Eritrea real clear politics's Weblog

May 29, 2013

Voice of Eritrea chat with Ato Merid Zeru from Holland with regards to the current issues of Eritrea.

Filed under: Interviews — eritrearealclearpolitics @ 8:15 am

Voice of Eritrea @ 881fm CKDU of  Halifax Canada.
For Sunday May 26 20013 is pleased to announce a chat with
Ato  Merid Zeru from Holland
with regards to the current issues of Eritrea.
Recorded Time 2 pm EST
8 pm Berlin Time.

http://www.youtube.com/watch?feature=player_embedded&v=F3g91wJQNkI#!

 

May 8, 2013

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተኣጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 9:17 am

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!

ሎሚ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከጽሕፍ ዘገደደኒ ትዕዝብታተይ ድሕሪ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ/ ፎርቶ ብናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ምብርዓኑ፣ ቀጺሉ ብጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተወስደን ዝዉሰድ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምሽራብ ዜጋታትን ብመንጸሩ ኣብ ህዝብና ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሚቕ ስቕታ ብምዕዛበይ እየ።

ንዓሚቕ ስቕታ ማርቲን ኔምሎር ዝተባህለ ጀርመናዊ ክገልጾ እንኮሎ ከምዚ ይብል፣-

First they came for the communists, መጀመርታ ናብ ዴሳዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a communist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ዴሳዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the socialists, ቀጺሎም ናብ ማሕበርነታዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a socialist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ማሕበርነታዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the trade unionists, ኣስዒቦም ናብ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበርተኛታት መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a trade unionist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ማሕበርተኛ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the Jews, ቀጺሎም ናብ ይሁዳዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a Jew. ከምኡዉን ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ኣይህዳዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the Catholics, ካብኡ ናብ ካቶሊካዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a Catholic. ሽዑ እዉን ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ካቶሊካዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for me, ኣብ መጨረስታ ናባይ መጺኦምኒ፣
and there was no one left to speak for me ዝተረፈ ሓደ ሰብ ስለዝይነበረ ፣ ዝዛረበለይ ስኣንኩ።

Martin Niemöller

ብሓፈሻ ኣብ ካልኣይ-ኪናት ዓለም ፣ ብፍላይ ድማ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣዶልፍ ሂትለር ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣብ ሃገር ጀርመን ጭቢጡ ንህዝቢ ጀርመን፣ ህዝቢ ኣይህዱን ህዝቢ ኤዉሮጳን ኣብ ዘህልቀሉ ዝነበረ እዋናት፣ ትዕዝብቱ ኣብቲ ዝነበረ ኩነታት ንምግላጽ ዝሃቦ መግለጺ እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ስቕታ ማዕረ ክንደይ ኣህዛብ ከተህልቕ ከምትኽእልን፣ ሰብ ክብደል እንኮሎ እንተድኣ ኣጽቂጥካ፣ ከም ኣታዓድላ ዋንጫ ናባኻ ክበጽሓካ ምኻኑን፣ ሽዑ ድማ ዓገብ ኢሉ ዝዛረበልካ ሰብ ከምዘይርከብ ንምጡቋም ዝሓለነት መግለጺ እያ። ስቕታ ኣዝዩ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም እዩ። ንስቕታ ከም ልቦና ገይሮም ዝገልጽዋ ሰባት ክርከቡ ከምዝኽእሉ ዘጣራጥር ኣይኮነን፣ የግዳስ ስቕታ ክስበርን ክትርባዕ ዘለዎ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም እዩ። እዚ ኩሉ ግፍዕን ሓሰረ መከራ ወሪድና ዘሎ ኤርትራዉያን ካብ ስቕታና ዝነቀለ እዩ። ክሳብ ስቕ ክንብል ዝመረጽና ድማ ብእብረ ክንዳሃኽ ምኻና ፍሉጥ እዩ።

21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ/ ፎርቶ ብናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ምስተጋህደ፣ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሒቕታ ጎሲዖም እዮም። እቲ ጉሳዕ ድማ “እስላማዊ ምትእኽኻብን እስላማዊ ስጉምቲ ምኻኑ እዩ”። እዚ ሒቕታ እዚ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ንኹሉ ዜጋ ኣብ ደዉታ ምፍጣጥ ኣእትዩ ከምዝነበረን፣ ብቅጽበት ህዝቢ እዉን ከምዝነጸጎ ዝራጋገጽ ሓቂ እዩ። ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ከምዘይተዋጽኦም ኣብ ዝገምገምሉ እዋናት፣ ዘረብኦም ኣዲቦም ኣብ ምእሳር  ኣትዮም። መብዛሕትኦም ዝተኣስሩ ላዕለዎት ወትሃደራዊን ሲቪላዉን ሰብ መዝታት ድማ ምእመናን እስልምና ከምዝኾኑ ዘካትዕ ሕቶ ኣይኮነን።  ዝነበሮም ጽፍሕታት፣ ዝነበሮም ኣራኣእያን ተራን፣ ኣቀዲሞም ዝተዛረብዎን ዝበደልዎ….ወ.ዘ.ተ ብዘየገድስ፣ ክሳብ ናጻ ቤት ፍርዲ ንመእሰሪ ጉዳዮም መርሚሩ ገበነኛታት ወይ ንጹሃት ዘይበሎም፣ እዞም ምስ ናይ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ናይ ሕልናን ፖሎቲካን እሱራት እዮም። ኩሎም ናይ ሕልናን ፖሎቲካ እሱራት ድማ ብዘይዉዓል ሕደር ክፍትሑ ከምዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ክጠልብን ስቕትኡ ክሰብር ይግባእ።

ድሕሪ ኤርትራ ካብ እምባሮጦራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ምዉጽኣ፣ ብጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ፣-

1.      ኣመንቲ ዮሆባ ተባሂሎም ሰብኣዊ መሰሎምን፣ መሰልዜግነቶም ክጋሃስ እንኮሎ ኣጽቒጥና፣

2.     መማህራን ናይ ቛንቛ ዓረብ ብዕስለ ተሃዲኖም ክሽረቡ እንኮሎዉ ኣጽቒጥና፣

3.     ስንኩላን ኣብ ማይሓባር ክቕተሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

4.     ኣስታት 48000 ተጋደልቲ ብዘይ ገለ ጻማን መደባትን ክጽልጸሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

5.     ኣስታት 5000 ሰራሕተኛታ መንግስት ዝነበሩ ካብኦም 32 መምህራን ዩኒቬርሲቲ ኣስመራ ክጽልጸሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

6.     ኣመንቲ ጰንጠ ቆስተ ተሓዱሶን ተባሂሎም ዜሃታት ኣብ ኮንተይነራት ክሙቁሑ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

7.     11 ላዕለዎት ኣባላት ባይቶን ጋዜጠኛታት ክእሰሩ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

8.     ባይቶ መንግስት ኤርትራ ክድስክእል እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

9.     ዜጋ ከም ጨዉን በርበረ ክሽየጥ ክልወጥ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

10.    ዜጋ ብጥይት ክቁለብ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

11.     ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ኩለን ጎሮባብቲ ሃገራት ኣብ መጋርያ-ኪናት ክጠብሰና እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

12.    ጳጳስና፣ ካህናትና፣ ሸኻትና ክእሰሩ ብኣስገዳድ ተገፊፎም ንሳዋ ክወርዱ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

13.    ኣረጋዉያን፣ ማእከላይ ዕድሜ፣ መንእሰያትን ህጻናትን ብኣማኢት ኣሽሓት ክስደዱ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

14.    ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ክእሰሩን ክስወሩን እንከለዉ ኣጽቒጥና፣ ….ወ.ዘ.ተ

ሕጂ ድማ ኣስላም ዶ ክሪስትያን ዝብል ምህዞ መጺና። ሓደ ሃይማኖት፣ ሓደ ኤትኒክ-ጉጂለ፣ ሓደ ዜጋ…ወ.ዘ.ተ ክብደል እንኮሎ፣ ዓገብ ዘይንብል እንተ ኼና ከም ሃገርን ህዝብ ክንቕጽል ኣይኮናን። ምኽንያቱ ከም ኣታዓድላ ዋንጫ ናብ ኩላህና ብእብረ ክበጽሓና ስለዝኾነ፣ ከም ሕብረተሰብ ባዲምና ክንተርፍ ኢና። ስለዚ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ንኩሎም ኣቀዲሞም ድሒሮም  ዝተኣስሩ ናይ ሕልናን ፖሎቲካን እሱራት ብዘይ ገለ ቅድመኩነት ክፈትሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጸቕጢ ክገብር ይጽዉዕ ኣሎኹ።

እዞም ሕጂ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ንሙሉእ ዕድሚኦም ከም ሃገራዉያን፣ ዕልመናዊ ፖሎቲካዊ እምነት ዝነበሮሙን፣ ንዕልመናዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተቓለሱ እዩም። ከምኡ ስለዝነበሩ ድማ ኣብ ዝላዓለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ስርርዕ ህ.ግ.ደ.ፍ ተመዲቦም ክነጥፉ ጸኒሖም። ሕጂ ብሃንደበት ኣብ እስላማዊ ሃገራዉነት ክኣምኑን፣ ነዚ ስነሓሳብ ከዕዉቱ ክጥርነፉን ክነጥፉን ኣይክእሉን እዮም። ብምንም ተኣምር ኣብ ሓደ ካልኢት ዝቅየር ፖሎቲካዊ እምነት ድማ የሎን ብሕጂ እዉን ኣይክህሉን እዩ።

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ከምኣመሉ ብቲሒም-ቲሕም ብዛዕባ እዞም ምስ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፣ ዝነዝሖ ዘሎ ወሬታት ሰሚዔዮ ኣሎኹ፣ ካብ ባሃሊኡ ደጋሚኡ ስለዝኾነ ግን ንጊዚኡ ትም መሪጸ ኣሎኹ። ማዓንጣ፣ ፖሎቲካዊ መትከላትን ሓቂ እንተሃሊዎም ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃየ ንህዝቢ ኤርትራ መግለጺ ይሃብሉን፣ ንቅዩዳት ድማ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ጠበቅኦም ሒዞም ነብሰም ዝካለኸልሉ ባይታ ይፍጠር። ክፈጥር ዘኽእል ቅርጻ፣ ፖሎቲካዊ ትሕዝቶ፣ ፖሎቲካዊ መትከል….ወ.ዘ.ተ ስለዘይብሉ ግን ፈጺሙ ክገብሮ ኣይኮነን።

ብሕቡኡ ይኹን ብቕሉዕ ኣብ ዉሽጥ ደምበ ተቓዉሞ ይኹን ኣብ ደንበ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ንገሌና እናንኣደ፣ ንዝተረፍና እንዳካፈኤ ዘዋስን፣ ዘካፍእ፣ዝንጽልን ዘጸልምን ሃይሞኖታዉን ኤትኒካዊን ሓዘል ናይ ታሪኽን ተረኽቦን ጠመተን ኣራኣእያ ዓይነታዊ ኣብነት ኣብ ምፍሓቕ ማሕበራዊ ክብርታትናን፣ ምድኻም ሲቪካዊት ሃገር ኤርትራ ዘናጻጸረ ፍጻሜን ተግባርን እዩ።

ኤርትራ ከምሓንቲ ጽንዕቲ ሲቪካዊት ሃገር ዘብላ ኤትኒካዊ-ጉጂለ፣ ሃይሞኖታዊን ሰብኣዊ ምክብባርን ምጽዉዋር ክብርታት ዝዉንን ሕብረተሰብን ሃገር ብምኻና እዩ። ነዚ ንመዋእላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝወነኖ ማሕበራዊ ክብርታትን ፍሉይ ሕላገታት (መለለይ) ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ክፈግርዎን ክሰብሩዎ ካብዝነቕሉ ክልተ ወሎዶ መመላእታ ወሲዱ ኣሎ። እዚ ማሕበራዊ ክብርታት እዚ እንተተፈጊሩ፣ ኤርትራ ናይ ዝኣሳስራ ዝይብላ እኽብካብ ጂኦግራፊካዊ ቀጽሪ እያ። ሲቪክ ኤርትራን ኤርትራዉነትን ካብ እኩብ ድምር ናይ እስላምን ክርስትያን ንላዕሊ ብማሕበራዊ ክብርታቱ ዝልለ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ንማሕበራዊ ክብርታትና መታን ክንሕሉ ስቕታና ክስበር ኣለዎ። ኣንካይዶ ብዕስለ፣ ሓደ ዉልቀ-ዜጋ ክብደል እዉን እንተሪኢና ዓገብ ክንብል እንተዘይክኢልና ዝለመስና ሕብረተሰብ ኢና።

መዛዘሚ ፣ ሃይለ፣ ተስፋጋብር፣ ቦኽረጼን….ወ.ዘ.ተ ተኣኻኺቦም ለዉጢ ከምጹ ስለዝሃቀኑ መስቀላዊ ጥርኑፉነት ዘብሎም ምኽንያት የሎን። ዓብደላ፣ ሙስጦፋ፣ ሳልሕ…ወ.ዘ.ተ ተኣኻኺቦም ለዉጢ ከምጹ ስለዝሃቀኑ እስላማዊ ጥርኑፉነት ዘብሎም ምኽንያት የሎን። ሓደ ምንቅስቓስ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዳይነሚክስን፣ ዝተሰከሞ ወይ ከዕዉቶ ዘሓሰበ ዕላማታት ዝግለጽን ዝልለን እዩ። ከተግብርዎ ድዮም ካየተግብርዎ ብዘየገድስ፣ ጠለቦም ነቲ ኣብ ኤርትራ ቦኺሩ ዘሎ ግዝኣተ-ሕጊ ንምርግጋጽ ስለዘንሃዩ፣ ብኡኡ ጥራይ ክግለጹን ክልለዩን ዝግባእ። ስለዚህዝቢ ኤርትራ ብሓባር “ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ  ኣይክተርፍን’ዩ!” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል፣ ኣንጻር ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍን ተግባራቱን ደዉ ክብል ይጽዉዕ ኣሎኹ።

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!!!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

8/5/2013

 

 

 

May 6, 2013

ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 6:21 am

ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ

ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ፖሎቲካዊ ስርርዕ፣ ከም ኣካላዊ ፖሎቲካዊ ዉደባ፣ ከም ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት ኣብ ዉሽጥ ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኝነት ዝተጸፍየ  ብቀሊሉ ክትድህስሶ ዘይክኣል ቀንዲ ምንጪ ማሕበራዊ ሕማም ዝኾነ ሂወታዊ-ግዛዕ እዩ። እዚ ሓደገኛ ጃንዳ’ዚ ጥንሰ-ሓሳቡ ማካቬላዊ ፣ ሕቡሩ ሕብረ-ነፋሒቶ፣ ተግባራቱ ተግባራት ሰይጣን፣ ሃገራዉነቱ ካብ ነብሰ-ሕንከትን ነብሰ-መንነትን ዝነቕል ሕሉፍ ሃገራዉነት እዩ። ንሙኻኑ ሕሉፍ ሃገራዉነት እንታይ ማለት እዩ? ሕሉፍ ሃገራዉነት ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ?

ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ በዞም ዝስዕቡ ሕላገት-መለለይታት ይፍለጥ፣-

1.              ኣብ መብዛሕቲኡ፣ፖለቲካዊ ቅቡልነት ደውላ ብሰውራዊ ቅቡልነት ይብገስ።

2.             ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ ሃገር ናይ እቶም ነታ ደውላ ዝሕለቑን ዘሐየሉን ጥራሕ ትኸውን።

3.             ህላዌ ህዝባ ከኣ ነታ ደውላዊት ሃገር ንምግልጋል ይኸውን።

4.             “ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጢ ደውላ” “ካብ ደውላ ወጻኢ ምንም ኣካል ኣይህሉን”።

5.             “ንደውላ ዝቃወም ዝብሃል ብምንም ተኣምር ኣይፍቀድን” ብዝብሉ መለለይታት ይፍለጥ።

6.             ንሕብረተሰብኣዊ ርኽክብ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብመልክዕ ሰንሰለታዊ ጽምዳዊ ኣራእያ ምትፍናንን ይሰርዖ።

7.             ዘገልገልካ ኣገልግል፣ ዝገበርካ ግበር ባህርያትካን ኣታሓሳስባኻ ካብ ጉጂለ መራሕቲ እታ ደዉላ ፍንትት እንተድኣ ኢልካ፣ ብባህርያት ብቅጽበት መንነትካ ምምንዛዕ፣  ኣባል ኣብ ናይ “ዘይቡሉጽ” ዝብልዎ ይሰርዑኻ፣ ቀጺሎም ንሂወትካን ሂወት ስድራቤትካ ይሃድኑኻ፣ ጸለመታት ብምክያድ ማሕበራዊ ተነጽሎ ክግጥመካ…ወ.ዘ.ተ ብምንጣፍ ዝልለ እዩ።

8.             እቲ ቀንዲ “ሃገር ብኹሉ ዜጋ ትህነጽን ትምዕብል ዝብል ፖሎቲካዊ ፍልስፍና” ስሒቱ፣ ብዘይተማልኤ ጠመተ ንገዛእ ርእሱ ከም ቀንዲ ሓላይን መራሒ ሃገር ወሲዱ ከም ቀንዲ ወኪል ሃገር ኮይኑ ብምንጣፍ ዝልለ እዩ። ስለዚ ሕሉፍ ሃገርነት ኣዝዩ ሓደገኛ ንፋሽሽትነት ዝምዕብል ፖሎቲካዊ ስነ-ሓሳብ እዩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ ኣብ ሓደገኛ ቃራና መገዲ ተሳጢሑ ዘሎ። እዚ ተረኽቦ እዚ ሩጉጽ ኣብ ባይታ እንዳሃለወ ከንሱ ጌና ንጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝድግፍዎ ዜጋታ ኣለዉ። እወ ኣለዉ ክሳብ ግብኣቴ ሬሳኡ ድማ ይውሓዱ ይብዝሑ ደገፍት ክህልዉዎ እዮም። እቲ ምንታይስ፣ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኣባታዊ ማሕበረ-ምጣኔሃብታዊ ኣቃዉማን ኣታሓሳስባ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለዝነብር፣ ወትሩ ንሱ ዘንህየሉን ዝሕባኣሉን ጎዳጉድ ማሕበራዊ ድኽመታት ሕብረተሰብና እዩ።  ክሳብ እዚ ድኽመታት እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ህልዉ ዝኾነ ድማ፣ ብቀጥታ ዶ ብተዛዋዋሪ ደገፍት ክህልዉዎ ግድነታዊ እዩ።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ቃልሲ ንሕብረተሰብና ካብ ዉልቀ-ዜጋ ጀሚርካ እኹል ሓቤሬታ ብምስናቕ ዉልቃዊ-ሓርነቱን ናጽነቱን ከምዘራጋግጽ ምግባሩ እዩ። ዉልቃዊ-ሓርነቱን ናጽነቱ ዘራጋገጸ ዜጋ ካብ ሞቑሕ  ኣባታዊ ኣእሙሮ ስለዝናግፎ፣ ከም በደልኡዘመናዊ ኣእሙሮ ስለዝዉንን ንዘመናዉነት ክቃለስ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ወዲሰብን ታሪኽ ፖሎቲካ ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ሓደገኛ ዝገብሮ ካብ ናይመንነት ቅልዉላዉ ናይቶም ተኸተልቱን መራሕቱ ስለዝነቕል እዩ። ነብሰ-ሕንከታትን ናይ መንነት ቅልዉላዉ ኣብ ዘጋጥሞም እዋናት፣ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ክፈጥሩ ስለዝህቕኑ ካይተፈለጦም ብቅጽበት ናብ ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት ስነሓስብ ብምእታዉ ሃገርን ህዝብን የፍልሱ ።  ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ብኣካልን ብኣታሓሳስባ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ጊልያ ናቱ ክኸዉን እዩ ዝጽዕትን ዝጽዕድ፣ ንኣታሓሳስባ ህ.ግ.ደ.ፍ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ዘሰስን ኣታሓሳስባ፣ ተግባር፣ ምስ ዘዘዉተር ድማ፣ ጊልያ ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።

 

ወድሓንኩም!!!

መርእድ ዘርኡ

3/5/2013

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝልየሉ ግብራዊ-መሰረታዊ ሜላታት፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን መንበሪ፣

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 6:19 am

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝልየሉ ግብራዊ-መሰረታዊ ሜላታት፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን መንበሪ፣

ቀዳማይ ጎነጽ እዩ፣-

1.      ፖሎቲካዊ ጎነጽ የካይዱ ከፋራሩሑኻ።

2.     ኣካላዊ ጎነጽ የካይዱ ከርዕድኻ።

3.     ስነ-ኣእሙራዊ ኪናት የካይዱ ከንበርኹኻ። እዚ ስለስተ ዓይነት ጎነጽ ተጠቂሞም እንተድኣ ዘይተዓወቱልካ ናብ ካልኣይ ገጽ ይሳጋገሩ።

ካልኣይ ናይ ኣሉታ ወሬ ኪናት እዩ፣-

1.      ብኽድዓትን ጥልመት ሃገር ይኸሱኻ።

2.     ዘይመንነትካን ተግባራትካ ይጥቁኑኻ።

3.     ማሕበራዉን ሰብኣዉን ተነጽሎ መታን ከጋጥመካ፣ ንኣብ ከባቢኻን ቀረብትኻን ብስምካ ምጥፋእ ይስሕሩ።

4.     ከም ሰብ ዋጋ ከምዘይብልካ ከምስሉ ዘይተባህለን ዘይነበረን ወሬ ይብትኑ።

5.     ምስ ቤተሰብካ፣ ሓዳርካ፣ ዉላድካ፣ ኣዕሩኽቱኻ ክበታቱኑኻ ይጽዕሩ። እዚ 5 ዓይነት ጸለመን ጠቀነን ተጠቂሞም እንተድኣ ዘይተዓወቱልካ ናብ ሳልሳይን ናይ መጨረስታ ገጽ ይሳጋገሩ።

ሳልሳይ ምሕራም፣ ምቅንጻል፣ ምሽራብ፣ ምንጻልን ምሙቛሕ እዩ፣-

1.      ይንጽሉኻ፣ የደስኩልኻ፣ ይጽልጹልኻ፣ ይሸርቡኻ፣ ይኣስሩኻ ወይ ድማ ይቅንጹሉኻ።

2.     ኤርትራዊ መንነትካ ይምንዝዑኻ፣ ሬሳኻ ኣብ መሬት ዓደቦኻ ካይ ቕበር ይገብሩ፣ ዓድኻ ከምዘይትኣቱን ትወጽእ ይገብሩኻ።

3.     ንገዛ ነብሶም ከም ጥቕዉ ዝኾነ ኤርትራዊ ትዉልዲ ከምዘለዎም ኣምሲሎም፣ ብትዉልዲኻ ወይ ብወገን ኣቦ/ኣደ ስግር-መረብ ወይ ስግር ቀይሕ-ባሕሪ ይቡቑጽኻ።

4.     ዕሱብ ናይ ወያኔ፣ ማእከላይ ስለላ ኣሜሪካ፣ ወይ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዘይመንግስታዊ ትካላት…ወ.ዘ.ተ ብምባል ሓንሳብ ንሓዋሩ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ ንምጥፋእ ከምተዓጠካ ኣምሲሎም ምስልኻ ክድዉንኻ ይፍትኑ። እዚ ሜላታት እዚ ካብ ጊሓቱ ካብ ንቃልሲ ዝተጸንበሩሉ እዋናትት ዝስራሓሉ ዝነበሩ ሕጂ እዉን እንተኾነ ዝስራሓሉ ዘሎ እዩ።

5.     ኣቀዲሞም የጸልሙኻ፣ በቲ ንሳቶም ዘጸሎሙኻ ተገዚኻን ተሸምሪርካ ትኸይድ ምኻንኻ እንተተገንዚቦም፣ ካብ ዝነበረካ ሓላፍነት ክብ ዝበለ ሓላፍነትን ስራሕ ሂቦም ይምዱቡኻ፣ ግዳይ ናይ ኢሰብኣዊ ሜላታቶም ኬንካ ከም ሓደ ጊልያ ትነብር፣ ከተሕጉሶም ድማ ዘይግቡር ትገብር፣ ዘይቡሁል ትብል።

በዚ ሰለስተ ገጻት መጥቕዓቲ እንተዘይተዓዊተሙልካ፣ ዓቕሚ ተቀባልነቶምን ጽልዋኻን፣ዘለኻዮ ቦታን ጊዜን ስለዝድሩቶም እንበር ሂወትካ ክወስዱ እዉን ድሕር ዝብሉ ኣይኮኑን። ሙቹኡ ቦታን ጊዝየን እንተረኺቦም ብቛጻ ይቁንጹሉኻ።ነዚ ኹሉ ዘካየዱልካ መጥቃዕትታት እንተስዒርካዮም፣ ከምዚ ዝጠልቀየ ጅርባ ለዘዝ ለዘዝ ድሕሪ ምባሎም፣ ፍላን ጊዜ ቦታን ኣይሓለወን እንበር ዘረቡኡ ወይ ተግባራቱ ቁኑዕ ነይሩ ይብሉ። ንብዓት ሓርገጽ ክነብዑ ዝጸንሑ ቶኻሉ እንታይ ቁኑዕ ኣፍሊጥዎም? ቁኑዕ ስለዝፈለጡ ዘይኮኑስ ምስ ስዓርካዮም ክጡቡሩኻ እዮም ዝፍቱኑ።

ስለምንታይ እዮም ከምዚ ዓይነት ሃሳይ ሜላታት ዝጥቀሙ?

1.      ሽዉሃት ጽልኦሙን ቂሞም ኣዝዩ ዓሚቕን ሪሒብን እዩ።

2.     ሽዉሃት ስስዔ ስልጣኖም ደረት-ኣልቦ እዩ።

3.     ወዲሰብ ምስ ምፍጣሩን ዝዓበየሉ ከባቢን ዝሕዞ ዉልቛዊ ጸባያት ኣሎዎ፣ ነዚ ካብተፈጥሮኻን ከባቢኻን ዘጥረኻዮ ፍሉይ ጸባያት መግለጺ መንነትካ ዝኾነ፣ ብዘይ ገለ ንሕስያ ደርዒሞም፣ በቲ ንሳቶም ዝደለዩኻ ማሕበራዊ ህንደሳ ፈንጢሕካ-ስራሕ ክሰርሑኻ ስለዝዉሱኑ እዩ። ኣብዚ ኣብ ሞንጎ እቲ ኣቀዲሙ ዝጸንሓ ጸባያትካን መንነትካን፣ ብንሳቶም ዝደልይዎ ክሰርሑኻ ዝፍቱኑ ዘለዉ ፍሉይ ጸባያትን መንነት ግርጭታት ይጋሃድ እሞ ድሕሪኡ ከምሰብ በቲ ዝሓሰብዎ እንተዘይርዒምካ ንጥፍኣትካ ወይ ድማ ንትንሳኤኻ ይኸዉን።

4.     ሃገርን ህዝብ ኣይንታዮም እዩ።

5.     ዘለዎም ሰብኣዊ ጽዓቶም ኣብ ኣሉታን ሰይጣናዊ መንፈስ ዝተሓዝኤ እዩ።

6.     ሰብ ብሰላምን ራህዋ ክነብር እንተ ሪኦም ዓቕሎም ኽርጥ ስለዝብሎም፣ ንሰላም ብዕግርግር ክትክኡ ዝህቕኑ ሓሳዳት ፉጡራት ብሙኻኖም እዮም።

7.     ናይ መንነት ቅልዉላዉን  ነብሰ-ሕንከታት ስለዘለዎም እዮም።

 

ወድሓንኩም!!!

መርእድ ዘርኡ

5/5/2013

 

 

 

Blog at WordPress.com.