Eritrea real clear politics's Weblog

April 18, 2010

ናይ ሓንጎሉ ሩጉእነትን ዓቕሊ-ጽበት ናይ ጽዉያዊ-ቕመራ ክንክን-ጥዕና (Therapy) ዘድልዮ ዘሎ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ (ደራሲ ዓንቀጽ ምቅንጃው ገድሊ) ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:09 am

ናይ ሓንጎሉ ሩጉእነትን ዓቕሊ-ጽበት ናይ ጽዉያዊ-ቕመራ ክንክን-ጥዕና (Therapy) ድልዮ ዘሎ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ (ደራሲ ዓንቀጽ ምቅንጃው ገድሊ) ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት!

 

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ኣብ ፓልቶክ መጽዩ “ኣስተምህሮ” ክህብ እዩ ተባሂሉ ማዓት ተኣንጎት ተሸብሸብን ምልክታትን ሓቤሬታን ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓቤሬታ ተዘርጊሑ ስለዝነበረ ኣብቲ ሳይቤር ኣዳራሽ መጋባእያ ብዕለት  3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ኣብ ዝሐደረሉ ተሳቲፈ እየ።

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት መጉሊሒ-ድምጺ ተሓዲግሉ፡ መጉሊሒ-ድምጺ ምስ ዓተረ ሓጺር መኽፈቲ ልሳን ሰላምታ ነቶም ኣብኡ ዝነበርና ነባሮ ምስ ሃበ፡ ነብሱ ብሓጺር ከላሊ ጀመረ። “ኣነ ዮሰፍ ገብሪሂወት ይብሃል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርት ሳንጀርጆ መንደፈራ ይምሃር ነይረ ድሕሪኡ ንኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ድማ ኣብ ቤትምህርት ባዕደ-ማርያም ተማሂረ ካብኡ ን ክልተዓመታት ኣብ ዓሰብ ከም መምህር ኮይነ ድሕሪ ምስራሕ፡ ከምሰበይ ብሱዳን ኣቢለ ንኤዉሮጵ ቀጺለ ንኣመሪካ ኣትየ ይብል። ዝተማህሮ ትምህርት ናይ ስነ-ኣእምሮ ዓዉዲ ስለነፍልጠት ምኻኑ ይገልጽ። ኣብ ቛንቛ ትግርኛ ናይ ምዝራብን ምግላጽን ዓቕመይ ኣዝዩ ቱሑትን ኣረጊት ወይ ናይ ቀደም ቛንቛ ትግርኛ እየ ዝፈልጥ ሓሳበይ ክገልጽ ጽግም ክብለኒ እንኮሎ ገለ ገለ ቛላት እንግሊዝ እንተተጠቐምኩ ካይትቕየምኑ ብምባል ምሕጽንትኡ ይገልጽ።

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ሓሳቡ ክገልጽ እንኮሎ ብፍጹም ዝተዛባረቀን ዘይንጹሩን ሓስብ ብቛንቛ ትግርኛ ኣይተዛረበን ክንደይ እዃ ጹሩይ ትግርኛ ይዛረብ እዩ ዝባሃል: ንማሕላ እዉን ሓንቲ ባዕዳዊት ቃል ኣብ መግለጺኡ ኣይተጠቕመን። ንኣቀዲሙ ዘይምልከት ትግርኛይ ዝብሎ ምኹኑይ ንምግባር ግን ንኣብነት Romanticism ትብል ቃል ብትግርኛ ምቕንጃዉ ተባሂላ ኣላ፡ የግዳስ ብልክዕ ኣይቲገልጻን እያ ክብል መረዳታታት ክህብ ሃቂኑ እዩ። ምስቲ ሓበሻዊ ባህሊን መንነትን ኣለኒ ዝብል ጽዕደታቱ፡ ነቲ ቀንዲ መግለጺ መንነቱ ዝኾነ ቛንቛ ትግርኛ ከቛናጽብን፡ ዝስምዖ ነብሰ-ሕንከታት ክድርጉሖ ፈጺሙ ኣይተሰከፈን።

ወዲያቱ መግለጺኡ ክጅምር እንኮሎ፡ ከምዚ ብሃገርን ህዝብን “ዝተቀንዘወ” ብዘስምዕ ኣዛራርባ፡ ሰሚዕክሞ ዶ እዚ ሓድሽ ወረታት ብዛዕባ ናይ G15 ኣጋጢሙ ዘሎ ተረኽቦታት ብምባል ንነባሮ እቲ ናይ ሳይቤር ኣዳራሽ መጋባእያ ኣብ ኩቱር ስምዒታት ቋንዛን ኣእትዮ፡ ነቲ ንሱ ዘቕርቦ ናይ ሓድሽ-ነቢ ፍልስፍና ኢማሕበራዊ ኢባህርያዊ ስነፍልጠት ዝኾነ፡ ብዘይ ገለ ናይ ሓሳብ ነጋሪ፡ ተራኺን በዳሂ ሕቶታት፡ ኣመንጊጉ ከዉሕጦም መታን መዓንዘሪ ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒትን ባህርያዊ ስምዒታት ተጠቕመ።

መደርኡን “ኣስተምህሩኡ” ምሃብ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ሕብረተሰብ ኤርትራ ቡዙሓዊ ከምዝኾነን፡ ነዚ ቡዙሓዊ ባህልታት ዘይፈልጡ ከመይ ጌይሮም ሓራ ንምዉጽኡ ተቃሊሶም? ብዝብል ሕቶ እዩ ፈሊምዎ። ሓደ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተወልደን ባህልታትን ጸገማት ካልኦት ክፈልጥ ስለዘይክእል ናጻን ሓራን ከዉጽኦም ክቃለስ ኣይክእልን እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ንምብጻሕ እዉን ፍጹም ኣይኣገሞን። ብሙሉኦም ንገድሊ ዝወፈሩ ካብ ኣስመራን ንኣስመራ ሓራ ንምግባርን ከምዝነቀሉ ዶርጉሖ። ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ሃዉታትን ብነብሰ-ሕንከታት ዘዕለቕለቐ ስለዝኾነ፡ ብልክዕ ሰዉራ ኤርትራ በየናይ ከምዝጀመረ እዉን ንከይፈልጦ ሓንጎሉ ዝጋረደ እዩ ዝመስል! ኣስመራ ዋና ከተማ ኤርትራ እንበር ሃገር  ወይ ኤትኒክ-ጉጂለ ኣይኮነትን። ኣብ ኣስመራ ካብ ኩሎም ኣመንት ሃይማኖታት ካብ ኩለን ኤትኒክ-ጉጂለታ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ሓናፍጽን ወጻተኛታት ዝነብሩላ ከተማ እያ። ስለዚ ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ንሰዉራ ኤርትራ ንኣስመራ ሓራ ንምግባር ዝነቐለን ብደቂ ኣስመራ ምኻኑ ብሉዑል ኣመልኪቱ ኣስሚሩሉ። ኣቶ ዮሴፍ ንኩሉም ንኤርትራ ግምጃ ናጽነት ክስልምዋ ኢሎም መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ዝበጀዉ ደቂ ኣስመራን ንኣስመራ ናጻ ንምዉጻእ ዝተበጀዉ ካብ በሎም፡ ንሱ ከ ንመን ሓራ ንምዉጻ እዩ ዝጽሕፍን ዝፋላሰፍን ዘሎ? ነቲ ንቡር ባህልና ብናይ ሳሕል ባህሊ ክትክእዎ ይደልዩ ኣለዉ ክብል እንኮሎ ከ ከመይ ዝኣመሰለ እዩ ናይ ሳሕል ባህሊ ንሱ ዝብሎ? ንሱ ከ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ባህልታት ኤትኒክ ጉጂለታትን ይፈልጦ ድዩ? ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት እዉን ክምለሱ ዝግብኦም እዩ።

ንኣቶ ዮሴፍ፡ ኩቡራትን ጀጋኑ ዝኾኑ ኣቦታትናን ሃንደስት ሰዉራ ኤርትራ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ መሓመድ ሳልሕ ሑመድ፡ እድሪስ ዑስማን ግላይዶስ፡ ስዒድ ሑሴን፡ ኣደም ማሓመድ ኣኪቶ ን ጣሃ ማሓመድ ኖር ደቂ ኣስመራን ንኣስመራ ሓራ ከዉጹ ድዮም ንሰዉራ ኤርትራ ዝሃንደስዎ ቢልካ እንተትሓቶ እንታይ ኮን ምስ በለ። ኣቶ ዮሴፍ ዘይብሎን ጤል ዘይትጣጥሞን ስለዘየለ ግን ዝኾነ መልሲ ክህበሉ ዝጽገም ኣይመስለንን። እቲምንታይስ፡ ሓደ ብመንነታዊ ቅልዉላዋትን ብነብሰ-ሕንከታት ዝተዓብለኸን ዝተደግሴን ወዲ ሰብ ንኣብ ገዛእ ርእሱ ንዝተፈጥረ ባዶሽነት ንምምላእ፡ ባይታን ሱራት ዘይብሉ ሓሳባት ሃኒጹ ንካልኦት ግዳይ ናይ ባዶሹነቱን ምንካይ ነብሰ ክብረታቱ ክገብሮም ዘጸግሞ ብዝይምኻኑ እዩ።

ኣብ ዓለምና ቡዙሓት መናፍቓንን ዘመን ዝፈጠሮም ነብያትን እዮም ተራእዮም። ኣነ ኣምላኽ እየ ቢሎም ዝጽዕዱ እዉን ኣይተሳኑን። መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተሳቲፉ ከቢድ ዋጋን ሰለስተ ወሎዶታት መመላእታ ተቃሊሱ ዝተሳላሰለ፡ ከም ሳዕቤኑ መሬታዊ ናጽነት ወይ መሬታዊ ልዕላዉነት ዘራጋገጽ ሰዉራ “ናይ ደቂ ኣስመራን ንኣስመራ ሓራ ንምግባር” ዝተኻየደ ሰዉራ እዩ ምባል፡ እቲ ክዉቃዕ ዝድለ ዘሎ ሾቶ እንታይ እዩ? ናይ ብሓቂ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ናብ ንቡር ሂወቱ ንምምላስ ድዩ? እንታይ እዩ ከ እቲ ንቡር ሂወት ዝብሃል?

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ዘልዓሎ ዛዕባታት ስጡሙን ቁርጡዉን ኣይነበረን። ገለ ዘልዓሎም ሕቶታት ካብ ኣቀዲሙ ብመልክዕ ሓተታ ዝጻሓፎም ዓንቀጻትን ንብሕጂ ክጽሕፎም ዝደሊ ዘሎ ሓሳባትን ካብ መንጉኦም ቡጥቁል ቡጥቕል ኣቢሉ ዘምጾ እዩ።

ቀጺሉ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ኤርትራዊ መንነትን የሎን ናብ ዝብል መደምደምታ ከብጽሑ ዝኽእል ኩረት-ሓሳብ ክፈጥር እዩ ሃቂኑ። ንህቀናታቱ ብክልተ ህሉዋት ተጋራጨዉትን ዘይቓደዉን መንነታት ክገልጾም ፈቲኑ። ንሳተን ድማ፡-

ቀዳማይ፡ ባዕዳዊ ወይ ናይ ለቃሕ መንነት ምድላይ ይብል።

ካልኣይ፡ ተኻላኻሊ ድርዒ-መንነት ምጥራይ እዩ ይብል።

ነዘን ሓረጋት እዚኣተን ንምግላጽ ብኣብነታት እዩ ክገልጸን ዝፍትን። ነታ ቀዳመይቲ ክገልጻ እንኮሎ ኣብ ትግራይ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ኣሎ። ንሕና እዉን ልክዕ እቲ ቋንቛ እቲ ኢና ንጥቀም። ናይ ላህጃታት ኣዳማምጻ ዝፋላለ እኳ እንተኾነ ብመሰረቱ ናይ መንነት ፍልልይ ግን የሎን ይብል። ስለዚ እዚ መንነት እዚ እንኮሎና ስለምንታይ ኤርትራዉነት ዝብል መንነት ክንፈጥር ተቃሊስና ዘስምዕ ዝዓይነቱ ሓሳባት እዩ። ከም ኣዋካክሳ ኣቶ ዮሴፍ ኤርትራ ማለት ኤትኒክ ጉጂለ ትግርኛ ጥራይ ወሲድዎ ከምዘሎ እዉን ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኤርትራዊ መንነት ወይ ኤርትራዊ ሃገራዉነት ናይ 12 ኤትኒክ ጉጂለታት እዩ። ብዘይካ እተን ኩሉ ሰብ ዝፈልጠን ሃዉሳን ዳህሊኪያን እዉን ከምዘለዋ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ኤርትራዊ መንነት ወይ ኤርትራዊ ሃገራዉነት ክንብል እንኾሎና በዘን ኩላተን ናይቛንቛ ኤትኒክ ጉጂለታት ዝቆመን ከም ዓረ ዝኸበበን እዩ። ኣቶ ዮሴፍ ገና ዘይተረድኦ ጉዳይ ኣሎ። ሃገራዉነት ወይ መንነት ስነሓሳብ፡ ፍልስፍና፡ ሃይማኖት ወይ ዋህም ከምዘይኮነ እዩ። እንታይ ድኣ ንሓደ ዉሱን ህዝቢ ዝጠምር ስነ-ኣእምራዊ ስምዒታዉን ማሕበራዉን ህያዉ ናይ መንነት ፍሕሶ ምኻኑ እዩ። እዚ መንነት እዚ ከምዚ ንሱ ዝብሎ ዝተተምነየ ወይ ዝተፈብረኸ መንነት ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣእምሮና ዝተቀርጸ፡ ብሓሙሽተ ህዋሳትና ክርኣን ክጭበጥን ዘይክእል ባህርያዊ ሕላገት’ዩ። ነዚ ሕላገት እዚ ምንጪ ዝኾነ ሞቆምያታትን ሰራዉሩን ዘለዎ ምኻኑ እዉን ክግንዘብ ኣለዎ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ከምተወሳኺ መብርሂ ዘቕረቦ ናይ ሓጺና ኣብ ገለ እዋናት ዝተፈጥረ ግርጭታት ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ዓዲ ሓጺና ዝነበረ ግርጭታት ንምፍታሕ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቂ ሓጺና ሳሆ ንሳሆ ብምኻድ እዮም ሓገዛት ክሓቱ ፈቲኖም ይብል። እዚ ኣባሃህላ እዚ ንስለዘረባ ዝበሎ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ሳሆ ሳሆ እዩ፡ ትግርኛ ትግርኛ እዩ….ወ.ዘ.ተ ስለዚ ሰብ ናብ መመቦቖሉ ክምለስ ግድነታዊ ስለዝኾነ ትግርኛ እዉን ንትግራይ ክኸይድ ኣለዎ ወይ ካብ ትግራይ ሓገዝ ክሓትት ኣለዎ ማለቱ ኢዩ። ስለዚ ብኣታሓሳስባ ኣቶ ዮሴፍ ኩለን ኤትኒክ ጉጂለታት ኤርትራ ነናብ ኤትኒክኣን ክኸዳ ኣለወን እታ ኤርትራ ትባሃል ዘመናዊት  ሃገርን ኤርትራዊ መንነት ክፈርስ ኣለዋ ዝዓይነቱ እዩ።

ካልኣይ ሓረጉ ንምግላጽ እዉን ብኣብነት እዩ ተጠቂሙ ንምብርሁ። ንኣብነት ይብል ነቶም ትግረ፡ ቛንቓኩም ትግረ እዩ ዝብልዎም፡ እቶም ተዛረብቲ ቛንቛ ትግርኛ እዮም ይብል። ንሳቶም ግን ንመንነቶም ንምዉሓስን ንምክልኻልን ድርዒ-መንነት ስለዘድልዮም ቛንቛና ዓረብ mar 13,2010-Dr. Gaim Kibreab in Modayna room paltalk እዩ ይብሉ ብምባል ዘይተባህለን ዘይተገብረን ኣብነት ብምፍጣር ምህዉታቱ ይቕጽል። ኣብ ኤርትራ ናይዘን ክልተ መንነታት ግርጭታት እዩ ዘሎ። እዘን ክልተ ድማ ናይ ሕብረተሰብና መንነታት ኣይኮናን ብምባል ይዛዝም። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ወይ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ ኣይኮነን ዘድሊ ዘሎ። ዘድሊ ዘሎ ኤርትራ ናብቲ ንቡር ናይቀደም ማሕበራዊ ሂወታ ምምላስ እዩ ብምባል ምስ ስልጣኔ ኤርትራዊ መንነትን ስልጣኔ ፖሎቲካዊ ስነፍልጠትን ብምግርጫዉ ብዘይ ገለ ዘዕግብ መርትዖታት ነቲ ዝካታቶሎ ዝነበረ ነባራይ ሰማዒ ኣብቲ ኣዳራሽ ዘተ ይርሕርሖ። ኣቶ ዮሴፍ ናብ ንቡር ሂወት ምምላስ እዩ ዘድሊ ዘሎ ክብል እንኮሎ እንታይ ማለቱ እዩ? ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ኣለዋ ማለቱ እዩ። ምኽንያቱ ሓበሻዊ ስልጣኔን ሓበሻዊ መንነት ኣሎና ቢሉ ስለዝኣምን ሃገረ ኤርትራን ኤርትራዊ መንነት ዝተፈብረኸ ድኣ እምበር ሓቐኛ ኣይኮነን ኢሉ እዩ ዝኣምን። ኩሉ ፍልስፍናታቱን ጹሑፋቱን ድማ ካብዛ እምነ-ኩርናዕ እዚኣ ስለዝነቕል ናብ መወዳእታን ተገሊሉ ዘይዉዳእ ሓሸዉያ ኣእቲዎ ኣሎ።

ኣቶ ዮሴፍ ሓያል ዝኾነ መግዛታዊ ናፍቆትን ኢትዮጵያዊ መንነትን ስለ ዘሰንፎ፡ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ብዉልቀ ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸመ በደላት ኣብነት ብምርቛሕ ሰዉራ ኤርትራ ብኩሉ እንትንኡ ኩፉእ ከምዝነበረ ከስምር እንኮሎ ከምዚ ይብል “ገድሊ ንወለዲ ክብሪ አይነበሮን፣ ሓደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ተጋዳላይ ንሓደ ነዊሕ ተጓዒዞም ጕዳይ ክሲ ከስምዑ ዚመጹ ኣረጋዊ ወይ ዓቢ ኣቦ ንወዮ ተጋዳላይ ስለ ዚተመላለስዎ ተንበርከኹ ኢልዎም። እዚ ንህዝብና ወጻኢ ካብ ባህሉን ልምዱን ዚዀነ ጓና ስጕምቲ ነይሩ። ድሒሮም ከአ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ኢሎምኒ እዚኦም ተጋደልቲ ሃገር ክመርሑ ብቕዓት የብሎምን። ርኤኻ ወደይሲ ኢትዮጵያ ንህዝብናን ባህልናን ከምዚ ጌሮም ኣቋናጸበሞ ኣይፈልጡን  ከም ዚበልዎ ሓው ዮሴፍ ዕግበቱ አብቲ ኣበሃህላ ወሲኹ ንነባሩ እቲ ናይ ዘተ ኣዳራሽ ተመክርኡን ግንዛቤታቱን ይገልጸልና።

ኣቶ ዮሴፍ ፈጺሙ ዘይፈልጦን ዘይሓለፈሉ ተሞክሮ ብከምዚ ኣብነታት ብምጥቃም እዩ ዘናሽዎን ዝነጽጎን። ፈጺሙ ሰዉራ ኤርትራ ኣዉንታታት ነይርዎ ኣይብልን እዩ። ነተን ብዕላል ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝቀረመን ኣሉታታት ንዕኣን እንዳኣካማስዔ እዩ ድማ ነቲ ታሪኽ ሰዉራ ኣብ ጸሊም ጉሓፍ ዝጉሕፎ። ኣቶ ዮሴፍ ሰዉራ ደቃ እንዳበልዔት ከምትዕወት ኣይፈልጦን ኣይርድኦን እዩ። ኣብ ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒቱ ናይ መንነት ቅልዉላዋትን ናይተሳትፎን ዘይምስታፍ ኣብ መስርሕ ሰዉራ ሕንከታት ስለዘለዎ ንሕንከታቱን ንቕልዉላዋቱን ንስዉራ ኤርትራ ግዳይ ብምግባር እዩ ነብሱ ከዳዓዕስ ዝህቕን።

ሰዉራ ኤርትራ በቲ ሓደ ወገን ሰፍ ዘይብል ጅግንነትን ዓወትን ዘርኣየ ሰዉራ ክኸዉን እንኮሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ምዓት ገበናትን በደላትን ተፈጺሙ እዩ። ኩሉ ድማ ኣብዛ ሕጂ በጺሕናያ ዘሎና ደረጃ ኣብጺሕና ኣሎ። ምትራኽን ምምዛንን እንተኾይኑ ድማ ኣዉንትኡን ኣሉቱኡን ብምዉድዳር ክመጽእ ኣለዎ። ጦቕሞ-ፈሊጣዉያን ወትሩ ስንኮፋትን ኣሉታ ጽዓትን ስለዝዉንኑ፡ ብዘይካ ኣሉታ ኣዉንታ ዘንብብን ዝቕበልን ንያትን ኣእሙሮን የብሎምን።

ኣብ መጨረስታ እሞ እዚ ኩሉ ካብተረኻ መፍትሒ እንታይ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተሉ እዋናት፡ ኣቶ ዮሴፍ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን እዞም ብኣንጻሩ ተሰሊፎም ዘለዉ ተቓወምቲ መፍትሒ ኣይኮኑን ይብል። ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ ክልቲኦም መፍትሒ ከምዘይኮኑ ኣነ እዉን ይሳማማዕ እየ። ክልቲኦም ክፍትሑ ዘለዎም ጸገማት ምኻኖም እዉን ይፈልጥ እየ። ግን መፍትሒታቱ ከምዚ ኣቶ ዮሴፍ ዝብሎ “እቲ ዝርኣየኒ መፍትሒ ክልተ መሰረታዉያን መገድታት እየን ይብል።

1.        ነዚ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተገይሩ ዘሎ ማዕቀብ ብምጥቃም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ብምጥቃም ነዚ ስርዓት ጸራሪጉ ንኤርትራ ናብ ንቡር ሂወታ ክመልሳ። ወይ ድማ፡-

2.       መንግስት ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ዓቕሚታት ተጠቂሙ ነዚ ስርዓት ክኣልዮ ዝብል ልሙስን ኣዝዩ ኑዕቕ መፍቲሒታት እዩ ቀሪብልና። ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓንቲ ክገብር ከምዘይክእል እዩ ዘስሙረሉ ኣብ መዛዛሚ እማሜታቱ።”

ኣቶ ዮሴፍ መፍቲሒታቱ ጥብቆነት ዝምባሌ ዘሰንፎ እዩ። ጥብቆነት ድማ ካብ ዕርበት ንያትን መንነትን ዝነቕል እዩ። ጡዑይ ሓታቲ መጽዩ እቲ መፍቲሒ ንስኻ ብኣንጻር ኣቶ ዮሴፍ ዘቕርቦ ዘሎ እንታይ ኣሎኻ ዝብል ሕቶ እንተዘቕርበለይ ከምዚ ዝስዕብ ቢለ ምስ መለስክሉ፡-

እቲ መፍትሒ ሳልሳይ መገድን ሳልሳይ ሓሳብን ምፍጣር እዩ። ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ጉጂለን ብኣንጻሩ ዘለዉ ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ መፍትሒ ከምዘይምኻኖም ካብተሰማማዕና፡ ካብ እዞም ክልተ ተጻረርትን ባህሪ-ሓደን ዝተፈልየ ኣታሓሳስባን ኣዋዳድባን ዘለዎ ናይ መሰረታት (grass-roots) ምንቕስቃስ ክፍጠር ኣለው። ናይ መሰረታት ምንቕስቃስን ሓሳብን ዳይነሚክስ: ኣብ ህዝቢ ወይ መሰረታት ዝተሰረተ ሓሳብን ምንቅስቃሳዊ ቅርጻ ስለዝዉንን ብባህሪኡ ሓራ ርእሱ ዝኻኣለን ብህዝቢ ዝምዉወልን ዝድገፍን እዩ። ብቀንዱ ዓበይቲ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ፖሎቲካዊ መትከላትን ዉሳኔታትን ካብ መሰረታት ዝነቅሉን ብኦም ዝዉሰኑን ስለዝኾኑ፡ እቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ወትሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ከምዘሎ ዉሑስ ስለዝገብሮ፡ ብዉሽጣዊ ዓቕምታትናን ዉሽጣዊ ዉሳኔታትና ዉሽጣዊ መሰረታዊ ለዉጢ ከነራጋግጽ ንኽእል ኢና። እዚ ብክልስ-ሓሳብን ግብርን ፉቱንን ዕዉትን መፍትሒ እዩ ዝብል መልስን በደላ መፍትሒታት ኣቶ ዮሴፍ መሰቕረብኩ።

ንኣይ ከም ዉልቀ-ሰብ ኣቶ ዮሴፍ ከምዚ ምሕሳቡን ከምዚ ምባሉን ቡዙሕ ኣይገርመንን እዩ። ኩሉ ፍሕሶታት-ሓሳብ ኣቶ ዮሴፍ ንክምሃዝን ክፍጠርን ዝገበረ ጠንቂ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ። ኤርትራ በቲ ተበጊሳትሉን ዝተቃለሰትሉን ዕላማታት መሪሻ ነይራ እንተትኸዉን ናይብሓቂ ሎኽመኛታት ከምዚ ክሓስቡን ክብሉን ኣይምስካሉን ነይሮም። ካብ ኮነ ግን ዝባሃል ነገር ስለዘየሎ ማዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ምቕላስ ጥራይ እዩ እቲ ምርጫ። ኣብ ተኣፋፍን ሓደገኛ ኩናታት መስቀላዊ መገድታት ንኤርትራን ሕብረተሰብ ኤርትራ ከሳጥሕዎ ዝህቑኑን ብዝተፈላለየ ጽዕዶታት ነቲ ሕብረተሰብ ንቱኹላዊ ምትፍናን ክድቕድቕዎ ዝህቑኑ ማናፍቓን ክህሉዉ እዮም።

ኣቶ ዮሴፍ ዘምጾ ዘሎ ሓስብ ሓድሽ ሕጂ ዝተቀልቀለ ሓሳብ ኣይኮነን። ብመሰረቱ እዚ ኣታሓሳስባታት እዚ ኣብ 1948ታት ማሕበር ኣንድነት ዘንቀሎ ሕጂ ኣቶ ዮሴፍ ዝኹስኹሶ ዘሎ ሓሳብ እዩ። እቲ ለዉጢ ብሓይሊ ናይ ግዳም ወትሃደራዊ ሓይሊ ተጠቂምካ ምምጻእ ዝብል ሓሳብ ድማ ብዓል ኣቶ ረዘነ ሃብተ ዘንቀልዎ ሓሳብ ስለዝኾነ፡ ንኽብረት እዉን ምስ ሓሳብ መፍቲሒታት ብዓል ኣቶ ረዘነ ሃብተ ይሳማማዕ እየ ክብል ይግባእ ነይሩ። ወዲያቱ ግን ከምተማራሚሩ ዝቀረቦ መፍትሒ ክመስል መፍትሒ እዚ እዩ ክብል እዩ ተርሹሕዎ። ኣቶ ዮሴፍን ተቀበልቲ ሓሳቡን ዘመን ዘምጾም ማሕበር ኣንድነት እዮም። ዝፈሸለን ዝተሳዕረን ሓስብ ኣልዒልካ ዘይትኣደነ ጊዜን ጽዓትን ኣጥፊካ ክትኩብልል ምሕዳርን ምዉዓልን ናይ ብሓቂ ናይ ሓንጎሉ ሩጉእነትን ዓቕሊ-ጽበት ናይ ጽዉያዊ-ቕመራ ክንክን-ጥዕና (Therapy) ድልዮ ዘሎ እዩ ዝመስል።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

16/04/2010

Copyright 2009 Merid Zeru. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of Merid Zeru. m.zeru@hotmail.com

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: