Eritrea real clear politics's Weblog

June 3, 2009

ውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ዋናታቱ ካልኦት ምዃኖም ዘግሃደ ቃለ-ኑዛዜ

Filed under: News — eritrearealclearpolitics @ 6:57 am

http://www.un.org/News/briefings/docs/2006/060711_Fall.doc.htm

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል። ኣሕማዱ ውልዱ ዓብደላ። ካብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኒዮርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። ኤርትራ “ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ጉጅለ ኣልሸባብ ትድግፍ’ያ” ዝብል ዘረባታት ተደጋጊሙ ክስማዕ እኳ እንተጸንሐ” “ዛጊት ነዚ ምትእትታው’ዚ ዘረጋግጽ ዝኾነ ጭብጢ ኣይረኽብናን” ክብል ተናዚዙ ኣሎ፣ እቲ ወሃብ ቃል። ብዛዕባ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበሎን ብሕጂ ዝብሎን ጉዳያት። ዚፈልጦ ስለዘይብሉ። ብባህሪ ናይ ኣቈጻጽርኡ ኣብቲ ስራሕ’ውን ክፈልጥ ስለዘይክእል። ጫሌዳ ጉዳይ ናይቲ በሃሊ ገዲፍካ። ናብ ጉንዲ ናይቲ ጉዳይ ምእታው’ዩ። እቲ ክውንነታዊ፣ ክንዲ – ዝኾነ ቃል ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት። ባይቶ ጸጥታ ይኹን። እንተላይ እቲ ላቔባን መሕነኽን ሕብረት ኣፍሪቃ። ንኤርትራ ኣመልኪቶም ከቕርብዎ ዝጸንሑ ጠቐነታት። ጭብጢ ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ ጥራይ ዘይኮነ። ዋናታቱን ደረኽቱን ካልኦት ሕቡኣን ምዃኖም ዘግሃደ እዩ፣ ኤርትራ። ውሳኔታት ናይዞም ናብ መጋበርያ ትካላት ሰለያ ገለ ሓይልታት ዓለምና ተቐይሮም ዝርከቡ። ባይቶ ጸጥታ ይኹን መዳምቕቱ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን። “ዘይሕጋዊን ዘይሓላፍነታዊን” እዩ ብምባል ንጭብጢ ምብድሃን ብጭብጢ ምስዓራን እምበርኣ። ስም ባይቶ ጸጥታ ተሓንጊሮም ዝመጹ ውሳነታት ኣመጻጽኣኦም። ድርኺቶምን ዕላማታቶምን ኣማእዝያ ስለእትፈልጥ እዩ፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኤርትራ። ነቲ ሓሶት ሓቁ ከምዝፍለጥ ንምግባር። ንዋናታትን ኣጋዋሕትን ብተሓታትነት ንምሓዝ። ነቲ ጉዳይ ክሳብ መወዳእታ ክትስዕቦ ምዃና ተረጋግጽ፣

http://74.63.78.28/Jun-09/haddas_ertra_02062009.pdf

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: