. ብቃጻ ሰብ ምቕታልን ሒነ ምፍዳይን ቀታሊ ዘይምፍላጥን ዝዉቱሩን መዓልታዉን እዩ።

6. ጸልማት ተጎልቢብካ ሓረስቶት ዓመት መመላእታ ዝለፍዕሉ ቂሚጦ ኣእኻል ምንዳድን ምብራስን ብተዳጋጋሚ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝርኤ ተርእዮ እዩ።

7. ፈጺምካ ዘይምትእምማን ነንሕድሕድካ ምትፍናን ኑቡር መዓልታዊ ጠባያት ሕብረተሰብ ኮይኑ ኣሎ።

8. ርእሰ-ቕትለት ምፍጻም ልክዕ ከምዚ ብርጭቆ ማይ ጭሊጥካ ምስታይ ኮይኑ ኣሎ።

9. ሰብ ወይ ዜጋ ሓንቲ ካይበደለ እንኮሎ ብወትሃደራትን ናይ ጸጥታ ትካላት እቲ ስርዓት ክግፋዕ፡  ክሙቃሕ፡ ክድስክል፡ ክዝረፍ…ወ.ዘ.ተ እንኮሎ፡ ኣብ ክንዲ እንታይ ገይሩ ኢልካ? ምሕታትን ምስቲ ዝግፋዕ ዘሎ ደዉ ምባል፡ ሕራይ ገበርዎ ምባል! ከምዘይምልከተካን ዘይርኣኻን ሸለል ኢልካ ምዕዛብ! ስግሩ እዉን ገለ ረኺቦምሉ ይኾኑ እንዳበልካ ምዕላልን ኣንጻር እቲ ቡዱል ደዉ ምባልን ልሙዱን ዝዉቱሩን ጠባያት እዩ።

10. ሰብ እንዳተባእሰ እንኮሎ ኣብ ክንዲ ኣብ ሞንጎ ኣቲኻ ምዕራቕን ምግልጋልን፡ ክሳብ ኣካላቶም ዝጎዳደሉ ክትሃራረሙ ኣጽቂጥካን ኢድካ እጣሚርካ ምርኣይ።

11. ንዝተባእሱ ስድራቤት ወይ ኣሕዋት ኣብ ክንዲ ዓገብ ኢልካ ምዕራቕን ምድናይን፡ ሓዊ ከምዝኣትወም ጌርካ ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ፍርዲ ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ኮሎል ንክብሉ ምትብባዕን ምድፋእን።

12. ኣያ በያ፡ ጉቦ፡ ምጥፍፋእ፡…ወ.ዘ.ተ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ እዩ።

13. ብሕድሪ ዝተዋህበካ ዉክልና ስልጣን ተጠቂምካ ቀዋምን ተንቐስቃሲ ንብረት ሰብ ምሻጥን ምልዋጥን።

እዞም ኣቀድም ኣቢልና ዝረቛሕናዮም ኣሉታዉያን ማሕበራዉያን ኣበሳታት፡ ኣብ ዝኮነ ሕብረተሰብ ክራዩ ዝኽእሉ ኣበሳታት እኳ እንተኾኑ፡ መጠነ ብዝሒ ተዳጋግምነቶም እንዳልዓለን እንዳደመቀን ይኸዱ ስለዘለዉ፡ ጠመተን  ምስትብሃልን ዘድልዮም ማሕበራዊ ኣበሳታት እዮም።

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part2

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:42 am

2.ፖሎቲካዊ ቅርጻ መንግስት ኤርትራ ህሉው ኩነታቱን፡

 

ፖሎቲካዊ ቅርጻ መንግስት ኤርትራ፡ ከም ነፍስ ወከፍ መንግስት፡ ንጡፍ ይኹን ልሙስ መንግስታዊ ቕርጻ ዘለዎ እዩ። መንግስት ኤርትራ ከም መንግስት ናይ መሳጋገሪ መንግስት ኮይኑ፡ ልሙስ ይኹን ንጡፍ ፈጻሚ ሓጋጊ ፈራዲ ኣካላት እዉን ኣለዉዎ። እቲ ንጡፍ ኣካላት መንግስት ኤርትራ ፈጻሚ ኣካል መንግስት ጥራይ እዩ። ፈጻሚ ኣካላት ብፕረዝደንትን ቤት-ጽሕፈቱን፡ ብካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ላዕለወት ወትሃደራዊ ናይ ስርሒታት ኣዘዝትን ዝጠመረ እዩ። መዳቢ፡ ኣካብን መራሕን ፈጸምት ኣካላት መንግስት፡ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ፡ ፕረዝደንት እታ ሃገር ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፍወርቕ ኣብርሃም እዩ። ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፍወርቕ ኣብርሃም ደረት ዘይብሉ መዝነትን ጽልዋን ድማ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት እታ ሃገርን መንግስታዊ ቅርጻን ኣለዎ።

ኩሎም ኣባላት ካቢነት ሚኒስተራት ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ ኣይኮኑን። መብዛሕትኦም ግን ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ እዮም። ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ 150 ዝብዙሑ ኮይኑ፡ ብሰለተ መገድታት ኣብቲ መዝነት ናይ ኣባላት ባይቶ ዝመጹ እዮም።

ቀዳማይ፡ 75 ዝብዝሖም ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ፡ ኣብ ሳልሳይ ዉድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ናቕፋ ካብ 10-16 ለካቲት 1994 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ከም ናይቲ ዉድብ ኣባላት ፈጸምት ን ማእከላይ ሽማግሌ ዝተመርጹ እዮም።

ካልኣይ፡ 11 ሕዙእ-መናብር ብመልክዕ ኣዉንታዊ ኣድልዎ ንደቂ-ኣንስትዮን፡ 15 ንኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብዝተሓዝኤ ኮታ፡ ብድምር 26 ኣባላት ባይቶ ዝመጹ እዮም። ደቀንስትዮ ዝርከብኦ 19 ዝኣባላቱ ናይ .... ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካል ኣብቲ ሃገር ወሳኒ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘለዎ እዩ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ሚኒስተራት ናይ ፍትሕ፣ ቱሪዝምን ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳይን እየን። ካብቶም 75 ዝቑጽሮም ማእከላይ ኮሚቲ .... 11 ደቀነስትዮ እየን። ደቀነስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ጽፍሕታት ከም ኣማሓደርቲ ከተማ ናይ ኣውራጃ ኣመሓደርትን ተሓጋገዝትን ኢምባሲታትን ዝኣመሰለ ላዕለዋይ ስልጣን ቦታታት ሒዘን ይርከባ። ኣብ ስለያዉን ወትሃደራዉን ትካላት እዉን ከም ሞኮንናት ተመዲበን ይሰርሓ ኣለዋ። ዋላ እኳ ኣብ ዝላዓለ ጽፍሕታት ተመዲበን ይሰርሓ እንተሃለዋ ካብ ኣባታዉን ማሕበራዉን ፖሎቲካዊ ስርዓት ጸቕጥን ጭቖናን ግን ዝተናገፋ ኣይኮናን።  

ሳልሳይ፡ እቲ መዕቐኒታትን ቅድመ-ዕየራን እንታይ ምኻኑ እኳ ብንጹር ዝፍለጥ እንተዘይኮነ፡ 49 ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ ብሕርያ ፕረዝደንትን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ተሓርዮም ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ ዝኾኑ እዮም።

መንግስት ኤርትራን ኮምሽን ምንዳፍ ቕዋም ብምትሕብባር፡ 527 ተወከልት ኣብ ደገን ኣብ ዉሽጥን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ናይ ቅዋም ባይቶ ኣቒሙ። ደቀነስትዮ ኣብ ናይ ቅዋም ኮሚሽን ኣብ ዝተሳተፋሉ እዋን ፍርቂ ናይቲ ኣስታት 50 ዝቑጽሩ ኮሚቲ ኣባላት ነይረን። ኣብ ዕለት 23 ግንቦት 1997 ንቕዋም ኤርትራ ከምዝጸድቕ ድሕሪ ምግባር፡ ንፕረዝደንት ኢሰያስ ንከተግብሮ ሙሉእ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ። ቀጺሉ ብለካቲት 2001 ንድፊ ኣዋጅ ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ዉድባትን ቀጺሉ ድማ ኣብ ታሕሳስ 2001 ሕጊ ምርጫታት ጸዲቁን ተኣዉጁን እዩ። ካብዚ መርትዖኦታት ብምንቃል ንጡፍ ክግበር ኣይተደልየን ድኣ እንበር፡ መንግስት ኤርትራ መንግስታዊ ቅርጻ፡ ሕጋዉያን ሰነዳት ሃገራዊ ቅዋምን ሕግን ሕጋጋትን ዘለዎ መንግስት እዩ።

ድሕሪ 2001 ዓ.ም.ፈ ሓጋጊ ኣካላት መንግስት ኤርትራ ሕጋዊ ንጥፈታቱን መዝነቱን ደስኪሉን ለሚሱን እዩ። ካብ መወዳእታ 2001-2008 ዓ.ም.ፈ. ሓጋጊ ኣካላት መንግስት ፈጺሙ ትኣኪቡን ሕጊ ኣጽዲቁን ነጺጉን ስርሓት መንግስት ገምጊሙን ኣይፈልጥን እዩ።

ፈራዲ ኣካል መንግስት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻርን ጽልዋን ፈጻሚ ኣካል መንግስት ኮይኑ፡ ብኢደ ኣዙር ኣብ ትሕቲ ፈጻሚ ኣካል ዝማሓደር ይግባይን ጠበቃን ዘይብሉ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣሎ። ብዘይካ እዚ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝማሓደር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ዞባ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ናይ ወረዳ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ናይ ዓዲታት ኣብያተ-ፍርዲ፡ ናይ ሸርዕያን ኮማዊ ኣብያተፍርድታት ዝቖመ እዩ።

ላዕለዎት ዳያኑ ኣብያተ ፍርድታት ብፈጻሚ ኣካል ተሓርዮም ይምደቡ፡ ማእኮልትን ታሕተወትን ዳያኑ ድማ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ይምደቡ፡ ዳያኑ ኮማዊ ኣብያተፍርዲ ድማ ብህዝቢ እቲ ኮማዊ ኣካባቢ ይምረጹ፡ የግዳስ እቲ ዝካየድ ምርጫታት ብኣካላት እቲ ምምሕዳር ወይ ቀበሌ ፍጹም ዝተጸልወን ዝተገዝኤን እዩ።

ብዘይካ እቲ ቬርጌሳዉን ማሕበራዉን ኣገልግሎት ዝህብ ሚንስቲሪታት፡ ጸጥታዉን ወትሃደራዉን ምሕደራን ቅርጻን ዝርጋሔን ኣዋዳድባን ሃገር ኤርትራ ብሚስጥር ክትሓዝ  ከምዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብክልተ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት ዝተወደበ እዩ። ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነትን እዮም። ዝላዓለ ኣዛዚኦም ድማ ፕረዝደንት እታ ሃገር እዩ። ፕረስደንት እቲ ሃገር ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ጫፍ ጽፍሒ እቲ ሚኒስትሪታት ሙሉእ ኣፍልጦ ምቁጽጻርን ምትእትታዉን ኣለዎ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብዚ ዘላናዮ ወቕት ፍጹም፡ ኣብ ዞባዊ ጂኦ-ፖሎቲካን ኢደ-ኣዝዉራዊ ኪናት ተጸሚዱ ስለዘሎ፡ ንዉሽጣዊ ኩነታቱ ንምምዛንን ንምዕራይን ዘለዎ ተበግሶን ጽዓትን ኣዝዩ ድሩት እዩ። ንዉሽጣዊ ቅልዉላዋቱ ክዓብጥ ብግዳማዊ ፖሎቲካ ክሽፍን ካብ ዝህቕን ዳርጋ 8 ዓመታት ሓሊፉዎ ኣሎ። ነዚ ተግባራት እዚ ዘጣዓዕሙሉን ዝኹስኹስሉን ናይ ደገ ሓይልታት እዉን ከምዘለዉ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ሓቕታት እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ፖሎቲካዊ ስርዓት መተሃላለኺ ወይ ደጋፊ ዝኸዉን ናይ ካልኦት ሃገራት ፖሎቲካዊ ስርዓታትን ፖሊስታትን እንተዘይረኺቡ ንበይኒ ክገጥምን ክጋጮን ክትሃላለኽ ኣብ ዘይተደልየ ዘይቀጥታዊ ኪናት ክኣቱ ኣይክእልን እዩ። ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ (ወያኔ) መሻርኽቱን ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክቕይሩ፡ ስግሩ ድማ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ዓለምለኻዊ እምባሮጣርያዊ ረብሓ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቓ እተራጋግጽ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መልክዓት ክትጽመድ ዝሕለንን ንእኡ ንምርግጋጽ ስለዝናጣጠፉ፡ ስርዓት ኣስመራ እዉን ንኹሉ ዉጥናቶም ንምቑጻይን ንምብርዓንን ስግሩ ስርዓቶም ክቕይር ዘለዎ ባህግታትን ንጥፈታትን ኣዝዩ ልዑል እዩ። ኣብ ከምዚ ደፋእን ስሓብን ሮቛሒታት ዘለዎ ናይ ዓለምለኻዉን ዞናናን ፖሎቲካዊ ጽምዶ ይርከብ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ህዝቡን ሰራዊቱን ዳርጋ ፍጹም ተባታቲኹ እዩ። ሓደ ፖሎቲካዊ ስርዓት ካብ ህዝቡን ሰራዊቱን ክንጸልን ክባታተኽን እንኮሎ፡ ልክዕ ከምዚ ዝኾነ ፈሳሲ ኣብ ዘእተኻዮ ዝተፈላለየ ቕርጽ ዘለዎ ኣግእዞ ናቱ ናይቲ ዝኣተዎ ኣግእዞ ቕርጽ ዝሕዝ ከምኡ ዓይነት እዩ ኮይኑ ዘሎ። ልዕሊ ኹሉ ግን ዋላ እዉን ኣብቲ ዝላዓለ ብልሒ ጫፍ ዘሎ መሪሕነት ፈጸምቲ ኣካላቱ እዉን እንተኾነ፡ ፍልልያቶም ከም ከብድን ሕቆን ኮይኑ፡ ናይ ሓሳብን ተግባርን ሓድነት የብሎምን። ኣብ ምብትታንን ሃደሽዶሽን ዝርከብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ዕምሩ ንምንዋሕ፡ ብሉዑል ንያት ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣብ ምትራር ስለያዊ ትካላቱን ፍሉይ ሓለዋ ሰራዊት መንግስቱን ዘተኮረ ጥራይ እዩ። ኩሎም ምልካዉያን ስርዓታት ክወድቑ እንተደልዮም ድማ ልክዕ ከምዛ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝገብራ ዘሎ እዮም ዝገብሩ።

ኩሎም ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሚኒስትሪታት ላዕለዎትን ማእከሎትን ስለያዉን ወትሃደራዉን ሞኮንናቱ ኣብ ፍጹም ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዉን ምራላዉን ብልሽዉናታት ስለዝተደቕደቁ ብዘይካ እቲ ጨቢጦሞ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣብ መን ዝያዳ ሃብተመ መን ዝያዳ ፖሎቲካዊ ጽልዋ ወነነ ዝሓለነ፡ ኣብ ፍጹም ዉድድራትን ቅድድምን ስለዝርከቡ፡ ቀጻሊፖሎቲካዊ ምትፍናን ህሉዉ እዩ። ስለዚ ናይ ግዝየን ቦታን ሕቶ ጥራይ እዩ እምበር ነንሕድሕዶም ክቃታተሉ እዉን ድሉዋት ምኻኖም ዘርኢ ምልክታት ኣብ ባይታ ህያዉ እዩ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሞት ናይ ፍቕረ ዝባሃል ነጋዳይን፡ ንስምኦን ገብረድንግል ንምቕታል ዝተወስደ ፈተነታት፡ ሓደ ኣንፈት ምልክታት ነቲ ኣቀዲምና ዘተንባህናዮ ክዉንነት ዝገልጽ ግብራዊ ምስክር እዩ። ኣብዚ ከም ኣብነት ዘስመርናሉ ኩነታት ላዕለዎት ወትሃደራዉን ጸጥታዉን ሞኮንናት፡ ኣቀዲሞም ተጋደልት ዝነበሩ ዝተጣየሱ ነጋዶ፡ ቬርገሳዉያን ዜጋታት ምትእትታዉን ምትእስሳራትን ዝነበሮ ናይ ምጣኔ-ሃብታዊ ቀንጠብጠባት ስርሒት እዩ። ዉሽጣዊ ምፍርራሕን ምዉድዳራት ስለዘሎ ድማ ዝቕተሉ ተቐቲሎም ዝታሓዙ ተታሒዞም ኣብ ቀይድ ምስ ኣተዉ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ጉዳይ መዕጸዉን መግለጽን ኣይተገብረሉን ዘሎ።

እዚ ክዉንነት እዚ ማዕረ ክንደይ እቲ ስርዓት ብዉሽጡ መሽሙሹ ከምዘሎ፡ ማዕረ ክንደይ ምስ ህዝቡን መንግስታዊ ትካላቱን ተባታቲኹ ከምዘሎ ብግሉጽ የርእየና። ተወሳኺ መርኣያታት ድማ ኣብ ዉሽጥ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣርካናት-ኪናት እንዳተፈጥሩ ይኸዱ ኣለዉ። መንግስትን ሕግታቱን ዘይቓጻጸሮም እንተደልዮም ክቀትሉ፡ እንተደልዮም ክሞቕሑ፡ እንተደልዮም ብብንጣስ ወረቀት ጽሕፍ ጽሕፍ ኣቢሎም ካብ ሃገራዊ ባንኪ ገንዘብ ክመዙ፡ እንተደልዮም ሰብ ካብ ዉሽጥ ሃገር ንወጻኢ ከምዝወጽእ ዝገብሩ፡ እንተደልዮም ንህዝቢ ንብረቱን ገንዘቡን ዝምንዝዑ …ወ.ዘ.ተ ሓታቲ እንተዘይብሎም፡ ናይብሓቂ ኣርካናት-ኪናት ተፈጢሮም ኣለዉ ማለት እዩ። ካብዚ ክዉንነት ዝነቀለ ሓደ ናይ ወትሃደራዊ ስርሒታት ኣዛዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ካልእ ዞባ ወትሃደራዊ ስርሒታት ኣዛዚ፡ ክትሃላለኽን ኣባላቱ ክቅየደሉን ዘዉትር እዩ ዝርኤ። ስለዚ ኣብ ዉሽጥ ሓደ ምልካዊ መንግስት ካልኦት ንኣሽቱ ናይ ምልኪ-ንኡሳን መንግስታት ብኣርካናት-ኪናት ዝዉነና እንዳተፈጥራ ዝኸዳ ዘለዋ ይመስላ።

ንምጥቅላሉ ነዚ ንኡስ-ዛዕባ’ዚ ዝኣክል፡ ኣብ ኤርትራ ሱሩ ዝተነቕለ ስርዓት፡ ብፍሑሶ-ገመድ ምጣኔ-ሃብታዊ ብልሽዉናታትን ፖሎቲካዊ ሽርሕታትን ደዉ ኢሉ ዘሎ ይመስል። ንኸምዚ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት ንምዉዳቕ ወይ ንምቕያር ድማ ቀዳምነት ነቶም ፍሑሶ-ገመድ ብልሽዉናታትን ሽርሕታትን ገቲሮምሒዞም ደዉ ኣቢሎሞ ዘለዉ ኣእዳዉ ኣርካናት-ኪናት ክብተኽ ክካኣል ኣለዎ። ምኽንያቱ ነቲ ርእሲ ተሰኪምዎ ዘሎ ማሓዉራትን ኣግማድ እንተዘይተበቲኹ፡ ነቲ ርእሲ ኣብ ትቛጻጸረሉ እዋናት እቶም ማሓዉራትን ኣግማድን ናይቲ ርእሲ ዘለዉ፡ ኣብ ትሕቲኦም ክሳብ ኣስናኑ ዝዓጠቀ ሰራዊት፡ ስልጣንን መካኒዝም ስለዘለዎም ነቲ ዝተቓጻጸርካዮ ሁግፈት-ርእሲ ብጎኒ ባዕሎም ክትክእዎ ወይ ድማ ኣብ ዘይተደልየ ሓሸዉያ ደማዉን ኣዕናዉን ኪናት ሕድሕድ ክእትዉኻ ፍጹም ተኽእሎታት ኣሎ።

ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቕያር ብማዕዶ ቀሊል መሲሉ ክርኤ ይኽእል ይኸዉን። ኣብ ኪናት ዘይዉዓለ በሊሕ ከምዝባሃል ከምዚ ጌርካ በዚ ኣቢልካ ንፍላን ኣሲርካ ንፍላን ቀቲልካ ተባሂሉ ናይ ሓሳብ ንድፊን ቅድን ስትራተጂ ክዝረብ ክሕንጸጽ ይክኣል ይኸዉን፡ ብግብሪ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ንኸምዚ ፍጾም ምልካዉን ፖሊስ-ሰራዊታዊ ስርዓት ንምቅያር፡ ከም ቀንድን ወሳንን ሮቛሒ ዘይሙእዙዙነት ህዝቢ ብናህሪ ዝተሓወሶ ቁጥዔን ስምዒትን ክንዓዓብ ኣለዎ። ናዕቢን ዘይሙእዙዙነት ህዝቢ ምስተላዕለ እቲ ስርዓት ነቲ ናዕቢ ህዝቢ ንምግታእን ንምቑጻይን ክነቕል ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ክነቕል እንተኾይኑ ብሓይሊ ፖሊስን ናይ ስለያ ትካላቱን ክገትኦ ስለዘይክእል፡ ሰራዊት እዩ ክሰድድ ሰራዊት ድማ ብቀዳምነት ንላዕለዎት ኣዘዝቱ ኣርካናት-ኪናት ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ብምእታዉ: ከም ካልኣይን ቀንዲ ንምንጭ-መራኸቢ ቡዝሓን ዝኾኑ መደበራት ሬድዮ ተለቪዝንን ተለኮምኒከሽን ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ብምታዉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ሓቤሬታ መምሪሒታት ዘማሓላልፈሉ መደበራት ክቃጻጸር ኣለዎ። ጎኒ ጎኑ ኣየር-ፖርት፡ ወደባት፡ መሕንቆ ነጥብታት ዶባት ካብን ናብን ዝኣትዉን ዝወጽእን ክቓጻጸር ኣለዎ። ብኸምዚ ቕድመ-ተከታላዊ ዕማማት ብምትግባር፡ ምስ ህዝቡ ደዉ ብምባል ንጸጥታን ምርግጋእን ናይታ ሃገር ካብ ምቑጽጻሩ ወጻኢ ንከይከዉን ብዕትበት ክሰርሓሉ ኣለዎ። ነዚ ብግብሪ ንምትግባሩን ንምዉህሃዱን ናይ መሪሕነት ሕቶ ወሳኒ ብምኻኑ፡ ዝተዋደደ ፖሎቲካዊ ስነሓሳብ ዝዓጠቀ፡ ፖሎቲካዊ ዕላምኡ ዝፈልጥ፡ ብ(ብቕዓት) ብቕዓት ብሰነ-ምግባር ብዝስፈር ዝትሕዝትኡ፡ ክእለትን ከዋሃህድን ከመርሕን ዝኽእል፡ ኣዝዩ ዉፉይን ተዓጻጻፊ መርሒነት ከድሊ ምኻኑ እዉን ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ነዚ ስርዓት’ዚ ንምቅያሩ ዝድለ እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ብፖሎቲካዊ ንቕሓቱ ንምሕያሉ ከም ቀንዲ ዕማም ክስራሓሉ ዘለዎ  እዩ።

 

3.ምጣኔ-ሃብታዊ ኩዉንነት ኣብ ኤርትራ፡

 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 50 ድኻታት ሃገራት ዓለምና እያ። እኹል ማሕበራዊ ጸጋታትን ባህርያዊ ሃብትን እኳ እንተሃለዋ፡ ንማሕበራዊ ጸጋታታ ንምዕቃብ፡ ካብዘለቶ ደረጃ ንዝላዓለ ክብ ንምባል፡ ንባህርያዊ ጸጋታት መሬታ ንምልማዕን፡ ካብ ከርሲ ሓመዳ ማዓድናት ንምጉሕጓሕ፡ ንጽዓት ዘገልግሉ ባህርያዊ ጋዝን ነዳድን ምንዳይ ንተኽእሎታት ረቐቕት ዝገብርዎም፡ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ዓበይቲ ግዳማዉን ዉሽጣዉን ብድሆታት ከምዘሎዋ ሩድኡ እዩ። ከም መቀጸልታ ዓለምለኻዊ ሕጋዉነቱ ዝተራጋገጸ ዉጽኢት ሪፈረንደም፡ ኤርትራ ወግዓዊ ሃገራዊ ናጽነታን ልዕላዉነታን ኣብ 24 ግንቦት 1993 ምስ ኣወጀት፡ መንግስት ኤርትራ መጀመርታ ኣብ ኤርትራ ከራጋግጾ ዝግብኦ መሰረታዊ ሕቶ ነይሩ። ንሱ ድማ ሙሉእ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ልዑላዉነትን ናጽነትን ሓርነትን እዩ። ኤርትራ ናጻን ልዕላዊትን ሃገር ተባሂላ እኳ እንተተኣወጀ ብግብሪ ግን ፖሎቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ልዕላዉነታዉን ጥብቖነት ምስ ኢትዮጵያ ስለዝነበራ፡ ናጻን ሓራን ዝኾነ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊስን ዉሳኔን ኣብ ኣስመራ ኬንካ በይንኣዊ ክዉሰን ፈጺሙ ዝክኣል ኣይነበረን። ከምኡ ስለዝነበረ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቕታት፡ ኩሉ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝሕንጸጽን ዝዉሰንን ፖሊሲታት ካብ መንግስት ኢትዮጵያ ናይ ይሕለፍ ቀጠልያ መብራህቲ ክዉላዓሉ ኣለዎ ወይ ድማ ኣብ ሳሓቦ-ጋቱቶ ግርጭታት ንክእቶ ዝስሕብ ህሞት ጥራይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ግዳማዊ ጸቕጥታት እዚ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣቀዲሙ ዝተዋደደ ትሑዝ ምጣኔ-ሃብታዊ ዉጥናትን መደባትን ብደረጃ ሃገር ስለዘይነበሮ፡ ንመጀመርታ ግዝየ ኣብ 1994 ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ ኣማዕቢሉ፡ ኣጽዲቁን ኣዊጁን እዩ። እዚ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜላ ክዉጠን ክእወጅን እንኮሎ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጥብቖነት፡ መሰረታዉያን ቡኹረታት ትካላትን ካልኦት መሰረታዉያን-ነገራትን ኣብቲ ሃገርን መንግስትን ኣብ ዝነበሩሉ እዋናት ዝተገብረ እዩ። ካብኣቶም ገለ መሰረታዉያን ቡኹረታት ከም ኣብነታት ንምጥቃስ፡-

1. መንግስት ኤርትራ ዝማሓደረሉ ዝተነጸረ ፖሎቲካዊ-ምጣኔሃብቲ ኣይዶሎጅን ፖሊሲ ኣይነበሮን። ዝተነጸረ ፖሎቲካዊ-ምጣኔሃብቲ ኣይዶሎጅን ፖሊስን ካይሃለወካ ድማ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊስን ዉጥን ክሕንጸጽ ኣይካኣልን እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ግብራዉነቱ ኣጸጋሚ ክኸዉን እዩ። ምኽንያቱ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊሲታትካ፡ ነጸብራቕ ፖሎቲካዊ-ምጣኔሃብቲ ኣይዶሎጅን ፖሊሲታትካ እዮም። ብኣንጻሩ ድማ ፖሎቲካዎ ፖሊሲታትካ ነጸብራቕ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊሲታትካ ስለዝኾኑ፡ ሓደ ብዘይ መወከስታ እቲ ካልኣይ ክሰርሕ ዝኽእል ስለዘይኾነ እዩ። እንተሰርሔ ድማ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና መእሰሪ-ማእዶ ዘይብሉ  ዝኸዉን እዩ።

2. ጠገለ ዘለዎ መንቀሊ ዝኸዉን መሰረት መንግስታዉን ህዝባዉን ትካላት: ጠገለ ዘለዎ መንቀሊ ዝኸዉን መሰረት ኣካላዉን ማሕበራዉን ትሕተ-ቕርጻብዓይነትን ዓቀንን ብቕዓት ሰብኣዊ ዓቕምታት፡ ቕርጡዉን ስሉጥን ኣዋዳድባን ኣሳራርሓን መንግስታዊ መዋቕራት፡…ወ.ዘ.ተ ኣይነበረን።

3. ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገርን ሓድሽ መንግስትን ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ስለዘይነበራ: ንፖሊሲ ምሕደራ ገንዘብ {monetary policy} ን ምቁጽጻር ወጻኢታቱን፡ መጠነ-ቀረጽ፡ መጠነ-ወለድ…ወ.ዘ.ተ ፖሊሲ {fiscal policy} ዘማዓራርየሉ፡ ኣብ ምጣኔ-ሃብቲ መላእ ሃገር ብኣድማዒ ከተግብር ስለዘይክእል፡ ቡኽረት ትግባሬ ናይዞም ክልተ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊሲታት ህያዉ እዩ ነይሩ። እዞም ክልተ ፖሊሲታት ዘይብሉ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜላን ዉጥንን ፈጺሙ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ እኳ እንተዘይተባህለ ንሱ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ሓድግታት ኣብ ምምዕባል ምቁጽጻርን ምጣኔ-ሃብቲ እታ ሃገር ዓቢ ሓደጋታት ዘለዎ እዩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ገለ ቁንጹባት መሳጋገሪ-ሕግታት ፍራንኮ ቨሉታን መጠን ወለድ ባንክ…ወ.ዘ.ተ እኳ እንተኣታተወ፡ ብመሰረቱ ባጤራ ኢትዮጵያ ንጥቀም ስለዝነበርና ከም ፖሊሲታት ኣድማዒ ኮይኑ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ ።

4. መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ኣብ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜልኡ ናጻ ዕዳጋ ኢሉ እኳ እንተወጠነን እንተኣወጀን፡ ነቲ ናጻ ዕዳጋ ከሰርሖ ዝኽእል ዋሕዚ ገንዘብ ንተለቃሕትን ኣብ ንግዲ ዝናጣጠፉ ዜጋታት ኣይነበሮን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዉሽጥ እቲ ሃገር እኹል ዑደተ ገንዘብን ኣዝዩም ንዑባት ንኣሽቱ ነጋዶ ዓንዲ ሕቆ ምጣኔ-ሃብት ናጻ ዕዳጋን ስለዝይነበሩ፡ እቲ ናጻ-ዕዳጋ ዝባሃል ኣዋጅን ዉጥንን ኣፋዊ ጥራይ እዩ ነይሩ ክባሃል ይክኣል።  ልዕሊ ኹሉ ግን ንናጻ ዕዳጋ ኣዉፈርት ዉሕስነት ዝኸዉን ትካላዊ ኣሳራርሓን ንነዊሕ እዋናት ከዉሕስ ዝኽእል ቀዋምነት ዘለዉ ሕግን ሕጋታትን ምጣኔ-ሃብታዊ ንጥፈት ስለዘይነበረ፡ ዓበይቲን ንኣሽቱን ናይ ዉሽጥን ግዳምን ኣዉፈርት ዓቢ ወፍርታት ከካይዱ ኣየታባብዔን። እዚ ክዉንነት እዚ ነቲ ብሕታዊ-ምጣኔ-ሃብታዊ ጽላት ኤርትራ ብምዱርቃስ፡ ብኣንጻሩ ብመንግስታዉ ምጣኔ-ሃብታዊ ስርርዕ {parastatal institutions} ከም ዝዕብለል ገይሩዎ።

5. መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ኣብ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜልኡ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረት ዝበዝሔ ህዝብና ዝናባበረሉ ዝናጣጠፈሉን ሕርሻን ምርባሕ እንስሳታት ዝሙርኮስ፡ እሞ ንእንዱስትሪያዊ ሕርሻ ዝደፍእ፡ ዝላዓለ ሓይሉ ኣብ ትኪ ዘይብሉ እንዱስትሪ ከም ቱሪዝምን ንግድን ስለዘተኮረ፡ ሰደድ ኮይኖም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምጹ ዝኽእሉ እስትራተጂካዊያን ኣእኻል፡ ሃለኽትን ጥረነገራት ካልኦት ቀረባት ኣብ ዉሽጥ ሃገር ከፍሪ ኣይክኣለን። ልዕሊ ኹሉ ግን ብቀዳምነት ክስራሓሉ ዝግባእ ካብ 1992-2001 ዓ.ም.ፍ ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ  ዝስተ ጹሩይ ማይ ምህናጽ ኣካላዉን ማሕበራዉን ቅርጻታት ከንሱ ኣይተሰርሓሉን። እዞም ኣቀዲሞም ዝተጣሕመሱ ገዘፍት ዉሽጣዊ ቡኽረታትን፡ ቀጺሉ ኤርትራ ኣብ 1997 ዓ.ም.ፈ. ናይገዛእ ርእሳ ባጤራ ምስወነነት፡ ፍጹም ምንጋፋ ብምጣኔ-ሃብታዊ ትሕዝቶታትን ፖሊሲታትን ዝመንቀሊኡ ገለ ፍልልያት ናይ ጸጥታ ስትራተጂ ምስ መንግስት ኢትዮጵያ ስለዝተጋህደ፡ ከም ሳዕቤኑ ነቲ ብዶብ ተሳቢቡ ካብ 1998-2000 ዓ.ም.ፍ ዝተኻየደ ኪናት ኮስኪሱዎ እዩ። ከም ዉጽኢት እዚ ኪናት እዚ ድማ ንምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ዕብየት ሃገር ኤርትራ ከቢድ ማህሰይቲ ፈጢሮሙሉ እዮም።

ኪናት ብማዕረ ነተን ክልተ ዝዋግኣ ሃገራት ንድሕሪት ዝመልስን ዝሃስን እኳ እንተኾነ፡ ዛዕባና ግን ንኤርትራ ዝመልከተ ስለዝኾነ ኣቶኩረና ናብኡ ከድህብ እዩ። ስለምንታይ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኪናት ምእታዋ  ንምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ዕብየት ኤርትራ ሃስዩዎ? ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ዝስዕብ ሕጽር ዝበለ ኣጋባብ ክግለጽ ይክኣል እዩ።

1. መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንምጣኔ-ሃብታዊ መደባቱ ከም ቀንዲ መንዓዓቢ ዝወሰደን ሃገራት፡ ንሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳን እየን ዝነበራ። ኣብዘን ክልተ ሃገራት ዝተፈላለየ ገንዘባዉን ጉልበታዉን ወፍርታት ብምግባር ኣብዚኣተን ሃገራት ዝርከብ ስትራተጂካዊ ሃለኽትን ጥረ-ነገራት ቀረባትን ኣገልግሎት ብመገዲ ትካላት መንግስት፡ ተራ-ነጋዶ ን ተራድኣዊ ነጋዶ እንዳዓደገ ንዕዳጋትት ዓለም ብምቕራብ፡ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረኽበሉ ባይታ ምፍጣር እዩ ነይሩ። ካብቶም ስትራተጂካዊ ሃለኽትን ጥረ-ነገራት ቀረባትን ንምጥቃስ፡ ወርቂ፡ ጡጥ፡ ስምስም፡ ቡን፡ ዒንዲዳ ወይ ጻዕዳ-ቀንጠብ (gum acacia)፡…ወ.ዘ.ተ ነይሮም። ከም ሓሳብን ተግባራትን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝሓሰቦ ክትርእዮ ኣብ ዝድልየሉ እዋናት፡ ከምሓሳብን ተግባርን ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምን ጃምላዊ ሃገራዊ ምጣኒ-ሃብታዊ ዕብየት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ ዝታሓተ ሑሉም መንቕሎ ንዝላዓለ ጥርዚ ተወንጪፉ እዩ። ጎኒጎኒ እዚ ግዳማዊ ወፍርታትን ንጥፈታትን ከዕቕቦምን ክጸሮምን ዝኽእል ግብራዊ ዉሽጣዊ ፖሎቲካዉን ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ፡ ምህናጽ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት፡ መትንታት ምጣኔ-ሃብቲ፡ ኣካላዉን ማሕበራዉን ቅርጻታት…ወ.ዘ.ተ ስለ ዘይነበረን ዘይተኻየደ ግን ምብታኽ ዝምድናታት ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጓህዲ ምስ ኮነ እቲ ብ7.4 ዝዓበየ ጃምላዊ ሃገራዊ ምጣኒ-ሃብታዊ ዕብየት ኤርትራ ብቕጽበት ንትሕቲ ዚሮ ኣሉታ ኣንቆልቂሉ እዩ።   

 

2. ንኣስታት 75 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ደገ ዝኣትዉዎ መሳሪሒታት ንዋት ጥረ-ነገራት፡ ቀረባት፡…ወ.ዘ.ተ ብወደባት ዓሰብን ምጽዋዕ እዩ ነይሩ። ብዓቢኡ እዚ ክልተ ወደባት እዚ መዓልታዊ ኣብ ንጡፍ ስራሓትን ኣገልግሎት ስለዝነበረ፡ ብዉሑዱ ኣስታት 30000 ቀወምትን ግዝያዉያን ሰራሕተኛታት ነብሶምን ስድራቤታቶምን ዝጥዉሩሉ ምንጭ-ዕዮን ዓስብታቱን እዩ ዝነበረ። ብተወሳኺ ብዘይካ ነተን ኣብ ወደባት ተጸጊዔን ዘራግፋ መራክብ-ባሕሪ ዝቕረጽ ቀረጽን ዝዉሃብ ኣገልግሎት ካብኡ ዝርከብ ኣታዊታት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገንዘብ ሓዲካ፡ ካብ መንግስት ኢትዮጵያ ዓመታዊ ቀጥታዉን ዘይቐጥታዉን እቶት {revenue} ኣስታት $100 ሚልዮን ዶላር፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎት (port-fees) ኣስታት $42 ሚልዮን ዶላር፡ ናይ መጻረይ-ነዳዲ ብግንዖ-ጻማ ናይ ዝተጸራየ ነዳዲ 1/5 (መሓመስ) ብጽሒት-ብርኪ ንኤርትራ ኣስታት $20 ሚልዮን ዶላር፡ ብድምር ዓመታዊ .መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ ካብ መንግስት ኢትዮጽያ ኣስታት $162 ሚልዮን ዶላር ጹሩይ ኣታዊ ነይርዎ።

3. መብዛሕትኦም ኣብ ኤርትራ ዝፈርዩ ዝነበሩ ሙሱርሓት ንዋትን ቀረባትን ዕዳግኦም ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡሳን-መሳንዕ ዝፈረዩ ቀረባት 69% ንኢትዮጵያ ይኸዱ ነይሮም። ካብዞም ንኢትዮጵያ ከይዶም ዝሽየጡ ዝነበሩ መስንዓዊ-ፍርያት ወይ ምህርትታት ዓመታዊ ካብ $37 – $ 43 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ ይርከብ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዘድልዩ ቀረባት ከም ጣፍ፡ ዕፉን፡ ዓተር፡ ጉፍሮ በርበረ፡ ወርወር ቀላሚጦሳት…ወ.ዘ.ተ ብብር ተዓዲጎም ይኣትዉ ብምንባሮም ኣዝዮም ሑሱራት-ቀረባት ነይሮም። ልዕሊ ኹሉ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ጠለብን ቀረብን ዝነበረ ዓንኬል ጋግ ብዝሓጸረ ግዝያትን ዝዉሓደ ገንዘብን ናይ ምዕባስ ርጉጽ ተኽእሎ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ኤርትራ ምርግጋእ ናይ ቀረብን ጠለብን ዕዳጋ ነይሩ ክባሃል ይክኣል። ነዚ ብመርትዖ ኣሃዛዊ-ጸብጻብ ንምስናዩ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡-

 

 

ካብ 1993-1997 ዝተኻየደ ንግዲ ኤርትራዉያን ምስ ኢትዮጵያ ብብር

 

ዓመተ-ንግዲ    ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራዝኣተወ  ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝተሰደ    ሚዛናዊ-ገምጋም

1993            63,968,197                123,579,747                       59,611,550

1994            90,796,808                181,491,011                       90,694,203

1995           146,820,200                259,700,000                      112,880,000

1996           261,781,354                273,400,000                       11,618,646

1997           274,600,000                218,200,000                       -56,400,000

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስናዮ ክዉንነት ስለዝነበረ፡ ጃምላዊ ሃገራዊ ምጣኒ-ሃብታዊ ዕብየት ኤርትራ {GDP} ካብ 1993-1997 ዓ.ም.ፈ ብ7.4% ክብ ኢሉ ከብቕዕ እቲ ኩናት ኣብ ዝጀመረሉ ወቕት ግን ንትሕቲ 0% ለጠቕ ዝበለ። ቀጺሉ እዚ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ኣይሰላም ኣይኩናት ዘስዓቦ፡ ዳርጋ ኤርትራ መጠን ምጣኔ-ሃብታዊ ዕብየት ካብ 2000-2008 ዓ.ም.ፈ ዘሎ ግዝያት ካብ 2.5% ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ፍሕት ክብል ኣይክኣለን ዘሎ። ብኩሉ እንትንኣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወደቃ ሃገራት (Failed States) ዓለምና እያ። ነዚ መዐቀኒ ዝኾነ ኣብ ርእሲ እቲ ኣቀዲመ ዝጣሕመስናዮ ሮቛሒታትን ዉጽኢቱ ድማ 66% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ድኻ እዩ፡ 37% ድማ በተኽ ወይ ብትምታ-ጥሜት ዝተጠቕዔ ህዝቢ ምኻኑ እዩ። ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ እቲ ዝዋሓደ ደሞዝ 360 ናቕፋ ንወርሒ እዩ። እዚ ግን ንመነባብሮ ናይ ሓደ ሰራሕተኛን ስድራ ቤትን ክዓብስ ዝኽእል ደሞዝ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ቦታታት ዝሰርሑ ሰባት፣ ካብቲ ዝወሓደ ደሞዝ ንታሕቲ ይኽፈሉ ኣስታት 150 ናቕፋ ንወርሒ ከም ናይ ጅባ-ጉንዖ መሐሸሺ  ይኽፈሉ። ማእከላይ እትዋት ወርሓዊ ዶሞዝ 680 ናቕፋ ክኸዉን እንኮሎ፡ እቲ ዝላዓለ ድማ 4000-5000 ናቕፋ ዝበጽሕ እዩ።

እዚ ነቲ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ንምግላጽ ዝዓለመ ድኣ እንበር፡ ኤርትራ ብዘይ ጥብቖነት ኢትዮጵያን ብዘይ ዕዳጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ክትነብር ወይ ክትምዕብል ኣይትኽእልን እያ ማለትና እዉን ፍጹም ኣይኮነን። ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ወይ ክትግበር ዝዋደድ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ ካብ ጥብቆነትን ቀንዲ ጽሙድ ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምኻን ዝተናገፈ፡ ብፍላይ ንኢትዮጵያዉያን ግን ንኣብ ኣፍደጋዊ-ባሕሪ ኣገልግሎትን ንግዲ ዝስሕብን ዘታባብዕን ፖሊሲታት ክኸዉን ኣለዎ። ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዘዋጽኣ ሩኡይ ረብሓ ኣለዋ። ብኣንጻሩ ድማ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዘዋጽኣ ሩኡይ ረብሓ ስለዘለዋ፡ ረብሓታት ክልቲኡ ሃገራት ሚዛናዊ ኮይኑ ዝሕሉ ኣብ ዞባዉን ዓለምለኻዊ-ዓዉለማ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ ዝተመስረተ ክኸዉን ከም ዘለዎ ክንጥቁም ንደፍር።

መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንኣካላዉን ማሕበራዉን ትሕተ-ቅርጻ ምህናጽ፡ ንዉሕስነት መግቢ ምርግጋጽ፡ ንመትንታት ምጣኔ-ሃብቲ ዝኾኑ መሬታዊ ትሕተ-ቕርጻ ንምንጻፍን ምድዃን፡ ናይ መራኸቢታት ቀዋምን ተንቀሳቀስን ቴለፎናት ኢንቴርነት ትሕተ-ቅርጻ ምስፋሕን ምህናጽ፡ ሕርሻዊ-ኢንዱስትሪ {agro-industry}…ወ.ዘ.ተ ምህናጽ ከም መደብ ኣቀዲሙ ካብ 1995 እኳ እንተተወጠነ፡ ብምኽንያት ጥብቖነት ዝይሓራን ዘይርጡብ ፖሎቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሊሲታቱን ተረኽቦ ኪናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2001 ዓ.ም.ፈ ብንጡፍ መልክዓቱ ጀሚርዎ። ክጅምሮ እንኮሎ ድማ ዳግም ብሓደገኛ ፖሊሲን ዉሳኔን ጀሚርዎ። ንሰብኣዊ ዓቕሚ ጉልበት ሰብ ንከብዱ እንዳቀለብካ ጉዱድ-ዕዮ ዜጋታት ብምጥቃም ዓበይቲ ንትዓዛቢ ክምስጡ ዝኽእሉ መደባት ከተግብር መታን ንሃገራዊ ኣገልግለቱ ዝወድኤ ዜጋ ክቕጽል፡ ንዘይኣገልገለ ድማ እንዳገፈፈ ብሓይሊ ኣብ መዓስከራት ሳዋ ዊዓን ኪሎማን ወሲዱ ክዕልምን ዋላ ናይ ካልኣይ ደረጃ መፈጸምታ ዓመት ኣብ ሳዋ ከምዝኸዉን ገበረ።

ብከምዚ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ፖሊሲ ብምጥቃም ድማ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ማሕበራዊ፡ ኣካላዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ባህላዊ፡ ወትሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ መራኸቢታትን ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝህብ ትካላት ኣስታት 500,000 ዝግመት ዓቕሚ ጉልበት ሰብ ብምዉፋር ነዞም ቀጺልና ንገልጾም ዕማማት ክዓምም ኪኢሉ ኣሎ። መታን ጽቡቕ ኣፍሉጦን ስእልን መታን ክህልወና፡ ካብቶም ዓበይቲ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ዝተዓሙ ዕማማት ብመልክዕ መግለጽን ኣሃዛዊ ጸብጻብ ክንገልጾም ክንፍትን ኢና።

 

1. ሙዕማቕን ምስፋሕ ወደብ ምጽዋዕ ናጻ ናይ ዕዳጋ ዞና ምኽላልን፡ ምሕዳስ ወደብ ዓሰብ።

2. ምስራሕን ምስፋሕን ዓለምለኻዊ መዕልቦ-ነፈርት ምጽዋዕን ዓሰብ። ምስራሕ መዕልቦ ነፈርቲ ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ናቕፋን ሳዋን።

3. ምህናጽ ንኡስ-መሳንዕ {cottage-industry} መመስርሒ መህነጺ ህንጻ ጥረ-ነገራት ኣብ ጊንዳዕ ዊዓ ገደም ሕርጊጎ ኣብ ሰምሃር ፡ መመስርሒ ፍርያት ሕርሻን ሽኮር፡ መመስርሒ ባናናን ጸብሒ-ኣቡንን ኣብ ኣለቡ…ወ.ዘ.ተ ኣብ ባርካ ተተኺሉ ኣሎ።

4. ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ናጻ ክትወጽእ እንኮላ ብድምር ናይ መባእታ፡ ማእከላይ ደረጃ፡ ካልኣይ ደረጃ፡ 1 ናይ ተግባረ ኢድ ብ.4 {Point4} ትስመ ዝነበረት 1 ብኣስመራ ዩኒቨርስትይ ትስመ ዝነበረትን ዘላን ብድምር 534 ኣብያተ-ትምህርትታት ነይረን። ሕጂ ግን ዋላ እኳ ኣስመራ ዩኒቨርስትይ ደስኪላ ትሃሉ፡ ብድምር 1548 ኣብያተ-ትምህርትታት ካብዚኣን 7 ኮሎጃትን 2 ናይ ተግባረ ኢድ ኣብያተ-ትምህርት 1 ናይ መማህራን መሰልጠኒ ኢንስትቱት…ወ.ዘ.ተ ይርከብኣን።

5. ኣብ ክንክን ጥዕና ብዝምልከት: ኣብ ኤርትራ ዓበይቲ ማእኮሎት ንኣሽቱን 190 ዝግመታ ክሊኒካትን ናይ ጥዕና ማእከላት ኣለዋ፡ ካብዚኣተን 13 ሓደስት ሆስፒታላት፡ 19 ናይ ጥዕና ማእከላት {health centers}: 112 ናይ ጥዕና መደበራት {health stations} ተሰሪሔን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከባ። ከምኡ እዉን ነርስታት፡ ናይ ጥዕና ሞኮንናት ን ሓካይም ዝማሃሩሉ ኮለጅ ጥዕና ስነፍልጠት ኣብ ሆስፒታል ኣሮታ ኣስመራ ተኸፊቱ ተማሃሮ የሰልጥን ኣሎ። ዉጽኢት ናይቲ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝተኻየደ ኣብ ዝስዕብ ቀሌቤት መርበብ ሓቤሬታ ክንበብ ይክኣል ፡-http://www.unicef.org/wcaro/soac08/profiles/3_eritrea.php

6. ናይ መሬት ትሕተ ቅርጻ (ጽርግያታት) ብዝምልከት፡ ብዘይከ ዝተሓደሱ ቢንቶታት 15 ዓበይቲ ቢንቶታት ተሰሪሖም ኣለዉ። 527 ኪ.ሜ ዝንዉሓቱ ብቕጥራን ዝተለበጠ ጽርግያ፡ 683 ኪ.ሜ ዝንዉሓቱ ብሙሩጽ ሓመድ ዝተደግደገ ጽርግያ፡ 1471 ኪ.ሜ ዝንዉሓቱ ንኡስ-ኣገልግሎት ዝህብ ጽርግያታት ተሰሪሑ ኣሎ። ካብዚ ዝነቀለ ንመጓዓዓዚ ብዝምልከት፡ ኣብ ኤርትራ ኣስታት 156 መስመራት መጓዓዓዚ {route} ብዘይካ ናይ ዉሽጢ ከተማታት ኣገልግሎት ታክስታት ኣሎ።

7. ንሕርሻን ዝስተ ጹሩይ ማይ ንምዉሓስ ብዝምልከት፡ ኣስታት 578,000 ሄክተር ዝስፍሓቱ መሬት ንክሕረስ ድሉዉ ዝኾነ መሬት ኣሎ። ካብዚ 49,200 ሄክተር ዝስፍሓቱ ኣዝዩ ስቡሕ መሬት ኮይኑ፡ ንስትራተጂካዊ ዘራእቲ ዘገልግል እዩ። ዝተፈላለዩ ንዉሓትን ዕሙቀትን ዘለዎም መስኖታት እዉን ተዘርጊሖም ኣለዉ። ኣብ መላእ ኤርትራ ኣስታት 1032 ሓደስት ዒላታት ንዝስተ ማይ ተኻዒተን ኣለዋ፡ ኣስታት 238 ዓበይቲ ማእኮሎት ንኣሽቱ ዲጋታት ተገዲበን ተሃኒጸን ኣለዋ፡ ኣስታት 324 ራህያታት እዉን ተዶኪነን ኣለዋ።

8. ንመራኸቢታትን ኣገልግሎት ፖስጣ ብዝምልከት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እቲ ኣቀዲሙ ዝነበረ ናይ መስመር ስልኪ ተለፎን ሰኪዔት ሕጂ ድማ ኣገልግሎት ተንቀሳቃሲ ተለፎን ተጀሚሩ ኣሎ። ክልቲኡ ኣገልግሎታት ቴለፎን እንዳዓበየን ተገልገልትን እንዳበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ኣገልግሎት ኢንተርነት እዉን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ተዘርጊሑ ኣሎ። 6 ቀረብት ምንጭ ኢንተርነት {internet service providers} 87 ዉሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ካፈታት ኣላዋ። ኣገልግሎት ፖስጣ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ስሉጥን ጽፉፉን እዩ ጸኒሑ: ሕጂ ግን ይግስርጥ ኣሎ። ኣገልግሎት ፖስጣ ዝህባ 73 ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብያተጽሕፈታትን ንቑጣታትን ኣለዋ።

9. ንጽዓት ኤለክትሪክ ብዝምልከት፡ ንጽዓት ሮቒሕና ክንዝት ኣብ እንጅመረሉ እዋናት፡ ንነዳድን ካልኦት መመንጨዊ ጽዓት ንዋት ዘጣቃለለ ከምዝኾነ ኣቀዲምና ክንግንዘቦ ዝግባና ጉዳይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ መጠነ ዉሑዱን ንኡሱን ዝኾነ ናይ ንፋስ መመንጨዊ ጽዓት ኣብ ደንካልያን፡ ናይ ጽሓይ መመንጨዊ ጽዓት {photovoltaic power systems }ድማ ኣብ ገለ ዓድታት ከበስን ካልኦት ቦታታት ይዝዉተር እኳ እንተኾነ፡ ጽፍሒ ተጠቃምነቱ ዓቀኑን ዓይነቱን ኣዝዩ ዱሩትን ኣብ ፈተናታት ዝርከብ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝዉትር መመንጨዊ ኤለክትሪክ ጽዓት ናፍታ ዘቃጽላ ንኣሽቱ ማእኮሎትን ዓበይቲ ናይ ሞቶር ጀነሬተራት እየን። ኣገልግሎት ጽዓት ኤለክትሪክ ኣብ ኤርትራ መብዛሕትኡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ሓዉሲ ከተማታትን ዝዝዉተር እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ስሕት ኢሉ ንኡሳን ጀነሬተራት ኣዝዩ ዱሩት ኣገልግሎት ንከባቢኤን ክህባ ይርኤ እዩ።

ነዚ ዘይሙዑርይን ዘይቡቑዕን ኩነታት ኣገልግሎት ጽዓት ኤለክትሪክ ንምቕያር ዕቱብ ጻዕርታት ዝካየድ እዩ ዝመስል፡ ዛጊት ግን 80% ዝግምገም ዓድታትን ህዝብ ኤርትራ ተጠቃሚ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ። ካብቲ ነዚ ጸገማት ንምፍታሕ ዝተኻየደ ጻዕርታት ካብ 1997 ዝጀመረ መደባት ንኣስመራ ቀንዲ መጋቢ ኤለክትሪካዊ ጽዓት ዝኸዉን ኣብ ሕርጊጎ ኣስታት 60MW ዘመንጩ ዓቢ ጀነሬተር ተተኺሉ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ድማ ብነፈርት ኩናት ኢትዮጵያ ተደብዲቡ ከምዝስንክል ኮይኑ ነይሩ። ቀጺሉ ከምዝጽገንን 88MW ከምዘመንጩ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ጎኒ ጎኒ እዚ ዓለማዊ ባንክ ብ$57.2 ሚልዮን ዝምዉሎ ናይ ገጠራት ኤለክትሪክ ጽዓት ፕሮጀክትታት እዉን ይኸይድ ስለዘሎ፡ ምዝርጋሕ ስልክታት ኤለክትሪክ ምትካል ዓንድታት ጸዋሪ ስልክታት ኤለክትሪክ፡ ምህናጽ መተሓላፊታትን መናሃርያን ኤለክትሪክ {transformer}  ንገጠራት ኤርትራ ኣገልግሎት መርሖ ዝኸፍት ይካየድ ኣሎ። እቲ ዛጊት ብጻዕቂ እዚ መስርሕ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ጥራይ ስለዝኾነ ሙዑሩይ ዝርጋሔ ኣለዎ ክባሃል ኣይክኣልን እዩ። እዚ ማለት ግን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ገጠራት ኤርትራ እዚ ንጥፈታት እዚ ኣይካየድን ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምህናጽ ምዕባሌ ካብ ማእከል ኤርትራ ዶ ንወሳናስን ኤርትራ ይኺድ፡ ወይስ ካብ ወሳናስን ኤርትራ ንማእከል ይመርሽ ዝብል እስትራተጂካዊ ሕቶ ብግቡኡ ዝጠመተን ዝመለሰ ኣይመስለናን።

ኤርትራ ብግምት 7000 በርሚል ነዳዲ ንመዓልቲ ከተህልኽ ስለ ትኽእል፡ ነዚ ሃልኪ ድማ መዓልታዊ ብናይ ደገ ሸርፊ ዓዲካ ንምምጽኡ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ ጽምዲ ጻዕርታት ንምፍትሑ ክካየድ ጸኒሑ ዛጊት ግን ብሰንኪ ሓደገይኛ ፖሊሲ ስርዓት ኣስመራ ከባቢናን ዑዉት ክኸዉን ኣይክኣለን ዘሎ።

 1. ምስ መንግስት ሱዳን ብምስምማዕ ብቀጥታ ናይ ነዳዲ ቀረብ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ብሽምብቖ መተሓላለፊ ነዳዲ ምድባይን ምዝርጋሕን መደባት ነይሩ፡ እዚ እዉን ዛጊት ብምኽንያት ፖሎቲካዊ ቅልዉላዋት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ስርዓታትን ከባቢን ክትግበር ኣይተካእለን ዘሎ።

 2. ኣብ ገማግም ቀላያት ቀይሕ ባሕሪ ነዳድን ባህርያዊ ጋዝን ኣለዎ ተባሂሉ ስለዝግምገም፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዒላታት ነዳዲ ንምንዳይ ምስ ናይ ግዳም ትካላት ፈተሽት ነዳዲ ብምሽራኽ ጻዕርታት ተኻይዱ እዩ። ብሕጂ እዉን ምስ ናይ ቻይና ኩባንያ ስምምዓት ተኸቲሙ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ዙላን ዒዲን ካብ 1997-2002 ዓ.ም.ፈ ድማ 3 ዒላታት ነዳዲ ንምንዳይ ተፋሒሩ ዛጊት ግን እቲ ፈተናታት ምንዳይ ዑዉት ኣይኮነን ዘሎ።

9. ንዕደናዊ ማሕጎዳ {mining industry} ብዝምልካት፡ ባህርያዊ ማዓድናትን ሃብትን ኤርትራ ከም ቀንዲ ምንጪ እቶት ኤርትራ ኮይኑ ከገልግል ከም ቀዳማይ ሕልሚን ራእይን ዝጸንሔ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ 1977 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ጨንፈር ማዓድን ብምምስራት ብኪኢላታት ስነ-ምድራዊ ቅየሳን ናይ ማዓድን ሙሁራት ብምእካብ ዝተፈላለየ መጽናዕትታት፡ ዳህሳሳትን ቅየሳታትን እንዳካየደ እዩ መጽዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ መንግስት ኤርትራ ኣቃልቡኡ ኣብ ምንዳይ ዝጉሑጓሕ ማዓድናት ኣዝዩ ልዑል ስለዝጸንሓ ዝተፈላለየ መሬታዊ ቅየሳን ፍተሻን ምስ ናይ ግዳም ዓደንት ኩባንያታት ብምሽራኽ ብንጥፈት ክሰርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ዛጊት ክዕደን ዝኽእል ቦታታትን ኤርትራ ዓዲ-ንፋስ፡ እምባደርሆ፡ ድባርዋ፡ ቢሻ፡ ኣዉጋሮ ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት ልዑል ዑዱን ማዓድናት ናሕሲ፡ ወርቂ፡ ቡሩር፡ ኒከሊ፡ ዚንጎ…ወ.ዘ.ተ ከምዘሎ ድማ ተራጋጊጹ ኣሎ። መንግስት ኤርትራ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘተኮረ፡ ዝገብሮ ዓለምለኻዊ ስምማዓትን ሽርክነትን ኣዝዩ ጥንቁቅ ኣታሓሕዛ ዘለዎ ይመስል። ምኽንያቱ፡-

 1. ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ሽርክነታዊ ብጽሒተን መብዛሕትእን ሃገራት ዋሃ እንተተባህለ 20% እዩ። መንግስት ኤርትራ ግን ዕጽፊ 40% ምስ ኩባንያ NEVSUN ተሳማሚዑ ኣሎ።

 2. ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ መዕደኒ ዝኸዉን ናይ ማሕጎዳ ትሕተ-ቕርጽታት ናይ ደገ ተኳናተርት ህንጻ ኣትዮም እዮም ዝሰርሕዎ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ናይ ዉሽጥ ሃገር ትካል ህንጻ ሰገን ነቲ ናይ ቢሻ ትሕተ-ቕርጻ ክትሰርሖ ጀሚራ ኣላ። ስለዚ ካብዘን ክልተ መሰረታዉያን ሮቓሒታት ብምንቃል፡ መንግስት ኤርትራ ካብቶም ካልኦት ጽላታት ወጀ-ሃላይ ዝሕዞምን ዘካይዶምን ንጥፈታት ኣብ ንመዕደናዊ ማሕጎዳዊ መዳይ ብዝምልከት ሩጡብ ኣጋባብ ኣካይዳ ኣለዎ ክባሃል ይክኣል።

ፕሮጀክት መዕደኒ ቢሻ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ ኮምሽን ክጅምር ትጽቢታት ኣሎ። እቲ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክዝርበሉ ዝኽእል ንእቶትን ኣጣቃቅምኡን መዓላታቱን…ወ.ዘ.ተ ብዝምልከት ብቀጥታ ምስቲ ፖሎቲካዉን ምጣኔ ሃብታዉን ፖሊሲታት ናይቲ ህሉዉ ስርዓት ስለዝታኣሳሰር ኣብ መወዳእታ እዚ ዛዕባ መዛዛሚና ከነስምረሉ ኢና።

መዛዘሚ ንምጣኔ-ሃብታዊ ክዉንነት ኤርትራ፡ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ብግስ ካይበለ ብኣብ ትሕቲ ፖሎቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ምዕብልና ምልኪ ተሞርኪሱ እዩ ዝነቀለ። ነዚ ብመርትዖታት ንምስናይ ከምዚ ዝስዕብ ይኸዉን፡

1. ኣብ ፖሎቲካዊ መዳይ፡ ንሕና ንናጽነታዊ ሰዉራ መሪሕና ስለዘዐወትና፡ ነዚ ህዝብ፡ መንግስትን ሃገርን ንመርሖ ንሕና ጥራይ ኢና! ሓሸዉየ ናይ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታትን ድሕሪ ሕጂ የሎን ብምባል ሰኸኽ ካይበሉ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ዶርጊሖሞ እዮም። ነዚ ብወግዒ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ዝተዛረቡሉ ድማ ኣብ 1992 ዓ.ም.ፈ ፕረዚደንት ኢሰያስን፡ ኣብ 1995 ዓ.ም.ፈ ድማ ሓለፊ ወዳቢ ኣካል ህ.ግ.ደ.ፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር እዮም። ካብዚ እምነትን መግለጺታትን ብምብጋስ ድማ ፍጹም ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ሃኒጾም። ሕጂ እዉን ኣብ ስነ-ኣእሙራዊ ቕኒቶምን መዓልታዊ ተግባራቶምን ናይቶም ፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጦም ዝመርሕ ዘሎዉ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ንሕና ዘይንመርሓን ዘይንዉንናን ኤርትራ ዋላ ኣብ ማዓሙቕ ቀላይ ባሕሪ ሰጢማ ትጥለቕ ዝብል ሕልና ዘለዎም ይመስሉ። ህዝቢ ይኹን ሰራዊት መላእ ሃገር ማኣዝኑ ኣጥፊኡ እንዳተባታተነ ከንሱ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝባታትን ዘሎ ፖሊሲታቶም ምምዕራይን ልጓም ጭቖንኦም ምፍካስ መመሊሶም ከኽርርዎ ይራኣዩ ኣለዉ።

2. ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ መዳይ፡ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ናይ ህንጻ ትካላት ከምባዓል ብድሆ፡ ገደም፡ ሰገን…ወ.ዘ.ተ፡ ፋብሪካታት፡ ንግዳዊ ጋራጃት ከም ባዓል ጋራጅ ዓንቦርቦብ ፡ ጋራጅ ጽርበት ሓጺን ኣዶብሓ፡ ኣምጻእን ላኣኽን ትካላት ከምባዓል ቀይሕ ባሕሪ {09}: ናይ ወጻኢ ገንዘብ መሽረፊን መሐወልን ትካላት ከም ብዓል ሂምቦል፡ መጋዓዓዚ ኣዉቶቡሳት፡ ሚኒባሳት፡ ታክስታት ከምባዓል ኩባንያታት መጓዓዝያ ገመልን ሓራትን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ንመዓልታዊ ሃላኺታት ገዛ ዝሸጣ ኣሽባሽቶታት ብስም ርትዓዊ ድካናት ዝፍለጣ፡…ወ.ዘ.ተ ብመንግስት ቆይመን ብመንግስት ዝማሓደራን ዝዉነናን ስለዝኾና፡ ኣብቲ ሃገር መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ጥራይ ዝባሓትኦ ዕዳጋን ምንቕስቃሳትን ጥራይ እዩ ዘሎ።  ዉጽኢት ናይ ከምዚ ዓይነት ንጡፍ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ድማ እዚ ዝስዕብ ሳዕቤናት የኸትል፡-

1. ምቡሕጋግን ምድካይን ማእከላይ ደርቢ እቲ ሕብረተሰብ የስዕብ። ስቡሕ ማእከላይ ደርቢ እንተዘየሎ                  ድማ ዲሞክራሲ ንምርግጋጹ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።   

2. ምድካይ መላእ ሕብረተሰብ የስዕብ፡ እቲ ኣቀዲሙ ድኻ ዝነበረ ድማ ናብ በተኽነት ይቃላዕ።

3. ንምጣኔ ሃብታዊ ብልሽዉናታት ብቁሉዕ መልክዓቱ ሕጋዉነት የልብስ።

4. ሃብትን ገንዘብን እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዉሑዳት ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ዜጋታት ይብሓት።

5. ዘይምምጥጣን ቀረብን ጠለብን የስዕብ።

6. ምጣኔ ሃብታዊ ቅልዉላዋትን ሃሚታትን የስዕብ።

7. ሕብረተሰብ ስለዝደኪ፡ ንዕዳጋ ወሪዱ ስለዘይሽምት፡ ምንቕስቃስ ገንዘብን ዕዳጋን ይልህምምን ይመክኽን። ምልህማምን ምምካኽን ዕዳጋ ድማ ንፍጹም ዉድቀት የንቆልቁል።

8. ዜጋታት ክነብሩ ስለዘጸግሞም ንክስደድን ዝተፈላለየ ነዉጽታት ኣብቲ ሃገር ንክግሃድ ይድርኽ።

9. ዜጋታት ንዓጸቦ፡ ጥምየትን ዘይተደልየ ሞትን ይቃልዑ (ብፍላይ ድማ ህጻናትን ኣረገዉያን)…ወ.ዘ.ተ።

መንግስት ንጡፍ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ዝዉንን ዘካይድን እንተኾይኑድማ እዚ ዝስዕብ ሳዕቤናት የኸትል፡-

1. መንግስት ዝበዝሓ ሰራሕተኛታት ዝዉንን ዶሞዝ ዝኸፍልን ኣብታ ሃገርን ንሱ ጥራይ እዩ። ዉሽጣዊ ኣታዊታቱ ብቀረጽ ካብ ህዝቢ ዝእክቦ፡ ኣዝዩ እንዳዉሓደ ስለዝኸይድ፡ ጃምላዊ ሃገራዊ እቶት (GDP) ስለዝሽምረር ናይ ዕዳጋ ሓርጎጽጎጻት ከጋጥሞ እንኮሎ፡ ክጻወሮ ስለዘይኽእል፡ ሓደ ሓደ ግዝያት ዶሞዝ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ክኸፍለሉ ዘይክእል ደረጃ ክወድቕ ፍጹም ተኽእሎታት ኣሎ።

2. መንግስት መላእ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ…ወ.ዘ.ተ ምሕደራ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ስለዝኾነ፡ ኣዝዩ ማእጋርን ዘይቑርጥዉን ጽዕነት ዕማማትን ዉሳኔታትን ኣብ ልዕሊኡ ስለዝጻዓን ንምቁጽጻሩ ምምሕዳሩ የጸግሞ እሞ ንሃገራዊ ሓደጋታት ከጋጥም ዝተቃልዐ ይኸዉን።

3. መንግስት ዝበዝሔ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት 80% ዝዉንን ብምኻኑ፡ ክሳራን ዉድቀትን እዘን ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ከጋጥም እንኮሎ ዉድቀቱን ክሳራ ህዝብን መንግስት እዩ ዝኸዉን። ዝወደቀን ዝኸሰረን መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላቱን ወናኒኤን መንግስትን ድማ ካብ ክሳርኡ ንምሕዋይ ቀረጻት ብምልዓልን ዘይተደልየን ዘይጉቡእን መቕጻዕትታት እንዳዘዉተረ ንህዝቢ እንዳመጸየን እንዳመዝመዘን ትንፋስ ክሰኩዕ ስለዝህቕን ካብ ኣፍ ህዝቢ ኩላሶ እንዳመንጠለ ክዕንገል ይፍትን።

4. ወትሩ-ጊዝያት ዝታሓተ ናይ ስራሕ ጽፈት፡ ዝበዝሔ ናይ ስራሕ ስዓታት ምብኻን፡ ምብኻን ልዑል ጥርዚ ሃገራዊ ሃብቲ፡ ሕጽረታት ዲስፕሊን ስራሕ…ወ.ዘ.ተ ዘለዎ መንግስትን መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ስለዝኾኑ፡ መንግስት ካብ ኣታዊታቱ ወጻኢታቱ ክበዝሕ እዩ። ካብ ኣታዊታቱ ወጻኢታቱ ዝበዝሕ መንግስት ድማ ንንብሱን ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕሚ እቲ ሃገርን ህዝብን ለኪሙ ንዉድቐቱ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስናዮ ክዉንነት እዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ህያዉ ዘሎ።

እዚ ኣብ ዓለምና ተጋሂዱ ዘሎ ምጣኔ ሃብታዊ ቅልዉላዋትን ሃምን ብቀጥታ ንምጣኔ ሃብታዊ ዓቕምታት ኤርትራ እኳ እንተዘይሃሰዮ፡ ብተዛዋዋሪ ግን ምስቲ ዘሎ ዉሽጣዊ ፖሊሲን ምጣኔ ሃብታዊ ህሞታት ተኣሳሲሩ ኣዝዩ ክሃስዮ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ዘድሊ ቀረባት ካብ ደገ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ተዓዲጉ ስለዝመጽእ እዩ። ኣብ ዓመት ዳርጋ መንግስት ኤርትራ ንዕድግታት ሃለኽትን ቀረባትን ንምዕዳግ ኣስታት $400 ሚልዮን ዶላር የድልዮ። ነዚ ገንዘብ እዚ ንምርካብ ሰደድ ክገብር ኣለዎ ወይ ድማ ካብ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ንስድራቤታቶም ዝላኣኽ ገንዘብ {remittance} ክርከብ ኣለዎ። ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ንስድራቤቱ ዝልእኾ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣስታት $300 ሚልዮን ይግመት ነይሩ። ሕጂ ግን ዓለማዊ ምጣኔሃብታዊ ቅልዉላዋት ኣጋጢሙ ስለዘሎ እዚ ዝስደድ ዝነበረ ገንዘብ ክንኪ ምኻኑ ዘየጣራጥር ሓቕታት እዩ። ከም ሳዕቤኑ ሕጽረታት ቀረብን ጠለብን፡ ሕጽረታት ዑደተ ገንዘብ…ወ.ዘ.ተ ክጋሃድ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ድማ ምጣኔ ሃብታዊ ዘይሩጉእነትን ናህሪ ዘለዎ ሓርጎጽጎጻት ዕዳጋ ከስዕብ እዩ።

ነፍስ-ወከፍ ክዝንግዖ ዘይብሉ ጭቡጥ ሓቕታት ኣሎ። ንሱ ድማ ንጡፍ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ን መንግስታዊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲታት መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ከትግብር ክዉስን እንኮሎ፡ ብሃዉሪ ትም ኢሉም ወይ ጽቡቕ መሲልዎ ከም ምርጫ ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉ ዘይምኻኑ እዩ። እንታይ ድኣ ከም ቀዳማይ ዕላማ ሃብታም መንግስት ንምፍጣር ዝሃቀነ እዩ። ሃብታም መንግስትን ፍጹም ዓብላልነት ምጣኔ-ሃብታዊ ስልጣን ምህላዉ ከም ሳዕቤኑ ፍጹም ፖሎቲካዊ ስልጣን ስለዝኾነ፡ ንኹሉ ስልጣናት ዓትዒቶም ክሕዝዎ ስለ ዝወሰኑ እዮም። ካብዚ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ን መንግስታዊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲታት፡ ዝረብሕ ዜጋ እንተሃሊዩ ድማ ጥራይ እቶም ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ናይቲ ስርዓት ዘለዉ ሰብ መዝታትን፡ ናቶም ኣገልገልቲ ዝኾኑ ኣብ ማእከላይን ታሕተዋይን ጽፍሕታት እቲ መንግስት ዝርከቡ ዉልቀሰባትን ነጋዶ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ጥራይ እዮም።

ኣቀዲምና ኣብ ላዕሊ ከም ዝጣሕመስክዎ ብናጻ ጉልበት ዜጋታት ወይ ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ኣዝዮም ዓበይቲ ኣካላዉን ማሕበራዉን ትሕተ-ቅርጻታት እኳ እንተተሃንጹ፡ እዞም ትሕተ-ቅርጻታት ኣብ ክንዲ ኣብ ምልዓል ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምልዓል ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕሚ ሕብረተሰብ፡…ወ.ዘ.ተ ዓቢ ግደ ዝጻወቱ፡ ከም መጅሃርን ንሰርሕ ኣሎና መበሊ ነቲ ስርዓት ን መድከይን መባታተንን ነቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኮይኖም የገልግሉ ምህላዎም ኩላትና ንሳማማዓሉ ሓቂ ንኽኸዉን ሰብ ሙሉእ ተስፋ ኢና።

ኣብያተ-ትምህርቲ ተሰሪሑ ተማሃራይ ዘይምሃረሉ እንተኾይኑ፡ ኣብያተ-ክንክን ጥዕና ተሰሪሑ ሕሙም ዜጋ ዘይሕከመሉን መድሃኒት ዘይርከበሉ እንተኾይኑ፡ ጽርግያ ተሰሪሑ ዜጋ ተንቀሳቂሱ ዘይነግደሉን ዘይራኸበሉን ዘይግልገለሉን እንተኾይኑ…ወ.ዘ.ተ ምህናጽ ኣካላዉን ማሕበራዉን ቅርጻታት እንታይ ትርጉም ይህልዎ? ብዝመስለና ዋላሓንቲ ፋይዳ የብሉን። የግዳስ ንመጻኢ ከም ዓቢ ኣካላዉን ማሕበራዉን ምጣኔሃብታዉን መትንታትን ምንጻፍ ክኸዉን ከምዝኽእል ዘየካትዕ እኳ እንተኾነ፡ ሎሚ ዘሎ ወለዶ ኣዝዩ እንተተሃስዩን ተባታቲኑን፡ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ወሎዶ እዉን ንኽጥቀመሉ እስትንፋስን ንያትን ክህልዎ ስለዘይኮነ፡ ብቀሊሉ ክዕረ ዘይክእል ኩሉእንትናዊ ምጣኔሃብታዉን ማሕበራዉን ዕንወታት ከኸትል እዩ።

 

Next Page »

Create a free website or blog at WordPress.com.