Eritrea real clear politics's Weblog

September 27, 2009

Halifax radia station/Voice of Eritrea’s Mr.Naz Yemane interview with EPP, EDP and EPM On September 27, 2009

Filed under: Media — eritrearealclearpolitics @ 7:59 pm

On September 27, 2009 Halifax radia station/Voice of Eritrea’s  Mr.Naz Yemane interview with:- Mrs.Mihiret G/yesus (EDP) from USA, Mr.Siyum G/yesus (EPM) from USA and Mr.Tedros Habtizghi (EPP) from USA Click on the following link to hear the 60 minute interview and  a Panel Discussion Of September 27,  2009. Listen  the whole clip – please!
http://www.bahtimeskerem.com/Merger.ram

We Welcome Your Comments. You can create comments to answer a question posted on the clip, initiate a discussion, or share your input and knowledge with the contient in the clip.

Advertisements

1 Comment »

  1. ጽዕዶ ኣብ ልዓቱ ክኸዉን እንኮሎ ርትዓዊ እዩ!

    ኣብ ዕለት 27 መስከረም 2009 ቃለ ምሕትት ምስ ሬድዮ ድምጺ ኤርትር ኣቶ ናዝ የማነ ምስ ኣሕዋትን/ሓብትና [1] ወይዘሮ ምሕረት ገብረሱስ ካብ ቨርጂንያ ወካሊት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ [2] አቶ ስዩም ገብረሱስ ካብ ኢንዳያናፖሊስ ወኪል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ [3] አቶ ቴድሮስ ህብትዝጊ ካብ ቨርጂንያ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ ሕቶን መልስን፡ ርእይቶን ብፍላይ ሓብትና ወይዘሮ ምሕረት ገብረየሱስ ተወሳኺ ንርእይቶ ሓብትና ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ንምሩጋድን ን ሕቶ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ክትምልስ እንኮላ ከምዚ ኢላ ትጽዕድ “’ እዘን ሰለስተ ሰልፍታት ካብ ክልቲኡ ዉድባት ማለታ ተ.ሓ.ኤ ን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝመጻ ድሕረ-ባይታ ዘለወን እየን ብምባል”” ርእይትኣ ትቅጽል።
    ብቀዳምነት 3 ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ኣይኮናን። ምኽንያቱ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ምንቅስቃስ እንበር ፖሎቲካዊ ሰልፊ ኣይኮነን።
    ካልኣይ 3 ጥራይ ኣይኮናን ዝታሓነፈጻ ዘለዋ ናይ ዞባ ጋሽን ሰቲትን ምንቕስቃስ እዉን ከም 4 ከምዘለዎ እዉን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሕቶ እዩ።
    ብቀንዱ መጀመርታ እታ ድሕረ-ባይታ (Background) እትብል ቃል ብልክዕ ንምንታይ እትገልጽን እትሕብርን ጽምዲ-ልቕብት ቃላት ምኻና ምምላስ ከድልየና እዩ። ድሕረ-ባይታ ዝብል ቃል ኣብ ዝተፈላለየ ነገራት ከም ባዓል ስእሊ፡ ቅብኣ፡ ኣቛማምጣ መሬት፡ ቅዲ፡ ታሪኽ፡…ወ.ዘ.ተ ገላጺ ቃል እኳ እንተኾነ ኣብ እኩባት ዕስለ ሰባት ብደረጃ ፖሎቲካ ዝተወደቡ ግን ፍልይ ዝበለ መግለጽን መንፈስ-ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ከምዚ ድማ እዩ፡-ብሓደ ገዛኢናይ ሓባር ዕታር ጽልዋን ሃዋሁዉን ዝጽሎ ባህርያት ዉልቀሰባት ዘንቀሎ ሓባራዊ ምትእኽኻብ ዝግለጽ እዩ። እቲ ዝጥርንፎም ገዛኢ ናይ ሓባር ዕታር ጽልዋን ሃዋሁዉን ድማ ናይ ሓባር ታዕሊም፡ ናይ ሓባር ከባቢ ምዕባይ፡ ናይ ሓባር ቃልሲ፡ ናይ ሓባር ትምህርት፡ ናይ ሓባር ጸበባን ራህዋን፡ ናይ ሓባር ታሪኽን ጉዕዞን ኣብ ዉሽጢ እቲ ነዊሕ ጉዕዞን ታሪኽን ዘጥረይዎ ዉልቃዊ ጸባያት(an individual’s personality ) በቲ ሓባራዊ መንነትን ሓባራዊ ጸባያትን ምስ ዝምለኽን ዝግለጽን እዩ።
    ብታራ ኣዛራርባ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ሰለስተ ጉጂለታት ብዘይ ገለ ምድቃል ግምዕ ኢሉ ተመቂሉ እንተዝነብር እሞ.፡ እቲ 2 ጉጂለታት ሓባራዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ኮይኑ ክፈላልዮ ዝኽእል ነጥቢ ስለዝረኸበ ግን ካብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ተፋላልዩ፡ ቀጺሉ ምስ ናይ ተ.ሓ.ኤ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮም ይጽንበሩ ኣለዉ፡ ተባሂሉ ክግለጽ ኣብ ልዓቱ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ካብቲ ዉድብ ወጺኦም ካልእ ዉድብ ወይ ሰልፊ ስለዝወደቡ ግን ብስም ድሕረ-ባይታ መራሕቱ እቲ ሓድሽ ዉድብ ክግለጽ ቡዙሕ ኣጸጋሚ እዩ። ንመረዳእታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮ ሓዉ መስፍን ሓጎስን ብጾቱን ተወዲቡ ብኡኡ ይምራሕ ነይሩ። ቀጺሉ ድማ ካብ መጀመርታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ክስራሕ ወይ ከም ሓድሽ ሰልፊ ክፍጠር እንኮሎ ካብቶም ዝፈጠርዎን ዝሰርሕዎን ናይ ተ.ሓ.ኤ ድሕሪ-ባይታ ዝነበሮ ሓዉ ተስፋሚካኤል ዮዉሃንስ ይመርሖ ኣሎ። ስለዚ እዚ ሰልፊ እዚ ብቡዙሓት ድሕረ-ባይታታት ዘለዎም ሰባት ዝቖመ እዩ። እዚ ሰልፊ እዚ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕረ-ባይታ ዘነበረኒ ኢሉ ክጽዕድ እንተጀሚሩ፡ መጀመርታ ኣባላቱ እዮም ክጻረርዎ ዝግባእ። ምኽንያቱ እወ ተጋደልትን ሓፋሽ ዉድባትን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ኣለዉዎ።ተጋደልትን ሓፋሽ ዉድባትን ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ኣለዉዎ። ናይ ክልቲኡ ዉድባት ድሕሪ-ባይታ ዘይነበሮ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ እዉን ኣለዉዎ። እቲ ሓቕታት ኣብ ባይታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ከምዚ ከንሱ ግን ድሕረ-ባይታ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበረና እዩ ብምባል ምጽዓድ ኣብ ልዓቱ ዘሎ ጽዕዶ ኣይኮነን። ብተመሳሰሊ እዉን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከምኡ እዩ።
    ኣብ ፖሎቲካዊ ባህሊ ኤርትራ ቡዙሓት ዜጋታት ዝጻዓሩሉ፡ ዝሰንከሉሉ፡ ንኡስ ሂወቶም ዘጥፍእሉ፡ ዝተሰዉእሉ ዉሱናት ዉልቀሰባት መንዚዕኦም ከም ናቶም ታሪኽን መንፍዓትን ወሲዶም ዓስቡ ንዉልቖሙን ጉጅልኦምን ክጥቀሙሉ ሪኢና ሰሚዕናን ኢና። ድሕሪ ሕጂ ግን ከምዚ ክቕጽል ኣይክኣልን እዩ። ታሪኽን ድሕረ-ባይታ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይኹን ተ.ሓ.ኤ ታሪኽን ድሕረ-ባይታ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ዋንኡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ትሕዝትኡ ድማ ታሪኽን ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ይኹን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንታሪኽን ድሕረ-ባይታ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣይዉኩሉን ኣብኡ እዉን ክሕብኡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ከምኡ እዉን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ዞባ ጋሽን ሰቲትን ምንቕስቃስ ንታሪኽን ድሕረ-ባይታ ተ.ሓ.ኤ ኣይዉኩሉን ኣብኡ እዉን ክሕብኡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ኣብ ዉሽጦም ግን ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ወይ ናይ ተ.ሓ.ኤ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮም ክህልዉ ግድነታዊ ጉዳይ እኳ እንተኾነ፡ እዘን ሰልፍታትን ምንቕስቃሳትን ነናይ ገዛእ ርእሰን ሓድሽ ድሕረ-ባይታታት ኣብ ምፍጣር ዝርከባ ዝነበራ ኣብ መጨረስታ ታሕሳስ 2009 ክትሓነፈጻ ዝወጠና ጥራይ እየን። ከምቲ ሓብትና ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ዝበለቶ “” ታሪኽ ን ተረኽቲ ጥራይ ንሕደጎ”” ንቕድሚት ድማ ንጠምት ባሃላይ እየ።
    ሻዕብያን ጀብሃን ዝባሃል መሕቢኢን መፋላላይን ጊድጊዳታት ከነጥፍእ እንዳተባህለ ካብ ሻዕብያን ጀብሃን ድሕረ-ባይታታት ዝመጻና ኢልካ ትጽዕድ እንተኼንካ እሞ ዘይኮንካ ከንስኻ ከምዚ ጠፊኣ ዝጸንሔት መብራህቲ ንምዉላዓ መጥልዕ ምጥዋቕ ጥራይ እዩ።

    ወድሓንኩም!
    መርዕድ ዘርኡ
    28/09/2009

    Comment by eritrearealclearpolitics — September 28, 2009 @ 4:06 pm | Reply


RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: