Eritrea real clear politics's Weblog

February 8, 2009

The objective situation in Eritrea-Tigrigna version:part5

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:56 am

7. ን ሓፈሻዊ ትምህርት፡ ኣካዳምያዊ ናጽነትን ባህሊ ብዝምልከት፡

 

ቅድሚ ኣብዚ ኣገዳሲ ዛዕባ እዚ ኣቲና ምዝራብና፡ ኣብ ኤርትራ ብመንግስትን ብሕትን ዝዉነና ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርትን ሞያን ኣስተምህሮ ዝምጥዋ ኣብያተ-ትምህርትታት ከምዘለዋ ከነነጽር ኣድላይ እዩ። መብዛሕትኣን 98% ኣብያተ-ትምህርታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝማሓደራን ዝካየዳን እየን። እተን ብሕታዊ ናይ ዝተፈላለየ ሞያን ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ዝህባ ኣብያተ-ትምህርታት ንተማሃሮ ወርሓዊ ክፍሊታት እንዳኽፈላ ዝምህራ ክኾና እንኮሎዋ፡ እተን ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርት ዝማሓደራን ዝካየዳን ግን ብናጻ ብመሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝስልዖ ዓመታዊ ባጀት ንትምህርት ወጻኢታት ዝምህራ እየን።

ስለዚ ኤርትራ ካብተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዓለም ከንሳ ትምህርት ብናጻ እዩ ክብሃል ይክኣል። እዞም ኩሎም ሕጂ ዝላዓለ ደረጃ ትምህርትን ሞያን ኣብ ዉሽጥ ሃገርን ደገን ማህደረ-ትምህርት ተዋሂብዎም ትምህርትን ሞያን ቀሲሞም ኣብ ዉሽጥ ኤርትራን ኣብ ስደትን ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ብህዝብ ንኣታዊ ዉሽጢ ሃገር ዝኸፈሎ ቀረጽ፡ ብመሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ካብ ዓለማዊ ባንክ ንሰብኣዊ ዓቅምታት ንምምዕባል ብዝተለቕሖ ገንዘብን ብለገስት ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ብዝተዋህበ ፋይናንሳዉን ነገራዉን ሓገዛት ዝተማህሩ ምኻኖም ኣቀዲሙ ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ዓለም እንካን ሃባን ርትዓዊ ሂወት {Give and take is fair play} ስለዝኾነት ድማ ንክማሃር ዝተለገሰሉን ዝተመወለን ዜጋ ተመሊሱ ንህዝቡን ሃገሩን ኣዉንታዊ ዓስቦም ክኸፍሎም ሃገራዉን ሞራላዉን ግዴታታት ከምዘለዎ ብንጹር ክፈልጥ ኣለዎ። ዕድል ተዋሂብዎ ዝተማህረን፡ ዕድል ተኸሊእዎ ዝደንቆረን ብሓደ መዕቀኒ ዝዕቀኑ ስለዘይኮኑ፡ እቲ ዕድል ረኺቡ ዝተማህረ ነቲ ዕድል ተኸሊእዎ ዝዶንቆረ ኣብ ምስትምሃርን ፖሎቲካዊ ምጣኔሃብታዊ ማሕበራዊ ለዉጥታት ኣብ ምልዓልን ምቕያርን መናባብሮን ምሕደራ ኤርትራ ብዘይግብዝና ብንጡፍ ክሳተፍ ኣለዎ ። ብራሃጽ ህዝቢ ብንመጻኢ ዝኽፈል ዕዳ ሃገርን ብምጽዋት ንሃገር ሰብኣዊ ዓቕምታት ንምምዕባል ዝተለገሰ ተማሂርካ ንዉልቃዉን ንናይ ደገ ሃገራትን ኣህዛብን ኣገልጋሊ ኼንካ ክትዕስብ ጥራይ እንተተሃቂኑ ግን ዓቢ ይቕሬታ ዘይባሃለሉ ገበን ክኸዉን እዩ። ኣብዚ ብኑጹር ከነቀምጦ እንደሊ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ንደገ ተሰዲዱ ዘሎ ፈሊጣዊ-ኣካላት ሕብረተሰብና ተመሊሱ ንሃገር ከይዱ ክሰርሕ ኣለዎ ማለትና ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ናብርኡ እንዳመርሔ ብንጡፍ ግዝኣተ-ሕግን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ሃገርና ክነግስ ኣብ ኪደት ቃልሲ ክሳተፍ ኣለዎ ማለትና እዩ። ንሓደ ተዛራቢ ትግርኛ ብቛንቓ እንግሊዝ ዝጻሓፎ ብትግርኛ ክትርጉምን፡ ንመሰረታዊ ሓቕታት ዘይብሉ ሃበስ-ቀደስ ዘረባ ከተንብብን፡ ንቃልሲ ከመሳጋገሪን መሳርሕን መጣጣሒ ዉልቃዊ ናይ መጻኢ ሂወቱ ክጥቀመሉ ዝህቕኑ…ወ.ዘ.ተ እንተኾይኖም ናይ ግዝየን ቦታን ሕቶ ጥራይ እዩ እምበር ናይብሓቂ ስሓቦ-ጉትቶ ዘለዎ ተግባር እዩ። ስደት ካብ ቃልሲ ኣይንጽለካን እዩ። እንታይድኣ ንመልክዓት ቃልስታትካ ጥራይ እዩ ዝዉስኖ። ስለዚ በቲ ዘለዉዎ ሂወትን ቦታን ብዝወሰኖ ኩነታት ነዚ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ክመርሕዎን ክደፍእዎን ጉንዕታቶምን ጉቡኣቶም እዩ።

መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ኣብ ዕድላት ምሃብ ንናይ ደገ ማህደረ-ትምህርት ንዝላዓለ ደረጃ ትምህርት ዝፈጸሞ ሓደ ዓቢ ጌጋ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ኤርትራዉያን ደቂ-ኣንስትዮ ዘተኮረ እዩ። ኤርትራዉያን ደቂ-ኣንስትዮ ዳርጋ 54% ዲምግራፊያዊ ብዝሒ ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘለወን እየን። ብመጠነ ብዝሓንን ብመጠን ዘለዎን ጸቕጥታት ኣባታዊ ኣታሓሳስባ ሕብረተሰብና፡ ብልዑል ተሳታፍነተን ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ መጻኢ ሂወት እቲ ሕብረተሰብን ተቀሚሩ ኣብ ግምት ኣትዩ መጠነ-ብዝሔን ክብ ዝበለ ኣብ ክንዲ ዝሰድድ፡ ዳርጋ 3% ናይቶም ንደገ ዝተሰዱ ጥራይ እየን ነይረን። ሰብ መዚ መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ናይ ብሓቂ ዘይፈለጥዎ ፍልስፍና ሕብረተሰብኣዉነት ኣሎ። “”ንሱ ድማ ጓል ኣንስተይት ምምሃር ሕብረተሰብ ምምሃር እዩ። ወዲ ተባዕታይ ምምሃር ድማ ንዉልቀ ዜጋ ምምሃር ምኻኑ እዩ።”” ነዚ ፍልስፍና እዚ ንከይፈልጡ ዝደፈኖም ድማ እቲ ዝዉንንዎን ዝዉንኖምን ኣባታዊ {Patriarchy} ዝምባሌታቶም እዩ። ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይት ንምሕያል ኣብ ኣካዳሚካዉን ባህላዉን ዓቕምታተን ክብ ንምባል ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ ነይሩ። የግዳስ ኣይኮነን።

ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ከም ሰበን ዘጋንፈን ዘሎ ሕሰምን መከራን፡ ምጭፍላቕን ምዝመዛን፡ ኣባታዊ ሕብረተሰብን ዕዋላዊ ባህርያት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ንዝኸፍኤ ሓደጋታት ኣጋሊጽወን ይርከብ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ህ.ግ.ደ.ፍ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይትን ኤርትራዊት-ኣደን ኣንካይዶ ንዝላዓለ ደረጃ ትምህርት ክትዉሃብ፡ ኣደዳ ሕሰም፡ ጥምየት፡ ጓሂ፡ ስጋዊ-ዓመጽ፡ ዘይነፍስን ዘይረደዮቶን ዕሸልን መዉስባዊ-ሕማማት ሙጻር፡…ወ.ዘ.ተ፡ ደቃ ብሓሳረ-መከራ ኣዕብያ ንመላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብኣስገዳድ እተረክብ ዓስቢ ዘይብላ ማሕበራዊ ፋብሪካ ኮይና ኣላ። ኤርትራዊት መንእሰይ ጓል-ኣንስተይት ጽባቐእን ጉብዝናኣን ኣብ ክንዲ ባህርያዊ ተዉህቦን ግርማን ዝኸዉን ብወትሃደራዊ መኮንናት ህ.ግ.ደ.ፍ መከራ ዝዕድመላን ክብራ ዘግህሳ ዘይነጽፍ-ዕዳ ኮይንዋ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣቦታቶም ዝተሰዉኡ፡ ኣቦታቶም ዝጠለሙዋን ዘኽታማት-ህጻናት ላዕልን-ታሕትን ኢላ ንበይና ከተዕቢ ኣብ እንግዳዓኣ ዝተሓንገረ  ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ሂወትን ድኽነትን ኣብ ጸቢብ ኩርናዕ ናይት ሕብረተስብ ኣጸጊዕዋ ከምዘይሓልፍ ይጉስጣን የልፍዓን ኣሎ። ካብቲ ዘሕፍርን ዘስካሕክሕን ሃለዋት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብዚ ህሉዉ ኩነታት እዩ። ስለዚ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ብግቡእ ዘመለሰን ካብቲ ኣቀዲሙ ዝነበረ መሊሱ ምዕብልነኤንን ሱታፌኤን ንታሕቲ ከምዘንቖልቁል ዝገበረ ፖሎቲካዊ ስርዓት እዩ።

መሰጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ናይ  ምምሃርን ምፍላጥ ነጻነትን መሰላትን ብስልታዊ ብልሓት {systematically} ንቂጹዎ ኣሎ ከመይ ኢሉ እዩ ማዓት ማህደረ-ትምህርታት እንዳሃበ፡ ኣብያተ ትምህርትታትን ኮሎጃትን እንዳሃነጸን እንዳከፈተን ከንሱ ዓንቂጹ ኣሎ ዝባሃል ዘሎ ዝብል ሕቶ ክልዕል ርትዓዊ ስለዝኾነ ብቀጥታ ንኡኡ ምምላስ ኣኻሊ ክኸዉን እዩ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ምምሃር ንኩሉ ዜጋ ብዘይ ሓደ ክፍሊት መሰላትን ጉባኣትን ምኻኑ ብቀዳምነት ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ቀጺሉ ተማሃራይ ብኣካዳምያዊ ብቕዓቱን ዝንባሌታቱን ዝመረጾን ዝመልኮን ሓንጎሉ ከሳስዮ ዝኽእል ዓይነት ትምህርቲ ክወስድ መሰሉን ዉጺኢታዉን እዩ። እቲ ሓቂ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዚ እዩ መንግስት ንተማሃራይ ሓሪምዎ ዘሎ።

ተማሃራይ ናይ ሓሳባት ምግላጽ ነጻነት እንተዘይብሉ፣ ተማሃራይ ምስ ባህርያዊ ዝንባሌታቱ ዝድርኾ ዝመልኮን ደስ ዝብሎን ዓይነት ትምህርቲ ዘይምሃር እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ክሳብ ዓቕሙን ንያቱን ዘፍቕደሉ ትምህርት ክማሃር ዘይክእል እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ብዘይ ገለ መሳናኽላትን ጸቕጥታትን ዘይምሃር እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ናይ ተመሃሮ ናይ ምንቅስቓስ መሰላቱ ዘይሕሎ እንተኾይኑ፣ ተማሃራይ ናይ ምእካብ ዋዕላታት ሰሚናራት መጋባእያታት ኣብ ኣካዳምያዊ ትሕዝቶ ዘተኮረ ከምድላዩ ዘይሳተፍን ዘየካይድን እንተኾይኑ፡ መሰላት ናይ ኣካዳምያዊ ፈሊጣን ዘይሕሎ እንተኮይኑ፡ ተማሃራይ ብኣስገዳድ ኣብ መባእታ ደረጃ ትምህርት ብቛንቛ-ኣደ ዝማሃር እንተኾይኑ፡ ተምሃራይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣስገዳድ ክገብር ዝግደድ እንተኾይኑ፡ ተማሃራይ ሕጽረታት ንዋትን ቀረባትን ትምህርቲ ዘጋጥምዎ እንተኾይኖም …ወ.ዘ.ተ መንግስቲ ንትምህርትን ኣካዳምያዊ ናጽነትን ዓንቂጹ ኣሎ ክባሃል ይክኣል።

ስርዓተ ትምህርት ኤርትራ፡ ትምህርትን ኣስተምህራዊ መስርሕን ብዕምቆትን ብመርትዖን ክርኤ እኳ ጉቡእ እንተነበረ፡ ኣብ ክንዲ ክልስሓሳባዉን ዝርዝራዊ ዝኸዉን ብሓፈሻዊ መገዲ ኩሉ ብክርድኦ ዝኽእል ቋንቋ ክንገልጾ ክንፍትን ኢና። መጀመርታ እቲ ስርዓተ ትምህርት ኣብ ሳሕል ኣብ ቤት ትምህርት ሰዉራ ዝስራሓሉ ዝነበረን ገለ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ስርዓተ ትምህርት ዝነበረ ብምጽንባር እዩ ትምህርት ኣብ 1992 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ። ስለዚ ትምህርት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክጅምር እንኮሎ ኣዝዩ ንጹርን ተዓጻጻፍን ስርዓተ ትምህርት {programmatic curriculum{ ኣብ ንባህላዉን ትጽቢታት ተማሃሮ ዘንጸባርቕ ዝተሞርኮሰ ኣይነበረን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ንገዛእ ርእሱ እዉን እቲ ስርዓተ-ትምህርት ተጻፊፉ ዝተወድኤን ንጹር ዕላማን መደባትን ናይ መምሃሪ-ጥረ ነገራት ኣይነበርዎን። ድሕሪኡ ብመጠኑ እቲ ስርዓተ ትምህርት ተሓንጺጹ ምስተወድኤ፡ ስርዓተ ትምህርት ኤርትራ ኣብ መባእታ ደረጃ ትምህርት ንኩለን ዝተፈላለያ ኢትኒካዊ ጉጂለታት ብቛንቛ-ኣደ ከምዝማሃራ እዩ ገይሩ። ዝተፈላለየ ባህልን ምዕብልና ቋንቋ ማሕበራዊ ቀጸላታትን ትጽቢትን ዘለዎም ተማሃሮ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ሓደ ኣምጺኻ ክትምህሮምን፡ ንሳቶም እዉን ምስቶም ካልኦት ከምኦም ተማሃሮ ብቀሊሉ ክዉሃሃዱን ክጽንበሩን ኣዝዩ ከቢድ ምምስራሕ እዩ ዘጋጥም። እዚ ጸገም እዚ ዝፈጥሮ መሰናኽላትን ስንብራታትን ኣብ ልዕሊ እቶም ተማሃሮ ኣዝዩ ዓቢ ጸገም ፈጢሩሎም እዩ። ስለዚ እቲ ጸገማት ኣብ ትምህርት፡ ካብታ ቀዳመይቲ መሰረት ጽፍሒ መባእታዊ ትምህርት ትጅምር ኣላ ማለት እዩ።

ቀጺሉ እዉን ናይቲ ካብ 1992-2002 ዓ.ም.ፈ ዝስረሔ ስርዓተ ትምህርት ኣዉንትኡን ኣሉትኡን ብቡቑዕ ካይተገምገመ እንኮሎ፡ ብካልእ ስርዓተ ትምህርት ብናይ ቴክሳስ ስርዓተ ትምህርት ዝፍለጥ ከምዝትካእ ተገይሩ። እኹል መጽናዕትን ምርምራትን ካይተገብረሉ ብሃታ-ሃታን ሽበድበዳትን ከምዝታኣታቶ ተገይሩ። እዚ ስርዓተ ትምህርት እዚ ክታኣታቶ እንኮሎ ኣብ ምድላዉ ኣባላት ሚኒስትሪ ትምህርት ክኮኑ እንኮሎዉ ዝቛጻጸሮ ዝነበረ ተቃጻጻሪ ድማ ፕረዝደንት ኢሰያስ ነይሩ። ስለዚ በቶም ናይ ኣካዳሚክ ፈሊጣን ዝተጻሕፈ ብፕረዝደንት ገሊኡ ቁቡል ዝበሎ ቁቡል ይኸዉን እዚ ቀይርዎ ዝበሎም ድማ ኣንዳተቐየረ ዝተሓንጸጸ ስርዓተ ትምህርት እዩ። ዉጽኢትን ኣድማዕነትን ናይዚ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርት እዉን ዛጊት ውጽኢቱ ብኪኢላታት ስነ-ትምህርት ዓዉደ-ፍልጠትን ኣይተገምገመን ዘሎ። ላዕለዎት ሰብ መዚ ነዚ ስርዓት ትምህርት ንምትእትታዉ ዝደፋፉኡ መሰረታዉያን ሮቛሒታት ከምዘለዉ እዮም ዘተንብሁ። ካብቶም ዝተንብህወን ርቛሒታት እዞን ዝስዕባ እየን፡-

1.ኣብ ምህናጽ ማሕበራዉን ኣካላዉን ትሕተ ቕርጻታት ስለንርከብ፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዓዉድታት ጽላታት ናይ ተግባሬ-ኢድ ኪኢላታት ዓቕሚ ሰብ ከነማዕብል ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና ምትካል-ዋልታ ጽምዶ {Strategic Engagement} ከዓዉት ስለዝኽእል፡ ኣብ ክንዲ ንጊዚኡ ከስራሓና ዘይክእል ፍልጠት ዜጋ ዝማሃር፡ ነዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና መደባት ዘዓዉት ክማሃር ኣለዎ ዝብል እምነታት ከምዘለዎም የተንብሁ።

2.ካብቲ ዝተረኽበ ሓጺር ተሞክሮታት ኩሉ ማህደረ-ትምህርት ተዋሂብዎ ረኺቡን ዝተማህረ፡ ገሊኡ ትምህርቱ ወዲኡ ገሊኡ ካይወድኤ ብኡ ኣቢሉ ኣብ ዝማሃረሉ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሃገር ወይ ሳልሳይ ሃገር ዝተርፍ እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ንወጻኢ ሃገራት ተማሃራይ ምስዳድ፡ ኣብዚ ተተይ እንዳበለ ክሳብ ማስተርስ ዘጽናዓሉ ባይታታት ምፍጣር ኣማራጺ እዩ ዝብል ቅመራታትን እምንቶታት ስለዘሎዎም ከምዝኾኑ የተንብሁ።

3.ዓቕሚ ሰብኣዊ ክእለትና ካብ ህሉዉ ኩነታትና ዝነቕልን ንህሉዉ ኩነታትን ንምፍታሕ ኣበርክቶ ዘለዎ ግድላዊ ዓይነት ትምህርቲ {Problem-Posing Method} ክከዉን ኣለዎ ዝብል እምነታት ስለዘሎ እዩ ቢሎም የተንብሁ። ብኣጣቃላሊ ክትመዝኖ እንተፈቲንካ እቲ ኣታሓሳስባ ኣዉንታን ኣሉታን ገጽታታት እኳ እንተሃለዉዎ፡ ከም ኣታሓሳስባ ኣብ ሎሚ መዓልት ጥራይ ዘተኮረ እምበር ናይጽባሕ ዝጠመተ ከምዘይኮነ ተኾሊዑ ይርኣየካ። ልዕሊ ኹሉ ግን ዝኾነ ዜጋ ዝደልዮን ዝብህጎን ዝኽእሎን ዓይነት ፍልጠት ካይምሃር፡ ናይ ምርጫ ሰብኣዊ መሰላቱ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተመንዚዑ ካይፈተወ ጸራባይ፡ ኣልሓማይ፡ ነዳቃይ፡ መካኒክ፡ ናይ ዝተፋላለያ ማሽናት ኦፕሬተር፡…ወ.ዘ.ተ ንክኸዉን ይዉሰነሉ ከምዘሎ ጥራይ ኢና ክንግምግም ኪኢልና ዞሎና።

ኣቀድም ኣቢሉ ኣስመራ ዩኒቬርሲቲይ ከም ማእከለይቲ-ኣደ ፍልጠት ናይ ብሕጂ ዝህነጻ ኮሎጃት ኣብ ኤርትራ ንክትከዉን እዩ ዝሕሰብን ዝሕለንን ዝነበረ። ብሃንደበት ግን ኣብ 2002 ዓ.ም.ፈ.ዝወጸ ናይ መንግስቲ ፍሉይ ትእዛዝ ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝኸፋፍልን ንምዕጻዋ ዝሃቀነ መምርሒን ትእዛዝን ተማሓላሊፉ። ኣስመራ ዩኒቬርሲቲይ ካብ 2003 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ሓደሽት ተማሃሮ ምቕባል ኣቛሪጹን ኣብ 2006ዓ.ም.ፈ ድማ ፈጺማ ተዓጽያ። ከም ሳዕቤኑ  ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ታሕተዋይ ጸፍሒ መጽናዕቲ ምዕጻው ኣከቲሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንክመሃሩ ስለዘይክእሉ ንኣብ ማይ ነፍሒ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ቴክኒካዊ ቤት ትምህርቲ ንኽኣትዉ ተገዲዶም። ልዕሊ ኹሉ ግን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ ዝቕጽል ዓይነት ትምህርቲ ባዕሎም ንኸመርጹ ኩልኩላት እዮም። እንታይ ድኣ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ መሰጋገሪ ፈተና ዝረኸብዎ ነጥቢ መሰረት ብምግባር፣ ናብ ቅደም ተከተል ዘለዎ ተክኒካውን ስሩዑን ዝኾነ ተግባረ ኢድን ስነ-ኪነትን መደባት ትምህርት {Vocational and technical education } ብሚኒስትርይ ትምህርት ከምዝመዝገቡ ተጌይሩ። ናይ ካልኣይ ደረጃ መሰጋገሪ ፈተና ነዚ {matric} ዝወስዱ ተመሃሮ ኣብ መዓስከር ሳዋ ወተሃድራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ወይ ከኣ ብምኽንያት ናይ ጥዕና ጉድለት መረጋገጺ ወረቐት ዘለዎም ጥራይ እዮ ንክፍተን ዝፍቀደሉ። ኣዝዩ ውሑድ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ሙሁራን ትምህርቲ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ። የግዳስ ሓደስት ተማሃሮ ከእንግድ ኣይክእልን እዩ።

ገለ ዉልቀ ሰባት ብመገዲ መቕርቦም ወይ ብናይ ርሕቀት-ምጽሕሓፍ ጻዕርታቶም ኣብ ደገ ከይዶም ንዝላዓለ ደረጃ ትምህርቶም ክቕጽሉ ማህደረ-ትምህርት ዝረኽቡ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ሙዉል ማህደረ-ትምህርት ረኺበ ክማሃር ንደገ ክኸይድ ኢሉ ክሓትት እንኮሎ ካብ ሰለስተ ቦታታት ፍቃድ ክረክብ ኣለዎ። መጀመርታ ምምሕዳር ከተማ፡ ቀጺሉ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መጨረስታ ድማ መዉጽኢ ፍቃድ ወይ ቪዙም ዝሃርመልካ ኢምግረሽን ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ሰለስተ ቦታታት ክሰልጦ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጉዕዞን መገድን ክወስድ ኣለዎ። መብዛሕትኦም ፈጺሙ ስለዘይቐንዖም ንሱዳን ወይ ኢትዮጵያ ከይዶም ብኡ ዝወጹ እዉን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ንማሃደረ ትምህርት ዝረኸበ ተማሃራይ ናይ መውጽኢ ፍቃድ ቪዙም  ብቀሊሉ ዝህብ ኣይኮነን። ኣንካይ ዶ ተማሃራይ ኬንካስ ዋላ እዉን ናብ ወጻኢ ንዝለዓለ ትምህርቲ፡ ዋዕላታት፡ ምርምራት…ወ.ዘ.ት ወይክኣ ንምብጻሕን ሕክምና ንምግባርን  ክኸዱ ዝደለዩ ላዕለዎት ኣካዳምያውያን ናይቲ ሃገር ፣ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ወይ ዘሎዋ ኮሎጃትን ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ከምኡውን ናይ መንግስቲ ፍቓድ ኣቐዲሞም ክረኽቡ ኣለዎም።  እዚ እንተዘይብሎም መዉጽኢ ፍቃድ ብኢምግረሽን ክዉሃቦም ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ግን ፍጹም ብሕጋዊ ኣጋባብ ካብ ኤርትራ ብቀሊሉ ዝወጹ ዜጋታት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቶም ዝወጹ ዜጋታት እቲ መንግስት ባዕሉ ንደገ ዝሰዶም፡ መቕረብ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስት ዝኾኑን ብሰኪዔት ምጣኔሃብታዊ ፖሎቲካዊ ሞራላዊ መዝነታዊ ብልሽዉናታት ተጠቂሞም ዝወጹ ወይ መዉጽኢ ፍቃድ ቪዙም ዝዉሃቦም ከምዘለዉ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ’ቲ ዘሎ ኣብያተትምህርታትን ኮሎጃትን ተማሂሮም ብሴርትፊኬት፡ ዲፕሎም ን ዲግሪን ዝምረቁ ተማሃሮ ከምዘለዉ ዘታሓታት ሕቶ ኣይኮነን የግዳስ ከምቲ ዝድለን ትጽቢትን ዝግበረሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ ኣስታት 17000 ዝግመቱ ተማሃሮ ንካልኣይ ደረጃ መዛዛሚ መርመራ ማትሪክ ተፈቲኖም፡ ካብዚኣቶም ድማ 10000 ተሪፎም። እዚ ድማ ቡሩህ ስእሊን ግምታትን ክህበና ይኽእል እዩ። ስለዚ ትምህርት፡ ስርዓተ ትምህርት፡ ኣካዳምያዊ ናጽነት ምዕብልናን ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሕማቕ ፖሊሲ እቲ ስርዓት ኣብ ዝታሓተ ሕሉም ወሪዱ ከምዘሎ ክግምገም ይክኣል።

ናይ ፈሊጣን ዋንነት {intellectual property} መሰል ብግብሪ ሕሉዉ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መሰላት ደረስት፡ ደረፍት፡ ማሃዝት…ወ.ዘ.ተ ክሕሎ ከምዘለዎን፡ ንኡኡ ዝካላኸል ማሕበር ተመስሪቱ ዘመታትን እኳ እንተተኻየደ ብግብሪ ግን ጽሓፋይ ጽሒፉ፡ ደራፋይ ደሪፉ፡ ተዋስኣይ ተዋሲኡ፡ ስኣላይ ሲኢሉ፡ ገጣማይ ገጢሙ፡ ማሃዛይ ሚሂዙ…ወ.ዘ.ተ እቶቱ ንመንግስት ከረክብ ኣለዎ። እዚ እንተዘይገይሩ ድማ ክንጽል ወይ ዕዳጋታቱ ክመክን ከም ዘለዎ ይግበር።

ንስፖርትን ኣትለቲክ ብዝምልከት፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርትን ኣትለቲካዊ ንጥፈታት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ይካየድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ስፖርታዊ ትካላት ብወትሃደራዊ ሞኮንናት ከምባዓል ሜጀር ጀነራናል ኣዉልያን ብሪጓይደር ጀነራል ብላታን ካልኦት ኮሎኔላት ዝካየድ ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ ስፖርታዊ ትካል ምኻኑ ወትሃደራዊ ትካል እዩ። እቲ ኣጋባብ ኣታሓሕዛን ኣብ መንጎ ሓለፍት እቲ ትካልን ስፖርተኛታትን ዘሎ ናይ ጊልያን ጎይታን ዝዓይነቱ ዝምድናታትን ሕጽረታት ምርድዳእን ጸቕጥታትን ዘንቀሎ፡ መብዛሕትኦም ስፖርቶኛታትን ኣትለቲካትን ንኤርትራ ወኪሎም ክጻወቱ ንወጻኢ ሃገር ምስ ከዱ ቡኡ ኣቢሎም ዝተርፉ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ንኣብነት ንምጥቃስ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኣንጎላ ክትጻወት ኢላ ንኣንጎላ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ካብቶም ተጻወቲ 6 ሰባት ኣብ ኣንጎሎ ዕቁባ ሓቲቶም። ኣቃልብኦም ኣብ ምትራፍን ዑቕባ ምሕታትን ስለዝነበረ ጹቡቕ እዉን ስለዘይተጻወቱ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ተሳዒራን ተጻወታ ኣብ ኣንጎላ ሓዲጋ ንኤርትራ ተመሊሳ እያ። ልዕሊ ኹሉ ሕጽረታት ንዋት፡ ሕጽረታት ምሕደራ፡ ሕጽረታት ኣሰልጠንቲ፡ ሕጽረታት ግዝየ፡ ሕጽረታት ምትብባዕን ምክትታልን፡ ሕጽረታት ተበግሶን ነቲ ተበግሶ ናይ ምስሳይ….ወ.ዘ.ተ ስለዘሎ ኤርትራ ልዕሊ 10 ከም ኣቶ ዘርእሰናይ ታደሰ ፕሮፊሽናሊስ ብደረጃ ዓለምለኸ ክዋስኡ ዝኽእሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርትን ኣትለቲክን ከተፍሪ ዓቕሚን ተኽእሎን እንዳ ሃለወ ከንሱ፡ ብሰንኪ ኣሉታ ፖሊሲ እቲ መንግስት ተወዝ ምባል ተሳኢኑ ኣሎ። ነዚ ዝባሃል ዘሎ ሓቕታት ንምፍላጥ ዝስዕብ ቀለቤት መርበብ ሓቤሬታ ኢንተርኔት ክንበብ ይክኣል እዩ። http://www.nation.co.ke/sports/football/-/1102/504034/-/yun04v/-/

ንባህሊ ብዝምልከት፡ ባህሊ ብዝሰፍሔ ትርጉሙ ንትምህርት፡ ስነጥበብ፡ ስነፍልጠት፡ ስነኪነት፡ ወግዕን ልምድታትን፡ ስነቛንቛ ሞዕብልናታት…ወ.ዘ.ተ ዝሓቖፈ እዩ። ኣዝዩ ሙዑቡል ሃገራዊ ባህሊ መሰረት ምዕቡል ምጣኔሃብታዊ ሙዕቡል ፖሎቲካዊ ስርርዕ እዩ። ባህሊ ካይማዕበለ ዝስልጥን ሃገርን ሕብረተሰብን የሎን። ባህላዊ ምዕብልና ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብዘገምታዊ ሕግታቱ ብምርዓምን ብምንጻግን ዝኸዉን እቲ ስርዓት ብሓይሊ ከታኣታትዎ ዝደሊ ባህልታት ምትእትታዉ ስለዘሎ፡ ባህላዊ ኩልፈታትን ባህላዊ ስራዝነትን {nihilism} ብሩኡይ ምጥፋእ ባህላዊ ሚዛን ኣጋጢሙ ኣሎ።

ንመዛናጊዒታትን ምርኢታትን ብዝምልከት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ክለባት፡ መዛናጊዒታት፡ ሲናማታት…ወ.ዘ.ተ ኣሎ። ብሙሉኡ ብዘይካ ብዉልቀሰባት ዝዉነና ባራትን ኣብያተሻሂታት ሓዲካ እቲ መዛናጊዒታት ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስትን ብቁጽጽር መንግስትን ዝካየድ እዩ። ኣብ ክንዲ መዛናጊዒታት ዝኸዉን ናይ ስለያ መርበብ ሰኪዔታት ስለዝተቀየረ፡ ኣብ ክንዲ ዜጋታት ኣብ ትርፊ ጊዚኦም ዝዛናግዕሉ ሃመማታት ክዝንብይሉ ዝዉዕሉ ግዝያት ይበዝሕ። ዜጋ ኣብ ትርፊ ግዚኡ ዘይዛናጋዕን ምስ ቤተሰቡን ኣዕሩኹቱን ዘይራኸብን እንተኾይኑ ማሕበራዊ ርኽኽባት ኣብቲ ሕብረተሰብ እንዳተሸምቀቀ ስለዝኸይድ ሕማቕ ማሕበራዉን ኣእሙራዉን ሓደጋታት ክህልዎ እዩ።

8. ንክብሪ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ብዝምልከት፡

ኩሉ ኤርትራዉን ዓለምናን ከምዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ክብሪ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዝተቀንጠጠ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ምኹኑይ ንምግባር ድማ በዞም ዝስዕቡ መርትዖታታት ክግለጽ ይክኣል።

1. ዜጋታት ክእከቡ፡ ዜጋታት መሰላቶም ክሓቱ፡ ዜጋታት ብድላዮም ኣጋባብ ሃይማኖቶምን ጸሎቶምን ከካይዱ፡ ዜጋታት ከም ድላዮም ክጽሕፉን ክዛረቡን፡ ዜጋታት ናብ ድላዮም ሃገራት ክገሹ፡ ዜጋታት ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ፡ ዜጋታት ቅሬታቶም ክገልጹ…ወ.ዘ.ተ ፍቁድ ኣይኮነን።

2. ናይ ወትሃደራዊ ስርሒታት፡ ናይ ስለያን ጸረስለያን፡ ጸጥታዊ ሓይልታት፡ ፖሊስ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ቀጥዕታትን ዜጋታት ምቕያድ ምስቃይ ክሳብ ምቕታልን ካብቲ ዘሎ ኣዝዩ ዘሰክፍ ነገራት እዩ።

3. ካብ ኣገልግሎት ንዝሃደሙን ዝኣበዩን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምቅያ፡ ምግፋፍ፡ ምእሳር፡ ምስቓይን ምብስባስን ስግሩ ድማ ገለ ካብዚኣቶም ኣብ ትሕቲ-ቀይዲ ኣካላት መንግስቲ እንከለው ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝመቱን ኣካላዊ ስንክልና ከምዘጋጥሞም ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ ኢሰብኣዊ ኣጋባብ ኣታሓሕዛ እሱራት ኣሎ።

4. ኣሰቃቒ ዝኾነ ንህይወት ደቅ ሰባት ዘስግእ ናይ መቀየዲ መደበራት ኣብ ትሕቲ መሬት ህዱም ባዓትታትን ገዛዉትን ብሓጺን ዝተሰርሔ ኮንተይነራት ተሰሪሑ ኣብኡ ብምእታዉ ንቁዩዳት ምቅጻዕ፡ ምሕያርን ምሙቛሕን ልሙድ ብልሓት ናይዚ ዘሎ ስርዓት እዩ።

5. ሰብ መዚ እቲ ህሉዉ ስርዓት ፊን ከም ዝበሎም ምሙቋሕን ምእሳርን ንቤተሰብ ናይቶም ካብ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ከይተረፈ ምእሳርን ምምቋሕን ስግሩ ድማ 50000 ናቕፋ ከምዝኸፍሉ ንብረቶም ምህጋርን  መዓልታዊ ልሙድ ኣጋባብ ኣሳራርሓ እዩ።

6. መንግስቲ ንውልቃዊ መሰላት ዜጋታትን ሰብኣዊ ጸጥታዊ ህላዊኦም ፍጹም ኣይሕልዉን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ኣብዚ ኣለዉ ኣብዚ ወዲቖም ዘይባሃለሉ ሽርበት ናይ ዜጋታት ወትሩ ዝርኤ እዩ። ሓደ ሓደ ግዝያት ስድራቤታቶም ሃለዋት ዝተሸርበ ሰብ ንምፍላጥ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ፍላን ዝባሃል ዝራኣየ ዓይኑ ይብራህ ብምባል ምንዳይ ዜጋታት ይርኤን ይስማዕን እዩ።

7. ኩሎም ትሕቲ 40 ዓመታት ዝዕድሜኦም ዜጋታት፡ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓይሊን ጸቕጥን ንምዉፋር ምግፋፍ መዓልታዊ ተግባር እቲ ዘሎ መንግስት እዩ።

8. ንመንግስት ወይ ኣካላት መንግስት ዜጋታት ከሲሶም ኣብ ሕጊ ከቕርብዎም ዘኽእል ባይታታትን ሕግታትትን መሰላትን ፍጹም የሎን።

9. ዜጋ ብመንግስት ብምኽንያት ፖሎቲካ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይድ ምስኣተወ ኣብ ትሕቲ ቀይድ ክጸንሕ ወይ ክልቀቅ ብሕጋዊ ቤት ፍርዲ ጉዳዩ እሱር ኣይዉሰንን እዩ። ንቀየድቲ ወይ ንቁዩድ ሕጋዊ ወይ ዘይሕጋዊ ዝገብር ቀጥዒ ቁዩድ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝተወሰነ መዓልታት ወይ ስዓታት ምቕራብ ፡መሰልን ሕግን ብግብሪን ክልስሓሳብን ኣይሰርሕን እዩ።

10. ቁዩድ ብሕድሪ ንነዊሕ ኣዋርሓት ወይ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርት ክድርበ ይካእልን ዝግበር ንቡር ኣሳራርሓ እዩ።

11. ኣብ ኤርትራ ፍርዳዉን ፍትሓዉን ትካላት ፈጺመን ትካላዊ ናጽነት የብለንን። ኢድ ኣታውነት ናይ ፈጻሚ ኣካላት መንግስት ኣብ ሕጋዊ ትካላት፡ ንፍሉ ቤት ፍርዲ ተጠቒምካ ሕጋዊ ኣገባብ ምዕጋትን ምስራዝን ንቡር መካኒዝም እዩ።

12. ዜጋታት ብሰላማዉን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መንግስቶም ንክቃወሙን ኽቕይሩ ዘለዎም መሰል ዉሑሱን ሕሉዉን ኣይኮነን።

13. መሬት ናይ መንግስት ስለዝተባህለ፡ ዜጋ ከምድላዩ ክሓርስ፡ ከምድላዩ ጤሳ ዓዲ ኣብኡ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ዜጋ ናይ ምዉናን መሬት መሰላት የብሉን።…ወ.ዘ.ተ

9.ንሓፈሻዊ ሃገራዉን ህዝባዉን ጸጥታ ብዝምልከት፡

ንጸጥታ እታ ሃገር መንግስትን ህዝብን ብዝምልከት፡ ኣዝዩ ስሩዑን ስጡሙን ዝኾነ ንጹር ኣዋዳድባን ኣሳራርሓን የሎን። ኣብ ኤርትራ ፖሊስ፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻልን ስርሒታትን፡ ስለያን ጸረስለያን…ወ.ዘ.ተ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብያተ ማእሰርት፡ መደበራት ተሓድሶታት፡ ብልሓታት ኣሳራርሓ፡ መቕጻዕትን ዉሽጣዊ ሕግታትን ኣለዎም። ፖሊስ ዕላዊ ስርሖም ናይ ውሽጢ ጸጥታ ህዝቢ ምሕላው እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ድማ ብግዳም ዝመጽእ ጸጥታዊ ሓደጋን ወትሃደራዊ መጥቃዕትታት ንምክልኻል እዩ። ስለያን ጸረ ስለያን ድማ ክልተ ገጻት ወትሃደራዉን ቬርገሳዉን መልክዕን ትሕዝቶን ሃሊዎ ብዉሽጥን ብደገን ክልዓል ወይ ክመጽእ ዝኽእል ጸጥታዊ መጥቃዕትታትን ዘይምርግጋእን ጉሁድን ሙስጡር ምንቕስቃሳት ኣብ ምክትታልን ምድርቃስን ዝተመዘ እዩ። እዞም ሰለስተ ዝተፈላለዩ ወትሃደራዉን ጸጥታዊ ትካላት ነፍስወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብያተ ማእሰርቲ፡ መርመርቲ፡ ኣጋባብ ኣሳራርሓ፡ ኣጋባብ መቕጻዕትን ዉሳኔን ኣለዎም። ንመረዳእታ ሓደ ዜጋ ብፖሊስን ስለያን ጸረስለያን ንሓደ ዓይነት ክሲ ወይ ጥርጠራ ክድለ እንኮሎ ስለያን ጸረስለያን እንተሒዞሞ፡ በቲ ዝጠርጠርዎ ክሓትዎን ቀይዶሞን ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ቀይድ ምስተፈትሕዎ ዳግም እዉን ፖሊስ ክሓቶን ክቕይዶን ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጸጥታዊ ኣሃዱ ክትያን ንጹር መደብ ዕዮ-ስልጣን ስለዘይብሉ ፈዉዳ ድላዩ ክገብር ይኽእል እዩ። ልዕሊ ኽሉ ግን ነዚ ስለስተ ክፋላት ጸጥታ ዉህደት ዝኣሳስሮምን ዝፈላልዮምን ቀለቤት ስራሕ ስለዘየሎ፡ ዜጋ ግዳይ ናይዚ ብኹረት መካኒዝም ይኸዉን ኣሎ።

ሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነት ተጸዋዕነቱን ቀጥታ ምትእስሳሩን ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እዩ። እዚ ሚኒስትሪ እዚ ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል መዝነትን ስልጣንን ኣለዎ። ኣባላት እዚ ሚኒስትሪ’ዚ ንሃገራዉን መንግስታዉን ጸጥታ ንሓደጋ ኣጋሊጾም ወይ ከጋልጹ እዮም ኢሉ ንዝጠርጠሮም ወትሃደራት ወይ ቬርጌሳውያን ዜጋታት ብዘይ ገለ ሕጋዊ ወኸሳታት ናይ ምእሳር ሓላፍነት ኣለዎ። ብተማሳሳሊ እውን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወትሃደራትን ቬርጌሳዉያን ዜጋታት ክቕይዱን ክኣስሩን ይፍቀደሎም እዩ። ኣቀድም ኣቢሉ ካብ 1992-2004 ዓ.ም.ፈ. ከም ዕላማን መደባት ስርሓትን ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ ጠቀስ ዝምልከት ጉዳያት ኣይኣትዉን እዮም ኔሮም። ኩሉ ስርሓቶም ምስ ህዝቢ ጥራይ ዝታኣሳሰረ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ፖሊስ ካብ ሃገራዊ ኣግልግሎት ንዝሃደሙ ወትሃደራት ወይ ካብ ሙዱብ ስርሓቶም ንዝኸብሎሉ ንዝተባህሉን ዝተጠርጠሩን ኣብ ምክትታልን፡ መንቀሳቀሲ ወረቅት ኣብ ምሕታት፡ ስግሩ እዉን ምቕያድን ምግፋፍን መዓልታዊ ስርሓቶም ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ዝኸፍኤ ጉዳያት ዘሎ ክልተ መሰረታዉያን ጉዳያት እየን። ንሳተን ድማ፡-

1.ካብዞም ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ዋላ እዉን ብዘይኮነ-ነገር ኣሲሮምኻ ድሕሪ ኩሉ ሕሰምን መከራን ካብ ቀይድ ምስፈነዉኻ፡ ኣነ ብዘይዉዓልክዎ እዚ ግፍዒ እዚ ኣብ ልዕለይ ወሪዱ ብምባል ተመሊስካ ስምካ ተጽርየሉን ንገፋዕትን ቀየድትን ትኸሰሉ መካኒዝም፡ ባይታ፡ መሰላት ዘይምህላዉ እዩ።

2.ኣባላት እዘን ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ነቲ ዘለዎም ጸጥታዊ መዝነትን ባይታን ተጠቂሞም ኣብ ምጣኔሃብታዊ፡ ፖሎቲካዊን ሞራላዉን ብልሽዉናታት  ምዝዉታሮም እዩ። ሓደ ኣባል እዘን ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ነቲ ዘለዎም ጸጥታዊ መዝነትን ባይታን ተጠቂሞም ንዉልቃዊ ቅርሕንት መፍደይ ሒነ፡ መኻዕበቲ ዉልቃዊ ማሕፍዳ ፋይናንሳዉን ነገራዉን ረብሓታቱ፡ ሌላን ጉሌላን ዘመደይ ዘመድካ…ወ.ዘ.ተ ክጥቀመሉ ዘዉትር ዝርኤን ዝስማዕን ፍጻሜ እዩ። ብፍቃድን ምትሕብባራትን ናይዞም ኣባላት ሰለስተ ትካላት ጸጥታ መንግስት ብዘይ ገለ ጸገም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንወጻኢ ክትወጽእ ትኽእል፡ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ከንስኻ ብዘይ ገለ ጸገም ኣብ ዉልቃዊ ዋኔንካ ክትዋፈር ትኽእል፡ ዝተኣሰረካ ዘመድ ወይ ፈታዊ ካብ ቀይድ ከተዉጽእ ትኽእል፡ ንሱዳን ወይ ንኢትዮጵያ ክትወጽእ እንተደሊኻ ብመካይኖም ገይሮም ኣብ ጫፍ ዶብ ከስጉርኻ ይኽእሉ …ወ.ዘ.ተ እዩ። ስለዚ እቲ ዝላዓለ ምጣኔሃብታዊ፡ ፖሎቲካዊን ሞራላዉን ብልሽዉናታት ኣብ ዉሽጥን ደገን በዞም ዝተጠቅሱ ሰለስተ ትካላት መንግስት ዝያዳ ካልኦት ይካየድን ይዝዉተርን።

እቲ ጸጥታዊ ማሓዉራት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ካብ ቀበሌ ወይ ምምሕዳራት ጀሚሩ ንነፍስወከፍ ቬርጌሳዊ ነባሪ ናይቲ ምምሕዳር ዝቃጻጸር መርበባት ኣሎ። ነዚ መርበባት እዚ ዝቃጻጸር ድማ ሕመራት ጓል ሕመረት ተባሂሉ ዝተወደበ ስለያዊ ሕቡኣን ዉሃዮታት እዩ። ኣንኳይ ዶ ኣብ ህዝብስ ዋላእዉን ኣብቲ ወትሃደራዊ ትካላት እዉን ዝዞረቀን ዝተዘርግሔን እዩ። ስለዚ እቲ ስርዓት እንታይ ይኸይድ ኣሎ እንታይ ይባሃል ኣሎ ኣብቲ ዝታሓተ ጽፍሒ እዉን ብዝርዝር ይፈልጥ እዩ። እቲ ጭቆናን ሕማቕ ምሕደራን ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ ስለዝበጽሔ ኣባላት ሰራዊትን ህዝብን ብእብረን ብዘይጥርኑፍ ኣጋባባት {mop} ኣንጻር መራሒ መንግስትን መንጉስቱ ደዉ ኢሎም ክቃወሙ ትእዛዛት መምሪሒታትን ሸለል ክቡሉ ይርኣዩን ይስሙዑን ኣለዉ። እዚ ምዕብልናታት እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ዝጸንሔን ዘሎን ኮይኑ፡ ናብ ህዝቢ እዃ ሰጊሩ እንተሎ ዛጊት ግን ኣብ ዝተሓተን ዘይተዋሃሃደን ፈላሚ ደረጅኡ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ምረቱን ተቃዉሙኡን ብጉሁድ ኣብ ፈቆዶ ኣብያተ-ሻሂታትን ባራት ክዛረብ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ህዝባዉን ሰራዊታዉን ምንዕዓባትን ዘይምእዙዙነት {public and military disobediences } ናበይ ገጹ ክምዕብል እዩ ዓሚቕ ምክትታልን መጽናዕትን ከድሊዮ እዩ። ብኣንጻር እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ዘሎ ስርዓት ምጽንጻን ጥሩጡራት ዝገብርዎ ርኽክባት ብቴለፎን፡ ደብዳቤታት፡ ኢንተርነታት እዉን ህሉዉ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ዘሰክፍ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ዉሽጥ ኣባላት እዚ ስለያዊን ወትሃደራዉን ትካላት ዉሑዳት መኮንናት ሕዙእ ሓቤሬታታት ሃገረ-መንግስት {confidential-information} ክሸጡን ክልዉጡን ዝስከፉ ስለዘይኮኑ፡ ሓይሊ ገንዘብ እንተሃልዩ ሚስጢራት ናይቲ መንግስት ንምፍንቃሉን ንምርካቡን ቡዙሕ ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

ካልእ ምስ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገርን ህዝብን ተኣሳሲሩ ክግለጽ ዝግብኦ ጉዳይ እንተሃልዩ ቀጻሊ ሱልኮታት ስለያን ጸረስለያን ኣብ ኩሉ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሎ። ዝተፈላለየ ንእስ ንእስ ዝበለ ወትሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣሎ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕትታት ምክያዱ ተቃወምቲ ፖሎቲካዉያን ዉድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝደጀነን ሓላፍነት ይጽዕዳ እየን፡ ብዉሽጣዊ ዓቕምታተን ወይ ምድግጋፍ ስርዓት ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ መጥቃዕትታት ምክያዱ ዘራጋግጽ መርትዖታት የሎን። መብዛሕትኡ ብኸባቢ ጋሽን ሰቲትን እኳ እንተኾነ ስሕት ኢሉ እዉን ብከባቢ ጾሮናን ራሓይታን ይርኤ እዩ። ልዕሊ ኽሉ ግን ካብ 2000ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን መንነቶም ክስብ ዛጊት ዘይተራጋገጸ ዕጡቃት ኣብ ከባቢ ሰቲትን መረብን ጥሪት-እንስሳን ን መጭዓኛን፡ ኣጣል፡ ኣባጊዕ፡ ኣእዱግን ኣግማልን ካብ ጓሶት ኤርትራዉያን ዜጋታት እንዳመንዝዑ ንኢትዮጵያ መብዛሕትኤን፡ ገሊኤን ድማ ንሱዳን ከባቢታት ገዳርፍ ከምዝወስድወን ይንገርን ይዝንቶን እዩ። ኣብ ዉሽጥ እዚ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ኣስታት 8000 ዝግመታ ጥሪት-እንስሳ ተሰሪቀን ኣለዋ። ነዚ ንኡስ ኣርእስት ንምጥቕላሉ ዝኣክል፡ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ንጸጥትኡ ዝዘርግ ካብ ብግዳም ዝመጽእ ሓይሊ፡ ካብቲ ስርዓትን ናይ ጸጥታዊ ትካላቱ ዝነቕል ከምዝዓቢ ብንጹር ከነቀምጥ ንደሊ።

10.ንሕብረተሰብኣዊ፡ ኤትኒክ ጉጂለታትን እምነታት ማዕርነትን ኣድልዎን ብዝምልከት፡

ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ ሃብታዊ፡ ሕብረተሰብኣዉን ባህላዉን ሂወት ሃገሩን ሕብረተሰቡን ተሳታፊ ስለዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ሃይማኖት ነቲ ካልእ ሃይማኖት፡ እቲ ሓደ ኤትኒክ-ጉጅለ ነቲ ካልእ ኤትኒክ-ጉጅለ ፡ እቲ ሓደ ኣዉራጃ ነቲ ካልእ ኣዉራጃ …ወ.ዘ.ተ ኣጻብዕቱ ከመልክትን ብጓህዲ ክኸስስን ወትሩ ዝስማዕ እዩ። ልዕሊኡ ድማ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ከም ንገለ ኣካላት ሕብረትሰብና ዝቀርቦን፡ ንኻልእ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝርሕቆን ተወሲዱ፡ ካብ ላዕለዋይ ብልሒ ጫፍ እቲ መንግስትን ሕብረተሰብን ጀሚሩ ካሳብ ታሕተዋይ ሕሉማቱን ማሕዉራቱን ብኢትኒክ፡ ኣዉራጃ፡ ሃይማኖት…ወ.ዘ.ተ ስምዒታትን ቅልዉላዋትን ካይተረፈ ይዕንብብን ይጋማማዕን ኣሎ። ነዚ ህሞት እዚ ንምርድኡ ድሕረ-ባይታ ምንጪ ናይዚ ፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጉጂለ ምፍላጥ ስለዘድሊ ኣሕጽር ኣቢልና ክንጥሕምሶ ኢና።ዉድባዊ ኣዋዳድባ፡ ኣሳራርሓ ፖሎቲካዊ ስልጣን መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ብቀዳምነት ብዘይገለ ስክፍታን ምድንጋራትን ክንርድኦ ዝግብኣና ቀንዲ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘሎ ፖሎቲካዊ ዉድብ ዋና ከምዘለዎ እዩ። ብዋንነት ስለዝስራዕን ዝኸይድን ድማ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖሎቲካዊ ዉድብን መራሕቱን፡ ንነብሱን ንዉዱቡን ብሓድሽ ወለዶን ደምን እንዳተክኤን እንዳተሓደሰን፡ ንሙሉእ ህዝብን ሃገርን ማሕበራዊ ቀጸላታቱ ወካሊን ኣሳታፍን፡ ግዝኣተ-ሕጋዊን ዲሞክራስያዉን ህይወት ዝዉንን ፖሎቲካዊ ስርርዕ ንክኸዉን ፍጹም ኣይካኣልን እዩ። ነዚ ሓቕታት እዚ ንምርድኡ ነዚ ፖሎቲካዊ ዉድብ እዚ ናብታ ናይ ፈለማ ኣማሳሳርትኡ ድሕረ-ባይታ ኬድና ምድህሳስ ከድልየና እዩ። እዚ ዉድብ እዚ ክቀዉም እንከሎ ብዝተፈላለዩ ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት፡ ክልተ ኤትኒክ ጉጂለታትን ክልተ ዝተፈለለዩ መንፈሳዊ እምነታት ብዝዉንኑ ዝተመስረተ እዩ። እቶም ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት፡- 1፡ ብኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ኣብቲ እዋንቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ዝፍለጥ። 2፡ ፍሉይ መጸዉዒ ዘይነበሮ ንደቂ ማርያ ዝዉክል ዝመስል ብኣቡ-ጥያራ ዝምራሕ ጉጅለ። 3፡ ብዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ንደቂ ሰምሃርን ገለ ደቂ ከበሳን ዝጠመረ ጉጅለ ብህዝባዊ ሓይልታት ዝፍለጥ ጉጅለ። 4፡ ብኣደም ሳልሕ ዝምራሕ ናይ ደቂ ዑቦል ጉጂለ ብዕቦልዩን ዝፍለጥ እዮም መስሪቶሞ። መብዛሕትኦም ድማ ደቂ ትግርኛን ትግረን ኤትኒክ ጉጂለታትን ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ነይሮም። ካብ 1972-1977 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዝተኻየደ ዉሽጣዊ ቃልስታት ድማ ካብ እቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝባሃል ዉድብ፡ ናይ ማርያን ናይ ዕቦልዩን ፖሎቲካዊ ጉጂለታት ኣብ መንጎ 1972-1977 ዓ.ም.ፈ. ሓለፍተንን ገለ ታራ ኣባላተንን ብከፊሎም ቀልጢፎም ብወለንተእምን ምርጫታቶምን ካብቲ ሓባራዊ ሽርክነታዊ-ብርኪ ግንባር ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣልጊሶም እዮም።

ኣብ ዝላዓለ ብልሒ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ብደቂ ከበሳን ሰምሃርን እንዳተባሕተ መጽዩ። እዚ ማለት ግን ደቂ ካልኦት ኤትኒክ-ጉጅለ ኣይነበሩን ዝስምዕ ተረድኦን መግለጽን ኣይኮነን። በዚ መሰረት ድማ ዋሕዚ ናይ ሓደስት ዝስለፉ ዜጋታት ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ዝላዓለ ፖሎቲካዊ ብልሒ ስልጣን እንዳኾነ ስለዝኸደ ዘይተማጣጠነ ዲሞግራፊካዊ ብዝሒ ምስላፍን ምምቕራሕ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ኩለን ኤተኒካዊ ጉጂለታት ኤርትራ ኣይነብረን ማለት ኣይኮነን። ድሕሪ 1975 ዓ.ም.ፈ መብዛሕትኦም ኣባላት ኤተኒክ ጉጅለ ትግርኛ ብሓፈሻ ንሰዉራ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብብዝሒ ምስላፎም ዓብሊሎሞ እዮም። ዋላ እኳ ኣማሳራርትኡ ዲሞግራፊካዊ ዓብላልነት ከምኡ እንተነበረ፡ ዘይክሓድ ሓቂ እንተሃልዩ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ፍርቂ ክርስትያን ፍርቂ ኣስላም ዝኾነ፡ ኣብ ትሽዓተ ብሄራት ዝተመቓቐለ ብዙሓዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣሕቢሩ ናብ ሓደ ብልዑል ተወፋይነትን ዲስፕሊንን ዝተሃንጸ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ለዊጡዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ብመሪሕነቱ፡ ነቶም ብርእሰ-ሓያላን ኣመሪካን ሶቬት ሕብረትን ብተኸታታሊ ዝተደገፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ዳርጋ ብዘይ እኹል ናይ ወጻኢ ደገፍ “”ንጸላኢ ብጥዩቱ ብብረቱ” ብምዉቓዕ ኣላሽ ኣቢሉ ኣምበርኪኹዎም እዩ። እዚ ንርእሱ ዓቢ መዘና ዘይብሉ ዓወትን ተሞክሮ ሰዉራታት ዓለምና እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ምስቲ ጎረብብቲ ኤርትራ ኣብ መዳይ ዳግመህንጸት ዝነበረን ዘጕሂ ተመክሮ ክወዳደር እንከሎ፡ ጎሊሑ ዝርኤ ኣዉንታ ተሞክሮ ድማ እዩ። ጎኒ ንጎኒ ናይቲ ቃልሲ፡ ደቀንስትዮ፡ ሰራሕተኛታት፡ ጓሶትን ሓረስቶትን ካብቲ ንዘበናት ሓኒቑ ሒዙዎም ዝጸንሐ ዓዘቕቲ ማሃየምነት፡ ድኽነት፡ ጥምየትን፡ ጭቆናን ሞቕሕ ሕሱም ጸቕጥን ሓርነት ንኽጋናጸፉ፡ እቲ ግንባር ብሓይሊ ለይትን ምዓልትን ሰሪሑሉ እዩ። ብሓቂ ክርአ እንተተደልዩ፡ እቲ ብሰዉራና ሓራ ዝወጹ ቦታታትን ህዝብን ኤርትራ፡ ንልምዳዊ ዝምድናታት ትሕዝቶ ዋንነት መሬት፡ ማሪታዊ ምፍልልያት ንከብቕዕ፡ ማሃይምነት ንምጥፋእን ኣፈጻጽማ መርዓን ንምልዋጥ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ከምኡ ውን ኣብ ሕርሻ፡ ህዝባዊ ኣግልግሎት ጥዕናን ብልዑል ኣሳታፍነት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎታት እዩ። ጓሶት፡ ሓረስቶት፡ ሸቃሎ፡ መንእሰያትን ደቀንስትዮን፡ ነቲ ቓልሲ ብብዝሒ ክጽምበሩዎ ዝደረኾም ቀንዲ ግብራዊ ድርኺት እዩ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንሃገራዊ ሓርነትን ማሕበራዊ ለውጥን ብሓደ ኣጣሚሩ ቃልሲ ምስልሳሉ ድማ እዩ፡ ን ሰዉራ ኤርትራ ዘዐወቶን ንተመክሮኤርትራ ከም ሓደ ዓቢ ተሞክሮ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዓለምና ዘመዝገቦ

ነዚ ማሕበራዊ ዋሕዚ ተሳትፎን ተጠቂሙ ፖሎቲካዊ ጉጂለ ሰልፊ ናጽነት ብመራሒኣን መስራቲኣን ኢሰያስ ኣፍወርቂ ተገሪሓ ንናጻ ኤርትራ ኣትያ። ስለዚ ይብዛሕ ይዉሓድ ቡዝሑ ብዘየገድስ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቃለሰላ ፖሎቲካዊት ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ መንዲልን ንብረትን ኢሰያስን ሓዋርያታቱን ስለዝነበረት፡ ብዘይ ገለ መወከሲታትን ተሳትፎን ኣባላታን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ቆይሙ ዘሎ ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) መስሪታ ን17 ዓመታት መመላእታ ንኤርትራን ህዝባን ላዕልን ታሕትን ዘብልዋ ዘለዉ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ካይሓፈሩ ነዚ ሰዉራ ንሕና መሪሕና ስለዝዓወትናዮ ነዚ ሃገርን ህዝብን ንሕና ኢና ንመርሖ ዝብሉ ዘለዉ። ኣብ ኤርትራ ቅያ ዝሰርሔ ዳግም ቅያ ክሰርሕ ዝኽእል ዓርሞሾሽ ሕቡእ ሓይሊ ኣሎ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። መዝነቱን ስልጣኑን ካብዞም መንዲሎምን ንብረቶምን ገይሮማ ዘለዉ ጃንዳ ክምንዝዕ ድማ ነቲ ዘባኾርዎ ስርሓት ንምቕጻሉ ተባራቢሩ ክቃለሶም ኣለዎ። እቲ ሕጂ ኣብ ህዝብናን ገለ ፖሎቲካዉያን ጉጂለታትን ዝርኤን ዝስማዕን ግጉይን ድንጉሩን ዋህማዊ ፖሎቲካዊ ተረድኦ {mythical political perception} ካብዚ ህያዉ ነጸብራቕ ዝነቕልን የግዳስ ኣብ ልክዕ ልዓቱ ዘየሎ እዩ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ብፖሎቲካዊ ጉጂለ ሰልፊ ናጽነት ብመራሒኣን መስራቲኣን ኢሰያስ ኣፍወርቂ ተገሪሓ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝዓተረት ድኣ እንበር፡ ወካሊትን ረብሓ ኣራጋገጺትን ናይ ደቂ ከበሳ፡ ናይ ዉሱን ኤትኒክ ጉጅለ ሃይማኖት ን ኣዉራጃን፡ ክትዕረ ወይ ክትጽገን እትኽእል፡ ብኣጣቃላሊ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብኣካልን ብመልክዕ ሓፋሽ ዉድባትን ተወዲቡ ዘገልግል ዝነበረ ዜጋ ወይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ትዉክል ኣይኮነትን። ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይኑ ብሽም ህዝቢ ከበሳን ኣመንት ክርስትናን ዝተመስረተት ሰልፊ ናጽነት፡ ንህዝቢ ከበሳ ከምዘይሓልፍ ኣጽኒታቶ፡ ኣድክያቶ፡ በታቲናቶ…ወ.ዘ.ተ እያ። ሕጂ እዉን ከምዘይሓልፍ ዲፋጭኡ ተዉጽኦ ኣላ። ካብዚ መሰረታዊ ሓቕታት ብምንቃል መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝዉክሎ ወይ ብፉሉይ ረብሓታቱ ዘራጋግጸሉ ኤትኒክ-ጉጂለ፡ እምነት፡ ኣዉራጃ…ወ.ዘ.ተ ኣይነበረን ሕጂ እዉን የሎን። ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ዝመጾ ዝኾነ ይኹን ኤትኒክ-ጉጂለ፡ እምነት፡ ኣዉራጃ…ወ.ዘ.ተ ድማ ብዘይንሕስያን ሕድገታትን ዝጭፍልቕ ምኻኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቕታት እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኩለን ኤትኒክ ጉጂለታት፡ ኩለን እምነታት፡ ኩሎም ዜጋታት፡ ኩለን ኣዉራጃታት ብዘይገለ ሓለፋ ኣርዑት ጭቆና መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ኣብ ዝባነን ይፋጺ ስለዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሕብረተሰብኣዊ፡ ኤትኒክ ጉጂለታትን እምነታዊ ኣድልዎ በቲ ስርዓት ይካየድ ኣሎ ንምባል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ወይ ካብ ሓቕታት ዝራሓቀ እዩ። ንዓና ዝራየና ዘሎ ዝቶኾልዔ ሓቂ እንተሃልዩ እቶም ብኣንጻር ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ደዉ ኢሎም ዘለዉ እዉን ዘመናዊ ሃገራዊ ሲቪካዊ ስርርዕ ዘይፈልጡን ዘይኣምኑን መሳፍንት እዮም። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ነቲ ህዝቢ ፈላሊኻ ንምግዛእን ዕምሪ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ተባሂሉ ብዉሽጥ ዉሽጥ ብዝተፈላለየ ሜላታት ብኤትኒክ ጉጂላዊ፡ ብእምነት፡ ብኣዉራጃ፡ ብቀቢላ፡ ብጾታ፡ ብሞያ…ወ.ዘ.ተ ነንሕድሕዱ እቲ ህዝቢ ከምዝጋራጮን ኣብ ድዉታ ተፋጠጥ ተጻይነት ከምዘእትዎ ፍሉጥ እዩ። የግዳስ በዚ ዝረብሕ ወይ እቲ ስርዓት ንዝተወሰነ ኤትኒክ ጉጂላዊ፡ እምነት፡ ኣዉራጃ፡ ቀቢላ፡ ጾታ፡ ሞያ…ወ.ዘ.ተ ንምርባሕን ብምዉካልን ዘይኮነ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ሜላ እዩ። ዓስቢ ምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ጥራይ እዩ። ነዚ ፖሎቲካዊ ስርዓትን ገለ ተቃወምቲ ኢና ብሃልቲ ዝወስድዎ ሜላታት ምጉጅጃል ከም ቅቡልን ክዉንን ጌርካ ብጌጋ ምርድኡን ብኡ መሰረት ድማ ምስዓብን ምንጻግን፡ ምዉዳብን ምንቕስቃስን እንተተኻይዱ፡ እዚ ጉጉይ ግምታትን ተረድኦን መንግስት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝጥቀመሉን ዝረብሓሉን። እዚ ፖሎቲካዊ ሕብረተሰብኣዊ ነቕዓት እዚ ቀንዲ መቃለሲ ንዋትን ዕርድን ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን እዚ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝተቀርጸ ድንጉር ዋህማዊ ፖሎቲካዊ ተረድኦ ንኤርትራ ከም ዘመናዊት ሃገር ንክትሰርር ዝጻባእን ዘስግእን ኣድማሳዊ ክዉንነት እዩ።

ነጸብራቕ ናይዚ ንዛረበሉ ዘሎና ዛዕባ ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ህሉዉ እዩ። ደቂ ኣዉራጃ ሓማሴን እዚ ህሉዉ ስርዓት ናቶም ወይ ወኪሎም ዝመስሎም ኣለዉ። ደቂ ኣዉራጃ ኣከለጉዛይ እዉን ነዚ ህሉዉ ስርዓት ከምናይ ደቂ ሓማሴን ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣምሲሎም ዝገልጹዎ ኣለዉ። ደቂ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ እዉን ነዚ ህሉዉ ስርዓት ከም ናይ ደቂ ከበሳን ኣመንት ክርስትናን ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ። ደቂ ኤትኒክ ጉጂለ ኩናማ እዉን እዚ ስርዓት እዚ ብፍላይ ንህዝቢ ኩናማ ከጽንት ዝተበገሰ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ። ደቂ ኣዉራጃታት ሰራየ፡ ሰምሃርን ዳንካልያን እዉን ዝተዋሰኑ ይስምዖም እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ሻዕብያ፡ ጀብሃ፡ መታሕት፡ ከበሳ፡ ክርስትያን…ወ.ዘ.ተ ዝብል ጫሌዳታትን ጊድጊዳታትን እዉን ኣለዎ። መሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ግን ናይዝኾነ ኣይኮነን። ናይ ገዛእ ርእሱን ንኹሎም ምልካዉያን ስርዓታት ዓለምና ዘንጸባርቕ ባህርያት ዘለዎ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ኮይኑ፡ ንዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ግን ንገለ ይቐርቡኑን ይብጽሑንን እዮም ዝብሎም ዉልቐ-ዜጋታት ካብ ገለ ወገናት ሕብረተሰብና ኣብ ቁልፊ ፖሎቲካዊ ስልጣናት ዝመደበ እዩ። ንኽሉ ዝሓለፈ ጽቡቕን ሕማቕን ታሪኽ ኣብ ሓደ መግሓፊ ደርቢኻ ከምብሓድሽ ሓድሽ ነቢ ክትከዉን ኣይክኣልን እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ኣሉታ ከም ኣሉታ ካይድገም ምጥንቃቅ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ጽቡቕ ድማ ከምጽቡቕ መቐጸልታ ናቱ ኬንካ ምቕላስ ከድሊ እዩ። ህዝብና ዝተቃለሰሉን ዝተሰዋኣሉን ሃገራዉን ዲሞክራስያዉን ማእከላይ ፖሎቲካዊ ሕቶታት ናጽነት፡ ሓርነት፡ መሰል፡ ሓድነት፡ ራህዋን ቅሳነትን፡ ሰላምን ምርግጋእን እንከሎዉ፡ ነዚኦም ቀንዲ መሰረታዉያን ሕቶታት ክምለሱ ዝግብኦም ኣወንዚፍና፡ ኣብ  ሻዕብያ፡ ጀብሃ፡ መታሕት፡ ከበሳ፡ ክርስትያን…ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ጫሌዳታትን ጊድጊዳታትን ንኣእምሮናን ኣካላትናን ክንዉሽቦም እንተመሪጽና፡ ንህዝብናን ሃገርናን ናብ ክብ ዝበለ ሓድነት ሃገራዊ ንቕሓትን ቃልስን ከነሳጋግሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ክንዲ ፈታሕቲ ጸገም ክንፍታሕ ዘሎና ጸገም እዉን ኢና። ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከይድ እዉን ብምልካዊ ስርዓት ክትካእ ምኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ብመሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ረብሓታቱ ዝዉከል ወይ ዝረብሔ ፍሉይ ኤትኒክ-ጉጂለ፡ ኣዉራጃ፡ ሃይማኖት…ወ.ዘ.ተ ኣብ ኤርትራ የሎን። ስለዘየሎ ድማ ፍሉይ ንሕብረተሰብኣዊ፡ ኤትኒክ ጉጂለታትን እምነታት ኣድልዎን ኣሎ ክባሃል ኣይክኣልን እዩ። ኩለን ኤትኒክ-ጉጂለታት፡ ኣዉራጃታት፡ ሃይማኖታት…ወ.ዘ.ተ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ብማዕረ ብመሳጋገሪ መንግስት ኤርትራ (ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ይጭፍለቓን ይግዝኣን ኣሎ።

ሎሚ እዉን ብሃገራዊን ዲሞክራስያዉን ፖሎቲካዊ መስመር ርዒምና፡ ኤትኒካዊ ሕብረተሰብኣዊ ጾታኣዊ መቦቖላዊ መንፈሳዊ እምነትን ማሕበረቀጸላዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ፡ ካብ መላእ ኤርትራን ኤርትራዉያንን፡ ሓድነት ማዕርነት ተሳትፎን ኩሉ ክፍልታትን ወገናትን ሕብረተሰብ ኤርትራ መሰረት ኩሉ ማሕበራዊ ሰዉራናን ፖሎቲካዊ መደባትናን ክንገብሮ ናይ ግድንን መድረኽ ዝሓተ ዘሎ ሕቶ እዩ። መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ሓድነት ማዕርነት ተሳትፎን ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ህይወት ማሕበራዊ ሰዉርኡ ተሳታፊ እንተዘይኮይኑ፡ ንኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ዓዘቕቲ ኣዉጺኢና ግዝኣተ-ሕጊ ዝራጋገጸላን ክንሃንጻን ከነማዕብላን ይትረፍ፡ ነዚ ረኺብናዮ ዘሎና ልዕላዉነት ሃገር እዉን እንተኾነ ክንዕቕቦ ከምዘይንኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። ዝኾነ ቃልሲ ኣብ ህዝቢ ምስ ዝስረትን ህዝቢዝሳቶፎን ህዝቢ ከምትካላዊ ዉሕስነት ስለዝኸዉን እዩ ዝዕወት። ህዝቢ ክሳተፎ ድማ ክስተታት ሓድነት ህዝቢ ዝኹስኩስ፡ ሃገራዉነትን ዲሞክራስያዉነትን መሰረት ኩሉ ፖሎቲካዊ መስመርን ፖሊሲታትን ዝዉንን ንቁሑን ዉፉይን መሪሕ የድልዮ ኣሎ።

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: