Eritrea real clear politics's Weblog

January 12, 2012

ድሕሪ ዝናብ ኣብ ዝባንካ ምጽሓዩ፣ ናብ ብዓቲ ምዑቃብ ካብ ምንታይ የድሕን?

Filed under: Politics,Uncategorized — eritrearealclearpolitics @ 12:35 pm

ድሕሪ ዝናብ ኣብ ዝባንካ ምጽሓዩ፣ ናብ ብዓቲ ምዑቃብ ካብ ምንታይ የድሕን?

ካብ ዕለት 16/08/2007 መንግስት ኣመሪካ ንሃገረ ኤርትራ ኣብ ደንቤ ናይ ግብረ-ሽበራዊ ስርሓት መወልትን ደገፍትን መዝገብ ዝርዝር ከስፍራ ምኻኑ ዘተንብህ ወስታታት ኣብ መራኸቢ-ብዙሓን ካብ ኣፍ ኣመሪካዊ ምምሕዳር ብዓልቲ መዚ ዝኾና ወይዘሮ ጃንዳይ ፍረዘር ዝነቀለ ትንባህታ ኣብ ታሕሳስ 2009 ኣብ ግብሪ ከምዝትግበር ተገይሩ እዩ። እዚ ትንባህታ ብወይዘሮ ጃንዳይ ፍረዘር ክትንባህ እንኮሎ፣ ስርዓት ኣስመራ ብንዕቐትን ኣቓጫጭን ጥራይ ሪኢዎ። ኣብ ክንዲ ንዋሺንግቶን ኣብ ከምዚ እንታይ ኣብጺሒዎም ኢሉ ዝግምግምን ንጡፍ ናይ ገበላታት ዲፕሎምስያዊ ንጥፈታት ዘሳላስል ብመራኸቢ ቡዙሓን ኣብ ቀጥታዊ ቆዮቓ ምስ ወይዘሮ ጃንዳይ ፍረዘርን ዋሺንግቶ ብምእታዉ፣ ንስርዓት ወያኔ ናጻ ፖሎቲካዊ መጣሊዒ ባይታን ጊዜን ፈጢሩ።
ነዚ ባይታታት ብግቡእ ዘለለየ ጃንዳ ወያኔ ድማ፣ ከም ሓደ ናይ ፖሎቲካ ፕሮጀክት ወሲዱ፣ መዛራግሒ ዝኸዉን ባይታታት ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ሕቡራት ሃገራት ዝተሓላለኸ ሴኪዔታት መርበብ ብምዝርጋሕን ብምልቕቓብን ነቲ ናይ ማዕቀብ ፕሮጀክት ከምዝዕወት ገይሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቐብ ቁኑዕ ድዩ ጉጉይ ኣይኮነን እቲ ክመጽእ ዘለዎ ሕቶ፣ እንታይ ድኣ፣ ነዚ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቐብ ንክንበር እንታይ ግደ ኣበርኪትና ዝብል እዩ። ነዚ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ቀጠልያ መብራህቲ ዝወልዔ፣ ዘሳሰየን ዝዓደመን ባዕሉ ስርዓት ኣስመራ እዩ። ስርዓተ ኣስመራ ንህዝቢ ኤርትራ ድላዩ ስለዝገብሮ፣ ንማሕበረሰብ ዓለም እዉን ድላዩ ክገብሮ ዝኽእል እዩ ዝመስሎ፣ ካብዚ ሽደና ን ጉጉይ ቅመራታት ነቂሉ፣ ብድሕሪ ከዉሊ ልዕላዉነት ኤርትራ ፣ ንኩሉ ኤርትራዊ ጉዳይ ባዕሉ ዓለምለኻዊ ስለዘትሓዞ ብተዳጋጋሚ ዓለምለኻዊ ማዕቐብ ተገይሩሉ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ዘሕዝን ግን ንዝወርዶ ዓለምለኻዊ ኩናኔ፣ ብኣካል ቀሪቡ ክምክት ዘይምቡቁዑ እዩ። ናይረፍዲ ስዓታት መዓልቲ ዕለት 5 ታሕሳስ 2011 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣካል ቀሪቡ ክምክት ዕድል ተፈጢሩሉ ከንሱ  ብኣካል፣ ወይ ብወካሊኡ ኢምባሳደር ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ብቴለ-ክንፍረንስ ክቀሪብ ኣይክኣለን። ንዘይምቕራቡ ክልተ ምስምሳት ይልዕል።-
1.ሕጽረታት ጊዝየን ሎጂስቲክስ፣
2.ዋላ እዉን እንተ ንቀርብ፣ነቲ ዝተሓስበ ማዕቐብ ክንዓግቶ ወይ ከነቀይሮ ስለዘይንኽእል ኢና ይብሉ።
እዚ ዝፈልጡ እንተኾይኖም ሕጂ ዘጽሕፍ ድኣ እንታይ ኣለዎም? ስርዓት ኣስመራ ካብ ተሞኩርኡ ዝማሃር ጃንዳ ኣይኮነን። ዋላ እዉን ጽቡቕ ክሓስቡ እንተደለዩ፣ ጽቡቕ ዘሕስብ መንፈስን ስነኣእሙራዊ ቂኒት የብሎሙን። እዚ ጽሑፍፊ ነቲ ኣቀዲሞም ክሃንጽዎ ዝጸንሑ ሕሉፍ ሃገራዉነት ንምትርንዑን ደገፌታ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንምርካብ ዘናጻጸረ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዓባይ ጸላኢት ኣመሪካ ኣላትና ኢሉ፣ ዓንዚሩ ኣብ ሕሉፍ ሃገራዉነት ኣትዩ ናብ ሓንቢሱ ክወጾ ዘይክእል ዉቕያኖስ ንምሽማሙ እዩ።
ኣብ ጽሕፎም “”ኤርትራ ዋላ እኳ እቲ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ ባይቶ ጸጥታ ተስፋ ዘቚርጽ ብምዃኑ፡ እዚ ደብዳበ’ዚ እውን ፋይዳ ክህልዎ ብዙሕ ትጽቢት ዘይትገብር እንተኾነት፡ ታሪኽ ንታሪኽ በቲ ልክዑ መታን ክምዝግቦ፡ ኣብ ውሳነ 2023 ዘለዋ መርገጺን ኣመላኻኽታን ከተብርህ ሓላፍነት እናተሰምዓ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደላት ደጊሙ ክምልከቶ ትምሕጸን””ይብሉ። ፋይዳ ከምዘይብሉ እንዳፈለጡ ድኣ እንታይ ምኽንያት ዘጽሓፎም? ወዲ ዱሙ ነይ ገድፍ ግብረ እሙ ስልከዝኾነ ድዩ? ጽሕፎም ብኣካል ቀሪቦም ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከቕሩቡ እንዳኻሉ ከንሶም፡ ነዚ ብምሕሳም ኣብ ኣስመራ ተሓቢኻ ምጽሓፍ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? መን እዩ ጊዚኡ ኣጥፊኡ ነዚ ነዊሕ ጽሑፍ ከ ከንብበሎም?

ድሕሪ ዝናብ ኣብ ዝባንካ ምጽሓዩ፣ ናብ ብዓቲ ምዑቃብ ካብ ምንታይ የድሕን?

 

ካብ ዕለት 16/08/2007 መንግስት ኣመሪካ ንሃገረ ኤርትራ ኣብ ደንቤ ናይ ግብረ-ሽበራዊ ስርሓት መወልትን ደገፍትን መዝገብ ዝርዝር ከስፍራ ምኻኑ ዘተንብህ ወስታታት ኣብ መራኸቢ-ብዙሓን ካብ ኣፍ ኣመሪካዊ ምምሕዳር ብዓልቲ መዚ ዝኾና ወይዘሮ ጃንዳይ ፍረዘር ዝነቀለ ትንባህታ ኣብ ታሕሳስ 2009 ኣብ ግብሪ ከምዝትግበር ተገይሩ እዩ። እዚ ትንባህታ ብወይዘሮ ጃንዳይ ፍረዘር ክትንባህ እንኮሎ፣ ስርዓት ኣስመራ ብንዕቐትን ኣቓጫጭን ጥራይ ሪኢዎ። ኣብ ክንዲ ንዋሺንግቶን ኣብ ከምዚ እንታይ ኣብጺሒዎም ኢሉ ዝግምግምን ንጡፍ ናይ ገበላታት ዲፕሎምስያዊ ንጥፈታት ዘሳላስል ብመራኸቢ ቡዙሓን ኣብ ቀጥታዊ ቆዮቓ ምስ ወይዘሮ ጃንዳይ ፍረዘርን ዋሺንግቶ ብምእታዉ፣ ንስርዓት ወያኔ ናጻ ፖሎቲካዊ መጣሊዒ ባይታን ጊዜን ፈጢሩ።

ነዚ ባይታታት ብግቡእ ዘለለየ ጃንዳ ወያኔ ድማ፣ ከም ሓደ ናይ ፖሎቲካ ፕሮጀክት ወሲዱ፣ መዛራግሒ ዝኸዉን ባይታታት ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ሕቡራት ሃገራት ዝተሓላለኸ ሴኪዔታት መርበብ ብምዝርጋሕን ብምልቕቓብን ነቲ ናይ ማዕቀብ ፕሮጀክት ከምዝዕወት ገይሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቐብ ቁኑዕ ድዩ ጉጉይ ኣይኮነን እቲ ክመጽእ ዘለዎ ሕቶ፣ እንታይ ድኣ፣ ነዚ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቐብ ንክንበር እንታይ ግደ ኣበርኪትና ዝብል እዩ። ነዚ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ቀጠልያ መብራህቲ ዝወልዔ፣ ዘሳሰየን ዝዓደመን ባዕሉ ስርዓት ኣስመራ እዩ። ስርዓተ ኣስመራ ንህዝቢ ኤርትራ ድላዩ ስለዝገብሮ፣ ንማሕበረሰብ ዓለም እዉን ድላዩ ክገብሮ ዝኽእል እዩ ዝመስሎ፣ ካብዚ ሽደና ን ጉጉይ ቅመራታት ነቂሉ፣ ብድሕሪ ከዉሊ ልዕላዉነት ኤርትራ ፣ ንኩሉ ኤርትራዊ ጉዳይ ባዕሉ ዓለምለኻዊ ስለዘትሓዞ ብተዳጋጋሚ ዓለምለኻዊ ማዕቐብ ተገይሩሉ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ዘሕዝን ግን ንዝወርዶ ዓለምለኻዊ ኩናኔ፣ ብኣካል ቀሪቡ ክምክት ዘይምቡቁዑ እዩ። ናይረፍዲ ስዓታት መዓልቲ ዕለት 5 ታሕሳስ 2011 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣካል ቀሪቡ ክምክት ዕድል ተፈጢሩሉ ከንሱ  ብኣካል፣ ወይ ብወካሊኡ ኢምባሳደር ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ብቴለ-ክንፍረንስ ክቀሪብ ኣይክኣለን። ንዘይምቕራቡ ክልተ ምስምሳት ይልዕል።-

1.ሕጽረታት ጊዝየን ሎጂስቲክስ፣

2.ዋላ እዉን እንተ ንቀርብ፣ነቲ ዝተሓስበ ማዕቐብ ክንዓግቶ ወይ ከነቀይሮ ስለዘይንኽእል ኢና ይብሉ።

እዚ ዝፈልጡ እንተኾይኖም ሕጂ ዘጽሕፍ ድኣ እንታይ ኣለዎም? ስርዓት ኣስመራ ካብ ተሞኩርኡ ዝማሃር ጃንዳ ኣይኮነን። ዋላ እዉን ጽቡቕ ክሓስቡ እንተደለዩ፣ ጽቡቕ ዘሕስብ መንፈስን ስነኣእሙራዊ ቂኒት የብሎሙን። እዚ ጽሑፍፊ ነቲ ኣቀዲሞም ክሃንጽዎ ዝጸንሑ ሕሉፍ ሃገራዉነት ንምትርንዑን ደገፌታ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንምርካብ ዘናጻጸረ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዓባይ ጸላኢት ኣመሪካ ኣላትና ኢሉ፣ ዓንዚሩ ኣብ ሕሉፍ ሃገራዉነት ኣትዩ ናብ ሓንቢሱ ክወጾ ዘይክእል ዉቕያኖስ ንምሽማሙ እዩ።

ኣብ ጽሕፎም “”ኤርትራ ዋላ እኳ እቲ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ ባይቶ ጸጥታ ተስፋ ዘቚርጽ ብምዃኑ፡ እዚ ደብዳበ’ዚ እውን ፋይዳ ክህልዎ ብዙሕ ትጽቢት ዘይትገብር እንተኾነት፡ ታሪኽ ንታሪኽ በቲ ልክዑ መታን ክምዝግቦ፡ ኣብ ውሳነ 2023 ዘለዋ መርገጺን ኣመላኻኽታን ከተብርህ ሓላፍነት እናተሰምዓ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደላት ደጊሙ ክምልከቶ ትምሕጸን””ይብሉ። ፋይዳ ከምዘይብሉ እንዳፈለጡ ድኣ እንታይ ምኽንያት ዘጽሓፎም? ወዲ ዱሙ ነይ ገድፍ ግብረ እሙ ስልከዝኾነ ድዩ? ጽሕፎም ብኣካል ቀሪቦም ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከቕሩቡ እንዳኻሉ ከንሶም፡ ነዚ ብምሕሳም ኣብ ኣስመራ ተሓቢኻ ምጽሓፍ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? መን እዩ ጊዚኡ ኣጥፊኡ ነዚ ነዊሕ ጽሑፍ ከ ከንብበሎም?

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ንሞኒተሪንግ ግሩፕ ይወቅስን ይኸስስን እዉን ኣሎ። ሞኒተሪንግ ግሩፕ ባዕላ ዝማሃዞቶ ነገር የሎን። ንሞኒተሪንግ ግሩፕ ቀንዲ ቀለብቲ ሓቤሬታ ዝኾኑ፣ እቶም ትማሊኣብ ዉሽጥ  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ን ካብኡ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራዉያንን ዓለማዊን ዞናዉን ትካላትን መንግስታትን ብዝተረኽበ ሓቤሬታታት ዝተመገበት እዮ። ሰለዚ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ንነብሱ እዩ ክወቕስን ክኸስስን ዝግባእ።

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ከም ፖሎትካዊ ስርርዕ ዝፈሸለ ስርዓት እዩ። ነዚ ፉሹል ስርዓት ዝገበርካ ጌርካ ከተዕርዮ እዉን ዝክኣል ስለዘይኮነ፣ ንሃገር ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ መነት ካየፍሽሎ መታን ደዉ ከነብሎ ክንቃለስ ኣሎና። ስለዚ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ድሕሪ ዝናብ ኣብ ዝባንካ ምጽሓዩ፣ ናብ ብዓቲ ምዑቃብ ካብ ምንታይ የድሕን? ካብ ዘድሕኖ ስለዘይብሉ ትም እንተበልኩም ይሓይሽ። ህዝቢ ኤርትራ ን ማሕበረሰብ ዓለም ኺዒብኩም እዩ።

ወድሓንኩም!!!

መርዕድ ዘርኡ

21ታሕሳስ 201
ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ከም ፖሎትካዊ ስርርዕ ዝፈሸለ ስርዓት እዩ። ነዚ ፉሹል ስርዓት ዝገበርካ ጌርካ ከተዕርዮ እዉን ዝክኣል ስለዘይኮነ፣ ንሃገር ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ መነት ካየፍሽሎ መታን ደዉ ከነብሎ ክንቃለስ ኣሎና። ስለዚ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ድሕሪ ዝናብ ኣብ ዝባንካ ምጽሓዩ፣ ናብ ብዓቲ ምዑቃብ ካብ ምንታይ የድሕን? ካብ ዘድሕኖ ስለዘይብሉ ትም እንተበልኩም ይሓይሽ። ህዝቢ ኤርትራ ን ማሕበረሰብ ዓለም ኺዒብኩም እዩ።
ወድሓንኩም!!!
መርዕድ ዘርኡ
21ታሕሳስ 2011

መልእኽቲ  ሃገረ ኤርትራ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ 19 ታሕሳስ 2011

ብ5 ታሕሳስ 2011፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብድርኺት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ዜጽንዕ 2023 (2011) ዝተሰምየ ዝኾነ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ብይን ምሕላፉ ዝፍለጥ እዩ። ባይቶ ጸጥታ ቅድሚ ክልተ ዓመት’ውን ኣብ ታሕሳስ 2009፡ ኣብ ድሮ ክሪስማስ ውሳነ 1907 ዝተሰምየ ተመሳሳሊ ዘይርትዓዊ ብይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምሕላፉ ኣይርሳዕን። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ብ19 ታሕሳስ 2011፡ ናብ እዋናዊ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሚስተር ቪታሊ ቹርኪን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብ ክልቲኡ ግዘያት፡ ባይቶ ጸጥታ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መትከላትን ሕጋዊ መስርሓትን ብምጥሓስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚፈጸሞ በደል ብዝተጸምቈ መልክዕ ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ደብዳበኡ፡-
1) ጉዳይ ምኽባር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነት፡ ፖለቲካዊ ናጽነትን ሓድነትን
ኤርትራ፤
2) ብህሎታት “ደገፍ ኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት”
3) እገዳ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ
4) ምሕናቕ ግብሪ ዲያስፖራ
5) ምዕንቃጽ ወፍርታትን ፋይናንስያዊ ትውጊትን
6) ምንዋሕ ዕድመ ሞኒተሪን ግሩፕ
ዝብሉ ኣብ ብይን 2023 ተጠቒሶም ዘለው ጉዳያት፡ ብመንጽር ጭብጢን ሕጋውነትን ዘለዎም ጌጋታት ሓደ ብሓደ ብምንጻር፡ ባይቶ ጸጥታ ነዚ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ከሕልፍ ዝተመርኰሶ ጸብጻብ ሞኒተሪንግ ግሩፕ፡ ብመሰረት ኣልቦ ክሲታት ዝተነድቀ ምዃኑ ብሰፊሑኣብሪህዎ ኣሎ። በዚ ድማ፡-
– ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ህይወትን መጻኢ ዕድልን ሓደ ህዝቢ፡ ብዙሕ ሳዕቤናት ክህልዎ ዝኽእል ብይናት ኣብ ምሕላፍ ጥንቁቕን ዕቱብን ኣሰራርሓ ክኽተል፤
– ነቲ ብምኽንያት ጉድለት ሞያውነት፡ ዘይሻርነትን ወድዓውነትን፡ ከምኡ’ውን ዝወጋኡ ንፖለቲካዊ ጽልዋ፡ ብብዙሓት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ተኣማንነት ስኢኑ ዘሎ ሞኒተሪን ግሩፕ፡ ብኻልእ ናጻ፡ ዘይሻራዊን ተኣማኒን ኣካል ክትክኦ፤
– ኣብ መወዳእታ ድማ ባይቶ ጸጥታ፡ ነቶም ካብ ተጻባኢ ፖለቲካዊ ዕላማታት ዝብገሱ፡ ብመንጽር ጭብጢ ኮነ ሕጋውነት ቅቡላት ዘይኮኑ ምህዞኣዊ ክሲታት መሰረት ብምግባር ዘሕለፎም ውሳነታትን ዝወሰዶም ስጉምቲታትን ዳግም ብምኽላስ ክእርሞም፤………… መልእኽቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ይምሕጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ –

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ5 ታሕሳስ 2011፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ዜጽንዕ
2023 (2011) ዝተሰምየ ብይን ከምዝርዓመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራ ብወገና፡ ኣብዚ ናይ ቀረባ እዋን ርክባታ ምስ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ብይን ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ ጸቒጣ ክትገልጽ ጸኒሓ ኣላ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንቡር መስርሓትን ሕግታትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ነዚ ብይን’ዚ ከተሕልፍ ዝደፍኣ ቅርሕንቲን ፖለቲካዊ ድርኺትን ከምዘሎ፡ ኤርትራ ደጋጊማ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣብ ታሕሳስ 2009 ባይቶ ጸጥታ ዘሕለፎ ብይን 1907 እውን ተመሳሳሊ ድርኺት ዝነበሮ እዩ። ኣብዚ ክልቲኡ ግዜያት፡ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ትካላት ስለያን ተሓጋገዝቱን ዝተኣልመ፡ ንግሉጽ ኣቀራርባ፡ ከምኡ’ውን መትከል “ምዕሩይ ዕድላት” ዝጠሓሰ፡ ናይ ተኸሳሲ መባእታዊ ሕጋዊ መሰል ምክልኻልን ምስማዕን ዝነጽግ ኣገባብ ተጠቒማ እያ። ኣንጻር ኤርትራ መሰረት ዘይብሉ ክሲታት ዘቕረበት ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ሓሳቡ ክገልጽ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝቐረበ ሕጋዊ ሕቶ ኣብ ርእሲ ምቅዋማ፡ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝተቐበለቶ እናመሰለት፡ ብጎታት ኣሰራርሓ ከምዝብርዕን ገይራቶ እያ።
ውሳነ ባይቶ ጸጥታ 2023 (2011)፡ ነቲ ኣብ ክልተ ኣዕኑድ ማለት ቁጠባዊ ልምዓትን ማሕበራዊ
ፍትሒን ዝሰረተ ናይ ኤርትራ ጽኑዕን ዘይሕለልን ዕማም ህንጸት ሃገር ብኣሉታ ዝጸሉ ኣብ ርእሲ
ምዃኑ፡ ዞባዊ ምትፍናን ከምዝብእስ ብምግባር፡ ኣብ መወዳእታ ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዝዘርግ እዩ።
ካብኡ ንላዕሊ እቲ ዝዓበየ ግዳይ ናይዚ ዘይቅኑዕ ብይን ግዳ፡ ኣህጉራዊ ፍትሒን ሕጋውነትን እዩ። ሞራላዊ ስልጣንን ሕጋውነትን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ውድብ፡ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ክሕሉን ግዴታኡ ከኽብርን ካብ ዘንበረሉ እምነት’ዩ ዝምንጩ። የግዳስ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ዋሽንግቶን ጽልዋኣ ተጠቒማ፡ ብዋጋ ፍትሒን ሰላምን፡ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ዘመን፡ ንሳልሳይ ግዜኣ ነዚ ንእሽቶ ህዝቢ ብዘይርትዓዊ መገዲ እናበደለቶ፡ ብዕሽሽታ ክዕዘባ መሪጹ።
ሓያሎ ኣባላት ባይታ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እንተላይ እቶም ነቲ ብይን ዝደገፉ፡ እቲ ተግባር ከምዘይቀደዎም፡ ካብ ወግዓዊ መግለጺታቶም ኮነ፡ ካብቲ ምስ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝገበርዎ ምይይጥ ክፈልጥ ዝከኣል እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ዋላ እኳ ነዚ ዘይፍትሓዊ ብይን ሓኺኽካ ንምግታእ ዝያዳ ክግበር ዝከኣል እንተነበረ፡ ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ ብፍላይ ድማ ወከልቲ ፈደረሽን ሩስያ፡ ህዝባዊት ሪፑብሊክ ቻይናን ሪፑብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ኣሰራርሓ ባይቶ ጸጥታ ሚዛናውነት ክህልዎ ንዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ኤርትራ ምስናይ ምስጋና ኣፍልጦ ትህቦ።
ናይ ታሕሳስ 2009 ውሳነ 1907 ቅድሚ ምሕላፉ ይኹን ድሕሪኡ፡ ኤርትራ ምስ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝገበረቶ ዝተፈላለየ ርክባት፡ መስርሓት ናይቲ ብይንን መንቅባቱን ኣነጺራ ገሊጻ እያ። ብተወሳኺ፡ ነቲ “ብተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን” ዝተኾመረላ ኣእላፍ መሰረት ኣልቦ ክሲታት ዘይቅኑዕነቱ ዘቃልዕ ሰፊሕን ኣጣቓላሊን መልሲ ሂባትሉ እያ። ይኹን’ምበር ባይቶ
ጸጥታ ንንጹህ መልሲ ኤርትራ፡ ብዕቱብ ተመልኪቱ፡ ኣብ ግምት ከእትዎ ዘይምፍታኑ፡ ቅሬታ
ይስምዓ።
ኤርትራ፡ መሰረታዊ መሰል ርእሰ ምክልኻል ናይ ሓንቲ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት ሃገር ከየኽበርካ፡ ኣብ ህይወትን መጻኢ ዕድልን ህዝቢ፡ ብዙሕ ሳዕቤናት ክህልዎ ዝኽእል ወሰንቲ ብይናት ባይቶ ጸጥታ፡ ርዝነትን ብስለትን ብዝጎደሎ ኣጠቓቕማ ስልጣንን ናይ ቁጽርታት ጸወታን ምሕላፍ፡ ዘሕዝን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከም ቅድመ-ፍጻመ ሓደገኛነቱ እውን ቀሊል ከምዘይኮነ ትገልጽ። ኤርትራ ዋላ እኳ እቲ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ ባይቶ ጸጥታ ተስፋ ዘቚርጽ ብምዃኑ፡ እዚ ደብዳበ’ዚ እውን ፋይዳ ክህልዎ ብዙሕ ትጽቢት ዘይትገብር እንተኾነት፡ ታሪኽ ንታሪኽ በቲ ልክዑ መታን ክምዝግቦ፡ ኣብ ውሳነ 2023 ዘለዋ መርገጺን ኣመላኻኽታን ከተብርህ ሓላፍነት እናተሰምዓ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደላት ደጊሙ ክምልከቶ ትምሕጸን። በዚ መንፈስ’ዚ ድማ ኤርትራ፡ ብዝተጸምቈ ኣገባብ ብመንጽር ጭብጢን ሕጊን፡ ኣብ መፋትሕ ሕጡባት ብይን 2023  ንዘለው ጌጋታት ከተነጽር ትደሊ።

1. ብዛዕባ ምኽባር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነት፡ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ኤርትራ ኣብ ሳልሳይ ሕጡብ፡ መእተዊ ጽሑፍ ብይን 2023፤ “ባይቶ ጸጥታ፡ ኣኽብሮቱ ንልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነት፡ ፖለቲካዊ ናጽነትን ሓድነትን ሶማልያ፡ ጅቡቲ፡ ኤርትራ ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ደጊሙ የረጋግጽ” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ። እዚ መግለጺ’ዚ ምስ ሓፈሻዊ ዕላማ ናይቲ ውድብ ከምኡ’ውን ዓንቀጽ 2(1) ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝቃዶ እዩ። ይኹን’ምበር ኣብ ጉዳይ ኤርትራ እዚ መብጽዓ’ዚ ብሓቂ ተተግቢሩ’ዶ? ወይስ እቲ ሓቂ ካልእ ኮይኑ፡ ከም ዝኾነ ዘረባ ንምጽባቕ ዝደጋገም ቃላት ዝኣተወ’ዩ።
ኤርትራ ግምታ እዚ ዳሕረዋይ እዩ። በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፡- ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ፡ በታ፡ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ኮነ ንዓንቀጻት 2(3), 2(4), ከምኡ’ውን ዓንቀጽ 33 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ጥሒሳ፡ ንከተማ ባድመን ካልእ ልኡላዊ ግዝኣታት ኤርትራን ወሪራ እትርከብ ኢትዮጵያ ተጋሂሱ እዩ። ድሕሪ’ቲ ዓመታት ዝወሰደ ድርኺት ኣመሪካ ዝነበሮ ናይ ኢትዮጵያ ሓሶታትን ዕንቅፋታትን፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ2 ጥቅምቲ 2008 ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ስለዝፈጸመ፡ ንነብሱ ከም ዕማሙ ዝወድአ ቤት ጽሕፈት ከምዝቘጽሮ ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ።
ኣብቲ ደብዳበ እቲ ኮምሽን ነቶም፡ “ኣብ መግለጺታቱ ዘለው ጭብጢታትን ሕጋዊ መብርሂታትን ብምጉላሕ፡ ብውሳነ ሚያዝያ 2002 ዝተነጸሩ ዶባዊ ሕንጻጻትን ናይ 27 ሕዳር 2006 መግለጺን ንክልቲኦም ወገናት ዝቕይዱ ምዃኖም” ደጊሙ የረጋግጽ” ይብል። ኮምሽን ዶብ ብተወሳኺ፡ “ብ17 ጥሪ 2008 ነቶም ኣብ ጥብቆታት መግለጺ 27 ሕዳር 2006 ዝቐረቡ ነጥቢታት ዘንጽር ቅዳሕ ካርታ፡ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ክወሃብ እንከሎ፡ ካልእ ቅዳሕ ድማ ንህዝባዊ መወከሲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ካርቶግራፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝዕቀብ ተገይሩ ኣሎ” ክብል ኣብሪሁ።
የግዳስ፡ እቲ ሓቂታት ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ባይቶ ጸጥታ፡ ብምኽንያት ተኸላኻሊ ግደ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘስገድድ ጠለባት ከቕርብ ኣይከኣለን። እቲ ዘገርም፡ ንኤርትራ ብምኽንያት’ቲ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ፡ ኣብ መስርሕ ሽምግልና ዝርከብ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ዘይግቡእ መቕጻዕቲ ክውስን እንከሎ፡ ብይን 2023፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቅሉዕ ግህሰት ብዝምልከት ብጩቕ ኣይበለን።
ኣብ ክንድኡ ግን፡ ኣብ መእተዊ ሕጡበ-ጽሑፍ 4 ነዚ ጉዳይ’ዚ ዚምልከት፡ ከምዚ ዝስዕብ ዝንበብ
ቄናን ጽሑፍ ሰፊሩ ይርከብ። “ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘላቒን ውሑስን ሰላምን ጸጥታን ባይታ ንምንጻፍ፡ ኩለን ሃገራት ናይቲ ዞባ ዘለወን ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሓን
ዝምድናአን ናብ ንቡር ክመልሳን እናጸውዐ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነዞም ምስሕሓባት እዚኣቶም ንምፍታሕ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ሃገራት ናይቲ ዞባ ክተሓባበራ የተባብዕ” ይብል እቲ ጽሑፍ።
ዝኾነ ተዓዛቢ፡ እዚ ሕጡበ- ጽሑፍ’ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዶባዊ ምስሕሓባት ብኣጠቓላሊ
ንምምልካት ዝኣተወ እዩ ዝመስሎ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዚ ዘይብሩህ ቄናን ቋንቋ፡ ደይ መደይ ኢልካ ንተንኰላዊ ዕማም ዝተመርጸ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ሕጡበ-ጽሑፍ 2 ናይ ብይን 2023 ሰፊሩ ዘሎ ቃላት ድማ፡ ነዚ ግምት’ዚ ዘራጒድ እዩ። “ባይቶ ጸጥታ….ነቲ ኣቐዲሙ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ፡ ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ምስሕሓባት ክትፈትሕ፤ ኩሎም ወገናት ድማ ዘለዎም ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ፈቲሖም ዝምድናታቶም ናብ ንቡር ብምምላስ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኣማምን ሰላምን ዘላቒ ጸጥታን ክፈጥሩ፤ ነዞም ምስሕሓባት እዚኣቶም ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ክተሓባበሩ ዝዕድም ጻውዒት ደገፉ ይገልጽ….” ይብል እቲ ጽሑፍ። ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ሕጡበ ጽሑፋት 4ን5 ናይቲ ብይን ስለዝተገልጸ፡ ሕጡበ ጽሑፍ 2 ብስልሕማዊ ሜላ፡ ንዶባዊ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመልክት ተባሂሉ ዝሰፈረ ምዃኑ ርዱእ እዩ።  ይኹን’ምበር፡ እቲ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዓንቀጻት 4.1ን 4.2ን ኣብ መግዛእታዊ ውዕላትን ኣህጉራዊ ሕጊን ተሞርኲሱ፡ ዶባት ክውስን ምሉእ ስልጣን ዝተዋህቦ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቦ ብይን ብንጹር ዘይምጥቃሱ ዘተሓሳስብ እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዓንቀጽ 4.15 ዝሰፈረ፤ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝሕንጸጽ ዶብ ከምኡ’ውን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልኡላውነትን ሓድሕዶም ከኽብሩ ግዴታ ኣለዎም” ዝብል ነጥቢ ጸቒጥካ ምጉላሕ ኣድላዪ ይኸውን።
እዚ ሕጂ ሕቶ ጎበጣ ኮይኑ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሕጋዊ መገዲ ዝተዓጽወ ፋይል ብምዃኑ፡ ኣብዚ ውዱእ ጉዳይ፡ ባይቶ ጸጥታ ብናይ ቃላት ጸወታ ንሕብረት ኣፍሪቃ ካልእ ዕማም ከሰክሞ ኣይክእልን እዩ። ዘይሕጋዊ ጎቦጣ ኢትዮጵያ ብዕሽሽታ እናተዓዘበ ከሎ ድማ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይቲ ሕጡበ- ጽሑፍ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ሕሉው’ዩ ክብል ዘምሕረሉ ኣይኮነን።
ፖለቲካዊ ናጽነት ኤርትራ እውን፡ ኣብ ብይናት 1907ን 2023ን ኣይተሓለወን። ንዓመታት
ዝቐጸለ ቀጻዒ ስጉምቲታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ምስቲ ኣብ
ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን ዘሎ ንጹህ ባህጊ ዘራኽብ የብሉን። እቲ ተጻብኦ፡ ኤርትራ ሰላም ጎረባብቲ ሃገራት ትዘርግ ወይ ኣብ ሽበራዊ ተግባራት ኢዳ ትሕውስ ኣላ ካብ ዝብል ሓቀኛ እምነት ኣመሪካ ዝብገስ ኣይኮነን። ጭኑቕ ተጻብኦ ኣመሪካ፡ መሰል ፖለቲካዊ ናጽነት ኤርትራ፡ ብፍላይ ረብሓታታ ኣብ ዝትንክፍ ጉዳያት ካብ ዘይምጽዋር ዝነቐለ እዩ። ከምዝፍለጥ ኤርትራ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ሶማልን ኢትዮጵያን እትኽተሎ ፖሊሲ ብመትከል ኣይትድግፎን እያ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ኣብ ጸብጻብ ዊኪሊክስ ብሰፊሑ ተጠቒሱ ይርከብ። ብ1 መጋቢት 2008፡ ካብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመሓላለፈ ምስጢራዊ መልእኽቲ፡ እቶም ልኡኻት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ እገዳ ስጉምቲ ምእንቲ ክውሰድ ሰፊሕ ጎስጓስ ከካይዱ ይእዝዝ። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፡
“ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ኣንሚ)
ጣልቃ ብምእታዋ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ልኡኽ ቀረብ ነዳዲ ብምኽልካላ” ይብል
እቲ መልእኽቲ፡ “እዚ ዝስዕብ ኣማራጺታት ዘለዎ ስጉምቲታት ምውሳድ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ
እዩ።
1) ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናይ ጉዕዞ እገዳ ምውሳን
2) ናይዞም ዝተጠቕሱ መራሕቲን መሰልቶምን ሕሳባት ወይ ካልእ ጸጋታት ኤርትራ ምድስካል
3) ምስ ጸጋታት ኤርትራ እንተላይ ናይ ማዕድን ሃብቲ ዝተኣሳሰረ ንግዲን ወፍሪን ምቕያድ
4) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር እገዳ ምውሳን። መስረት ብይናት 1907ን 2023 እምበኣር፡ እዚ ኣብ 2008 ናብ ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ንሃገራት ዝተላእከ መልእኽቲ ምዃኑ ርእሰ ግሉጽ እዩ።

1. ብህሎታት “ደገፍ ኤርትራንዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት”

ኣብ መቕድም ብይን 2023፡ ሕጡበ-ጽሑፍ 7 ንኡስ ሕጡብ
1፡ ባይቶ ጸጥታ፡ “ኣብ ጸብጻብ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን ዘሎ ርኽበታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ” ምዃኑ ጠቒሱ፡ “ኤርትራ ንተቓወምቲ ጉጅለታት እንተላይ ነቲ ርግኣት ሶማልን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ምሕማስ ዝርከብ ኣልሸባብ ብቐጻሊ ሓገዝ ተበርክት ብምህላዋ ይኹንን” ይብል።
ኤርትራ ነዚ ጠቐነ’ዚ ኣመልኪታ፡ ብ18 ሕዳር 2011 ኣብ ዝሃበቶ ሰፊሕ መልሲ፡ ባይቶ ጸጥታ ንርኽበታት “ተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን” ከይመርመረን ከየጻረየን ከምዘለዎ ክቕበሎ ግቡእ ከምዘይኮነ ገሊጻ እያ። ሞኒተሪን ግሩፕ ባዕሉ ከምዝተኣመነሉ፡ እቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ “ካብ ወጻእተኛታት ትካላት ተግበርቲ ሕጊ” “ካብ ርክባቱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ”፡ “ካብ ወተሃደራውያን ሰበስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ነበር”፤ “ኣብ ንግዲ ምስግጋር ሰባት ካብ ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ውልቀሰባት” ዝኣከቦ ብትኽታኽ ሓበሬታ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ “ጭብጢታት ኣብ ምምእራርን ሓቅነቱ ኣብ ምርግጋጽን ዝተጠቕመሉ ኣገባብ፡ “እቲ ዝድለ ደረጃ ሕጋውነት ዘማልአ” ከምዘይኮነ ተኣሚኑ እዩ። በዚ ድማ፡ ጸብጻብ ናይቲ ጉጅለ ብግሁድን ሰላሕታዊን ፖለቲካዊ ምትእትታው ኣመሪካ ዝተነድቀ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ግምት’ዚ፡ ብውሑዱ፡ ኣብ መግለጺታት ናይተን፡ ስራሕ ሞኒተሪን ግሩፕ ፖለቲካዊ መልክዕ ከይሕዝን ኣብ መሰረት ዘይብሉ ህውኽ መደምደምታ ከይብጻሕን ዘጠንቀቓ ሪፑብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ፈደረሽን ሩስያን ተንጸባሪቑ ኣሎ።

2. ነቲ ክውን ሓቂ ዝያዳ ንምንጻር ግዳ፡ ኤርትራ ነዞም ዝስዕቡ ጉሉሓት ነጥቢታት ጸቒጣ
ከተስምረሎም ትደሊ፡

ኣብ ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ብወተሃደራዊ ወይ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ኤርትራ ንኣልሸባብ ወይ ካልኦት ጉጅለታት ዝተወልዐን ዝተጓሃሃረን ኣይኮነን። ኤርትራ ሶማል ሕምስቲ ሃገር ጌርካ ንምሓዝ ዝድርኽ ፖለቲካዊ ድሌት ይኹን ረብሓ፡ ዋላ እውን ፋይናንስያዊን ሎጂስቲካዊን ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ኣይኮነትን። ኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ወይ ምድንጋጽ የብላን፡ ኣልሸባብ’ውን ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ካብ ኤርትራ ዝጽበዮ ሓገዝ የለን። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ምስልምና ወይ ዝኾነ ካልእ እምነት ዝሰረቱ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ “ኣኽራሪ” ይጸዋዕ “ልዙብ” ኣጥቢቓ እትቃወሞ ሃገር እያ።
ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ሽግራት ሕብረተሰብ ብኸምዚ ዝዓይነቱ ጸቢብ ኣመለኻኽታ ክፍታሕ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ስለዘይብላ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣመሪካ ትኹን ኢትዮጵያ ወይ ካልኦት ተጻባእቲ ኤርትራ ኣዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ እዩ። ይኹን’ምበር ንኻልእ ሕሳባቶም ክብሉ፡ ንሓሶት እናሻዕ እናሐደሱ ክጥቀምሉ ይርኣዩ ኣለው። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኬንያ ከም ልሳን ተጠቒሞም፡ “ኤርትራ ብሰለስተ ነፈርቲ ኣጽዋር ናብ ኣልሸባብ ልኢኻ” ኢሎም ዘጋውሕዎ ጠቐነ ይኹን፡ ኣቐዲሙ “ኤርትራ 2000 ሰራዊት ናብ ሶማል ልኢኻ” ኢሎም ዝነዝሕዎ ወረ፡ ሓደ ክፋል ናይዚ ፖለቲካዊ ጸወታ’ዚ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማል ዝተባህለ ኣካል ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ንሓያሎ ሃገራት እንተላይ ንኢትዮጵያ፡ የመን፡ ሊብያን ቐጠርን፡ ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝተወሰነ ናይ ኣጽዋር እገዳ ጥሒሰን ክብል ከሲስወን ምንባሩ ይፍለጥ። ይኹን’ምበር ሕቡራት መንግስታት
ኣመሪካ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዛ እቲ ናይ እገዳ ራዳር ናብ ኤርትራ ጥራይ ከነጻጽር እያ ወሲና።
ኣብቲ ንተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን ዝተዋህበ ዝርዝራዊ መልሲ ተጠቒሱ ከምዘሎ፡ ኤርትራ ምስ “ኣልሸባብ ርክብ ኣለዎም ንዝበሃሉ ውልቀሰባት” ሂባቶ ዝበሃል ፋይናንስያዊ ሓገዝ ሒደት ኣሽሓት ዶላራት እዩ። ብመሰረቱ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ስራሕ ኢዳ ከምዘይትሕውስ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ተቘጻጻሪ ጉጅለ እውን እንተኾነ ባዕሉ፡ ኣልሸባብ ካብ ቀረጸ፡ ቀርሰናን ካልእ ንጥፈታትን ናብ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝጸጋጋዕ እቶት ከምዝረክብ ኣብ ጸብጻቡ ተኣሚኑ እዩ። ንቀረብ ኣጽዋር ብዝምልከት እውን፡ ኣልሸባብ ካብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ኣጽዋርን ከምዝዕድግ ሞኒተሪን ግሩፕ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ ኣሎ። ስለዚ እቲ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ክሲ ውጹእ ጸለመ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካልእ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ተኣሳሲሩ ክግለጽ ዝነበሮ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል፡ በበይኑ ምኽንያታትን ረብሓታትን ብዘለዎም ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብቐጻሊ ዝድፈር ምዃኑ እዩ።
ኤርትራ ንጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩፕ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ ሓቀኛ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ገሊጻቶ ኣላ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መንግስታትን ተቓወምቲ ምንቅስቓሳትን ዘሎ ሕልኽላኽ መርበባት፡ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ድማ ኣብሪሃቶ ኣላ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ ከም ጠንቂ ናይቲ ኣብ መላእ ዞባ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ክውንነት ማለት – ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጠንቁ ውግእ – ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ሶማል ውሽጣዊ ግጭት – ውግኣት ሱዳን፤ ጌርካ ምቚጻር ግቡእ ከምዘይኮነ ድማ ዘርዚራ ኣረዲኣ።
ነዚ ዞባዊ ክውንነት’ዚ ዘንጊዕካ፡ ንኤርትራ ከም ጠንቂ ናይዚ ዘሎ ጸገም ምቕራብ እምበኣር፡ ብመንጽር ጭብጢታት ግጉይ፡ ብሕልና ድማ ዘይቅቡል እዩ።
ኣብ ብይን 2023 ሕጡበ- ጽሑፍ 7 ሰፊሩ ዘሎ፡ “ኤርትራ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ እተካይዶ መንግስታት ጎረባብቲ ሃገራት ዘዳኽም ምንቅስቓስ ከተቋርጾ፤ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ፋይናንስያዊ፡ ስለያዊ ወተሃደራዊን ዘይወተሃደራዊን ሓገዛት፡ ከም መሰልጠኒ ማእከላት፡ መዓስከራት ከምኡ’ውን ፖስፖርት፡ ናይ መነባብሮ ወጻኢታትን ናይ ጉዕዞ መሳለጥያታትን ዝኣመሰለ ደገፋት ካብ ምሃብ ክትቊጠብ ንጽውዕ” ዝብል ነጥብታት፡ ካልእ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ስም ኤርትራ ንምጽላም ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ኪካየድ ዝጸንሐ መሰረት ዘይብሉ ጠቃኒ ዘመተታት እዩ። እኳ ድኣ፡ ኢትዮጵያ ብምትብባዕ ትካላት ስለያ ኣመሪካ፡ ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ፡ ብቕሉዕ ወተሃደራዊ፡ ፋይናንስያዊ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ደገፋት ከምእትህብ ዝፍለጥ እዩ። ካብቲ ብዙሕ መርኣያታት ናይዚ ደገፋት’ዚ ሓደ፡ እቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ (ታሕሳስ) ኣብ ከተማ ኣዋሳ ዘአንገደቶ ቅሉዕ ኣኼባ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ኣብቲ ኤርትራ
ንጸብጻብ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን ዝሃበቶ ሰፊሕ ግብረ መልሲ፡ መሰረታዊ ኣመለኻኽታን መብጽዓን ኤርትራ ንዞባዊ ፖሊሲ ሰናይ ጉርብትናን ሰላምን ብሰፊሑተገሊጹ ይርከብ።

3. እገዳ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊኤርትራ

ሕጡበ-ጽሑፍ 8 ናይ ብይን 2023፣ ባይቶ ጸጥታ “ኩለን ሃገራት… ብፍላይ ድማ ሃገራት ናይቲ ዞባ… ኣቐዲሙ ኣብ ብይን 1907 (2009)፣ ሕጡበ ጽሑፍ 5ን 6ን ሰፊሩ ንዘሎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ትግባረኡ ብጥብቂ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ገግዝኣተን – እንተላይ ኣብ ወደባትን መዓልቦ ነፈርቲን – ካብን ናብን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝመሓላለፍ ጽዕነት፣ ሃገራዊ ሕጋጋትን ዓለምለኻዊ ሕግን ብዝፈቕዶ መሰረት፣ ጥቡቕ ምክትታል ክገብራ ይጽውዕ” ይብል እሞ…. “እንተድኣ ሓንቲ ሃገር፣ ኣብ ሕጡበ ጽሑፍ 5ን6ን ዝተኣገደ ንብረት፣ ቀረብ፣ መሸጣ፣ ምስግጋር ወይ ሰደድ ዝትሕዝቶኡ ጽዕነት ምዃኑ ዘእምን ሓበሬታ ረኺባ….ወዘተ.” እናበለ ይቕጽል። ቅድም ቀዳድም፣ ከምዚ ብዝዓይነቱ ዘይንጹር ቋንቋ ዝሰፈረ፣ እሞ ኸኣ ንተጻባእቲ ወገናት ቀይዲ ዘይብሉ ናጽነት ወይ ስልጣን ዝህብ ውሳነ፣ ንዞባዊ ውህደትን ርግኣትን ከገልግል ከምዘይክእል ርዱእ እዩ። እኳ ድኣ ብይን 2023 እዚ ብምግባሩ፣ ንዞባዊ ምፍሕፋሕን ግጭትን ጠንቂ ዝኸውን፣ ዘይነበረ ሓድሽ ባእታን ተወሳኺ ዘርኢን እዩ ዘተኣታቱ ዘሎ። ብዝለዓለ ደረጃ ክርአ እንከሎ ድማ፣ በዚ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ ናይ ጉዳያት ክፍጠር ዝኽእል ዞባዊ ምምዝባል ሚዛን ሓይሊ፣ ብዓይኒ ሕጊ ዘይቅቡል፣ ብግብሪ ድማ ግጭታት ዝያዳ ዘጓሃህር እምበር ዘዛሓሕል ኣይኮነን።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝያዳ ንሳ ብእትፈልጦ ምኽንያታት፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብእትወስዶ ዘላ ስጉምቲታት፣ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምጉልባት ልዑል ኣበክርቶ እያ ትገብር ዘላ። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መዓስከር ሌሞንየር፣ ጅቡቲ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራ፣ ዋሽንግቶን፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንሰብ-ኣልቦ ነፈርታ ዘአንግድ ሓድሽ መደበር ሓይሊ ኣየር መስሪታ ኣላ። ከም ኣምሳያ ናይዚ መደባት’ዚን ካልኦት ተመሳሰልቲ ፕሮግራማትን ድማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣመሪካ ንሓያሎ ሃገራት ናይዚ ዞባ ብተዓጻጻፊ ክውስኽ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብፍላይ፤ እቲ ስርዓት ኣብ ሃተምተም ምዕዳግ ታንክታትን ካልእ ኣጽዋራትን ተጸሚዱ እዩ ዝርከብ።
እዚ ዕድጊታት’ዚ፣ በቲ ባንክ ዓለም፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ለገስቲን ብድፍኢት ኣመሪካ፣ ዓመታዊ ነታ ሃገር ብመልክዕ ቀጥታዊ ባጀትን ካልእ ሓገዛትን ዝምጥውላ ቢልዮናት ዶላራት ዝድጎም ዘሎ እዩ። ከም ዝዝከር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ 2007፣ ካብ ሰሜን ኮርያ ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ኣጽዋር ብፍሉይ ግምት ፍቓድ ምእንቲ ክረክብ፣ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበረቶ ማዕቀብ መሸጣ ኣጽዋር ክሳብ ምልስላስ በጺሓ ነይራ እያ። እሞ’ኸ ድኣ፣ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ንምጉልባት ምሒር ሃጸፍጸፍ ኣብ ዝርኣየሉ ዞባ፣ ኤርትራ ነብሳ ንምክልኻል ዘኽእላ ኣጽዋር ከይትሽምት ጭንቀት ምፍጣሩ፣ በየናይ ስነ-ሞጎት ክምኽነ ይኽእል? ኤርትራ ነቲ ጉዳይ በዚ ርእየተ-ኩርናዕ’ዚ ኣድሚቓ ከተጉልሖ ዝደለየት፣ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ንምጉልባት ሸውሃት ሃልዩዋ ዘይኮነ፣ ንድፊ ሃንደስቲ ብይን 2023 ዕርቃኑ ንምውጻእ ጥራይ እያ። ብተወሳኺ ኤርትራ፣ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፣ ነብሳ ንምክልኻል ዘኽእላ ኣጽዋር ክትሕዝ ክግሃስ ዘይግባእ ሕጋዊ መሰላ ምዃኑ ጸቒጣ ከተስምረሉ ትደሊ። ባይቶ ጸጥታ፣ በቲ ሓደ ወገን ናይታ ብደገፍ ኣመሪካ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጣ እትርከብ ጻሕታሪት ውግእ ጎረቤት ዘይሕጋዊ ተግባራት እናተጻወረ፣ በቲ ካልእ ወገን ሓደ ጎድናዊ ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክውስን ርትዓውነት ዘለዎ ብይን ኣይኮነን።

4. ምሕናቕ ግብሪ ዲያስፖራ

ዝተፈላለዩ ዓይነት ግብርታት ምስላዕ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ልኡላዊ ስልጣን ወይ መሰል ኮይኑ፡ንዜጋታታ ጥራይ ዘገድስ ጉዳይ እዩ። ሕጡበ ጽሑፍ 10ን 11ን ናይ ብይን 2023 ግን ነዚ ንቡር መሰል’ዚ ዝጻረር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ኣጥቃዒ ቃላትን ኲምራ ግጉይ ሓበሬታን እተሓንገጠ እዩ። እዚ ንቡርን ዘይጓዳእን ተግባር’ዚ፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮነ ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ብዓይኒ ጽልኢን ራዕዲን ይጥመት ኣሎ ዘገርም እዩ። ምስዚ ብምትእስሳር፡ ኣብ 1999 ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኲናት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምምሕዳር ክሊንተን፡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝልእክዎ ገንዘብን ግብሪን ንምዕጋት ዘኽእል ኣገባባት ወይ መገዲታት ሃሰው ይብል ምንባሩ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን። ከምቲ ሕጡበ ጽሑፍ 10 ብይን 2023 ብሃውሪ ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ኤርትራ “ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታታ እትእክቦ ግብሪ …. ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝራግ ኮነ…. ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ዕጥቅን ካልእ ነገራትን ኣብ ምስናቕ…ወዘተ.” ከተውዕሎ ሓሲባቶን ገይራቶን ኣይትፈልጥን።
እዚ ድሩት እቶት’ዚ፡ መጠኑ ምሒር ተጋኒኑን ዘይፍለጥ ሕቡእ ምስጢር ከምዘለዎን መሲሉ እዩ
ዝቐርብ ዘሎ። መጠኑ ብዘየገድስ ግን፡ ኤርትራ፡ ሕጋውነት ናይዚ ግብሪ’ዚ ቅኑዕን ዝኾነ ዘውቅስ ዘይብሉን ምዃኑ ጸቒጣ ከተስምረሉ ትደሊ። ነዚ ግብሪ’ዚ ዝወሰነ ዘቤታዊ ሕጊ ንጹርን ዘየሻሙን፡ ማሕበራዊ ዕላማኡ ክቡር፡ ኣብ 2% ዝተሓጽረ ምዃኑ ድማ፡ ብዝኾነ መለክዒ መጠኑ ርትዓዊ እዩ። ካብዚ ግብሪ’ዚ ዝርከብ እቶት ናብ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ውሕስነት ማለት ናብ ምሕጋዝ ስድራቤት ስውኣት ከምኡ’ውን ኣብ ዳግመ ህንጸትን ልምዓትን ዝቐንዐ ብምዃኑ፡ እዚ ኣብ ውልቃዊ ድሌት ዝተሞርኰሰ ኣበርክቶ’ዚ፡ ካብቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ግብረሰናይ ንጥፈታት ዝፍለ ኣይኮነን።
ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ንወግዓዊ ምንጻግ ወይ መጥቃዕቲ ጠንቂ ክኸውን ዝግባእ ኣይኮነን። ቅድሚ ዝኣገረ ከኣ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምስሉይ ኣቀራርባ፡ ኤርትራ ካብ ዜጋታታ ግብሪ ስለዝኣከበት ክትቃወም ዘይግብኣ ሃገር እያ። ምኽንያቱ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታታ ምሉእ ኣታዊ-ግብሪ ክኸፍሉ እተስገድድ ሃገር እያ። እኳ ድኣ ግህሰትን ተጽዕኖን ብዝምልኦ ኣገባብ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ባንክታት ካልኦት ሃገራት፡ ኣብ ዓደን ናይ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ሕሳባት ከምዝሕብራን ኣድላዪ እንተኾይኑ ብመገዲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ተጸዊዐን ከምዝሕተታን ብምግባር፡ ንሃብታማት ኣመሪካውያን ዘኽስስ ኣህጉራዊ ሕግታት ብምጥቃም፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልተኣዊ ስምምዓት ብምፍጣር፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ውልቃዊ ጸጋታት ኣመሪካውያን ኣጽኒዕካ ብኡ መጠን ግብሪን ቀረጽን ብምሽናን ኣታዊታቱ ከምዝእክብ ኩሉ ብይን 2023 ኣብ ዝምቡዕ ጸብጻባት ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ተሞርኲሱ ኣብ ሕጡበ ጽሑፍ 11 ኣስፊርዎ ከምዘሎ፡ “ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታታ ግብሪ ንምእካብ፡ ሓይሊ፡ ምፍርራሕ፡ ምትላልን ካልእ ዘይሕጋዊ ኣገባባትን….” እትጥቀመሉ ምኽንያት የለን። ኩሎም መንግስታት ንኣሰላልዓን ኣተገባብራን ምእካብ ግብሪ ብዝምልከት ነናቶም ኣገባባት ኣለዎም።
በዚ መሰረት ኤርትራ፡ ፊስካላዊ ግቡኦም ዘየማልኡ ገለ ዜጋታት ከይህልው ንምቊጽጻር፡ ኣብ
መዳይ ፍቓድ ዋንነት ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ግቡኣት ንምምላእ ዝዓለመ እትጥቀመሉ ኣሰራርሓታት ኣሎ። እዚ ግሁድ ዘቤታዊ ኣሰራርሓ’ዚ፡ ከም ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት የለን።
እቲ ዘሕዝን፡ ባይቶ ጸጥታ ንኣጸላሚን ዝምቡዕን ጸብጻብ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ከምዘለዎ ምቕባሉ እዩ። ሕጡበ-ጽሑፍ 11 ናይቲ ብይን ብምቕጻል፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሕጊ ተገዚኦም ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘፈራርሕ ትሕዝቶ ኣስፊሩ ኣሎ። “ኣንጻር ኣብዚ ሕጡበ- ጽሑፍ’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ናይ እገዳ ውሳነን ናይ ዝምልከተን ሃገራት ውሽጣዊ ሕግታትን ብምኻድ፡ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ወይ ህግደፍ ኮይኖም ብወግዓዊ ወይ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዝነጥፉ፡ በተን ዝነብሩለን ሃገራት ምቊጽጻር ክግበረሎም ይግባእ….” ድማ ይብል። እዚ ቃላት’ዚ ርኡይ ጠቐነን ዘለፋን እዩ። ቅድም ቀዳድም ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ፡ ኣብ ምእካብ ግብሪ ዝነጥፍ ኤርትራዊ ተቐማጢ ወጻኢ የለን።
ህግደፍ እውን እንተኾነ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ኮይኑ ኣብ ወጻኢ ግብሪ ኣኪቡ ኣይፈልጥን። ሕጋዊ ስልጣን እውን የብሉን። እቲ ኣብ ግምታት ዝተሞርኰሰ ጸብጻብ ተቘጻጻሪ ጉጀለ፡ ካብ ተጻባእቲ ኤርትራ ዝኾኑ ወገናት እተሸመተ ኣዝዩ ሕሱርን ኣጋጋዪን ሓበሬታ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮነ ካልኦት ኣንጻር ኤርትራ እተዓጥቁ ወገናት፡ እቲ ጸብጻብ ሓቂ ከምዘይኮነ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም። የግዳስ፡ ኩሉ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ መንግስቲን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታትን ጋግ ንምፍጣር ዝኣለምዎ ውዲታት ብዘይምስርሑ፡ እቶም ባዕላቶም ጠፍጢፎም “ተቓወምቲ” ዝብል ስም ዘጠመቕዎም ዕሱባት ጉጅለታት እውን ኣብ ኩሉ ከይበጽሑ ብምፍሻሎም፡ ሓድሽን ብሉይን ጠቐነታት እናጋውሑ ስም ኤርትራ ምጽላም ይቕጽልዎ ኣለው።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝሰድዎ ገንዘብ ዝዕገተሉ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ድሮ ከተተኣታቱ ጀሚራ ኣላ። ገለ ናይ ኣመሪካ ባንክታት ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ዝተዋህበን መምርሒ፡ ምስ ባንክታት ኤርትራ ዝጸንሐን ናይ ስራሕ ምትእስሳር ኣሐርፊፈንኦ ይርከባ። እዚ ተግባር’ዚ፡ ብይን 2023፡ ንዜጋታት ኤርትራ ካብቲ ካልእ ፈልዩ መሰሎም ዝግህስ ምዃኑ ኣጉሊሑ ዘርኢ እዩ። ከምዝፍለጥ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሕጋጋት ወፍሪ ኮነ ዓለምለኻውያን ስምምዓትን ውዕላትን፡ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝነጥፉ ትካላት መኽሰባቶም ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ናብ ሃገሮም ክሰዱ፤ ከምኡ’ውን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት፡ እቶቶም ተጠቒሞም ኣብ ሃገሮም ከውፍሩን ንወገናቶም ክሕግዙን ዘፍቅዱ እዮም። እዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን እትገብሮ ዘላ ተጽዕኖ እምበኣር፡ ብመንጽር እዞም ሕጋጋት እዚኣቶም፡ ጒሉሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ንጹር እዩ።

5.ምዕንቃጽ ወፍርታትንፋይናንስያዊ ትውጊትን

ኣብ ሕጡበ-ጽሑፍ 12፤13ን14ን ብይን 2023 ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ፤ ካብ ግምታት ዝብገስ ውጹእ ሓሶት ኮይኑ፡ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ወይ ካልኦት ተጻባእቲ መንግስታት፤ ኤርትራ ወፍርታት ከምዝሕረማ ብምግባር፡ ካብ ሓዲድ ምዕባለ ንምንድልሃጻ፡ ኣሀሚሎም ዘስለዂዎ ጠቐነታት እዩ።
ኤርትራ ካብ ጽላት ዕደና በዂሪ እትዋት ክትቋደስ ኣብ ዝጀመረትሉ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ናይ 2011 ድማ፡ ሕጡበ ጽሑፍ 12 ናይቲ ብይን፡ ኣብዚ ሓቅነት ዘይብሉ መስሓቕ ግምታት ተሞርኲሱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ከምዚ ስዒቡ ዝንበብ ቀያዲ ስጉምቲታት ክስግደድ ተላብዩ፡-
ባይቶ ጸጥታ፡ “ማዕድናዊ ጽላት ኤርትራ፤ ንዘይምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፊናንስያዊ ምንጪ ከይከውን ዝሓደሮ ስግኣት ብምግላጽ፡….፤ ኤርትራ ግሉጽ ፊናንስያዊ ኣሰራርሓ ክትክተል፤ እዚ እትዋት’ዚ ኣብ ምዕንቃፍ ናይዚ ብይን’ዚ ከምዘይውዕል ንምርግጋጽ ምስ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ክትተሓባበር ይጽውዕ” ይብል። ዘስደምም መግለጺ’ዩ። ጭብጢታት ናይ ምቕራብ ሓላፍነት፡ ካብ ከሳሲ ናብ ተኸሳሲ ዘሰጋገረ….ጉልቡጥ ስነ-ሞጎት።
ትሕዝቶ ሕጡበ-ጽሑፍ 13 ብምቕጻል፤ “ባይቶ ጸጥታ፡ ኣባል ሃገራት፡ ካብ ማዕድናዊ ጽላት ኤርትራ ዝርከብ ምውላታት ኣብ ምግሃስ ብይናት 1844(2008)፤ 1862(2009)፤ 1907(2009)
2023(2011) ከይውዕል ንምርግጋጽ፡ ዜጋታተን ይኹኑ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ስልጣነን ዝርከቡ ሰባት ከምኡ’ውን ትካላተንን ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ስልጣነን ዝርከቡ ካልኦት ትካላትን ኣብዚ ጽላት’ዚ ኣብ ዝነጥፍሉ እዋን ጥንቃቐን ትኲርነትን ክገብሩ ዘኽእሎም ስጉምቲታት ክወስዳ፤ ኮሚቴ ድማ ምስ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ብምትሕግጋዝ፡ ሃገራት ክሰርሓሉ ዝኽእላ ኣማራጺ ናይ ትግባረ መምርሒታት ከተርቅቕ ወሲኑ” ይብል። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ዘደንጹ ናይ ቋንቋ ምቅይያር ንዕዘብ። ኣብ ሕጡበ-ጽሑፍ 12 ብይን 2023፡ “ኤርትራ ካብ ዕደና እትረኽቦ እቶት ኣብ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተውዕሎ ትኽእል’ያ (Potential Use)” ብዘስምዕ ቃና ዝሰፈረ ቃላት፡ ኣብ ሕጡበ ጽሑፍ 13 ብቐጥታ ናብ መግለጺ ጭቡጥነት (Statement of Facts) ተለዊጡ ንረኽቦ። የግዳስ ቀንዲ ዕላማ ሃንደስቲ ናይቲ ብይን ንሱ ኣይኮነን። ዕላማኦም፡ ኣብ ጽላት ማዕድን ዘለውን ብሕጂ ክስዕቡ ንዝኽእሉን ኣውፈርቲ ዕንቅፋታት ምፍጣር እዩ።
ምስዚ ነጥቢ’ዚ ተኣሳሲሩ፡ ብቀዋሚ ወኪል ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ሕጋውነትን ኣገባባትን ናይዚ ውሳነ’ዚ ዝተገልጸ ዕቃበታት፡ ንዕላማ ናይቶም ምስ ርእይቶ ካልኦት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እውን ክሳነዩ ዘይክኣሉ ሃንደስቲ ናይቲ ብይን ዘቃልዐ እዩ ነይሩ።
ኤርትራ፡ በዚ ኣጋጣሚ ከተስምረሉ እትደሊ ዘቤታዊ ሓቅታት ኣሎ።
ብኣንጻር’ቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ምስ ኢትዮጵያ ዘጓነፋ ዶባዊ ኲናትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሕብረ-ብዙሕ ሽርሒን ተጻብኦን፡ ኣብ ጽላታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣመዝጊባቶ ዘላ ገስጋስ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ሱታፌ ዜጋታት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብ400% እዩ ወሲኹ። ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት፡ መንግስቲ ምዕሩይ ዞባዊ ዝርግሐ ናይ ምርግጋጽ መብጽዓኡ ከተግብር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ሓያሎ ሓደስቲ ኰለጃት ብምኽፋቱ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድላት ብሽዱሽተ ዕጽፊ ክውስኽ ክኢሉ እዩ። ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝወሃብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ካብ ክፍሊት ናጻ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ መንግስቲ ናይ መነባብሮ ወጻኢታት እውን ባዕሉ ይሽፍኖ ኣሎ። ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት፡ ብለበዳ ዓሶ ዝቕዘፍ ህይወት ዓመታዊ ኣስታት 18,000 ዝበጽሕ ዝነበረ፡ መንግስቲ ክትግብሮ ብዝጸንሐ ጽዑቕ ፕሮግራማት፡ መጠነ ሞት ዓሶ ናብ ንጽል ኣሃዝ (Single digit) ወሪዱ ይርከብ።
ፖልዮ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ። መጠን ሞት ኣዴታትን ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናትን ብቕደም ተኸተል ናብ 51.3%ን 53.7% ጎዲሉ። ኣብ ዝሓለፉ ሾሞንተ ዓመታት፡ ኣብ ክሊኒካትን መደበራት ጥዕናን ዝወሃብ ኣገልግሎታት ብዝለዓለ ደረጃ ንምጥንኻር፡ መንግስቲ 5 ዞባውያን ሆስፒታላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ሓደ ዓቢ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ሃኒጹ። ኣገልግሎት ጥዕና መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ምዃኑ ብምእማን ድማ፡ እንተላይ ንዝድቅሱ ሕሙማት ዝወሃብ ኣገልግሎት፡ ገዚፍ ድጎማ ይግበረሉ ኣሎ። ከም ሕማም ሽኮር ብዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ሕዱራት ሕማማት ዝተጠቕዑ ናብዮት ዘድልዮም ዜጋታት እውን፡ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ መድሃኒታትን ናይ ሕክምና መሳለጥያታትን ከምዝረኽቡ ይግበር ኣሎ።
መንግስቲ ነዞም መደባት እዚኣቶም ዘተግብር ዘሎ፡ ኣካል ሃገራዊ ልምዓታዊ ግዴታኡ፡ መደባቱን ቀዳምነታቱን ስለዝኾኑ እዮም። ንዕማም ማሕበራዊ ድሕነት ብዝምልከት፡ መንግስቲ ዓቢ ክፋል ካብ ባጀቱ ማለት ዓመታዊ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ናቕፋ ዝበጽሕ፡ ንኸም ስድራ ስውኣትን ስንኩላን ኲናትን ዝኣመሰሉ ናብዮት ዘድልዮም ኣባላት ሕብረተሰብ ኣብ ምጥዋር የውዕሎ ኣሎ። ስድራቤታዊ ምትእስሳሩ፡ ማሕበራዊ ጥምረቱን ዝምድናታቱ ገና ሓያል ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ስነኣእምሮኡ ሰሪጹ ኣብ ዝርከበሉ ሕብረተሰብ፡ መንግስቲ፡ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዘሎ ጋግ ናይ እቶት ብዝተኻእለ መጠን ካብ ምኹኑይን ምቕሉልን ደረት ከይሓልፍ ንምዕቃቡ ይጽዕር ኣሎ። ኣብ ፖብሊክ ሰክተር፡ ኣብ መንጎ ዝተሓተን ዝለዓለን ደሞዝ ሰራሕተኛታት (እንተላይ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ) ዘሎ ፍልልይ፡ ምጣነኡ ሓደ ንሾሞንተ (1፡8) ጥራይ እዩ። እዚ ምስ ናይ ዞባና ክወዳደር እንከሎ (ሽሕ’ኳ ብጭቡጥ መለክዒታት እንተዘይተነጻጸረ) ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
ንህዝባዊ ኣገልግሎት ዝግበር ወጻኢታት ኣብ ማሕበራዊ ጽላት ጥራይ ዝተደረተ ኣይኮነን። ብሕታዊ ጽላት ገና ኣብ ዘይማዕበለሉ ሃገር፡ መንግስቲ ንቕልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ባይታ ንምንጻፍ፡ ኣብ ወሰንቲ ትሕተ-ቅርጺታት ዝግበር ወፍሪ ኣብ እንግድዕኡ ተሰኪምዎ ይኸይድ ኣሎ። ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ሓቅታት፡ በቶም ክብርታት ኤርትራ ክብሕጒጉ ድቃስ ስኢኖም ዘለው ባእታታት እውን እንተኾነ “ኣሉ” ዘይበሃሉ እዮም። ሻቕሎቶም፡ ብኣባህላኦም፡ “እዚ ድፍራዊ መንግስቲ” (Adventurous government) ካብ ጽላት ዕደና ብዝረኽቦ እቶት ያኢ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ከይፈጥር ካብ ዝሓደሮም ቅኑዕ መበገሲ ዘለዎ ፍርሒ ዝመንጨወ ኣይኮነን። ቀንዲ ሸቶኦም፤ ንትስፉው ቁጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ብምልዂሳስ ተወሳኺ ካልእ ተጻብኦታት ንምስዓብ እዩ። ኣብ መበል 12፤ 13ን 14ን ሕጡበ ጽሑፋት ሰፊሩ ዘሎ፡ ካብ ዕደና ጀሚሩ ክሳብ ኣገልግሎታት ፋይናንስን መድሕንን ተጽዕኖ ንምፍጣር ዘንቈደ ትሕዝቶ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ወፍሪ ሃዋህው ብምዝራግ፡ ንፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዕግርግርን ከም መቕድም ዘገልግል ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍጣር ዝተሃንደሰ እዩ። ብተወሳኺ፡ ንተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን ብምሕያል፡ ሰፊሕ ናይ ምትእትታው መዝነት ከምዝህልዎ ብምግባር፡ ነቲ ዘሎ እገዳ ዝያዳ ንምኽራር ዘኽእል ጠንቂታት ሃሰው ንምባል ዝተጠጅአ ውዲት እዩ።

6. ጉዳይ ምስፋሕ ዕማማትተቘጻጻሪ ጉጅለ ማለት ሞኒተሪንግ ግሩፕ

ኤርትራ ብ18 ጥቅምቲ 2011 ኣብ ዝሃበቶ ወግዓዊ መልሲ፤ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን (ሞኒተሪን ግሩፕ) ዕማማቱ ኣብ ምፍጻም ከርእዮ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዝወጋን ሻራዊ መርገጺን ከምኡ’ውን ኣስሓኮ፣ ወድዓውነትን ሞያውነትን ዝጎደሎ ኣሰራርሓ ኣስፊሓ ገሊጻ ነይራ። ኤርትራ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ፣ ጭቡጥ መረዳእታታት እናቕረበት እንከላ፣ ኣባላት ሞኒተሪን ግሩፕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ፣ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን (ህግደፍ)፣ ብሕጊ ዝምእዘዙን ሕፉራትን ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራ ኣብ ወጻኢ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣዕሩኽ ኤርትራ እንተላይ ገለ ናይ ክብሪ ቆንስላት ጠቃኒ ዘመተታት ኣብ ምክያድ እዮም ተጸሚዶም ነይሮም።
ዕቃበታት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ’ዚ ጉጅለ’ዚ፣ ብኣገደስቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እውን ዝተኣምነሉ እዩ። ኣምባሳደር ሪፑብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ሚስተር ማሻባነ፣ ቀቅድሚ ድምጸ-ውሳነ ኣብ ዘቕረቦ ርእይቶ፣ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ፣-
“ሞኒተሪን ግሩፕ፣ ብብይን 1907 (2009)ን እዚ ብይን እዚን (2023) ዝተዋህቦ ሓላፍነትን ዕማማትን፣ ብሞያውነት፣ ዘይሻርነትን ወድዓውነትን ክፍጽም ንጽውዕ። ሞኒተሪን ግሩፕ ካብቲ ዝተዋህቦ ዕማም ወጻኢ ብኻልእ ፖለቲካዊ ሕሳባት ክጽሎ ኣይግባእን። ናጽነቱን ሞያዊ ግዴታኡን ሓልዩ፣ ኣብ ትግባረ ናይዞም ስጉምቲታት ንባይቶ ጸጥታ ክሕግዝ የድሊ። ብማዕረኡ፣ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፣ ንተቘጻጻሪ ጉጅለ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ክግልገልሉ ከይፍትኑ ንጽውዕ።”
ብተመሳሳሊ ኣምባሳደር ፈደረሽን ሩስያን እዋናዊ ኣቦ መንበር ባይቶ ጸጥታን ከምዚ ክብል ገሊጹ። “….ትሕዝቶ ናይዚ ብይን’ዚ ዘእምን ጭብጢታት ዝጎደሎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ መዝነት ናይቲ ሞኒተሪን ግሩፕ እውን ልዕሊ’ቲ ዝግብኦ ይኸይድ ኣሎ። ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ነቲ ኣብ እዋን ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ክፍጸም ተወጢኑ ዝተባህለ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብፍሉይነት ክንጠቅስ ንደሊ። ፈደረሽን ሩስያ ንግብረሽበራ ብኹሉ መልክዓቱን መግለጺታቱን ትቃወሞ እያ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ግን፣ ኤርትራ ኢድ ከምዝነበራ ዘእምን ጭብጢ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣይቀረበን።” ጉድለት ወድዓውነትን ሞያውነትን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ዝወጋ ተቘጻጻሪ ጉጅለ፣ ናይ ቀረባ እዋን ተርእዮ ኣይኮነን። ከም ዝዝከር፣ ኣብ ዓመተ 2006፣ እቲ ጉጅለ ተልእኾኡኣብ ሶማል ጥራይ ዝተሓጽረ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ “ኤርትራ 2000 ሰራዊት ናብ ሶማልያ ልኢኻ” ክብል መሰረት ኣልቦ መግለጺ ሂቡ ነይሩ። ኤርትራ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ሞኒተሪን ግሩፕ በቲ ዝፈጸሞ ጌጋ ክእመንን መአረምታ ክገብረሉን ብተደጋጋሚ ክትጽውዕ እኳ እንተጸንሐት፣ እቲ ጉጅለ ግን ክሳብ ሕጂ ዝወሰዶ ናይ ምእራም ስጉምቲ የለን። ሞኒተሪን ግሩፕ ምስ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዎ ምትእስሳር ብቐደሙ’ውን ፍሉጥ እንተነበረ፣ ቀዋሚት ልእኽቲ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዓቶ መደረ፣ ነቲ ሓቂ ዘራጉድ እዩ። ንሳ ኣብ መደረኣ፣- “ኣመሪካ ምስ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን ከምኡ’ውን ምስ ኮሚቴ እገዳ ብሓባር ብምስራሕ፣ ንኩባንያታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዘገልግል ናይ ትግባረ መምርሒታት ኣብ ምርቃቕ ብወለንታ ክትተሓጋገዝ እያ” ክትብል ገሊጻ።
ብመሰረት ሰነዳት መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ (ፈለማ 2009)፣ እዛ ኣምባሳደር እዚኣ፣ ካብ ብይናት 1844ን 1862ን ብዝተፈልየ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ክብየን ክትደፍኣሉ
ምዃና፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያገሊጻትሉ ነይራ እያ። ብመንጽር እዞም ሓቅታት እዚኣቶም እምበኣር፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ቅዋም፣ ዕማማት፣ ኣቋውማ ኣባላትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ሞኒተሪን ግሩፕ ክለሳ ብምግባር፣ ውልቀ ኣባላቱ ኣብ ክሊ ሕጋውነት፣ ዘይሻርነት፣ ወድዓውነትን ሞያዊ ክብርን ዝሰርሕሉ ኩነት ከረጋገጽ ይግባእ። ብርእይቶ ኤርትራ፣ ኣባላት ሞኒተሪን ግሩፕ ወድዓውነትን ዘይሻርነትን ከማልኡ እንተኾይኖም፣ ምስተን ጸረ-ኤርትራ ተጻባኢ ዛዕባታት ዘአንግዳ ሃገራት ፖለቲካዊን ንግዳዊን ምትእስሳር ክህልዎም ኣይግባእን።
ካብ ፈለማ እውን፣ ኣቋውማ ኣባላት ሞኒተሪን ግሩፕ ውዱን እንተዝነብር፣ ዜጋታት ናይተን ካብ ዓንኬል ከሰስቲ ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት እንተዝጽንበርዎ፣ እቲ ጉጅለ ተኣማንነቱን ዘይሻርነቱን ከውሕስ ምኸኣለ። ብተወሳኺ፣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻባት ናይቲ ጉጅለ ጎሊሑ ዝተራእየ፣ ሓቂ ግዳይ ፖለቲካዊ ሕሳባት ከይትኸውን ንምርግጋጽ፣ ንኣገባብ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታን መስርሕ ምጽራያቱን ዝምልከቱ መሰረታውያን ሕጋጋት ናይዚ ተቘጻጻሪ ጉጅለ፣ ዝያዳ ምፍታሽን ምንጻርን ዘድልዮም እዮም።
ኣብዚ ልዑል ምትፍናን ዘለዎን ህድግለነ ዘይብሉ ተጻብኦ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጉሊሑ ዝርኣየሉን ዞባዊ ሃውህው፣ ብዘይ ብቑዕ ምጽራይ ናይቶም ዝቐርቡ ክሲታት፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዓንኬል ንዝርከቡ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ምንጪታት ምርኩስ ብምግባር ዝብጻሕ መደምደምታ፣ ከም ሓቂ እንተተወስደ ዘገርም ኣይኮነን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝሓለፉ ጸብጻባት ተቘጻጻሪ ጉጅለ፣ ብኸምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ዝሓለፉ እዮም ነይሮም። መብዛሕትአን ንብይን 2023 ዝደገፋ ሃገራት እውን፣ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩፕ ተሞርኲሰን እየን።
በዚ እከይ ዓንኬል ተፈጢሩ ዘሎ ሓደገኛ ኩነት እምበኣር ንጹር’ዩ። ምሕጽንታ ኤርትራ ብቐንዱ፣ ብይናት 1907ን 2023ን ንፖለቲካዊ ዛዕባታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝውክሉ ብምዃኖም ምሉእ ብምሉእ ክስረዙ እዩ። ብፍላይ ኣብ ብይን 2023፣ ኣርቀቕቲ ኮይነን ዝተዋስኣ ጋቦንን ናይጀርያን፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ኣፍልጦ ከምዘይብለን፣ ነቲ መጋበርያ ግዳማዊ ረብሓታት ኮይኑ ዘሎ ኢጋድ ወኪለን ከምኡ’ውን ንጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩፕ ተሞርኲሰን ከምዝተዋስኣ ብጋህዲ ተኣሚነን እየን። እዚ ድማ፣ ብዛዕባ ሕጋዊ ቅዱውነትን ጭቡጥነትን ናይቶም ኤርትራ ተኸሲሳትሎም ዘላ ጉዳያት ሕቶታት ዘልዓዕል እዩ። ክንዲ ዝኾነ፣ ኤርትራ እዞም ዝተጠቕሱ ብይናት ብምልኣት ዳግም ክርኣዩላ እናጸውዐት፣ ባይቶ ጸጥታ ነዞም ኣቐዲሞም ዝተላዕሉ ነጥቢታት ብዕቱብ ክሳብ ዘይርኣዮም፣ እቲ ንምንዋሕ ዕምሪን ምስፋሕ ዕማማትን ተቘጻጻሪ ጉጅለ ኣመልኪቱ ኣብ ሕጡበ-ጽሑፍ 16 ብይን 2023 ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ፣ ፍትሒን ርትዓውነትን ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ ኣኽሪራ ከተስምረሉ
ትደሊ። ሕቡእ ዘይኮነ ባህጊ ሃንደስቲ ብይን 2023፣ እናብኣሰ ዝኸይድ ኩነታት ብምፍጣር፣ ንኤርትራ፣ እናኸረረ ብዝኸይድ ሰንሰለታት እገዳ ምሕናቕ እዩ። የግዳስ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፣ ቅድሚ ድምጸ-ውሳነ ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺታት፣ እዚ ግሃድ ኣንፈት’ዚ፣ ፍትሓዊ ዘይምዃኑን ንሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘየገልግልን ብምግላጽ ኣጠንቂቖም እዮም። በዚ መስረት……..ኤርትራ፣-

ሀ. ባይቶ ጸጥታ ነቲ ብምኽንያት ጉድለት ሞያውነት፣ ዘይሻርነትን ወድዓውነትን፣ ከምኡ’ውን ዝወጋኡ ንፖለቲካዊ ጽልዋ፣ ብብዙሓት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ተኣማንነት ስኢኑ ዘሎ ተቘጻጻሪ ጉጅለ (ሞኒተሪን ግሩፕ)፣ብኻልእ ናጻ፣ ዘይሻራዊን ተኣማኒን ኣካል ክትክኦ፤
ለ. ነቶም ካብ ተጻባኢ ፖለቲካዊ ዕላማታት ዝብገሱ፣ ብመንጽር ጭብጢ ኮነ ሕጋውነት ቅቡላት ዘይኮኑ ምህዞኣዊ ክሲታት መሰረት ብምግባር ቅድሚ ሕጂ ዘሕለፎም ውሳነታትን ዝወሰዶም ስጉምቲታትን ዳግም ብምኽላስ ክእርሞም ኤርትራ ምሕጽንታኣ ተቕርብ።

ዑስማን ሳልሕ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ
19 ታሕሳስ 2011

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Create a free website or blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: