Eritrea real clear politics's Weblog

April 15, 2013

ግንዛቤታት ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ”

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 8:52 am

 

ግንዛቤታት ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ”

 

መእተዊ፣– ኣቀዲሙ ብዝተፈላለዩ ጉዱሳት ኤርትራዉያን ለዉጢ ብከመይ መልክዕ ኣብ ኤርትራ ክራጋገጽ ኣለዎ? እንታይ ማለት እዩ ከ መሰረታዊ ለውጢ? ለዉጢ ነቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምዕባሌ እንዳዓቀብና፣ ነቲ ዝጎደለና ብደፋእታ እንዳመላእና ማሕበራዊን መንግስታዊ ለዉጢ ከነራጋግጽ ንኽእል ኢና ዝብል ወገናት፣ ብመንጸር እዚ ድማ ለዉጢ ብተራጻሚ ሰዉራ ጥራይ እዩ ኣብ ኤርትራ ክራጋገጽ ዝኽእል ዝብል ወገናት ፣ክትዓት ልሙድ እዩ። ነዚ ኣካታዒ ዛዕባ’ዚ ምስ ኣብ ዓለምና ዝተራእየ ተሞክሮ ብምዝማድ ክድህስሶ ክፍትን እየ። መወከሲታተይ ቡዙሕ ኣኳ እንተኾነ፣ ሓንቲ ካብተን ቡዙሓት ኣብ ኣልጀዚራ ነዚ ኣመልኪቱ ዝተዋሂበ ትንተና ዘገምታዊ ምዕባሌ ሰዉራ ዓረብ (The evolution of Arab revolutions) ብግብጻዉያን ዝተጻሕፈ ብይኣክል (ክፋያ) ብዝብል ስያሜ ዝተጻሕፈ እዩ።

 

ድሕረ-ባይታ፣– እቲ ዝርዝር ቡዙሕ እዩ ኣሕጽር ኣቢለ ነቲ ቀንዲ ፍጻሜታትን ዉጽኢታቱ ክጥሕም ክፍትን እየ። ቅድሚ እቲ ሰዉራ ምብርዑ ኣብ ግብጺ ፕረሲደንት ሑሱኒ ሙባረክ ፖሎቲካዊ ስልጣን ድሕሪኡ ንወዱ ከዉርሶ ምቅርራባት ይገብር ስለዝነበረ፣ ኩሎም ጉዱሳት ግብጻዉያን ብይኣክል ዝፍለጥ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ፈጢሮም ንመደባት እቲ ስርዓት ብጥርኑፍ ክገጥምዎ ከምዝጀመሩ ኣብ ግምታትና ክስዉኣና ኣለዎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብን ሴሜን ኣፍሪቃ እዉን ዝተፈላለየ ቃልሲ ኣንጻር መለኽቲ ፖሎቲካዊ ስርዓዓታቶም ከምዝነበረ  ክዝከር ኣለዎ። እኩብ ድምር ናይቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘገምታዊ ምዕባሌዊ ቃልስታት ድማ ናብ ዝላዓልው ጥርዚ ዓሪጉ ሰዉራ ከምዝባራዕ ገይሩ።

ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዕለት 18/12/2010 ብሃገር ቱኒዝያ እዩ ጀሚሩ። ነቲ ህዝባዊ ሰዉራ ጠንቂ ዝኾነ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት፣ ድኽነት፣ ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ብልሽዉናታት፣ ናይ መግቢ ቅልዉላዉን ሕጽረታት፣ ሕርመት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት፣ ሕርመት ፖሎቲካዊ ናጽነት፣ ትሑት ደርረጃ መናባብሮ፣ ዘይሙዕሩይነትን ዘይፍትሓዉነት ናይ ፕረዚደንት ዚን ኢልዓቢዲኒ ቤን ዓሊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ህዝቢ ቱኒዝያ ብዘዉረዶ ሰፍ ዘይብል ሃስያታት እዩ።

ንማሕበራዊ ሰዉራ ቱኒዝያ ንክባራዕ ቃታ(trigger) ዝኾነት ድማ ቱኒዛዊ መንእሰይ ማሓመድ ባዉዚዚ ኣብ ማእከል ህዝቢ ላምባ ከስኪሱ ነንብሱ ሓዊ መሰባርዓ እዩ። እዚ ኣብ ቱኒዝያ ሓድሽ ተረኽቦ ኣይነበረን ኣቀዲሙ እዉን ኣብ ከተማ ሞናስቲር ኣብ ወርሒ 3/2010 ሓደ ቢሮክራስያዊ ጸቕጥታት ዝበዝሖ ዜጋ ዓቡዱሰላም ትሪመች ዝባሃል ተማሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ነይሩ እዩ። ብመገዲ መራኸቢ ቡዙሓን ንኩሉ ህዝቢ ቱኒዝያን ዓለምን ስለዘይተዘርግሔ ግን ከም ሓደ ሩሱዕ ፍጻሜ ኮይኑ ተሪፉ። ናይ መንእሰይ ማሓመድ ባዉዚዚ ብመገዲ መራኸቢ ቡዙሓን ኣልጀዚራ ቅዳሕ ፊድዮ ናይቲ መስርሕ ነብሰቕትለት ምስተዘርግሔ፣ ቀጺሉ ነቲ ዝነበረ ምዕፋናት ዜናዊ-ሓቤሬታ ሓንቲ ነስማ ቲቪ (Nessma TV) ኣብ ዕለት 29/12/29010 ብሰፊሑ ነቲ ኩነታት መሰቀላዓቶ መላእ ህዝቢ ቱኒዝያን ብሓደ ተላዕለ። ምልዓል ህዝቢ ቱኒዝያ ንስርዓት ፕረዚደንት ዚን ኢልዓቢዲኒ ቤን ዓሊ ን23 ዓመታት ዝገዝኤ ኣብ ዉሽጥ 28 መዓልታት ካብ ዝዓትዓቶ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከምዝወርዱ ኮነ። ሒቕታ ማሕበራዊ ሰዉራ ቱኒዝያ ድማ ንመላእ ኣህዛብን ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃ ግብጺ፣ሊብያ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮ፣ ንማእከላይ ምብራቅ የመን፣ ባሕሬን፣ ሱርያ፣ ዮርዳኖስ፣…ወ.ዘ.ተ ስለዝጸላወ፣ ኣህዛብ ድማ ተላዕለ። ኣብ ቱኒዝያ፣ሊብያ፣ግብጺ፣የመን ማሕበራዊ ሰዉራ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ክቕይር እንኮሎ፣ ኣብተን ብንግስነት ዝማሓደራ ዝነበራ ሃገራት ሞሮኮ፣ ዮርዳኖስ፣ ባሕሬን ብምትዕርራያትን ጽገና ለዉጢታት (Restructuring and Reform) ከምዝታሃዳዳእ ተገይሩ። ኣብ ኣልጀርያ ሞሪታንያ ፈዚዙ ተሪፉ። ኣብ ሱርያ ናብ ዲዕ ዝበለ ኪናት ሕድሕድ ተኣትዩ ክሳብ ሕጂ ን ክልተ ዓመታት መመላእታ ወሲድ ይቕጽል ኣሎ።

ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ህዝብ ዝተፈላለየ ክዉንነትን ፖሎቲካዊ ዳይነሚክስ እኳ እንተሃለዎም፣ ንኩሎም ሓደ ዝገብር ሮቛሒ ድማ፣ ኣብዘን ኩላተን ሃገራትን ኣህዛብ ፖሎቲካዊ፣ምጣኔ ሃብታዊን ማሕበራዊን ፍትሕን ማዕርነት ዘይምህላዉ እዩ። ግብትናን ሃብትን ናይ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ሚስሌነታቶም እንዳኻዕበተ ክከይድ እንኮሎ፣ ብመንጽሩ ናይቲ 99% ዝብዙሑ ርሒብ-ገቤል ናይተን ሃገራት ከምቲ ኣብ መእተዊ ድሕረ-ባይታ ዝጣሕመስክዎ መናባቡሩኡን ሂወቱ እንዳንቆልቖለ ብምኻዱ እዩ። ስለዚ ቀንዲ ምልዓል ኣቲ ማሕበራዊ ሰዉራ ፍትሒ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ወድሰብ ንምንዳይ ዝተኻየደ እዩ።

 

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ባህርያቱንዉጺቱን፣

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ብባህርያቱ ህዝባዊ ሰዉራ እዩ። ፣ ብትሕዝትኡ፣ ብኣሳላልፍኡ ዘማእከሎ ህዝባዊ ሕቶታትን፣ ዝወሰደሉ ጊዝየ፣ ዘጥፍኦ ዓቕሚ ጉልበት፣ ዘባኾኖ ፋይናንሳዊ ነገራዉ ትሕዝቶን፣ ዘብረሶ ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጻታት ቀሚርካ ከተስባህለሉ እንተጀሚርካ፣ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ንኣብነት ሊብያ ኣብ ዉሽጥ 7 ኣዋርሕ መስርሕ ጥምጥም 46000 ሂወት ሊባዉያን ለኪሙ፣ ዘይትኣደነ ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጻታት ዓንዩ። ስለዚ እቲ መስርሕ ለዉጢ ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል ዋጋታት ዝተኸፍሎ እዩ። ብመንጸር ናይ ሊብያ ናይ ግብጺ እንተተዓዚብና፣ ዳርጋ እቲ ለዉጢ ብዘይ ገለ ክሳራ ተዓዊቱ ክባሃል ይክኣል።

ተዓዊቱ ክብል እንኮሎኹ፣ ነቶም ዝነበሩ ፍጹም ገበትን ሓዉሲ-ገበቲ (totalitarian and authoritarian) መራሕቲ ስርዓታት ፣ ካብ ዓትዒቶሞ ዝነበሩ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምምንዙዑ ኣመልኪተ እየ። ዓወት ሓደ ማሕበራዊ ሰዉራ ቀንዲ መለኪዒታቱ ኣብ ዑና እቲ ኣረጊት ፖሎቲካዊ ስርዓት ብሓድሽን ካብ ኣቀዲሙ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዝማዕበለ ትሕዝቶ፣ ነቲ ህዝቢ ዝተቃለሰሉን ዝተሰለፈሉ ሕቶታት ብቀጥታ ብግብሪ ምስዝምልስ እዩ። ፍጹም ገበትን ሓዉሲ-ገበቲ ስርርዓት ኣሊኻ፣ ተመሳሳሊ ወይ ድማ ሓዉሲ ገበቲ ስርርዓት እንተተኪኡ፣ ብምእላይ እቶም ኣቀዲሞም ዝነበሩ ገዛእቲ ዓወት ዘይኮነ ፍጹም ፍሽለት እዩ።

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ካብ ዝካየድ ኣስታት ሽሞንተ ኣዋርሕ በሊዑ ዘሎ። ኣብ ዉሽጥ ሽሞነተ ኣዋርሕ ድማ ዉጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ሰዉራ ክሕፈስ ዘይክኣልን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ቱኒዝያ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ሰዉራ ዝነበሩ ኣባል ሓጋጊ ኣኳል ብቓጻ ተቀንጺሉ ኣሎ፣ ኣብ ሊብያ እዉን ምዉድዳብን መጥቃዕቲ ኣብ ቢንጋዚ ኣመሪካዊ ኢንባሲ ብጽንፈተኛታት ናይ ቅንጸላ መጥቛዕቲ ተኻይዱ ኣሎ፣ ኣብ ግብጺ እዉን ሰንከልከላት ናይ ፕረሲደንት ሞርሲ ኣሎ። እዚ ክዉንነታት ዘንቀሎ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዘይርጉኡነት ዳግም ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ይናኻኸስ ኣሎ። ዳግም ነዚ ህዝባዊ ምንኽኻሳት ቀንዲ መንቀሊ ኮይኑ ዘሎ፣ ዝጸንሔን ዘሎን ትጽቢታት ህዝቢ፣ ምስ ዘሎ ክዉንነት ደዉላ ስለዝተጋራጨወ እዩ። እዚ ዳግም ዝናኻኸስ ዘሎ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ንህዝቢ ብዘዕግብ ግብራዊ መልሲ እንተዘይረኪቡ ናብ ዓንዳርነት (anarchism) ማዕቢሉ ሃገርን ህዝብን እዉን ክብትን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

ብማሕበራዊ ሰዉራ ኣቢልካ ሓንሳብ ምስተዓዋትከ፣ ዉልቀ ሰባት ወይ ጉጂለ ነቲ ሰዉራ ክጨዉይዎ ስለዝኽእሉ፣ ካይ ጭወ ክትካላኸል ጉቡእ እዩ፣ ነቲ ዝተዓወተ ሰዉራ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ፍርያቱ ስለዘይሓፈስካ፣ መሊስካ ሰዉራ ምልዓል ግን ሓደገኛ እዩ። እቲ ምንታይስ ነቲ ዝተዓወተ ሰዉራ ዓቂብካ፣ ነቲ እቲተኽሎ ደዉላ ምቅራጽን ምምዕርራይን፣ ግዝኣተ-ሕጊ ፣ ፖሎቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ፣ ሓርነት ዜጋታት፣ማሕበራዊን ምጣኔሃብታዊ ፍትሒ ምርግጋጽ ስለዝኾነ፣ ኣብ ዉሽጥ ዉሑዳት ኣዋርሕ ክትግበር ነይርዎ ኢልካ ምጽዓድ ህንጡዩነትን ዘይክዉንነትን እዩ። ኣብ ከምዚ ዘይሩጉእ ስለስተ መሰረታዉያን ዝንባሌታትን ወገናትን ኣብ ቀጻሊ ምትሕንናቕ ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣-

1.      እቲ ዝበዝሔ ህዝቢ ዉጽኢት ናይቲ ሰዉራ ካይጭወን ተረባሒ ናይቲ ዘካየዶ ሰዉራ ክኸዉን ዝደሊ፣ ነቲ ኣብ ምክያድ እቲ ሰዉራ ዝነበረ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ብዝሓየለ መልክዕኡ (momentum) ኣብ ዝላዓለ ደረጃ ከም እጉሚ ናይ ጸቕጢ ሓይሊ ኮይኑ፣ ነቲ ተተኺሉ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስርዓት ናብ ዝደልዮ ነገራዊ ሓይሊ ክቅየር ዝጽዕት እዩ።

2.     ብፖሎቲካዊ ጨለታትን ፖሎቲካዊ ጉጂለታት እንዳተመርሔ ነቲ ዝተካየደ ሰዉራ ንምጭዋይን፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ፕሮግራሙ ዘለዎ ፖሎቲካዊ ራእይታት ንምትግባር ድንዕታታት ዝገብር ዘሎ እዩ።

3.     ሓያላን ሃገራትን ናይ ምዕራብ ሃገራት ምስ ረብሓታተን ዝሳማምናዕ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት መታን ክከዉን ዝገብርኦ ስዉሩን ጉሁድ ምቁጽጻራትን ጸቕጥታትን እዩ።

እቲ ቅልስ ብኣካልን ብማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ክቅጽል ምኻኑ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን፣ ብልክዕ ኣንፈቱ ናበይ ገጹ ክኸይድ እዩ ግን ቀስ ኢልካ ዝርኤ ጉዳይ እዩ።

 

ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ኤርትራዉያን እንታይ ክንማሃር ንኽእል?

 

ካብዚ ማሕበራዊ ሰዉራ እዚ ኤርትራዉያን ቡዙሕ ክንማሃር ይክኣል እዩ; ካብቲ ቡዙሕ መሰረታዉያን ነገራት ክጠቅስ፣-

1.      ካብቶም ቀንዲ ነቲ ናይ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ከም ወሳኒን ቀንዲን ዝተጠቅምሉ መሳርሒ ካላሽን (AK-47)፣ ቦምባ፣ መድፍዕ ኣይነበረን። እንታይ ድኣ ማሕበራዊ ማእከላዊ መራኸቢ  (Social Media) ከም Facebook፣ YouTube: LinkedIn: Twitter: …ወ.ዘ.ተ እንዳተጠቕሙ እዮም ህዝቢ ኣላዒሎምን ወዲቦም ሰዉራ ዘዐወቱ። ካብዚ ተሞክሮ እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ዓይነት ማሕበራዊ ማእከላዊ መራኸቢ ክንጥቀምን ክንጅምር ከምዘሎና እዩ።

2.     ቀንዲ ዳይነሚክ እቲ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ሰዉራ ዝኾነ፣ በቲ ዘጋጠመ ሽቅለት ኣልቦነት፣ ድኽነት፣ ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ብልሽዉናታት፣ ናይ መግቢ ቅልዉላዉን ሕጽረታት፣ ሕርመት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት፣ ሕርመት ፖሎቲካዊ ናጽነት፣ ትሑት ደረጃ መናባብሮ፣ ዕንደራ፣ ዘይሙዕሩይነትን ዘይፍትሓዉነት እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ግን እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎን ልዕሊኡ  ሰብ ዝሽየጠሉን ዝልወጠሉ፣ ስድራቤት እቲባታተነሉን፣ ዜጋታት ንባሮት ኣብ እተቀየርሉ፣…ወ.ዘ.ተ ከንሱ፣ ማሕበራዊ ሰዉራ ኣብ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ እዩ ክጅምር ምስተገብኦ፣ ኣብዚ መደምደምታ ዘብጻሓኒ ክልተ መሰረታዉያን ሓቅታት እየን፣ ንሳተን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሰዉራ ኣካይዱ ዝተዓወተ ህዝቢ ብሙኻኑን፣ እቲ ጭቆና ፈጺሙ መዳርግቲ ስለዘይብሉ እየ። ስለዚ እቲ ኩቱር ፍርሒ፣ መሰረት ዘይብሉ-ዘይምትእምማን፣ ዉልቀ-ስስዔ (egocentric)፣ ዘየሎ-ቂም፣ ሕልክስክስ ምባል…ወ.ዘ.ተ ሓዲግና ትማሊ ዝገበርናዮ ሎሚ ድማ እወ ንኽእሎ ኢና ክንደግሞ ክንብል ክንበቕዕ ከምዞሎና ንማሃረሉ ኢና።

3.     ኣብ ሰብኣዉነትን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ክንዲ ኣፍረይቲ ፍትሕን ሰላም ንኸዉን፣ ኣፍረይቲ ስደተኛታትን ቀረብ ኣካላት ሙእዙዛትን ዘይምእዙዛት ጭዋዳታትወዲ-ሰብ ኬና ከምዝተረፍናን፣ ኣንካይዶ ኣዉንታ ከነበርክት ዉልቀ-ዜጋ ሓርነትና ክንእዉጅ ከምዘይበቓዕና ተማሂርና። እቲ ምንታይስ እዚ ኩሉ ህዝቢ ኣብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ዝተሳተፈ ህዝቢ ዉልቃዊ-ሓርነቱ ኣዊጁ ዝተሳተፈ ህዝቢ ብምንባሩ እዩ።

4.     ኤርትራዉያን ተቃለስት ንሒዝናዮ ዘሎና ስልቲ ኣጋባብ ኣቓላልሳና ክንቅይር ከምዞሎና ሚሂሩና እዩ።

5.     ብሰላማ ኣጋባብ ቃልሲ (ብህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት) ኣነ እየ ዝብል ገባቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ተቦርቒካ ክእለ ከምዝኽእል ሚሂሩና፣

6.     ህዝቢ ዘልዓሎ ቃልሲ፣ ብዘይ ገለ ጸገም ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ከምዝስለፍን፣ ዉሕስነት ሰላማዊ ኣጋባብ ስግግር ፖሎቲካዊ ስልጣን ክራጋገጽ ከምዝኽእል ተማሂርና።

7.     ህዝቢ ብሰላማዊ ኣጋባብ ዝጀመሮ ቃልሲ ፣ ብምሕንጋድ ናይቲ ገባቲ ስርዓት ከመይ ኢሉ ንደማዊ ምፍሳስ ዘለዎ ቃልሲ ከምዝቅየር ካብ ሊብያን ሶርያን ተማሂርና…ወ.ዘ.ተ።

8.     ለዉጢ ብዉሽጣዊ ማሕበራዊ ጸጋታትናን ዉሳኔና እንተዘየራጋጊጽናዮ፣ እቶም ዝሓገዙና ወይ ዝወሰኑልና ናብ ድላዮም ክወስድዎ ከምዝኽእሉ እዩ።

 

 

ትንስኤ ማሕበራዊ ሰዉራ ኤርትራ፣ በዮኖት ኣታሓሳስባታት ይትሓላለኽ ኣሎ?

 

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ኣብ ኤርትራ ጋህዲ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ጋህዲ መታን ክኸዉን፣ ክዉገዱ ዝግብኦም ሰብ ዝፈጠሮም ጸገማት ክንኣሊ ይግባኣና። ንኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ክዉንነት ዝሓላልኾ ዘሎ ቀንዲ ጉዳያት እንተሃሊዩ፣ገለ ንምጥቃስ፣-

1.      ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንህዝቢ ኤርትራ ሓቤሬታ ከምዘይረክብ ብምግባሩ እዩ።

2.     ኤርትራዊ ጉዳይ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይ ምኻኑ ሓሊፉ ዓለምለኻዊ ጉዳይ ከምዝኸዉን ስለዝኾነ፣ ኣብ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ንጥፈታትን ዉሳኔታትን ናይ ቡዙሓት ስዉሩን ጉሁድን ኣእዳዉ ምህላዉ እዩ።

3.     ናይ ኤርትራ ፖሎቲካ-ጨሌታት (Elites)  ብዓቢኡ ንዘካይድዎ ቃልስታት፣ ካብ ዝኻሓነ ጽልእን ሕርቃን (ressentiment) ስለ ዝነቅሉ፣ ከምቲ ኣድጊ ዝበለቶ ኣነ “ዘይበልዓላ ሳዕሪ ኣይብቆላ” ቢላ ዝተራገሞቶ፣ ንሳቶም እዉን ልክዕ ንሶም ዘይመርሕዋ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝቢ ዋላ ብትን እንተበለት ኣይንታዮምን እዩ። ሒነ ክፈድዩ ድማ ምስ ዝኾነ ሰይጣን ተሓባቢሮም ሽዉሃቶም ከዕግቡ ዝወሰኑ እዮም። ሕቶኦሙን ባህግታቶም ብዛዕባ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዲሞክራሲን ንቡር ሂወት ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘይኮነ፣ ሕኔ ንምፍዳይ  ንትኹላዊ ምትፍናን ንምእታዉ ኣንቃዕሪሩ ዝጠመተ እዩ።

4.     ንፖሎቲካዊ፣ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበዊ ኩዉንንት ኤርትራ፣ ካብ መሰረታዊ ጠንቕታቱ ዘይኮነ፣ ካብ ሳዕቤናቱ ነቂልና ስለ ነንብቦን፣ ብኡ መሰረት ድማ ጽምዶ-መደባትና ስለንስእልን ንነጥፍ እዩ።

5.     ጉጉይ ኣታሓሕዛን ኣፋታትሓ ግርጭት ስለንዉንን።

6.     ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ብኣዛመዉቲ-ሓይልታት ስለዝተባሕተ፣ እቲ ሲቪክ ሃገራዊን ዲሞክሮስያዉን ባእታታ ከም ዝነቀጸ-ዕፉን ርእሱ ኣድኒኑን፣ ብኣድማዕነት ከነጥፍ ዘይምብቕዑ’ዩ።

7.     ኣብ ኣኣሙሮና ብባዕልና ዘሕደርናዮ ጭንቀትን ራዕድን ዘንቆሎ፣ ዜጋ ነንሕድሕዱ ከምዘይታኣማመን ስለንገብር እዩ።

8.     ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ዲሞክራሲ፣ ብዝሓለፈ ንካሰስ እንቴኼና፣ ብኡ መሰረት ክንማቓቀል ስለዝኾና ዓቢ ዕንቕፋት ንሓደ ኬንካ ምቅላስ የጋጥም ስለዘሎ እዩ።

9.     ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነት ተሓቢኡ ስለዝነብር፣ ካይተረዳና ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክንወቕዕ ተባሂሉ፣ ንሃገራዉነትን ሓርበኛነት ኤርትራዉነት ስለ ንወቕዕ፣ ሃገራዉነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ስለነእትዎ ህዝቢ ሰኸኽ ይብል ብምህላዉ እዩ።

10.   ጉዳይ ህዝቢን ጉዳይ ልዑላዉነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ ክስራዕ ዘይምብቅዑ እዩ።

11.     ዝበዝሔን ዘሕብን ኣዉንታ  ኤርትራዊ ሃገራዉን ሓርበኛዉ ታሪኽ ጎሲካ፣ ኣብ መእሰሪን መጨበጥን ዘለዎን ዘይብሉ ኣሉታ ታሪኻት ኣቲኻ፣ ዜጋ ሃገራዉነቱን መንነቱን ከምዝጸልኦ ብምግባር፣ ንክቓለስ ድሉዉነቱ ከምዘጥፍእ ይግበር ስለዘሎ እዩ።

12.    ሃገራዊ ሓላፍነት ዘይምቅባልን ገዛእ-ርእሲ ጽኑዕ ዲስፕሊን ዘይምህላዉ እዩ።

13.    ኣብ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘጻወዶም መጻወድያታት ኣቲኻ ኣብኡ ምኽዳድ ስለዘሎ እዩ።

14.   ናይ መንነት ቅልዉላዋት ስለዘጋጠመ እዩ…ወ.ዘ.ተ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ሰዉራ ከካይድ ድልዉ ዶ ኣሎ?

 

ዝተፈላለየ ንፍትሒ ዘንሂ ምንቅስቓሳት እኳ እንተሃለወ፣ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ሰዉራ ከካይድ ዛጊት ድሉዉ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይስ ካብዘይብሉ ማዓንጥኡ ሽጥ ኣቢሉ ዘዓወቶ ሰዉራ፣ ብገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተመንጢሉ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ንኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛተ ስለዝወቕዔ፣ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንገጢምዎ ዘሎ ብዶሆታት ብሓባር ዝገጥሞ በብዉልቁ ከፈትሖ እዩ ዝህቕን ዘሎ። እቲ ወሲድዎ ዘሎ መፍትሒ ድማ፣ ኩሉ ዝኽኣለ ንኤርትራ ሓዲካ ንስደት ምጽኣት እዩ። ማሕበራዊ ሰዉራ ከሳላስል ዝኽእል ሓንጎልን ሰብን በብሓደ እንተድኣ ጺሁ፣ ማሕበራዊ ሰዉራ ብዓዲ ዉዒል ኣረጋዉያን ህጻናትን ክካየድ ስለዘይክኣል እዩ።

የግዳስ እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ኣይኮነን። እቲ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘዘዉትሮ ኣሉታ ፖሊሲታት እንዳቀጸለ ኣብዝኸደሉ እዋናት፣ እቲ ምረት ጭቆና እንዳላዓለ ስለዝኸይድ፣ ብዘገምታዊ ምዕባሌኡ (evolution) ሓልዩ ናብ ዝላዓለ ሕርቃንን ቅብጸት ስለዝዓርግ፣ ስለዝመረጽናዮን ዝደለናዮ ዘይኮነስ፣ ክዉንነት ብዝገዝኡ ዝተቀየዱ፣ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ከጋጥም ማሕበራዊ ሕጊ እዩ። እዚ ፈጺሙ ዘይተርፍ ማሕበራዊ ሕጊ፣ ብኸመይ ነማሓድሮ? ንገጥሞ? ንመርሖ? ከመይ ዝኣመሰለ ዳይነሚካዊ ቅርጻን ስትራተጂ ነዋድደሉ ግን ባዕላዊ ሮቛሒ ወይ ጉዳይ ይኸዉን። ስለዚ እቲ ቡኹረት ባዕላዊ ኩዉንነት እዩ።

እዚ ቡኹረት እዚ ኣብ ታራ-ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነን። ዋላ እዉን እቲ ዕላማ ሓንጺጹ ተወዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ፣ ዝላዓለ ብልሒ ጫፍ ንቅሓት ሕብረተሰብ ክኸዉን ኣይበቕዕን ዘሎ። ቡቁዕን ሶጋሚን መራሒ ዘይብሉ ህዝቢ ድማ፣ ንጊዚኡ ደንበርበር ከምዝብል ዘታሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ደንበርበራት እዚ ጊዝያዊ እዩ። ኣብ መስርሕ ማሕበራዊ ሰዉራ መሪሒነት ኣብ መስርሕ ክፍጠር ስለዝኽእል እዩ።

ማሕበራዊ ሰዉራ ክነቕል ህዝቢ ክነቕሕ ኣለዎ፣ ፍልጠትን ሓቤሬታ ዝተመገበ ሓንጎል ህዝቢ፣ ዝተመጎቦ ፍልጠት ንልቡ ምስኣንበድቦዶን ኣሳራሰሮ ማሓዉራቱ ክንቃሳቀሳ እየን። ቀጺሉህዝቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ መጀመርታ ዉልቃዊ ሓርነቱ ክእዉጅ ኣለዎ። ቀጺሉ ኣብታ ዝነብረላ ከባቢ ኣብ ጥቕምታቱ ዝተምኖርኮሰ ምትእስሳራት ክፈጥር ኣለዎ። ምትእስሳራቱ ናብ ጽኑዕ ናይ መሰረታታት መጋባእያ ብምስግጋር ብደረጃ ሃገርን ክፍለዓለማትን ክትኣሳሰር ኣለዎ።

 

ህዝቢ ኤርትራን ፖሎቲካዊ ዉድባቱ ናይ ለዉጢ ትጽቢታቱ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ድዩ?

 

ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነ ሃገርን ህዝብን ኣማጻጽኣ ለዉጢ ብዝተፈላለየ መልክዓት ክኸዉን ከምዝኽእል ዘጣራጥር ኣይኮነን፣ ብፍላይ ድማ ኣብዘይ ማዕበላ ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ገባታዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዝርከባ ሃገራት፣ ወትሃደራት ጥርኑፋትን ብረት ዝሓዙ ብምኻኖም፣ ህዝቢ ሓንቲ ክገብር ኣብዘይክኣለሉ እዋን፣ ወትሃደራት እዉን ኣካል እቲ ጭቁን ህዝቢ ስለዝኾኑ ምትእትታዉ ይገብሩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። ብሰራዊት ዝካየድ ዕልዋ መንግስቲ መብዛሕትኡ ፖሎቲካዊ ስልጣን በቶም ዕልዋ ዘካየዱ ወትሃደራትይትሓዝ፣ ስሕት ኢሉ ድማ እቶም ዕልዋ ዝገበሩ ኣባላት ሰራዊት ፖሎቲካዊ ስልጣን ንህዝቢ የረክቡ እዮም።

ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዘተራእየ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትር  ምንቅስቓስ፣ ቡዙሕ ነገራት እዩ ሚሂሩና። ካብቲ ቀንዲ ዝተማሃርናዮ ጉዳያት ንምጥቃስ።-

1.      ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዉሽጡ ብገዛእ ርእሱን ዉሳኒኡ፣ ብመን ብዘየገድስ ለዉጢ ይደሊ ከምዘሎ ።

2.     ዝኾነ ናይ ተቃዉሞ ምንቅስቓስ ኣብ ዉሽጢ ተላዒሉ፣ ነታ ዝተፈጥረት ጫፍ ፈትሊ ማሕበራዊ ሰዉራ ሒዙ ናይ ምቅጻሉ ትግባሬ ማእዳድ ምኻኑ።

3.     ምብትታኽን ሕጽረታት ሓቤሬታ ዝዓበየ ብድሆታትና ምኻኑ።

4.     ዝኾነ ይኹን ኩነታት ተፈጢሩ ብብቅዓት ንህዝቢ ከራጋግእን ክመርሕ ዝኽእል ፊተዉራሪ ዉደባን መሪሒነት ሃጓፍ-ቡኽረት ምህላዉ።

5.     ርክባት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብናን ምንቅስቓሳትና ምስ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር ህዝብን ምንቅስቓሳትን ዝተበትከ ምትእስሳራት ምኻኑን፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ዘሎ እዉን ካይተፈለጦ ሚስጢራዊ ከም ዝኸዉን ከምተገብረ ምኻኑ….ወ.ዘ.ተ።

ህዝብና ለዉጢ ምድላዩ ንቡሩን ጽቡቕ እንድዩ፣ የግዳስ ለዉጢ ምድላይ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ለዉጢ ክትደሊ እንኮሎኻ ኣቀዲሞም ዝላዓሉን ክምለሱን ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣-

1.      ለዉጢ ብኸመይ ኣጋባብን ስለምንታይን?

2.     ኣየናይ ኣጋባብ ኣማጻጽኣ ለዉጢ እዩ፣ ዉሕስነት ዘለዎ ነቲ ንሓልሞ ሕልሚ ጋህዲ ክተግብር ዝኽእል?

3.     ኩሉ ህዝባዊ ጠለብ ኣልዒሉ ዝነቅል ምንቅስቓስ፣ ብዘልዓሎ ህዝባዊ ሕቶ ዝቅየድን ክምልስ ወይ ድማ ከተግብር ይኽእል ድዩ? ብኸመይ መርትዖ ተራጋግፆ?

4.     ህዝቢ ተላዒሉ ሰራዊት ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ክስለፍ እንኮሎ ዶ ይምረጽ ወይስ ሰራዊት ተላዒሉ ህዝቢ ክስዕቦ? ህዝቢ ዘይተሳተፎ ቃልሲ ከ እንታይ ዉሕስነት ኣሎ? ህዝቢ ተመጻዊ ድዩ ክኸዉን ወይስ መጻዊ ፖሎቲካዊ ስልጣንን መሰላት ዜጋታት?

5.     ኣብ ወቕቲ መስርሕ ለዉጢ ሓደጋታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ንምዉሓዱ፣ ከነትግብሮም ዘሎና ቅድመ-ምቅርራባት ከ ኣለዉዶ? እንታይ እዮም…ወ.ዘ.ተ?

እዚ ኣብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ዘዕወተ ህዝብን ሃገራት ሕጂ ገጢሙዎ ንርእዮ ዘሎና ሓርጎጽጎጻት፣ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስክዎም ሕቶታት ኣቀዲሞም ብምልኣት ስለዘይመለሱን ምቅርራባት ስለዘይገበሩሎም እዩ። ማሕበራዊ ሰዉራ ተዓዊቱ ክባሃል፣ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቅያር ጥራይ ኣይኮነን፣ እንታይድኣ  ካብ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራስያዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቅያር፣ ዘይትካላዊ ኣሳራርሓ ብትካላዊ ኣሳራርሓ ምቅያር፣ ንህዝቢ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ምጉንጻፍ፣ ካብ መሰል-ኣልቡ ናብ ዝተራጋገጸ ሰቪካዊ መሰላት ምስግጋር፣ ካብ ዝዳሓረ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዉን ማሕበራዊን ስርዓት ናብ ካብኡ ዝማዕበለ ስርርዕ ምስግጋር….ወ.ዘ.ተ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ጊዝየ ዝቕየርን ዝራጋገጽ ነገር ኣይኮነን፣ መስርሕ እዩ፣ እቲ መስርሕ ድማ ብብቕዓት ማሕበራዊ ጸጋታት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዝነዉሔ ወይ ዝሓጸረ ጊዝያት ዝራጋገጽ ጉዳይ እዩ።

ዋላ እኳ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጣሕመሰ ሓቕታት ይኹን፣ ተቦጉሶንፍጻሜዕለት 21/01/2013 ሓይልታትምክልኻልኤርትራኣብፎርቶኣስመራመዲብዎዝነበረዕላሙኡይህረምኣይህረምዕዉትእዩ።ዕዉትዘብሎመርትዖእዚዝስዕብሮቛሒታትእዩ፣

1. ነቲዘይቅህምማሕታ-ቁልዒ ቃልሲወሊዖሞኣለዉ።
2.
ኣብህዝቢኤርትራንማሕበረሰብዓለምዕዙዝግንዛቤታትኣሕዲሩኣሎ።
3.
ነቶምዓሎቕቲጸረሃገርኤርትራሕልሞምበታቲኽዎንኣፋራሪቕዎኣሎ።
4.
መሰረታዊህዝባዊሕቶኣላዒሉንኣናኺሱኣሎ።
5.
ጽቡቕኣብነትንብድሕሪሕጂዝቃለሱንዲሞክራስያዊያንሃገራዉያባእታታትኣብዉሽጥህዝብናንሓይልታትምክልኻልኤርትራኣብዉሽጥንወጻኢኤርትራዘለዉዜጋታትኮይኑኣሎ።
6.
ንኤርትራኤርትራዉነትከምቲቀደምበጃዝሓለፉ፣ሕጂእዉንበጃክሓልፉላዝደልዩዉፍያትከምዘለዉኣራጋጊጹኣሎ።
7.
ነቲኣብዉሽጥላዕሎዎትሓለፍቲ...ዝኸይድዝነበረናይለዉጢፖሊሲታትዘተታትብድሕሪማዕጾንሰጣሕደገንንህዝብከምዝወርድኣተግቢሮምኣሎዉ።
8.
ለዉጢብዉሽጣዊዓቕምታትማሕበራዊጸጋኤርትራዉያንክመጽእከምዝኽእልድሙቕጮራብርሃንኣብሪሁኣሎ።
9.
ኤርትራዉያንኣንፈትፖሎቲካዊንማሕበራዊንጽምዶታትናከነነጽርከምዞሎናገዲድናኣሎ።

እዚ ዓወታት እዚ ዉጽኢት ናይቲ ብዘገምታ ክእከብ ዝጸንሔ ዉሽጣዊ ቃልስታት ኮይኑ፣ ንመጻኢ ድማ ከም ሓደ መንጠሪ-ሰደቓ ንዝላዓለ ቃልሲ እዩ።

ብመንጸር እዚ፣ ፍጻሜዕለት 21/01/2013 ሓይልታትምክልኻልኤርትራኣብፎርቶኣስመራመዲብዎዝነበረ ዕላማ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓዊቱ ነይሩ እንተዝኸዉን ኤርትራ ናበይ ገጻ ምስከደት? እዚ ሕቶ እዚ ዛጊት ዘይተመለሰ ሕቶ እኳ እንተ ኾነ፣ ብሓፈሻ ካብ ቶሞክሮታት ዓለምናን፣ ብፍላይ ድማ ካብ ተሞክሮ“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ክግመት ዝክኣል እዩ። ሓቂ ከዳምጽ ዝኽእል ኣእዛንን ኣእምሮ ዜጋታት ዉሑድ ኣብ ዝኾነሉ እዋናት፣ ንቁኑዕ ገምጋማት ምቕማጥ ናብ ዘይተደልየ ሳሓቦ-ጓቱቶ ሓሸዉየ ናይክትዓት ከእትወና ስለዝኽእል ንጊዚኡ ከምዘለዎ ከፋት ክሓድጎ ወሲነ ኣሎኹ።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

19/2/2013

 

 

 

 

 

 

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: