Eritrea real clear politics's Weblog

May 23, 2009

24 ግንቦት ናይ ግድንዩ ከነብዕለኪ !ኣይምሰልኪ ግን ህዝብኺ ዘቕሰንኪ ትግባሬ ቅዋም ከየረጋገጽኪ !

Filed under: News — eritrearealclearpolitics @ 9:26 am

24 ግንቦት 1991 ንህዝቢ አርትራ ዓቢ ሃገራዊ በዓል እዩ። እወ ናይ ሓደ ዘበን መሪር መግዛእቲ ባዕዳዋውያን ሓይልታት፡ ብኽቡር መስዋቲ ቡሉጻት ዜôጋታት ዕዉት ስለ ዝኾነ።
መስርሕ ፍትሕን ደሞክራስን ንሞዕዋትውን ፡ ምስቲ ኩሉ ፡ ዝርኤ ዝነበረ ሓርጎጽጎጽ ኣብ ሚየዝያ 1993 መስርሕ ረፈረንዱም ተዓዊቱ። ኤርትራ ብወግዒ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ኮይና።
ኣብ ግንቦት 1997 ፡ ውርሻ ስዉኣትና ዝኾነ ፡ ንልኡላዊት ሃገርናን ፡ መሰል ዜጋታትን ዘውሕስ ፡ ብውክልና ህዝቢ ዝተመረቐ ቦኽሪ ናይ ነጻ ሃገር ፍትሓዊ ቅዋም ከም ዝጸድቅ ኮነ።
እዚ ናይ ልዕሊ ሓደ ዘበን ፡ መሪር ቃልስን ፡ ዓወት ናጽነትን ግን ፡ ነቲ ባህርያዊ ጉዕዞ ምዕበባለታቱ ብዘይ ዕንቅፋት ክቅጽሎ ኣይከኣለን ። መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ፡ ትግብሬ ሃገራዊቅዋም ስለዘጣዓሶ ብጉልባብ ወራርን ውግእን ወያኔ ፡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ መሪጹ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ከኣ ኢና ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነትና ናይ ግድን ዮሃና እናበልና ፡ ግን፡ ብዘይ ቀልዓለም ከምዘይቀሰንናላ ንገልጽ ዘሎና።
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ !
ኩነታት ሃገርና ፡ እቲ ሕማቅ ፣ ብዝኸፋኤ እንዳተተከኤ ስለ ዝኸይድ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ነዚ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኤርትራ ፡ ብግቡእ ኣለልዮ ክገጥሞ ብዘይምኽኣሉ ፡ ጌና ድሕሪ 18 ዓመታት ናጽነት ሃገር ይሳቐ ኣሎ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ( ንትግባሬ ቅዋም ) ነቲ ጠንቅን ፡ መፍትሕን ብግቡእ ስለ ዝተገንዘቦ ፡ ምስቲ ኩሉ ዘጋንፎ ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ፣ዕንቅፋት  “ትግባሬ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ እንኮ መፍትሒ ንፖለቲካዊ ወጥሪ ኤርትራ ምኻኑ ይኣምን።
ጠንቂ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ደኣ እምበር ፡ ብቀንዱ ፡ ህላውየ ህግደፍ ኣይኮነን ። እቲምንታይ ፡ ህግደፍ ሃገራዊ ሓይሊ እዮ፡ ዝኾነ ሃገራዊ ሓይሊ ከኣ ክህሉ ፡ ባህርያዊ መሰሉ እዮ። ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝህሉ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ሕግን ስርዓትን ፡ ( ሃገራዊ ቅዋም ) እንተኸይዱ ጸገም የብሉን ።
ስለዚ ፡ ንህግደፍን ፣ ነዞም ተቓወምቲ ጉጅለታት ክምጠንቂ ናይዚ ዘለናዮ ቅልውላው እንተወሲድናዮም ፡ ኩሎም ፖለትካውያን ሓይልታት ወይ ጉጅለታት ኤርትራ ፡ ቅድም “ክጠፍኡ” ኣለዎም ማለት እዮ ! !
እዚ ከኣ ብጥዑይ ኣእምሮን ፣ ሃገራዊ ሓላፍነትን ፣ ዝሕስብ ኣይኮነን ። ሃገራዊ ቅዋምና ንዳህስስ !
ንትግባርኡ ክንግስግስ !
ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ፡ መንእሰይ ወለዶን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ከኣ ብፍላይ ተባዕን ቅነêዕን ተበግሶ ኣንተወሲዱ ፡ ብርግጽ ፡ ኣብዚ ውሽጢ 2 ዓመት ብቅዋም ትግዛእ ሃገር ክትህልወና ዘሎ ተኸእሎ ዓቢ ምኻኑ ዘሎና ጽኑዕ እምነት ደጊምና ነረጋግጽ ።

ዮሃና ኤርትራ !

ሰ.ደ.ኤ ንትግባሬ ቅዋም ጨ/ሽወደን
22 ግንቦት 2009

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: