Eritrea real clear politics's Weblog

July 16, 2009

ዓውደ መጽናዕቲ “ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ” ብዝምልከት ብዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ) ዝተዋህበ መግለጺ

Filed under: News — eritrearealclearpolitics @ 8:27 am
Saturday, 11 July 2009 10:35
ብመሰረት ሓባራዊ ውሳኔ ሓድነታዊ ጉባኤን ብግብራዊ ስጉምቲ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ መጻኢ ንክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሰፊሕ ዋዕላ ተቓወምቲ ሓይሊታት ኤርትራ ጥጡሕ ባይታ ዘንጽፍ ዓውደ መጽናዕቲ (workshop) ካብ 04-08/07/2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡፡

ኣገደስቲ ሃገራዊ ዛዕባታት ተላዒሎም ዓሙቅን ሃናጺ ክትዕ ተገይሩ፡፡ ከይተነጸሩ ንዝጸንሑ ሃገራዊ ጉዳያት ከኣ መዕለቢ ከም ዝሃበ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ይኣምን፡፡ ንጹር ስኢሊ ካብ ዘረኸቡ ዛዕባታት ከምዚ ዝስዕቡ እዮም፡-

 

1.       ዓላማ ናይ ዋዕላ ፡- ዘይንጹርን ጽልግልግ ከብለና ዝጸንሔ ዓላማ እቲ ዋዕላ ” ዓቅሚታት ደምበ ተቓውሞ ሓይሊታት ኤርትራ ብምውህላልን ብምምዕባልን ብምውህሃድ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍ” ምዃኑ ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ተረጋጊጹን በሪሁን፡፡

 

2.       በዓል ቤታዊ ጉዳይ ዋዕላ ንጉዳይ ዋዕላን ነዚ ውራይ ከም ኣቦ ጓይላ መሪሑ ናብ መዕለቢ ከብጽሕ ዝኽእል ኣካል ብሩህ ኣይነበረን፡፡ ኣይጸንሔን፡፡ ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ጉዳይ ዋዕላ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ዝምልከት ዋንን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብዘይገለ ስክፍታ ተነጺሩ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፣ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘሎው ውድባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን (ኣብ ወጻኢ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን) ሃገራውያን ባእታታትን ሓርበኛታት ዝሓወሰ ኣሰናዳኢ ሽማግሌ ንክቐውም እምነትን ትጽቢት ዲግብኤ እዩ፡፡

 

3.       ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት ፡- ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ከፍርሕ ዝጸንሐ ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት ተላዒሉን ተዘቲዩን እዩ፡፡ ንሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ ካብ ዘስግኡ ረቋሒታት ህላዌን ቀጻልነት ስርዓት ህግደፍ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ተነጺሩ፡፡ ብተወሳኺ ንጉዳያት ሕቶ ብሄርን ሃይማኖታዊ መዓርነት ቅልጡፍን ውህሉል ፍታሕ እንተዘይተውሂቡ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ ሕልሚ ከም ዝኸውንን ተሳተፍቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነዚ ሓቂ ደው ኢሎም ንክሓስቡ ዕድል ዝሃበ ባይታ ነይሩን ተፈጢሩን፡፡

 

ዝተራእዩ ሕጽረታት ፡- ዝተገብረ ዓውደ መጽናዕቲ ኣዎንታዊ ሸነኻቱ ይጉላሕ እምበር ሕጽረታት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን፡፡ ዋሕዲ ተሳተፍቲ ሲቪካዊ ማሕበራት ሓደ ሸነኻዊ መድረኽ ገይሩዎ እዩ፡፡ ይኹንእምበር ካብ ሽመልባ፣ ኣሳዓይታ-በራሕለን ማይ ዓይኒ ዝመጹ ሲቪካዊ ማሕበራት ብዝገበሩዎ ሻራ-ኣልቦ ተሳትፎን ጻዕርን ሚዛኑ ንክሕሎ ተፈቲኑ እዩ፡፡ ኣተሓሕዛን ኣመራርሓ ናይቲ መድረኽ ዲሞክራሲያዊ ነይሩ እንተዝኸውን ዝያዳ ውጽኢታዊ ከም ዝኸውን ዲግብኤ ይኣምን፡፡ እዚ ኸኣ ብቀንዱ ካብ ድኽመታት ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝምንጨወ ምዃኑ ሓደ ክልተ ዝበሃሎ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጽረት ኣመራርሓ መድረኽን ካብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት ንምውጻእ ድልው ናይ ዘይምዃን ነጸብራቅ ምዃኑ ዲግብኤ ገምጊሙ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ነተን ኣዎንታዊ ሸነኻት ብምጉልባትን ካብቲኤን ኣሉታዊ ሕጽረታት ተናጊፉ ነቲ ኣብ መጻኢ ክቀውም ተሓሲቡ ዘሎ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ዋዕላ ሃናጺ ተመክሮ ንክሕልፍ ዲግብኤ ጻውዒቱ የሕልፍ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ከኣ ነዚ ጉዳይ ፍሉይ ጠመተ ንክህብ ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ፡፡

 

 

ዓወት ንዋዕላ ተቓወምቲ ሓይሊታት ኤርትራ !!

ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ

11/07/2009

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: