Eritrea real clear politics's Weblog

April 27, 2010

Yishai wants to send infiltrators back to Eritrea

Filed under: News,Uncategorized — eritrearealclearpolitics @ 6:37 pm


Refugee Issue
Photo: Ohad Avidan Keidar Eritrean refugees (archive) Photo: Ohad Avidan Keidar
click here to enlarge text click here to enlarge text
click here to reduce text click here to reduce text
Yishai wants to send infiltrators back to Eritrea

Interior minister approaches Foreign Minister Lieberman in a bid to examine ways together with African state to return infiltrators back to homeland
Yael Branovsky

Yishai presented the plan in a letter to Foreign Minister Avigdor Lieberman. “According to professional elements in my office one can hold talks with Eritrea in order to find solutions for the problem of infiltrators, since Israel maintains diplomatic relations with the country,” Yishai noted. 

The minister also asked to meet Lieberman and discuss the issue with him. 

According to Interior Ministry data, 25,000 infiltrators from Sudan, Eritrea, Ethiopia and other African countries are registered in Israel. Some 1,300 infiltrators entered Israel in the the last month. 


It was recently revealed that some Eritrean residents who try to infiltrate into Israel are being abused in the Sinai Peninsula.

Shalom Yehosua from the Population and Immigration Border Authority said that a 25-year-old woman from Eritrea who crossed the border into Israel said she was raped by eight Bedouins leading her and a group of refugees through Sinai.

“She was very closed-off, cried all the time and nearly didn’t speak, I instructed not to question her at that stage,” Yehoshua told Ynet. “She was very frightened. An army medic performed an initial examination and she was turned over to the Israel Prison Service for more tests,7340,L-3881568,00.html

ኣቶ ኤሊ ይሻይ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት እስራኤል፡ ኤርትራ እንተደኣ ተቐቢላቶ 13, 000 ዝዀኑ ኣብ እስራኤል ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልስ መደብ ከምዘለዎ ዝሕብር ደብዳበ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት እስራኤል ኣቶ ኣቪግዶር ሊበርማን ከምዝለኣኸ ተፈሊጡ ኣሎ።

እስራኤል ምስ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ስለዘለዋ፡ ነዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት፡ ምስ ኤርትራ ብምስምማዕ ደው ከተብሎ ከም እትኽእል፡ ክኢልታት ሰብ ሞያ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት እስራኤል ከምዘማኸርዎ ኣቶ ኤሊ ይሻይ ገሊጹ። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ንምዝርራብ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት እስራኤል ክራኸብ ምዃኑ ውን ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት እስራኤል፡ ካብ ሱዳን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ብዝሒ ምዝጉባት ስደተኛታት፡ 25,000 በጺሑ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ 1300 ስደተኛታት ናብ እስራኤል ከምዝኣተዉ ውን ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ገለገለ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝፍትኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝፍጸም ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ሓንቲ 25 ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት በቶም ዘስግርዋ ዝነበሩ 8 ሰባት ከምዝተዓመጸት ሻሎም የሆስዋ እተባህለ በዓል መዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻእተኛታት እስራኤል ሓቢሩ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።


April 25, 2010

Our decision to go to war against Eritrea was a big mistake

Filed under: News,Uncategorized — eritrearealclearpolitics @ 7:48 pm
April 24 Author: suleyman | Yesterday, 03:35 | Views: 2245
Should we let EPLF to capture our land?

“Our decision to go to war against Eritrea was a big mistake” Senior TPLF official- in private

By Tamiru Geda

Ethiopia’s decision to go to war against Eretria was said a big mistake. The war costs the lives of Ten Thousands Ethiopians and Eritrean. It was even said preventable conflict. Ato Sebhat Nega, one of the founding members and senior official of TPLF pointes his fingers at his former comrades in arms including Ato Seye Aberha the latter was former Minster of Defense. However, Seye denies all the accusation against him self his other friends.

Ato W/Selassie Nega( Commonly known as Aboye Sebhat ) recently told one local radio talk show that he personally regrets for the decision aimed “in favor” of to go to the Ethio-Eritrea war where his former colleagues influenced it. Aboye Sebhat says:” Hadn’t been the powerfulness of Ato Twelde Ato seye and the like the war could have been prevented. I could imagine that using some Technical arrangements between Ethiopia and Eritrea might have been the best solution to stop the war. Because of the back ward and narrow minded views of the splinters ( former TPLF members, who walked away from their party ) we were forced to engage in to war against Eritrea.

We know that EPLF/Shabia( the ruling party in Eritrea) is an aggressor and that fired the first bullet against us but we didn’t make any significant effort to stop the war. Noting would happen if we let EPLF to stay in Zalambessa (Ethio-Eritrea border )for twenty years, let alone allowing them(EPLF) to capture it for two or three years. Unfortunately, we went to war because the majority in our party voted in support of the war. This not EPRDF’s position instead it is my view.

In his Exclusive interview Aboye Sebaht one of TPLF officials who offered Olive Tree’s branches for Eritreans’ secession didn’t mention what the proposed “Technical Arrangement” meant weather it favors Ethiopia’s interest or not . He further noted that there was a question of living with Eritreans together raised by some TPLF fighters after the fall of their common enemy, the Dergu regime.” Once on our conference, our comrade, G/mesikle, raised this issue. We told him that Referendum is belong to Eritreans it shouldn’t be neither in our interest nor EPLF’s wish. From the beginning We know that EPLF is not a Democra.” Sebhat said. The Ethio-Eritrea border issue yet not solved. Ten thousands army from both sides still stationed around their common border.

On his part, Ato Seye Aberha, executive member of the newly formed Medrik denies all accusation claimed by Aboye Sebehat . He accuses EPRDF foreign policy On his recent debate on the upcoming May 2010 election campaign Seye said that EPRDF’s cheats the Ethiopian public by providing false information that prolongs only EPRDF’s life.” EPRDF undermines Ethiopian national interest. Following the Ethio-Eritrea boarder war we were told that Ethiopia regained Bademe decides by The Hague Border Commission. EPRDF told us as if we gained additional lands in Toserrna (South West Eritrea)that never under our administration before. EPRDF hides the truth Bademe and Adi regane already given to Eritrea.

Our decision to go to war against Eritrea was a big mistake

Any country has its own Geographical boundaries How ever, EPRDF tell us that the hills and the mountains are not essential part of a sovereignty of a nation. In EPRDF’s foreign policy documents there is no single word that states about the sovereignty, Border and Unity of Ethiopia .We shouldn’t be surprised when our fertile lands in Humerra and Metema are sold out in secret. It is the result of EPRF that doesn’t believe in those mountains and valleys as part of our sovereignty. In EPRDF’s context Sovereignty means the survival of its own power ”seye addressed to the Public .

Ato Gebru Aserat, former Head of Tigray Regional State(now member of Medrek ) also shares Seye’s view and Criticizes Ato Meles Zenawi and the party.” Meles and his party EPRDF spend their time and resources on defamations and threaten against our party .We are not interested to waste our time concentrating on counter attacks .Our focus on how to show we are the answer for Ethiopians. We proved that in our recent meeting in Tigray where thousands supporters shown us their passion in public” Gebru commented.

Newsdire, April 2010


Please register Register, you are currently just a guest here.

April 22, 2010

ብዛዕባ ከመይነት መስርሕ ጉዕዞ ምስንዳእ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

Filed under: Media — eritrearealclearpolitics @ 8:59 am

Wednesday, 31 March 2010 08:17

ብዛዕባ ከመይነት መስርሕ ጉዕዞ ምስንዳእ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ብዝምልከት ትልሚ ሓሳባት

(Road Map)

I. መእተዊ:

ህዝብና ካብ ታሪኽ ተጋድሎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ መስርሕ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ምርግጋጽ ይኹን ድሕርኡ ናብ ከባቢ 19 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወዲቑ ሓሳረ-መከርኡ ረኺቡ’ሎ፡፡ ኣብ መስርሕ ኣብ ጕዕዞ ንዝተኸስቱ ፍልላያት ሓድነቱ መሊኹ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ንምጥራናፍ ዝገበሮ ቃልሲ ማዕረ-ትን ክንድ’ትን ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእትን ድሒሩ ዝቐጸለ ታሪኽን ዕድመ-ዘቑጸረ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ መሊኡ ከይተዛዘመ ዝጸንሐ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ካብ ዝገበሮ ምኽንያት ከኣ ሕቶ ሓድነት ንምርግጋጽ እንገብሮ ተጋድሎ ካብ ሕቶ ፖለቲካል ደሞክራሲ ንምርግጋጽ እንገብሮ ተጋድሎ ተነጻጺሉ ዘይረኤ፡ ልሙጽ ጉዕዞ ስለዘይኮነን ብከበድቲ ፈተንቲ ዝኾኑ ሓጎጽጎጻትን ጻዕርታትን ክሓልፍ ዝጸንሐን ዘሎን መስርሕ ናይ ቃልሲ ስለዝኾነ እዩ። እዞም ተነጻጺሎም ዘይከዱ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ዝውስኑ መሰረታውን ማእከላውን ሕቶታት ናይ ህዝብና እዚኣቶም ስለዘይተፈትሑ’ዮም፡ ድሕሪ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓርበኛዊ ተጋድሎን ከቢድ መስዋእትን’ውን እንተኾነ፡ ነጻ ዝወጸት ልኡላዊት ሃገር ደኣ’ምበር ሓራ ዝወጸ ሕብረተ-ሰብን ደሞክራስያዊት ሃገርን ንምትካልን ንምህናጽን ዘይተበቕዐ። ኣብ ምሉእ መስርሕ ናይቲ ቃልሲ እዚኦም ፍታሕ ስለዘይረኸቡ ከኣ’ዩ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ነዞም ዘይተፈትሑ ሕቶታት ናይ ደሞክራሲ ተበሊጹ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ብሓይሊ ጨፍሊቑ ብምሓዝ፡ ዳግም ሓሳረ-መከርኡ ዘርእዮ ዘሎ። እዞም መትከላዊ ሕቶታት እዚኣቶም መሊኦም ኣብ ዘይተፈትሑሉ ታሪኽ፡ ብቐንዱ ከኣ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ጎልቢቱ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብ ዘይበጽሓሉ ደሞክራስያዊ መስርሕ ቃልሲ ሕቶ ሓድነት’ውን ማዕረ-ማዕሪኡ ብኡ መጠን ንምርግጋጹ ኣብ ዝግበር ተጋድሎ ናይ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ሕቶ ኮይኑ መሰረታውን ካልኣውን ጎንጽታትን ጉዳያትን ፈላሊኻ ብምርኣይ፡ ካልኣዊ ቦታ ዝሕዙ ካልኣዊ ቦታ ብምትሓዝ፡ ትኽክለኛ ግንዛቤ ተታሒዙሉ ንምዕዋቱ ቀጻሊ ናይ ተወፋይነትን ጽንዓትን ደሞክራስያዊ ቃልስታት ዝሓትት’ዩ።

ኣብ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕቶ ሓድነት ንምፍታሕ ብዙሓት ጻዕርታት ዝተኻየዱ’ኳ እንተኾኑ፡ ብፍላይ ኣብ መድረኽ ሰለማዊ ቃልሲ ምስ’ቲ ኩሉ ሽዕኡ ዝገጠሞ ውሽጣውን ግዳማውን ከበድቲ ዕንቅፋታት ብሓርበኛታት ወለዲ ብ1949 ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ትሕቲ ቀጽሪ ነጻነት (Independence Block) ብሽዱሽተ ውድባት (ሰልፍታት) ዝተመስረተ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ደምበ-ተቓውሞ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ እውን እንተኾነ፡ በብግዚኡ ጻዕርታት ዝተገብረሉ ኣወንታዊ ተበግሶታት’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ መሪር ከቢድ ተጋድሎ ባዕላዊ ጻዕርታትን ንሓድነት ዘቀላጥፍን ዝድግፍን ውድዓዊ ምቹእ ናይ ምድግጋፍ ጉዕዞ መስርሕ ናይ ፈተውትን ብ1999 ምምስራት “ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ” ቀጺሉ ከኣ ብ2005 ዝቐጸለ “ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን” ኣብ ታሪኽ ሓድነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኖም ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ኩሎም ናይ ሓድነት ጉዕዞታት እዚኣቶም፡ ሓንሳብ ተስፋ ዝህቡ፡ ምፍንጫላት ክኽሰቱ እንከለዉ ከኣ ተስፋ ዘጸልምቱ ከበድቲ ናይ ሓጎጽጎጻት መስርሕ ክሓልፉ ዝጸንሑ ይኹኑ ደኣ’ምበር፡ ህዝብና ሓርነቱን ክብሩን ንምርግጋጽን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምትእትታውን ሓድነት ደምበ-ተቓውሞኡ ንምርግጋጽ፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን ሃርበናዊ ህዝቢ እዩ።  ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ኣብ 2008 13 ውድባትን ሰልፍታትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ዝተሳተፍዎ ሓድነታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ክዕወትን መላእ ደምበ-ተቓውሞ ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ክረጋገጽን፡ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክካየድ ዝወሰነን ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ምዕራፍ ናይ ምስንዳእ ክበጽሕ ዝኸኣለን።

II. ዕላማ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ:

  1. ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ወዘተ ዝሳተፍዎ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ መንገድታት ዝናደየሉን፡ በዚ ኣቢሉ መላእ ደምበ-ተቓውሞ ዓቕምታቱ ኣዋዲዱ ኣንጻር’ቲ ንሓድነት ህዝብናን ልኡላውነትሃገርናን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሓደ ኣንፈት ሓቢሩ ዝምክተሉን ነቲ ስርዓት ዘወግደሉን ሕብረ-ሰልፋዊ ደክራስያዊ ስርዓት ዝተኽለሉን ጥጡሕ ባይታ ንምንጻፍ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኹሉ ክፍልታት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ብዝወርዶ ዘሎ ዝተፈላለየ መልክዓት ዘለዎ ወጽዓታትን ዘልዕልዎ ፍትሓውን ርትዓውን ደሞክራስያዊ ሕቶታትን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ተጋድሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ብምርግጋጽ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ናይ ቃልስን ዓወትን ዘሰጋግሮ መናሃርያ ምዃኑ፤
  2. ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኩሎም’ቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ካልኣዊ ፍልልያቶም  ካልኣዊ ቦታ ብምትሓዝ፡ ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ መቖምያታት ሓባራዊ ግንዛቤ ወይ ራእይ  ብምሓዝ፡ ንእዋናውያን ተባራዕቲ ሕቶታት ናይ ህዝብና ዝኾኑ ሕቶ ሰላምን ደሞክራስን ምዕባለን ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ፤ እዚ ከኣ ኩሎም’ቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ኣካላት ደምበ-ተቓውሞ ብስኒት ኣብ ክሊ ሓደ ሃገራዊ ቃል-ኪዳን (National Covenant) ዝኣትዉሉን ብውጽኢት ናይዚ ከኣ እቶም ኣብ ክሊ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ወይ ጽላል ሓድነቶም ኣረጋጊጾም በብዓቕሞም ተሳትፎኦም ከረጋግጹ ዝደልዩ ኣካላት ከኣ ከመይ ብሓባር ተወሃሂዶም ይሰርሑ ዝርእይሉ መድረኽ ይኸውን።
  3. ንዕላማታት ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር (ጽላል) ንምንጻር ዝሕግዙ መሰረታዊ ሃገራዊ መቖምያታት ማእከል ገይሩ ኣብ ምቕራጽን ሕቶታት ናይ ሰላምን ደሞክራስን ምዕባሌን ኣብ ምፍታሕን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካልን ንሕጂ ከም መበግሲ ሓሳባት ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ህዝብናን ዝተፈላለዩ ኣካላት ደምበ-ተቓውሞን ልዝባት ካብ ክካየደሎም ዘለዎ ቀንዲ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብመሰረት ኣብ ሓምለ 2009 ዝተካየደ ሓፈሻዊ ዓወደ መጸናዕቲ፡-

ሀ/ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ብዝምልከት

ለ/ ጉዳይ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምልከት

ሐ/ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝህሉ መስርሕ መሰጋግሪ መድረኽ ብዝምልከት

III. እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕላማታት ዋዕላ ማእከል ብምግብር: ኩሎም ክፍልታት ናይ ሕብረተ-ሰብና ከም ዜጋታት ደቂ ሓንቲ ሃገር ብውልቀ ይኹን ብሓባር ማዕርነታዊ ተሳትፎኦም ብምርግጋጽን ሓባራዊ ረብሓታት ውሑስ ዝኾነላ ደሞክራስያዊት ሃገር ኣብ ምህናጽ ብዘይምሹቕራርን ምግላልን ተረኦም ዝጻወቱላ ምቹእ ናይ ቃልሲ ባይታ ካብ ብሕጂ ኣትሒዙ ዝፍጠር ኣብ መስርሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንክኸውን ንጽውዕ።

IV. ኣፈጻጽማ ናይዞም ዕማማት እዚኣቶምን ምግባእ ዋዕላን ብዝምልከት፡

ኣሰናደእት ሸማግለ ዕማማታ ንምፊጻም ሰራሓታ ኣብ ሰለስተ መደረኻት ከምዚ ዝሰዕብ ኣከፋፊላቶ፡

1-      ቀዳማይ መደረኸ ክልተ ወረሒ ዝወስድ ኮይኑ፡ ክሳተፉ ድልየት ካብ ዘለዎም ኣካላት ሓበሬታ ንምእካብ መደብ ትሰርዕ፡፡ በዚ መሰረት፡ ብጽሑፍ ከቕርቡ ድሉዋት ዝኾኑ ውድባትን ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ወነንቲ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን…ወዘተ ነዞም ኣብ ላዕሊ ቀሪቦም ዘለዉ ዕላማታት ዘነጽር ጽሑፋትን ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜያት ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክለኣኹ ይህልዎም። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነዞም ሓሳባት እዚኣቶም ጠሚራን ኣጽፊፋን ከመይነት ናይ ምውዳዱ መደባት ክትሰርዕ ብቐንዱ ምስ ኩሉ እናተላዘበት ከመይ ይሓይሽን ንምይይጥ ይወርድን ትርኢ።

2-     ካልኣይ መደረኸ ሓደ ወርሒ ዝወስድ ኮይኑ፡  ኩሎም’ቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ወነንቲ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን…ወዘተ ምስቲ ጭቡጥ ሽዕኡ ብኹሉ ሸነኻቱ ተዋዲዱ ዝቐርብ ቁጠባዊ ዓቕምታት ኣብ ጸብጻብ ብዘእተወ መንገዲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ካላት እናተላዘበት ናይ ኣሰታትፈኦም መደባት ተዋድድ።

3-     ሳልሳይ መደረኽ ድማ፡ ሓደ ወርሒ ዝወስድ ኮይኑ ኣብ ዋዕላ ዝቐርቡ ጽሑፋት ናይ መወዳእታ መልከዖም ከሕዙ ምግባርን ንተሳተፈቲ ዋዕላ ዕደመ ምቅራብን ይኸውን፡፡ ናይ መጨረሻ ራብዓይ ወርሒ ምግባእ ናይ ዋዕላን ከመይነት ናይ ኣፈጻጽማ መደባትን ተዋዲዱ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ፍጻሜ ይበጽሕ።

V. ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነዚ መደባት ንምዕዋት ነብሳ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሽማግለታት ወዲባ መደባታ ኣዋዲዳ ትንቀሳቐስ ኣላ። ንሳተን ከኣ፡

ሀ/ ንኡስ ሽማግለ  ምርምርን ምድላው ሰነዳትን

ለ/ ንኡስ ሽማግለ ውደባን ኣገልግሎታትን

ሐ/ ንኡስ ሽማግለ ዜና

መ/ ንኡስ ሽማግለ ፋይናንስን እየን።

VI. ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ክግበር ዘለዎ ዕማም ብናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ስራሓት ጥራሕ ንበይኑ ዝዕመም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኣካላት ደምበ-ተቓውሞ ብሓባርን ብተወፋይነትን ተዋዲዱ ምስ ዝካየድ እዩ ብዓወት ተፈጻምነት ክረክብ ዝኽእል። ስለዝኾነ ከኣ ንናይ ዋዕላ ዘድሊ ሰነዳት ኣብ ምውዳድን ምቕራብን ኣስተዋጽኦ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ናይ ምልዕዓልን ዜናዊ ስራሓትን ኣብ ምስልሳል’ውን ኩሉ በብዓቕሙ ግዲኡ ክገብር ኣለዎ። ኣብ ቁጠባ’ውን እንተኾነ ነቲ ዋዕላ ዘድሊ ፋይናንሳዊ ደገፋት ካብ ህዝብን ፈተውትን ክርከብ ጻዕርታት ምግባር የድሊ። ነዚ ከኣ ጥዑይ ናይ ህዝባዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ምግባርን ኣድላዪ ደገፋት ምርግጋጽን ይሓትት።

VII. ህዝባዊ ደገፋት ንመንርግጋጽ ከይተወደብካ ክዕወት ስለዘይከኣል፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታትን ዞባታትን ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣካላትን ዞባታትን ጨናፍራትን ካልኦት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣካላትን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ወዘተ ዝርከብዎ ከከም ከባብን ኩነታትን ዝፈቐዶ ናይ ሓባር ኮሚቴታት ምውዳብን ብሓደ ኣንፈት ነዞም ብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምዕዋት ዝተወሃሃደ ምንቅስቓስ ምግባርን የድሊ።  ስለዝኾነ ከኣ እዚ መደብ’ዚ ኣብ ምፍጻሙ ኩሎም ናይ ሓባር ተበግሶ ወሲዶም ኣብ ምርግጋጹ ክረባረቡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጸዋዒታ ተመሓላልፍ።

VIII. ከም ዝተሓበረና ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከም ሓደ ጥርኑፍ ግንባር መጠን ኣብ ምውዳድ ናይዚ ሰፊሕ ዋዕላ ናቱ ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ እዩ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ንምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ዕዙዝ ግዲኡ ክጻወት ምእንቲ፡ ቅድሚ ምግባእ ዋዕላ እኹል ግዜ ኣብ ዘለዎ ወቕቲ ኣቐዲሙ ኩሎም ሓሳባቱ ከቕርብን ከወሃህድን ተኸታታሊ ኣኼባታት ናይ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ማእከላይ መሪሕነትን ከካይድ’ዩ።

IX. ነዚ መደባት’ዚ ንምዕዋት ይኹን፡ ካልኦት ኣገደስቲ ብሸነኽ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክመሓላለፉ ዘለዎም መልእኽታት በብግዚኡ ኣብ ዝህልዉሉ እናስዓብናኩም ሃናጺ ሓሳባትኩም እናተቐበልናን ክንከይድ ኢና። ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ህዝብና እምነ-ኩርናዕ ናይ ሓድነት ኮይኑ ብሓልዮት ናይ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ጥራሕ ከም ዝዕወት ስለእንኣምን፡ ሓገዝኩምን ምኽርኹምን ከይፍለየና ለበዋና ነቕርብ።

ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብናይ ሓባር ቃልሲ ክዕወት!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ


ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብእብረ ብጒዳይ ዋዕላ እንታይ ይብል ኣሎ?

Filed under: Media — eritrearealclearpolitics @ 8:44 am

መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጒዳይ ዋዕላ

Last Updated on Thursday, 22 April 2010 05:01 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Thursday, 22 April 2010 01:37

መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 19 ሚያዝያ 2010 ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ፡..

 ነቲ ኣካታዒ ኰይኑ ዝቐነየን ዘሎን ምስንዳኣት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ኣጀንዳ ብምውሳድ፡ ንዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣጽኒዑ ኣድላይ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

ከም ዝፍለጥ፡ ካብ ከባቢ 20 የካቲት 2010 ጀሚሩ፡ ሰለስተ ኣባላት ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ሓባራዊ ቃልስታት ደንበ ተቓውሞ ንምኽዕባትን፡ ኣብ ዝለዓለ ህላዌ ንምስግጋሩን ዝዓለመ ዘተን ምይይጥን ምስ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)፡ ከምኡ ኸኣ ምስ  መሪሕነታት መሓዙት ውድባት፡ ብቐጻሊ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ከካይድ ጸኒሑ።

እቲ ብልኡኽና ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዘብርሆ እውን፡ ብዕለት 17ን 18ን ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ መሪሕነታዊ ኣኼባታት 11 ኣባላት ውድባት ኤዲኪ፡  ንዋዕላ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ኣረዳድኣን፡ ንምዕዋቱ ክግበር ዝግብኦ ቅድመ-ምድላዋትን ብሰፊሑ ተገሊጹ። ኣብ ኣኼባ ኪዳን ብሩህ ከም እተገብረ፡ ዝዀነ ዋዕላ ይኹን ፓለቲካዊ ውራይ፡ ዕዉት ኰይኑ ምእንቲ ክወጽእ፡

  • እቲ ቅድሚ ምግባኡ ዝግበር ዕቱብ ምድላዋት፤
  • ሓባራዊ ተረድኦን ምትእምማንን ምጥራይ፤
  • ብጒዳይ ዓበይቲ ዛዕባታት ብደረጃ ግዱሳት ውድባት ኣብ ምርድዳእ ምብጻሕ፤
  • ናይ ኲሎም ጒዳዩ ዝምልከቶም ሸነኻት ግሉጽን ፍትሓውን ተሳትፎ ወይ ውክልና ምርግጋጽ ወዘተ..ካብቲ ኣዝዩ ኣድላይ ቅድመ-ባይታ ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን።


ህዝብና ይኹን መሓዙት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ካብ’ቲ ዘሎናዮ ድኹም ህላዌ ዘውጽእ ዋዕላ ክንገብር ከም ዝጽበዩ ብሩህ ኰይኑ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ብሃወኽ እንገብሮ ዋዕላ፡ ንባህግታት ህዝብናን ፈተውትናን ዘርዊ ውጽኢት ክህልዎ ከምዘይክእልን፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ንድሕሪት ዝጐትት ከይከውን ስግኣት ከም ዘሎና ልኡኽና ብሰፊሑ ገሊጹዎ።

ኰይኑ ግን ብዕለት 18 ሚያዝያ ኣብ እተደምደመ ኣኼባ ኤዲኪ፡ እቲ ኹሉ ብሸነኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ትዕዝብታትን ስኽፍታታትን ኣወንታዊ መልሲ ኣይረኸበን። ብኣንጻሩ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ አሰናዳኢት ሽማግለ ብክልተ ሰባት ክውከል ዝብል ዘይጠለብናዮን ሕጋዊ ዘይኮነን መልሲ ተዋሂቡዎ። እቲ  ቅድሚ ዋዕላ ክማላእ ዝግብኦ ብዝርዝር ዝቐረበ ኣገዳሲ ናይ ዓወት ረቛሒታትን ስኽፍታታትን፤ ከምኡ ኸኣ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምልከት፡ ሕጋዊ ግህሰታት ይኹን፣ ንኣሰታትፋ በርገሳዊ ማሕበራትን ህዝብን ብዝምልከት እተራእየ ሕጽረታት፡ ጌና ፍታሕ ከይተገብረሉ ተወንዚፉ ኣሎ።

ካብዚ ብምንቃል፡ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ዕዉት ዋዕላ ንምግባር ክማላእ ዝግብኦ ቅድመ-ተደላዪ ዕማማት ክሳዕ ብህዱእ ኣቀራርባ ዝዝተየሉን ኣዓዋቲ ምምሕያሻት ዝግበረሉን፡ ሰልፍና ኣብቲ ንዋዕላ ዝምልከት መደባት፡ ክካፈል ከምዘይክእል ወሲኑ። ኣብ ዝተረፈ ዜናውን፡ ህዝባውን፡ ዲፕሎማሲያውን ገንዘባውን ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታትን ኤዲኪ ብምሉእ ተሳታፍነት ክቕጽል ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ።


ነቲ ብልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሪሕነታት ኣባል ውድባት ኤዲኪ ዝቐረበ መግለጺ፡ ንኣፍልጦ ህዝቢ ክኸውን ኣብዚ ብሓጺሩ ነቕርቦ ኣሎና፡፡

 ኣረዳድኣና ንሽግራት ኤዲኪን ኣፈታትሕኦምን፡

ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢን

  1. ጸገማት ደምበ ተቓውሞን/ኤዲኪን ኣፈታትሕኦምን፡
  2. ኣረዳድኣ ሰዲህኤ ንዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፣
    • ተሳተፍቲን ኣገባብ ተሳትፎን፡
    • ዕማማት ዋዕላ፣
    • ትጽቢታት ሰዲህኤ ካብ ዋዕላ፣


ጸገማት ደምበ ተቓውሞን/ኤዲኪን ኣገባብ ኣፈታትሕኦምን

ብዛዕባ ደምበ ኤርትራዊ ተቓውሞ ብሓፈሻን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብፍላይን ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ፡ ሽግር ደምበ ተቓውሞን ኣባላት ኤዲኪን እንታይ ኢዩ? ካብ እንታይ ዝመንጨወኸ ኢዩ? ንምፍትሑ እንታይ ኣገባብ ምኽታል የድሊ? … ወዘተ፡ ብዝብሉ ተወሰኽቲ ሕቶታት ኢዩ ዝስነ። ይእመነሉ ኣይእመነሉ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ እግድሰንን እፈልጦን ኢየ ዝብል ሰብ፡ ግዜ ከይወሰደ ካብ ዝህቦ መልሲታት ሓደ፡ “ስእነት ሓድሕዳዊ ምትእምማን” ዝብል ኢዩ።

ነቲ ካልኣይ፡ “ምንጪ ስእነት ሓድሕዳዊ ምትእምማንከ እንታይ ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ድማ፡- 

  • ብቅንዕናን ግሉጽነትን ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ካብ ዘይምዝርራብ።
  • ዝፈላልዩን ዘሰማምዑን ጉዳያት ዘይምልላይ፣
  • ንዝፈላልዩ ኣወንዚፍካ፡ ብዘሰማምዑ ሓቢርካ ክትሰርሕ ዘይምፍታን ወይ ዘይምድላይን፡ ንትፈላለየሎም ጉዳያት ቅድም ኣወንዚፍካ፡ ኣብ ቀጻሊ ንምፍትሖምን ምጽባቦምን ዓቲብካ ዘይምስራሕ፣ ዝብሉ መልሲታት ገለ ካብቶም ዝወሃቡ ኢዮም።

ገና፡ ኣብ ጣውላ ኮፍ ብምባል፡ ንደምበ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሓይሊታት ዝፈላልዩን ዘሰማምዑን ጉዳያት ንምልላይ ዝተገብረ ፈተነታት የለን። ብወገን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም መበገሲ ኮይኖም ክዝተየሎም ካብ ዝኽእሉ ሕቶታት ተባሂሎም ነዞም ዝስዕቡ ምዝካር ይከኣል፡-

  1. እቶም ኣብ መንጎ ኤህም፡ ሰዲኤን፡ ሰህኤን፡ ክዉን ኮይኑ ንዘሎ ሓድነት ንምርግጋጽ  ዝተመያየጡሎምን ዝፈትሑዎምን ጉዳያት ክዝከሩ ይከኣል። ከምቲ ናይ ሰለስቲኡ ሰልፊታትና ነበር፡ ናብ ፖለቲካዊን ኣካላዊን ሓድነት ንምብጻሕ ዝዓለመ ዘይኮነስ፡ ብዝተሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሓቢርካ ምስራሕ ዘኽእል፡ ሓደ መድረኽን ሓደ ሃገራዊ ጽላል ውድብን ንምፍጣር።
  2. ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ኤርትራዊ ተቓውሞ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ፈላለይቲ መሲሎም፡ ኣብ ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታ መዓልታዊ ዝልጠፉ ዘለዉ ሕቶታት፡ ክዝረበሎምን ፍታሕ ኪረኽቡ ካብ ዝግባእን ኢዮም። 
  3. ገለ ካብኦም ንምዝካር፡ ሕቶ ዋዕላ፡ ኪግበር ዘለዎ ምቅርራባት፡ መን ይሳተፎን ብከመይ ኣገባብን፡ ተራን ኣበርክቶን ተሳተፍቲን፣
  4. ጉዳይ “ዕርቂ” ኣብ መንጎ ክልተ ሰዓብቲ ሃይማኖታት፡ ባህሊታት፡ ታሪኽ፡ …ወዘተ፣
  5. ሕቶ ብሄርን መሰላት ብሄርን  ኣብ ኤርትራ።
  6. ሕቶ ካብ ከበሳታት ኤርትራ ናብ ምዕራባዊ ቆላታት ብምውራድ ሓድሽ ሰፈራታት ምምስራትን፡ ሕቶ ዋንነትን ኣጠቓቕማን መሬት ብሓፈሻን።


ኣረዳድኣ ሰዲህኤ ንዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ሰዲህኤ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፣ ተሳተፍቱን ኣገባብ ተሳትፎን፡ ዕማማቱ፡ ትጽቢታት ውጽኢቱ፡ … ወዘተ፡  ንዝብሉ ኣርእስቲታት ኣልዒሉ ክዛረበሎም ከሎ፡ ከም ርዱእ መበገሲን መተኣማመኒ ንዓወቱን ጌሩ ዝወስዶ ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ድማ፡-

  • ዋዕላ፡ ብተበግሶን ናባይነትን (initiative and sponsorship) ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኪጋባእ ምዃኑ ከም ርዱእን ኣማራጺ ዘይብሉን ብምውሳድ፡
  • ኤዲኪ፡ ኣቐዲሙ፡ ሕዱር ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማን ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዝኾኑ ውድባት ፈቲሑ ክወስዶ ዘለዎ ተበግሶ ምዃኑ ብምእማን፡
  • ተራ ኤዲኪ ኣብ መስርሕ ኣከያይዳ ዋዕላን፡ ኩነታት ኤዲኪ ድሕሪ ዋዕላን፡ እንታይን ከመይን ኪኸውን ኣለዎ ንዝብል ሕቶ፡ ሓባራዊ ናይ ኣባላቱ መረዳእታ ኣረጋጊጹ ዝኣትዎ፡ 
  • ኣብ ምድላው፡ መስርሕ ኣከያይዳን፡ ውጽኢትን ዋዕላ፡ ናይ ሓባር እምነትን ኣጀንዳን ሒዙ ዝዕድሞን ዝኣትዎን።


ኤዲኪ፡ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ኣብ ዘለዉን ካልኦት ዘመሳሰሉዎምን ኣርእስቲታት፡ ብዕምቆት ዘትዩን፡ ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዝኾኑ ሰልፊታት/ውድባት ቀያዲ ኣብ ዝኾኑ ስምምዓት በጺሑን፡ ክዕድሞ ዘለዎ ዋዕላ ኪኸውን ይግባእ። ኣብ ምዕዳሙን ናብዮቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ኣከያይድኡ ይኹን ውጽኢቱ፡ ኤዲኪ፡ ወሳኒን መርሕነታዊን ተራ ክጻወት ታሪኻዊ ግዴታን ሓላፍነትን ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስ ኢዩ። 

ስለዚ፡ ኤዲኪ፡ ኣብ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ተሳተፍቱን ኣገባብ ተስትፎን፡ ዕማም ዋዕላን ውጽኢቱን፡ ዘለዎ መረዳእታን ትጽቢትን ኣብዘን ዝስዕባ ነጥቢታት ኪጽሞቕ ይከኣል፡-

ሀ. ተሳተፍቱን ኣገባብ ተሳትፎን፡

  • ብሓፈሻ፡ ኩሉ ወጻኢ ካብ ሃገር ዝርከብ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝቃወም፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለስ፡ ኤርትራዊ ተወኪሉ ዝሳተፈሉ ይኸውን።
  • ብዝተኻእለ መጠን፡ ርትዓዊ ተሳታፍነት ዘረጋግጽን፡ ኣበርክቶ ኤርትራውያን ዝዕድምን ዘረጋግጽን ቅጥዒ/ኣገባብ ኪወጸሉ።
  • ናይ ዝበዝሐ ኣብ ወጻኢ ዝርከብን ተቓዋሚ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነን ኤርትራዊ ተሳትፎ ኣብ ዋዕላ፡ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲን ኣበርክቶን፡ ናይ ይብጽሓንን ዋንነትን (sense of belonging and ownership) ስምዒት ኣሕዲሩ: ዝህልዎ ተሳትፎን ኣበርክቶን ዘሐይል ኢዩ።  


ለ. ዕማማት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡

  • ኣቐዲሙ ብስምምዕ ኣባላት ውድባት ተነዲፉ ብመገዲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዝቐርብ ሰነዳት፡ ብዝተረፉ ካልኦት ኣባላት ዋዕላ፡ ዝውሰኽ ተወሲኹዎ ወይ ዝጎድል ጎዲሉዎ፡ የጽድቕ።
  • ቅድመ-ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝህሉ መድረኽ፡ ንደምበ ኤርትራዊ ተቓውሞ ዝመርሑን ስርሓቱ ዘወሃህዱን ኣካላት ኣመራርሓ የቕውም/ይመርጽ።
  • ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ሓፈሻዊ መምርሒ ስራሕን መወከሲን ኮይኑ ዘገልግል ናይ ትግባረ ስራሕ ስትራተጂ (action plan strategy) ይሕንጽጽ።


ሐ. ትጽቢታት ሰዲህኤ ካብ ዋዕላን፡ መጻኢ ኤዲኪን።

  • ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ሰጢሙ፡ ተቐባልነቱ ብህዝቢ ተረጋጊጹ፡ ኣድማዕን መርሕነታውን ተራ ክጻወት ዘኽእሎ ብቕዓት ክውንን፤
  • ደምበ ተቓውሞ ብሓባር ዝጥቀመሉ፡ ብልፍንቲ ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ማሕበራውያን ጉጅለታት፡ …ወዘተ፡ ዝቖመ፡ ብዝተሓተ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝምእዘዝ፡ ሰፊሕ ኤርትራዊ ጽላል ውድብ ኪቐውም፤
  • ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ንዝካየድ ቃልሲ ዝመርሕን ዘወሃህድን መርሕነት፡ ብመትከል፡ ካብ ኩሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝኾኑ ውድባት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ማሕበራውያን ጉጅለታትን፡ …. ወዘተ፡ ኪቐውም። ይኹን’ምበር፡ ክንዲ ስማዊ፡ ኣድማዒ ኪኸውንን ጽቕጥቅጥ ንምውጋድን ዘኽእል መለክዒታት ኣባልነት ምጥቃም ኣገዳሲ ኢዩ።



ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ናይ ቀረባ ጊዜ ዓንቃፊ ተረኽቦታት

Last Updated on Tuesday, 20 April 2010 12:58 Written by መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፤ Tuesday, 20 April 2010 12:55

ምሕዝነታት ኤርትራ ካብ ተስዓታት ዝጀመረ ምዃኑ ካብ ህዝብና ዝፈልጦ ውሑድ ኢዩ። እቲ  ዝያዳ ዝዝረበሉ ሃገራዊ ጽላል፡ እቲ ብ1999 ዝቖመ ምሕዝነት ኢዩ። ነዚ 11 ዓመት ዝዕድሜኡ ምሕዝነት (ሎሚ ብኪዳን ዝፍለጥ) ካብ ዝቖመሉ ኣትሒዘ ብመሪሕነታዊ ደረጃ ስለ እተኸታተልኩዎን ስለ ዝፈልጦን፡ ብዙሕ ዝብሃል ነይሩኒ። ነቲ ናይ ቅድሚ ገለ ዓመታት ታሪኽ ንግዚኡ ኣወንዚፈ ግን፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ካብ እተዓዘብኩዎ ድኽመታት “ምሕዝነታዊ ኣሰራርሓና” ሰንኮፍ ምንባሩን ምዃኑን ዝሕብር ነጥብታት ምእንቲ ኣፍልጦ ህዝቢ ኢለ ክጠቓቕስ ደልየ። ነዚ ንምግባር ዘገደደኒ ከኣ ብላዕለዋይ መሪሕነታዊ ደረጃ ኪዳንን፡ ብኣባልት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝፍለጡ ኣሕዋትን፡ ብጽሑፋትን፡ብራድዮን ብፓልቶካትን ዝዝረብ፡ ክእረም ዝግብኦ ብሂላትን ኣቀራርባን ስለ እተዓዘብኩ ኣየ። እቲ ሓሓሊፈ ዝጠቓቕሶ ሓቅታት ከኣ ህልዊ ኣሰራርሓና ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣንባቢ ኣይስሕቶን። ክእረም ምእንቲ ከኣ ብህዝብና ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ብሻራነት ወይ ብቲፎዝነት ውድባት ከይርኤና፡ ነቲ ጌጋታትና መዚንና ክንእርሞ ንጥቕምና ኢዩ። እንተዘየሎ፡ ከም ሕሉፍ ታሪኽ ኪዳን፡ ኣብ ዕንክሊል ምንባርና ኢዩ። በዚ ኣተሓሕዛና ከኣ ኣብ ሃገራዊ ጽላል ኮነ ኣብ ውድባት ህዝቢ ከንዕስል ኣይክንበቕዕን ኢና።

 ዘይምትእምማንን ዝደጋገም ቅልውላዋት ኪዳንን፤

ኣብ ጉዕዞ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ዘይምትእምማን ነባሪ ሕማም ኰይኑ ቀጺሉ ነይሩን ኣሎን። እዚ ከኣ ቅርጻ ኣወዳድባን ኣወኻኽላን ምሕዝነታት ኤርትራ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ምልኣት ስለዘይብሉ ኢዩ። እዘን ሕጂ ዘሎዋ ውድባት ኤዲኪ ወላ ኣብ ኩሉ ነገራት ተሰማሚዕና ኣሎና ኣብ ዝበላሉ ጊዜ እውን፡ ብዘይተጸበይኦ ጸገማት ኣብ ቅልውላው ክኣትዋ ይርኣያ። ንኣብነት፡

1.  ቅልውላዋት ብጒዳይ መሪሕነት፡ እቲ ኣብ ጉባኤ የካቲት 2007 ዘጋጠመ ቅልውላው እተጸበናዮ ኣይነበረን። ቀጺሉ’ውን፡ ነቲ ናብ ክልተ ተገሚዑ ዝነበረ ሸነኻት ኤዲኪ ንምቅርራብ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ዘተ ተገይሩ። ናብ ሓድነታዊ ጉባኤ ንምብጻሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቈይማ፡ ምስታ ብክልተ ሰባት ዝቖመት ኣወሃሃዲት ኣካል (ማለት፡ ብመንግስታኣብ ኣስመሮምን፡ ሑሰን ኸሊፋን) ብምትሕብባር፡ ነቲ ካብ ውድባት ዝቀረበ ወረቃቕትን ርእይቶታትን ድሕሪ ምጽፋፋ ንድፍታት ተዳልዩ። ክፈላልዩ ዝኽእሉ ነጥብታት ተዘትዩሎም፡ ብናይ ሓባር ምርድዳእ ናብ ጉባኤ 2008 ተኣትዩ። ናይ ኣጀንዳታት ክትዕ ኣብ ሓጺር እዋን ተወዲኡ ኣብ መሪሕነት ምቋም ምስ ተበጽሐ ውሑድ ውድባት ኤዲኪ፡ ነቲ እዉጅ ዝነበረ እሞ ተወዳዳሪ ዘይነበሮ፡  ሕጹይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ንኣቦ ወንበርነት ኤዲኪ ክመጽእ የብሉን ዝብል ደረቅ መርገጽ ናብ ዳግም ቅልውላው ገጹ ደፊኡ። ሰውራዊ ባይቶ ካብ 2001 ንድሓር ነቲ ሃገራዊ ጽላል ናይ ምምራሕ ጊደ ተነፊጉዎ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እንደገና ብ2008 ሕድገታት ክገብር ተገዲዱ። በዚ ምኽንያት እውን እቲ ክፍወስ ጀሚሩ ዝነበረ ቊስሊ ከይተበገስና ተጐዲኡ፣ ምትእምማን ናይ ምፍጣር መንፈስ እውን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ።

2.  ውሽጣዊ ስኒት ኪዳን ከይዓቢ፡ ምትዂታዃት ቀጻሊ ነይሩ። ኣንጻር ኣባል ውድባት ንዝግበር ጌጋታት ዓገብ ዝብል ኣካል ኣይነበረን፡ የለን ከኣ። ኣንጻር ኣባል ውድባት ዝግበር ጌጋታትን ግህሰታትን፡ በቲ መሪሕነት ኪዳን ዝግበር ወይ ብኡ ቅቡል ኰይኑ ስለዝርኤ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ኪዳን ሻራዊ ምትህልላኽን ጸለመታትን ቀጻሊ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ነቲ ብሕቡእን ብቅሉዕን ዝካየድ ናይ ብርዒ ውግእ እኳ ጠጠው ከብሎ ዝኽእል ተሳኢኑ። ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ጊዜ ጸለመታት ናብ ፍሉያት  ሰልፍታት ዘቕንዐ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ ውሽጢ 2009 ጥራይ ኣንጻር እተን ንሓድነት ዝጒዓዛ ዘነበራ ሰልፍታት ዘቕንዐ ጸለመ (እሞ ኣብ ዕላዊ ኣኼባታትን፡ ፈስቲቫላትን፡ ወብሳይታትን ዝስማዕን ዝርኤን ዝነበረ ወፍሪ) ኣስደማሚ ነይሩ። ከም ውልቀ ሰባት ኮነ ከም ውድብ፡ ልቢ ነዕቢ እናተባህለ ንነዊህ ጊዘ መልሲ መብርሂ ይኹን መልሲ ከይተዋህበ ቀጺሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቀዳማይ ምኒስትር ኢትዮጵያ ከይተረፈ ተዓዚቡዎስ፡ ንመሪሕነታት ውድባት ኪዳን “እዚ ጒዳይዚ የኽፍኣልኩም ኣሎ፤ ኣንጻር ህግደፍ ንዝቃለሱ ብጾትኩም፡ ህግደፍ ክትብሉን ከተብሉን ዝቡቕ ኣይኮነን፤ ንመቓልስትኹም ተርሕቑ ስለምንታይ?” ዝበሎም ጊዜ ነይሩ።

3.  እቲ ኣንጻር ዝሰምራ ዝነበራ ውድባት ዝግበር ዝነበረ ጸለመታት ደረቱ የሓልፍ ስለዝነበረ፡ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት (ብወርሒ ጥሪ 2009) ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ ጸለመታት ንኲላትና ሃሳይ ስለ ዝኾነ ጠጠው ከነብሎ ጻዕርታት ከነካይድ ኣሎና ኢሉ ከም ኣጀንዳ ሓሳብ ኣቕሪቡ። እንተኾነ ግን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ነዚ ዕሸሽ ኢሉ ሓሊፉዎ። እዚ ቅድሚ 15 ወርሒ ማለት ኢዩ!!

4.  እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ  ኣሉታዊ ምዕብልናታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ መጺኡ። ንኣብነት ፡-

  • ሕንፍሽፍሽ ኣብ ጨንፈር ኤዲኪ ኣውስትራልያ፡በሺር ይስሓቕ ንኪዳን ወኪሉ ብግንቦት-ሰነ 2009 ናብ ኣውስትራልያ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ጊዜ፡ ነቶም ቀንዲ ተሓባበርቱን ተቀበልቱን ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራስን ኤርትራ ከምኡ እውን ኣቦ ወንበር ጨንፈር ኤዲኪ ኣብ ሚልቦርን ከም ዓንቀፍቲ ቆጺሩ ናይ ጸለመ ጸብጻብ ብምቕራቡ ኣካታዒ ጉዳይ ኮይኑ፤ ክሳብ ኣብ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ተዘሪቡሉስ፡ ክምርመርን ክጻረን እውን ውሳነ ተበጺሑ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ግን ነዚ ብባይቶ እተዋህቦ ሓላፍነት፡ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ኣይገበረሉን። ጨንፈር መልቦርን ኣብ ክልተ ተመቂሉ ተሪፉ።
  • ብሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ንዎርክሾፕ ኪዳን ዝተዳለወ ወረቀት  ቅድሚ እቲ ዎርክሾፕ ምጅማሩ ነቶም ኣንጻር ሰልፍታትና ዝጽሕፉ ተመሓላሊፊስ፡ “ነዚ ወረቐት’ዚ ፎእ በልዎ” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ኢንተርነት ወጺኡ። ኣቦ መንበር ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዎርክሾፕ ዝነበረ በሺር፡ እቲ ወረቐት ናባኻ’ዩ ተላኢኹ፡ መን ናብ ኢንተርነት ኣመሓላሊፍዎ ምስ ተባህለ “ኣነ ኣይፈልጥኩን” ብምባል ብኣሉታ መሊሹ። ስለምንታይ ትብሃል ኣሎኻ? ዝብሎ ስልጣን ኣይነበረን። እቶም መጒዳእቲ እተሰምዖም ሰልፍታት ዝገብርዎ ጠፊእዎም ስቕ መሪጾም።
  • ኮንፈረንስ ብሩክሰል፡ ኣብ ኮንፈረንስ ብሩክሰል ኤዲኪ ክዕደም ብመትከል ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዘይንፈላለየሉ ጉዳይ ነይሩ። እንተኾነ ምስታፍ ኤዲኪ ይኹን ካልኦት ውድባት ኣብ ኢድና ከም ዘይኮነ እናተፈልጠ፡ ኣብ ልዕሊ ተዓዲመን ዝነበራ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ኣብ ልዕሊ ዓደምትን ተዓደምትን ወጻእተኛታትን፡ ብዕላዊ ደብዳቤ ከምኡ ኸኣ፡ ብሬድዮን ተለቪዥንን ብቃለ-መጠይቅን ኣቢሎም መሪሕነት ኪዳን እዚ ዘይበሃል ውንጀላን ክስታትን  ኣካይዶም። ብደረጃ ኪዳን እሞ መን ዓገብ ክብሎም። ኣብቲ እተዓደምናሉ ኮንፈረንስ ስለ እተኻፈልና ጥራይ፡ ብዛዕባ ብሩሰልስ ዜናዊ ንጥፈታትና ብናይ ኪዳን መሳርሒታት ዜና ከይቃላሕ ተኣጊዱ። ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ብተለቪጅን ኪዳን፡ ብዛዕባ እቲ ዕዉት ዝኾነ ውጽኢታት ኮንፈረንስ ብሩክሰል ከመሓላልፍ ዝሓተቶ ዕላዊ ጠለብ ከምዘይፍቀደሉ ብጽሑፍ ተመሊሱሉ።

 5.  እቲ ኮነታት ኣብ ከምዚ ደረጃ ምስ በጽሐ ነቲ ሽግራት ኮፍ ኢልና ክንዛረበሉን  ክንኣልዮን ብምሕሳብ ኣቦ መንበር ኪዳን ኣኼባ ክጽውዕ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ብጽሑፍ ሓቲቱ። እቲ ሕቶ ክሳዕ የካቲት 2010 መልሲ ከይረኸበ ጸኒሑ።

 ውሳኔ ማእከላይ መሪሕነት ኪዳንን ምቛም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላን፡

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ውሳኔ ንብጻሕ ዝርርብ ከካይድ ከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ክልተ ርእይቶታት ነይሮም። ንሳቶም ድማ፡ እቲ ሓደ ሸነኽ ዋዕላ ኣብ ሓደ ዓመት ምግባር ነዊሕ ኮይኑ ዝርኣዮ፤  እቲ ካልኣይ ርእይቶ ኸኣ ዓመት ሓጺር ኮይኑ ይረኣዮ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክግበር ዝብል ማእከላይ ሓሳብ ተወሲኑ። ዘይከኣል እንተኾይኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምግባሩ ግድን ኣይኮነን ማለት ነይሩ። ባይቶ ኣብ ክትዓቱ ኣስሚርሉ ዝነበረ’ውን እቲ ምስንዳእ ኣዓዋቲ ክኸውን ከም ዝግብኦን፡ እቲ ናይ ጊዜ ገደብ ንምስንዳእ ዋዕላ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዘይብሉን ኢዩ። ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኸኣ ነዚ ኣብ ግብሪ ከውዕል መዚዙዎ።

6.  ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ስሩዕ  ኣኼባ ናይ ወርሒ 8-2009፡ ብጒዳይ ዋዕላ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፡_

  • ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብ21 ኣባላት ክትቀውም፤ ንሳቶም ከኣ 13 ካብ ውድባት  ኪዳን፡ 8 ድማ ካብ ህዝቢ፡ ማለት ካብ ሲቪል ማሕበራት ክመጹ ተወሲኑ።
  • ነቶም ካብ ህዝቢ/ሲቪል ማሕበራት ዝመጹ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከኣ፡ ከመይ ከም ዝምረጹ እተጸንዕ ቲክኒካዊት ሽማግለ ኣቚሙ፤ ንሳቶም ድማ፡

ሀ) ሓጅ ዓብደልኑር – ኣቦ መንበራ።

ለ) ቀርነልዮስ ዑስማን – ኣባል

ሐ) በሺር ይስሓቕ – ኣባል።

 7.  ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ከኣ፡ ብጒዳይ ዋዕላ ካብ ሓምለ ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ወላ ሓንቲ ከምዘይተገብረ ብሩህ ክኸውን ኣሎዎ።

–    እዛ ኣብ ላዕሊ እተሓበረት ተክኒካዊት ሽማግለ ርክባ ምስ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክኸውን ወይ ጸብጻባ ናብ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከተቀርብ ተወሲኑ።

–    እታ ሽማግለ፡ ቀዳማይ ኣኼባኣ ዕለት 30-9-2009 ክትገብር ተሓሲቡ ነይሩ። እንደገና ንዕለት 15-10-2009 ክግበር ተቐይሩ፡ እንተኾነ ኣይተተግበረን። ድሕሪ እዚ ሓጅ ዓብደልኑር ብስድራ ቤታዊ ጒዳይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺኡ። በሺር እውን ንውድባዊ ስርሑ ንሱዳን ከይዱ። ከምዚ ኢሉ ናይ 3 ሰባት ተክኒካዊት ሽማግለ ስራሕ ብፍጹም ተረሲዑ ተሪፉ።

–    ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ምፍንጫል ምስ ኣጋጠመ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ንምርኣይ ህጹጽ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንዕለት 5-12-2009 ክግበር ተወሲኑ። እዚ ኣኼባ እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይጒተት ምስ ተዓዘብኩ ንተወልደ በኣካል ረኺበ፡ እዚ ኣኼባ ካብ ዕለት 15-12-2009 ኣንተደኣ ተመሓላሊፉ ጉባኤታት ኣለና፤ ንሕና ሰለስተ ውድባት ክንሳተፎ ኣይንኽእል ኢና ኢለዮ ከብቅዕ፡ ንሓደ ካብ ስዑድያ ዝመጽእ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ምጽባይ ስለዘገደሶ፡ኮረም መሊኡ ኣንከሎ እቲ ኣኼባ ክሳኦ 19-12-2009 ደንጒዩ። ኣብቲ ዕለት’ቲ ግን ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣኼባ ባይቶ ስለ ዝነበሮ ክመጽእ ኣይከኣለን። ኣነ ግን (ሽዑ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ) ኣብታ ቀዳመይቲ ዙር ተሳቲፈ። ኣብ ጉዳይ ድሕነት ርእይቶይ ምስ ሃብኩ፡ ንምጽንባራዊ ዋዕላ ሰለስተ ውድባት ኣብ ዝምልከት ስርሔይ ከይደ። ኣብ መኽፈቲ ናይ 19-12-2009 ኣኼባ፡ ተወልደ ገብረስላሴ ድሕሪ ጉዳይ ድሕነት ካልእ ጉዳያት ክንርኢ ኢና ምስ በለ፡ ኣነ ተቓዊመ። ንሱ ድማ እዚ ንፍሉይ ጉዳይ ዝተጸወዐ ህጹጽ ኣኼባ ስለዝኾነ ካልእ ውሳኔታት ክውሰነሉ ኣይግባእን፤ እተን ናብ ሓድነት ገጸን ዝኸዳ ዘሎዋ ሰልፍታት እውን ክሳተፍኦ ኣይክእላን ብማለት ተቓዊመ። ነዚ ዕሸሽ ኢሎም ብምሕላፍ ከኣ ወከልቲ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሰልፊ ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራስን ኣብ ዘይነበሩሉ ኣኼባ ፈጻሚት ብጒዳይ ሽዑ እተነየቱሉ ዋዕላ ብዙሕ ውሳኔታት ኣመሓላሊፎም። እዚ ዝስዕብ ከኣ ይርከቦ ነይሩ፡-

  • ሓጅ ዓብደልኑር ስርሑ ወዲኡ ንኣዲስ ኣበባ ክምለስ ኣብ መንገዲ ምህላዉ እናተፈልጠ እንከሎ፡ ንዕኡ ኮነ ንሰልፉ ከይሓበሩ፡ ካብታ ተክኒካዊት ሽማግለ ኣውሪዶም ብናይ እስላማዊ ሰልፊ ወኪል ዝኾነ፡ ሽዑ ካብ ሽዑዲያ ዝተመልሰ ኣሕመድ ሰፈር ተኪኦምዎ።
  • ካብ በርጌሳዊ ማሕበራት ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምረጽ ብስቱር ይኹን ብእዉጅ ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ጸግዕነት ክህልዎ የብሉን ዝብል ውሳኔን መምርሕን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰሙን ታሕሳስ  ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኪዳን ኢዩ ተወሲኑ።
  • እዚ ውሳኔታት እዚን ምርጫ ወከልቲ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ዘይህላዌ 3 ሰልፍታትና ተገይሩ ጥራይ ዝይኮነ፡ መነ-መን ከም እተሓጽዩን እተመርጹን ከይተሓበረና ጸኒሑ።
  • መኽፈቲ ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዕለት 30 ጥሪ 2010 ክግበር፤ ድሒሩ ከኣ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ  ብዕለት 15-2-2010 ክጋባኣ ኢዩ ተባሂሉ። ብዛዕባ ምርጫ ሲቪክ ማሕበራት ንዂሎም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ኪዳን ከይተሓበረኒ ክሳዕ ፍርቂ የካቲት 2010 ጸኒሑ። ብጒዳይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንምፍላጥ ብዕለት 15-2-2010 ንተወልደ ገብረስላሴ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣይግበርን ዲዩ ኢለ ሓቲተ፣ ሕጽረት ጊዜ ከም ዘሎዎ ገሊጹለይ። ኣብ መወዳእት ከኣ ናይ ፈጻሚ ሽማግለ ኣኼባ ተባሂሉ፡ ብዕለት 17.02.2010፡ ንገለ ደቓይቕ ቅድሚ ምጅማር ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተኣኪብና። እተን ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክሓተን ዝኸኣልኩ ሕቶታት ድማ እዘን ዝስዕባ ነበራ፡-

–    ኣነ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ሲቪክ ማሕበራት ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ የብለይን፡፡ ስለምንታይ?

–    ንኤውሮጳ ክልተ ኣባላት ተወሲኖምሎም ነይሮም ተባሂሉ። ከመይ ጌይም ሕጂ ካብ ኤውሮጳ ሰለስተ ኣትዮም ኣሎዉ ዝብሃል ዘሎ?

–    ካብ ቀጠር ዝመጸ ሰብ፡ ንመን ኢዩ ወኪሉ መጺኡ ዘሎ? እቶም ካልኦትከ? ኣሜሪካኸ እንታይ ኮይኖም በዂሮም ትብሉና? ድምጸን ዝስማዕ ከም ስድሪ ዝኣመሰላ ማሕበራት ብኸመይ ተወኪለን? ወዘተ…

ነዚ ሕቶታት እዚ እተማልኤ መልሲ ከይረኸብኩሉ ግዜ ኣኺሉ ብሃታሃታ ኣብ ኣኼባ ኣስናዳኢት ሽማግለ ተሰጋጊርና። ንመጀመርያ ጊዜ እውን ብጕዳይ ከመይነት ውክልና በርገሳዊ ማሕበራት ክሓትትን በብቚሩብ ክሕበርን ጀሚረ።

ውክልና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኪዳን

ሰልፊና ካብ ምጽንባርዊ ዋዕለ ውጽእ ኢሉ፡ ጌና ስራሕ ከይጀመረ፡ ብሸነኽ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ኪዳን፡ ዓብደላ ማሕሙድ፡ ዘይተጸበናዮ ህዉኽ ጠለባት ክሰድድ ጀሚሩ። ወከልትኹም ኣብ ፈጻሚ ሽማግለን ኣብ ኣሰናዳኢ ሽማግለን መነመን ኢዮም ከኣ ተባሂሉ። እዚ ሕቶታት እዚ ንኣኼባታት ማእከላይ መሪሕነት ኪዳን ስለዝምልከት ከኣ፡ ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ኪዳን፡ ክሳዕ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ መሰጋገሪ እዋን፡ ብዝነበረና ውክልና ክንጸንሕ ከም እንኽእል ርዱእ ነይሩ። እቲ ልምዲ’ውን ከምኡ ኢዩ። (ኣብ ሰነዳት ኪዳን፡ እተጸናበረ ውድባት ድሕሪ ክንደይ ጊዜ ከም ሓደ ውድብ ከም ዝውከል ዝርዝራዊ ንጹርነት ስለዘየለ፡ ብሕሉፍ ልምዲ ወይ “ሳብቓ” ንምራሕ ኢልና። ግንባር ድሕነት ሓደ ውብድ ድሒሪ ምዃኖም ን7 ወርሒ ዝኸውን ኣብ ፈጻሚ ሽማግለን ኣሰናዳኢ ሽማግለን ከም 3 ውድባት እናተወከሉ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር ኢዩ)፡፡ ዓብደላ መሓሙድን ካልኦትን ግን ነዚ ቅኑዕ መንገዲ ክቕበሉ ኣይደለዩን። ብሕጊ ምስ ተተሓሓዝናዮም፡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ እሞ ኸኣ ኣብ ታሪኽ ኪዳን ተገይሩ ዘይፈልጥ/ብዘይንቡር ኣገባብ/ “ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ኪዳን” ንዕለት 09.03.2010 ጸዊዖም። እቲ ብዘይ ንቡር ኣገባብ ዘብለኒ ዘሎ ድማ፡ ንቡር/ሳብቓ ዘይተኸተለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ መሰል ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ዝገፍፍ ኣገባብ እውን ነይሩ። ማለት፡-

–    ኣባል ማኣከላይ መርሕነት ኣብ ኣኼባ ክሳተፍ መሰሉ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ነዚ ዕድል እዚ ዝዓጹ ናይ ጊዜ ምድራት ተገይሩ። ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ኣባላት ባይቶ ከምዘይመጹ ምግባር ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ኢዩ ነይሩ።

–    ኣብ መንጎ ሰለስተ መዓልቲ ይትረፍዶ እቶም ርሑቕ ዘለዉ ክሳተፉ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ እውን ክመጹ ኣይከኣሉን። እቶም ክመጹ ዘይክእሉ፡ ኣባላት ባይቶ ብዘይኮኑ ሰባት ቀይሮምዎም። ብወገንና ዘስደመመና ጒዳይ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ጥሕሰት ሕጋዊ ኣጸዋውዓ ኣኼባ ባይቶ እውን ሸለል ክንብል መሪጽና።

–    ድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ “ባይቶ” ኪዳን፡ ውክልና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 3 ናብ 1 ወሪዱ። ካብቲ ዘይንቡር ጒዳያት እውን እቲ ምክትል ኣቦ መንበር ኪዳን ዝነበረ ብጻይ ሓጅ ዓብደኑርን፡ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ኪዳን ናይ ህዝባዊ ጒዳያት ኣባል ዝኾንኩ ኣነን (መሓመድ ዓሊ)፡ ናይ ዓመትን ፈረቃን ንጥፈታትና ብደረጃ ጸብጻብ ናብ ባይቶ ኪዳን ከየቕረብና ጒዳይና ተዓጽዩ። ኣባልነት ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እውን ከምኡ። ሰልፍና፡ ነዚ’ውን ሸለል ንበሎ ብማለት ሓሊፍዎ።

–    ኣብቲ ናይ 17 የካቲት 2010 ኣኼባ  ኣሰናዳኢት ሽማግለ እውን ኣብ ቅድም ዝተወደኣን ዝተወደበን ኣኼባ ኢና ኣቲና። ውሽጣዊ ሕጊ ኣሰናዳኢት ክግበር ክትዕ ኣብ እተጀመረሉ፡ በሺር ኢሳቅ ኣስናዳኢት ሽማግለ ብ21 ትቀውም ኣይንበል እንታይደኣ ካብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ትቅውም ጥራይ ንበል ኢሉ ሰለስተ ሰዓት ዝኸውን ኣብዚ ነጥቢ እዚ ተኻቲዑ። እቲ ብባይቶ ኪዳን እተሓንጸጸ ውሳኔ ብድልየታቶምን ከም ድላዮምን ክቕይርዎ ተረኺቦም። ኣብ መወዳእታ 21 ንበል ግን ምልክት/ፉትኖት ጌርና ንሕለፍ ተባሂሉ (ብህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ሕጋውነት ክሳዕ ዘልብስዎ)። ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተቃዎሞና ኣመዝጊብና። እዚ ነቲ ኣንጻር ገለ ሰልፍታት ብቅሉዕ ዝስራሕ ዝነበረ ጌጋ ኣሰራርሕ ኣብሪሁ የርኢ።

–    ብጒዳይ ኣወኻኽላ በርገሳዊ ማሕበራት ዓበይቲ ሕቶታት ከለዋና፡ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምሕታትን ብምድሃብ፡ ካብቲ ኣኼባታት ኣሰናዳኢት ምስሓብ ጊዜ ከም ዝወስድ ርኢና። መሪሕነት ሰልፊ’ውን ኣጽኒዑ ክጻዕ ዝበጽሖ ጊዜ ከምዘድልዮ ርዱእ ነይሩ። ክሳዕ ብሩህ ስእሊ ዝርከብ ከኣ ኣብቲ ኣኼባታት ኣሰናዳኢት ክንቅጽል ግድን ነይሩ።

–    ካልእ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ክትዕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ዋዕላ ዝግበረሉ ጊዜ ምውሳን ነይሩ። ኣብ ውሽጥና ክልተ ርእይቶ ነይሩ። እቲ ሓደ ኣብ ታሕሳስ 2010 ይገበር ዝብል ንሕና ዝነበርናዮ ዓብላሊ ደገፍ ዝነበሮ  ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ሸነክ ድማ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዝብል ነይሩ። ብድምጺ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 2010 ክግበር ተወሲኑ ተደምዲሙ። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ግን፡ ብዓል በሺር ብደገፍትና ተደዊሉልና፡  “ንሕና ኣብ ታሕሳስ ኣይንምውሎን ኢና ኢሎምና” ብማለት ነቲ ኣብ ሓምለ ይገበር ዝብል ርእይትኦም ዳግም ኣቕሪቡ። እንደገና ዳርጋ ክልተ መዓልቲ ኣካቲዑና፤ ድምጺ ተዋሂቡዎ፡ ክልተ ሲሶ ስለዘይረኸበ ወዲቑ። እንደገና፡ ጌጋ ውጺት ኣዊጅና ብዝብል ምኽኒት ካልኣይ ግዜ ኣድሚጾም ክልተ ሲሶ ከምዝረክብ ጌሮም!!! ነዚ ኣገባብ እዚ ተጻሪርና ተቃወሞና ኣመዝጊብና። ካልእ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣይነበረን። ደጊመ ክብሎ ዝደሊ፡ ነቶም ካብ በርገሳዊ ማሕበራት መጺኦም ዝተባህሉ ፈሊጥናን ኣጽኒዕናን እንተንነብር፡ እቶም ኣብ ኣወኻኽልኦም ምልክት ሕቶ ዘሎዎም መጽናዕቲ ይገበረሎም ምበልና፤ ካብ ኣኼባ እውን ክንበኲር ምተገደድና። ብወገንና ኮነ ብወገን መሪሕነት ሰልፊን፡ ጌና ብርግጽ ዝበጻሕናዮ  ጭብጢ ኣይነበረን። እዚ ካብቲ ሕጋዊ ጒድለታት መሪሕነት ኪዳን ኢዩ። ክሕተቱሉ ከኣ ይግባእ ነይሩ። ጌጋታት ሸለል ምባል ደረት ክግበረሉ ምተገብኤ። ደጊመ ክብሎ ዝደሊ፡ ካብ ጌጋታትና እንተዘይተማሂርና ኣብ ሕንፍሽፍሻት ክንነብር ኢና።

April 19, 2010

Obama freezes assets of Eritrea’s Presidential advisor and Somalia militants

Filed under: News — eritrearealclearpolitics @ 8:03 am

Obama freezes assets of Eritrea’s Presidential advisor and

Somalia militants

Published 04/17/2010 – 11:45 a.m. GMT

Eritrea’s top Presidential advisor Yemane Ghebreab and several reknowned

Somalia insurgent leaders, including Sheikh Hassan Dahir Aweys and Sheikh

Al-Turki, were the targets of US President Barack Obama’s latest executive


Obama said the alleged terrorists and their financers were “contributing to the

conflict in Somalia” and posed an “extraordinary threat to the national security

and foreign policy of the United States.” Sheikh Aweys is the leader of Hizbul

Islam insurgent group that is currently fighting the Somalia transitional

government and AU forces. Ogaden born Sheikh Al-Turki was one of the

leaders of Al-Itihaad al-Islamiya (AIAI), alongside Aweys, which wanted to

annex the Ogaden region of Ethiopia and incorporate it into “Greater Somalia.”

Both participated in the unsuccessful 1977 invasion of Ethiopia.

Yemane Ghebreab is the Head of the Political Affairs of People’s Front For Democracy and Justice (PFDJ), Eritrea’s ruling

party led by President Isaias Afewerki. Yemane has been Afewerki’s most trusted ally, often leading PFDJ delegates around

the world. Last month, an Eritrean news website “Asmarino” reported that Eritrea has allegedly replaced Yemane Ghebreab

with PFDJ Diaspora leader Sophia Tesfamariam since the US sanctions prohibited Yemane from traveling to the West.

Executive Order 13536 of April 12, 2010

Blocking Property of Certain Persons Contributing to the Conflict in Somalia

By the authority vested in me as President by the Constitution and the laws of the United States of America, including the

International Emergency Economic Powers Act (50 U.S.C. 1701 et seq.) (IEEPA), the National Emergencies Act (50 U.S.C.

1601 et seq.) (NEA), section 5 of the United Nations Participation Act, as amended (22 U.S.C. 287c) (UNPA), and section 301

of title 3, United States Code,

I, BARACK OBAMA, President of the United States of America, find that the deterioration of the security situation and the

persistence of violence in Somalia, and acts of piracy and armed robbery at sea off the coast of Somalia, which have

repeatedly been the subject of United Nations Security Council resolutions (including Resolution 1844 of November 20, 2008;

Resolution 1846 of December 2, 2008; Resolution 1851 of December 16, 2008; and Resolution 1897 of November 30, 2009),

and iolations of the arms embargo imposed by the United Nations Security Council in Resolution 733 of January 23, 1992, and

elaborated upon and amended by subsequent resolutions (including Resolution 1356 of June 19, 2001; Resolution 1725 of

December 6, 2006; Resolution 1744 of February 20, 2007; Resolution 1772 of August 20, 2007; Resolution 1816 of June 2,

2008; and Resolution 1872 of May 26, 2009), constitute an unusual and extraordinary threat to the national security and foreign

policy of the United States, and I hereby declare a national emergency to deal with that threat.

I hereby order:

Section 1. (a) All property and interests in property that are in the United States, that hereafter come within the United States,

or that are or hereafter come within the

possession or control of any United States person, including any overseas branch, of the following persons are blocked and

may not be transferred, paid, exported, withdrawn, or otherwise dealt in:

(i) the persons listed in the Annex to this order;


(ii) any person determined by the Secretary of the Treasury, in consultation with the Secretary of State:

(A) to have engaged in acts that directly or indirectly threaten the peace, security, or stability of Somalia, including but not

limited to:

(1) acts that threaten the Djibouti Agreement of August 18, 2008, or the political process; or

(2) acts that threaten the Transitional Federal Institutions, the African Union Mission in Somalia (AMISOM), or other

international peacekeeping operations related to


(B) to have obstructed the delivery of humanitarian assistance to Somalia, or access to, or distribution of, humanitarian

assistance in Somalia;

(C) to have directly or indirectly supplied, sold, or transferred to Somalia, or to have been the recipient in the territory of Somalia

of, arms or any related materiel, or any technical advice, training, or assistance, including financing and financial assistance,

related to military activities;

(D) to have materially assisted, sponsored, or provided financial, material, logistical, or technical support for, or goods or

services in support of, the activities

described in subsections (a)(ii)(A), (a)(ii)(B), or (a)(ii)(C) of this section or any person whose property and interests in property

are blocked pursuant to this order;


(E) to be owned or controlled by, or to have acted or purported to act for or on behalf of, directly or indirectly, any person

whose property and interests in property are blocked pursuant to this order.

(b) I hereby determine that, among other threats to the peace, security, or stability of Somalia, acts of piracy or armed robbery

at sea off the coast of Somalia threaten the peace, security, or stability of Somalia. (c) I hereby determine that, to the extent

section 203(b)(2) of IEEPA (50 U.S.C. 1702(b)(2)) may apply, the making of donations of the type of articles specified in such

section by, to, or for the benefit of any person whose property and interests in property are blocked pursuant to subsection (a)

of this section would seriously impair my ability to deal with the national emergency declared in this order, and I hereby prohibit

such donations as provided by subsection (a) of this section.

(d) The prohibitions in subsection (a) of this section include but are not limited to:

(i) the making of any contribution or provision of funds, goods, or services by, to, or for the benefit of any person whose

property and interests in property are blocked pursuant to this order; and

(ii) the receipt of any contribution or provision of funds, goods, or services from any such person.

(e) The prohibitions in subsection (a) of this section apply except to the extent provided by statutes, or in regulations, orders,

directives, or licenses that may be issued

pursuant to this order, and notwithstanding any contract entered into or any license or permit granted prior to the effective date

of this order.

Sec. 2. (a) Any transaction by a United States person or within the United States that evades or avoids, has the purpose of

evading or avoiding, causes a violation of, or attempts to violate any of the prohibitions set forth in this order is prohibited.

(b) Any conspiracy formed to violate any of the prohibitions set forth in this order is prohibited.

This order is effective at 12:01 a.m. eastern daylight time on April 13, 2010.



Office of Foreign Assets Control

GHEBREAB, Yemane (a.k.a. GEBRE AB, Yemane; a.k.a. GEBREAB, Yemane; a.k.a. YOHANNES, Yemane Ghebreab W.),

Tegadelti Street, Asmara, Eritrea; 12 Keren Street, Asmara, Eritrea; DOB 21 Jul 1951; POB Asmara, Eritrea; Passport

D000901 (Eritrea); alt. Passport D001082 (Eritrea) (individual) [SOMALIA]

AL-TURKI, Hassan Abdullah Hersi (a.k.a. AL-TURKI, Hassan; a.k.a. TURKI, Hassan; a.k.a. TURKI, Hassan Abdillahi Hersi;

a.k.a. TURKI, Sheikh Hassan; a.k.a. XIRSI, Xasan Cabdilaahi; a.k.a. XIRSI, Xasan Cabdulle), Somalia; DOB circa 1944; POB

Ogaden Region, Ethiopia; nationality Somalia (individual) [SOMALIA]

AL-TURKI, Hassan Abdullah Hersi (a.k.a. AL-TURKI, Hassan; a.k.a. TURKI, Hassan; a.k.a. TURKI, Hassan Abdillahi Hersi;

a.k.a. TURKI, Sheikh Hassan; a.k.a. XIRSI, Xasan Cabdilaahi; a.k.a. XIRSI, Xasan Cabdulle), Somalia; DOB circa 1944; POB

Ogaden Region, Ethiopia; nationality Somalia (individual) [SOMALIA]

AWEYS, Hassan Dahir (a.k.a. ALI, Sheikh Hassan Dahir Aweys; a.k.a. AWES, Hassan Dahir; a.k.a. AWES, Shaykh Hassan

Dahir; a.k.a. AWEYES, Hassen Dahir; a.k.a. AWEYS, Ahmed Dahir; a.k.a. AWEYS, Sheikh; a.k.a. AWEYS, Sheikh Hassan

Dahir; a.k.a. DAHIR, Aweys Hassan; a.k.a. IBRAHIM, Mohammed Hassan; a.k.a. OAIS, Hassan Tahir; a.k.a. UWAYS, Hassan

Tahir; a.k.a. “HASSAN, Sheikh”), Somalia; Eritrea; DOB 1935; citizen Somalia; nationality Somalia (individual) [SOMALIA]

READ THE FULL LIST: Office of Foreign Assets Control

April 18, 2010

ናይ ሓንጎሉ ሩጉእነትን ዓቕሊ-ጽበት ናይ ጽዉያዊ-ቕመራ ክንክን-ጥዕና (Therapy) ዘድልዮ ዘሎ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ (ደራሲ ዓንቀጽ ምቅንጃው ገድሊ) ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:09 am

ናይ ሓንጎሉ ሩጉእነትን ዓቕሊ-ጽበት ናይ ጽዉያዊ-ቕመራ ክንክን-ጥዕና (Therapy) ድልዮ ዘሎ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ (ደራሲ ዓንቀጽ ምቅንጃው ገድሊ) ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት!


ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ኣብ ፓልቶክ መጽዩ “ኣስተምህሮ” ክህብ እዩ ተባሂሉ ማዓት ተኣንጎት ተሸብሸብን ምልክታትን ሓቤሬታን ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓቤሬታ ተዘርጊሑ ስለዝነበረ ኣብቲ ሳይቤር ኣዳራሽ መጋባእያ ብዕለት  3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ኣብ ዝሐደረሉ ተሳቲፈ እየ።

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት መጉሊሒ-ድምጺ ተሓዲግሉ፡ መጉሊሒ-ድምጺ ምስ ዓተረ ሓጺር መኽፈቲ ልሳን ሰላምታ ነቶም ኣብኡ ዝነበርና ነባሮ ምስ ሃበ፡ ነብሱ ብሓጺር ከላሊ ጀመረ። “ኣነ ዮሰፍ ገብሪሂወት ይብሃል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርት ሳንጀርጆ መንደፈራ ይምሃር ነይረ ድሕሪኡ ንኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ድማ ኣብ ቤትምህርት ባዕደ-ማርያም ተማሂረ ካብኡ ን ክልተዓመታት ኣብ ዓሰብ ከም መምህር ኮይነ ድሕሪ ምስራሕ፡ ከምሰበይ ብሱዳን ኣቢለ ንኤዉሮጵ ቀጺለ ንኣመሪካ ኣትየ ይብል። ዝተማህሮ ትምህርት ናይ ስነ-ኣእምሮ ዓዉዲ ስለነፍልጠት ምኻኑ ይገልጽ። ኣብ ቛንቛ ትግርኛ ናይ ምዝራብን ምግላጽን ዓቕመይ ኣዝዩ ቱሑትን ኣረጊት ወይ ናይ ቀደም ቛንቛ ትግርኛ እየ ዝፈልጥ ሓሳበይ ክገልጽ ጽግም ክብለኒ እንኮሎ ገለ ገለ ቛላት እንግሊዝ እንተተጠቐምኩ ካይትቕየምኑ ብምባል ምሕጽንትኡ ይገልጽ።

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ሓሳቡ ክገልጽ እንኮሎ ብፍጹም ዝተዛባረቀን ዘይንጹሩን ሓስብ ብቛንቛ ትግርኛ ኣይተዛረበን ክንደይ እዃ ጹሩይ ትግርኛ ይዛረብ እዩ ዝባሃል: ንማሕላ እዉን ሓንቲ ባዕዳዊት ቃል ኣብ መግለጺኡ ኣይተጠቕመን። ንኣቀዲሙ ዘይምልከት ትግርኛይ ዝብሎ ምኹኑይ ንምግባር ግን ንኣብነት Romanticism ትብል ቃል ብትግርኛ ምቕንጃዉ ተባሂላ ኣላ፡ የግዳስ ብልክዕ ኣይቲገልጻን እያ ክብል መረዳታታት ክህብ ሃቂኑ እዩ። ምስቲ ሓበሻዊ ባህሊን መንነትን ኣለኒ ዝብል ጽዕደታቱ፡ ነቲ ቀንዲ መግለጺ መንነቱ ዝኾነ ቛንቛ ትግርኛ ከቛናጽብን፡ ዝስምዖ ነብሰ-ሕንከታት ክድርጉሖ ፈጺሙ ኣይተሰከፈን።

ወዲያቱ መግለጺኡ ክጅምር እንኮሎ፡ ከምዚ ብሃገርን ህዝብን “ዝተቀንዘወ” ብዘስምዕ ኣዛራርባ፡ ሰሚዕክሞ ዶ እዚ ሓድሽ ወረታት ብዛዕባ ናይ G15 ኣጋጢሙ ዘሎ ተረኽቦታት ብምባል ንነባሮ እቲ ናይ ሳይቤር ኣዳራሽ መጋባእያ ኣብ ኩቱር ስምዒታት ቋንዛን ኣእትዮ፡ ነቲ ንሱ ዘቕርቦ ናይ ሓድሽ-ነቢ ፍልስፍና ኢማሕበራዊ ኢባህርያዊ ስነፍልጠት ዝኾነ፡ ብዘይ ገለ ናይ ሓሳብ ነጋሪ፡ ተራኺን በዳሂ ሕቶታት፡ ኣመንጊጉ ከዉሕጦም መታን መዓንዘሪ ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒትን ባህርያዊ ስምዒታት ተጠቕመ።

መደርኡን “ኣስተምህሩኡ” ምሃብ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ሕብረተሰብ ኤርትራ ቡዙሓዊ ከምዝኾነን፡ ነዚ ቡዙሓዊ ባህልታት ዘይፈልጡ ከመይ ጌይሮም ሓራ ንምዉጽኡ ተቃሊሶም? ብዝብል ሕቶ እዩ ፈሊምዎ። ሓደ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተወልደን ባህልታትን ጸገማት ካልኦት ክፈልጥ ስለዘይክእል ናጻን ሓራን ከዉጽኦም ክቃለስ ኣይክእልን እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ንምብጻሕ እዉን ፍጹም ኣይኣገሞን። ብሙሉኦም ንገድሊ ዝወፈሩ ካብ ኣስመራን ንኣስመራ ሓራ ንምግባርን ከምዝነቀሉ ዶርጉሖ። ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ሃዉታትን ብነብሰ-ሕንከታት ዘዕለቕለቐ ስለዝኾነ፡ ብልክዕ ሰዉራ ኤርትራ በየናይ ከምዝጀመረ እዉን ንከይፈልጦ ሓንጎሉ ዝጋረደ እዩ ዝመስል! ኣስመራ ዋና ከተማ ኤርትራ እንበር ሃገር  ወይ ኤትኒክ-ጉጂለ ኣይኮነትን። ኣብ ኣስመራ ካብ ኩሎም ኣመንት ሃይማኖታት ካብ ኩለን ኤትኒክ-ጉጂለታ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ሓናፍጽን ወጻተኛታት ዝነብሩላ ከተማ እያ። ስለዚ ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ንሰዉራ ኤርትራ ንኣስመራ ሓራ ንምግባር ዝነቐለን ብደቂ ኣስመራ ምኻኑ ብሉዑል ኣመልኪቱ ኣስሚሩሉ። ኣቶ ዮሴፍ ንኩሉም ንኤርትራ ግምጃ ናጽነት ክስልምዋ ኢሎም መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ዝበጀዉ ደቂ ኣስመራን ንኣስመራ ናጻ ንምዉጻእ ዝተበጀዉ ካብ በሎም፡ ንሱ ከ ንመን ሓራ ንምዉጻ እዩ ዝጽሕፍን ዝፋላሰፍን ዘሎ? ነቲ ንቡር ባህልና ብናይ ሳሕል ባህሊ ክትክእዎ ይደልዩ ኣለዉ ክብል እንኮሎ ከ ከመይ ዝኣመሰለ እዩ ናይ ሳሕል ባህሊ ንሱ ዝብሎ? ንሱ ከ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ባህልታት ኤትኒክ ጉጂለታትን ይፈልጦ ድዩ? ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት እዉን ክምለሱ ዝግብኦም እዩ።

ንኣቶ ዮሴፍ፡ ኩቡራትን ጀጋኑ ዝኾኑ ኣቦታትናን ሃንደስት ሰዉራ ኤርትራ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ መሓመድ ሳልሕ ሑመድ፡ እድሪስ ዑስማን ግላይዶስ፡ ስዒድ ሑሴን፡ ኣደም ማሓመድ ኣኪቶ ን ጣሃ ማሓመድ ኖር ደቂ ኣስመራን ንኣስመራ ሓራ ከዉጹ ድዮም ንሰዉራ ኤርትራ ዝሃንደስዎ ቢልካ እንተትሓቶ እንታይ ኮን ምስ በለ። ኣቶ ዮሴፍ ዘይብሎን ጤል ዘይትጣጥሞን ስለዘየለ ግን ዝኾነ መልሲ ክህበሉ ዝጽገም ኣይመስለንን። እቲምንታይስ፡ ሓደ ብመንነታዊ ቅልዉላዋትን ብነብሰ-ሕንከታት ዝተዓብለኸን ዝተደግሴን ወዲ ሰብ ንኣብ ገዛእ ርእሱ ንዝተፈጥረ ባዶሽነት ንምምላእ፡ ባይታን ሱራት ዘይብሉ ሓሳባት ሃኒጹ ንካልኦት ግዳይ ናይ ባዶሹነቱን ምንካይ ነብሰ ክብረታቱ ክገብሮም ዘጸግሞ ብዝይምኻኑ እዩ።

ኣብ ዓለምና ቡዙሓት መናፍቓንን ዘመን ዝፈጠሮም ነብያትን እዮም ተራእዮም። ኣነ ኣምላኽ እየ ቢሎም ዝጽዕዱ እዉን ኣይተሳኑን። መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተሳቲፉ ከቢድ ዋጋን ሰለስተ ወሎዶታት መመላእታ ተቃሊሱ ዝተሳላሰለ፡ ከም ሳዕቤኑ መሬታዊ ናጽነት ወይ መሬታዊ ልዕላዉነት ዘራጋገጽ ሰዉራ “ናይ ደቂ ኣስመራን ንኣስመራ ሓራ ንምግባር” ዝተኻየደ ሰዉራ እዩ ምባል፡ እቲ ክዉቃዕ ዝድለ ዘሎ ሾቶ እንታይ እዩ? ናይ ብሓቂ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ናብ ንቡር ሂወቱ ንምምላስ ድዩ? እንታይ እዩ ከ እቲ ንቡር ሂወት ዝብሃል?

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ዘልዓሎ ዛዕባታት ስጡሙን ቁርጡዉን ኣይነበረን። ገለ ዘልዓሎም ሕቶታት ካብ ኣቀዲሙ ብመልክዕ ሓተታ ዝጻሓፎም ዓንቀጻትን ንብሕጂ ክጽሕፎም ዝደሊ ዘሎ ሓሳባትን ካብ መንጉኦም ቡጥቁል ቡጥቕል ኣቢሉ ዘምጾ እዩ።

ቀጺሉ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ኤርትራዊ መንነትን የሎን ናብ ዝብል መደምደምታ ከብጽሑ ዝኽእል ኩረት-ሓሳብ ክፈጥር እዩ ሃቂኑ። ንህቀናታቱ ብክልተ ህሉዋት ተጋራጨዉትን ዘይቓደዉን መንነታት ክገልጾም ፈቲኑ። ንሳተን ድማ፡-

ቀዳማይ፡ ባዕዳዊ ወይ ናይ ለቃሕ መንነት ምድላይ ይብል።

ካልኣይ፡ ተኻላኻሊ ድርዒ-መንነት ምጥራይ እዩ ይብል።

ነዘን ሓረጋት እዚኣተን ንምግላጽ ብኣብነታት እዩ ክገልጸን ዝፍትን። ነታ ቀዳመይቲ ክገልጻ እንኮሎ ኣብ ትግራይ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ኣሎ። ንሕና እዉን ልክዕ እቲ ቋንቛ እቲ ኢና ንጥቀም። ናይ ላህጃታት ኣዳማምጻ ዝፋላለ እኳ እንተኾነ ብመሰረቱ ናይ መንነት ፍልልይ ግን የሎን ይብል። ስለዚ እዚ መንነት እዚ እንኮሎና ስለምንታይ ኤርትራዉነት ዝብል መንነት ክንፈጥር ተቃሊስና ዘስምዕ ዝዓይነቱ ሓሳባት እዩ። ከም ኣዋካክሳ ኣቶ ዮሴፍ ኤርትራ ማለት ኤትኒክ ጉጂለ ትግርኛ ጥራይ ወሲድዎ ከምዘሎ እዉን ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኤርትራዊ መንነት ወይ ኤርትራዊ ሃገራዉነት ናይ 12 ኤትኒክ ጉጂለታት እዩ። ብዘይካ እተን ኩሉ ሰብ ዝፈልጠን ሃዉሳን ዳህሊኪያን እዉን ከምዘለዋ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ኤርትራዊ መንነት ወይ ኤርትራዊ ሃገራዉነት ክንብል እንኾሎና በዘን ኩላተን ናይቛንቛ ኤትኒክ ጉጂለታት ዝቆመን ከም ዓረ ዝኸበበን እዩ። ኣቶ ዮሴፍ ገና ዘይተረድኦ ጉዳይ ኣሎ። ሃገራዉነት ወይ መንነት ስነሓሳብ፡ ፍልስፍና፡ ሃይማኖት ወይ ዋህም ከምዘይኮነ እዩ። እንታይ ድኣ ንሓደ ዉሱን ህዝቢ ዝጠምር ስነ-ኣእምራዊ ስምዒታዉን ማሕበራዉን ህያዉ ናይ መንነት ፍሕሶ ምኻኑ እዩ። እዚ መንነት እዚ ከምዚ ንሱ ዝብሎ ዝተተምነየ ወይ ዝተፈብረኸ መንነት ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣእምሮና ዝተቀርጸ፡ ብሓሙሽተ ህዋሳትና ክርኣን ክጭበጥን ዘይክእል ባህርያዊ ሕላገት’ዩ። ነዚ ሕላገት እዚ ምንጪ ዝኾነ ሞቆምያታትን ሰራዉሩን ዘለዎ ምኻኑ እዉን ክግንዘብ ኣለዎ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ከምተወሳኺ መብርሂ ዘቕረቦ ናይ ሓጺና ኣብ ገለ እዋናት ዝተፈጥረ ግርጭታት ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ዓዲ ሓጺና ዝነበረ ግርጭታት ንምፍታሕ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቂ ሓጺና ሳሆ ንሳሆ ብምኻድ እዮም ሓገዛት ክሓቱ ፈቲኖም ይብል። እዚ ኣባሃህላ እዚ ንስለዘረባ ዝበሎ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ሳሆ ሳሆ እዩ፡ ትግርኛ ትግርኛ እዩ….ወ.ዘ.ተ ስለዚ ሰብ ናብ መመቦቖሉ ክምለስ ግድነታዊ ስለዝኾነ ትግርኛ እዉን ንትግራይ ክኸይድ ኣለዎ ወይ ካብ ትግራይ ሓገዝ ክሓትት ኣለዎ ማለቱ ኢዩ። ስለዚ ብኣታሓሳስባ ኣቶ ዮሴፍ ኩለን ኤትኒክ ጉጂለታት ኤርትራ ነናብ ኤትኒክኣን ክኸዳ ኣለወን እታ ኤርትራ ትባሃል ዘመናዊት  ሃገርን ኤርትራዊ መንነት ክፈርስ ኣለዋ ዝዓይነቱ እዩ።

ካልኣይ ሓረጉ ንምግላጽ እዉን ብኣብነት እዩ ተጠቂሙ ንምብርሁ። ንኣብነት ይብል ነቶም ትግረ፡ ቛንቓኩም ትግረ እዩ ዝብልዎም፡ እቶም ተዛረብቲ ቛንቛ ትግርኛ እዮም ይብል። ንሳቶም ግን ንመንነቶም ንምዉሓስን ንምክልኻልን ድርዒ-መንነት ስለዘድልዮም ቛንቛና ዓረብ mar 13,2010-Dr. Gaim Kibreab in Modayna room paltalk እዩ ይብሉ ብምባል ዘይተባህለን ዘይተገብረን ኣብነት ብምፍጣር ምህዉታቱ ይቕጽል። ኣብ ኤርትራ ናይዘን ክልተ መንነታት ግርጭታት እዩ ዘሎ። እዘን ክልተ ድማ ናይ ሕብረተሰብና መንነታት ኣይኮናን ብምባል ይዛዝም። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ወይ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ ኣይኮነን ዘድሊ ዘሎ። ዘድሊ ዘሎ ኤርትራ ናብቲ ንቡር ናይቀደም ማሕበራዊ ሂወታ ምምላስ እዩ ብምባል ምስ ስልጣኔ ኤርትራዊ መንነትን ስልጣኔ ፖሎቲካዊ ስነፍልጠትን ብምግርጫዉ ብዘይ ገለ ዘዕግብ መርትዖታት ነቲ ዝካታቶሎ ዝነበረ ነባራይ ሰማዒ ኣብቲ ኣዳራሽ ዘተ ይርሕርሖ። ኣቶ ዮሴፍ ናብ ንቡር ሂወት ምምላስ እዩ ዘድሊ ዘሎ ክብል እንኮሎ እንታይ ማለቱ እዩ? ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ኣለዋ ማለቱ እዩ። ምኽንያቱ ሓበሻዊ ስልጣኔን ሓበሻዊ መንነት ኣሎና ቢሉ ስለዝኣምን ሃገረ ኤርትራን ኤርትራዊ መንነት ዝተፈብረኸ ድኣ እምበር ሓቐኛ ኣይኮነን ኢሉ እዩ ዝኣምን። ኩሉ ፍልስፍናታቱን ጹሑፋቱን ድማ ካብዛ እምነ-ኩርናዕ እዚኣ ስለዝነቕል ናብ መወዳእታን ተገሊሉ ዘይዉዳእ ሓሸዉያ ኣእቲዎ ኣሎ።

ኣቶ ዮሴፍ ሓያል ዝኾነ መግዛታዊ ናፍቆትን ኢትዮጵያዊ መንነትን ስለ ዘሰንፎ፡ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ብዉልቀ ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸመ በደላት ኣብነት ብምርቛሕ ሰዉራ ኤርትራ ብኩሉ እንትንኡ ኩፉእ ከምዝነበረ ከስምር እንኮሎ ከምዚ ይብል “ገድሊ ንወለዲ ክብሪ አይነበሮን፣ ሓደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ተጋዳላይ ንሓደ ነዊሕ ተጓዒዞም ጕዳይ ክሲ ከስምዑ ዚመጹ ኣረጋዊ ወይ ዓቢ ኣቦ ንወዮ ተጋዳላይ ስለ ዚተመላለስዎ ተንበርከኹ ኢልዎም። እዚ ንህዝብና ወጻኢ ካብ ባህሉን ልምዱን ዚዀነ ጓና ስጕምቲ ነይሩ። ድሒሮም ከአ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ኢሎምኒ እዚኦም ተጋደልቲ ሃገር ክመርሑ ብቕዓት የብሎምን። ርኤኻ ወደይሲ ኢትዮጵያ ንህዝብናን ባህልናን ከምዚ ጌሮም ኣቋናጸበሞ ኣይፈልጡን  ከም ዚበልዎ ሓው ዮሴፍ ዕግበቱ አብቲ ኣበሃህላ ወሲኹ ንነባሩ እቲ ናይ ዘተ ኣዳራሽ ተመክርኡን ግንዛቤታቱን ይገልጸልና።

ኣቶ ዮሴፍ ፈጺሙ ዘይፈልጦን ዘይሓለፈሉ ተሞክሮ ብከምዚ ኣብነታት ብምጥቃም እዩ ዘናሽዎን ዝነጽጎን። ፈጺሙ ሰዉራ ኤርትራ ኣዉንታታት ነይርዎ ኣይብልን እዩ። ነተን ብዕላል ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝቀረመን ኣሉታታት ንዕኣን እንዳኣካማስዔ እዩ ድማ ነቲ ታሪኽ ሰዉራ ኣብ ጸሊም ጉሓፍ ዝጉሕፎ። ኣቶ ዮሴፍ ሰዉራ ደቃ እንዳበልዔት ከምትዕወት ኣይፈልጦን ኣይርድኦን እዩ። ኣብ ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒቱ ናይ መንነት ቅልዉላዋትን ናይተሳትፎን ዘይምስታፍ ኣብ መስርሕ ሰዉራ ሕንከታት ስለዘለዎ ንሕንከታቱን ንቕልዉላዋቱን ንስዉራ ኤርትራ ግዳይ ብምግባር እዩ ነብሱ ከዳዓዕስ ዝህቕን።

ሰዉራ ኤርትራ በቲ ሓደ ወገን ሰፍ ዘይብል ጅግንነትን ዓወትን ዘርኣየ ሰዉራ ክኸዉን እንኮሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ምዓት ገበናትን በደላትን ተፈጺሙ እዩ። ኩሉ ድማ ኣብዛ ሕጂ በጺሕናያ ዘሎና ደረጃ ኣብጺሕና ኣሎ። ምትራኽን ምምዛንን እንተኾይኑ ድማ ኣዉንትኡን ኣሉቱኡን ብምዉድዳር ክመጽእ ኣለዎ። ጦቕሞ-ፈሊጣዉያን ወትሩ ስንኮፋትን ኣሉታ ጽዓትን ስለዝዉንኑ፡ ብዘይካ ኣሉታ ኣዉንታ ዘንብብን ዝቕበልን ንያትን ኣእሙሮን የብሎምን።

ኣብ መጨረስታ እሞ እዚ ኩሉ ካብተረኻ መፍትሒ እንታይ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተሉ እዋናት፡ ኣቶ ዮሴፍ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን እዞም ብኣንጻሩ ተሰሊፎም ዘለዉ ተቓወምቲ መፍትሒ ኣይኮኑን ይብል። ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ ክልቲኦም መፍትሒ ከምዘይኮኑ ኣነ እዉን ይሳማማዕ እየ። ክልቲኦም ክፍትሑ ዘለዎም ጸገማት ምኻኖም እዉን ይፈልጥ እየ። ግን መፍትሒታቱ ከምዚ ኣቶ ዮሴፍ ዝብሎ “እቲ ዝርኣየኒ መፍትሒ ክልተ መሰረታዉያን መገድታት እየን ይብል።

1.        ነዚ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተገይሩ ዘሎ ማዕቀብ ብምጥቃም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ብምጥቃም ነዚ ስርዓት ጸራሪጉ ንኤርትራ ናብ ንቡር ሂወታ ክመልሳ። ወይ ድማ፡-

2.       መንግስት ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ዓቕሚታት ተጠቂሙ ነዚ ስርዓት ክኣልዮ ዝብል ልሙስን ኣዝዩ ኑዕቕ መፍቲሒታት እዩ ቀሪብልና። ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓንቲ ክገብር ከምዘይክእል እዩ ዘስሙረሉ ኣብ መዛዛሚ እማሜታቱ።”

ኣቶ ዮሴፍ መፍቲሒታቱ ጥብቆነት ዝምባሌ ዘሰንፎ እዩ። ጥብቆነት ድማ ካብ ዕርበት ንያትን መንነትን ዝነቕል እዩ። ጡዑይ ሓታቲ መጽዩ እቲ መፍቲሒ ንስኻ ብኣንጻር ኣቶ ዮሴፍ ዘቕርቦ ዘሎ እንታይ ኣሎኻ ዝብል ሕቶ እንተዘቕርበለይ ከምዚ ዝስዕብ ቢለ ምስ መለስክሉ፡-

እቲ መፍትሒ ሳልሳይ መገድን ሳልሳይ ሓሳብን ምፍጣር እዩ። ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ጉጂለን ብኣንጻሩ ዘለዉ ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ መፍትሒ ከምዘይምኻኖም ካብተሰማማዕና፡ ካብ እዞም ክልተ ተጻረርትን ባህሪ-ሓደን ዝተፈልየ ኣታሓሳስባን ኣዋዳድባን ዘለዎ ናይ መሰረታት (grass-roots) ምንቕስቃስ ክፍጠር ኣለው። ናይ መሰረታት ምንቕስቃስን ሓሳብን ዳይነሚክስ: ኣብ ህዝቢ ወይ መሰረታት ዝተሰረተ ሓሳብን ምንቅስቃሳዊ ቅርጻ ስለዝዉንን ብባህሪኡ ሓራ ርእሱ ዝኻኣለን ብህዝቢ ዝምዉወልን ዝድገፍን እዩ። ብቀንዱ ዓበይቲ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ፖሎቲካዊ መትከላትን ዉሳኔታትን ካብ መሰረታት ዝነቅሉን ብኦም ዝዉሰኑን ስለዝኾኑ፡ እቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ወትሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ከምዘሎ ዉሑስ ስለዝገብሮ፡ ብዉሽጣዊ ዓቕምታትናን ዉሽጣዊ ዉሳኔታትና ዉሽጣዊ መሰረታዊ ለዉጢ ከነራጋግጽ ንኽእል ኢና። እዚ ብክልስ-ሓሳብን ግብርን ፉቱንን ዕዉትን መፍትሒ እዩ ዝብል መልስን በደላ መፍትሒታት ኣቶ ዮሴፍ መሰቕረብኩ።

ንኣይ ከም ዉልቀ-ሰብ ኣቶ ዮሴፍ ከምዚ ምሕሳቡን ከምዚ ምባሉን ቡዙሕ ኣይገርመንን እዩ። ኩሉ ፍሕሶታት-ሓሳብ ኣቶ ዮሴፍ ንክምሃዝን ክፍጠርን ዝገበረ ጠንቂ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ። ኤርትራ በቲ ተበጊሳትሉን ዝተቃለሰትሉን ዕላማታት መሪሻ ነይራ እንተትኸዉን ናይብሓቂ ሎኽመኛታት ከምዚ ክሓስቡን ክብሉን ኣይምስካሉን ነይሮም። ካብ ኮነ ግን ዝባሃል ነገር ስለዘየሎ ማዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ምቕላስ ጥራይ እዩ እቲ ምርጫ። ኣብ ተኣፋፍን ሓደገኛ ኩናታት መስቀላዊ መገድታት ንኤርትራን ሕብረተሰብ ኤርትራ ከሳጥሕዎ ዝህቑኑን ብዝተፈላለየ ጽዕዶታት ነቲ ሕብረተሰብ ንቱኹላዊ ምትፍናን ክድቕድቕዎ ዝህቑኑ ማናፍቓን ክህሉዉ እዮም።

ኣቶ ዮሴፍ ዘምጾ ዘሎ ሓስብ ሓድሽ ሕጂ ዝተቀልቀለ ሓሳብ ኣይኮነን። ብመሰረቱ እዚ ኣታሓሳስባታት እዚ ኣብ 1948ታት ማሕበር ኣንድነት ዘንቀሎ ሕጂ ኣቶ ዮሴፍ ዝኹስኹሶ ዘሎ ሓሳብ እዩ። እቲ ለዉጢ ብሓይሊ ናይ ግዳም ወትሃደራዊ ሓይሊ ተጠቂምካ ምምጻእ ዝብል ሓሳብ ድማ ብዓል ኣቶ ረዘነ ሃብተ ዘንቀልዎ ሓሳብ ስለዝኾነ፡ ንኽብረት እዉን ምስ ሓሳብ መፍቲሒታት ብዓል ኣቶ ረዘነ ሃብተ ይሳማማዕ እየ ክብል ይግባእ ነይሩ። ወዲያቱ ግን ከምተማራሚሩ ዝቀረቦ መፍትሒ ክመስል መፍትሒ እዚ እዩ ክብል እዩ ተርሹሕዎ። ኣቶ ዮሴፍን ተቀበልቲ ሓሳቡን ዘመን ዘምጾም ማሕበር ኣንድነት እዮም። ዝፈሸለን ዝተሳዕረን ሓስብ ኣልዒልካ ዘይትኣደነ ጊዜን ጽዓትን ኣጥፊካ ክትኩብልል ምሕዳርን ምዉዓልን ናይ ብሓቂ ናይ ሓንጎሉ ሩጉእነትን ዓቕሊ-ጽበት ናይ ጽዉያዊ-ቕመራ ክንክን-ጥዕና (Therapy) ድልዮ ዘሎ እዩ ዝመስል።



መርእድ ዘርኡ


Copyright 2009 Merid Zeru. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of Merid Zeru.

Blog at