Eritrea real clear politics's Weblog

February 8, 2009

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part3

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:45 am

4.ንዉሕስነት መግብን ዝስተ ጽሩይ ማይ ብዝምልከት፡

 

መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)  ዝተፈላለየ ኣካላዉን ማሕበራዊ ቅርጻታት {Physical and social infrastructure} ማለት ጽርግያታ፡ መዕርፎ-ነፈርትታት፡ ራህያታት፡ ሓጽብታት፡ ኣብያተ-ትምህርትታት፡ ዘመናዊ ናይ ልምዓት ግራዉቲ፡ ጥሙር-ማሕረስ፡ ምግፋሕን ምዕማቕን ወደባት ኤርትራ፡  …ወ.ዘ.ተ ብወፍርታት ዋርሳይ ይክኣሎ እኳ እንተሰርሔ፡ ዛጊት ግን ኣብ ኤርትራ በዚ ዝተሰርሔ ትሕተ-ቅርጻ ተጠቂምካ ዉሕስነት መግብን ዝስተ ጹሩይ ማይ ተራጋጊጹ ድዩ ንዝብል ሕቶ ብርጡብ ምምላስ ከድሊ እዩ። ኣብ ዓመተ 2006 ኤርትራ ን ዓመታዊ ቀለብ ካብ ዘድልያ 13-18% ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣፍሪያ። ኣብ 2007 ድማ ካብ 42-48% ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣፍርያ። እዚ እቶት ምርካቡ ህጡር ዝኾነ ዝናብ ኣዝመራን ክራማትን ስለዝነበረ እዩ። ከምቲ ዝድለ እኳ እንተዘይነበረ ኤርትራ ብከፌል ናይቲ ዘድልያ ዓመታዊ ቀለብ ምህርቲ-እኽሊ ኣእትያ እያ። ኤርትራ ልዕሊ እዚ ዘእተወቶ ከተእቱ ትኽእል ነይራ፡ የግዳስ እቲ ክሓርስን ክሕምስን ዝኽእል ሰብኣዊ ዓቕሚ ጉልበት ሰብ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተገፊፉ ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከራት ስለዝተወሸበ፡ ኩሉ ዝሕረስ ዝነበረ ግራዉትን ክሕረስ ዝግብኦ መሬት ካይተሓርሰ ቛዲሩ ስለዝተረፈ፡ ህጡር ኣዝመራን ክራማትን እንኮሎ እኩል ምህርቲ-እኽሊ ክሕፈስ ኣይተኽእለን።

ሕጂ ኣብ ዓመተ 2008 ስሕዉ ዝናብ ኣዝመራን ክራማት ስለዝነበረ፡ ሕጽረታት ምህርትን-እኽልን መግቢ ኣጋጢሙ ኣሎ። ከም መርኣያ ናቱ ኣብ ኤርትራ ጸሊም ሕብስት ክስንከትን ክሽየጥን ጀሚሩ ኣሎ። ንኩንታል ማሸላ 4000 ናቕፋ ንኩንታል ጣፍ 11000 ናቕፋ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ይሽየጥን ይልወጥን ኣሎ። ሕጽረታት ዝናብን ምቕይያር ክሊማ ዓለምና ነዚ ዘሎ ስርዓት ከተላግበሉ ዘይግባእን ዘይክኣልን እኳ እንተኾነ፡ ወዲ ሰብ ዝዓበየ ቃልሱ ንኩነታት ባህሪ ተላማሚዱን ኣጽኒዑን ንመዓላታቱ ክቕይሮ ቀዳማይ ክፍታሕ ዘለዎ ባህርያዊ-ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ካብቲ ወዲሰብ ዝፈጠሮም መሳናኽላት ንምፍትሑ ዝጠፍኤ ጽዓትን ጊዝየ ቀዳምነታት ብዘይምሃቡ ግን፡ ከም ዓቢ ናይ ቀዳምነታት ኣሳራርዓ ጉድለት ክግለጽ ይክኣል እዩ።

ብሓፈሽኡ ምልዉዋጥ ክሊማ ዓለም ዝፈጠሮ ናይ ዝናብ ሕጽረታት፡ ኣብዘይተደልየ ቦታን ወቕት ምዝናብ፡ ዝናብ ጸያቂ ማዕጺድ ምግጣሙ፡ ሕማማት ዘራእትን ባልዕእኽልን ምግሃዱ፡ ንዘራእቲ ዝሃሲ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ከምዚኦም ባህርያዊ ጸገማት ምህላዉ፡ ንኣብነት ኣብ ዓመተ 2007 ኣስታት 3 ሚልዮን ኩንታል ዝግመት ኣእካልን ኣስታት 1 ሚልዮን ኩንታል ዝግመት ጥሬታት ከም ኣዳጉራ፡ ፉል፡ ባሎንጋ፡ ዓተር፡ ብርስን፡ ሰበረ.. እስትራተጂካዊ ኣእካልን ፍርያትን ከም ጡጥ፡ ስምስም፡ ምህርቲ ነይሩዋ። እዚ ምህርቲ እዚ ብዘይካ ዘመናዊ መስኖን ሞቶራት ጮንጋዕቲ ማይ ዝሰትዩ ጀራዲን ኣራንሽ፡ መንደሪን፡ ኣሕምልቲ፡ ኮመደረ: ጉዕበርበረ፡ ሽጉርቲ.. ኣብ ኣፍሂምቦል፡ ሳዋ፡ ኣለቡ፡ ዓላ፡ ማይዓይኒ፡ መሎበርን፡ ዓድዑመር.. ዝፈረዩ እዩ።

እዚ እቶት እዚ ንዓመታዊ ዉሕስነት መግቢ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ምርግጋእ ዕዳጋን ዘራጋግጽ ከምዘይኮነ ንጹር እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ዉሕስነት ዓመታዊ ቀለብ መግብን ምርግጋእ ዕዳጋን ክራጋገጽ ብዉሑዱ፡ ኤርትራ 6 ሚእቲ ሽሕ ቶን ዓመታዊ እቶት ምህርቲ ክትሓፍስ ኣለዋ። ነዚ እቶት እዚ ክትሓፍስን ቀጻልነት ክህልዎ እንተኾይኑ፡ ንካብ ሰማይ ዝዘንብ ዝናብ ተጸቢኻ፡ ዘይቡቑዕ ኣጣቃቅማ ማይ እንዳኣዘዉተርካን ልምዳዊ ኣጋባብ ማሕረስ እንዳተጠቀምካን፡ ክሓርስ ዝኽእል ጉልበት ሰብ ኣብ ወትሃደራዊ ማዓስከራት እንዳወሸብካ፡ ንሓረስቶት ኣብ ክንዲ ክሓርሱ ምትብብዖኦም ዝሓፈስዎ ምህርቲ ብምግዳድ እንዳዓደካን እንዳመንዛዕካን…ወ.ዘ.ተ ፈጺሙ ኣይክኣልን እዩ። እቲ እንኮ ዘዋጽእ፡ ኤርትራ ንኹሉ ዘለዋ ዕዱን ሃብቲ መሬትን ሓመድን ብዘመናዊ ሕርሻ ኢንዱስትሪ {Agro-Industries} ክትጥቀም ክትበቕዕ ኣለዋ። ፍሉጥ እዩ ኤርትራ ነዚ ክትበቕዖ ድማ ዓሰርተታት ቢልዮናት ዝግመት ገንዘባዊ ወፍሪ፡ ጥዑይ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ትካላዊ ምሕደራ፡ ዝተነጸረ ዉጥን፡ ሰብኣዊ ጸጋታትን ማሕበራዊ ምዕብልናን (Human Resources and Social Development)፡ ተዛማዲ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዉሽጥ ህዝባን ምስ ጎረባብታን ስግረ-ጎረባብታ ሃገራት ዓለም ክህሉዋ ከድሊያ ምኻኑ ሩድኡ  እዩ። እዚ ድማ ዛጊት ኣብ ኤርትራ ዝተበጽሔ ቅድመ-ዕየራ {criteria} ኣይኮነን። ኣንኳይ ዶ ኤርትራ ሓዳሽ ሃገርን ብፍጹም ምልካዊ ስርዓት ትማሓደር’ስ እተን ናይ ናዊሕ ዘመናት ናጽነትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣሎና ዝብላ ሃገራት ኣፍሪቃ እዉን ኣይበጽሕኦን ዘለዋ። እሰን ስለዘይበጽሖኦ ግን ናይ ኤርትራ ምኹኑይ ክኸዉን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

ንዝኣረገ ትሕዞ መሬት ንምህብታሙ ዘይተደነ ዘመናዊ ድኹዕታት ከድሊ እዩ። ሓያልን ኣዝዩ ንጡፍ ምግራብን ምክንኻን ኣግራብ ከድሊ እዩ። ሓመድ ተባሕጊጉን ተፈጊሩን ካይከይድ ምዝላይ ጸድፍታትን ኩርባታትን ከድሊ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዓመታዊ ኣብ ወቕቲ ክራማት ምግራብ ብወፍሪ ተማሃሮ ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ ቀጺሉ ነቲ ዝተተኽለ ፈልሲ ኣግራብ ዝካናኸኖን ማይ ዘስትዮን ስለዘየሎ ዳርጋ 95% ደሪቁ ዝመዉት እዩ። ምዝላይ መሬት ብወፍሪ ዓድታት ንከባቢኦም ይካየድ እዩ የግዳስ ዛጊት ብኣዝዩ ዕቱብ መደባት ዝተታሕዘ ኣይኮነን። እዚ ክንገልጾ ዝጸናሕና ንጥፈታት ብቀጥታ ምስቲ ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ ስለዝታኣሳሰር እዩ።

ከምቲ ኣቀዲምና ብሓጺር ዝገለጽናዮ፡ ንሕርሻን ዝስተ ጹሩይ ማይ ንምዉሓስ ብዝምልከት፡ ኣስታት 578,000 ሄክተር ዝስፍሓቱ መሬት ንክሕረስ ድሉዉ ዝኾነ መሬት ኣሎ። ካብዚ 49,200 ሄክተር ዝስፍሓቱ ኣዝዩ ስቡሕ መሬት ኮይኑ፡ ንስትራተጂካዊ ዘራእቲ ንምፍራይ ዘገልግል እዩ። ዝተፈላለዩ ንዉሓትን ዕሙቀትን ዘለዎም መስኖታት እዉን ተዘርጊሖም ኣለዉ። ኣብ መላእ ኤርትራ ኣስታት 1032 ሓደስት ዒላታት ንዝስተ ማይ ተኻዒተን ኣለዋ፡ ኣስታት 238 ዓበይቲ ማእኮሎት ንኣሽቱ ዲጋታት ተገዲበን ተሃኒጸን ኣለዋ፡ ኣስታት 324 ራህያታት እዉን ተዶኪነን ኣለዋ። የግዳስ ኩሉ ትጽቢታት ካብ ሰማይ ጥብ ትብል ማይ ትጽበዮ ጉዳይ ስለዝኾነ ዉሑስ ኣይኮነን።

ምንጻፍ ትሕቲ መሬት ኤርትራ ዋሕድታት ማይ ስለዘጥቕዖ እቲ ዝተዃዕተ ዒላታት ማይ ከመንጩ እንተኾይኑ ዝናብ ክዘንብ ኣለዎ። ዝናብ እንተዘይዘኒቡ ነጺፉ ዝተርፍ ጎዳጉድን ጓብላታትን እዩ። ካብዚ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ሓቕታት ብምንቃል ኣብ ኤርትራ ዉሕስነት መግብን ዝስተ-ጹሩይ ማይ ርጉጽ ኣይኮነን። ምስእዚ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ምቕይያር ክሊማ ምንሃር ነዳድን መግብታትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንሓደጓ  ጥሜት ዓጸቦን ጽምእን ንክቃላዕ ዝተዋደደ ይመስል። ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ወይ ክራማት ባሕሪ ጽቡቕ ዝናብ ስለዘሎ ግን ምልክታት ጮራ ድሕነት ብከፊል ኣሎ ክባሃል ይክኣል እዩ። ሎሚ ባሕሪ ብህርመት ዝናብ እንተጸጊቡ ንዓመታ ድሓን ዝኾነ ዝናብ ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ቢሂላዊን ስነፍልጠታዉን ጥቆማታት ኣሎ። ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ካልኣዊ ደረጃ ኣብ መስርዕ ቀዳምነታት ናይ ዕዮ-ዕማም እንተተሰሪዑ፡ ክሓርስን ክሕምስን ዝኽእል ዓቕሚ-ሰብኣዊ ጉልበት ኣብ ካልእ መዓላታት እንተዊዕሉ፡ ንሓረስቶት ንከሓርሱ ዘየታባብዕ ፖሊሲ መንግስት እንተቀጺሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፍጹም ዓጸቦን ጥሜትን ክቃላዕ እዩ።

ኣብ ዓመተ 2008 ዝናብ ኣዝዩ ስሑዉ እዩ ነይሩ። እቲ ብከፊል ዝሕፈስ ዝነበረ ምህርቲ እዉን ኣይትሓፍሰን። መንግስት ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ማሕረስ ፍርያት ንምቁጽጻሩ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ንብቃጽዖታታት ዝሓረሱ ሓረስቶት ምህርቶም ንመንግስቲ ከረክቡ እዉን የገድዶም ኣሎ።  

ምስቲ ኣብ ዓለምና ገጢሙ ዘሎ ምጣኔ ሃብታዊ ቕልዉላዋትን ምንሃር ዋጋታት መግቢ ኣብ ዓለምና ብ48% ን ፖሊሲ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ረዲኤት ስራሕ-ንገንዘብ (cash-for-work policy) እንታይ ከምዝኸዉን ክግመት ዝክኣል እኳ  እንተኾነ፡ ኣቀዲምና ሕማቕ ፋላት ክንስንዝር ኣይንደልን። ዓለማዊ ባንክ ኣብ 09 ጥቅምት 2008 ዝዘርግሖ ገምጋማቱ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 28 ሃገራት ዓለምና ብሕጽረታት ገንዘብን ዕድግን ቀረባትን ክትሳቀ ምኻና ይጥቁም። እቲ ረዲኤት ስራሕ-ንገንዘብ ዝብል ፖሊሲ ቀንዲ መበገሲኡ ካብቲ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዘዉትር ዘንህየሉ ፍልስፍና ርእሰ-ሙርኮሳ {self-reliance} ዝነቕል እኳ እንተኾነ፡ ዕላምኡ ግን ንመግቢ ከም መቕጽዒ ፖሎቲካዊ ንዋት ክጥቀመሉ ስርዓት ኣስመራ ስለዝወሰነ እዩ ዝብል ገምጋማዊ ዕግበታት ኣሎና።

ካብዚ ኩሉ ዝጣሕመስናዮ ሮቓሒታት ብምንቃል ዛጊት ኣብ ኤርትራ ዉሕስነት መግብን ዝስተ-ጹሩይ ማይ ኣይተራጋገጸን ብምትእምማን ክባሃል ይክኣል። መግቢ ምምጋብን ጹሩይ ማይ ስስተ ምስታይን ድማ ኣድማሳዊ መሰል ኩሉ ፍጡር እዩ። ኣንኳይ ዶ ህዝቢ ኤርትራስ እንስሳ-ዘገዳምን እንስሳ-ዘቤትን ኤርትራ ጠበቕ ሙጹጹላይ…ወ.ዘ.ተ!!! እዉን ካይተረፉ ዝብላዕ መግብን ዝስተ ማይን ክረክቡ ኣለዎ። ቀንዲ መሰረት ናይቲ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ካብ ዘንቀልዎ ቀንዲ ሕቶታት ድማ ንሱ እዩ።

 

5.ንሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ብዝምልከት፡

 

ሕብረተሰብኣዊ ሃለዋት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደጓ ዘሎ ይመስል። ሓደ ሕብረተሰብ ሃለዋቱ ንክትመዝኖ በታ ዝንኣሰት ምጣኔ ሃብታዊ ኣሃዱ ወይ ሓንቲ ስድራቤት ኤርትራ ኢኻ ትመዝኖ።  ዝተፈላለያ ማይ-ቤታት ወይ ስድራቤታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ቀጸላ፡ ምጣኔ ሃብታዊ ዓቕምታትን እትዋትን፡ ዝተፍላለየ መዓልታዊ ናይ መናባብሮ መንበሪ ሞያታት…ወ.ዘ.ተ እኳ እንተሃለወን 80% ሕብረተሰብ ኤርትራ መናባብሩኡ ኣብ ልምዳዊ ማሕረስን ምርባሕ እንስሳ ዝተሞርኮሰ ስለዝኾነ ተዛማዲ ምጣኔሃብታዊ ዓቕምታትን ሕብረተሰብኣዊ ሃለዋት ዘለዎ እዩ። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዘቖማ ስድራቤታት ወይ ማይቤታት ኣብ ፍጹም ሻቕሎት፡ ምብትታን፡ ስደት፡ ሽርበት፡ ድኽነት፡ ሓድሕዳዊ ግርጭት፡ ጉዱድ ዕስክርና፡…ወ.ዘ.ተ ስለዝተሸማ ኣስተርሕያ ብሰላምን ቅሳነትን ፍስሃን ደስታን እትነብር ስድራ-ቤት የላን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኩለን ስድራ-ቤታት ወይ ማይ-ቤታት ኤርትራ ይዕበ ይንኣስ፡ ይዕሞቕ ይቕረብ፡ ይንዋሕ ይሕጸር በቲ ኣቀዲምና ዝጣሕመሰናዮ ሽግራት ስለዝተለኽፋ፡ ሃለዋት እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ መስቀላዊ- መገድን ሓደጋ ኣሎ ንብል ኣሎና።

1.ኣብ መላእ ኤርትራ ምዑሩይ ዝርጋሔ ሕብረተሰብኣዊ ኣገልግሎት ዛጊት ኣይተበጽሓን።

 

2 ኣብ መላእ ኤርትራ ምሕላዉ ሕብረተሰብኣዊ መሰላት ኣይተራጋገጸን።

3.መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ምትእትታው ኣብ ብሕታዊ ናብራን፡ ስድራ ቤትን፡ መንበሪ ኣባይት፡ ዉልቃዊ ንብረት፡ ምህርትን፡ ሕብረተሰብኣዊ-ርኽኽባትን ስለዝገብር ትኹላዉን ጋድማዉን ዝምድናታትን ርኽክባትን ስድራቤትን ሕብረተሰብ ንዘይተደልየ ማኣዝን የምርሕ ኣሎ።

4.መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንስድራቤታት ኤርትራ ወሊደን ዘዕበይኦም ደቀን ብሓይሊ ብምምንዛዕ ኣገልገልቲ ናይ ዝወጠኖም ኪናትን ስርሓት መተግበሪ ይጥቀመሎም ኣሎ። እታ ዘዕበየት ስድራቤት ዓስቢ ናይ ዘካየዶቶ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ዉላዳ ኣብ ክንድ ትፍደ ከምትባድን ትኸዉን ኣላ።

5.ዉልቃዉን ስድራቤታዉን ዉሕስነት ጸጥታ ዜጋታት ኣብ ኤርትራ ዘይተራጋገጸ እዩ። ሰባት መዓልታዊ ይሽረቡ ሃለዋቶም ንምድህሳስ ዝካየድ ንጥፈታት ድማ ብሕጊ ዉሑስ ስለዘይኮነ ንምንዳዮም ዝካየድ ፈተነ ሙኹን እዩ።

6.ሕብረተሰብኣዊ ግፍዕን ሃይሞኖታዊ ኣድልዎን እዉን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ኣዝዮም ዉሑዳን ዝኾኑ ኣመንት ጆሆባን ጵንጠቆስተ ይርኤን ይዝዉተርን። መንግስት ብመገዲ ሃይሞኖታዊ ጉዳያት ትካሉ ኣቢሉ፡ ኣብ ሃይሞኖታዊ ጉዳይ ህዝብና ምትእትታዉ ይገብር እዩ።

7. ከም ሳዕቤን ናይቲ ን30 ዓመታት መመላእታ ንኤርትራ ናጻ ንምግባር ዝተኻየደ ኪናትን፡ ኣብ 1998-2000 ዓ.ም.ፍ ብዶብ ተሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኪናት፡ ሃገርና ኤርትራን ሕብረተሰብናን ልዕሊ 100 ሽሕ ስዉኣት ልዕሊ 30 ሽሕ ናይ ኩናት ሱንኩላን ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ። ሓድግታት ኪናት  ኣዝዩ ድሙቕ ስምብራት ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ዘይተደነ ዝኽትምና፡ ብርሰት ስድራቤት፡ ብሰንኪ ቀዋሚ ስንክልና ፍጹም ጽግዕተኛነት፡ ስነኣእሙራዊ ጭንቀትን ነዉጽን፡ ዝልዕሎም ዝሳኣኑ ኣረጋዉያን ወለዲ ስዉኣትን ስንኩላንን፡ ድኽነት…ወ.ዘ.ተ ሓዲጉ እዩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)ን ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾኑ ዜጋታት ንስድራቤት ስዉኣትን ስንኩላንን ንምሕጋዝን ርእሶም ዝኽእሉሉ ባይታታት ንምፍጣር ሓገዛትን ጻዕርታትን ወፈያን ለቃሕ ገንዘብን ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ዝተነጸረ ግሉጽነት፡ ቀጻልነት ዘለዎ ቁርጡዉ መደባት ካብዘይምኻኑ ዝነቀለ ኣብ ምልዓል መናባብሮ ናይቶም ዝእለዩ ዜጋታት መሰረታዊ ለዉጢ ከምጽእ ኣይክኣለን። ንኣዝዮም ህሱያት ናይ ኩናት ስንኩላን ዝኾኑ ዜጋታት ሽግር መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ እዉን ጻዕርታት ይግበር ኣሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ግን ዝተፈላለ ኣድልዎታት ዘንጸላለዎ እዩ። ኣብ ማእከል እቶም ስንኩላን ዘይዕግዕበታት መረረታትን ምግሩምራማት ይርኤን ይስማዕን እዩ። ዳርጋ 98% ዝብዝሖም እቶም መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ክሕግዞም ዝህቕን ዘሎ ስንኩላንን ስድራቤት ስዉኣትን ኣቀዲሞም ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ጥራይ እዮም። ኣብ ዉሽጥ እቲ 30 ዓመታት መመላእታ ዝተኻየደ መሪር ኩናት ዝሰንከሉን ዝተሰዉኡን ግን ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ ጥራይ ከምዘይኮኑ ኩላህና ንግንዘቦ ሓቕታት እዩ። ኣባላት ተ.ሓ.ኤ እዉን ከምዝነበሩን ከምዘለዉን ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ከፊላዉን ጸግዓዉን ብምኻኑ፡ ኣብ ዉሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ምትፍናንን ምጉጅጃልን ዝፈጠሮ ኣዝዩ ዓቢ ስምብራት ኣሎ። ኣብ ጽርግያ ዝነብሩ ዓበይትን ንኣሹቱ ትሕቲ-ዕድመ እዉን ዳርጋ ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ኣዝዮም ቡዙሓት ዜጋታት ኣለዉና። እዚ ተርእዮ እዚ ምስ ምብትታን ስድራቤትን ብትከት ድኽነትን ሽቅለተ-ኣልቦነት ዝጋሃድ ማሕበራዊ ተርእዮ ስለዝኾነ ንምፍዋሱ ዛጊት ዝተወስደ ኣድማዒ መደባትን ስጉምታትን ስለዘየሎ ንልመና፡ ስርቂ፡ ናይ ከተማ ሽፍትነት፡ ኣመንዝራነት…ወ.ዘ.ተ ማሕበራዊ ተርእዮታት እንዳማዕበለ ይኸይድ ኣሎ። ብፍላይ ነቶም ትሕቲ-ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ዝጠመተ ንጹር ክንክንን መደባትን የሎን። ንምጥቕላሉ ዝኣክል፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ዉሕስነት ዛጊት ዘይተራጋገጸ ጉዳይ እዩ።

8. ልዕሊ ኽሉ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ናይ ማሕበራዊ ዉሕስነት ዘይምህላዉ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስት ተጸሚዶም ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ገሊኦም ፍሉጥን ሙዱቡን ዶሞዝ ዘለዎም፡ ቀረጽ ዝኸፍሉ እዮም። መብዛሕትኦም ግን ብዘይ ፍሉጥን ንቡር ዶሞዝ ኣገልግሎት ዝገብሩ ዘለዉ እዮም። ሰንኪሎም ኣሪጎም…ወ.ዘ.ተ ዝጽብጸበሎም ወይ ዝጣረቐመሎም ናይ መልዕሎ-ጥሮታ ዉሕስነት ዘይብሎም ብዘሎ መንግስት እዮም። ኣንካይ ዶ ነዞም ሕጂ ዝስርሑ ዘለዉ ዜጋታትስ፡ ነቶም ን 30 ዓመታት መመላእታ ሙሉእ ግዝያቶም ኣብ ሰዉራ ተጸሚዶም ክብርቲ ሂወቶም ንክኸፍሉ ድሉዋት ዝነበሩ፡ ናይ ዕድል ግዳይ ኮይኑ ብሂወቶም ዝኣተዉ ንገሊኦም ብዘይ ገለ ገንዘብ ንገሊኦም 10 ሽሕ ብር፡ ንካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኪኢላታት ጥዕና ተመርሚሮም ኣብ ዉትህድርና ክሰርሑ ኣይኩኡሉን እዮም ዝተባህሉ ቦርድ ዝኣተዉ፡ ንነፍስ-ወከፎም 5 ሽሕ ናቕፋ ሂቡ ምስጸልጸሎም ቁሊሕ ኢሉ ኣይጥምቶምን እዩ። ጽባሕ ንግሆ እዚ ብዘይእስትንፋስ ለይትን መዓልትን ዳናጉላ ዝስከምን ጽርግያታት ዝሰርሕን ዘሎ መንእሰይ ብሰንኪ ከቢድ ናይ ስራሕ ኩነታት መጻኢ ሂወቱ ዘምርሖ ጉልበታዊ ዓቕምታት ክስእን ምኻኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ መን ክናብዮ እዩ? ብመን ክናበ እዩ ዝብሉ ማሕበራዊ ናይ መልዕሎ-ዉሕስነት ዘድልዮም ሕቶታት ባዶሽ ምቕርራባትን መልስታትን ጥራይ እዩ ዘለዎም።

ከም ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ህሞት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብተዳጋጋሚ ዝራኣዩ ዘለዉ ኣሉታዊ ማሕበራዉያን ክስተታት ኣሎዉ። ንሳቶም ድማ ከምዚ ዝስዕቡ እዩ፡-

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ፖሊሰ-ሰራዊታዊ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ዳርጋ ½ ናይቲ ሕብረተሰብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰደን ክትኩስን መጻወድያ ነታጊታት ክጸምድ ዝኽእል ወትሃደራዊ ኣታሓሳስባን ሞያን ዝወነነ ብምኻኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኣብ ጽንኩር ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ኩነታት ዓበይቲ ዘይተደልዩ ገበናት ክፍጸሙ ክትርኢ ትጽቢታት ዝግበረሉ እዩ። ኣብ ጽንኩር ኩነታት ሓደ ሕብረተሰብ፡ እቲ ኩነታት ዝፈጥሮም ሓደስት ማሕበራዉያን ኣበሳታት ክክሰቱ ድማ ንቡር እዩ። ኣብ ኤርትራ ድማ ደሚቆም ብተዳጋጋሚ ሕጂ ክርኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ። ከም ዉጽኢት ናይቲ ጽንኩርን ድዉሽን ኩነታት: ምቡሕጋግ ማሕበራዊ ክብሪታት ሕብረተሰብ ጋህዲ እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ። ሕጂ ዝራኣዩ ዘለዉ ማሕበራዊ ኣበሳታት ሓደስት እኳ እንተዘይኮኑ ደሚቆምን ብተዳጋጋሚ ዝራዩ ዘለዉ ብምኻኖም ብዝርዝር ምጥማቶም ከድሊየና እዩ።

1. ነባሪ ሕማም ዘይነበሮ ሰብ፡ ብቕጽበት ሙማት፡ ድሓን ዉዒሉ ንጽቢሒቱ እዚ ቀቲልዎ ዘይባሃለሉ ሞት ብብዝሒን ተዳጋጋምን ይርኤ።

2. ንትሕቲን ልዕልን ዕድሜ ደቂ ኣንስትዮ ብዓመጽ ምግሳስ፡ ዓሚጽካ ድማ ምቕታል። ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ኣብ ዉሽጥ ከተማ ኣስመራ ንሓንቲ ጓል 4 ዓመት ህጻን ተጋሲሶም ብኻራ ማዓንጥኣ ጠባቢሖም ኣብ ትሕቲ ሒሖት ቆጥቓጥ ተሰንድያ ተረኺባ። እቲ ስርዓት እዉን ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ክረኽቦምን ክድህስሶምን ዛጊት ኣይክኣለን ዘሎ።

3. ስርቕን ክትራንን ብመዓልቲን ጸልማት ተጎልቢብካን ቀጻሊን ንቡሩን እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ።

4. ጥልመት፡ ሓሶት፡ ሕሉፍ-ቅንእታት…ወ.ዘ.ተ መሊኡ እዩ።

5. ብቃጻ ሰብ ምቕታልን ሒነ ምፍዳይን ቀታሊ ዘይምፍላጥን ዝዉቱሩን መዓልታዉን እዩ።

6. ጸልማት ተጎልቢብካ ሓረስቶት ዓመት መመላእታ ዝለፍዕሉ ቂሚጦ ኣእኻል ምንዳድን ምብራስን ብተዳጋጋሚ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝርኤ ተርእዮ እዩ።

7. ፈጺምካ ዘይምትእምማን ነንሕድሕድካ ምትፍናን ኑቡር መዓልታዊ ጠባያት ሕብረተሰብ ኮይኑ ኣሎ።

8. ርእሰ-ቕትለት ምፍጻም ልክዕ ከምዚ ብርጭቆ ማይ ጭሊጥካ ምስታይ ኮይኑ ኣሎ።

9. ሰብ ወይ ዜጋ ሓንቲ ካይበደለ እንኮሎ ብወትሃደራትን ናይ ጸጥታ ትካላት እቲ ስርዓት ክግፋዕ፡  ክሙቃሕ፡ ክድስክል፡ ክዝረፍ…ወ.ዘ.ተ እንኮሎ፡ ኣብ ክንዲ እንታይ ገይሩ ኢልካ? ምሕታትን ምስቲ ዝግፋዕ ዘሎ ደዉ ምባል፡ ሕራይ ገበርዎ ምባል! ከምዘይምልከተካን ዘይርኣኻን ሸለል ኢልካ ምዕዛብ! ስግሩ እዉን ገለ ረኺቦምሉ ይኾኑ እንዳበልካ ምዕላልን ኣንጻር እቲ ቡዱል ደዉ ምባልን ልሙዱን ዝዉቱሩን ጠባያት እዩ።

10. ሰብ እንዳተባእሰ እንኮሎ ኣብ ክንዲ ኣብ ሞንጎ ኣቲኻ ምዕራቕን ምግልጋልን፡ ክሳብ ኣካላቶም ዝጎዳደሉ ክትሃራረሙ ኣጽቂጥካን ኢድካ እጣሚርካ ምርኣይ።

11. ንዝተባእሱ ስድራቤት ወይ ኣሕዋት ኣብ ክንዲ ዓገብ ኢልካ ምዕራቕን ምድናይን፡ ሓዊ ከምዝኣትወም ጌርካ ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ፍርዲ ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ኮሎል ንክብሉ ምትብባዕን ምድፋእን።

12. ኣያ በያ፡ ጉቦ፡ ምጥፍፋእ፡…ወ.ዘ.ተ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ እዩ።

13. ብሕድሪ ዝተዋህበካ ዉክልና ስልጣን ተጠቂምካ ቀዋምን ተንቐስቃሲ ንብረት ሰብ ምሻጥን ምልዋጥን።

እዞም ኣቀድም ኣቢልና ዝረቛሕናዮም ኣሉታዉያን ማሕበራዉያን ኣበሳታት፡ ኣብ ዝኮነ ሕብረተሰብ ክራዩ ዝኽእሉ ኣበሳታት እኳ እንተኾኑ፡ መጠነ ብዝሒ ተዳጋግምነቶም እንዳልዓለን እንዳደመቀን ይኸዱ ስለዘለዉ፡ ጠመተን  ምስትብሃልን ዘድልዮም ማሕበራዊ ኣበሳታት እዮም።

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: