Eritrea real clear politics's Weblog

April 15, 2013

ጭግራፊስ ሃሪማ ተእዊ!

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 8:44 am

 

ጭግራፊስ ሃሪማ ተእዊ!

 

http://www.tesfanews.net/archives/11739

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራዉያን  ዜጋታት ግዳይ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብ ምስግጋር ኮይኖም እንከለዉ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣጽቂጥካ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሕጂ ንማንኪ ሙን ደብዳቤ ምጽሓፍ ሓልዮት ድዩ ወይስ ካብ ሓላፍነት ምህዳም እዩ?

ሓድሽ ጠባያቱን ተግባራቱ እኳ እንተዘይኮነ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ኩቱር ዓቅሊጽበትን ንድየትን ዝነቀለ፣ ኣብዚ እዋናት እዚ ብናህሪን ጻዕቒ ዝወስዶ ዘሎ ሰብኣዊ ቅትለት፣ ኣካላዊ-ጥልፈት፣ ሽርበትን ምእሳራት ደዉ ከብሎ እግዝዝ።

ኣብ ዉሽጢ ከርሲ እቲ ስርዓት ኮይኖም ከም ወትሃደራዊ ሞኮንናት፣ ወትሃደራት፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ሚኒስቲሪታት ተመዲቦም ዝዓዩ ዘለዉ ዜጋታት፣ኣዝዮም ቡዙሓት ዲሞክራስያዉያንን ሃገራዉያን ኣዝዮም ለባማትን ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታት ከምዘለዉ ኣዳዕዲዒና ስለ ንፈልጥ ፣ ሕጂ ጊዚኡ ስለዝኣኸለን ልዕሊ ዓቐኑን ዓይነቱ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ምብትታን ኤርትራዊት ስድራቤት ጋህዲ ስለዝኾነ፣ ንጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጂ ይኣክል ክብሉ ብትሕትና ንጽዉዕ። እትምንታይስ እታ ዝደቐቐት ባእታ ስድራቤት እንተተባታቲና ኤርትራ ከም ሃገር ክትህሉ ስለዘይትኽእል’ዩ።

ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስሩዕ-ስርዓተ ዶሞዝን ማሕበራዊ ዉሕስነት ስለዘይብሉ፣ ብዘይካ ዉሕዳት ሱሱዓትን ብተፈጥርኦምን ዉጽኢት ናይቲ ፋሉልን ብልሽዉ ስርዓት ዝኾኑ ምጣኔ-ሃብታዉን ሞራላዉን ቡልሽዋትዝኾኑ ሰብመዝታትን ተሓባበርቶም፣ ብሃዉሪ ዜጋታ መብዛሕትኦም መዓልታዊ ድራር-ዕለቶም ክምእሩሩ፣ ኩነታት ገዲድዎም ኣብዘይተደልየ ምጣኔ-ሃብታዉን ሞራላዉን ብልሽዉናታት ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዉሽጥ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብቀሊሉ ክሓዊ ዘይክእል ናይ ብልሽዉና ነባሪ-ሕማም (corruption) ፈጢሩ ስለዘሎ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሕጊ ዓሳ-ባሕሪ (ዝፈርዘነ ንዝናኣሰ፣ መዝነት ዘለዎ ንመዝነት ዘይብሉ፣ ገንዘብ ዘይብሉ ንገንዘብ ዘለዉ፣ ሓያል ንድኹም፣ ኣሳላጢ ህዝባዊ ጉዳያት ንኣገልግሎት ዝደሊ ዜጋ፣ ነንሕድሕዱ ብዘይ ገለ ንሕስያ ይባላዕ ስለዘሎ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክሓስበሉን፣ ነዚ ከምዚ ተግባራት ክኹኑኖን ክነጽጎን ንጽዉዕ።

እቲ ጽቡቕ ኢሰያስ ኣፍወርቂ እንታይ ክገብር ምኻኑ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-ምምልልስ ይእንፍት እዩ። ትዝ ካብዝብለና ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ምስ ኢሰያስ ኣብ ኤሪ ትቪ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጠኛ “ጉዳይ ዋሕዚ መንእሰያት ጽኣት-ንስደት (Exodus) ኣብ ዝሓተተሉ እዋናት መልሱ ደርሆስ ኣንዊሕካ እንተኣሰርካያ ዝፈታሕካያ ይመስለ ድሕሪ ምባሉ፣ ከምቲ ልሙድ ዘመኽንዮ፣ መንእሰይ ንስደት ዝጽእተሉ ዘሎ ምኽንያት ብድርኺት ሽርሕታት ማእከላይ ስለያ ኣሜሪካን ካልኦት ጸላእትን ኣብ ዘጻወድዎ ዉዲታት ጽንፈት-ኣእምሮ (brain drain) ስለዝወደቀ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ዝኸዶ ከይዱ ሃገሩ ስለዘይርስዕ ግን ንሃገሩ ደዉ ክብል ምኻኑ ብምሽሓጥ ዛዚምዋ”።

እዛ “ደርሆስ ኣንዊሕካ እንተኣሰርካያ ዝፈታሕካያ ይመስላ” ዝብል ዘረባ፣ተሪር እማቴ እዩ። ናብ ዝኸድ እንተኸዱ፣ ካብ ምቁጽጻርና ወጻኢ ኣይኮኑን ብጻልጣ የስምዕ። ኢሰያስ ካብ ምንታይ ነቂሉ? እንታይ ዘታኣማምን ነገራት ስለዘለዎ እዩ? ዝብል ሕቶታት ክልዓል ስለዝኽእል፣ ኢሰያስ ካብ ኣሲሩሎም ዘሎ ሰኪዔት መጻወድያታትን መደባትን ነቂሉ፣ ብርእሰ ተኣማምነት ነዚ ዘረባ እዚ ተዛሪብዎ። ከም ዉጽኢት ናይዚ ኣማቲ ዘረባ፣ መጀመርታ ሰብ ክሓልፈሉ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ስፍራታት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራ ፈንጂታት ተኺሉሉን ጸሚዱሉን።

ቀጺሉ ብግብሪ ኤርትራዉያን ዜጋታት ካብ  ጎራባብቲ ሃገራት ሓሊፉ፣ ካብ ዉሽጥ ከታማታትን ዓድታት ኤርትራ ገሊኦም ተሓቢሎም ገሊኦም ተጨዉዮም ንሲናይ ብምልኣኽ ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ወይ ድማ ዉሽጣዊ ንዋት ኣካላቶም ከም ሃላኺ ኣቕሓ ክሽየጡን ክልወጥን ንርኢ ንሰምዕ ዘሎና። ኣሰልካይን ደረት-ጊዝየ ዘይብሉ ጉዱድ-ዕዮ ከይኣክል፣ እቲ መንግስት ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምጣቱ እንዳተሸምረረ ኣብ ዝኸደሉ እዋናት፣ ከም ቀንዲ ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንዜጋታቱ ክሸይጥ ክልዉጥ ወሲኑ፣ ን4 ዓመታት ድማ እስትንፋስ ብዘይህብ መገዲ ሰሪሕሉ።

እንታይ ጭብጢ ኣሎ? ብኸመይ ሙኹኑይ ትገብርዎ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት መርትዖ ዘሰነዮ መልሲ ክህሉ ኣለዎ እንበር፣ ኣልዕል ኣቢልካ ጠቀነ እዉን ጽቡቕ ኣይኮነን። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣራጋጊጹ ዝፈልጦ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ብትካላዊ ኣስራርሓ ከምዘይሰርሕ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ምጣኔ-ሃብታዊ ካልእ ስዉር ወፍሪታት ከካይድ እንኮሉ፣ ብስም ዉልቀ ሰባት ዘዋፍር እዩ። ነቶም ዉልቀሰባት ኣካላት-ብርኪ ናይቲ ምጣኔ-ሃብታዊን ካልእ ስዉር  ወፍሪ ጌይሩ፣ ዝነበሮምን ዘለዎምን ገንዘብ ኣራማሚሱ ወይ ይኣስሮም፣ የጸልሞም፣ ካብኡ ሓልፉ እዉን ይቀትሎም።

ኣብዚ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ድማ ብልክዕ ከምቲ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ ብደረጃ ዉልቀ-ሰባት፣ ወትሃደራዉያን ሞኮንናትን ናይ ስለያ መኮንናት ምትእትታዉ ኣለዎ።

 

ቀዳማይ መርትዖ፣ ዜጋታት ብናይ መንግስት ኤርትራ መካይን ካብ ዉሽጥ ሃገር ንጎራባብቲ ሃገራት ብዘይ ገለ ጸገም ይኣትዉ ኣሎዉ። ብዘይ ኣፍልጦ ሴኪዔት መንግስት ኤርትራ ንሲናይ ዝተጨዉዩ ዜጋታት፣ ስድራቤታቶም ናይ ቅርቢ ምትእስሳር ምስ መንግስት ኤርትራ ዘለዎም፣ ካብ ሲናይ ብዘይ ገለ ጸገም ንተሰነይ ብፍልይቲ ቶዮታ ላንዲ-ክሩዘር ዝተመልሱ እዉን ኣለዉ (ንኣብነት ጓሉ ንወዲለገሰ)

 

ካልኣይ መርትዖ፣ ዜጋታት ካብቲ መንግስታዊ መጻወድያ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ወጻኢ ዜጋታት ብዉልቂ ወይ ብዕስለ ክወጹ እንተተረኺቦም ድማ ብጥይት ይሳሃሎም፣ ከም ዉጽኢት እዚ ስጉምቲ መንግስት ኤርትራ ሓያሎ ዜጋታት ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተቀቲሎም እዮም። ርጉጽ እዩ፣ ኣለዉ ብዉልቂ ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ ገበናዊ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት፣ ገንዘብ ከካዕቡቱ ዝተዋፈሩ፣ መንግስት ኤርትራ ኣብ ክዑቡት ምንጭ  እቶቱ ስለዝተጫረትዎ ኩሉ ጊዝየ እዩ ዝሃድኖም። ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረሺኖም እዮም፣ ገሊኦም ተሰዊሮም እዮም፣ ገሊኦም ካብ ሱዳን ተጨዉዮም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስት ኤርትራ ኣትዮም እዮም።

እዚ ስጉምትታት እዚ ንመንግስት ኤርትራ ካብ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ስርሓት ናጻ ምኻኑ ንምርኣይ ዝጥቀመሉ ሜላ እኳ እንተኾነ፣ ምስሉይ ስጉምትታት እዩ። ኣብ መጨረስታ ካይጠቀስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፣ብስም ድነ ተቃዉሞ መንግስት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳን ዝነጥፉ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ዝነጥፉ ከምዘለዉ እዩ።

ንኣብነት ሓንቲ ብዉልቀ ዜጋታት እትነጥፍ ሰኪዔት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ካብ ኣስመራ (ሰንበል ነቂላ ንዓዲ-ተከለዛን ድንበዛን- ቀጺላ ንዓዲ-ንኣምን ዓንሰባ- ቀጺላ ብመንሱራ ባርካ ኣቢላ ንከሰላ ተእቱ ቀሌቤት ነይራ። ኣብ ሓጺር ጊዝያት ቡዙሓት ሰባት ስለዘሳጋገሩ ዘይተደነ ካሻታት ዝመልኤ ገንዘብ እዮም ወኒኖም። መንግስት ኤርትራ ንዕዳጋ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ዝዋዳደሮ ስለዝረኸበ፣ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ገንዘባዊ እቶት ምስተሸምረረ፣ ነዛ ተዋዳዳሪት ብዉልቀ ዜጋታት ትነጥፍ ሰኪዔት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ክረኽብዋ ጊዝየ ኣይወዳኣሎምን፣ ኣብ ሓጺር መዓልታት ረኺቦም ኣብ ኣስመራ ሰንበልን ኣብ ዓዲተከለዛን ኣብ ክሻታት ተዓሺጉ ዝነበረ ገንዝብ ብመንግስት ኤርትራ ተሃጊሩን ገለ ኣባላት እታ ቀሌቤት ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ወዲቆም።

 

ሳልሳይ መርትዖ፣ መንግስት ኤርትራ ንኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ ዉሽጥ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዝነብሩ ብቀጻሊ ይስልል እዩ። ንኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ኮይኖም ዝስልዩ ሃሱሳት፣ ሓደ ሃሱስ ንኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ ወይ ምስኡ ዝሰርሑ ን25 ዜጋታት ይጻናጸን ንወርሒ ድማ 500 ናቕፋ ይኸፍሎም፣ ንኣብ ኤዉሮጳ ኮይኖም ንዜጋታቶም ዝስልዩ ብመሰረት ዘምጽዎ ሓቤሬታታት ካብ 300 ክሳብ 500 ኤሮ ፣ ንኣብ ካናዳን ሴሜን ኣሜሪካን ኮይኖም ንዜጋታቶም ዝስልዩ ብመሰረት ዘምጽዎ ሓቤሬታታት ካብ 400 ክሳብ 700 ዶላር ይኸፍሎም። እቶም ሃሱሳት ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዘካይድዎ ንጥፈታት ንዜጋታት ምጽንጻን ጥራይ ዘይኮነ፣ ገሊኦም ኣብ ሓዋላ ገንዘብ፣ ገሊኦም ኣብ ምሳዳድ ጽዕነት ኣቕሑ ዜጋታት ንኤርትራ፣ ገሊኦም መራሕቲ ናይቲ ኤርትራዊ ማሕበረሰባት…ወ.ዘ.ተ ኮይኖም እዉን ይነጥፉ እዮም። ኣብ ዉሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዉን እንተኾነ፣ ነቶም ብጊዝየ-ደረት ዘይብሉ ጉዱድ-ዕዮ ዝስልከዩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፍሉይ-ሓለፋታትን መብጻዓታትን እንዳገበረ፣ ከም ንገሊኦም ንዉሕ-ዝበለ ጊዝያት ዕርፍቲ ንገዝኦም ከምዝፍቀደሎም ብምግባር፣ ንገሊኦም  ዉልቃዊ ስራሓቶም ከካይዱ ብምፍቃድ፣ ንገሊኦም ተወሳኺ 500 ናቕፋ ብምሃብ…ወ.ዘ.ተ ንሰራዊት ከምዝስልዩ ዝገብር ፖሎቲካዎ ስርዓት እዩ። ርክብ ቴለፎናት ዜጋታት ካብ ናብን እዉን ይጻናጸ እዩ። ካብዚ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ መርትዖታት ብምንቃል፣ መንግስት ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ኣዝዩ ሱጡምን ንጡፉን ናይ ጸጥትኡ ናይ ምሕላዉ ዓቕምታት ዝወነነ ጭፍራ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስለያዊ ዉዳቤን ንጥፈታትን ዘሳላስል ስርዓት፣ ኣንካይዶ ንኣብ ሲናይ ዝተጨዉየ ዜጋ ንምድሓን ስድራቤቱ፣ ካብ ደገ ብመገዲ ዌስትሬን ዩኔን ንባንክ ኤርትራ ብምልኣኽ ኣብ ኣስመራ፣ ደቀምሓሬ፣ ከረን፣ መንደፈራ እንዳተኸፍለ ገንዘብ ንወኪላት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ስለዘይፈልጦ ዘይኮነስ፣ ናቱ ሰኪዔት ስለዝኾነ ጥራይ እዩ፣ እንዳራኣየ ከምዘይራኣየ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ። ንታሪኽ ተባሂሉ እንበር፣ እዚ ክንዝርዝሮ ዝጸናሕና መርትዖታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፣ ማሕበረሰብ ዓለምና ካይተረፈ እዉን ዝፈልጦ ሓቂታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኢሰብኣዊ ተግባራት ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ብትሪ ክኹኑኖ ንጽዉዕ ኣሎና።

ገባቲ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጂ እዉን ነቲ ሓሊቡ ዘይጸንቀቆ ህዝብና ፋይናንሳዊ ዓቕምታቱ ንምሕላብ ናጻ ወፍሪ ብምባል 2 ዋዕላታት ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ዝተካየደ ዋዕላታት ብተሳተፍቱ በዳህቲ ሕቶታት እኳ እንተቀረበ ጭቡጥ መልስታት ኣይረኸበን፣ ኣብ ቀጺሉ ዝተገብረ ቃለምልልስ ግን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲታት ምቅይያር ክገብር ከምዘይኮነ ኣነጺሩ እዩ። ሓራ ዝኾነ ምጣኔ-ሃብታዊ ወፍሪታት ክካየድ ክራጋገጻ ዝግብኤን መሰረታዉያን ሮቛሒታት ኣለዋ፣ ንሳተን ድማ፣-

1.ግዝኣተ-ሕጊ ክራጋገጽ ኣለዎ። 2.ዉሕስነት ጸጥታ ዜጋታትን ብሕታዊ ክፋል ምጣኔ-ሃብቲ ክህሉ ኣለዎ። 3. ሰላምን ምርግጋእን ክራጋገጽ ኣለዎ። 4.ቅርዕዉ መንግስታዊ ትካላዊ ምሕደራ ክህሉ ኣለዎ። 5.ተዛማዲ ናይ ዜጋታት ዉልቃዊ ሓርነት ክራጋገጽ ኣለዎ። 5.መንግስቲ ብዝኣወጆ ሕግታትን ፖሊሲታትን ዝቅየድን ዘተግብርን ክኸዉን ኣለዎ…ወ.ዘ.ተ.። እዚ ብተዛማዲ ካይተራጋገጸ ዝካየድ ምጣኔ-ሃብታዊ ወፍሪታት ብፍጹም ንሓደጋ ዝተቃልዔ ምኻኑ፣ ተሞክሮና ሚሂሪና እዩ።

ብዝኣወጆ ሕጊታት ዘይቕየድ ስርዓትን ንዜጋታቱ ከም ጨዉ-በርበረ ዝሸይጥ-ዝልዉጥ ስርዓት፣ ብዝኾነ ትኣምር ወይ ምኽንያታት ክነብር ዘይኮነ፣ ህዝቢ ፎኦ ኢሉ ፍጹም ዘይምእዙዙነት ከጋጥም ዝግባእ እዩ።

ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ፖሎቲካዊ ስርርዕ ፍጹም ወዲቁ ኣብ ግብኣት ሕሉም-ሕሉም ንክድበን ተዋዲዱ ኣብ ዝሃለወሉ ጊዝያት፣ ኣብ ሓመድ-ድቤኡ ኩሉ ኤርትራዊ ንፋይ ሓመድ ክዘርዉ ንጽዉዕ። እዚ ጭፍራ’ዚ ካብ ኩቱር ሽዉሃት ቂም ምስ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነ ዘይመርሓ ኤርትራ ኣብ ማዓሙቅ ቀይሕ ባሕሪ ትስጠም” ዝብል ናይ ህልኽን ቂምን መንፍስ ኣሕዲሩ፣ ምስ ምጥፍኡ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ክጠፍእ እኹል ምቅርራባትን፣ ነቲ ክዉንነት ጋህዲ ንክኸዉን ዘጣዓዕም ኩነታት ኣብ ምፍጣር ብዝላዓለ ዓቅሙ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝነብር፣ ንሃገራዊ መንነቱ፣ ንማሕበራዊ ክብርታቱ፣ ንመሬትን ክብሪን ዓዲ-ኣብኡ፣ ንምዕዋት ሰብኣዊ መሰሉ፣ ንምርግጋጽ ጊዝኣተ-ሕጊ ብሓደ-ድምጺ ኣብ ዝኣምነሉ ዉደባ ትሰሊፉ ክልዓል ኩዉንነት ሃገርና ይጽዉዖ ኣሎ።

ህዝቢ ንምንታይ ክዉደብ ኣለዎ? በብመገዱ በብዉልቁ ዘይቃለሶ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ብጾትኡ፣ ብርኪ-ዕድሚኡ፣ ሞዩኡ፣…ወ.ዘ.ተ እንተዘይተወዲቡ፣ እቲ በብጉጅልኡ ዝተወደበ ብደረጃ ሓደ ሃገራዊ መንነትን ሃገርን እንተዘይተላፊኑ፣ ኣንካይዶ ንጥቅሙ ሃገሩ፣ ንጥቅሚ ዉልቁ እዉን ክኻላኸልን ከራጋግጽ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ዘይተወደበ ህዝቢ ንክጭቆን፣ ንክግዛእ፣ መሳሪሒ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት፣ መሳርሒ ናይ መለኽቲ፣ መሳሪሒ ናይ ኣርካናት-ኪናት(Lords of war)፣ ቡቱን ህዝቢ…ወ.ዘ.ተ ክኸዉን ዝተዋደደ ወይ ዝተቀረበ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ሎሚ እዉን ከምትማሊ ህዝቢ ክነቕሕን ክዉደብ ከምዘለዎ እጽዉዕ ኣሎኹ።

እዚ ናይ ሕጂ ብኢሰያስ ተጻሒፉ ዘሎ ደብዳቤ ንባንክ ሙን ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝተዋደደ ሑሱር ሜላ እዩ።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

5/2/2013

Advertisements

Leave a Comment »

No comments yet.

RSS feed for comments on this post. TrackBack URI

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Blog at WordPress.com.

%d bloggers like this: