Eritrea real clear politics's Weblog

February 8, 2009

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part4

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:51 am

6.ንስደትን ምዝንባላት ዜጋታት ብዝምልከት፡

ንስደትን ምዝንባላትን ቀንዲ ምንጭ ዝኾኑ ቡዙሓት ግዳማዉን ዉሽጣዉን፡ ስሓብትን ደረኽትን ሮቓሒታት እኳ እንተኾኑ፡ ከም ሓፈሻዊ ፍሉጣትን ንጹራትን ግን ኣብ ግዝያት ኪናት፡ ኣብ ግዝያት ድርቕን ጥሜትን፡ ኣብ ግዝያት ምጣኔ ሃብታዊ ሓርጎጽጎጻትን ድኽነትን፡ ኣብ ግዝያት ሃይሞኖታዊ፡ ኤትኒካዊ፡ ቆርበታዊ፡ ጸወታዊ፡ ማሕበራዊ ኣድሉዋታት፡ ፖሎቲካዊ ዘይርትዓዉነት፡ ምጣኔሃብታዊ ዘይሓርነት፡ ፍትሒ-ኣልቦነት..ወ.ዘ.ተ ሌላን-ጉሌላን ኣድልዎ ጸቕጥታት ጭቆና ኣብ ዝህልወሉ ግዝያት ዝጋሃድ ማሕበራዊ ክስተታት እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ኤርትራዉያን ሓተቲ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ወይ ፖሎቲካዊ ስደተኛታት ጌና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን እንኮላ 1953 ... እኳ እንተጀመረ፡ ንመጀመርታ ብዕስለ ዓዱታቱ ሓዲጉ ካብ ማሕረድቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተሰደሉ ህዝቢ ኤርትራ 1967 ... ኮይኑ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት መመላእታ ኣስታት 70,000 ዝብዝሖም ኤርትራዊ ንሱዳን ተሰዲዶም። ቀጺሉ ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ድማ ኤርትራዊ ካብ መጻወድያ ቅንጸላ መግዛታዊ ስለያን ሰራዊትን ገዛእቲ ሓይልታት እምብራጦርያዊት ኢትዮጵያ ንምድሓን፡ ይስደድ ከምዝነበረን ከምዝተሰደን ኩላህና ኤርትራዉያንን ማሕበረሰብ-ዓለም ዝፈልጦ ሓቒታት እዩ። ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ኣስታት ½ ሚልዮን ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ፋሕ ኢሎም ይነብሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኦ ግን ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታትን ኣብ ከተማታት ሱዳን ተሰትዮም ዝነብሩ ዝነበሩን ዘሎዉን እዮም።

 

ኤርትራ24 ግንበት 1991 ... ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ብመሪሒ ዉድብ ... ሓራ ምስ ወጸት ኤርትራዉያን ከንሶም ምስ ስርዓት ደርጊ ዝታሓባበሩን ዝሰርሑ ዝነበሩን ኤርትራዉያን ንስርዓትን ምሕደራን ፖሎቲካዊ ዉድብ ... ዝጻባኡን ዘይቕበሉን ጽልዋ ናይ .. ዝነበሮም ዜጋታት እዉን እንተኾኑ፡ ሃገር ናጻ ክትወጽእ እንኮላ ብህ... መታን ከይህደኑ ስለዝሰግኡ ንስደት ከምዘምርሑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኤርትራዉያን ካብ 1991-1993 .. ኣብ ሕጽኖትን እፎይታ ምስትንፋስ ናጽነት እኳ እንተነበርና፡ እቲ ፖሎቲካዉን ምጣኔሃብታዉን ማሕበራዉን ዲፕሎማስያዉን ምሕደራ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ ዝተዋናጃበረን ዘይንጹር ስለዝነበረ፡ ዳርጋ ኩሉ ዜጋ ሰኸኽ ካብ ምባል ሓሊፉ “”ኣታ እዞም ቖልዑ ሃገርን ህዝብን ኣማሓዲሮም ክኹእልዎ እዮም“” ዝብል ሕቶታት እዩ ብህዝቢ ከልዓል ዝጀመረካብ 1992-1995... ካብ ኢትዮጵያን ካብ ሱዳንን ካብ ስደት ብወለንትኦም ተመሊሶም ኣብ ሓዝሓዝን ሳላሳ ኣምስተኛ እንዳኣፍራስ ጥልያን ዝነበረ ገዛዉቲ ብክሻ፡ ተንኮቦት፡ ዚንጎን ጭቓን ገድጊዶም ግዝያዊ መዕቐሊታት ሰሪሖም ክነብሩ ጀሚሮም ዝነበሩ ዜጋታ፡  መንግስት ኤርትራ ነቲ ዝሰፍሩሉ ዝነበሩ ስፍራን መሬትን ንኣዉፈርት ኣባይቲ ክሰርሕሉ ክዕድሎ መደብ ስለዝገበረ፡ ንሓንቲ ቦጦለኒ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 525 ሰዲዱ ነቲ ሰሪሖሞ ዝነበሩ ግዝያዊ መዕቐሊ ኣፍሪሱ ካብኡ ሓይሊ ተጠቂሙ ስለዝጸረጎም፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም መተካእትኡ መንበሪ ኣባይት ስለዘይተዋህቦምን ክረኽቡ ስለዘይካኣሉ፡ ነናብ ዝነበርዎ ናይ ስደት ሃገራት ንኢትዮጵያን ሱዳንን ብቅጽበት ተመሊሶም እዮም። ስለዚ ካልኣይ ስደት ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993-1996 ... ብድፍረት ጀሚሩ ክብሃል ይክኣል።

 

ቀጺሉ ኣብ 1990 ዓ.ም.ፈ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንነብስወከፎም ሓሙሽተ ሽሕ ብር ተዋሂቦም ስለዝተጸልጸሉ፡ እቲ ምኽንያት መጸልጸሊኦም ድማ  መንግስት ኤርትራ“”ብመሳሪሒ ናይ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ገምጋም ዝጸልጸሎም ምኻኑ “” ዝብል ሕሜታታት ኣብ ዉሽጥ ኣባላት ግንባርን ህዝብን ስለዝነበረ፡ ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ነብሶም ካይመርሑ ድማ ሰሪሖም ክነብሩሉ ዝኽእሉ ስራሓት ስለዘይነበረ፡ ብዘይካ ዉሑዳት ብሙልኦም ሽዑኡ መስርሕ {process} ዝባሃል መገዲ መሳለጢ ንስደት ብኢትዮጵያ ስለዝነበረ፡ ንኢትዮጵያ ብምኻድ ነቲ ዝነበረ መስርሕ መካኒዝምን ክስተት ስደት ተጠቂሞም ተሰዲዶም እዮም።

ቀጺሉ መንግስት ኤርትራ ካብ 1993-1996 ... ኣስታት 56,000 ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት  ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ብዘይ ኣጋባብ፡ ብዘይ ንጹርን ዝተጸንዔ ናይ ምጥያስ መደባት፡ ብዘይ ንጹር ምኽንያታት ስለዝተጸልጸሉ ዳርጋ እዚኦም እዉን፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣጋባብ ምጽልጻል እቲ መንግስት ብምቕዋም፡ መብዛሕትኦም ሃገሮም ሓዲጎም ተሰዲዶም እዮም።

ካብቶም ኣብ 11 ታሕሳስ 1994 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ማይ ሓባር ብጭኻኔ ሕቶታቶም ዝተዓምጸጸ ዉጉኣት ሓርነት እዉን፡ ነቲ መንግስት ኤርትራ ዝወሰዶ ጨካንን ኣስካሕካሕን ወትሃደራዊ ስጉምቲ ብምቕዋም፡ ሓያሎት ካብኣቶም ተሰዲዶም እዮም።

ኣብ 1995 .. ብምኽንያት ቅርጥዉ ኣጋባባት ኣሳራርሕ መንግስት ንምትእትታዉ ተባሂሉ፡ ብኣድልዎ ኣስታት 5000 ዜጋታት ካብ ዝነበርዎ ቀዋማ ስርሖም ስለተጸልጸሉ፡ እዚኦም እዉን ዳርጋ ፍርቖም ተሰዲዶም እዮም።

ኣብ 1994 ኣባላትን ተሓባበርትን ናይ እስላማዊ ጂሃድ ምንቕስቃስን ሓሙሻይ መስርዕን { una quinta columna } ኢኹም ብምባል መንግስት ኤርትራ ቡዙሓት ኣብ ከተማታት ኣስመራን ከረን ኣቁርደትን ጊንዳዕን ምስ ኣሰረ፡ ቡዙሓት ዜጋታት ኣመንት እስልምና በዚ ኢሰብኣዊ-ተግባር ርዒዶምን ተዳሂሎም ሃገሮም ሓዲጎም ዝተሰዱ እዉን ቡዙሓት እዮም።

ኪናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዶብ ተሰቢቡ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ.ም.ፈ ምስ ተወልዔ፡ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ብቀጥታ እቲ ኪናት ስለዝጸልዎም ኣስታት 900,000 ዝግምገሙ ካብ መቦቖላዊ ዓድታቶም ተዛናቢሎምን ብምዕራባዊ ወገን ኤርትራ ዝነብሩ ዝነበሩ ብኸፊል ንሱዳን ተሰዲዶም እዮም። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ዉጽኢት ናይቲ ኪናት ዝፈጠሮ ስደተኛታት እኳ እንተኾኑ፡ ከም ናይ ኪናት ዝፈጠሮም ተዛናበልትን ስደተኛታት ዝራኣዩን ዝፍለጡን እዮም። ንሶም ጥራይ ዘይኮኑ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊኦም ንሱዳን ዝኣተዉ ኣስታት ሓንቲ ቦጦለኒ ሰራዊት ኤርትራ እዉን መብዛሕትኦም ኣብ ሱዳን ዕቁባ ሓቲቶም፡ ዉሕዳት ድማ ንሃገሮም ተመሊሶም እዮም።

ድሕሪ ዉዕል ሰላም ኣልጀርስ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ኣብ መንጎ መንግስት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍራሙ፡ ኣብ ዉሽጣዊ ፖሎቲካዊ ሂወት መንግስት ኤርትራ ቅድዉ ከምዘይነበረ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቕታት እዩ።

ዘይምርድዳእ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝፈጥሮ ጽልዋታት ኣብቲ ሕብረትሰብ ክህሉ ከምዝኽእል ቡዙሕ ንፋላላ ኣይመስለናን። በዚ ዘይምርድዳእ ዝተጸልዉን ቀጺሉ በቲ ናይ ጥሪ 2001 .. ፕረሲደንት ኢሰያስ ብመገዲ //... ኣንጻር እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብትሕተሃገራዊነትን ሃገራዊ ክሕደትን ክኸሶምን ጎስጓሳትን ከካይድ ምስ ጀመረ፡ ብዘይካ እቶም ዝተኣስሩ ካልኦት ኣባላት እቲ ሃገራዊ ባይቶን ስዓብቶምን ተማጸደቕቶም፡ ጋዜጠኛታትን፡ ነጋዶ፡ ኪኢላታት ሞያዉያንን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ…ወ.ዘ.ተ. ነቲ ሓደገኛ ኩነታት ብምዕዛብ ቡዙሓት ስርሖምን ሃገሮምን ራሕሪሖም እዉን ተሰዲዶም እዮም።

ቀጺሉ እዉን መርድእ መስዋእቲ ናይቶም ኣብ 1998-2000 ... ኩናት ዶብ ምስኾነ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊትን ህዝብን ዓቢ ኣዛራቢ ኩነታት ከምዝነበረ ኩሉ ዜጋ ዝዝክሮን ዝፈልጦን እዩንሱ ድማ ኣብቲ ግዝየ ኪናት ወትሃደራዊ ዓንቀጽ 500 ዝፍለጥ ዝተቀጽዑን ዝተቀንጸሉን ነባራት ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝነበሩ እዩ። ስድራቤቶም ኣሕዋቶም ንበለዛ / ሚኒስትሪ ምክልኻል ተጸዊዖም እዮም መስዋቶም ተነጊሮም። ክንገሩ እንከለዉ ድማ ቦታ ዕለት ዘይብሉ ወድኹም ወይ ሓዉኹምጓልኩም ወይ ሓብትኹም ተሰዊኡ/ተሰዊኣ ጥራይ ትብል መርድእ እያ ዝተነግረቶም። እዝን ወዲ ኸምዝን ዝተፈላለየ ጉዳይ እዚ ዘፈልፈሎምን ዝደረኾን ማዓት ስደት ናይ ዜጋታት እዉን ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ሰላም ዉዑል ኣልጀርስ ዝጣየስ ክጣየስ፡ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ክሳናበት፡ ዝማሃር ክማሃር፡ ዝሓርስ ክሓርስ ዝነግድ ክነግድ…ወ.ዘ.ተ ትጽቢታት ናይ መላእ ህዝብን ሰራዊትን እዩ ነይሩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)  ግን ብዘይካ 5000 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ነባራት ተጋደልት ጉድለታት ጥዕናን ስንክልናን ዝነበሮም ምስ ኣጣየሰ፡ ነቲ መስርሕ ምጥያስ ኣቃሪጹ ኩሉ ሰብ ኣብ ተመዲቡሉ ዘሎ ቦታ ክቕጽል ምስ ኣዘዘ፡ እቲ ትጽቢታት ህዝብን ሰራዊትን ብኣንጻሩ ፖሊሲን ዉሳኔ መንግስትን ስለዝተጋጨወ፡ መንእሰያት ንማህደረ ትምህርቲ ዝወጹ ብኡ ኣቢሎም ክተርፉ ጀሚሮም። ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነበሩ ድማ ንዱባይ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ…ወ.ዘ.ተ ክዉሕዙን ክስደዱን ጀሚሮም። ሕጂ ኣብ ኤርትራ 10% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉዱድ ዕስክርናን ክትያ-ጊዝያት ዘይብሉ ኣገልግሎት ይርከብ። ኤርትራ ብብዝሒ ሰራዊታ መበል 26 ካብ ሃገራት ዓለም እያ። http://en.wikipedia.org/wiki/List_of_countries_by_size_of_armed_forces ዓመታዊ ባጄታ ንምክልኻል ድማ ኣስታት 52 ሚልዮን ዶላር ይግመት።

ካብቲ ዝገርምን ዘደንጹን ፖሊሲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኤርትራ ካብ መግዛቲ ምስተጋላገለት፡ ዳርጋ እቲ ስራሕን ትምህርትን ዘይነበሮ መንእሰይ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነበረን ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ መንእሰያት፡ መንግስት ካይሓተቶም እንኮሎ፡ ብናጻ ተበግስኦም በሉ ንሱኹም ተጋዲልኩም ካብ መጻኹም ንሕና ድማ ዓቕምና ክንሕግዘኩም ናጻ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክንገብር ብምባል ኣሽሓት ቬርገሳዉያን መንእሰያትን ኪኢላታትን ኣብ ዝተፈላለየ ስራሓት ተመዲቦም ካብ 1991-1994 ኣገልጊሎም እዮም። ኣብ 1995 ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ እንኮሎ ነዞም ኣቀዲሞም ዘገልገሉ ዜጋታት ናጻ ዝገበረን ዘመስገነን ኣይነበረን። ዋላ የገልግሉ ዳግም ንሳዋ ወሪዶም ከገልግሉ ዝእዝዝ እዩ ነይሩ። ካብ 1991 ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ ዉሑዳት ከምዘይሳኑ እዉን ፍሉጥ እዩ።

ኣዋጅ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት፡ ብኣዋጅ 82/1995 ...ዝልለ፡ ኣ23 ጥቕምቲ 1995 .. ዝተኣወጀሓደ ዜጋ ን 6 ኣዋርሕ ወትሃደራዊ ታዕሊም፡ 12 ኣዋርሕ ድማ ንጡፍ ወትሃደራዊን ሃገራዉን ኣገልጉሎት እዩ ዝብል። ሕጊ መንግስት ኤርትራ ባዕሉ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣን መራኸብብዙሓን ግቡእ ዜጋ 18 ወርሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ከንሱ፡ ብሓይሊ፡ ብዘይ ገለ ዓስቢ፡ ብምጭፍላቕን ምግዳድን {compulsory labor service} ድማ 13 ዓመታት መመላእታ ዜጋ ከገልግል ዝግደድ እንተኾይኑ፡ ዋሕዚ ስደት ክክሰት ግድነታዊ እዩ። ካብዚ ኩሉ ሞርትዖቶታት ብምንቃል ንካልኣይ ጃምላዊ ስደት ጠንቂ ዝኾነ ጭቛኒን ዘይርትዓዉን ፖሊሲታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።

ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ክቕመር እንኮሎ ኣስታት ½ ሚልዮን ኤርትራዉያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ፋሕ ኢሎም ይነብሩ ኣለዉ እኳ እንተበልና፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ክልዕል ከምዝኽእል ዘጣራጥር ኣይኮነን። ዘልዕሎ ምኽንያት ድማ ካብ ዉሽጢ ሃገሩ ጥራይ ዝስደድ እምበር፡ ካብ ደገ ንዉሽጥ ዝምለስ ዜጋ ስለዘየሎ እዩ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር መገዲ፡ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ፡ ሞራላዉን ሰብኣዉን ሓገዝ እንተረኺቡ ጾትኡ፡ ዕድሚኡ፡ ኤትኒክ-ጉጅላዊ እንታይነቱ፡ ኣካዳሚካዊ ዓቕሙ ሞይኡ ብዘየገድስ ዝፈትዋ ስድራቤቱን ሃገሩን ራሕሪሑ ንክስደድ ድሉዉ ይመስል። ከም ቅማሶ-መርኣያ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደት መዓልታዊ ንምዕዛብ ነዚ ዝስዕብ ቀለቤት መርበብ ሓቤሬታ ኢንተርኔት ትዓዘብ። http://www.nharnet.com/December_2008/EPP_News_65T_Dec1708.htm። ነዚ ቀጻልነት ዘለዎ ዋሕዚ ስደት ዜጋታት  ዘታባብዕን ዘሳስይን ናይ ስዉራት ሓበልት ሰክዔታት መጎዓዓዝቲ ሰባት ዶባት ሰገር {human trafficking net-work} ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጀሚሩ ንኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ንሃገራት ንኡስ ሳሃራ፡ ካብኡ ድማ ንኤዉሮጳ፡ ሜክሲኮ: ካብ ሜክሲኮ ንሆንድረስ፡ ኢትዮጵያ፡ ኼንያ፡ ቡሩሱል፡ ኡጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተዘርግሔ እዩ። ነዚ ዘይሕጋዊ ገበናዊ ስርሓት ዘካይዱ ዉልቀሰባት ገሊኦም ኣባላት መንግስት ኤርትራ ኣብ ጸጥታዉን ወትሃደራዉን ዕማማት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ እዮም። ገሊኦም ብድሕሪኦም ሃይሞኖታዊ ዘይመንግስታዊ ትካላት {NGO} ማሕበረሰብ-ዓለም ብድሕሪኦም ዝድርኻ ዘለዉኦም እዮም። ገሊኦም ድማ ኤርትራዊ ሰብኣዊ ዓቕምታት ንምድኻም ናይ ዝተፈላለያ መንግስታት ዓለም ዝምዉልኦም ሃሱሳት እዮም። ገሊኦም ድማ ነጋዶ ብኸምዚ ስርሓት ማሕፍዱኦም ክኻዕብቱ ከም ሞያ ዝሓዝዎ እዮም። ገሊኦም ድማ ተቃወምቲ ኢና ብሃልቲ እዮም።

ናይዞም ኩሎም ዝተፈላለዩ ጉጂለታት ዕላማ ሓንቲን ንጽርትን እያ። ንሳ ድማ ከመይ ጌርካ ንኤርትራ ብሰብኣዊ ዓቕምታታ ኣዳኺምካ ዓንዲ ሕቅኡ ዝተመሰሰ ሃገረ-መንግስት ትኸዉን እዩ። እዚ ዕላማ እዚ እንኮሎዎም እዉን፡ ነቲ ዝስደድ ዘሎ ዜጋ ብናይ መጋዓዓዚ ሰነዳት፡ ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ብሰብኣዊ መገድታት እንተድኣ ዝሕግዝዎን ዝሕዝዎምን ነይሮም ምናልባሽ ንክትማረረሉ መገዲ ኣይምስሃበን ነይሩ። ብኣንጻሩ ኩሉ ገንዘባዊ ወጻኢታት ጻዕርታት ሓደጋታት መሳላጥያታት…ወ.ዘ.ተ እቲ ዝስደድ ዘሎ ዜጋ ክኸፍሎ ኣለዎ። ነዚ ከፊሎም እዉን ዝዕወቱ ዉሑዳት እዮም። እቲ መጠን ገንዘብ ንክትስደድ ዘድሊ ብዘይካ ወጻኢታት ናይመነባበሪካ መራኻቢታት ክንክንጥዕናን ካልኦት መዓልታዊ ዘድልዩ ነገራት፡ ንኤዉሮጵ ክትኣቱ ኣስታት $10-16 ሽሕ ዶላር፡ ንኣመሪካን ካናዳን ክትኣቱ ድማ ኣስታት $20-23 ሽሕ ዶላር እንዳተኸፍለ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኩሉ ዝስደድ ዜጋ እዉን ይቀንዖ ማለት ኣይኮነን። ገሊኡ ኣብቲ ዝተሰደሉ ሃገር ይእሰርን ይጥረዝን፡ ነዚ ዝስዕብ ቀለቤት መርበብ ሓቤሬታ ኢንተርኔት ትዓዘብ።

http://www.amnestyusa.org/document.php?id=ENGNAU200812198768&lang=e&rss=recentnews

ገሊኡ ኣብ መስርሕ ስደት እንኮሎ ኣብ ስሓራታትን ብጽምእን ጥምየትን ደሪቁ ይመዉት፡ ገሊኡ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ክስንጥቕ እንኮሎ ጠሊቁ ይመዉት፡ ገሊኡ ድማ ንዘቕሮቦ ናይ ዕቁባ-መሕተቲ ታሪኹ ተነጺግ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክሳጋገር ዕንክሊል ክብል ንእስነቱን ጊዚኡን የሕልፎ።

ኣብቲ ብዶብ ተሳቢቡ ኩናት ዝካየደሉ ዝነበረ ወቕቲ መንግስት ወያኔ ኣስታት 75000 ዝግመቱ ኤርትራዊ ሞቦቀል ዘለዎም፡ መዋእሎም ኣብ ኢትዮጵያ ነበርት ዝነበሩ ንብረቶም ራስዩ ኣባሳቢሱ ንኤርትራ ብተናጸል ጠሪዝዎም እዩ። እዚኣቶም እዉን ከም ኪናት ዝፈጠሮ፡ ዝተዛናበሉን ኣብ መቦቖል ሃገሮም ኤርትራ ክጣየሱ ዘለዎም እዮም ነይሮም፡ የግዳስ ኩነታት ኣታኣላልያን ኣጣይሳን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስለ ዘይማእምኦም፡ ገሊኦም ንወጻኢ ሃገራት ገሊኦም ድማ ዳግም ናብታ ዝጠረዘቶም ሃገር ተመሊሶምን ተሰዲዶም እዮም። ብተወሳኺ ድማ ካብ 1998-2008 ዓ.ም.ፈ ንኤርትራ ሓዲጎም ንኢትዮጵያ ዝተዓቕቡ ኤርትራዉያን ብናይ ማሕበር ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት {UNHCR} ዝተመዝገቡ ብድምር 17909 እዮም። እቲ ቁጽሪ ድምር ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝኣተዉ ክልዕል ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ገሊኦም ኣብቲ ሕብረተሰብ ተሰትዮም ዝተርፉ ኣለዉ። ገሊኦም ንኢትዮጵያ ከም መሳጋገሪ ንሱዳን ኬንያን ወይ ስግረ-ዉቅያኖሳት ሃገራት ዝጥቀሙላ ስለዝነበሩን ዘለዉን እዩ። ካብዚኦም 4893 ደቂ-ኣንስትዮ ክኾና እንኮለዋ፡ 13016 ድማ ደቂ-ተባዕትዮ እዮም። ዝነብሩሉ ዘለዉ መደበር ድማ ሽመልባን ማይዓይንን ዝባሃል ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ቦታታት እዩ። ክሳብ ሕጂ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብመገዲ UNHCR ንሳልሳይ ሃገር ዝተጣየሱ {resetlled} ብድምር 1236 ስደተኛታት ኮይኖም ካብዚኣቶም 700 ደቂ ኤትኒክ-ጉጂለ ኩናማ እዮም። ብሕጂ ኣመሪካ {USA} ክትወስዶም መዲባ ኣላ ዝባሃል ትሒምታ ድማ ኣስታት 6500 ዝግመቱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እዮም።ነዚ ዝባሃል ዘሎ ሓቂ ንምርግጋጹ ንዝስዕብ ቀለቤት ክንበብ ይክኣል እዩ። http://www.state.gov/g/prm/refadm/rls/fs/2008/110858.htm። ኣብ 2008 ዓ.ም.ፍ ካብ ኤርትራ ንዝተፈላለያ 44 ሃገራት ዓለምና ተሰዲዶም ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ልክዕ 8010 ዜጋታት እዮም።

 

 

መደበር ስደተኛታት ሽመልባ ብስእሊ

 

 

 

 

 

ኤርትራዉያን ስድተኛታት ኣብ ሱዳን መብዛሕትኡ ካብ 1967 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዞም ዝተሰደ እዩም። እቲ ካብ 1967-1991 ዓ.ም.ፈ ዝተሰደ ኤርትራዊ ኣዝዮም ብቁጽሪ ዉሑዳት ንማእከላይ ምብራቕን ናይ ምዕራብ ሃገራት ዝተሰዱ ክኮኑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ግን ኣብ እተን 12 መዓስከርስ ስደተኛታት ሰምሰም፡ ወደልሒለዉ፡ ግርባ፡ ወድሸሪፈይ፡ ሸገራየብ፡ ኪሎ 26…ወ.ዘ.ተ ዝነብሩ ዝነበሩን ዘለዉን ኮይኖም፡  ኣዝዮም ዉሑዳት ድማ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን ኣብ ዉሽጥ ሕብረተሰብ ሱዳን ተሰትዮም ይሕመቕ ይጸብቕ ናብርኦም ዝመርሑ ዘለዉ እዮም። እቲ ሕጂ ካብ ኤርትራ ዝስደድ ዘሎ ዜጋ ንሱዳንን ኢትዮጵያ ከም መተሓላለፊ ምዕርፎ (transit port) እንተዘይኮይኑ ቀዋሚ ኣብኡ ተሰትዩ ክነብር ዝደሊ ዉልቀሰብ እዉን ኣይርከብን እዩ። ኣቀዲሙ ኣብ ሱዳን ኣስታት 136000 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝግመቱ ይነብሩ ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ግን ብወለንተኛቶምን ብምትሕግጋዝ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት {UNHCR} መንግስት ሱዳንን መንግስት ኤርትራ ካብ 1993-1997 ... ኣስታት 68000 ዝኾኑ ንሃገሮም ተመሊሶም {repatriates} ኣብ ዓሊግድር፡ ተሰነይ፡ ገርገፍ፡ ጎልጅ.. ንንፍስወከፍ 2 ሂክታር መሬት ዝሕረስ እንዳተዓደሉ ተጣይሶም። የግዳስ ትጽቢቶምን እቲ ዝነበረ ኩነታት ዝተፈላለየ ብምንባሩ ተመሊሶም ናብታ ዝነብሩላ ዝነበሩ ሃገር ሱዳን ዝተመልሱ ዉሑዳት ዉልቐሰባትን ስድራቤታትን ኣይኮኑን።

ነዚ ኩነታት እዚ ጠንቂ ዝኾነ ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታትን መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ)  ኣብቲ ናይ ስደተኛታት ናይ ምምላስ መስርሕን ቀጥዕታትን እኹል ዘዕግብ ምርድዳእ ኣይነበረን። መንግስት ኤርትራ ነቲ ናይ ምምላስ ስደተኛታት መደባት ባዕለይ ብዉሽጣዊ ትካላተይን ዓቕሚ ሰበይን ከካይዶ ስለዝኾንኩ፡ እቲ ዝዉሃብ ሓገዝ ገንዘብ ንኣይ ሃቡኒ ብሃላይ ነይሩ። ኮምሽነር ስደተኛታት ድማ ንሕና እንዳተቛጻጸርና ከነተግብሮ ኢና ባሃልቲ ብምኻኖም፡ ነቲ ናይ ስድተኛታት ምምላስ ሕቶ ኣዝዩ ሓላሊኹዎን ዓንቂፍዉዎን እዩ። ከም ተወሳኺ ጸገም እዉን እቶም ዝምለሱ ዝነበሩ ስደተኛታት ወሪሶሞን ተሓንጊጦሞ-ሒዞሞን ዝመጹ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ዝንባሌታት እዉን ነዩርዎም እዩ።

ብመገዲ እዞም ንሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት እቲ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ዉድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ እስላማዊ ጅሃዳዊ ምንቕስቃስ  ነዚ ናይ ምምላስ ንሃገር መደባት ተሞኽልዩ ኣባላቱ ንዉሽጥ ኤርትራ ከዝሩቕን ንጡፍ ወትሃደራዊ መጥቃዕታትን ድብያታትን ከሳላስል ምስ ጀመረ፡ መንግስት ኤርትራ ፈጺሙ ነቲ ናይ ዳግም ምምላስ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ብትግሃት ክርእዮን ብዕቱብ ክሰርሓሉን ኣይመረጸን። እታ ብተወከልቲ መንግስት ሱዳን፡ ኤርትራን ኮምሽነር ስደተኛታት ዝቆመት ናይ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምምላስ ንሃገሮም ተሳሲን ተካይድን ሓባራዊ-ሽማግሌ ክስብ 2002 ዓ.ም.ፈ ኣብ ንጡፍ ምክያድ ስራሓታ እኳ እንተነበረት፡ ንገዛእ ርእሱ እቲ ኩናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ከም ስዕቤናቱ ዝተራእየ ዋሕዚ ስደትን ምዝንባላትን ነቲ ናይ ምምላስ ተስፋታትን ንጥፈታትን ብከቢድ ኣሉታ ስለዝጸለዎ ክትሰርሕ ኣይካኣለትን። ብኸምኡ ምኽንያት ድማ ቂሂማን ለሚሳን ተረፈት።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሱዳን ኣስታት 89000 ዝግመቱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣለዉ።

 

ካብዚኣቶም 28000 ኣብ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት {UNHCR} ተመዝጊቦም ምጽራይ {screening} ዝተገብሮሎም እዩ። ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ ምጽራያት ኣስታት 4000 ጥራይ እዮም ከም ቁቡላት ስደተኛታት ዝፍለጡ። መብዛሕትኦም ኣብ ማዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ምብራቃዊ ሱዳን ዝነብሩን ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ሂወት ዘሕልፉ ዘለዉ እዮም። እቶም ዝተረፉ ድማ እንተ ብሕጋዊ መንበሪ ሱዳን (ኢቃማ) ሒዞም ወይ ካልእ ብልሓታት ተጠቂሞም ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ሱዳን ተሰትዮም ከም ሱዳናዉያም መሲሎም ዝነብሩ ዘለዉ እዮም።

ኣዝዮም ዉሑዳት ዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራዉያን መብዛሕትኦም ደቂ-ምዕራባዊ ቆላ ናይ ሱዳን ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ወይ ዜግነት ዘለዎምን ዝተዋሰቡን መንበሪ ኣባይቲ ዓዲጎምን ሰሪሖምን ኣብ ንግድን ካልኦት ስራሓት ዝነጥፉ እዉን ኣለዉ። ሽሕ እኳ ካብ ኤርትራ ዝሳገሙ ኤርትራዊ መቦቀል ዘለዎም ይኹኑ እምበር ኣብ መዓልታዊ ኣጋባብ ኣናባብራ ሂወቶም ንሱዳናዊ ባሂሊ ተቀቢሎም ዝራዓሙ እዮም። ብኣንጻሩ ድማ ደቂ ከበሳ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ከምዘለዉ ክፍለጥ ኣለዉ።

 

 

 

 

 

 

መደበር ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብስእሊ

 

ስኣሊት ሰላም ዳንኤል

 

ኣብ ታሪኽ ምዝንባላት ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ገጽታ እዩ ዘለዎ እቲ ቀዳማይ ኣብ እዋናት መግዛእቲ እምቦሮጣዊት ኢትዮጵያ ካብ 1967-1990 ዓ.ም.ፈ ዝተራየ ተርእዮ ክኸዉን እንኮሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብዶብ ተሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኩናት ዝተኣትወሉን ዝተኻየደሉን ወቕት ካብ 1998-2000 ዓ.ም.ፈ ዝነበረ ግዝያት እዩ። ቡዙሓት ዓድታትን ስድራቤታትን ካብቲ ምዕራባዊ ግንባር ብወገን ባድመ፡ ማእከላይ ግንባር ዓሌተናን ጾሮናን ምዕራባዊ ግንባር ቦሬን ባዳን ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዓድታቶምን ሉሙድ መናባብርኦም ተዛናቢሎም እዮም። ብፍላይ እቲ ብምዕራብ ዝነብር ዝነበረ ዝተናዛበለ ህዝቢ፡ ብስነምድራዊ ኣቃማምጥኡ ንሱዳን ዝቀረበ ቦታታት ብምኻኑ ንሱዳን ዝኣተዉ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ብኣጣቃላሊ ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ክቕመር እንኮሎ ኣስታት 205000 ዝግመት ህዝቢ ነይሩ። ክስብ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኪናት መስተንፈሲ-መዕልቦ ዝግበረሉ እቲ ዝተዛናበለ ህዝቢ ብመገዱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እኳ ተዓቒቡ እንተጸንሔ፡ ድሕሪ ስምምዕ ዉዕል ኣልጀርስ ግን ኣብ ፍሉይ ቦታታት ከምዘጽልል እዩ ተገይሩ። ብሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ዉሽጣዊ ዓቕምታትን ገሊኡ ንዓድታቱ ክምለሱ እንኮሎዉ፡ ገሊኦም ድማ ንምዕራባዊ ቆላታት ብምዉሳድ ኣብኡ ከምዝጣየስ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ስጉምትታት ምጥያስ መንግስት ኤርትራ ብፍላይ ኣብቲ ወገናት ምዕራባዊ ቆላታት ኣብ ህዝብን ፖሎቲከኛታትን ኣሳሓሓቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ጽበት መሬት ንቀንዲ መቦቆል ነበርት ህዝቢ፡ ዲሞክራፊካዉን ባህላዉን ምቅይያራት ክፈጥር እዩ ዝብል ምዕዝምዛማት ኣሎ።

ገሊኡ ዝተዛናበለ ህዝቢ ካብ ዓድታቱ ድማ ጌና ኣብ መጽለሊ ማዓስከራት ይነብሩ ኣሎዉ። ንኣብነት ካብቶም ካብ ዓድታቶም ዝተመዛበሉ ገለ 19,000 ዝኾኑ ዜጋታት ካልእ ናይ መንበሪ ቦታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ኣብ መውዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ንገለ 6,625 ዝግመቱ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ክልተ ግዝያዊ መጽለሊመዓስከራት ይነብሩ ኣለዉ። ኣስታት 1,250 ዝኾኑ ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መዓስከር ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ነባብሮኦም መሰረታዊ ነገራት ንሓደ ወዲሰብ ክነብር ዘድልዮ ጥራሕ እኳ ዘማለአ  እንተኾነ ንግዝያዊ መነባብሮስ ኣኻሊ እዩ ክባሃል ይክኣል። ኣብዚ ዓመት እዚ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነብሩ ዜጋታት ኣለዉ። መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነዞም ዝተመዛናበሉ ንምሕጋዝ ክነጥፉ ኣብኩሉ መዳይ ኣፍቂድሎም ስለዝኾነ ይሕግዙ ኣለዉ። ብፍላይ ቀይሕ ስቀል 54,000 ዜጋታት ዝግመቱ ሓገዝ ኣወፍዩ። እዚ ሓገዛት እዚ ኣብ ዞም ዝስዕቡ መዳያት ዘተኮረ እዩ ነይሩ፣ ናይ ማይ፣ ዳግመ ምህናጽ፣ ናይ ጥዕናን ስሓን ስራሓትን…ወ.ዘ.ተኣብ ዝኣመሰሉ ቀዋሚ ጥቕምታት ዉዒሉ። መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣስታት 12,000 ዝግምገሙ ዝተመዛናበሉ ዜጋታት እንደገና ንምጥያስ ጽዑቕ ግብራዊ ስጉምትታት ኣብ ምዉሳድ ይርኤ ኣሎ።

 

መደበር ካብ ዓድታቶም ዝተናዛበሉ ኣብ ኤርትራ ብስእሊ

 

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: