Eritrea real clear politics's Weblog

April 15, 2013

ጠንቂ ምህሳስ ሃገራዉነትን ፣ምዕባይ ቅድመ-ሱሩት ደማዉን (perennialism) ሞሎኮታዊ ዝምድናታት ዝኾነ ዳይኔሚክስ፣

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 8:47 am

 

ጠንቂ ምህሳስ ሃገራዉነትን ፣ምዕባይ ቅድመ-ሱሩት ደማዉን (perennialism)ሞሎኮታዊ ዝምድናታት ዝኾነ ዳይኔሚክስ፣

 

መቕድም፣-

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክኸዉን ካብቲ ቀንዲ ዘወሰነና ምኽንያት፣ ዓዉላማ ቀንዲ ዓለምለኻዊ መሪሕ-ምሕደራ ንምህላዉ ስለተገንዘብና እዩ። ኣብ ዓዉላማዊ ዘመን ከምቲ ኣብ 1970ታት፣ 80ታት፣ 90ታት…ወ.ዘ.ተ ዓይነት ኣዋዳድባ ተወዲብካ ክትቃለስን ከተቃልስን ስለዘይክኣልን ህዝባዊ ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋጽ፣ ምስ ዘለናዮ ዘመን ዝጥዓዓም ኣዋዳድባን ስነሓሳብን ክህሉ ስለ ዝግባእ እዩ። ንዓዉላማ ኣዉንትኡን ኣሉቱኡን ብግቡእ ስለዝመዘና ድማ ብመገዲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ኣቢሉ ከመይ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ዓቂብና ሓራ ዜጋን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ግዝኣት-ሕጊ ዝቅየድ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክህልወና ከምዚኽእል ንምኽኣል ንቃለስ ኣሎና።

ሲቪክ ዲምክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ማእከል ፖሎቲካ መስመራትኤርትራ ከምዝግተር ኢና ጌርና ዘሎና። ነቲ ኣመና-ሩሑቕ ጸጋማዊ፣ ነቲ ኣመና ሩሑቕ የማናዊ፣ ወይ ድማ ነቲ ኣመና ጹሉል ዓይነት ሃገራዉነትን፣ ነቲ ኣመና ንኡሱን ጸቢብን ሃገራዉነት፣ ንማእከል ሓደ ሲቪካዊ መንነትን ሃገርነትን ንምስሓቡን ንምሽምራሩን ዘናጻጸረ ፖሎቲካዊ ጽምዶ እዩ። እዚ ጽምዶ’ዚ ነቲ ምድቓቕ ሃግውራዉነትን መንነትን ኣብ ምድሓን ዓቢ ጊደ ክጻወት ይኽእል እዩ ዝብል ግምታትን እምነታትን ኣሎና። ኤርትራ ቡዙሓዊ ሕብረተሰብ (hetroginiouse) እኳ እንተኾነ፣ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት ናብ ቅድመሱሩት ዝምድናታት ብምዉዳቕ ብኢትኒክ፣ ብሃይማኖት፣ ብቀቢላ…ወ.ዘ.ተ ንክንቃሳቀሱን ክዉደቡን ዝጎቶም ዘሎ ቀንዲ ጎታቲ ሮቛሒ ዓዉለማዊ ኩዉንነት እዩ።  ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብ መታን ክትህሉ ብግቡእ ዓለማዊ ፖሎቲካ ዓዉላማ ተረዲና መስመርና ከነነጽርን ቃልስና ክንስሕልን ስለዘሎና እዩ።

ነዚ ግምታትን እምነታትን ንምርድኡ ድማ  ዓዉለማ ብግቡኡ ምርድኡ ስለዘድሊ፣ ነዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ ምርድኡ ከድሊ እዩ። ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ ስለዝተባህለ ዲሞክራሲ ይትከል ማለት ኣይኮነን። ሃገር ሃገር ስለዝተባህለ፣ ሃገርን ሃገራዉነትን ከምዘለዎ ወይ ከምዝነበሮ ይቕጽል ማለት ስለዘይኮነ፣ ነቲ ክዉንነት ብልክዕ ክንርድኦ ስለዝግብኣና እዩ።

ጠንቂ ምህሳስ ሃገራዉነት ደፋእን ጎታት ሮቓሒታት ኣለዎ፣-

1. እቲ ዉሽጣዊ ደፋኢ ዳይኔምክስ ሮቓሒ፣ ቡዙሓዊ ሕብረተሰብ ን ዘይፍትሓዊ ፖሎቲካዊ ስርዓታትብምህላዉ እዩ።

2. እቲ ጎታቲ ዳይኔሚክስ ሮቓሒ፣ ዓዉላማ (globalization) ምጣኔ ሃብታዉን ፖሎቲካዊን ምሕደራ( world order) ዝፈጥሮ እዩ። 

3. ዓለምና ብዉሑዳትን ኣዝዮም ሕቡራት ዝኾኑ ሕቡኣን-ማሕበራት ብዘዉጽእዎን ዝወሰንዎን ቅድን ዕላማ ፖሎቲካዊን ምጣኔ ሃብታዊ ስለትማሓደር እዩ።

ካብዞም ሰለስተ ዳይኔሚካዊያን ሮቓሒታት እቲ ዝሓየለ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ዉሽጣዊ ሮቓሒ ዝኸዉን፣ እቲ ግዳማዉን ጎታቲ ሮቓሒ እዩ። ዝሓየለ ዝገብሮ ድማ ሰፍ ዘይብል ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ሓይሊ ስለዝዉንን እዩ። ነዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ብመርትዖ ንምስናዩ እስከ ነዚ ዝስዕብ ክዉንነት ንጣሕሙሶ፣-

ኣዝየ ብዓሚቅ ካይኣተኹ መዛኻኸሪ ክተንብህ፣ ካብ 1648 ዓመት ንዳሓር ዘሎ ጊዝያት ኣትሒዙ፣ ኣብ ዓለምና ኣህዛብ ብደረጃ ሪፓፕሊካት ክጥርነፋን ልዕላዉነተን ከራጋግጻ እኳ እንተጀመራ፣ እቲ ዝላዓለ ጥርናፌ ብደረጃ ስነሓሳብን ኣካል ሃገራዉነትን ሃገር ግን ታሪኻዊ ተረኽቦ እዩ። እዚ ንታሪኻዊ ተረኽቦ  ብክልተ መልክዓት ዝማዕበለ እዩ። እቲ ቀዳማይት ኣብ ቅድመ-ሱሩት ዝምድናታት (primordialist) ተመስሪቱ ብዘገምታዊ ምዕባሌኡ (evolutionary) ናብ ዝላዓለ ጥርዝ ሃገር ዝተወደበ ኮይኑ፣ እቲ ካልኣይ ድማ  ዘመናዊ መልክዕ ን ዘመናዉነት (modernist) ዝሓዘ ናይ ዘመና ተርእዮ ዝላዓለ ጥርናፌ እዩ። ኣብዚ ካልኣይ መልክዕ ጥርናፌ ዘመናዉነታዊ ተርእዮ ሃገርነት ክልተ ዝተፈላለየ  ጉጂለታት ዝጠመረ እዩ። እቲ ቀዳማይ ኣብ 19 ን 20 ክፍሊ ዘመን ዝላዓለ ጥርዚ ምዕባሌ ኢንዱስትሪያላዊ ሰዉራ ኣዕዊተን ኣብ ዝላዓለ ጥርዝ ዝበጽሓ ክኾነ እንከሎዋ፣ እተን ካልኣይ ጉጂለ ድማ ኣብ ትሕቲ እዘን ሃገራት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ነይረን፣ ናጻ ዝኾና ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ሃገረ መንግስቲ (nation state) ዝመስረታ እየን።

ኤርትራዉያን ራኢና ማሕበራዊ ፍትሒን ብሓባር ብሰላም ንምንባር ክራጋገጽ ካብ ኮነ፣ ብዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣቢልና ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ሕብረተሰብን ፖሎቲካዊ ስርዓት ንምጥያስ ፣ ነዚ ሎሚ እንሓልሞ ጽባሕ ጋህዲ ክንገብሮ እንደሊ ንምትግባሩ ዝቡዱሁና ዉሽጣዉን ግዳማዊ ብዶሆታት ብልክዕ ከነለሊ ኣሎና። ኣብ መእተዉየይ ከምዝጠቀስክዎ ካብ ዉሽጣዊ ብድሆታት ግዳማዊ ብድሆታት ስለዓቢ ብዕምቆት ምርድኡ ከድሊ እዩ።

ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስነሓሳብ ህዝብን ሃገር ኣብ ሓደጋን ቅልዉላዉን ይርከብ ኣሎ። ኣብ ግምታትናን ብግብሪን ንህላዌ ሓቀኛ ዲሞክራሲ  ኣብ ዓንዲ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ክጽፈን ክዓቢ ከምዝኽእል  ክንርኢ ዝጸናሕና፣ ድሕሪ ዓለማዊ ዝሑል ኩናት ምብቕዑ፣ ዓለምለካዊ ዓዉላማዊ ምሕደራ (world order) ምስተቀየረ ግን ሕቶ ሃገራዉነት፣ ሃገራዊ መንነትን፣ ልዕላዉነትን ሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣሎ።

ዓዉላማዊ ምሕደራ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ሓንቲ ሃገር ኣብ ክንዲ ከም ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ዝወስዶም፣ ከም ሓደ ኣህላኺ (consumer) ስለዝቆጽሮም ንሕቶ ስነሓሳብ  ህዝብን ሃገር ንሓደጋ ኣቓሊዑ፣ ንኣህዛብ ንትኹላዊ ምትፍናን (ploarization) ይድቕድቆም። እቶም ብሓደ ሃገራዊ መንነት ዝጽዕዱ ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ናብ ዝደቀቀ መንነት ተመሊሶም ክጽዕዱ ይድርኾም።

ኣብ  ዓዉላማዊ ምሕደራ ፣ ስነ-ኪነታዊ ሰዉራ ንመራኸቢታትን ሓቤሬታ ንዓለምና ንኑእሽቶ ቁሸት እኳ እንተቀየራ፣ ብመንጸር እዚ ኣዉንታዊ ምዕብልና ድማ፣ ደቂ ሰባት ብሳጹን ናይ ኢንተርኔት መራኸቢታት (internet modems) ተጨዉዮም፣ ኣካላዊ ማሕበራዊ ርክክብ እንዳማእደደ ስለዝኸይድ ማሕበራዊን ኣካላዊ ተነጽሎታት ፈጢሩ ኣሎ። ኩሉ ሕብረተሰብኣዊን ፖሎቲካዊ ሽግራት ንምፍትሑ፣ ሕቶ እንካን ሃባን ስለዝኾነ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ብኣካል ተራኺቦም ሽግራቶም ብእንካን ሃባን ዝፈትሑ ድማ፣ ሽዉሃት ድሌታቶም ንምዕጋብን ኣትሓሳስባታት ደቂ ሰባት ንምሙቛሑን ንምቁጽጻሩ ናይ ብማዕዶ ብጽሕፍ  ኪናት ዘካይድሉ ኮይኑ ኣሎ። ዉጽኢት ናይ ከምዚ ንጥፈታት ድማ ንሕብረተሰብ ነንሕድሕዱ ከምዝናጻጸል ገይርዎ ኣሎ።

እዚ ሕብረተሰብኣዊ ምንጽጻል ፣ ነቶም ስግረዶባት ምጣኔ- ሃብታዊ ወፍሪታት ኣካይዶም ሕሱር ጉልበት፣ ሰፊሕ- ዕዳጋን ጥረ-ነገራት ንምምዝማዝ ዝነጥፉ ኣዝዮም ሃብታማት ዉልቀሰባት፣ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ኩባንያታት (multinational corporation (MNC) ዕዱን ባይታ ፈጢሩ፣ እቲ ሃብታም ዝነበረ ኣዝዩ ሃብታም፣ እቲ ድኻ ዝነበረ ኣዝዩ ድኻ፣ እቲ ሓደ ሕብረተሰብ ዝነበረ ንቡዙሓዊ፣ እቲ ሓደ መነት ዝነበረ ንቡዙሕ ንኡሳን መንነት፣ እቲ ሓደ ሃገር ህዝቢ ዝነበረ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ…ወ.,ዘ.ተ ብምድቃቕ የዳቕቆምን ንሕቶ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ድማ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ የህዉትቶ። ሓደ ተቃላሳይ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ፣ ሓደ ዓሳ ኣብ ዉሽጥ ባሕሪ፣ ሓንቲ እስትንፋስ ኣብ ዉሽጥ ብደም ዓጽሚ ጭዋዳታት ጅማታት ዝተሃንጸ ፍጡር እዮም ዝነብሩ፣ ሓቐኛ ዲሞክራሲ ድማ ኣብ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ጥራይ እያ ክትምስረት፣ ክትዕንብብን ክትዓብ እትኽእል።

ካብ 17 ክፍሊዘመን ምህናጽ ሃገርነትን ዲሞክራሲ ኣትሒዙ፣ ደቂ ሰባት ንስነሓሳብ ሃገርን ህዝቢ፣ ክም ሓደ ፈጺሙ ክጉሰ ዘይክኣል መሰረት ዲሞክራሲያዊ ፖሎቲካዊ ኣምር ወሲዶም ክሰርሕሉ ጸኒሖም እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ መሰረት እዚ ዝተነጽፋ ሓያላት ሃገራትን ሃገራዊ መንነታትን ዝሃነጻ ናይ ምዕራብ ሃገራት ንርኢ ከምዞሎና ርጉጽ እዩ። እዘን ሓያላት ሃገራትን ሃገራዊ መንነታትን ዝሃነጻ ናይ ምዕራብ ሃገራት፣ ጸጋታተን ንምኽዕባት ንሳተን ዝቃጻጸርኦ  ምሕደራ ዓዉለማ ብምፍጣር ድማ ንዓለም ብሱዉር ወይ ብጋህዲ ይመርሓ ኣለዋ። ምሕያል ዓዉላማ ንሕቶ ሃገራዉነት፣ ልዕላዉነት፣ ስነሓሳብ ሃገርን ህዝቢ፣ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ብምፉኻስ ዕድላት ኣህዛብን ሃገራት ንሓደጋ ከምዝቃላዕ ገይርወን ኣሎ።

ብቀዳምነት ክንጸር ዘለዎ ሓቂ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ዓዉላማዊ ምሕደራ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ስነ-ኪነታዊ ቅዲን ምሕደራን ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ? ብጫፍ ብልሒ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ስነ-ኪነታዊ ንጥፈታት እንዳቶጎተ ማሕበራዊ፣ ባህላዊን ፖሎቲካዊ ምቅይያራት (transformation) ዝፈጥር ስርዓት እዩ፣ ካብ ረብሓ ቡዙሓት ማሕበረሰባት ድማ ናይ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ሰባት ኣብ ንነብረላ ዓለም ዘራጋግጽ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝተወደበ ተጻይ ናይ ዓዉላማ ምንቅስቓስ (counter-globalisation movement) ዘሎ። ዓዉላማ ሙዕቡል ናይ ሓቤሬታ ስነ-ኪነታዊ ሰዉራ ቅዲ-ቅድመ ሓሳብ ለዉጢ (paradigm shift) ስለዘራጋገጸ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘይካሓድ ኣዉንታ ግደ ከምዘበርከተ ዘይንፈላለየሉ ጉዳይ እዩ። ብመንጽሩ ዉድቀት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገር ስለዘራጋግጽ ግን ካብ ኣዉንትኡ ኣሉትኡ ዓብዩ ኣሎ። ዓዉላማዊ ምሕደራ ከመይ ገይሩ እዩ ንዉድቀት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ጋህዲ ዝገብሮ?

1.      ንኣምር ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ልዕላዉነት ጥሒሱ፣ ዞናዊ፣ ስግረ-ዞናዊ፣ ዓለምለኻዊ ምጣኔ-ሃብታዊን ፖሎቲካዊን ወትሃደራዊ ምትእስሳር ዝፈጥሮ መዘና ዘይብሉ ጸቕጥታት እዩ። ንመረዳእታ፣ዓለምለኻዊ ናይ ንግዲ ዉድብ (World Trade Organization) እንዳሃለወ ከንሱ ፣ኣብ ዉሽጢ እዚ ዉድብ እዚ ዝነጥፋ ካልእ ዝሓየለ ዉድባ ብምፍጣር ንከባቢኤን ስግረ-ከባቤኤ ብዓቢኡ ድማ ንዓለምለኻዊ ናይ ንግዲ ዉድብ ዝቃጻጸራን ምጣኔ ሃብታዊ ዉዲት ዘካይዳ ካብ ቡዙሓት ገለ ንምጥቃስ፣ ከም ዞባ ነጻ ንግዲ ሰሜን ኣመሪካ (North American Free Trade Agreement)፣ ምትእኽኻብ ኤዉሮጳዊ ምጣኔሃብታዊ ማሕበረሰብ (European Economic Community) ኣለዋ። ናይዘን ክልተ ዓበይቲ ዉድባት ዕላማን ንጥፈታት ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ወፍሪታት ፣ ምብሓትን ምቁጽጻር ድሪኺታት ዝመንጨወን ዝተጸምደን እኳ እንተኾነ፣ ንስግረ ደባዊን ዓለምለኻዊ ምጣኔ ሃብታዊ ወፍሪታተን ዘዉሕስን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር፣ ጎኒ ንጎኑ ፖሎቲካዉን ማሕበራዊ ዘይሩጉኡነት ብምፍጣር ዝዝዉተር ጸቕጢ እዩ።

2.     ድሕሪ ምዉዳእ ዓለምለኻዊ ዙሑል-ኪናት ኣብ ሞንጎ ምዕራብን ምብራቕ ክፍልታት ዓለምን፣ እቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ኣድማዕነትን ተዛማድነት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ከም ቀንዲ መለለይ-ሕላገት ሃገራዊ መንነት፣ ብቛንቛ፣ ብኤትኒክ-ጉጂለ፣ ብቀቢላ፣ ብሃይማኖትን ብመሰል-ርእሰ ዉሳኔ ተሳቢቡ ዝራኣናዮ ምብትታን ኣህዛብን ሃገራት ዩጉዝላቪያ፣ ሶቪየት-ሕብረት፣ ሶርያ፣ሱዳንን ሶማሊያ…ወ.ዘ.ተ እዩ። ናይዚ ምብትታን’ዚ ጠንቂ ዉሽጣዊ ግርጭታት እተን ዝተበተና ሃገራትን ንምብትታን ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣህዛብ ን ሃገራት ዘይኮነ፣ ካብ ስግረ-ዶባት ዝነቅል ስግረ-ደባዊ ምትእኽኻብ ዘታባብዖን ዝፈጠሮ ጸቕጥታት እዩ። ነቲ ዉሽጣዊ ቡዙሕነት ኣብ ክንዲ ንሓደ መንነት ክዓኩኽ ዝሕግዞ፣ ንትኹላዊ ምትፍናን ክኣቱ ዝያዳ ሓሸዋ ይዉስኸሉ ኣሎ።

ዲሞክራስ ብዝበለጸ፣ ኣብ ክሊ ሃገራዊ፣ ፖሎቲካዊ ዉደባን ስልጣ ዝጋሃድ፣ ዝሰርሕን ዝዓቢ መስርሕ እዩ። ዓዉለማ ንኣገዳስነት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ብምፍጋር ከምዘንቆልቁልን ከምዝዳኸም ስለዝገብሮ፣ ዲሞክራሲ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ንሓፋዊ ዲሞክራሲ (liberal democracy) ኣብ ዓለምና እንዳተዋሰነን እንዳተዳኸመ ይኸይድ። ስለምንታይ? ዓዉላማዊ ምሕደራ ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ግምታት ኣእምንሮናን ተግባር ከም ዉሁብ ዘይተርፍን ፈጺሙ ዘይጉሰ መሰረታዊ ፖሎቲካዊ ኣምር ናይ ደቂ ሰባት ወሲድና፣ ብኡ መሰረት ተጥርኒፍናሉ ዝጸናሕና መንነት ብስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ዝተሃንጸ ራሕሪሒና፣ ኣብ ክንዲ ብምርዓም ብጸቅጢ ፣ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ቬርገሳዊ መንነት ክልብሰና ስለዝማጣጠር፣ ኣህዛብ መንነቶም ኣጥፊኦም ኣብ መንነታዊ ቅልዉላዋት ይድቕደቑ እሞ፣ ኣብ ዉሽጢ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ማሕበራዊ ወጥርታት፣ ዘይምትእምማን፣ ፍርሕታትን ምሕንጋድን ፈጢሩ፣ ናይ መንነት ፍሉይነታት ግን ኩሉእንትናዊ ምልኣት ዘለዎም ቅድመ-ሱሩት መንነታት ከምዝባርዑ ይገብሮም። ኣብ ኮንጎ፣ ዩጉዝላቪያ፣ ሶማል፣ ሱዳን…ወ.ዘ.ተ ዝራኣናዮ ተሞክሮታት ናይ መንነት ሃንደበታዊ ምቕይያራት ምስ ቅድመ-ሱሩት ዝምድናታት ነዉጺታት ናይ ምትእስሳር ጸባያት ዘለዎ እዩ።

ንፖሎቲካዊን ኣምር ዲሞክራሲ ከም ሓሳብን ተግባር፣ ካብ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ነጺልና፣ ክንጥቀመሉን ከነተግብሮ ኣብ ንህቕን እዋናት ሙስሉይ እንበር ሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣይከዉንን። ንመረዳእታ ኣብ ገለ ሃገራትን ኣህዛብ ዲሞክራሲ ከምዘሎን ኣብ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ዝተነጽፈን ዝተነድቀን ከምስሉ ፣ ካብተን መሰረታዉያን ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ዝኾና ሓንቲ ፣ ሰብ ክዋዳደርን ክመርጽን ክምረጽ መሰሉ ብምርግጋጽ ፣ ናይ ዉድድር ምርጫታት የፍቕዱን የካይዱን እዮም። ኣብዚ ምርጫታትን ዉድድራትን ድማ ብዘይካ እቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ዘሎ፣ ሓድሽ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ የሎን። ከም ገለ ህዝቢ ነቲ ዘዳሉዉሉ ማሕለኻታትን ዉዲታትን ጥሒሱ ካልእ በደላ ሰብ እንተመሪጹ ብሻንብቆ-ብረት ይስሃሉዎ፣ ንትኹላዊ ምትፍናን ኣእትዮም ህዝቢ ነንሕድሕዱ የቃትልዎ ወይ ድማ ነቲ ናይ ምርጫ ወረቓቕቲ ብምንዳድ ንሳቶም ከምዝተዓወቱ ይእዉጁ፣ እዚ ድማ ወትሩ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ሃገራት ዝተራእየ ተርእዮታት ኣብ ኮንጎ፣ ኬንያ፣ኢትዮጵያ…ወ.ዘ,ተ ከም መርትዖ ዘለዎ ተሞክሮ ተራእዩ እዩ።

ፖሎቲካዊ ኣምር ዲሞክራሲ ብንጹር፣ ኣብ ፍጹምነት ጽኑዕ ኣዋዳድባ ህዝቢ፣ ሃገርን ፖሎቲካዊ ስልጣ ተሞርኪሱ ድሌት ቡዙሓት ዘራጋግጽን፣ መሰል ዉሑዳት ድማ ዝግብኦም መሰላት ካይንፈጎም ጽኑዕ ዕርድን ዋልታ እዩ። ብወሰንቲ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት (dominant group or elite) ስዉራትን ጉሁዳት ጉጂለታት ዝዝወር፣ ዝቅለስን ዓቢ ህዝባዊ፣ ሃገራዊን ዓለምለኻዊ ዉሳኔታት ዝዉሰን እንተኾይኑ፣ እቲ ቆይሙ ዘሎ ትካላዊ-ጉጂለ (Establishment) ናይ ስልጣን ፍጹሙነት ስለዝጎድሎ፣ ኣዝዩ ቱሑት ዲሞክራስያዊ ባህርያት ዘለዎም፣ ሙስሉያት ዲሞክራስያዊ ትካላት እዩም። እዞም ሙስልያት ዲሞክራስያዊ ትካላት ድማ ብካልኦት ናይ ወጻኢ ሃገራት ብስም ዘይመንግስታዉያን ትካላት ወይ ዉድባት (NGO) ተተኪኡ ሃገራዊን ህዝባዊን ትካላት እንዳጸነተን እንዳተተክኤን ይኸይድ፣ ኣብ ክንዲ ንዝበዝሔ ኣህዛብ ዓለም ረብሓታት ዘራጋግጹ ድማ፣ ረብሓ ናይቶም ዉሑዳት ዝቋጽጸርዎ የገልግሉ። ንመረዳእታ፣- ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UN)፣ ዓለምለኻዊ መንግስታዊ ዉድባት (IGOs)፣  ምጣኔሃብታዊን ምዕብልና ምትሕብባር ዉድብ (OECD) ፣ዓለምለኻዊ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO); ኤዉሮጳዊ ጸጥታዊ ምትሕብባር ዉድብ (OSCE)፣ ዓለምለኻዊ ናይ ንግዲ ዉድብ (WTO) ዓለምለኻዊ ናይ ገበነኛ ቤትፍርዲ (ICC or ICCt)…ወ.ዘ.ተ እየን።

ሓደገኛ መስርሕ ዓዉላማ ንሓቀኛ ዲሞክራሲን ዲሞክራስያዊ መስርሕ ኣስጋኢ ዝኾነሉ ዘሎ  ሓደ ጭቡጥ መርትዖ ኣሎ። ንሱ ድማ ዓዉላማ ንስልጣን ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ማለት ነቲ ቀንዲን ወሳኒን ምንጪ ሰረተ-ህልዌ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ብዘይ ገለ ንሕስያ የዳቕቆ፣ የዋስኖን ይጎስዮን ምህላዉ እዩ። እቲ ምንታይስ  ምስ ስግረዶባዉነት (transnationalisation) ናይ ምጣኔሃብታዊ ንጥፈታት ተኣሳሲሩ ኣብ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊ ሂወት ኣህዛብ ብቀጥታ ስለዝጸሉ እዩ። እተን ሃገራት ወይ ኣህዛብ ኣብ ክንዲ ኣብ ማሕበራዊ-ጸጋታተንን ስነሓሳብ ህዝቢን ሃገርን ዝተሞርኮሰ ፖሊሲታት ዝሕንጽጻ፣ ብስግረዶባዉነት ፖሊሲታትን ኣንፈተን ስለዝስሕታ፣ ካይተረድኤንን ተገዲደን ግሊያ ናይ ስግረዶባዉነት ፖሊሲታት ይኾና። ሓንሳብ ኣንፈተን መሰጥፍኣ ድማ ኣብ ቡሩሱል፣ ሎንደን፣ ዋሺንግቶን…ወ.ዘ.ተ ኮይኖም እንታይነቶም ብዘይፍለጡ ሕቡኣን ወይ ናይ ፍሉይ ረብሓ ጉጂለታት (secret societies &special interest groups) ይዉሰን። ካብቲ ዝወሶኑልካ ፍሕት ክትብል እንተፈቲንካ ድማ ዝተፈላለየ ሽርሕታት፣ ጸቕጥታትን ዉዲታት ኣብ ልዕሌኻ ብምትግባር ኣዳኺሞም ካብ ስልጣን ይኣልዩኻ ወይ ድማ ነቲ ሕብረተሰብ ንትኹላዊ ምትፍናን ኣትዮም ኣብ ኩናት-ሕድሕድ ትደቅዲቓ ነንሕድሕድካ ከምዝዋዳእ ይገብሩዎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፣ መብዛሕትኡ ጊዝያት ዝርኤ ተሪዮታት፣ ኣህዛብ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫታት ንመን ይመርጹ ከምዘለዉ ንምርድኡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንሃገራዊን ህዝባዉን ልዕላዉነት (Sovereignty)፣ ምልኣተ ናጽነትን ሓርነት፣ ሲቪካዊ ሃገርነትን መንነት ዝጣበቁን ዝጽዕዱ ሓይልታት  እንዳተዋሶኑን እንዳተዳኸሙን ይኸዱ እሞ እቲ መልክዕ ኣልቦ ዶብ ሰገር ፖሊሲታት እንዳሳዓረ ይኸይድ። እዚ ስዕረት እዚ ብሃገራዉነትን ዲሞክራሳዊነትን ዘይምእዘዙ ሓይልታት ዉዳቤኤሙን ሓይሎም ከምዝወጹ ይገብሮም፣ ምትፍናን ናይ ክልተ ሓይልታ ማለት ሓይሊ ስልጣንን ሓይሊ ዲሞክራሲዉነት ዘይብሉ ሓይሊ ብመንጸሩ ንሃገራዉነትን ዲሞክራሳዊነትን ስልጣን ዝጻረር ሓይሊ ስለዝፈጥር፣ እቲ ወናኒ ሓደ ሃገር ዝኾነ ህዝቢ ናብ ክልተ ክራኸብ ዘይክእል ዋልታታት ብምስላፍ ንትኹላዊ ምትፍናን ከምዝኣቱዉ ይገብሮም።

እዚ ክዉንነት እዚ ማሕበራዊ ዉድቀት እዩ ዝፈጥር። እቲ ምንታይስ መስርሕ ዓዉላማ ንተሳትፎ ዲሞክራሲ ስለዝጾሉ እዩ። ዓዉላማ ብግብሪ ንማሕበራዊ-ባዶነት (Social Vacuum) ብዝላዓለ ጥርዚ-ሕና ኣብ ምፍጣር ስለዝርከብ፣ ኣብ ኩሉ ሃገራትን ኣህዛብን ዓለም ማሕበራዊ-ባዶነት ሩጉጽ ኮይኑ ኣሎ። ንማሕበራዊ-ባዶነት ቀንዲ ሩጉጽ ዝገብሮ፣ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ብስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ከም ሓደ ተፈጥሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ዉሽጣዊ ሕብረተሰብኣዊ ሕጊ ዝጥምቶ፣ ከም ኣህላኽን ናይ ዕዳጋ-ሕብረተሰብ ስለዝጥምቶ እዩ። ማሕበረሰብ ንዕዳጋ ኣብ ዝቅየረሉ እዋናት፣ ኣብ ክንዲ ሕብረተሰብኣዊ ሕጊ፣ ሕግታት ዕዳጋ ቀንዲ ገዛኢ  ሕብረተሰብ ይኸዉን። መንነት እቲ ንሕብረተሰብ ድማ ብምህላኹ ይዉሰን። ከም ኣህለኽቲ ዞሎና ምጣኒሃብታዊ መንነት፣ ነቲ ሲቪካዊ ወይ ተፈጥራዊ ሰብኣዊ መንነትና ብእስትንፋስ ዘይህብ ቅልጣፌ ይድምስሶን የዳቕቆን እዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ ብተነጽሎ ናይቲ ገዚፍ ዘይህልኽ ህዝቢ ዝንጻባረቕ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ናይ ምህላኽ ሓይልን ማሕበራዊ ኣቓዉማ ኣታሓሕዛ ናይቶም ቁሩብ ዘህሉኹ ወይ ድማ ናይ ምህላኽ ዓቕሚ ዘይብሎም ከም ጸገም ካብኡ ዝገደዱን ጌርካ ብምቁንጻብ ዝገልጽ ዘሎ ተርእዮ እዩ። ንመረዳእታ መብዛሕትኡ እዋናት ዝግለጽን ዝሩቁሑ 1,032,532,974 ዝብዙሑ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብባህርያዊ ሃብቱ ካብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት ዝሃብተመት ክፍሊ ዓለም፣ ብሃንደበት እንተዝጸንቱ፣ ብምጽናቱ ዝድነቕ ወይ ዝስንብድ ዓለም የሎን። ምኽንያቱ ብመግዛትን ሓድሽ መግዛትን ተመጽዩ ናብ ብትከት ወይ ፍጹም ድኽነት ዝወደቀ ኣህዛብ ስለዝኾነ፣ ብሕጊ ዕዳጋ ዓዉላማ ከም ዘየህልኽ ሕብረተሰብኣዊ መንነት ስለዘጠሙቆዎ ካብ ክህሉ ክጸንት ይምነየሉ። ከርሲ ናይቲ ቁምነገር፣ እቶም ብኣድማዕነት ከም ኣህለኽቲ መንነቶም ከራጋግጹ ዘይክኣሉ፣ ንነብሶም ይኹን ንኻልኦት ኣህዛብ ዓለም ከምዘይጠቅሙን ከምዘይህልዋት ናይ ምጽብጻብ ባህርያት ስለዝዉንን እዩ።

ዕዳጋ ንሕብረተሰብ እንዳዋሓጠን ብኣህላኽነትካ መንነት እንዳዓደለ ስለዝኸይድ፣ ብምህላኽ ዝፍለጥ መንነት ልዕሊ ኹሉ ይስራዕ። ልዕላዉነት ሃገርን ህዝብን ዲሞክራስያዉነት ይኹን ካልኦት ዓይነት ፖሎቲካ ንምክያድ ዘይክኣል ይመስእል፣ እዚ ድማ ቡዙሕ ዘገርም ጉዳይ ኣይኮነን። እቲምንታይስ ዕዳጋ ብፉሉይነት ርእሰ-ሙኡኩሉነት ጭዉ ዝበለ ዉልክቃዉነት ዝልለ ክኸዉን እንኮሎ፣ ዲሞክራሲ ግን ብኣድማሳዉነት እዩ ዝልለ። ብርግጽ ብዘይ ሓባራዊ ዕላማ፣ ነቲ ሓባራዊ ዕላማ ዝብል መበገሲ ብቀዳምነት ክዉን ዝገብሮ ተዛማዲ ናይ ህዝቢ ዝብል ቅድመ ግምታዊ መወከሲ፣ መሰረታት ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ከራጋግጽ ኣይክእልን እዩ። ኣቃዉማ ፖሎቲካዊ ሕብረተሰብ ከም ህዝቢ ናይ ብሓባር ዘቋድሶም ባህርያትን፣ ሓባራዊ ረብሓታት፣ ሓባራዊ ስክፍታታት፣ ሓባራዊ ምትሕልላያት፣ ሓባራዊ ዕላማታትን ምትካል ዋልታ ኣብ ዝብል ቅድመ-ግምታት ዝተሰረተ ብሙኻኑ እዩ።

ርሒብ-ገቢል (masses) ዝብል ቃል-ፖሎቲካዊ ኣምር ብዝዓሞቀን ዝሰፍሔ ትሕዝትኡ ንምርድኡ ኣታናትና  ናይ ሄግል ማሕበራዊ-ክልሰሓሳብ (Hegel’s social theory) ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ብዝምልከት ክንግንዘብ ይክኣል እዩ። ሄግል ኣብ ዘቕረቦ ፍልስፍና ንሓደ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ብሰለስተ ጥርዝዊ-ሰንጠረጅ ወይ ባእታታት ማለት ስድራቤት፣ ሲቪላዊ-ሕብረተሰብን መንግስት ዝቆመን ፈጺምካ ክትፍላልዮም ዘይትኽእል ምትእስሳራት ከምዘለዎም ይድምድም። እዚ መደምደምታ እዚ ዝገልጸልና ነገር እንተሃሊዩ፣ ቀዳማይ፣ ርሒብ-ገቢል ዝብል ኣምር ንኡኩብ ዲሞግራፊካዊ ብዝሒ ጥራይ ዘናጻጸረ ዘይኮነ፣ ንማሕበራዉን ሞሎኮታዊን ትካላት፣ ማሕበራዊ ቀጸላታቱን ጸዋታኣዊ ትሕዝትኡ፣ ምክፍፋል ማእቶቱን ሞያታቱን፣ ወለዳታቱ፣ ሓባራዊ ሞራሉን ስነ-ምግባር፣ ዜግነት፣ መንነት፣ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊ መሰላትን ጉቡኣት፣ ድሌታት መላእ ርሒብ-ገቢልን ኣራእእያቱ  ዘጣቓለለ ኮይኑ፣ነዚ ዘማሓድር ንብረት ወይ መሳርሒ ርሒብ-ገቢል ዝኾነ መንግስቲ ከምዝህልዎ እዩ። ካልኣይ፣ ሓንቲ ስድራቤት ብደምን ብተንካፊ ስምዒታዊ ሸነኻታ ጽንዑ ምትእስሳር ዘለዋ ናይ ትእምርቲ ኣሃዱ ሙኻና እዩ። እዛ ናይ ትእምርቲ ኣሃዱ እዚኣ ቀንዲ መሰረት ሕብረተሰብ ምኻናን፣ በቲ ንሳ ብመዉስቦን  ተሳትፎ ኣብ ምፍራይን ምሻጥን ምልዋጥ ትጻወቶ ግደ ድማ ኣብ ዉሽጥ ሕብረተሰብ ናይ ዉልቃዉነት ሽዉሃት፣ ምቅርራብን ምጉናይ፣ ዉድድር፣ ምትሕግጋዛት…ወ.ዘ.ተ ዘምርሕ ጋድማዉን ቱኹላዉን ዝምድናታት ከምዝጋሃድ ኩዉን ትገብር። ኣብ ገለ እዋናት ንዉልቀን ዉልቃዉነት ምስ ማሕበራዊ ሂወት ብምዝማድ ብኣሉታ ዝምባሌ ወይ ዉልክቀ እዩ ወይ ሕሉፍ ስስዔ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ፣ ብመንጸር እዚ ኣዉንታ ከምዘለዎ ምርዳእ ኣድላይ እዩ። እቲምንታይስ ዝምድናታት ሕብረተሰብ ካብ ዉልቀ ጀሚሩ ንስድራቤት፣ ካብ ስድራቤት ምስ ሕብረተሰብ ናይ ሓድነት ምትእስሳራት ስለዘለዎ እዩ። ብዓቢኡ ግን ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሕጋዊ ማዕርነትን ሓርነት ንዝዓለመ ሓባራዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ ዘስዕብ ብዉልቃዊ ተቦግሶታት ዝልለን ዝዕየር ብምኻኑ፣ ቀንዲ ኣግእዞ ዉህደትን ጥምረትን እዩ። ሓራ ዝኾነ ዉልክቀሰብን ዉልቃዉነትን እንተዘየሎ ሓራ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ክፍጠር ስለዘይክእል እዩ። ኣብ ሕቶ ዲሞክራሲ ንዉልቀ ሰብ ዘማእከለ ካብ ኮነ፣ ናይ ስድራቤትን ጉጂለን ጉዳይ ድማ ናይ ምስሳይ (accommodation) ሕቶ ስለዝኾነ እዩ። ከምቲ ሄግል ዝገልጾ ኣብ ስርዓተ ድሌታት (The System ofNeeds) ምብትታን ስድራቤታትን ምድቃቅ ሕብረተሰብ ናብ መባእታዊ ባእታታት ንልዕል ዝበለ ድሌታት የምርሕ። ሓደ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ብመስርሕ ናይ ዝጎደለ ምምልላእን እንካን ሃባን ተኣሳሲሩ ዝህነጽ ባህርያዊ ሓድነት ከንሱ፣ ዓዉላማ ንድንፋዔ ፖሎቲካዊ ግንዛቤን ንቕሓት፣ ፖሎቲካ ሪሒብ-ገቢል ክዉን ዝገብሮም ሮቛሒታት ብምፍጋርን ብምቡርቓቕን፣ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝተሞርኮሰ ሕብረተሰብ ናብ ምድቓቕ ገጹ ይመርሖ ከምዘሎ እዩ።

ብዓለማዊ ዕዳጋ ዝተደረኸ መዋዳድርቲ ዘይብሎም ናይ መራኸቤታት ስነ-ኪነት ምዕባሌታት፣ እቲ ዕዳጋ ዝፈጠሮ ናይ ሓቤሬታን መራኸቢታት ሰዉራን፣ ንቅሓት ወይ ግንዛቤ ብዘይዕገት ናህሪን ምልኣትን ዝፍኖ ሓቤሬታ ከምዝኾነ ጌርና ከም እንርዳእ ይገብረና። ሓቤሬታ ከም ግንዛቤን ንቅሓት ይዉሰድ እኳ እንተኾነ፣ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ባህርያትን ገጽ የብሉን። ምኽንያቱ፣-

1.      ዉጽኢት ናይ ስነኪነት እዩ።

2.     ንገዛእ ርእሱ ጥበብ-ስነኪነት እዩ።

3.     ቅርጺ፣ትሕዝቶን መልእኽትን ዝዉሕዝሉ ኣጋባብ ዝተሓላለኹ ኮይኖም ዉህደቶም ሓቤሬታ ስነኪነት ካብ ስነኪነት ዝተፈጥረ ብምኻኑ እዩ።

4.     ብስነኪነታዊ ነገርነቱ፣ ሓቤሬታ መራኸቢ ዘይኮነ ጸረ ርክክብ እዩ። ብሓፈሻ እንካን ሃባ ዝጠልብ ርክብ፣ ብፍላይ ድማ ዕዘት ኣገዳስነቶምን ዳይነሚክነቶምን ብዘየገድስ ክዉሕዙ ኣየፍቅድን እዩ። እቲ ምንታይስ እቲ ዝዉሕዝ ሓቤሬታ ከምዘለዎ ክትጎስሞ ስለዝድርኸካ ንዓይ ጥራይ ስምዓኒ ወይ ድማፈቲኻ ጸሊካ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ ዝብል ድንዕታ ስለዘለዎ እዩ።

5.     ሓቤሬታ ኣብ ስነኪነት ዝተወቀተ ብምኻኑ፣ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ገጻት ዘይብሉ ብምኻኑ፣ ንሓደ ሕብረተሰብ ከም ሓደ ሂወት ዘለዎ እኩብ ኣይርዕመሉን። ነቲ እኩብ ክጎጃጅሎን ክጀዳቕቆ ይጽዕት።

6.     ስነኪነት ንዓና ከም ኣብ ነናይበይንና ደሴት ወሽቡ፣ ንኣካላዊ ርክብ ደቂ ሰባት መንዚዑ፣ ብመገዲ ኤለክትሮኒክ ዘይኣካላዊ-ሃዉሪ (virtual) ብምርኻብ ኣካላዊ ማሕበራዊ ተነጽሎ ይፈጥር። እዚ ክዉንነት እዚ ድማ ደቂ ሰባት ወይ ሕብረተሰብ ካብ ማሕበራዊ ተምክሮን ኣካላዊ ርኽክብ ይንጸል

7.     ዓዉላማ ብስንጊንጢሪነት ናይ ሓድሽ መራኸቢታት ስነኪነት ሓቤሬታን ህዝባዊ ዓንኬል ይፈጥር። ምልክታት ተነጽሎን፣ ማሕበራው ምድቓቕን ድማ ይቀርጽ። ስነኪነት ንህዝቢታት ዓለም ንጹል ብዝኾነ ማሕበራዊ ተሞክሮ ብዝሕርም ብልሓታት ሓቤሬታ የባጽሓልና ኣሎ። እቲ ሓቤሬታ ኣብ ክንዲ ሓቤሬታ ኮይኑ ፍልጠት ዘስንቀካ ይንጽለካ እሞ ተገልቢጡ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዘይኣካላዊ-ሃዉሪ ማሕበራዊ ዓንኬል የዳቕቆ። እቲ ምንታይስ ኣካላዊ ክልተኣዊ ርክክብ ዝፈጠሮ ናይ እንካን ሃባን ሓቤሬታታት ስለዘይኮነ ከምዚ ንህዋ ክንፅብጦ ዘይንኽእል ዘይጭበጥን እዚን እቲን ክትብሎ ዘይክኣል ጉዳይ ስለዝኸዉን፣ ተነጽሎታት ፈጢሩ ኣብ ስነኣእሙራዊ ጸቕጥን ልምሰት ኣእሙሮ የእትወና። ናይ ማሃዝነትን ናይ ምሕሳብን ዓቕምታትና እዉን እንዳተዳኸመ ይኸይድ።

8.     ሓቤሬታ ኣዝዩ ተዋራራሲን ተዛማዲን ዘይርግኡን ስለዝኾነ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ምክፍፋል ወይ ድማ ናይ ምምሕባር ባህርያት ስለዘይብሉ፣ ንሓደ ማሕበራዊ ኣቓዉማ ከንቕል ወይ ድማ ለዉጢ ከምጽእ ብጻልጥኡ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ከምዚ ክዉንነት ሓይልኻ ወይ ድማ ስልጣንካ ናይ ምሕራም ፖሎቲካ ክህሉ ዝክኣል። እቲ ምንታይስ ኣቲ ወሳኒ ተራ ናይ ፖሎቲካዊ ምልዓል ከምዘይዕተር ኮይኑ ብመራኸቢ ቡዙሓን ተገቢቱን ፖሎቲካዊ ድሌትን ፖሎቲካዊ መረጻታት ኣብ ናይ መረጻታት ሳንዱቕ ጥራይ ተጨባጥነቱ ዘራጋግጸሉ ክዉንነት ስለዘጣጥሕ እዩ። ሓቤሬታ ሓይሊ ኣኳ እንተኾነ፣ ሓቤሬታ ካብ ማሕበራዊ ርክክብን ተሞክሮን ዝንጽል ካብ ኮነ፣ ካብ ኣዉንትኡ ኣሉትኡ ይዓዝዝ። ገለ ማሕበረሰብ ዓለምና ወይ ደቂ ሰባት፣ንዓብላልነት መራኸቢ ቡዙሓን ከም ቀንዲ መራጋገጺ ሓርነት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ መራጋገጺ ብልሓት ገይሮም ስለዝወስድዎ፣ ብመራኸቢ ቡዙሓን ኣቢሎም ሓርነት ወዲ ሰብ ከራጋግጹ ይህቕኑ። እንተኾነ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት፣ ኣባላት ህዝቢ ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፉ ከም ደረኽቲ ተሳተፍቲ ዘይኮነስ፣ ከም ትንፋስን ቁምነገርን ዘይብሎም ነገራት ወይ ጸላጽል እዮም ዝራኣዩ።  ቀንዲ ሕመረትን ኣገዳስነትን ፖሎቲካዊ ድሌታትን ፖሎቲካዊ ምርጫን እምብኣርከስ ዳይናሚክነት ናይቲ መስርሕን፣ ምግላጽ ናይቲ ዘይስበር ፖሎቲካዊ ቆራጽነት፣ ናይ ኣማራጺታት ህልዉ ተሞክሮን፣ ምግላጽ ናይቶም ድሌታት፣ ኣብ ንሓባር ዘገዱሱ ጉዳያት ብንጥፈት ምዝታይን ዘጠቓልሉ እዮም።

መዛዘሚ፣-

ዓዉላማን ፖሎቲካ ንነብረላ ዘሎና ዓለም እዚ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ኣጋባብ ዝተጣሕመሰ ካብ ኮነ፣ ቀዳማይ ካብዚ ማሕለኻታት እዚ ከነምልጥ ዶ ንኽእል? ካብዚ ዓዉላማዊ ማሕለኻ ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና፣ ነቲ ማሕለኻታት ብግቡኡ እንተፈሊጥናዮ ግን ኣብ ክንዲ ንረብሕኡ፣ ንረብሓና ክንቅይሮ ተኽእሎታት ኩሉ ጊዝያት ሩጉጻት እዮም። ዕላማናን መሰረት ዕላማና እንተሲሕትና ግን ኣንፈትና ኣጥፊኡ ክገዝኣና ምኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ  ኩነታት ዓዉላማን ኣሉታቱ ግቡእ ኣፍልጦን ተገንዝቦን ስለዘይብሉ፣ ግንዛቤታት ከጥሪ ጻዕርታት ከድሊ እዩ።

ኤርትራዉያን ብዘይ ገለ ዞናዉን ዓለምለኻዉን ተጻብኦታት ዕላማና ከነዕዉት ዶ ንኽእል? ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ተጻብኦታት ናይ ረብሓ ተጻብኦታት ብደረጃ ዓለም ዝንጠፈሉ ስለዝኾነ፣ ከምዚ ዓሳ ካብ ባሕሪ ቦሎኽ ኢሉ ዝወጽእ ግን ክነብር ድማ መሊሹ ንባሕሪ ዝምለስ መታን ካይከዉን፣ ዝተነጸረ ፖሊሲታት ኣብ ሓባራዊ ረብሓ እንካን ሃባን ፈሊጡ፣ ንሕና እንዕወተሉ እቶም ካባና ዝደልዩ ድማ ዝዕወትሉ ናይ ዓወት ዓወት (win win) ዘሳስን ፖሊሲ ክህልወና ይግባእ። ብመንጸር እዚ ኣብ ዉሽጥና ሓድሕዳዊ ኣፍልጦ (recognition) ዝመለልይኡ፣ ሓድነት ኣብዉሽጢ ቡዙሑነት ተቀቢልና ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነት ዘእትወና ፖሎቲካዊ መስርሕ ሓድነት (melting pot) ብዘይዉዓልሕደርከነንቕሎክንክእልኣሎና።

እሞ ዓዉለማ ከምዚ እንተኾይኑ ከመይ ጌርና ዉሑድ ህዝቢን ድኻን ንኡሽቶ ሃገር በይንና ክንሰርር ኢና? ዝብል ተስፋ-ቀቢጻዊ ሕቶ እዉን ክልዓል ይኽእል እዩ። ዓዉላማ ብፍላይ ንሳልሳይ ዓለም ህዝብታትን ሃገራት፣ ብሓፈሻ ድማ ን99% ንህዝብታት ቀዳማይ ዓለም ወይ ሙዕቡላት ሃገራትን ኣህዛብን ዓምጢሩን ገቢቱ ሒዝዎ ስለዘሎ፣ እቲ ቃልስታት ኣብ መላእ ዓለምና ብመላእ ኣህዛብ ዓለም ስለዝካየድን ኣብ ማሕበራዊን ምጣኔሃብታዊ ፍትሒ ምንዳይ መትከላት ስለዝሙርኮስ ቁኑዕ ቃልሲ እዩ። ቁኑዕ ቃልሲ ድማ ዉዒሉ ሓዲሩ ከምዝዕወት ንኣምን እንተኼና ኣብ ዓለማዊ ቃልሲ፣ ቃልስና ኣበርክቶ መታን ክህልዉ ክንቃለስ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ።  ሰዉራ ኤርትራ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ክቃለስ እንኮሎ፣ ኣንጻር እምባራጦራዊት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ እምባራጦራዊት ኢትዮጵያ ብሓያላት ሃገራት ኣሜሪካ፣እንግሊዝ፣ ሩስያን ኢስራኤል እንዳተሓገዘት እያ ን30 ዓመታት ተቃሊስና ናጽነትና ዘራጋገጽና። ሕጂ እዉን ኣንጻር ዉሽጣዊ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን፣ ግዳማዊ ገበቲ ኣካላት ዓዉላማ ክንቃለስ ናይ ግድን ስለዝኾነ ክንቃለስ ኢና። ነዚ ቃልሲ እዚ ዝጸሮ ወሳኒ ግደ ወዲሰብ ስለዝኾነ፣ ወሳንነት ተራ ዜጋ ከነራጋግጽ ክንበቕዕ ኣሎና። ኣብ እነካይዶ ቃልሳዊ ስትራተጂ ወትሩ ሰብ ማእከላይ ቦታ ስለዝሕዝ ብዓይነቱን ዓቀኑን ንቁሕ ዜጋ ኣብ ምፍጣር ሚስጢር ዓወት ማሕበራዊ ሰዉራና ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ።

እዚ ብጂግንነትን ሓርበኛነትን ዝመለልይኡ ህዝቢ ኤርትራ፣ ስድራቤታቱ ክባታተን፣ ኩሊቱ ከም መቓያየሪ ኣቁሑ መኪና ክሽየጥን ክልወጥን እንኮሎና፣ እንታይ እዩ ወሪድና? እዚ ኹሉ ጅግንነት ብምንታይ መኺኹ ተሪፉ? ዝብል ሕትኢታት ዘላዕል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ገሌና ደገፍት ጋባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ገሌና ደገፍት ማሓዉራት ዘይብለን ፖሎቲካዊ ዉድባት ካብ ኮና፣ ሓደ ሩኡይ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ጸገም ጉድለት ማሕበራዊ ንቅሓትን፣ ዉልቓዊ ሓርነትካ ዘይምእዋጅን ኮይኑ፣ ሳዕቤናቱ ክዛረብ ዝኽእል ናይ ኣእምሮ-ጊልያ ናዉቲ ማእቶት ኣርካናት ኪናት ስለዝኾና እዩ። ስለዚ እቲ ብድሆ፣ ናይ ኣእሙሮና ናይ ምቅያር ብድሆ ስለዝኾነ፣ መጀመርታ ነብስና ሓራ ከነዉጽእን ንኣእሙሮና ክንቃለሶ ይግባኣና። ንኣእምሮና ክንቃለሶ ድማ ፍልጠት ክንድልብ ስለዝግብኣና ተማሃር፣ ስራሕን ተቃለስን ቀዳማይ ጭርሖና ክከዉን ይግባእ። ምስተማሃርናን ዉልቃዊ ሓርነትና ምስ ኣወጅና፣ ንካልኦት ሓራ ከነዉጽእን ወሳኒ ጊደ ሰብ ክንጻወት ንኽእል ኢና።

 

መርእድ ዘርኡ

03/02/2013

 

 

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: