Eritrea real clear politics's Weblog

January 8, 2011

ኢትዮጵያ ንስርዓት ህግደፍ ንመዳቅ ዘውጸኣቶ ዕማም ወዲአ ንተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ናይ መደብ ዕዮ ዓዲላ

Filed under: News — eritrearealclearpolitics @ 9:36 pm

እዋናዊ ዜና ካብ ኣዲስ ኣባባ  
ኢትዮጵያ ንስርዓት ህግደፍ ንመዳቅ ዘውጸኣቶ ዕማም ወዲአ ንተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ናይ መደብ ዕዮ ዓዲላ

ዓንሰባ ዶት ኮምኣዲስ ኣበባ

ፍልኡይ መንጪ ካብ ኣዲስ ኣባባ ከም ዝሓበሮ ጀነራል መስፉን ኣማረ ሓላፊ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወከልቲ ገለ ውድባት ተቓወምቲ ኤርትራ ተራኺቡ ኣብ ኤርትራ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ዘንቀሳቅሰሉን ወተሃደራዊን ህዝባዊን ንጥፈታቱ ዘካይደሉን ክህልዎ ምኻኑ ድሕሪ ምግላጽ

ጀነራል መስፉን

ነዘን ዝስዕባ ውድባት በቦተአን ግሊጹለን።

 

(1) ምንቅስቃስ ኣስላማዊ ኢስላሕ ኤርትራ ንዞባ ባርካን ህዝባን ክሰግሩ ከምዘይብሎም

(2) ኢስላማዊ ስልፊ ኤርትራ ንልምዓት ክኡሉ ዓይነት ንጥፈታቱ ኣብ ምእሬት ጋሽን ህዝባን ክሕጸር ከምዘለዎ

(3)ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ብተጋዳላይ ሑሴን ከሊፋ እትምራሕ ጀብሃ) ድማ ክሳብ ከባቢ ከረን ዘሎ ቦታን ህዝብን ክትነጥፍ ከምእትኽእል።

ከምቲ ዝተፈልጠ፡ ጀነራል መስፍን ንካልኦት ኣብ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝነጥፋ ውድባት ኪዳን ነናቶም ናይ ምቓለሲ ቦታታትን ህዝብን ሓቢሩዎም ከምዝነበረ በቲ ምንጪ ክፍለጥ ተኸኢሉ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፣ ጀነራል መስፍን ኣማሪ ንክለን ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መምርሒ ብምሃብ ነፍሲወከፍ ውድብ፡ ኤርትራ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ክትኸውን እያ ኢሉ ዝአወጀ ዋና ጸሓፊ እታ ማሕበር ዝኾነዓምሩ ሙሳናይ ሙኽናን ኣዋጃት ኣውጽኡ ኢሉዎም ዝብል ተውሳኺ ሕአበሬታ ካብ ኣዲስ ኣባባ ተረኺቡ ኣሎ።

 

እዚ ሕጂ ተመዚዙ ዘሎ ዕማም ምስቲ ውድብ ዓፋር ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2011 ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ከነካይድ ኢና ኢሎም ሎሚ ንማዕክእናት ዜና ዝሃቡዎ ምእግለጺ የተኣሳሰሩዎ።

 

መንግስቲ ኤርትራ እውን ብወገኑ ማዕረ ማዕሪኡ ምስ ኩነታት ኣተኣሳሲሩ ዝተፈላለዩ ወተሃደራውያንን ዲፕሎማሲያውያንን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይሰድድ ኣሎ፣ አብ ዝሓለፈ ቅኒያት ናይ ምክልኻል ሚኒስተር ዑደት ናብ ሃገረ ቀጠርን ናይ ወጻኢ ዝምድና ሚኒስተር ናብ ሃገረ ኢማራትን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይኣክል።

 http://tigr.rubansaba.com/news/diaspora-news/76-2011-01-06-01-17-50.html

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: