Eritrea real clear politics's Weblog

February 8, 2009

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part2

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:42 am

2.ፖሎቲካዊ ቅርጻ መንግስት ኤርትራ ህሉው ኩነታቱን፡

 

ፖሎቲካዊ ቅርጻ መንግስት ኤርትራ፡ ከም ነፍስ ወከፍ መንግስት፡ ንጡፍ ይኹን ልሙስ መንግስታዊ ቕርጻ ዘለዎ እዩ። መንግስት ኤርትራ ከም መንግስት ናይ መሳጋገሪ መንግስት ኮይኑ፡ ልሙስ ይኹን ንጡፍ ፈጻሚ ሓጋጊ ፈራዲ ኣካላት እዉን ኣለዉዎ። እቲ ንጡፍ ኣካላት መንግስት ኤርትራ ፈጻሚ ኣካል መንግስት ጥራይ እዩ። ፈጻሚ ኣካላት ብፕረዝደንትን ቤት-ጽሕፈቱን፡ ብካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ላዕለወት ወትሃደራዊ ናይ ስርሒታት ኣዘዝትን ዝጠመረ እዩ። መዳቢ፡ ኣካብን መራሕን ፈጸምት ኣካላት መንግስት፡ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ፡ ፕረዝደንት እታ ሃገር ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፍወርቕ ኣብርሃም እዩ። ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፍወርቕ ኣብርሃም ደረት ዘይብሉ መዝነትን ጽልዋን ድማ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት እታ ሃገርን መንግስታዊ ቅርጻን ኣለዎ።

ኩሎም ኣባላት ካቢነት ሚኒስተራት ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ ኣይኮኑን። መብዛሕትኦም ግን ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ እዮም። ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ 150 ዝብዙሑ ኮይኑ፡ ብሰለተ መገድታት ኣብቲ መዝነት ናይ ኣባላት ባይቶ ዝመጹ እዮም።

ቀዳማይ፡ 75 ዝብዝሖም ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ፡ ኣብ ሳልሳይ ዉድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ናቕፋ ካብ 10-16 ለካቲት 1994 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ከም ናይቲ ዉድብ ኣባላት ፈጸምት ን ማእከላይ ሽማግሌ ዝተመርጹ እዮም።

ካልኣይ፡ 11 ሕዙእ-መናብር ብመልክዕ ኣዉንታዊ ኣድልዎ ንደቂ-ኣንስትዮን፡ 15 ንኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብዝተሓዝኤ ኮታ፡ ብድምር 26 ኣባላት ባይቶ ዝመጹ እዮም። ደቀንስትዮ ዝርከብኦ 19 ዝኣባላቱ ናይ .... ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካል ኣብቲ ሃገር ወሳኒ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘለዎ እዩ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ሚኒስተራት ናይ ፍትሕ፣ ቱሪዝምን ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳይን እየን። ካብቶም 75 ዝቑጽሮም ማእከላይ ኮሚቲ .... 11 ደቀነስትዮ እየን። ደቀነስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ጽፍሕታት ከም ኣማሓደርቲ ከተማ ናይ ኣውራጃ ኣመሓደርትን ተሓጋገዝትን ኢምባሲታትን ዝኣመሰለ ላዕለዋይ ስልጣን ቦታታት ሒዘን ይርከባ። ኣብ ስለያዉን ወትሃደራዉን ትካላት እዉን ከም ሞኮንናት ተመዲበን ይሰርሓ ኣለዋ። ዋላ እኳ ኣብ ዝላዓለ ጽፍሕታት ተመዲበን ይሰርሓ እንተሃለዋ ካብ ኣባታዉን ማሕበራዉን ፖሎቲካዊ ስርዓት ጸቕጥን ጭቖናን ግን ዝተናገፋ ኣይኮናን።  

ሳልሳይ፡ እቲ መዕቐኒታትን ቅድመ-ዕየራን እንታይ ምኻኑ እኳ ብንጹር ዝፍለጥ እንተዘይኮነ፡ 49 ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ ብሕርያ ፕረዝደንትን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ተሓርዮም ኣባላት ባይቶ መንግስት ኤርትራ ዝኾኑ እዮም።

መንግስት ኤርትራን ኮምሽን ምንዳፍ ቕዋም ብምትሕብባር፡ 527 ተወከልት ኣብ ደገን ኣብ ዉሽጥን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ናይ ቅዋም ባይቶ ኣቒሙ። ደቀነስትዮ ኣብ ናይ ቅዋም ኮሚሽን ኣብ ዝተሳተፋሉ እዋን ፍርቂ ናይቲ ኣስታት 50 ዝቑጽሩ ኮሚቲ ኣባላት ነይረን። ኣብ ዕለት 23 ግንቦት 1997 ንቕዋም ኤርትራ ከምዝጸድቕ ድሕሪ ምግባር፡ ንፕረዝደንት ኢሰያስ ንከተግብሮ ሙሉእ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ። ቀጺሉ ብለካቲት 2001 ንድፊ ኣዋጅ ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ዉድባትን ቀጺሉ ድማ ኣብ ታሕሳስ 2001 ሕጊ ምርጫታት ጸዲቁን ተኣዉጁን እዩ። ካብዚ መርትዖኦታት ብምንቃል ንጡፍ ክግበር ኣይተደልየን ድኣ እንበር፡ መንግስት ኤርትራ መንግስታዊ ቅርጻ፡ ሕጋዉያን ሰነዳት ሃገራዊ ቅዋምን ሕግን ሕጋጋትን ዘለዎ መንግስት እዩ።

ድሕሪ 2001 ዓ.ም.ፈ ሓጋጊ ኣካላት መንግስት ኤርትራ ሕጋዊ ንጥፈታቱን መዝነቱን ደስኪሉን ለሚሱን እዩ። ካብ መወዳእታ 2001-2008 ዓ.ም.ፈ. ሓጋጊ ኣካላት መንግስት ፈጺሙ ትኣኪቡን ሕጊ ኣጽዲቁን ነጺጉን ስርሓት መንግስት ገምጊሙን ኣይፈልጥን እዩ።

ፈራዲ ኣካል መንግስት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻርን ጽልዋን ፈጻሚ ኣካል መንግስት ኮይኑ፡ ብኢደ ኣዙር ኣብ ትሕቲ ፈጻሚ ኣካል ዝማሓደር ይግባይን ጠበቃን ዘይብሉ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣሎ። ብዘይካ እዚ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝማሓደር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ዞባ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ናይ ወረዳ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ናይ ዓዲታት ኣብያተ-ፍርዲ፡ ናይ ሸርዕያን ኮማዊ ኣብያተፍርድታት ዝቖመ እዩ።

ላዕለዎት ዳያኑ ኣብያተ ፍርድታት ብፈጻሚ ኣካል ተሓርዮም ይምደቡ፡ ማእኮልትን ታሕተወትን ዳያኑ ድማ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ይምደቡ፡ ዳያኑ ኮማዊ ኣብያተፍርዲ ድማ ብህዝቢ እቲ ኮማዊ ኣካባቢ ይምረጹ፡ የግዳስ እቲ ዝካየድ ምርጫታት ብኣካላት እቲ ምምሕዳር ወይ ቀበሌ ፍጹም ዝተጸልወን ዝተገዝኤን እዩ።

ብዘይካ እቲ ቬርጌሳዉን ማሕበራዉን ኣገልግሎት ዝህብ ሚንስቲሪታት፡ ጸጥታዉን ወትሃደራዉን ምሕደራን ቅርጻን ዝርጋሔን ኣዋዳድባን ሃገር ኤርትራ ብሚስጥር ክትሓዝ  ከምዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብክልተ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት ዝተወደበ እዩ። ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነትን እዮም። ዝላዓለ ኣዛዚኦም ድማ ፕረዝደንት እታ ሃገር እዩ። ፕረስደንት እቲ ሃገር ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ጫፍ ጽፍሒ እቲ ሚኒስትሪታት ሙሉእ ኣፍልጦ ምቁጽጻርን ምትእትታዉን ኣለዎ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብዚ ዘላናዮ ወቕት ፍጹም፡ ኣብ ዞባዊ ጂኦ-ፖሎቲካን ኢደ-ኣዝዉራዊ ኪናት ተጸሚዱ ስለዘሎ፡ ንዉሽጣዊ ኩነታቱ ንምምዛንን ንምዕራይን ዘለዎ ተበግሶን ጽዓትን ኣዝዩ ድሩት እዩ። ንዉሽጣዊ ቅልዉላዋቱ ክዓብጥ ብግዳማዊ ፖሎቲካ ክሽፍን ካብ ዝህቕን ዳርጋ 8 ዓመታት ሓሊፉዎ ኣሎ። ነዚ ተግባራት እዚ ዘጣዓዕሙሉን ዝኹስኹስሉን ናይ ደገ ሓይልታት እዉን ከምዘለዉ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ሓቕታት እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ፖሎቲካዊ ስርዓት መተሃላለኺ ወይ ደጋፊ ዝኸዉን ናይ ካልኦት ሃገራት ፖሎቲካዊ ስርዓታትን ፖሊስታትን እንተዘይረኺቡ ንበይኒ ክገጥምን ክጋጮን ክትሃላለኽ ኣብ ዘይተደልየ ዘይቀጥታዊ ኪናት ክኣቱ ኣይክእልን እዩ። ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ (ወያኔ) መሻርኽቱን ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክቕይሩ፡ ስግሩ ድማ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ዓለምለኻዊ እምባሮጣርያዊ ረብሓ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቓ እተራጋግጽ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መልክዓት ክትጽመድ ዝሕለንን ንእኡ ንምርግጋጽ ስለዝናጣጠፉ፡ ስርዓት ኣስመራ እዉን ንኹሉ ዉጥናቶም ንምቑጻይን ንምብርዓንን ስግሩ ስርዓቶም ክቕይር ዘለዎ ባህግታትን ንጥፈታትን ኣዝዩ ልዑል እዩ። ኣብ ከምዚ ደፋእን ስሓብን ሮቛሒታት ዘለዎ ናይ ዓለምለኻዉን ዞናናን ፖሎቲካዊ ጽምዶ ይርከብ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ህዝቡን ሰራዊቱን ዳርጋ ፍጹም ተባታቲኹ እዩ። ሓደ ፖሎቲካዊ ስርዓት ካብ ህዝቡን ሰራዊቱን ክንጸልን ክባታተኽን እንኮሎ፡ ልክዕ ከምዚ ዝኾነ ፈሳሲ ኣብ ዘእተኻዮ ዝተፈላለየ ቕርጽ ዘለዎ ኣግእዞ ናቱ ናይቲ ዝኣተዎ ኣግእዞ ቕርጽ ዝሕዝ ከምኡ ዓይነት እዩ ኮይኑ ዘሎ። ልዕሊ ኹሉ ግን ዋላ እዉን ኣብቲ ዝላዓለ ብልሒ ጫፍ ዘሎ መሪሕነት ፈጸምቲ ኣካላቱ እዉን እንተኾነ፡ ፍልልያቶም ከም ከብድን ሕቆን ኮይኑ፡ ናይ ሓሳብን ተግባርን ሓድነት የብሎምን። ኣብ ምብትታንን ሃደሽዶሽን ዝርከብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ዕምሩ ንምንዋሕ፡ ብሉዑል ንያት ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣብ ምትራር ስለያዊ ትካላቱን ፍሉይ ሓለዋ ሰራዊት መንግስቱን ዘተኮረ ጥራይ እዩ። ኩሎም ምልካዉያን ስርዓታት ክወድቑ እንተደልዮም ድማ ልክዕ ከምዛ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝገብራ ዘሎ እዮም ዝገብሩ።

ኩሎም ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሚኒስትሪታት ላዕለዎትን ማእከሎትን ስለያዉን ወትሃደራዉን ሞኮንናቱ ኣብ ፍጹም ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዉን ምራላዉን ብልሽዉናታት ስለዝተደቕደቁ ብዘይካ እቲ ጨቢጦሞ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣብ መን ዝያዳ ሃብተመ መን ዝያዳ ፖሎቲካዊ ጽልዋ ወነነ ዝሓለነ፡ ኣብ ፍጹም ዉድድራትን ቅድድምን ስለዝርከቡ፡ ቀጻሊፖሎቲካዊ ምትፍናን ህሉዉ እዩ። ስለዚ ናይ ግዝየን ቦታን ሕቶ ጥራይ እዩ እምበር ነንሕድሕዶም ክቃታተሉ እዉን ድሉዋት ምኻኖም ዘርኢ ምልክታት ኣብ ባይታ ህያዉ እዩ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሞት ናይ ፍቕረ ዝባሃል ነጋዳይን፡ ንስምኦን ገብረድንግል ንምቕታል ዝተወስደ ፈተነታት፡ ሓደ ኣንፈት ምልክታት ነቲ ኣቀዲምና ዘተንባህናዮ ክዉንነት ዝገልጽ ግብራዊ ምስክር እዩ። ኣብዚ ከም ኣብነት ዘስመርናሉ ኩነታት ላዕለዎት ወትሃደራዉን ጸጥታዉን ሞኮንናት፡ ኣቀዲሞም ተጋደልት ዝነበሩ ዝተጣየሱ ነጋዶ፡ ቬርገሳዉያን ዜጋታት ምትእትታዉን ምትእስሳራትን ዝነበሮ ናይ ምጣኔ-ሃብታዊ ቀንጠብጠባት ስርሒት እዩ። ዉሽጣዊ ምፍርራሕን ምዉድዳራት ስለዘሎ ድማ ዝቕተሉ ተቐቲሎም ዝታሓዙ ተታሒዞም ኣብ ቀይድ ምስ ኣተዉ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ጉዳይ መዕጸዉን መግለጽን ኣይተገብረሉን ዘሎ።

እዚ ክዉንነት እዚ ማዕረ ክንደይ እቲ ስርዓት ብዉሽጡ መሽሙሹ ከምዘሎ፡ ማዕረ ክንደይ ምስ ህዝቡን መንግስታዊ ትካላቱን ተባታቲኹ ከምዘሎ ብግሉጽ የርእየና። ተወሳኺ መርኣያታት ድማ ኣብ ዉሽጥ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣርካናት-ኪናት እንዳተፈጥሩ ይኸዱ ኣለዉ። መንግስትን ሕግታቱን ዘይቓጻጸሮም እንተደልዮም ክቀትሉ፡ እንተደልዮም ክሞቕሑ፡ እንተደልዮም ብብንጣስ ወረቀት ጽሕፍ ጽሕፍ ኣቢሎም ካብ ሃገራዊ ባንኪ ገንዘብ ክመዙ፡ እንተደልዮም ሰብ ካብ ዉሽጥ ሃገር ንወጻኢ ከምዝወጽእ ዝገብሩ፡ እንተደልዮም ንህዝቢ ንብረቱን ገንዘቡን ዝምንዝዑ …ወ.ዘ.ተ ሓታቲ እንተዘይብሎም፡ ናይብሓቂ ኣርካናት-ኪናት ተፈጢሮም ኣለዉ ማለት እዩ። ካብዚ ክዉንነት ዝነቀለ ሓደ ናይ ወትሃደራዊ ስርሒታት ኣዛዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ካልእ ዞባ ወትሃደራዊ ስርሒታት ኣዛዚ፡ ክትሃላለኽን ኣባላቱ ክቅየደሉን ዘዉትር እዩ ዝርኤ። ስለዚ ኣብ ዉሽጥ ሓደ ምልካዊ መንግስት ካልኦት ንኣሽቱ ናይ ምልኪ-ንኡሳን መንግስታት ብኣርካናት-ኪናት ዝዉነና እንዳተፈጥራ ዝኸዳ ዘለዋ ይመስላ።

ንምጥቅላሉ ነዚ ንኡስ-ዛዕባ’ዚ ዝኣክል፡ ኣብ ኤርትራ ሱሩ ዝተነቕለ ስርዓት፡ ብፍሑሶ-ገመድ ምጣኔ-ሃብታዊ ብልሽዉናታትን ፖሎቲካዊ ሽርሕታትን ደዉ ኢሉ ዘሎ ይመስል። ንኸምዚ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት ንምዉዳቕ ወይ ንምቕያር ድማ ቀዳምነት ነቶም ፍሑሶ-ገመድ ብልሽዉናታትን ሽርሕታትን ገቲሮምሒዞም ደዉ ኣቢሎሞ ዘለዉ ኣእዳዉ ኣርካናት-ኪናት ክብተኽ ክካኣል ኣለዎ። ምኽንያቱ ነቲ ርእሲ ተሰኪምዎ ዘሎ ማሓዉራትን ኣግማድ እንተዘይተበቲኹ፡ ነቲ ርእሲ ኣብ ትቛጻጸረሉ እዋናት እቶም ማሓዉራትን ኣግማድን ናይቲ ርእሲ ዘለዉ፡ ኣብ ትሕቲኦም ክሳብ ኣስናኑ ዝዓጠቀ ሰራዊት፡ ስልጣንን መካኒዝም ስለዘለዎም ነቲ ዝተቓጻጸርካዮ ሁግፈት-ርእሲ ብጎኒ ባዕሎም ክትክእዎ ወይ ድማ ኣብ ዘይተደልየ ሓሸዉያ ደማዉን ኣዕናዉን ኪናት ሕድሕድ ክእትዉኻ ፍጹም ተኽእሎታት ኣሎ።

ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቕያር ብማዕዶ ቀሊል መሲሉ ክርኤ ይኽእል ይኸዉን። ኣብ ኪናት ዘይዉዓለ በሊሕ ከምዝባሃል ከምዚ ጌርካ በዚ ኣቢልካ ንፍላን ኣሲርካ ንፍላን ቀቲልካ ተባሂሉ ናይ ሓሳብ ንድፊን ቅድን ስትራተጂ ክዝረብ ክሕንጸጽ ይክኣል ይኸዉን፡ ብግብሪ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ንኸምዚ ፍጾም ምልካዉን ፖሊስ-ሰራዊታዊ ስርዓት ንምቅያር፡ ከም ቀንድን ወሳንን ሮቛሒ ዘይሙእዙዙነት ህዝቢ ብናህሪ ዝተሓወሶ ቁጥዔን ስምዒትን ክንዓዓብ ኣለዎ። ናዕቢን ዘይሙእዙዙነት ህዝቢ ምስተላዕለ እቲ ስርዓት ነቲ ናዕቢ ህዝቢ ንምግታእን ንምቑጻይን ክነቕል ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ክነቕል እንተኾይኑ ብሓይሊ ፖሊስን ናይ ስለያ ትካላቱን ክገትኦ ስለዘይክእል፡ ሰራዊት እዩ ክሰድድ ሰራዊት ድማ ብቀዳምነት ንላዕለዎት ኣዘዝቱ ኣርካናት-ኪናት ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ብምእታዉ: ከም ካልኣይን ቀንዲ ንምንጭ-መራኸቢ ቡዝሓን ዝኾኑ መደበራት ሬድዮ ተለቪዝንን ተለኮምኒከሽን ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ብምታዉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ሓቤሬታ መምሪሒታት ዘማሓላልፈሉ መደበራት ክቃጻጸር ኣለዎ። ጎኒ ጎኑ ኣየር-ፖርት፡ ወደባት፡ መሕንቆ ነጥብታት ዶባት ካብን ናብን ዝኣትዉን ዝወጽእን ክቓጻጸር ኣለዎ። ብኸምዚ ቕድመ-ተከታላዊ ዕማማት ብምትግባር፡ ምስ ህዝቡ ደዉ ብምባል ንጸጥታን ምርግጋእን ናይታ ሃገር ካብ ምቑጽጻሩ ወጻኢ ንከይከዉን ብዕትበት ክሰርሓሉ ኣለዎ። ነዚ ብግብሪ ንምትግባሩን ንምዉህሃዱን ናይ መሪሕነት ሕቶ ወሳኒ ብምኻኑ፡ ዝተዋደደ ፖሎቲካዊ ስነሓሳብ ዝዓጠቀ፡ ፖሎቲካዊ ዕላምኡ ዝፈልጥ፡ ብ(ብቕዓት) ብቕዓት ብሰነ-ምግባር ብዝስፈር ዝትሕዝትኡ፡ ክእለትን ከዋሃህድን ከመርሕን ዝኽእል፡ ኣዝዩ ዉፉይን ተዓጻጻፊ መርሒነት ከድሊ ምኻኑ እዉን ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ነዚ ስርዓት’ዚ ንምቅያሩ ዝድለ እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ብፖሎቲካዊ ንቕሓቱ ንምሕያሉ ከም ቀንዲ ዕማም ክስራሓሉ ዘለዎ  እዩ።

 

3.ምጣኔ-ሃብታዊ ኩዉንነት ኣብ ኤርትራ፡

 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 50 ድኻታት ሃገራት ዓለምና እያ። እኹል ማሕበራዊ ጸጋታትን ባህርያዊ ሃብትን እኳ እንተሃለዋ፡ ንማሕበራዊ ጸጋታታ ንምዕቃብ፡ ካብዘለቶ ደረጃ ንዝላዓለ ክብ ንምባል፡ ንባህርያዊ ጸጋታት መሬታ ንምልማዕን፡ ካብ ከርሲ ሓመዳ ማዓድናት ንምጉሕጓሕ፡ ንጽዓት ዘገልግሉ ባህርያዊ ጋዝን ነዳድን ምንዳይ ንተኽእሎታት ረቐቕት ዝገብርዎም፡ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ዓበይቲ ግዳማዉን ዉሽጣዉን ብድሆታት ከምዘሎዋ ሩድኡ እዩ። ከም መቀጸልታ ዓለምለኻዊ ሕጋዉነቱ ዝተራጋገጸ ዉጽኢት ሪፈረንደም፡ ኤርትራ ወግዓዊ ሃገራዊ ናጽነታን ልዕላዉነታን ኣብ 24 ግንቦት 1993 ምስ ኣወጀት፡ መንግስት ኤርትራ መጀመርታ ኣብ ኤርትራ ከራጋግጾ ዝግብኦ መሰረታዊ ሕቶ ነይሩ። ንሱ ድማ ሙሉእ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ልዑላዉነትን ናጽነትን ሓርነትን እዩ። ኤርትራ ናጻን ልዕላዊትን ሃገር ተባሂላ እኳ እንተተኣወጀ ብግብሪ ግን ፖሎቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ልዕላዉነታዉን ጥብቖነት ምስ ኢትዮጵያ ስለዝነበራ፡ ናጻን ሓራን ዝኾነ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊስን ዉሳኔን ኣብ ኣስመራ ኬንካ በይንኣዊ ክዉሰን ፈጺሙ ዝክኣል ኣይነበረን። ከምኡ ስለዝነበረ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቕታት፡ ኩሉ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝሕንጸጽን ዝዉሰንን ፖሊሲታት ካብ መንግስት ኢትዮጵያ ናይ ይሕለፍ ቀጠልያ መብራህቲ ክዉላዓሉ ኣለዎ ወይ ድማ ኣብ ሳሓቦ-ጋቱቶ ግርጭታት ንክእቶ ዝስሕብ ህሞት ጥራይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ግዳማዊ ጸቕጥታት እዚ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣቀዲሙ ዝተዋደደ ትሑዝ ምጣኔ-ሃብታዊ ዉጥናትን መደባትን ብደረጃ ሃገር ስለዘይነበሮ፡ ንመጀመርታ ግዝየ ኣብ 1994 ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ ኣማዕቢሉ፡ ኣጽዲቁን ኣዊጁን እዩ። እዚ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜላ ክዉጠን ክእወጅን እንኮሎ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጥብቖነት፡ መሰረታዉያን ቡኹረታት ትካላትን ካልኦት መሰረታዉያን-ነገራትን ኣብቲ ሃገርን መንግስትን ኣብ ዝነበሩሉ እዋናት ዝተገብረ እዩ። ካብኣቶም ገለ መሰረታዉያን ቡኹረታት ከም ኣብነታት ንምጥቃስ፡-

1. መንግስት ኤርትራ ዝማሓደረሉ ዝተነጸረ ፖሎቲካዊ-ምጣኔሃብቲ ኣይዶሎጅን ፖሊሲ ኣይነበሮን። ዝተነጸረ ፖሎቲካዊ-ምጣኔሃብቲ ኣይዶሎጅን ፖሊስን ካይሃለወካ ድማ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊስን ዉጥን ክሕንጸጽ ኣይካኣልን እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ግብራዉነቱ ኣጸጋሚ ክኸዉን እዩ። ምኽንያቱ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊሲታትካ፡ ነጸብራቕ ፖሎቲካዊ-ምጣኔሃብቲ ኣይዶሎጅን ፖሊሲታትካ እዮም። ብኣንጻሩ ድማ ፖሎቲካዎ ፖሊሲታትካ ነጸብራቕ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊሲታትካ ስለዝኾኑ፡ ሓደ ብዘይ መወከስታ እቲ ካልኣይ ክሰርሕ ዝኽእል ስለዘይኾነ እዩ። እንተሰርሔ ድማ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና መእሰሪ-ማእዶ ዘይብሉ  ዝኸዉን እዩ።

2. ጠገለ ዘለዎ መንቀሊ ዝኸዉን መሰረት መንግስታዉን ህዝባዉን ትካላት: ጠገለ ዘለዎ መንቀሊ ዝኸዉን መሰረት ኣካላዉን ማሕበራዉን ትሕተ-ቕርጻብዓይነትን ዓቀንን ብቕዓት ሰብኣዊ ዓቕምታት፡ ቕርጡዉን ስሉጥን ኣዋዳድባን ኣሳራርሓን መንግስታዊ መዋቕራት፡…ወ.ዘ.ተ ኣይነበረን።

3. ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገርን ሓድሽ መንግስትን ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ስለዘይነበራ: ንፖሊሲ ምሕደራ ገንዘብ {monetary policy} ን ምቁጽጻር ወጻኢታቱን፡ መጠነ-ቀረጽ፡ መጠነ-ወለድ…ወ.ዘ.ተ ፖሊሲ {fiscal policy} ዘማዓራርየሉ፡ ኣብ ምጣኔ-ሃብቲ መላእ ሃገር ብኣድማዒ ከተግብር ስለዘይክእል፡ ቡኽረት ትግባሬ ናይዞም ክልተ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊሲታት ህያዉ እዩ ነይሩ። እዞም ክልተ ፖሊሲታት ዘይብሉ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜላን ዉጥንን ፈጺሙ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ እኳ እንተዘይተባህለ ንሱ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ሓድግታት ኣብ ምምዕባል ምቁጽጻርን ምጣኔ-ሃብቲ እታ ሃገር ዓቢ ሓደጋታት ዘለዎ እዩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ገለ ቁንጹባት መሳጋገሪ-ሕግታት ፍራንኮ ቨሉታን መጠን ወለድ ባንክ…ወ.ዘ.ተ እኳ እንተኣታተወ፡ ብመሰረቱ ባጤራ ኢትዮጵያ ንጥቀም ስለዝነበርና ከም ፖሊሲታት ኣድማዒ ኮይኑ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ ።

4. መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ኣብ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜልኡ ናጻ ዕዳጋ ኢሉ እኳ እንተወጠነን እንተኣወጀን፡ ነቲ ናጻ ዕዳጋ ከሰርሖ ዝኽእል ዋሕዚ ገንዘብ ንተለቃሕትን ኣብ ንግዲ ዝናጣጠፉ ዜጋታት ኣይነበሮን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዉሽጥ እቲ ሃገር እኹል ዑደተ ገንዘብን ኣዝዩም ንዑባት ንኣሽቱ ነጋዶ ዓንዲ ሕቆ ምጣኔ-ሃብት ናጻ ዕዳጋን ስለዝይነበሩ፡ እቲ ናጻ-ዕዳጋ ዝባሃል ኣዋጅን ዉጥንን ኣፋዊ ጥራይ እዩ ነይሩ ክባሃል ይክኣል።  ልዕሊ ኹሉ ግን ንናጻ ዕዳጋ ኣዉፈርት ዉሕስነት ዝኸዉን ትካላዊ ኣሳራርሓን ንነዊሕ እዋናት ከዉሕስ ዝኽእል ቀዋምነት ዘለዉ ሕግን ሕጋታትን ምጣኔ-ሃብታዊ ንጥፈት ስለዘይነበረ፡ ዓበይቲን ንኣሽቱን ናይ ዉሽጥን ግዳምን ኣዉፈርት ዓቢ ወፍርታት ከካይዱ ኣየታባብዔን። እዚ ክዉንነት እዚ ነቲ ብሕታዊ-ምጣኔ-ሃብታዊ ጽላት ኤርትራ ብምዱርቃስ፡ ብኣንጻሩ ብመንግስታዉ ምጣኔ-ሃብታዊ ስርርዕ {parastatal institutions} ከም ዝዕብለል ገይሩዎ።

5. መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ኣብ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ሜልኡ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረት ዝበዝሔ ህዝብና ዝናባበረሉ ዝናጣጠፈሉን ሕርሻን ምርባሕ እንስሳታት ዝሙርኮስ፡ እሞ ንእንዱስትሪያዊ ሕርሻ ዝደፍእ፡ ዝላዓለ ሓይሉ ኣብ ትኪ ዘይብሉ እንዱስትሪ ከም ቱሪዝምን ንግድን ስለዘተኮረ፡ ሰደድ ኮይኖም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምጹ ዝኽእሉ እስትራተጂካዊያን ኣእኻል፡ ሃለኽትን ጥረነገራት ካልኦት ቀረባት ኣብ ዉሽጥ ሃገር ከፍሪ ኣይክኣለን። ልዕሊ ኹሉ ግን ብቀዳምነት ክስራሓሉ ዝግባእ ካብ 1992-2001 ዓ.ም.ፍ ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ  ዝስተ ጹሩይ ማይ ምህናጽ ኣካላዉን ማሕበራዉን ቅርጻታት ከንሱ ኣይተሰርሓሉን። እዞም ኣቀዲሞም ዝተጣሕመሱ ገዘፍት ዉሽጣዊ ቡኽረታትን፡ ቀጺሉ ኤርትራ ኣብ 1997 ዓ.ም.ፈ. ናይገዛእ ርእሳ ባጤራ ምስወነነት፡ ፍጹም ምንጋፋ ብምጣኔ-ሃብታዊ ትሕዝቶታትን ፖሊሲታትን ዝመንቀሊኡ ገለ ፍልልያት ናይ ጸጥታ ስትራተጂ ምስ መንግስት ኢትዮጵያ ስለዝተጋህደ፡ ከም ሳዕቤኑ ነቲ ብዶብ ተሳቢቡ ካብ 1998-2000 ዓ.ም.ፍ ዝተኻየደ ኪናት ኮስኪሱዎ እዩ። ከም ዉጽኢት እዚ ኪናት እዚ ድማ ንምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ዕብየት ሃገር ኤርትራ ከቢድ ማህሰይቲ ፈጢሮሙሉ እዮም።

ኪናት ብማዕረ ነተን ክልተ ዝዋግኣ ሃገራት ንድሕሪት ዝመልስን ዝሃስን እኳ እንተኾነ፡ ዛዕባና ግን ንኤርትራ ዝመልከተ ስለዝኾነ ኣቶኩረና ናብኡ ከድህብ እዩ። ስለምንታይ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኪናት ምእታዋ  ንምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ዕብየት ኤርትራ ሃስዩዎ? ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ዝስዕብ ሕጽር ዝበለ ኣጋባብ ክግለጽ ይክኣል እዩ።

1. መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንምጣኔ-ሃብታዊ መደባቱ ከም ቀንዲ መንዓዓቢ ዝወሰደን ሃገራት፡ ንሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳን እየን ዝነበራ። ኣብዘን ክልተ ሃገራት ዝተፈላለየ ገንዘባዉን ጉልበታዉን ወፍርታት ብምግባር ኣብዚኣተን ሃገራት ዝርከብ ስትራተጂካዊ ሃለኽትን ጥረ-ነገራት ቀረባትን ኣገልግሎት ብመገዲ ትካላት መንግስት፡ ተራ-ነጋዶ ን ተራድኣዊ ነጋዶ እንዳዓደገ ንዕዳጋትት ዓለም ብምቕራብ፡ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረኽበሉ ባይታ ምፍጣር እዩ ነይሩ። ካብቶም ስትራተጂካዊ ሃለኽትን ጥረ-ነገራት ቀረባትን ንምጥቃስ፡ ወርቂ፡ ጡጥ፡ ስምስም፡ ቡን፡ ዒንዲዳ ወይ ጻዕዳ-ቀንጠብ (gum acacia)፡…ወ.ዘ.ተ ነይሮም። ከም ሓሳብን ተግባራትን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝሓሰቦ ክትርእዮ ኣብ ዝድልየሉ እዋናት፡ ከምሓሳብን ተግባርን ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምን ጃምላዊ ሃገራዊ ምጣኒ-ሃብታዊ ዕብየት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ ዝታሓተ ሑሉም መንቕሎ ንዝላዓለ ጥርዚ ተወንጪፉ እዩ። ጎኒጎኒ እዚ ግዳማዊ ወፍርታትን ንጥፈታትን ከዕቕቦምን ክጸሮምን ዝኽእል ግብራዊ ዉሽጣዊ ፖሎቲካዉን ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ፡ ምህናጽ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት፡ መትንታት ምጣኔ-ሃብቲ፡ ኣካላዉን ማሕበራዉን ቅርጻታት…ወ.ዘ.ተ ስለ ዘይነበረን ዘይተኻየደ ግን ምብታኽ ዝምድናታት ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጓህዲ ምስ ኮነ እቲ ብ7.4 ዝዓበየ ጃምላዊ ሃገራዊ ምጣኒ-ሃብታዊ ዕብየት ኤርትራ ብቕጽበት ንትሕቲ ዚሮ ኣሉታ ኣንቆልቂሉ እዩ።   

 

2. ንኣስታት 75 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ደገ ዝኣትዉዎ መሳሪሒታት ንዋት ጥረ-ነገራት፡ ቀረባት፡…ወ.ዘ.ተ ብወደባት ዓሰብን ምጽዋዕ እዩ ነይሩ። ብዓቢኡ እዚ ክልተ ወደባት እዚ መዓልታዊ ኣብ ንጡፍ ስራሓትን ኣገልግሎት ስለዝነበረ፡ ብዉሑዱ ኣስታት 30000 ቀወምትን ግዝያዉያን ሰራሕተኛታት ነብሶምን ስድራቤታቶምን ዝጥዉሩሉ ምንጭ-ዕዮን ዓስብታቱን እዩ ዝነበረ። ብተወሳኺ ብዘይካ ነተን ኣብ ወደባት ተጸጊዔን ዘራግፋ መራክብ-ባሕሪ ዝቕረጽ ቀረጽን ዝዉሃብ ኣገልግሎት ካብኡ ዝርከብ ኣታዊታት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገንዘብ ሓዲካ፡ ካብ መንግስት ኢትዮጵያ ዓመታዊ ቀጥታዉን ዘይቐጥታዉን እቶት {revenue} ኣስታት $100 ሚልዮን ዶላር፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎት (port-fees) ኣስታት $42 ሚልዮን ዶላር፡ ናይ መጻረይ-ነዳዲ ብግንዖ-ጻማ ናይ ዝተጸራየ ነዳዲ 1/5 (መሓመስ) ብጽሒት-ብርኪ ንኤርትራ ኣስታት $20 ሚልዮን ዶላር፡ ብድምር ዓመታዊ .መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ ካብ መንግስት ኢትዮጽያ ኣስታት $162 ሚልዮን ዶላር ጹሩይ ኣታዊ ነይርዎ።

3. መብዛሕትኦም ኣብ ኤርትራ ዝፈርዩ ዝነበሩ ሙሱርሓት ንዋትን ቀረባትን ዕዳግኦም ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡሳን-መሳንዕ ዝፈረዩ ቀረባት 69% ንኢትዮጵያ ይኸዱ ነይሮም። ካብዞም ንኢትዮጵያ ከይዶም ዝሽየጡ ዝነበሩ መስንዓዊ-ፍርያት ወይ ምህርትታት ዓመታዊ ካብ $37 – $ 43 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ ይርከብ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዘድልዩ ቀረባት ከም ጣፍ፡ ዕፉን፡ ዓተር፡ ጉፍሮ በርበረ፡ ወርወር ቀላሚጦሳት…ወ.ዘ.ተ ብብር ተዓዲጎም ይኣትዉ ብምንባሮም ኣዝዮም ሑሱራት-ቀረባት ነይሮም። ልዕሊ ኹሉ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ጠለብን ቀረብን ዝነበረ ዓንኬል ጋግ ብዝሓጸረ ግዝያትን ዝዉሓደ ገንዘብን ናይ ምዕባስ ርጉጽ ተኽእሎ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ኤርትራ ምርግጋእ ናይ ቀረብን ጠለብን ዕዳጋ ነይሩ ክባሃል ይክኣል። ነዚ ብመርትዖ ኣሃዛዊ-ጸብጻብ ንምስናዩ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡-

 

 

ካብ 1993-1997 ዝተኻየደ ንግዲ ኤርትራዉያን ምስ ኢትዮጵያ ብብር

 

ዓመተ-ንግዲ    ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራዝኣተወ  ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝተሰደ    ሚዛናዊ-ገምጋም

1993            63,968,197                123,579,747                       59,611,550

1994            90,796,808                181,491,011                       90,694,203

1995           146,820,200                259,700,000                      112,880,000

1996           261,781,354                273,400,000                       11,618,646

1997           274,600,000                218,200,000                       -56,400,000

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስናዮ ክዉንነት ስለዝነበረ፡ ጃምላዊ ሃገራዊ ምጣኒ-ሃብታዊ ዕብየት ኤርትራ {GDP} ካብ 1993-1997 ዓ.ም.ፈ ብ7.4% ክብ ኢሉ ከብቕዕ እቲ ኩናት ኣብ ዝጀመረሉ ወቕት ግን ንትሕቲ 0% ለጠቕ ዝበለ። ቀጺሉ እዚ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ኣይሰላም ኣይኩናት ዘስዓቦ፡ ዳርጋ ኤርትራ መጠን ምጣኔ-ሃብታዊ ዕብየት ካብ 2000-2008 ዓ.ም.ፈ ዘሎ ግዝያት ካብ 2.5% ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ፍሕት ክብል ኣይክኣለን ዘሎ። ብኩሉ እንትንኣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወደቃ ሃገራት (Failed States) ዓለምና እያ። ነዚ መዐቀኒ ዝኾነ ኣብ ርእሲ እቲ ኣቀዲመ ዝጣሕመስናዮ ሮቛሒታትን ዉጽኢቱ ድማ 66% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ድኻ እዩ፡ 37% ድማ በተኽ ወይ ብትምታ-ጥሜት ዝተጠቕዔ ህዝቢ ምኻኑ እዩ። ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ እቲ ዝዋሓደ ደሞዝ 360 ናቕፋ ንወርሒ እዩ። እዚ ግን ንመነባብሮ ናይ ሓደ ሰራሕተኛን ስድራ ቤትን ክዓብስ ዝኽእል ደሞዝ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ቦታታት ዝሰርሑ ሰባት፣ ካብቲ ዝወሓደ ደሞዝ ንታሕቲ ይኽፈሉ ኣስታት 150 ናቕፋ ንወርሒ ከም ናይ ጅባ-ጉንዖ መሐሸሺ  ይኽፈሉ። ማእከላይ እትዋት ወርሓዊ ዶሞዝ 680 ናቕፋ ክኸዉን እንኮሎ፡ እቲ ዝላዓለ ድማ 4000-5000 ናቕፋ ዝበጽሕ እዩ።

እዚ ነቲ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ንምግላጽ ዝዓለመ ድኣ እንበር፡ ኤርትራ ብዘይ ጥብቖነት ኢትዮጵያን ብዘይ ዕዳጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ክትነብር ወይ ክትምዕብል ኣይትኽእልን እያ ማለትና እዉን ፍጹም ኣይኮነን። ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ወይ ክትግበር ዝዋደድ ዓቢ-ኣጣቃላሊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ ካብ ጥብቆነትን ቀንዲ ጽሙድ ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምኻን ዝተናገፈ፡ ብፍላይ ንኢትዮጵያዉያን ግን ንኣብ ኣፍደጋዊ-ባሕሪ ኣገልግሎትን ንግዲ ዝስሕብን ዘታባብዕን ፖሊሲታት ክኸዉን ኣለዎ። ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዘዋጽኣ ሩኡይ ረብሓ ኣለዋ። ብኣንጻሩ ድማ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዘዋጽኣ ሩኡይ ረብሓ ስለዘለዋ፡ ረብሓታት ክልቲኡ ሃገራት ሚዛናዊ ኮይኑ ዝሕሉ ኣብ ዞባዉን ዓለምለኻዊ-ዓዉለማ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲ ዝተመስረተ ክኸዉን ከም ዘለዎ ክንጥቁም ንደፍር።

መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንኣካላዉን ማሕበራዉን ትሕተ-ቅርጻ ምህናጽ፡ ንዉሕስነት መግቢ ምርግጋጽ፡ ንመትንታት ምጣኔ-ሃብቲ ዝኾኑ መሬታዊ ትሕተ-ቕርጻ ንምንጻፍን ምድዃን፡ ናይ መራኸቢታት ቀዋምን ተንቀሳቀስን ቴለፎናት ኢንቴርነት ትሕተ-ቅርጻ ምስፋሕን ምህናጽ፡ ሕርሻዊ-ኢንዱስትሪ {agro-industry}…ወ.ዘ.ተ ምህናጽ ከም መደብ ኣቀዲሙ ካብ 1995 እኳ እንተተወጠነ፡ ብምኽንያት ጥብቖነት ዝይሓራን ዘይርጡብ ፖሎቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሊሲታቱን ተረኽቦ ኪናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2001 ዓ.ም.ፈ ብንጡፍ መልክዓቱ ጀሚርዎ። ክጅምሮ እንኮሎ ድማ ዳግም ብሓደገኛ ፖሊሲን ዉሳኔን ጀሚርዎ። ንሰብኣዊ ዓቕሚ ጉልበት ሰብ ንከብዱ እንዳቀለብካ ጉዱድ-ዕዮ ዜጋታት ብምጥቃም ዓበይቲ ንትዓዛቢ ክምስጡ ዝኽእሉ መደባት ከተግብር መታን ንሃገራዊ ኣገልግለቱ ዝወድኤ ዜጋ ክቕጽል፡ ንዘይኣገልገለ ድማ እንዳገፈፈ ብሓይሊ ኣብ መዓስከራት ሳዋ ዊዓን ኪሎማን ወሲዱ ክዕልምን ዋላ ናይ ካልኣይ ደረጃ መፈጸምታ ዓመት ኣብ ሳዋ ከምዝኸዉን ገበረ።

ብከምዚ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ፖሊሲ ብምጥቃም ድማ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ማሕበራዊ፡ ኣካላዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ባህላዊ፡ ወትሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ መራኸቢታትን ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝህብ ትካላት ኣስታት 500,000 ዝግመት ዓቕሚ ጉልበት ሰብ ብምዉፋር ነዞም ቀጺልና ንገልጾም ዕማማት ክዓምም ኪኢሉ ኣሎ። መታን ጽቡቕ ኣፍሉጦን ስእልን መታን ክህልወና፡ ካብቶም ዓበይቲ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ዝተዓሙ ዕማማት ብመልክዕ መግለጽን ኣሃዛዊ ጸብጻብ ክንገልጾም ክንፍትን ኢና።

 

1. ሙዕማቕን ምስፋሕ ወደብ ምጽዋዕ ናጻ ናይ ዕዳጋ ዞና ምኽላልን፡ ምሕዳስ ወደብ ዓሰብ።

2. ምስራሕን ምስፋሕን ዓለምለኻዊ መዕልቦ-ነፈርት ምጽዋዕን ዓሰብ። ምስራሕ መዕልቦ ነፈርቲ ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ናቕፋን ሳዋን።

3. ምህናጽ ንኡስ-መሳንዕ {cottage-industry} መመስርሒ መህነጺ ህንጻ ጥረ-ነገራት ኣብ ጊንዳዕ ዊዓ ገደም ሕርጊጎ ኣብ ሰምሃር ፡ መመስርሒ ፍርያት ሕርሻን ሽኮር፡ መመስርሒ ባናናን ጸብሒ-ኣቡንን ኣብ ኣለቡ…ወ.ዘ.ተ ኣብ ባርካ ተተኺሉ ኣሎ።

4. ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ናጻ ክትወጽእ እንኮላ ብድምር ናይ መባእታ፡ ማእከላይ ደረጃ፡ ካልኣይ ደረጃ፡ 1 ናይ ተግባረ ኢድ ብ.4 {Point4} ትስመ ዝነበረት 1 ብኣስመራ ዩኒቨርስትይ ትስመ ዝነበረትን ዘላን ብድምር 534 ኣብያተ-ትምህርትታት ነይረን። ሕጂ ግን ዋላ እኳ ኣስመራ ዩኒቨርስትይ ደስኪላ ትሃሉ፡ ብድምር 1548 ኣብያተ-ትምህርትታት ካብዚኣን 7 ኮሎጃትን 2 ናይ ተግባረ ኢድ ኣብያተ-ትምህርት 1 ናይ መማህራን መሰልጠኒ ኢንስትቱት…ወ.ዘ.ተ ይርከብኣን።

5. ኣብ ክንክን ጥዕና ብዝምልከት: ኣብ ኤርትራ ዓበይቲ ማእኮሎት ንኣሽቱን 190 ዝግመታ ክሊኒካትን ናይ ጥዕና ማእከላት ኣለዋ፡ ካብዚኣተን 13 ሓደስት ሆስፒታላት፡ 19 ናይ ጥዕና ማእከላት {health centers}: 112 ናይ ጥዕና መደበራት {health stations} ተሰሪሔን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከባ። ከምኡ እዉን ነርስታት፡ ናይ ጥዕና ሞኮንናት ን ሓካይም ዝማሃሩሉ ኮለጅ ጥዕና ስነፍልጠት ኣብ ሆስፒታል ኣሮታ ኣስመራ ተኸፊቱ ተማሃሮ የሰልጥን ኣሎ። ዉጽኢት ናይቲ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝተኻየደ ኣብ ዝስዕብ ቀሌቤት መርበብ ሓቤሬታ ክንበብ ይክኣል ፡-http://www.unicef.org/wcaro/soac08/profiles/3_eritrea.php

6. ናይ መሬት ትሕተ ቅርጻ (ጽርግያታት) ብዝምልከት፡ ብዘይከ ዝተሓደሱ ቢንቶታት 15 ዓበይቲ ቢንቶታት ተሰሪሖም ኣለዉ። 527 ኪ.ሜ ዝንዉሓቱ ብቕጥራን ዝተለበጠ ጽርግያ፡ 683 ኪ.ሜ ዝንዉሓቱ ብሙሩጽ ሓመድ ዝተደግደገ ጽርግያ፡ 1471 ኪ.ሜ ዝንዉሓቱ ንኡስ-ኣገልግሎት ዝህብ ጽርግያታት ተሰሪሑ ኣሎ። ካብዚ ዝነቀለ ንመጓዓዓዚ ብዝምልከት፡ ኣብ ኤርትራ ኣስታት 156 መስመራት መጓዓዓዚ {route} ብዘይካ ናይ ዉሽጢ ከተማታት ኣገልግሎት ታክስታት ኣሎ።

7. ንሕርሻን ዝስተ ጹሩይ ማይ ንምዉሓስ ብዝምልከት፡ ኣስታት 578,000 ሄክተር ዝስፍሓቱ መሬት ንክሕረስ ድሉዉ ዝኾነ መሬት ኣሎ። ካብዚ 49,200 ሄክተር ዝስፍሓቱ ኣዝዩ ስቡሕ መሬት ኮይኑ፡ ንስትራተጂካዊ ዘራእቲ ዘገልግል እዩ። ዝተፈላለዩ ንዉሓትን ዕሙቀትን ዘለዎም መስኖታት እዉን ተዘርጊሖም ኣለዉ። ኣብ መላእ ኤርትራ ኣስታት 1032 ሓደስት ዒላታት ንዝስተ ማይ ተኻዒተን ኣለዋ፡ ኣስታት 238 ዓበይቲ ማእኮሎት ንኣሽቱ ዲጋታት ተገዲበን ተሃኒጸን ኣለዋ፡ ኣስታት 324 ራህያታት እዉን ተዶኪነን ኣለዋ።

8. ንመራኸቢታትን ኣገልግሎት ፖስጣ ብዝምልከት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እቲ ኣቀዲሙ ዝነበረ ናይ መስመር ስልኪ ተለፎን ሰኪዔት ሕጂ ድማ ኣገልግሎት ተንቀሳቃሲ ተለፎን ተጀሚሩ ኣሎ። ክልቲኡ ኣገልግሎታት ቴለፎን እንዳዓበየን ተገልገልትን እንዳበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ኣገልግሎት ኢንተርነት እዉን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ተዘርጊሑ ኣሎ። 6 ቀረብት ምንጭ ኢንተርነት {internet service providers} 87 ዉሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ካፈታት ኣላዋ። ኣገልግሎት ፖስጣ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ስሉጥን ጽፉፉን እዩ ጸኒሑ: ሕጂ ግን ይግስርጥ ኣሎ። ኣገልግሎት ፖስጣ ዝህባ 73 ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብያተጽሕፈታትን ንቑጣታትን ኣለዋ።

9. ንጽዓት ኤለክትሪክ ብዝምልከት፡ ንጽዓት ሮቒሕና ክንዝት ኣብ እንጅመረሉ እዋናት፡ ንነዳድን ካልኦት መመንጨዊ ጽዓት ንዋት ዘጣቃለለ ከምዝኾነ ኣቀዲምና ክንግንዘቦ ዝግባና ጉዳይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ መጠነ ዉሑዱን ንኡሱን ዝኾነ ናይ ንፋስ መመንጨዊ ጽዓት ኣብ ደንካልያን፡ ናይ ጽሓይ መመንጨዊ ጽዓት {photovoltaic power systems }ድማ ኣብ ገለ ዓድታት ከበስን ካልኦት ቦታታት ይዝዉተር እኳ እንተኾነ፡ ጽፍሒ ተጠቃምነቱ ዓቀኑን ዓይነቱን ኣዝዩ ዱሩትን ኣብ ፈተናታት ዝርከብ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝዉትር መመንጨዊ ኤለክትሪክ ጽዓት ናፍታ ዘቃጽላ ንኣሽቱ ማእኮሎትን ዓበይቲ ናይ ሞቶር ጀነሬተራት እየን። ኣገልግሎት ጽዓት ኤለክትሪክ ኣብ ኤርትራ መብዛሕትኡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ሓዉሲ ከተማታትን ዝዝዉተር እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ስሕት ኢሉ ንኡሳን ጀነሬተራት ኣዝዩ ዱሩት ኣገልግሎት ንከባቢኤን ክህባ ይርኤ እዩ።

ነዚ ዘይሙዑርይን ዘይቡቑዕን ኩነታት ኣገልግሎት ጽዓት ኤለክትሪክ ንምቕያር ዕቱብ ጻዕርታት ዝካየድ እዩ ዝመስል፡ ዛጊት ግን 80% ዝግምገም ዓድታትን ህዝብ ኤርትራ ተጠቃሚ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ። ካብቲ ነዚ ጸገማት ንምፍታሕ ዝተኻየደ ጻዕርታት ካብ 1997 ዝጀመረ መደባት ንኣስመራ ቀንዲ መጋቢ ኤለክትሪካዊ ጽዓት ዝኸዉን ኣብ ሕርጊጎ ኣስታት 60MW ዘመንጩ ዓቢ ጀነሬተር ተተኺሉ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ድማ ብነፈርት ኩናት ኢትዮጵያ ተደብዲቡ ከምዝስንክል ኮይኑ ነይሩ። ቀጺሉ ከምዝጽገንን 88MW ከምዘመንጩ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ጎኒ ጎኒ እዚ ዓለማዊ ባንክ ብ$57.2 ሚልዮን ዝምዉሎ ናይ ገጠራት ኤለክትሪክ ጽዓት ፕሮጀክትታት እዉን ይኸይድ ስለዘሎ፡ ምዝርጋሕ ስልክታት ኤለክትሪክ ምትካል ዓንድታት ጸዋሪ ስልክታት ኤለክትሪክ፡ ምህናጽ መተሓላፊታትን መናሃርያን ኤለክትሪክ {transformer}  ንገጠራት ኤርትራ ኣገልግሎት መርሖ ዝኸፍት ይካየድ ኣሎ። እቲ ዛጊት ብጻዕቂ እዚ መስርሕ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ጥራይ ስለዝኾነ ሙዑሩይ ዝርጋሔ ኣለዎ ክባሃል ኣይክኣልን እዩ። እዚ ማለት ግን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ገጠራት ኤርትራ እዚ ንጥፈታት እዚ ኣይካየድን ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምህናጽ ምዕባሌ ካብ ማእከል ኤርትራ ዶ ንወሳናስን ኤርትራ ይኺድ፡ ወይስ ካብ ወሳናስን ኤርትራ ንማእከል ይመርሽ ዝብል እስትራተጂካዊ ሕቶ ብግቡኡ ዝጠመተን ዝመለሰ ኣይመስለናን።

ኤርትራ ብግምት 7000 በርሚል ነዳዲ ንመዓልቲ ከተህልኽ ስለ ትኽእል፡ ነዚ ሃልኪ ድማ መዓልታዊ ብናይ ደገ ሸርፊ ዓዲካ ንምምጽኡ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ ጽምዲ ጻዕርታት ንምፍትሑ ክካየድ ጸኒሑ ዛጊት ግን ብሰንኪ ሓደገይኛ ፖሊሲ ስርዓት ኣስመራ ከባቢናን ዑዉት ክኸዉን ኣይክኣለን ዘሎ።

 1. ምስ መንግስት ሱዳን ብምስምማዕ ብቀጥታ ናይ ነዳዲ ቀረብ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ብሽምብቖ መተሓላለፊ ነዳዲ ምድባይን ምዝርጋሕን መደባት ነይሩ፡ እዚ እዉን ዛጊት ብምኽንያት ፖሎቲካዊ ቅልዉላዋት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ስርዓታትን ከባቢን ክትግበር ኣይተካእለን ዘሎ።

 2. ኣብ ገማግም ቀላያት ቀይሕ ባሕሪ ነዳድን ባህርያዊ ጋዝን ኣለዎ ተባሂሉ ስለዝግምገም፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዒላታት ነዳዲ ንምንዳይ ምስ ናይ ግዳም ትካላት ፈተሽት ነዳዲ ብምሽራኽ ጻዕርታት ተኻይዱ እዩ። ብሕጂ እዉን ምስ ናይ ቻይና ኩባንያ ስምምዓት ተኸቲሙ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ዙላን ዒዲን ካብ 1997-2002 ዓ.ም.ፈ ድማ 3 ዒላታት ነዳዲ ንምንዳይ ተፋሒሩ ዛጊት ግን እቲ ፈተናታት ምንዳይ ዑዉት ኣይኮነን ዘሎ።

9. ንዕደናዊ ማሕጎዳ {mining industry} ብዝምልካት፡ ባህርያዊ ማዓድናትን ሃብትን ኤርትራ ከም ቀንዲ ምንጪ እቶት ኤርትራ ኮይኑ ከገልግል ከም ቀዳማይ ሕልሚን ራእይን ዝጸንሔ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ 1977 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ጨንፈር ማዓድን ብምምስራት ብኪኢላታት ስነ-ምድራዊ ቅየሳን ናይ ማዓድን ሙሁራት ብምእካብ ዝተፈላለየ መጽናዕትታት፡ ዳህሳሳትን ቅየሳታትን እንዳካየደ እዩ መጽዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ መንግስት ኤርትራ ኣቃልቡኡ ኣብ ምንዳይ ዝጉሑጓሕ ማዓድናት ኣዝዩ ልዑል ስለዝጸንሓ ዝተፈላለየ መሬታዊ ቅየሳን ፍተሻን ምስ ናይ ግዳም ዓደንት ኩባንያታት ብምሽራኽ ብንጥፈት ክሰርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ዛጊት ክዕደን ዝኽእል ቦታታትን ኤርትራ ዓዲ-ንፋስ፡ እምባደርሆ፡ ድባርዋ፡ ቢሻ፡ ኣዉጋሮ ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት ልዑል ዑዱን ማዓድናት ናሕሲ፡ ወርቂ፡ ቡሩር፡ ኒከሊ፡ ዚንጎ…ወ.ዘ.ተ ከምዘሎ ድማ ተራጋጊጹ ኣሎ። መንግስት ኤርትራ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘተኮረ፡ ዝገብሮ ዓለምለኻዊ ስምማዓትን ሽርክነትን ኣዝዩ ጥንቁቅ ኣታሓሕዛ ዘለዎ ይመስል። ምኽንያቱ፡-

 1. ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ሽርክነታዊ ብጽሒተን መብዛሕትእን ሃገራት ዋሃ እንተተባህለ 20% እዩ። መንግስት ኤርትራ ግን ዕጽፊ 40% ምስ ኩባንያ NEVSUN ተሳማሚዑ ኣሎ።

 2. ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ መዕደኒ ዝኸዉን ናይ ማሕጎዳ ትሕተ-ቕርጽታት ናይ ደገ ተኳናተርት ህንጻ ኣትዮም እዮም ዝሰርሕዎ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ናይ ዉሽጥ ሃገር ትካል ህንጻ ሰገን ነቲ ናይ ቢሻ ትሕተ-ቕርጻ ክትሰርሖ ጀሚራ ኣላ። ስለዚ ካብዘን ክልተ መሰረታዉያን ሮቓሒታት ብምንቃል፡ መንግስት ኤርትራ ካብቶም ካልኦት ጽላታት ወጀ-ሃላይ ዝሕዞምን ዘካይዶምን ንጥፈታት ኣብ ንመዕደናዊ ማሕጎዳዊ መዳይ ብዝምልከት ሩጡብ ኣጋባብ ኣካይዳ ኣለዎ ክባሃል ይክኣል።

ፕሮጀክት መዕደኒ ቢሻ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ ኮምሽን ክጅምር ትጽቢታት ኣሎ። እቲ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክዝርበሉ ዝኽእል ንእቶትን ኣጣቃቅምኡን መዓላታቱን…ወ.ዘ.ተ ብዝምልከት ብቀጥታ ምስቲ ፖሎቲካዉን ምጣኔ ሃብታዉን ፖሊሲታት ናይቲ ህሉዉ ስርዓት ስለዝታኣሳሰር ኣብ መወዳእታ እዚ ዛዕባ መዛዛሚና ከነስምረሉ ኢና።

መዛዘሚ ንምጣኔ-ሃብታዊ ክዉንነት ኤርትራ፡ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ብግስ ካይበለ ብኣብ ትሕቲ ፖሎቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ምዕብልና ምልኪ ተሞርኪሱ እዩ ዝነቀለ። ነዚ ብመርትዖታት ንምስናይ ከምዚ ዝስዕብ ይኸዉን፡

1. ኣብ ፖሎቲካዊ መዳይ፡ ንሕና ንናጽነታዊ ሰዉራ መሪሕና ስለዘዐወትና፡ ነዚ ህዝብ፡ መንግስትን ሃገርን ንመርሖ ንሕና ጥራይ ኢና! ሓሸዉየ ናይ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታትን ድሕሪ ሕጂ የሎን ብምባል ሰኸኽ ካይበሉ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ዶርጊሖሞ እዮም። ነዚ ብወግዒ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ዝተዛረቡሉ ድማ ኣብ 1992 ዓ.ም.ፈ ፕረዚደንት ኢሰያስን፡ ኣብ 1995 ዓ.ም.ፈ ድማ ሓለፊ ወዳቢ ኣካል ህ.ግ.ደ.ፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር እዮም። ካብዚ እምነትን መግለጺታትን ብምብጋስ ድማ ፍጹም ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ሃኒጾም። ሕጂ እዉን ኣብ ስነ-ኣእሙራዊ ቕኒቶምን መዓልታዊ ተግባራቶምን ናይቶም ፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጦም ዝመርሕ ዘሎዉ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ንሕና ዘይንመርሓን ዘይንዉንናን ኤርትራ ዋላ ኣብ ማዓሙቕ ቀላይ ባሕሪ ሰጢማ ትጥለቕ ዝብል ሕልና ዘለዎም ይመስሉ። ህዝቢ ይኹን ሰራዊት መላእ ሃገር ማኣዝኑ ኣጥፊኡ እንዳተባታተነ ከንሱ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝባታትን ዘሎ ፖሊሲታቶም ምምዕራይን ልጓም ጭቖንኦም ምፍካስ መመሊሶም ከኽርርዎ ይራኣዩ ኣለዉ።

2. ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ መዳይ፡ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ናይ ህንጻ ትካላት ከምባዓል ብድሆ፡ ገደም፡ ሰገን…ወ.ዘ.ተ፡ ፋብሪካታት፡ ንግዳዊ ጋራጃት ከም ባዓል ጋራጅ ዓንቦርቦብ ፡ ጋራጅ ጽርበት ሓጺን ኣዶብሓ፡ ኣምጻእን ላኣኽን ትካላት ከምባዓል ቀይሕ ባሕሪ {09}: ናይ ወጻኢ ገንዘብ መሽረፊን መሐወልን ትካላት ከም ብዓል ሂምቦል፡ መጋዓዓዚ ኣዉቶቡሳት፡ ሚኒባሳት፡ ታክስታት ከምባዓል ኩባንያታት መጓዓዝያ ገመልን ሓራትን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ንመዓልታዊ ሃላኺታት ገዛ ዝሸጣ ኣሽባሽቶታት ብስም ርትዓዊ ድካናት ዝፍለጣ፡…ወ.ዘ.ተ ብመንግስት ቆይመን ብመንግስት ዝማሓደራን ዝዉነናን ስለዝኾና፡ ኣብቲ ሃገር መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ጥራይ ዝባሓትኦ ዕዳጋን ምንቕስቃሳትን ጥራይ እዩ ዘሎ።  ዉጽኢት ናይ ከምዚ ዓይነት ንጡፍ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ድማ እዚ ዝስዕብ ሳዕቤናት የኸትል፡-

1. ምቡሕጋግን ምድካይን ማእከላይ ደርቢ እቲ ሕብረተሰብ የስዕብ። ስቡሕ ማእከላይ ደርቢ እንተዘየሎ                  ድማ ዲሞክራሲ ንምርግጋጹ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።   

2. ምድካይ መላእ ሕብረተሰብ የስዕብ፡ እቲ ኣቀዲሙ ድኻ ዝነበረ ድማ ናብ በተኽነት ይቃላዕ።

3. ንምጣኔ ሃብታዊ ብልሽዉናታት ብቁሉዕ መልክዓቱ ሕጋዉነት የልብስ።

4. ሃብትን ገንዘብን እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዉሑዳት ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ዜጋታት ይብሓት።

5. ዘይምምጥጣን ቀረብን ጠለብን የስዕብ።

6. ምጣኔ ሃብታዊ ቅልዉላዋትን ሃሚታትን የስዕብ።

7. ሕብረተሰብ ስለዝደኪ፡ ንዕዳጋ ወሪዱ ስለዘይሽምት፡ ምንቕስቃስ ገንዘብን ዕዳጋን ይልህምምን ይመክኽን። ምልህማምን ምምካኽን ዕዳጋ ድማ ንፍጹም ዉድቀት የንቆልቁል።

8. ዜጋታት ክነብሩ ስለዘጸግሞም ንክስደድን ዝተፈላለየ ነዉጽታት ኣብቲ ሃገር ንክግሃድ ይድርኽ።

9. ዜጋታት ንዓጸቦ፡ ጥምየትን ዘይተደልየ ሞትን ይቃልዑ (ብፍላይ ድማ ህጻናትን ኣረገዉያን)…ወ.ዘ.ተ።

መንግስት ንጡፍ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ዝዉንን ዘካይድን እንተኾይኑድማ እዚ ዝስዕብ ሳዕቤናት የኸትል፡-

1. መንግስት ዝበዝሓ ሰራሕተኛታት ዝዉንን ዶሞዝ ዝኸፍልን ኣብታ ሃገርን ንሱ ጥራይ እዩ። ዉሽጣዊ ኣታዊታቱ ብቀረጽ ካብ ህዝቢ ዝእክቦ፡ ኣዝዩ እንዳዉሓደ ስለዝኸይድ፡ ጃምላዊ ሃገራዊ እቶት (GDP) ስለዝሽምረር ናይ ዕዳጋ ሓርጎጽጎጻት ከጋጥሞ እንኮሎ፡ ክጻወሮ ስለዘይኽእል፡ ሓደ ሓደ ግዝያት ዶሞዝ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ክኸፍለሉ ዘይክእል ደረጃ ክወድቕ ፍጹም ተኽእሎታት ኣሎ።

2. መንግስት መላእ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ…ወ.ዘ.ተ ምሕደራ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ስለዝኾነ፡ ኣዝዩ ማእጋርን ዘይቑርጥዉን ጽዕነት ዕማማትን ዉሳኔታትን ኣብ ልዕሊኡ ስለዝጻዓን ንምቁጽጻሩ ምምሕዳሩ የጸግሞ እሞ ንሃገራዊ ሓደጋታት ከጋጥም ዝተቃልዐ ይኸዉን።

3. መንግስት ዝበዝሔ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት 80% ዝዉንን ብምኻኑ፡ ክሳራን ዉድቀትን እዘን ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ከጋጥም እንኮሎ ዉድቀቱን ክሳራ ህዝብን መንግስት እዩ ዝኸዉን። ዝወደቀን ዝኸሰረን መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላቱን ወናኒኤን መንግስትን ድማ ካብ ክሳርኡ ንምሕዋይ ቀረጻት ብምልዓልን ዘይተደልየን ዘይጉቡእን መቕጻዕትታት እንዳዘዉተረ ንህዝቢ እንዳመጸየን እንዳመዝመዘን ትንፋስ ክሰኩዕ ስለዝህቕን ካብ ኣፍ ህዝቢ ኩላሶ እንዳመንጠለ ክዕንገል ይፍትን።

4. ወትሩ-ጊዝያት ዝታሓተ ናይ ስራሕ ጽፈት፡ ዝበዝሔ ናይ ስራሕ ስዓታት ምብኻን፡ ምብኻን ልዑል ጥርዚ ሃገራዊ ሃብቲ፡ ሕጽረታት ዲስፕሊን ስራሕ…ወ.ዘ.ተ ዘለዎ መንግስትን መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ስለዝኾኑ፡ መንግስት ካብ ኣታዊታቱ ወጻኢታቱ ክበዝሕ እዩ። ካብ ኣታዊታቱ ወጻኢታቱ ዝበዝሕ መንግስት ድማ ንንብሱን ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕሚ እቲ ሃገርን ህዝብን ለኪሙ ንዉድቐቱ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስናዮ ክዉንነት እዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ህያዉ ዘሎ።

እዚ ኣብ ዓለምና ተጋሂዱ ዘሎ ምጣኔ ሃብታዊ ቅልዉላዋትን ሃምን ብቀጥታ ንምጣኔ ሃብታዊ ዓቕምታት ኤርትራ እኳ እንተዘይሃሰዮ፡ ብተዛዋዋሪ ግን ምስቲ ዘሎ ዉሽጣዊ ፖሊሲን ምጣኔ ሃብታዊ ህሞታት ተኣሳሲሩ ኣዝዩ ክሃስዮ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ዘድሊ ቀረባት ካብ ደገ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ተዓዲጉ ስለዝመጽእ እዩ። ኣብ ዓመት ዳርጋ መንግስት ኤርትራ ንዕድግታት ሃለኽትን ቀረባትን ንምዕዳግ ኣስታት $400 ሚልዮን ዶላር የድልዮ። ነዚ ገንዘብ እዚ ንምርካብ ሰደድ ክገብር ኣለዎ ወይ ድማ ካብ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ንስድራቤታቶም ዝላኣኽ ገንዘብ {remittance} ክርከብ ኣለዎ። ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ንስድራቤቱ ዝልእኾ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣስታት $300 ሚልዮን ይግመት ነይሩ። ሕጂ ግን ዓለማዊ ምጣኔሃብታዊ ቅልዉላዋት ኣጋጢሙ ስለዘሎ እዚ ዝስደድ ዝነበረ ገንዘብ ክንኪ ምኻኑ ዘየጣራጥር ሓቕታት እዩ። ከም ሳዕቤኑ ሕጽረታት ቀረብን ጠለብን፡ ሕጽረታት ዑደተ ገንዘብ…ወ.ዘ.ተ ክጋሃድ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ድማ ምጣኔ ሃብታዊ ዘይሩጉእነትን ናህሪ ዘለዎ ሓርጎጽጎጻት ዕዳጋ ከስዕብ እዩ።

ነፍስ-ወከፍ ክዝንግዖ ዘይብሉ ጭቡጥ ሓቕታት ኣሎ። ንሱ ድማ ንጡፍ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ን መንግስታዊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲታት መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ከትግብር ክዉስን እንኮሎ፡ ብሃዉሪ ትም ኢሉም ወይ ጽቡቕ መሲልዎ ከም ምርጫ ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉ ዘይምኻኑ እዩ። እንታይ ድኣ ከም ቀዳማይ ዕላማ ሃብታም መንግስት ንምፍጣር ዝሃቀነ እዩ። ሃብታም መንግስትን ፍጹም ዓብላልነት ምጣኔ-ሃብታዊ ስልጣን ምህላዉ ከም ሳዕቤኑ ፍጹም ፖሎቲካዊ ስልጣን ስለዝኾነ፡ ንኹሉ ስልጣናት ዓትዒቶም ክሕዝዎ ስለ ዝወሰኑ እዮም። ካብዚ መንግስታዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ትካላት ን መንግስታዊ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊሲታት፡ ዝረብሕ ዜጋ እንተሃሊዩ ድማ ጥራይ እቶም ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ናይቲ ስርዓት ዘለዉ ሰብ መዝታትን፡ ናቶም ኣገልገልቲ ዝኾኑ ኣብ ማእከላይን ታሕተዋይን ጽፍሕታት እቲ መንግስት ዝርከቡ ዉልቀሰባትን ነጋዶ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ጥራይ እዮም።

ኣቀዲምና ኣብ ላዕሊ ከም ዝጣሕመስክዎ ብናጻ ጉልበት ዜጋታት ወይ ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ኣዝዮም ዓበይቲ ኣካላዉን ማሕበራዉን ትሕተ-ቅርጻታት እኳ እንተተሃንጹ፡ እዞም ትሕተ-ቅርጻታት ኣብ ክንዲ ኣብ ምልዓል ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምልዓል ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕሚ ሕብረተሰብ፡…ወ.ዘ.ተ ዓቢ ግደ ዝጻወቱ፡ ከም መጅሃርን ንሰርሕ ኣሎና መበሊ ነቲ ስርዓት ን መድከይን መባታተንን ነቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኮይኖም የገልግሉ ምህላዎም ኩላትና ንሳማማዓሉ ሓቂ ንኽኸዉን ሰብ ሙሉእ ተስፋ ኢና።

ኣብያተ-ትምህርቲ ተሰሪሑ ተማሃራይ ዘይምሃረሉ እንተኾይኑ፡ ኣብያተ-ክንክን ጥዕና ተሰሪሑ ሕሙም ዜጋ ዘይሕከመሉን መድሃኒት ዘይርከበሉ እንተኾይኑ፡ ጽርግያ ተሰሪሑ ዜጋ ተንቀሳቂሱ ዘይነግደሉን ዘይራኸበሉን ዘይግልገለሉን እንተኾይኑ…ወ.ዘ.ተ ምህናጽ ኣካላዉን ማሕበራዉን ቅርጻታት እንታይ ትርጉም ይህልዎ? ብዝመስለና ዋላሓንቲ ፋይዳ የብሉን። የግዳስ ንመጻኢ ከም ዓቢ ኣካላዉን ማሕበራዉን ምጣኔሃብታዉን መትንታትን ምንጻፍ ክኸዉን ከምዝኽእል ዘየካትዕ እኳ እንተኾነ፡ ሎሚ ዘሎ ወለዶ ኣዝዩ እንተተሃስዩን ተባታቲኑን፡ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ወሎዶ እዉን ንኽጥቀመሉ እስትንፋስን ንያትን ክህልዎ ስለዘይኮነ፡ ብቀሊሉ ክዕረ ዘይክእል ኩሉእንትናዊ ምጣኔሃብታዉን ማሕበራዉን ዕንወታት ከኸትል እዩ።

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: