Eritrea real clear politics's Weblog

December 17, 2009

ዎ ኣምላኽ ፈጣሪ ዓለምን ኩሉ ፍጡር ዝኾንካ፡ በጃኻ ተመለሰና ንኤርትራ!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 4:20 pm

ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ’ዚ ዝካየድ ማሕበራዉን ዲሞክራስያዊ ሰዉራ፡ ጫፍ ፈትሊ ቃልሲ ንህዝቢ ዘጨበጠ፡ ኣብ ማሕበራዊ ክብርታትናን ጸጋታትና ዝተሞርከሱ ብቀንዱ ንማሕበራዊ ጸጋታትና ንክዕቢ ዝኹስኹሱ ክኾዉን ኣለዎ። ፈልስታት ማሕበራዊ ጸጋታትና እንተሰዊዶም ካልኦት ዝተረፉና ምዕባሌታት ብቀሊሉ ክመጹ ዝኽእሉ እዮም።

መሰረት ምዕብልና ምስዋድ ማሕበራዊ ጸጋታት ስለዝኾነ፡ እምበኣር ኣብዚ ጊዚያት’ዚ ኣነሰላስሎም ቃልስታት ኣዝዮም በላሕትን መስተውዓልትን ክኾኑ መድረኽ ዝጠልቦም እዮም። ነዚ ክውን ንምግባር ድማ እዞም ቃልስታት መደባቶም ብእብረን ቅድመተከተል ቀዳምነታት ኣነጺርካ ብደቂቕ ክሕንጽጹን ንምትግባሮም ሓያል ጻዕሪ ክነካይድን፡ ንህልውን መጻእን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንመዳባትና ብቐጻሊ ክንግምግምን ከነማዕብሎም ኣገዳሲ ይኸውን።

ዘለዉና ማሕበራዊ ጸጋታትን ሰብኣዊ ዓቕምታትና በብሓደ እንዳተፈግሩ እንተኸይዱም ግን ከም ሃገርን ህዝብን ህላዌናን ቀጻልነትናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣተወ እዩ።

ሓደ ሕብረተሰብ ከም ሽሙ ዝጠፈኦ ንህቢ ክባታተን እንተጀሚሩ፡ ናይብሓቂ እቲ ድኽመት ኣብ እቲ መራሒ ፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ ድዩ  ወይስ ኣብቲ ህዝቢ ንምርድኡ ጸገም ኣይመስለንን። እትምንታይስ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጡ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ነቲ ህዝቢ ክበታትንዎ እንተጀሚሮም፡ ህዝቢ ብህዝባዊ ናዕቢ ተጠቂሙ ደዉ ከብሎም ይኽእል እዩ ። ህዝቢ በትሪ ኣብ ኢዱ ተመን ኣብ እግሩ እንኮሎ፡ ዕባራን ሁጡርን ምኽንያታት ኣንዳፈጠረ፡ ባዕሉ ክበታተን እንተጀሚሩ ግን እቶም ዉሑዳት ፖሎቲካዊ ስልጣን ጭቢጦም ዘለዉ ጉጅለ ክገትእዎን ደዉ ከብልዎን ኣይክእሉን እዮም። እዚ ክብል እንኮሎኹ ንክዉንነት ኤርትራ ኣሉ ቀጣን ኢልካ ንምክሓድን ኣጻብዕተይ ንተወሰነ ወገን ሓላፍነት ንምስካም ዘይኮንኩ፡ ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ እቲ ዘንተ-መጎታዊ ሓቂ እየ። ነዚ ሓቕታት እዚ ብመርትዖ ንምቕራቡ ካብ 2001 ክሳብ 2009 ዓ.ም.ፍ ካብ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተቓዊምና ኢሎም ዝተሰዱ ዜጋታት ክንደይ ካብ % ካብኣቶም ኣብ ንጡፍ ምቕዋም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነብሶም ኣብ ሱሩዕ ዉድባትን ሰልፍታትን ኣስጢሞም ይቃለሱ ኣለዉ? እንተፈሊጥና ኣኻሊ ክኸዉን እዩ። ብሓርፋፍ ግምታት ግን ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣብ ዉልቃዊ ሂወቶም እዮም ተጸሚዶም ዘለዉ።

ኣብ ታሪኽና ተመጻእና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘገምታዊ፡ ሓያለ ነገራት ዝሓለፈ ቃልሲ ወለዶታት ምዃኑ እዩ፡  ነፍስወከፍ ወለዶ ክስከሞ ዝግባ ሞራላዉን ሃገራዉን ሓላፍነታት ተሰኪሙ መድረኽ ዘፍቀደሉ ኩዉንነት እንዳተጠቕመ ንኤርትራ ኣብዛ በጺሓታ ዘላ ኣብጺሕዋ እዩ። ኣብ መስርሕ ግድነታዊ ሓቕታት እዩ፡ ዳግም ንድሕሪት ክሳድና ጠዊና ክንጥምት እንተሃቂና ከም ሕሉፋት ታሪኽ ዘሕፉሩናን ዘነዩቱናን ፍጻሜታት ከም ዘለዉ ዝክሓድ ኣይኮነን። ንዝኾነ ሕሉፍ ፍጻሜታት ኣብቲ ዝተፈጸሙሎም መድረኽ ኬንካ ክትመዝኖም እንኮሎኻ ተዛማዲ ሓቕታት ክህልዎም ይኽእል እዩ ወይ ፍጹም ጌጋታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ መበል ራብዓይ ወይ ሓሙሻይ ወለዶ ተወሊድካ ክትመዝኖም ግን ምናልባሽ ትርጉም እዉን ትስእነሎም ትኸዉን ኢኻ። ስለዚ ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ጊዝየ ንሓቂ ሓሶት ይገብሮ፡ ንሓሶት ድማ ሓቂ ይገብሮ ዝብሃል። እዚ ናይ ታሪኽ ፍልስፍና ሰጊርና፡ ነፍስወከፍ ወለዶ ብዝሓለፉ ወሎዶታት ክዋዓል ዘይኮነ፡ ዝሓለፉ ወሎዶታት ዝፈጸምዎ ጉድለታት ክማሃረሉ፡ ዝፈጸምዎ ዘነይት ስራሓት ድማ ክሕበነሉን ኣብቲ ንሱ ዘለዎ መድረኽ ካብኡ ዝጥለብ ሞራላዉን ሃገራዉን ጉቡኣት ድማ ብኣዉንታ ክምልስ ኣለዎ።

ዘይካሓድ ጉዳይ እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ፍጹም መሰል ዜጋዊ ግህሰት ዘዘዉትር ዝሕላገቱ ምልካዊ ስርዓት ኣሎ። እዚ እኳ እንተሃለወ ክሳብ ሂወት ዝኾነ ዜጋ ኣብ ሓደጋ ስለያዉን ወትሃደራዉን መካኒዝም ብኣካልን ጽላሎት ዘይኣተወት፡ ዜጋ ትብዓትን ሓቦን ተቀኒቱ ቃልሱ ኣብ ከስዕ እቲ ስርዓትን ከስዕ ህዝብን ኮይኑ ክቃለስ ሙሉኡ ሞራላዉን ሃገራዉን ሓለፍነታቱ እዩ። ስደት ከም ቀዳማይን ምርጫ ክርኤ ኣይግባእን እዩ። ስደት ዝምረጸሉ ጊዝያት ከምዘሎ ኣይኮንኩን ዝኽሕድ ዘሎኹ፡ እንታይ ድኣ ስደት ከም ናይ ሞትን ሕየትን ናይ መጨረስታ ምርጫ ንክትርኤ እየ ዝእምትል ዘሎኹ። ክኣሱሩኻ ክቐትሉኻ እንተመጽዮም ትም ኢልካ ተቀተል ተሓየር ማለተይ እዉን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ክስብ ሂወትካ ንሓደጋ ዘይተቃልዔት ህላዌኻ ኣብ ዉሽጥ ሃገርካ ንምልካዉያን ስርዓታት የጃጅዎም ስለዝኾነ ዓይኒኻ ኣፍጢጥካ ጠምቶም ወይ ድማ ክትኣልዮም ተቃለስ እየ ዝብል ዘሎኹ።

ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተኼና ገለ ዉሑዳት ናይ ሞት ወይ ሕየት ሕቶ ኮይንዎም ዝወጹ ሓዲግና፡ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝወጹ፡ ገሊኦም በቲ ምልካዊ ስርዓት ፍሉይ ሓለፋታትን ጉንዖታትን ዝተገብሮሎም እዮም። ገሊኦም ሩኹባት ስድራቤታት ወይ ደቕን ኣዝማድን ላዕለዎት ሰብ መዝታት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኾኑ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኣዝማድ ዘለዉዎም ብከቢድ ሓይሊ ገንዘብ ተጠቂሞም ዝወጹ እዮም። እቲ ናይ ብሓቂ ድኻ-በተኽ ዝባሃል ዝበዝሔ ክፋል ሕብረተሰብና ግን ዛጊት ሓንቲ ካልኢት ናይ ጊዝየ ካየቓረጸት ኣርዑት ጭቆና ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ክሳዱ ቶቆሪና ትንፋሱ ተዉጾ ከምዘላ ክንዝንግዕ ዘይብሉ ጭብጥታት እዩ።

ብዕለት 13 ታሕሳስ 2009፡ ኣብ ዞባዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (CECAFA) ክትጋጠም ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምሉኣ፡ እንተላይ ቅያር ተጻወቲ (ሪዘርቫ)  ኣብ ኬንያ ተበታቲና ከምዝተሸርበት፡  ሕጂ እዉን ፖሎቲካዊ ዑቕባ ኣብ ኬንያ ሓቲቶም ከምዘለዉ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት መራኸቢ ቡዙሓን ዓለምለኸ ካብ  ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ሓቢሮም። እዚ ንኣዳምን ሂዋን ዘደንጸወ ወረን ተረኽቦ ንጉራቔናት ዘሑጉስን ንሓለይት ምስሊ ሃገሮሞን ህዝቦም ዘንቀጥቀጠ ወረን ተረኽቦን’ዩ። ንሙሉእ ህዝቢን ሃገርን ወኪላ ኣብ ክፍሊዓለምና እትጻወት ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ምስ ቅያር ተጻወታ ካብተረፈት እዚ መወዳእታ ምጽኣተ ዓለም እዩ። ተጻወት ክተርፉ ልዕሊኡ እዉን ፖሎቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሰይቲ ሃገር ክነብሩ፡ ነብስ-ወከፍ ፍጡር ክሕርሞም ወይ ከወግዞም ዘይኽእል ሰብኣዊ-መሰላቶም እዩ። እዚ ዉልቃዊ መሰል’ዚ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ብፍጹም ዝኣቱ ኣይኮነን።

 

 

ከም ተርእዮን ተረኽቦን ኣብ ዓለምና ይኹን ኣብ ኤርትራ ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፡ ነዚ ተረኽቦ እዚ ፍልይ ዘብሎ ግን ብሙሉኦምን እንተላይ ቅያር ተጻወቲ (ሪዘርቫ) ምትራፎም እዩ። ኣብ ዓለምና መተካእታ ዘይብሉ ነገር የሎን፡ ግን ኣዝዩ ዓቢ ስምብራት ዝሓድግ ፍጻሜ ስለዝኾነ ክንዛረበሉን ብዛዕብኡ ክንጽሕፍን እዉን ግድነታዊ እዩ። ጠንቂ ስደትን ሳዕቤናቱን ካባይ ጀሚርካ ብኣዝዮም ቡዙሓት ሰባት ስለዝተጻሕፈን ዝተዘርበን ሕጂ ናብኡ ተሸሚመ ኣቡጊዳ ክብል ኣይመርጽን።

ንስፖርታዊን ኣትለቲካዉን ዉድድራት፡ ንማህደረ-ትምህርት፡ ንሕክምና፡ ንስራሕ፡ ንምብጻሕ…ወ.ዘ.ተ ኩሉ ካብ ኤርትራ ፉሉይ ጉንዖታት (privileges} ተገይሩሉ ንወጻኢ ዝተላእኸ ዜጋ ብኡ ኣቢሉ ዝሕክል እንተኾይኑ፡ እቲ ገጢሙ ዘሎ ጸገማት ብዘይካ እቲ ወትሩ ንዛረበሉ ከነራጋግጾን እንቃለሰሉ ዘሎና፡ ቡኽረት ግዝኣተ-ሕጊ (rule of law) ብፍላይ ድማ ሕቶ ዜጋዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሓርነታት ልዕሊኡ ዝዓረገ ጉዳይ ዘይፈለጥናዮ ክህሉ ኣሎዎ ዝብል ሰኸታታት ኣሎኒ። ነዚ ድማ ብሓባር ኤርትራዉያን ክንድህስሶን ክንፈልጥን ይጽዉዕ ኣሎኹ። እትምንታይሲ ጸገማትና ምፍላጥ ፍርቂ ፍታሕ ናይቲ ነካይዶ ዘሎና ጉዕዞ ቃልሲ ብምኻኑ እዩ። ኩሉ ዜጋ ንደገ ናይ ምዉጻ ዕድል ዝረኸበ፡ ብኡ ኣቢሉ ዝሕክል እንተኾይኑ፡ ነቲ ንኡኡ ንስደት ዝደረኾ ቀንዲ ደራኺ ሮቛሒ መን ክኣልየሉ፡ መን ክፈትሓሉ፡ መን ክቃለሰሉ፡ መን ከቢድ ዋጋ ክኸፍለሉ፡ መን ክስዉኣሉ…ወ.ዘ.ተ ስለዝደለየ እዩ’ዉን ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ።

ኣብ ኤርትራ”ብሕጋዊ”መገድታት ወይ ብምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዘታኣታተዎ መላኺ ሕግታት (rule by law) ፍሉይ ሓለፋታት ክትረክብ ሰለስተ መሰረታዉያን ነጥብታት ከተማልእ ኣሎካ።

ቀዳማይ፡ ኩሉ እቲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካባኻ ዝጠልቦ ወይ ጉቡኻ ዝብሎ ዘማላእኻ ምስትኸዉን።

ካልኣይ፡ ኣዚኻ ልኡምን ኣቀዲሙን ዲሒሩን ኣብ ታሪኽካ ተጻብኦታትን ተጻይነትን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘየርኣኻን ዘይነበረካ ሰብ ምስትኸዉን።

ሳልሳይ፡ ዘመድን ዓርኪ ላዕለዎት ሰብ መዚ ወይ ድማ ብጉቦ ላዕለዎት ወትሃደራዉን ስቪላዉን ሰብ-መዚታት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝምድናታት ዝሸመትካ ምስትኸዉን ጥራይ እየን።

ነዚ ኣቀዲመ ዝሮቛሕኩዎ ሮቛሒታት ዘይተማልእ ዜጋ እንተኼንካ ድማ ብሂወትካን ገንዘብካን ተጣሊዕካ ንሱዳን፡ ጅቡቲን ኢትዮጵያ ክትኣቱ ኣሎካ ማለት እዩ። ሰለዚ ኩሎም ዜጋታት ብመሰረት ሕግታት ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተፈቂድሎም ብባሕሪ፡ መሬትን ኣየርን ካብ ናብ ኤርትራ ዝወጹን ዝኣቱዉን ብቀጥታ ወይ ብተዛዋዋሪ ተረባሕቲ-ጉንዖታት (privileged) ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምኻኖምን ምንባሮም ዘታሓታት ጉዳይ ኣይኮነን። ብመንጸሩ ድማ ዘጠራጥር ጉዳይ ኣይኮነን ተረባሕቲ-ጉንዖ እዉን ከም ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ጭቁናት ምኻኖምን ኣብ ገለ እዋናት እዉን ንዝረኽብዎ ጉንዖታት ራሕሪሖም ዝሓሸ ጉንዖታት ከናድዩ ወይ ድማ ኣንጻር እቲ ምልካዊ ስርዓት ደዉ ክብሉ ዝነበረን ዘሎ ተርእዮታት እዩ።

መብዛሕትና ከምዚ ዓይነት ብዕስላዊ ወይ ብተናጸልን ዝጋጥም ናይ ዜጋታት ስደት ክንሰምዕን ክንርእይ እንኮሎና፡ ኣብ ጠንቕ ስደት ጥራይ ተጸሚድና፡ ኣቶኩሮና ኣብ ምርጋም ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምምኽናይ ምኽንያት ጠንቂ-መስደዲ ዜጋታት ክንጽሕፍን ክንዛረብ እንዉዕል ኣዚና ቡዛሓት ኢና። ብመንጽሩ ስዕቤናቱን ከርሰ መጽያዊ ዉድቀት ሕብረተሰብን ሃገርን ግን ኣይንታይናን እዩ። ከምዝመስለኒ እዚ ዘይሓላፍነታዉን ሓደ ጎናዉን ባዕላዉ ኣጋባብ ኣታናትናን ኣራዳድኣ ካብ ሓንቲ ሰንኮፍ ኩርናዕ እምነት እቲ ነቕል ኮይኑ ይስማዓኒ ኣሎ። ንሱ ድማ ፡”ዓሳ ከተጽንት እንተወሲንካ ባሕሪ ከተጽንፍ ኣሎካ” ካብ ዝብል ዝነቕል ይመስለኒ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምድኻም ኩሉ ከፍሪ፡ ክሓስብ፡ ክመርሕ፡ ክቃለስ፡ ሃገርን ህዝብን ክካላኸል፡ ክሃንጽ፡…ወ.ዘ.ተ ዝኽእል ሰብኣዊ ዓቕሚ ተጓሕጊሑ ንስደት እንተወጽዩ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ፈጓዕጓዕ ኢሉ ክወድቕ  ዝብል ሰንኮፍን ዘይክዉነታዊ እምንቶታት ስለዘሎ እዩ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ናጻ-ዕዳጋ ምጣኔ ሃብታዊ ፖሊስ ሰረተ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ተሞርኪሱ ዝነጥፍ ፖሎቲካዊ ስርዓት ነይሩ እንተዝኸዉን፡ ከም ፖሎቲካዊ ስርዓት ሃዶሽዶሽ ምስ በለ ነይሩ። ኣብ ፍጹም ምጣኔሃብታዉን ፖሎቲካዉን ግብትና ዝናጣጠፍ ስርዓት ግን ብዘይ ምንዉናዉን ናዕታን ትም ኢሉ ሃዶሽዶሽ ዝብል ኣይኮነን። ንመረዳእታ ኩባ፡ ሱርያ፡ ዚምባብወ…ወ.ዘ.ተ ክንምልከት ንኽእል ኢና። ዋላ ምጣኔሃብታዉን ፖሎቲካዉን ሓርጎጽጎጻት ሰፍ-ነግ የብሎም ህዝቦም እንዳበልዑ ክቕጽሉ ዝፍቱኑ እዮም።

ብቀንዲ መንጸር ተጻያዊ ፖሎቲካ እንተጠመትናዮ እዉን፡ እቲ ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ብስዉርን ጋህድ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምዉዳቕ ”ይቃለስ” ኣሎኹ ዝብል ኣካላት ተጻይ ደንበ ኤርትራ፡ ነዚ ሃገሩ ራሕሪሑ ንጎሮባብትን ስግረ-ጎሮባብትን ዝሳግም ዘሎ ዜጋ ኣዕቒቡ ንቃልሲ ክሰርዖን ከሳናድዎን ኣይበቕዔን ዘሎ። ኣብ ነንሕድሕዱ ክዋናጀልን፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ቃልኪዳን ክኣስርን ከዉርድን እዉን ጊዝየ ኣቃልቦን ስለዘይብሉ፡ ሃገር ብጽንፈት-ኣእምሮን ሰብኣዊ ዓቕሚ ጉልበት ሰብ ንክትሳቀ ንምግባር፡ ዘካይዶ ፍሉጡን ዘይፍሉጥን ጻዉዒታት፡ ምትብባዓትን ሽርሕታት ደዉ ከብሎ ኣለዎ።

ናይ ተጻይ ደንበ ኤረትራ ብዑቱብ ከስተብህለሉ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ዝተዘራረገን ዝተበታተነን፡ ዘይተወጠነን መደባቱ ብግቡእ ዘይሓንጸጸሉን ህላዊኡ፡ ተሓላቕነት ንቃልሲ ንቕድሚት ዘየሰጉም ምዃኑ እዩ። ክምዚ ዓይነት ንጥፈታት ብኣንጻሩ ፋሕ ዝበለን ማእዝኑ ዝሰሓተን ንጥፈታት የንግስ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ቃልሲን ሃገርን ናይ ምድኻም ተራ ከምዝጻወት ዘየጣራጥር እዩ።መንእሰይ ሃገሩ ራሕሪሑ ንክሳግም ኣታባቢዕኳ፡ ነቲ ዝዉሕዝ ሰብኣዊ ዓቕሚ እዉን ኣብ ማዓላ ሃገርን ህዝብናን ክጥቀመሉ እንተዘይበቂዑ ዳግም ዝዓበየ ክሳራ እዩ። ከምቲ ኣድጊ ዝበሎቶ ”ኣነ ዝሞተላ ሳዕሪ ኣይቡቖላ” ”ኣነ ዘይመርሓ ኤርትራ ዋላ ትባድን” እንተኾይኑ ግን እዚ እዉን ዓቢ ገበን እዩ።

ጠንቂ ቀንዲ ደራኺ ዜጋታት ንስደት ምኻን ገበን፡ ስሓቢ ቀንዲ ሮቋሒ ንስደት ምኻን ገበን ። ክልተ ገበናት ብምንም ታኣምር ሓዲኦም ብሳዕቤን ሙኹንያት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንገዛእ ርእሱ ግዳይ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ዓዉላማዊ ዊዲትን ሽርሕታት ወሲድዋ ስለዘሎ፡ ብተወሳኺ እዉን ን ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ዕምሪ ንምንዋሕ ጸቢብ ሃገራዉነትን ኣጻብዕቱ ንካልኦት እንዳኣመልከተ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ ዞናዊን ዓለምለኻዊ ናይ ፖሎቲካ ስትራተጂ ዝተመስረተ ናይ ጸጥታ ስትራተጂ ክቅጽሎ እዩ። እቲ ምንታይሲ ስርዓት ወያኔን መሻርኽቱ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ሃገራዊ ናይ ጸጥታ ስትራተጂ መስመር መንገዲ ሓዲድ ከምዝዛናበል ገይሮሞ እዮም። ሕጂ ዳግም ናብቲ ንቡሩን ዝግባእን መስመር ክሕዝ እንተፈቲኑ፡ ልክዕ ከምዚ ሓያል ማዕበል ዝጸፍዓ ጃልባ ኣብ ማእከል ዉቑያኖስ ሕምቢልል ኢላ፡ ኣብ ዝተወሰነ ደቓይቕ ንማዓሙቕ ዉቕያኖስ ትጠልቕ ክጠልቕ ሰለዝኾነ፡ ነዚ ዝርኤ ዘሎ ጽኣት-ስደት(Exodus) ንምዕጋት ፖሊሲታቱ ክቕይር ወይ ከማሓይሽ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ነዉሪ እኳ እንተዘይኮነ፡ ብፍጹም ዝክኣል ኣይኮነን።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ፖሊሲታቱ ክቕይር ርጉጽ ተኽእሎታት ካብዘይሃለዎ፡ ስድራቤታት ኤርትራ ተባታቲነን ጽኣት-ስደት ካብ ኮና፡ ኣብ መንጎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ህዝቢ ኤርትራን ኢድ ንኢድ ተዓታዒቶም ተጫባቢጦም ኣለዉ ማለት እዩ። ፍታሕ ክመጺ እንተኾይኑ ሓዲኦም ክፍንጽግ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓትዒቱ ጨቢጥዎ ዘሎ ኣእዳዉ ምልካዊ ስርዓት ከምልጥ እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ከም ዝብኢ ኣብ ማእከለን ኣትዩ ዝዝረገን ኣጣል ኬንካ ዉልቃዊ ሂወትካ ንምድሓን እግርኻ ዝሃበካ ኣንፈት ብዘየገድስ ምጉያይ፡ ርግእ ኢልካ ምሕሳብን ምምማይን ከድሊ እዩ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ቡኹረት ግዝኣተ-ሕጊ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስድራቤታዊ ምብትታን፡ ኣዝዩ ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ምጣኔሃብታዉን ማሕበራዉን ሓርጎጽጎጻት፡ ንድየት፡ ጥምየት…ወ.ዘ.ተ ከምዘሎ ዝኾነ ፍጡር ዝኽሕዶ ጉዳይ ኣይኮነን። ናይ ብሓቂ እቲ ሓቦን ንያትን ሓልዮት ሃገርናን ህዝብናን እንተሃልዩና፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንምውዳቑ በብዘሎና ዓቕምታትን ተኽእሎታትን ሕጂ!!! ጸጸርና ክንድርብየሉን ኣብያና ከነትሩረሉ ይግብኣና። ኩልና ክንግንዘቦን ክንርዕመሉን ዝግባኣና ጉዳይ እንተሃልዩ ግን፡ ናይ ገጢሞምና ዘለዉ ሽግራትን ብዶሆታትን፡ ፍታሕ ምቕላስ እምበር ምስዳድ ከምዘይኮነ እዩ። ቃልሲ ክባሃል እንኮሎ ድማ ከምዚ ድራር መርዓ ዓርኪ ሕሉፎት ከብድካ መሊእካ ጽምእኻ ኣርዉይካ ሄር ዝበለ ጋይላ ኣጊድካ ክትስዕስዓሉ ትሓድር ኣይኮነን። እንታይድኣ መዓንጣኻ ሓቦን ንያትን ከምዝናር ዲግዲጊት ተዓጢቕካ፡ ንኩሉ ጊዝያዊ ሽግራት ተጸሚምካ ዝሳላሰልን ክሳብ እታ መተካእታ ዘይብላ ሂወትካ ክትብጁዉ ድሉዉ ምኻን እዩ።

ሕቶ ሃገርን ህዝቢ ሕቶ ትማሊን ሎሚን ኣይኮነን፡ እንታይድኣ? ሕቶ መጻኢ እዩ። ሕቶ ሃገርን ህዝቢ ሕቶ እቶም ትማሊ ንኤርትራ ግምጃ ክስሉሙ ዝሓለፉ ኣይኮነን፡ እንታይድኣ? ሕቶ እዞም ሕጂ ዘሎና ወለዶ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እንታይ የጣጥሕን እንታይ የሕልፍን ንመጻኢ ወለዶ እዩ። ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከም ሓደ ኣብዲ ሰብ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝዓይነቱ ክንሓስብን ከነተግብርን እንተነቂልና ጽባሕ ንግሆ ሮማን ጂብስ ኬና ከምእንተርፍ ክንግንዘቦ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

ወድሓንኩም!

መርዕድ ዘርኡ

17/12/2009

Advertisements

1 Comment »

  1. እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ፡ንረብሓ ህዝቢ’ዶ ንጉድኣቱ?
    እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ፡ንረብሓ ህዝቢ’ዶ ንጉድኣቱ?
    THURSDAY, 11 FEBRUARY 2010 08:44

    ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብቑጽሪ መዝገብ (ውሳነ) 1907/2009 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክጸንዕ ወሲንዎ ዘለዎ እገዳ፡ ብደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግብረ-መልስታት ክወሃቦ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ከምቲ ወትሩ ግዜ ዝገብርዎ፡ ካብ ሓቂ ሓኪሎም፡ ዝጥዕሞምን ክኸውን ዝደልይዎን ትንተናታት ይህቡሉ ከም ዘለዉ ንሰምዕ ኣለና። በቲ ሓደ ወገን ድማ ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ እቲ እገዳ፡ ኣብ ምሕጻር ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ዕዙዝ ተራ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎሞ ኣለዉ። ንምዃኑ እቲ ተወሲኑ ዘሎ እገዳታት፡ ስለምንታይ ተወሲኑ? እንታይ የጠቓልል? ስርዓት ህግደፍ ነቲ ውሳነ እንተዘይኣኽቢርዎኸ እንታይ ዓይነት ሳዕቤናት ክህልዎ ኢዩ? ኣብ ህዝቢኸ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ወይ ሳዕቤን ክህልዎ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት፡ ብህዝቢ ይሕተቱ ከም ዘለዉ ብምግንዛብ፡ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንምብራህ መታን ክጥዕም፡ ትሕዝቶ ናይቲ ውሳኔ ብጽሙቕ ዝበለ መልክዕ ምቕራቡ ኣገዳሲ ኢዩ።
    ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ እገዳ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ኣብ መእተዊ ናይቲ ውሳኔ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ኣብ ሶማልያ ዘሎ ኩነታትን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ጅቡትን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብን እቲ ቀንዲ እገዳ ንኽውሰን ዝደረኸ ምኽንያታት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ድሕረ-ባይታ ናይቲ ዝተወሰነ እገዳታት፡ ንሶማልያ ብዝርኢ ካብ 1992 ዝጅምር ክኸውን እንከሎ፡ ንጅቡቲ ብዝርኢ ድማ ካብ ሰነ 2008 ኢዩ ዝጅምር።
    ንጅቡቲ ብዝምልከት፡ እቲ ጉዳይ ሓጺር ታሪኽ ኢዩ ዘለዎ። ኣብ ሰነ 2008 ክልቲአን ሃገራት፡ ብሰንኪ ዶባዊ ምስስሓብ መጠነ-ንኡስ ወተሃደራዊ ረጽሚ ምስ ኣካየዳ ዝጀመረ ጸገም ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ፡ ብቑጽሪ መዝገብ S/PRST/2008/20፡ ብዕለት 12 ሰነ 2008 ናብ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽር ዶብ ሰራዊተን ክስሕባ ጸዊዑ ኔሩ። ጅቡቲ ነቲ ጻውዒት ከተተግብሮ እንከላ፡ ኤርትራ ግን ኣይተግበረቶን። ብተወሳኺ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቑጽሪ መዝገብ 1862/2009 ተመሳሳሊ ውሳነ ኣሕሊፉ ክነሱ፡ ነዚ ውን ስርዓት ህግደፍ ኣይተግበሮን። ብዕለት 30 መጋቢት 2009 ውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት፡ ብቑጽሪ መዝገብ S/2009/163 ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኔሩ። ነዚ ውን ህግደፍ ጸማም እዝኒ ኢዩ ሂብዎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ምስ ጅቡቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ወይ ልዝብ ስለ ዝነጸገን፡ እኳ ደኣ “ምስሕሓብ ዝበሃል ነገር የለን” ኢሉ ውን ነቲ ኹነታት ስለ ዝኸሓዶን፡ ኩሉሙሉ ተደማሚሩ እገዳ ንኽውሰን ጠንቂ ኮይኑ። ብዘይካዚ ኣብቲ ካብ 10 ክሳብ 12 ሰነ 2008 ምስ ጅቡቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ረጽሚ፡ ገለ ዝተሸርቡ ወይ ዝተማረኹ ወተሃደራት ጅቡቲ ከም ዘለውን ንዖኦም ብዝምልከት ድማ ኤርትራ ሓበሬታ ምሃብ ከም ዝኣበየትን ኣብቲ ውሳነ እገዳ ተገሊጹ ኣሎ።
    ንሶማልያ ብዝምልከት እቲ ታሪኽ ነዊሕ ኢዩ። ካብ 1992 ኣትሒዙ ናብ ሶማልያ ኣጽዋር ከይኣቱ ብባይቶ ጸጥታ ተኣጊዱ ከም ዝጸነሐ ዝዝከር ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኤርትራ ነቲ እገዳ ብተደጋጋሚ ስለ ዝጠሓሰቶን ነዚ ብዝምልከት ንዝተዋህበ መጠንቀቕታታት ድማ ሸለል ስለ ዝበለቶን፡ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ክገብር ከም ዝተገደደ ኣብ ውሳኔኡ ገሊጽዎ ኣሎ። ብርግጽ ድማ ነቲ ዝወሃብ ዝነበረ መጠንቀቕታታት ስርዓት ህግደፍ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ኢዩ። ብፍላይ ብቑጽሪ መዝገብ 1844/2008፡ ብዕለት 20 ሕዳር 2008 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ነቶም ናብ ሶማልያ ኣጽዋር እንዳጓረቱን ዕጡቓት እንዳመልመሉን ህውከት ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እገዳ ክገብረሎም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኔሩ ኢዩ። ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ክሳብ እቲ እገዳ ዝተወሰነሉ፡ ማለት ክሳብ 23 ታሕሳስ 2009፡ ህግደፍ ናይ ምእዳብ ምልክት ስለ ዘየርኣየ፡ ንምሸቱ እቲ እገዳ ተወሲኑ። ብኣንጻር ናይዚ ኹሉ መጠንቀቕታታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመገዲ ቀዋሚ ልኡኹ ኣብ ውድብ ሃገራት ኣቢሉ፡ ብዕለት 19 ግንቦት 2009 ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ነቲ ብሶማላውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ 2008 ኣብ ጅቡቲ ዝተፈረመ ውዕል ሰላምን ዕርቅን ከኽብሮ ከም ዘይኮነ ብንጹር ገሊጹ ኢዩ። እዚ መርገጺ እዚ ጉልባቡ ዝቐልዐ ውጹእ ተጻባኢ ፖሊሲ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መወዳእትኡ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ንኽውስን ካብ ዝገበርዎ ረቛሕታት ሓደን ኣገዳስን ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ሶማልያ፡ ካብ 1992 ኣትሒዙ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር እንዳሃለወን፡ ብኣንጻር ናይቲ ኣብ 2008 ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን ዕርቅርን፡ ኤርትራ፡ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ኩናት ይገጥሙ ንዘለዉ ዕጡቓት ሶማላውያን (ከም በዓል ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት) ወተሃደራውን ንዋታውን ሓገዛት ትህብ ስለ ዘላን፡ እቲ እገዳ ክውሰን ከም ዝኸኣለ ተገሊጹ ኣሎ።
    እቲ ተወሲኑ ዘሎ ውሳነታት፡ ብሓደ ወገን፡ ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ናይ ዶብ
    ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ክትፈትሕን ኣብ ሶማልያ ትቕጽሎ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ድማ ከተቋርጽን ዝጽውዕ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ዝዀነት ሃገር ንኤርትራ ኣጽዋር ከይትሸይጥን ካብ ኤርትራ ኣጽዋር ከይትዕድግን ይእዝዝ። ኣብ ርእሲ ውን ኣስማቶም ብሕጂ ዝግለጽ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንኸይገሹ እገዳ ተጌሩሎም ኣሎ። ከምኡ ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብስሞም ወይ ድማ ብስም ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ትካላት ዝተቐመጠ ገንዘብ እንተሎ፡ ክድስክል ተወሲኑ ኣሎ።
    ማዕከን ገንዘብ ህግደፍ ንምድስካል ብዝርኢ፡ ዓንቀጽ 13 ናይቲ ውሳነ ኣገዳሲ መወከሲ ኢዩ። በዚ ዓንቀጽዚ መሰረት፡ ኩላተን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ውሳነ እገዳ ካብ ዝጸደቐሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ብስም መራሕቲ ህግደፍ ወይ ድማ ብስም ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ትካላት፡ ኣብ ግዝኣተን ተዓቂቡ ዝርከብ ገንዘብ፣ ከምኡ ውን ፋይናንስያውን ቁጠባውን ጸጋታት፡ ብቕጽበት ከደስክልኦ ይእዝዝ። ብተወሳኺ ውን፡ ኣብ ጠቕሚ መራሕቲ ህግደፍ ወይ ድማ ኣብ ጠቕሚ እተን ንሳቶም (ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መገዲ) ዝቆጻጸርወን ትካላት ዝውዕል ገንዘብ፡ ብዜጋታት ናይ ካልኦት ሃገራት ከይወሃብ እቲ ውሳኔ ኣጊዱ ኣሎ። እዚ ውሳኔዚ ነቲ ብስም “2% ናይ መሕወዪ ግብሪ” ካብ ኤርትራውያን ንዝእከብ ገንዘብ፡ ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ንዝግበር ወፈያታትን ውን ዝምልከት ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ። ብኣንጻር ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ብመልክዕ 2% ይኹን ብመልክዕ ወፈያ ኣበርክቶኦም ንህግደፍ እንተቐጺሎም፡ ኣብቲ ዝነብርሉ ሃገር ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ጥሒስኩም ተባሂሎም ብሕጊ ክሕተቱ ከም ዝኽእሉ ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ።

    ዓንቀጽ 15 ናይቲ ውሳነ ከም ዘነጽሮ፡ እቲ ንጉዕዞ፣ ንገንዘብ፣ ንፋይናስያውን ቁጠባውን ምንጭታት ዝምልከት እገዳ፡ ተፈጻምነቱ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መሪሕነት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ንኻልኦት፡ ንሃዋኺ ዕላማታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምትግባር ዝተዋፈሩ፡ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ውን ዝምልከት ኢዩ። ትግባረ ናይዚ ስጉምቲዚ እቲ ትጽቢት ተጌሩሉ ዘሎ ስም ዝርዝር ናይ መራሕትን ቁጠባዊ ትካላትን ምስ ተገልጸ ዝትግበር ኮይኑ፡ እቲ ንእገዳ ኣጽዋር ዝምልከት ግን ብቐጥታ ክትግበር ዝኽእል ውሳነ ኢዩ።
    እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ እቲ እገዳ ስለምንታይ ተወሲኑ? እንታይከ የጠቓልል? ንዝብል ሕቶ ዝምልከት ኮይኑ፡ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ውሳነ እንተዘይኣኽቢርዎኸ እንታይ ዓይነት ሳዕቤናት ክህልዎ ኢዩ? ዝብል ኢዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶዚ ኣብ ዓንቀጽ 21ን 22ን ናይቲ ውሳኔ ተነጺሩ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ እቲ ውሳኔ ካብ ዝተወሰነሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ንንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ብቐረባ ክከታተሎ ከም ዝኾነ ገሊጹ ኣሎ። ኤርትራ እንተደኣ ብትእዛዛት ናይቲ ውሳኔ ተቐይዳ፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ከመሓይሾ፡ ዋላ ውን ከልዕሎ ከም ዝኽእል ገሊጹ ኣሎ። ብኣንጻሩ ኣደብ ዝጎደሎ ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ዘይልወጥ እንተደኣመሲሉ፡ እቲ ውሳነታት ውን እንተደኣ ዘይተኸቢሩ፡ ካብኡ ትርር ዝበለ ስጉምታት ክውሰድ ከም ዝኽአል ባይቶ ጸጥታ ኣብቲ ውሳነ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ድማ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ጸብጻብ ከቕርብ እቲ ውሳነ ኣዚዝዎ ኣሎ።
    ብመሰረቱ፡ ባይቶ ጸጥታ ከምዚ ዝኣመሰለ እገዳታት ክውስን እንከሎ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ናይ ቻርተር ውድብ ሃገራት ተሞርኵሱ ኢዩ ዝውስን። እዚ ምዕራፍዚ፡ ጸጥታን ርግኣትን ዓለም ወይ ሓደ ዞባ ተሃዊኹ፡ ወይ ድማ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዝኸፍአ መልክዕ ተጣሒሱ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ዝጥቀስ ምዕራፍ ኮይኑ፡ ካብ ዓንቀጽ 39 ክሳብ ዓንቀጽ 51 ናይቲ ቻርተር ንዘለዉ ሕግታት ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ጸገም ምስ ዘጋጥም፡ ባይቶ ጸጥታ መጀመርታ ብእገዳታት’ዩ ዝጅምር፤ ንሱ ዘይሰርሕ እንተመሲሉ ድማ ክሳብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል፡ ኣብ ዓንቀጽ 41ን 42ን ናይቲ ቻርተር ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ድዩ ኣይውሰድን ምስ ግዜ ዝርአ ነገር ኮይኑ፡ ብመትከል ደረጃ ግን እቲ ቻርተር ዘፍቅዶ ተኽእሎ ከም ዝኾነ ንጹር ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ዝተወሰነ ደረጃ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ ብዓንቀጽ 45 ናይ ቻርተሩ መሰረት፡ ብኣባል ሃገራት ዝእለ ወተሃደራዊ ስታፍ ኣቚሙ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይወሰድ ኢሉ ክውስን ይኽእል ኢዩ ማለት ኢዩ።
    እቲ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ነጥቢ፡ እቲ እገዳታት ኣብ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ወይ ጉድኣት ክህልዎ ኢዩ? ስርዓት ህግደፍ ንምቕያሩ ዝገብሮ ዘሎ ፈንጠርጠርከ እንታይ ፋይዳ ክህልዎ ኢዩ? ዝብል ሕቶ ኢዩ። ኣብዚ ክነጸር ዝግብኦ ሓደ መሰረታዊ ነገር ኣሎ። እቲ እገዳ ብመሰረቱ ንዝተወሰኑ መራሕቲ ህግደፍን ጸይቀ-ዕሉል ተግባራቶም ንዘተግብሩሉ ኣጽዋርን ገንዘብን ዝምልከት ድማ እምበር ንህዘቢ ኤርትራ ብኣልማማ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ዝኾነት ሃገር፡ መራሕታ ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ተጌሩሎም ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ሕማቕ ሽም ጥራይ ንባዕሉ ኣጸያፊ ኢዩ። በዚ መንጽርዚ ክርአ እንከሎ እቲ ጉዳይ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ዝኾነ ካብ ሓቂ ክሕክል ዘይደሊ ሰብ ከም ዝግንዘቦ፡ እቲ ጸገም ብመሰረቱ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ዝፈጠሮ ደኣ እምበር ማንም ዝኣለሞ ጸገም ኣይኮነን።
    ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ከይኣክል፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ደረት ስለ ዝሓለፈ፡ እዚ እገዳታትዚ ክመጽእ ክኢሉ ኣሎ። ብመሰረቱ ድማ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዘለዉ ሓለፍትን ናቶም መጋበርያታትን ጥራይ ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንነዊሕ ዓመታት፡ ህግደፍ ባዕሉ ብዝወሰነሉ ጽኑዕ እገዳ፡ ካብ ዓለም ተነጺሉ ኣብ ጥሜትን ጭቆናን ተሸሚሙ ስለዘሎ፡ እዚ ሕጂ ተወሲኑ ዘሎ እገዳታት ዝውሰኸሉ ተደራቢ ጸገም ኣይክህሉን ኢዩ። ነዚ ጉዳይዚ ብዕምቆት ካብ ዘይምግንዛብ ገለ ገለ ወገናት ድንግርግር ብዝበለ መርገጺ ክማትኡ ምርኣይ ዘየገርም እኳ እንተዘይኮነ፡ ጠንቅን ናይቲ እገዳ ቀንዲ ተሓታትን ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ብዙሕ ዘከራኽር ነገር ኣይኮነን።
    ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ነቲ ናይ እገዳታት ውሳነ ንምቕያር ብዝብል ምስምስ ወዲቦሞ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብወድዓዊ ሚዛን እንተተገምጊሙ፡ ብዙሕ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ተነጺሩ ዘሎ፡ እቲ እገዳታት ክቕየር ዝኽእል፡ ኤርትራ ነቲ ኣብኡ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅድመ-ኩነታት ምስ ተማልእ ድኣ እምበር፡ ብኾር ተገልበጥ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ እንዳኾነንካን ብኡኡ ክትቅየድ ዘይምዃንካ እንዳገለጽካን ዝመጽእ ለውጢ ኣይክህሉን ኢዩ።
    ብኣንጻሩ ግን ደንበ ተቓውሞን በርጌሳውያን ማሕበራትን ነዚ ምዕባለዚ ናብ ረብሓ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ክቕይርዎ ይግብኦም። ካብቲ ክግበር ዝግብኦ ብዙሕ ነገራት ድማ እዚ ዝስዕብ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ንስርዓት ህግደፍን በቲ ስርዓት ንዝንቀሳቐስ ትካላትን ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከይወሃብ ተኣጊዱ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ብዝምልከት ጥቡቕ ምክትታል ክግበር ይግባእ። ብፍላይ ድማ እቲ ብስም 2% ዝእከብ ገንዘብ ከምኡ ውን ብስም ፌስቲቫላት፣ ባህላዊ ምርኢታት፣ ኣኼባታትን ካልእን ዝእከብ ወፈያታት ኩሉ፡ በዚ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ መሰረት ክቋርጽ ዝግብኦ ነገራት ኢዩ። ነዚ ኣመታት እዝን ዘኸትሎ ሕጋዊ ተሓታትነትን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብንጹር ከም ዝርድእዎ ምግባር ከድሊ ኢዩ።
    እቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝዋፈሩ ሰባት ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይዋስኡ ከም ዘለዉ ፈሊጦም ኣደብ ክገብሩ ክማዓዱ ኣለዎም። እንተዘይኮነ ብሕጊ ናይቲ ዝነብሩሉ ሃገራትን በቲ ብባይቶ ጸጥታ ጸዲቑ ዘሎ ውሳነ መሰረትን ሕጋዊ ተሓታትነት ክመጾም ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ፡ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ብገለ መልክዑ፡ ነተን ኣብ ኤርትራ ናይ ማዕድንን ካልእን ወፍሪ ዘካይዳ ዘለዋ ኩባንያታት’ ውን ክጸልወን ከም ዝኽእል መረዳእታታት ኣሎ። ኣብዚ መዳያትዚ ዝተወሃሃደ ናይ ስራሕ መደባት ንምስኣል ደንበ ተቓውሞን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዘይሕለል ጻዕሪ ከድልዮም ኢዩ። ኣብ መደምደምታ እምበኣር፡ እዚ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ኣጽኒዕዎ ዘሎ እገዳ፡ ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ከም ደራኺ ሓይሊ ክርአ ዝግብኦ ኣገዳሲ ምዕባለ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንረብሓ ህዝቢ ድኣ እምበር ንጉድኣቱ ኣይኮነን።
    ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ (Human Rights Concern – Eritrea)
    ለንደን, ዓዲ እንግሊዝ
    11 ለካቲት 2010

    Comment by eritrearealclearpolitics — February 11, 2010 @ 11:36 am | Reply


RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: