Eritrea real clear politics's Weblog

October 7, 2008

DDTC Imposes Arms Embargo on Eritrea

Filed under: Events — eritrearealclearpolitics @ 8:55 am

ኣየ ኣመሪካዉያን!!!!!!!!!!! ብቀደሙ እዉን መሸመቲ ዕዳጋ ኣጽዋር መንግስት ኤርትራ ዕዳጋታት ኣመሪካ ኣይነበረን ብሕጂ እዉን ዝኸዉን ኣይመስለንን።

http://www.exportlawblog.com/archives/category/general

September 18, 2008

Articles that posted by yafiet on website

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:11 am

You can find it on www.meskerem.net forum

http://www.websitetoolbox.com/mb/meskerem?forum=41739

http://www.websitetoolbox.com/tool/view/mb/search/meskerem?searchid=10757885

September 17, 2008

[Goddena Harnet] ጠንቅታት ስደትን መጻኢ መፍትሒኡ ኣብ ኤርትራን

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:53 pm

02 Nov, 2007


ብየማነ ወዲ ኣርባዕተ ናብ ናቕፋ ዝቐንዓ ጽቡቓት ሕቶታት ምስ ኣንበብኩ መልስ ዝብል ወነይ ገንፊሉኒ። የማነ ኣስማሪኖብወየንቲ ትመወል፣ ዓዋተብጀሃዳውያን ትካየድ ከም ዘይግድሶ፣ ንዕኡ ዝግድሶን ዘሕሞን ከኣ ምኽንያት ምውጻእ ገለ መንእሰያት ካብ ኤርትራን ምዃኑ ሓቢሩ። ኣመቱ ጽቡቕ ሕቶኡ ከኣ ክትበባዕ ዝግባእ እመስለኒ። (more…)

መልሲ፡ ብያፌት ቀዳማይ መዓልትን ገጽን

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:41 pm

 

 ኩቡር ሓዉ ጎደናሓርነት እስከ ነዚ ኣልዒልካዮ ዞሎኻ ዛዕባ ብካልእ ገጽ እስከ ክርእዮ!

ምስጋብ ደቂ ሰባት ናይ ገዛ ርእሱ መሰረት ጠንቂ ዘለዎ ማሕበራዊ ተርእዮ እዩ። ከም ኩሎም ማሕበራዉን ሰብኣዉን ተርእዮታት ድማ ናይገዛእ ርእሱ ኣዉንታን ኣሉታን ስንብራታት ኣብ ምሕደራዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ ማሕበራዊን ባህላዉን ሂወት ደቂ ሰባት ኣለዎ። ምስጋም ደቂ ሰባት ኣቀዲሙ ቅድመልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ዘመናት ወይ ምስ ምፍጣርን ወድስብ ዝጀመረ እኳ እንተኾነ፡ ወዲሰብ መናባብርኡ ናብ ቀዋምን ካብቲ ኣቀዲሙ ዝነበሮ ደረጃ ምዕባሌ እንዳማዕበለ ምስ ከደ ግን እቲ ጻዕቂ ምስጋም እንዳዉሓደን እንዳተሸምረረን ከምዝመጸ ፍሉጥ እዩ።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ምስጋም ወድሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ብዕስለ፡ ጻዕቅን ቀጻልን ኣብ ፊልሜ ደሳዊ ሕብረተሰብ ዝነበረ፡ ኣብቶም ቀጺሎም ዝሳዓቡ ፖሎቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማታ ሕብረተሰብ እንዳነከዩ ከምዝመጹ ርድኡ እዩ። ብመሰረቱ ምቛም ሃገር ከም ሓደ ፖሎቲካዊ ስርርዕ መጠን ሓደ ናይ ታሪኽ ህሞትን ተርእዮን እኳ ንተኾነ፡ ምስ ምቛም ዘመናዊት ሃገርን ዘመናዊ ማሕበራዊ ስርርዕ ቅድሚ 400 ዓመታት 1648 .. ወስትፎልያ ስተይት (westphalia state) ግን ደቂ ሰባት ባህርያዊ መቦቆለይ፡ ሃገረይ፡ መንግስተይ….... ዝብልዎ ጉንዖታትን ስነኣኣሙራዊ ቅኒት ስለዘሕደሩ፡ እቲ ምስጋም ዝብሃል እንዳነከየን ካልእ መልክዓት እንዳሓዘ ከምዝኸደ ፍሉጥ እዩ። ገለ ካብቲ ካልእ መልክዓት መልክዓት ዝሓዘ፡

መረዳእታ እዞም ጽዓዱ ሕጂ ከም ኣዉስትራልያዉያን ዝፍለጡ ዘለዉ፡ ቦቖሎም እንግሊዛዉያን ኮይኖም፡ ኣብ ሕብረተሰብ እንግሊዝ ዓበይቲ ገበናት ዝፈጸሙ እንግሊዛዉያን ብኹናኔ ወይ ዉጋዝየ ገበን ክሕየሩ ንደሴት ኣዉስትራልያ ብመንግስቶም ይስደዱ ነይሮም፡ ኣብኡ ተፋርዮም እዉን ነቶም ቀንዲ ደቀባት ኣዉስትራልያ ዝኾኑ ኣቮርጂንስ ብምድሃኽ ዝላዓለ ኢድ ሃሊዎም ሕጂ ከም ኣዉስትራልያዉያን ይፍለጡ ኣለዉ።
ምስ ሓዉ ደና ሓርነት ኣብቲ ንሱ ብእብረ ዝጣሕመሶ ትንተናታት ታሪኻዊ ኣማጻጽኡ ምስጋም ደቂ ሰባት ቡዙሕ ዝፋላለ እኳ እንተዘይኮንኩ፡ ምስ ሞቓም ዘመናዊት ሃገር፡ እቲ ምስጋምን ዕላማታት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ምስጋም ከምተቀየረ ከነጽሮ ይደሊ። ድሕሪ ምቋም ዘመናዊ ሃገር ደቂ ሰባት ወይ ሃገራት ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ምጣኔሃብታዊ ማሕበራዊ ጸጋታተን ንምሕያል እየን ናተን ሰባት ክሰዳ ዝጀመራ። ነቶም ካብኦም ዘይማዕበሉ ኣህዛብን ድማ ወሪሮም ብምሓዝ ናይ መሬቶም ባህርያዊ ጸጋታት፡ ሕሱር ጉልበትን ሰፊሕ ዕዳጋታትን ንምግባት ተዋፈ
መብዛሕትኡ ኣህዛብ ሳልሳይ ዓለም ድማ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መግዛእቲ ምዕራባዉያን ሃገራት ተጸምዳ። ንነዊሕ ዘመናት ድማ ተመዝመዛ። ኤርትራ ድማ ናይዚ ዓለምለኻዊ ተረኽቦ ግዳይ ኮነት። ብምዕራባዉያን ገዛእተን ዉሳኔ ድማ ሃገርን መንግስት (Nation State) መት

ሓድግታት ኤዉሮጳዊ መግዛእቲ ሽዱሽተ መሰረታዉያን ስምብራታት እዩ ፈጢሩልና። ንሳተን ድማ፡
1.
ዝተፈላለየ ባህልን መግዛእቲ ዝኣጎዶ ዑቑር ግርጭታት።
2.
ዘይተማጣጠኔ ዝርጋሔ ትካላት።
3.
ስንኩል መንግስታዉን ሃገራዉን ትካላት።
4.
ጂኦግራፊካዊ ዘይርትዓዉነት።
5.
ኤትኒካዊ ብዙሑነት ዝሓዘለ ኣቀዋዉማ ሃገር
6.
ስደት፡ ድኽነት፡ ሽቅለተኣልቦነትን ኣመንዝራነትን………..ወ.ዘ.ተ  እየን።
ሕጂ ናብታ ቀንዲ ዛዕባ ክምለስ ስለዝኾንኩ ነቲ ምስጋም ዝብል ቃልን ኣምርን ሓዲገ፡ ንስደት ዝብል ቃልን ኣምርን ኣቶኪረ ክዛረብ እየ። እቲ ስደት ዝብል ቃል ፖሎቲካዊን ኣድማሳዉን ትርጉም ዝሓዘ እዩ። ስደት ማለት ሓደ ሰብ ብምኽንያት ፖሎቲካዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ኤትኒካዊ፡ ሃይሞኖታዊ…... ኣድልዎ ወይ ዓመጽ ካብ መቦቆላዊ ሃገሩ፡ ንካልእ ሃገር ክስደድ እንኮሎ ማለት ጥራይ እዩ።
ሃገርና ኤርትራ እዚ ኣቀዲመ ዝገለጽክዎ ሓድግታት ወይ ስምብራት መግዛቲ ዘለዋ ሃገር ምኻና ሕጂ ዘይኮነስ፡ እቲ መጀመርታ ንመሬታዊ ናጽነት ክንቃለስ ነቕል እንኮሎና ዝፈለጥናዮ ስለዝኾነ፡ ብዓቢኡ መሬታዉን ህዝባዉን ልዕላዉነት ምርግጋጽን፡ ነቶም መግዛእቲ ዝሓደጎም ስምብራታት ምእላይ ከምዝነበረ ስትራተጂካዊ ዕላማ ቃልስና ፍሉጥ እዩ።
ሓንቲ ግዝእቲ ሃገርን ህዝብን ብምጣኔ ሃብታዊ ትሕዝትኡ፡ ብማሕበራዊ ጸጋታቱ፡ ብባህላዊ ምዕባሌኡ ከም ብመናፍሕ ቆርበት ማሕጎዳ ፉሕ ፉሕ ዝበለ ጓህሪ ክጉህር ክጸንሓካ ትጽበ እንተ ኔርካ ጸገም እዩ። ሓቂ እዩ ድማ ጉንበት 1991 ናጽነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ ኣብ ኤርትራ ናይ ፍስሃ መንፈስ ተራእዩ ጥራይ እንበር ናይ ካልእ ፈንጠዝያ ዘይነበረ።

ህዝብና ጫማኻ ማዕረ እግርካ ዝብል ምስላ ስለዝምስልን ስለዝፈልጥን ድማ፡ ብዙሓት ናይ ፈንጠዝያ እዋን ዝመጸ ዝመሰሎም ዜጋታት ነይሮም ክብሃል ኣይክኣልን እዩ። ህዝብና ቆፎና ጥርሑ ምንባሩ ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ እዉን ነቲ ዝቀዉም ዝነበረ ሓድሽ መንግስት ሓገዝ ክኾኖ ተባሂሉ ኣብ ዉሽጥ ይኹን ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ናይ ገንዘብ፡ ጥሪት፡ ንብረትን ናጻ ወፈያ ጉልበት ዝህብን ዝምጹትን ዝነበረ።
ህዝቢ ኤርትራ ብጉቡእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን ክንኣቱ ምኻናን፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ተሪርን በዳህን ቃልሲ ምኻኑ። ቡዙሓት ኤርትራዉያን እዉን ካብ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ምብራቅ፡ ሱዳን ዓለምን፡ ግዴኦም ክጻወቱ ዝነበሮም ስራሕን ናብራን ሓዲጎም ንኤርትራ ከምዝኣተዉ ካብቶም ኣዝዮም ልዑል ኣካዳሚካዊ ዓቕምታት ዝዉንኑ ዝኣተዉ ንኣብነት ክጠቅሰልካ ፕሮፎሴር ኣስመሮም ለገሰ፡ ፕሮፌሶር በረኸት ሃብተስላሴ፡ ማዓት መሃንድሳት ካብ ኢትዮጵያ………... እዮም
ካብ ሱዳን እዉን ብምትሕግጋዝ UNHCR ኣስታት 100,000 ካብ ማዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራዉያን ኣብ ሱዳን  ኣብ ሃገሮም ክጣየሱ ተመሊሶም ነይሮም እዮም።  ኩነታት እቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምስ ርኣይዎ ግን ዳግም ንሱዳንን ስግረ ሱዳንን ተሰዲዶም። ኣብ መላእ ዓለም ተሰዲዶም ዝጸንሑ ኤርትራዉያን ድማ ኣብ ስደት ነይሮም ንሃገሮም ኣትዮም ዳግም ንሃገሮም ኩቦ ሰንዴሙላ ክምለሱን ሓደስት ተሰዲዶም ዘይፈልጡ ክስደዱ ምስራኣይዎም ኣብ ዘለዉሉ ሃገራት ቀጺሎም ክዓርዱ ተገዲዶም።
ሓዉ ጎደና ሓርነት ስደት ታሪኽ ኣይኮነን፡ ስደት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ መድረኽ ዝርኤ ህሞት እዩ። ናቱ ናይ ነዊሕ ግዝያት ዝተኣሳሰረ መሰረታዊ ብዙሓዊ ጠንቕታት (root multiple couses) ድማ ኣለዎ። ንጠንቕታት ስደት ብሓደ ግዝየ ካብ ሱሩ ቦርቒቕና ክንምሕዎ ከምዘይንኽእል እዉን ይፈልጥ እየ። ንስደት እዉን ብፍሉይ ብተናጸል ክንጥምቶን ክንፈትሖን ኣይካኣልን እዩ። ምስቲ ኣብቲ ሃገር፡ ህዝቢን መንግስትን ዘሎ ጸገማት ብምዝማድ ኢና ክንጥምቶን ፍታሓት ክንገብረሉን እንኽእል።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡
መሰረት ፍታሕ ከነቀምት ይግባኣ መሰረት ፍታሕ ብወገነይ ንስደት ይኹን ካልኦት ሃገራዉን ህዝባዉን ጸገማትና መፍትሒ ዝኾነና ኢለ ዝሕልኖ፡  እዚ ዝስዕብ ሮቓሒታት ምስ እነተግብር እዮ፡
1.
ብናጻ ተሳትፎን ዕግበትን ህዝቢ ዝምራሓሉ ዓንደሕጊ መንግስት ምስ እነርግእ።
2.
ሕጋዊ ኣጣቃቅማ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምስ እነዘዉትር፡ ናይ ፖሎቲካዊ ስልጣን ስርርዕ መንግስት ነንሕድሕዶም ዝታሓላለዉን ዝቓጻጸሩን ጌርና ምስ እንቀርጾም።
3.
ሰላምን ጸጥታን ናይ ዜጋታትናን ሃገርናን ተሓልዩ፡ ሰብኣዊ ዘይዉሕስነት (Human insecurities) ምስነጥፍእ።
4.
መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፖሎቲካዊን ቁጠባዉን ሓርነት፡ ዜጋታት ብሕጊ ዉሑስ ምኻኑ ምስነራጋግጽ።
5.
ማዕረ ተሳትፎን ዕድላትን ዜጋታት ምስ ዝራጋገጽን ማዕርነታዊ ኣተዓዳድላ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምጣኔ ሃብቲ ምስ እነዘዉትር።
6.
ንሃገርን መንነትን ባህልን ናይ ዜጋታት ዝሃንጽን ዘኽብርን፡ ዉልቃዊ ይኹን ጉጅላዊ ሕጋዉን ምጣኔሃብታዉን መሰላት ዜግታት ዝካላኸል ጡዕይ ምሕደራ ምስነታኣታቱ ጥራይ ኢና ክንፈትሖ እንኽእል።

እዚ ማለት ድማ ኣብ ኤርትራ ዉድቀት ፖሎቲካዉ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ ን ማሕበራዉን ስርርዓት ኣጋጢሙ ስለዘሎ። ኣብ ዑና እዚ ዝወደቀ ፖሎቲካዊ ስርርዕ፡ መሰረታዊ ለዉጥ ክንገብር ኣሎና እዩ።

መልሲ፡ ብያፌት ሳልሳይ መዓልትን ገጽን መደምደምታን፡

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:30 pm

ኩቡር ሓዉ ጎደና ሓርነት……………….ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ገጻት ጽሑፈይ ነዘን ዝስዕባ ሮቓሒታት እየ ገሊጸልካ፡

  1. ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ጠንቕ ስደት ምልካዊ ስርዓት ... ምኻኑ።
  2. ነቲ ዜጋ ክስደድ ከም ዳይነሚክ ዝደፍኦ ዘሎ ድማ ምጣኔሃብታዊ ሕጽረታት ዘይኮነ፡ ጭቃኒን መዝማዝን ፖሎቲካዊ ፖሊስታት ምልካዊ ስርዓት ... ምኻኑ።
  3. ኣብ ኤርትራ ቡኽረትን ብርሰትን ግዝኣተሕጊ ከምዘሎ።
  4. ኤርትራን ህዝባን ብምጣኔሃብታዊ ብልሽዉናታትን፡ ፖሎቲካዊ ሽርሕታት  ምልካዊ ስርዓት ... ናብ ጸማልያ ዋሕዲ ደም ዘጥቕዓ ሃገር ትቅየር ከምዘላ።
  5.  ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ... ሃገሩ ራሕሪሑ ይስደድ ከምዘሎን፡ ከም ሃገርን ህዝብን ፋሕብትን  ንብል ከምዞሎና።
  6. ቡኽረት ማሕበራዊ ፍትሕን ኢሰብኣዊ ፍጻሜታት መዓልታዊ ብስርዓት ... ከምዝካየድ።
  7. ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሕማቕ ኣንፈቱ ዝሳሓተ ጉዕዞን ሓርጎጽጎጻትን ደዉ ከነብሎ እንተዘይክኢልና፡ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ልክዕ ከም ሮማንጂፕስ ክንከዉን ምኻና ዝጠመረ እዩ።

 

ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዓቢ ፖሎቲካዊ ፍልልይ ኣሎ። ንሱ ድማ ጽሑፍካ ክትድምድም እንኮሎኻ በዚ ዝስዕብ ሓሳብ ደምዲምካዮ፡

 

“”እሞ ድኣ ተማጐትቲ!? ስደት ክቕጽል ይኽእልዩ። እቲ ንሃገር ክሃንጽ እተዋደደ መንእሰይ ከኣ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ስርሑ ክቕጽልዩ። እቶም ምስ ተሰደዱ ብዓዶም ዝሓሙ ዜጋታት ከኣ ንሃገሮም ምብርካት ክቕጽልዎዮም። እቲ ኣብ መስርሕ ህንጸት እትርከብ ሃገር ከኣ ክትህነጽያ። ሽዑ ስደት ንደገ ዘይኰነስ ስደት ንውሽጢውን ክህሉ ይኽእልዩ። ህንዳውያን መምሃራን ናብ ኤርትራ ምስዳድ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቕጺሮም ኣለዉ። ካብ የመንን ካልኦትን ዝመጹ ኣዕራብውን ናብ ኤርትራ ክስደዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ዲባያውያንን ካልኦትን ኣውፈርቲ ኣብ መስርሕ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተጸሚዶም ኣለዉ። በብግዜኡ ኩሉ ነገር ክቕየርቃልስን ዓቕልን ጥራይ…..””

 

ምናልባሽ እቲ ዝስደድ ዘሎ ዜጋ ካብ ፖሎቲካዊ ማሕበራዊ ፍትሕን ስእነት ዘይኮነ፡ ካብ ምጣኔሃብታዊ ድኽነት ዝነቕል እዩ ኢልካ፡ ንምልካዊ ስርዓት ... ክትካለኸለሉ ስለዝደለኻ ኢለ እኳ ክሓልፎ እንተደለኹ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ኣራኣእያኻ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን ዝምልከት ግን ዘንባዕ ኣራኣእያ ምኻኑ ተገንዚበ ኣለኹ። ከምዚ ኣጋላልጻኻ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን ንኣኻ፡ ምህናጽ ኣካላዊ ትሕተ ቅርጽ ጥራይ ማለት እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣባይት፡ ጽርግያ፡ ሓጽብታት፡ መዕልቦ ነፋሪት…….. እንተተሃንጺ እዚ መግለጽን ዕማምን ናይ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን እዩ ዘስምዕ እዩ።

 

እዚ ዘንባዕ ኣማላኻኽታ እዚ፡ ንኣቋዉማ ኤርትራ ከምሃገር፡ ንሃገር ሃገራዉነት፡ ንሃገራዊ ልዕላዉነትን ሃገራዊ መንግስትን ፖሎቲካዊ ኣምራትን ትግባረን ጸራሪጉ፡ ኣብ ሓደ ምኽባዕቲ ምህናጽ ኣካላዊ ትሕተቅርጽ ገይሩ ዝገልጽ እዩ። ሓደገኛን ኣዕናዉን ፖሎቲካዊ ኣታናትና ድማ እዩ።

 

ኣብ መስርሕ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነት (Nationhood) ምህናጽ ኣካላዊ ትሕተ ቅርጽ ሓደ ካብቲ ክካየድ ዘለዎ ዕማም እኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀዳምነትን ዝላዓለ ኣቃልቦን ኣጀንዳን ተዋሂብዎ ክስራኣሉ ዝግባኣ ግን ምህናጽ ኤርትራዉነትን ኤርትራዊ ሃገራዉነት እዩ። ሃገራዉነት ስነሓሳብ፡ ሃይማኖት፡ ፍልስፍና፡ ምጣኔሃብታዊ ጣቓታት ወይ ዋሃም (Myth) ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ንሓደ ዉሱን ህዝቢ ዝጠምር ስነኣእሙራዊ ህያዉ ናይ መንነት ብዓይንኻ ክትድህስሶ ዘይትኽእል ፍሕሶ እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮ ዝተቀርጸ ሕላገት ሃገርን ህዝብን መሰረት ከተንጽፍ እንተዘይኪኢልካ፡ እቲ ህዝቢ ብዓሌት፡ ቀቢላ፡ ሃይማኖት………... ተኻፋፊሉ ነንሕድሕዱ ከም ዓሳ ክባላዕ እዩ። ነቲ ዝሃነጽካዮ ኣካላዊ ትሕተቅርጽታት ድማ ፈንጂታት ገይሩ ከዕንዎ እዩ። ኤርትራዊ ክዉንነት ድማ እዚ ሕጂ ዲሒረ ዝገለጽክዎ ተርእዮታት ዘንጸባርቀላ ሃገር እያ ኮይና ዘላ።

ኣብ ኤርትራ ካብ ህዝብን ሃገርን ዝተባታተኸ (disconnected) መንግስትን ተቃዉሞን ስለዘሎና፡ ዛጊት ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝብል ግምታት የብለይን።

 

ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን ክጅመር እንተኾይኑ መጀመርታ ብግዝኣተሕጊ ዝምእዘዝ ህዝብን መንግስትን ክህሉ ኣለዎ። ብኣንጻር እዚ ድማ ናይ ንፍጠኛታት (war-lords) ተቃዉሞ ፖሎቲካ ዘይኮነ፡ ናይ ህዝቢ ተጻይ (counter) ተቃዉሞ ፖሎቲካ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ምስተራጋገጸ ጥራይ እዩ ነቲ ኣብ ናይ ሳላሳ ዓመት መመላእታ ብረተዊ ቃልስና ተቃሊስና ዘጥረናዮ ኤርትራዊነት ናብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን ስግር እንኽእል።

 

ብወገነይ ኣብዚ ተላዒሉ ዝጸንሓ ዛዕባ ወዲኤ ኣለኹ ወድሓንካ!

ያፌት

04/12/2007

ህዝባዊ ባይታ ዝኸፈተ ማዕበል ህዝቢ ኣብ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ

Filed under: Events — eritrearealclearpolitics @ 1:26 pm

ኣብ 29 ጥቅምቲ 2007 .. ብዝተፈላለዩ ኣባላት ተቃዉሞ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብትንሳኤ መንእሰያት ንለዉጥ ዝስሙ ሲቪካዊ ማሕበር ዝተወደበ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየድ ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮምን ድምጺ ፈነወ ኣመሪካ ብቋንቃ ትግርኛ ተኻታቲለ። (more…)

ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ንጉዳዩ ባዕሉ ክዉስን ዕድል ኣይተዋህቦን ዘሎ!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:22 pm

እቲ ኣቀዲሙ ዝሓለፈ ታሪኽና ንግዚኦ ሓዲግና ካብ 1961 .. ጀሚሩ ታሪኽና ኣብ ተሳትፎ ዉሳኔ ህዝቢ ዝተኮረ ጥሕምስጥሕምስ እስከ ከነብሎ።

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ሰዉራ ክልዓል እንኮሎ፡ ብመደብ ብግዝየ ብምዉድዳብ ብቕመራ ተካይዶ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ማሕበራዊ ሕግታቱን ማሕበራዊ ዕደቱ ሓልዩ ብሃንደበታዊን ብስምዒትን {spontaneous} ብናይ ገዛእ ርእሱን ሕግታቱን ዝልዓል {self-generated}ማሕበራዊ ዘየቛርጽ ኪደት እዩ። (more…)

ፖሎቲካዊ ጽዉጽዋይ ኤርትራን ኢትዮጵያን!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:19 pm

ኣብ መንጎ ፖሎቲካዊ ስርዓት .... ፖሎቲካዊ ስርዓት .... ዉሽጣዊ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ዘይምርድዳት ዝመንቀሊኡ፡ ካብ ወርሒ ሰኔ/1997 .. ጀሚሩ ብናይ ዶብ ግርጭት ተጎልቢቡ ኣካላዊ ምጥቅቃዕ ጀሚሩ። (more…)

ኣብ መስርሕ ሰዉራ ኤርትራ ዝማዕበሉ ዝተቀርጹን ኣሉታ ጠባያት ዉልቀሰባት!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:16 pm

ሰዉራ ኤርትራ ከምነፍስ ወከፍ ሰዉራ ንሱ ዝማዕበሎን ዝሃስዮን ቅርጻ ኣታሓስባታት ኣብ ዉልቀ ዜጋታት ክጠሪ ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝተጸንበሩን ዝጀመሩን ኣብ ደገ ዝነበሩ መስፍናዊ ደርባዊ መቦቖል ዝነበሮም ደርባዊ ቦትኦም ድማ ኣዝዩ ዘይስቡሕ ማእከላይ ደርቢ፡ ኣብ ዉሽጥ ሜዳ ብረት ዓጢቆም ቃለሱ ዝነበሩ ድማ መስፍናዊ ደርባዊ መቦቖል ዝነበሮም ገሊኦም ኣብ ከባቢ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ህቡባትን ብጂግንነት ዝዉረየሎም፡ ገሊኦም ማእኮሎትን ታሕተዎት ወትሃደራዉያን መኮንናት መንግስቲ ሱዳን ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ዝተዛናበለን ዝተሓዋወሰን ደርባዊ ቦታ ዝነበሮም እዮም ዝነበሩ። (more…)

ብደረጃ ስነ-ጽሕፋዊ ተቓዉሞ ናይ ተጻይ-ቁጽጽር (Counter-control) ሓልፍነታዊ ክኸዉን ይሓትት ኣሎኹ!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:11 pm

መእተዊ፡ ናይ ኤርትራ ፖሎቲካዊ ናይ ተቋዉሞ ህዝባዊ ትካላት ጓንጓ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ኣሎ እንተተባህለ ቡዙሕ ዘሽቕርር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ መፋርቕ 1940 ታት ..ፈ፡ እቲ ምዕራባዊ ጽልዋ ዘለዎ ናይ መንግስት እንግሊዝ ኣዋጅን ሕግታትን ብዘፍቀዶ መሰረት፡ ምስረታ ፖሎቲካዊ ሰልፊ/ዉድብ ን ብደረጃ ስነ-ጽሑፋዊ ተቓዉሞ ናይ ተጻይ-ቁጽጽር ኣብ ኤርትራ ተጠቂሞም ኤርትራዉያን ዜጋታት ከሳልስልዎ ዝፈተኑ፡ ፖሎቲካዊ ናይ ህዝቢ ተጻይቁጽጽር ትካላት፡ ብኡ ብኡ ብናይ መንግስት እንግሊዝ ፖሎቲካዊ ሽርሕታት፡ ቀጺሉ ብሙቛም ፈደራላዊ መንግስት ኤርትራ፡ ቀጺሉ ብፖሎቲካዊ ሽርሕታት ሃጸይ ሃይለስላሴ ፍጹም ስለተቖጽየ፡ መልክዓት ተቓዉሞ ኣብ ኤርትራ ፍጹም ተቀየረ። (more…)

ናይ ኩናት ምናልባትነት ኣብ ሃገርና ይዝንቢ ኣሎ!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 1:04 pm

ድሕሪ ወከልት መንግስት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣካላዊ ምሕንጽጽ ዶብ ብዝምልካት ርክባት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብኣማላዲነት ኮምሽን ዶብ ኣብ ከተማ ሄግ (ሆላንድ) ብዕለት 6-7 መስከረም 2007 .. ምክያዱን፡ ብዘይ ዝኾነ ተግባራዊ ቁሩብነት ምዝዛሙ፡ እቲ ምናልባትነት ናይ ዳግም ምዉላዕ ኩናት ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ተኽእሎታት ስግኣታት እንዳዓረገ ይኸይድ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። (more…)

ካብ ዝወደቀ ኣብ መሬት ርፍራፍ እንጀራ ኣሪኻ፡ ህጡር መኣዲ ክስራሕ ኣይክኣልን እዩ!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 12:58 pm

ውዮ ድኣ ወዲ ሰብ ረሳዒ ኮይኑ ድኣ እንበር! እቲ ናይ ኩናት ምናልባትነት ኣብ ሃገርና ካብ ጥቅምቲ 2002 .. ኣትሒዙ ይዝንቢ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ክልቲኡ ስርዓታት፡ ስግር እቲ ዶባዊ ግርጭታት ምቕያር ፖሎቲካዊ ስርዓት ዝብል ዓላማ ስለዝሓዘ፡ ስርዓት ኣስመራ ንኩሉም ዉሽጣዉያን ተጻባቲ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ፡ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ እዉን ንኩሎም ዉሽጣዉያን ተጻባእቲ ስርዓት ኣስመራ ከዕጥቁን ክምዉሉን ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ ኢደኣዝዉራዊ ኩናት መሰረታዊ ናይ ሚዛን ዓቕሚ ፍልልይ ነይርዎ እዩ። (more…)

ስለስተ መጣልዒ ፖሎቲካዊ ካርድታት ፖሎቲከኛታት ኤርትራ

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 12:53 pm

ኣብ  ዓለምና ምጣኔሃብታዊ፡ ማሕበራዊ ዉህደት፡ ሓድነት፡ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ ሓርነት ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ወትሃደሪነት ካልኣይ ድረጃ ኣብ ዝኾነሉ እዋናት፡ ኤርትራ ብወትሃደራዊ ኣርካናት ትምራሕ ኣላ። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ኤርትራ  ወድሰብ ይኹን ባህሪ ዝፈጠርዎም ጸገማት ጸብጺብካ ክዉድኡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። (more…)

ንምህናጽ ዘመናዊት ሃገር ዝገጥሙ ብድሆታት ኣብ መስርሕ ማሕበራዊ ሰዉራ እንታይ እዮም?

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 12:50 pm

ቀዳማይ ኣታሓሳስባን ባህልን ብዙሑነትን ናይቲ ሕብረተሰብ እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ኣባታዊ {patriarchate} ማሕበረ ምጣኔ ሃብታዊ ስርርዕ፡ ሕብረቡዛሓዊ ባህልን ብሔራት፡ ጥንታዊ ስልጣኔ ኣብ ዝህልወሉ እዋናት፡ እቲ ላዕለዋይ ኢድ ስልጣን ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ምጣኔ ሃብታዊት ኮም ወይ ስድራቤት ጀሚርካ ክሳብ መላእ ብሔር፡ ሃይማኖት፡ ሃገር ኣብ ኣቦ፡ ካህን፡ ሸኽ፡ ዓንተር ወትሃደር፡ ባዓል ፍሉይ ዝና፡ ምስሌኔ ባዕዲ….... ከም ዕድሎት ጸጋ ብሕልናን ተግባርን ዝተዋህበ እዩ። (more…)

ፖሎቲካዊ ራእይና ን መጻኢ ኤርትራዉያን እንታይ እዩ?

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 12:44 pm

ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ናጽነትን ልዕላዉነት ተራጋጊጹ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ሓደ መዛዘሚ ናይ ሓደ ዓቢ ዝተሓላለኸ መድረኽ ምዕራፍ ታሪኽን ጉዕዞን ኮይኑ፡ ከም መሳጋገሪ ታንካ ንሓድሽ መጻኢ መድረኽ እዩ። (more…)

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ሃገራዊ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባርን መንግስት ኣብ ስደትን።

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 10:38 am

መእተዊ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣልዒለ ክዝትየለን ወሰኢነ ዘለኹ፡  ኣርባዕተ ኣገደስት መሰረታዉያን ፖሎቲካዊ ኣምራትን ኣብ ግብሪ ኣዋዕልኣን ዝተኮረ እዩ። እዘን ኣርባዕተ መሰረታዉያን ኣምራት ሃገራዊ ዋዕላ፡  ሃገራዊ ዕርቂ፡ ሃገራዊ  ልፍንት ወይ  ስሙር ግንባርን መንግስት ኣብ ስደት ዝብላ እየን። ምናልባሽ ንሓዲኣን ከምዛዕባ ወሲድካ ሓደ ዓቢ መጽሓፍ ክጽሓፍ ከምዝኽእልን፡ ኣብ ዓለምና እዉን ብዛዕባእን ዝዝቲ መጽሓፍትን ጽሑፋትን፡ ብዙሓት ተጻሒፎም ከምዘለዉ ዘማትእ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዝኾነ ብሕጽር ዝበለ ብልሓት ምስ ፖሎቲካዊ ክዉንነት ኤርትራ ብምዝማድ ክገልጾ ክፍትን እየ። ነዚ  ፖሎቲካዊ ኣምራት እዚ ኣልዒልና ክጽሕፍ ዝገደደነ፡ ክልተ መሰረታዉያን ዕላማታት ዝቶኮረ እዩ።

 

ንሳተን ድማ፡

  1. እቲ ዉትሩ ፖሎቲከኛታት ኤርትራዉያን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት፡ ዘልዕልዎ ፖሎቲካዊ ጣቋታት  መስመሩ ንምትሓዝ፡
  2.  ህዝብና ብዘይከዉን ክትግበር ዘይክእል መብጻዓታት፡ጭርሖታትን  ጣቛታት ፖሎቲካ ካይታለል እቲ ሓቂ እንታይ እዩ? ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታርት ክትግበር ከምዝኽእል ፈሊጡ ክስዕቦን ክነጽጎን ኣመታት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።

 

ኩሉ ግዝያት ከም እንሰምዖን ንፈልጦን፡ ዳርጋ እዘን ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ኣምራት ማለት ሃገራዊ ዋዕላ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ሃገራዊ ልፍንትን መንግስት ኣብ ስደትን፡ ካብ 1975 .. ኣትሒዙ ብቀጻሊ ኣብ መኣዲ ዘተ ከም መፍትሒ መስርሕን ንዋትን ዝነበረን ዞሎን ጸገማትና ዝላዓላ ጭርሖታታት እየን።

ብፍላይ ድማ ካብ 2004 .. ጀሚሩ ኣብ ናይ ኤርትራዊ ተቓዉሞ ደንበ ኣኼባታት፡ ከም ቀንዲ መፍትሕን መትዓየይን መፍትሒ ህሉዉ ጸገማትና ተወሲደን ስለዝዝረበለን፡ ንምትግባረን ድማ ንሓንሳብ ጻዊዕታት ብጽሑፍ፡ ሰሚናራት፡ ንሓንሳብ ሽማግሌታት፡ ንሓንሳብ መጽናዕትታትን ጹሑፋትን ዝወጸሉ ተዳጋጋሚ ፍጻሜታት ብምኻነን እዩ።

 

እቲ ሃገራዊ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባር ግን ንሓንሳብ ምሕዝነት ንሓንሳብ ኪዳን ንሓንሳብ 4+1 ንሓንሳብ ሃገራዊ ድሕነት፡  ንሓንሳብ 1 2 ወገን ኪዳን፡ ንሓንሳብ ናይ ኤዉሮፓ፡ ኣመሪካ.. ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ንሓንሳብ ንኩሉ ኣብ ፖሎቲካ ክናጣጠፍ ዝደልዩ ዜጋታት  መጠርነፊ ሰልፊ፡ እንዳተሰምየ ክስራሓሉ ዝጸንሓን ዘሎን እዩ። ሕጂ እዉን ገሊኡ ብሱቱር ገሊኡ ድማ ብጋህዲ ምጥርናፋት ንናይ ሓባራዊ ስርሓት ዋላታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኤዉሮጳ ዝኸይድ ዘሎ እዩ። ነዘን ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ኣምራትን መስርሕን፡ ምስ ፖሎቲካዊ ክዉንነትን ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታ ኤርትራ ብምትእስሳር ድማ ክገልጽን ክፍትን እየ።

ሃገራዊ ዋዕላ (National Conference):

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 10:31 am

ክባሃል እንኮሎና ብንጹር ሃገርለኸ ጠቀስ ዛዕባ ዝዝተየሉ ዓይነታዊ ኣኼባ እዩ። ፖሎቲካዊ ትርጉም  ሃገራዊ ዋዕላ ድማ ሓደ እኩብ ናይ ሰብ ጉጅለ ብዛዕባ  ዝተፈላለየ ሃገርለኸ ጠቐስ ዓዉድታት ስነትምህርቲ፡  ስነፍልጠት፡  ስነኪነት፡ ስነጥበብ፡  ስነምጣኔሃብቲ፡  ስነባህሊ፡  ስነሕብረተሰብ፡ ፖሎቲካዊ ምሕደራን ፍልልያትን፡ ስነሂወት፡ ንግዲ፡ ስርዓተትምህርት …………... ንምዝታይ ዝካየድ ናይ ዘተ ማኣዲ እዩ። ነዚ ዓይነት ናይ ዘተ ማኣዲ ገሊኦም ዋዕላ፡ ሰሚናር፡ ጉባኤ፡ ኣኼባ እንዳበሉ ምስት ዝዝትዩሉ ዛዕባን ዕላማን ተሳተፍቱን ብምትእስሳር፡ ፍሉይ ስያሜ ከምዘጠምቕዎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝካየድ ዋዕላታት ናይ  ተማራመርትፈሊጣን፡ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት፡ መንግስታትን ሃገራትን፡ ናይ ንግዲ ማሕበራት ወይ ንጽል ፖሎቲካዊ ዉድብ ሰልፊ ምንቅስቃስ ወይ ቡዝሓዊ ክኸዉን ከምዝኽእል ድማ ፍሉጥዩ። ናይ ሃገርለኸ ጠቀስ  ዛዕባ እዩ ኢሎም ኣብ ዝኣምንሉ እዋናት ድማ ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል ስያሜ ከጠምቅዎ ወትሩ ዝርኤን ዝስማዕንዩ። እቲ ዘዛትዮም ዛዕባ ብትሕዝትኡ ብዓይነት ተሳተፍቱን  ሃገርለኸ፡ ዞናዊ ወይ ድማ ዓለምለኻዊ ጠቀስ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ነዚ ንምንጻሩ ድማ፡ ቅርጹ ወይ ምልኣተ ተሳተፍቱን ቀንዲ ቀለስቱን  ክምዘን ይክኣል።

ንሱ ድማ ንመረዳእታ፡

      1.   ኩሎም ዓይነታት ኤርትራዉያን ዝተሳተፍዎ፡ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝዝቲ ናይ ዝተፈላለየ            ዓዉድታት ዋዕላ እንተተኻይዱ ሃገራዊ ዋዕላ ክስየም ይክኣል እዩ። ምክንያቱ እቲ ናይቲ ዋዕላ ዛዕባ ኤርትራ ኣመልኪቱ ስለዝዘተየን፡ ተሳተፍቱ ድማ ኩሎም ዓይነታት ኤርትራዉያን ስለዝዘተይሉ እዩ።

      2. ብተናጸል ማለት ፍልይቲ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ወይ ፖሎቲካዊ ዉድብ እዉን፡ ከም ዛዕባ   ንኤርትራ   ኣመልኪታ ብተሳትፎ ኣባላታ ጥራይ ዝተሓጽረ ዋዕላ ከተካይድ ትኽእል እያ። ነቲ ዋዕላ እዉን ሃገራዊ ዋዕላ ኢላ ክትስይሞ ትኽእል እያ። ንዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታትን ዘሳተፈ ዋዕላ እዉን ተኻይዱ ሃገራዊ ዋዕላ ክባሃል ከምዝክኣል ቡዙሕ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን።

  1. ዞናዊ ዋዕላታት ብደረጃ ኣህዛብን ሃገራትን ይካየድ እዩ። ንሱዳን፡ ጁቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ስማልያን ኤርትራን ዝጠመረ ነቲ ዞና ኣመልኪቱ ዝዝቲ ዋዕላ እንተተኻይዱ ዞናዊ ወይ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዋዕላ ክባሃል እዩ።
  2. ዓለምከኻዊ ዋዕላ ድማ ንመላእ ሃገራትን ኣህዛብን ዓለም ኣመልኪቱ፡ ብመላእ ተሳትፎ ሃገራት ዓለም ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ከምዝብሃል ፍሉጥ እዩ።

 

 ሕጋዉነቱን ተቀባሉነቱን ብመሰረት ንሱ ዘልዕሎ ዛዕባን ተሳተፍቱን ድማ ይዉሰን።  እቲ ዝተካየድ ዋዕላ ንሃገርለኸ  ጠቐስ ዛዕባን ኩሎም ዜጋታት ምስ ዝሳተፍዎ ሃገራዊ ይኸዉን። እቲ ዋዕላ ዞባዊለኸ ወይ ዓለምለኻዊ ትሕዝቶን ተሳተፍትን እንተነይሮሞ ዞናዉን ዓለምለኻዉን ይኸዉን። እቲ ዋዕላ ጉጂላዊ እንተኾይኑ ድማ ፍርያትን ዉሳኔታትን እቲ ዋዕላ  ኣብ ክንዲ ኣድማሳዊ ቀያድን ብደረጃ ሃገርለኸ፡ ዞናዊለኸ ወይ ዓለምለኻዊ ዝኸዉን፡  ንኣባላቱ ቀያዲ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ። ስለዚ  ሃገራዊ ዋዕላ ማለት ብዛዕባ ፍሉይ ዛዕባ ሃገርለኸ ጠቀስ ኣልዒልካ ትዝትየሉ ናይ ኣኼባ መስርሕ ባይታ ማለት  እዩ።

ትሕዝትኡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ካብ ኮነ፡ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ኤርትራ ንኹሎም ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ጉጅለታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝጠመረ ወይ ብኸፊሉ ንናይ ሓባር ዋላ {plat forum} ንምፍጣር ብተናጸልን ከፊል ወይ ሓደ ንኹሉ ዝጠመረ ሃገራዊ ዋዕላ ክኻየድ ይክኣል እዩ። ዉጽኢት ናይቲ ዋዕላ ድማ ንኣባላቱን ቀጺሎም ዝስዕብዎን ይቕይድ።

 

ኣብዚ እዋናት እዚ፡ እቲ ናይ ተቃዉሞ ሓይልታት ስኒት ስኢኑ፡ ነቲ መድረኽ ኣብ ክገጥመሉ ዘይበቕዓሉ እዋናት ሃገራዊ ዋዕላ የድሊ ከምዘሎ ዝናጣጠፉን ዘንህዩን ዜጋታት ዉሑዳት ኣይኮኑን። ብመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢልና ሓደ ዓቢ ልፍንት {grand coalition} ብምፍጣር፡ ንኹሉ ተፋናጪሉ ዝርከብ ፖሎቲካዊያን ጉጅለታት ጠርኒፍካ ኣድማዒ ቃልስታት ንምክያድ ዝዓለመ እዩ።

ጹቡቕ ከም ሓሳብ እንታይ ክወጾ! እንታይ እዩ ግን ንቡዛሓት ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ከም ዝማቓቀሉ ገይርዎም ዘሎ ክምርመር ዝግብኦ ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ ንሓደ ዓሶ ዝሓመመ ሰብ፡ ናይ ዓሶ መድሃኒት ክትእዝዘሉ እንተኼንካ፡ መጀመርታ ዓሶ ምሕማሙ ከተራጋግጽ ኣሎካ። ንምፍንጫላትና ንምፍዋስ ዘብቕዓና መድሃኒት ሃገራዊ  ዋዕላ ዝባሃል እንተኾይኑ መሰረት ናይ ሕማምና እዉን ምልክታቱን ዓይነቱን ብልክዕ ክልለ ኣለዎ።

 

መሰረት ናይ ምፍንጫላትና ናይ መሪሒነታት ታሪኻዊ ዘይምቕዳዉ፡ መን ላዕለዋይ ኢድ  ፖሎቲካዊ ስልጣን ወነነ፡ ናይ መሪሒነታት ኣዝዩ ንኡስ ጥሙሓት {ego} ምህላዉ እምበር፡ ናይ መሰረታት ፖሎቲካዊ ዉድባት ወይ ህዝቢ ናይ ምፍንጫል ባህግታትን ተቦጉሶታትን ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኩሉ ዝሳማማዓሉ ሓቂ እዩ። ባዕላቶም ዝፈበረኽዎ ሽግራት፡ ባዕላቶም ጥራይ እዮም ክፈትሕዎ ዝኽእሉ። መዓልቲ መጸ ንሓንሳብ ተሳማሚዕና ንሓንሳብ ተፋላሊና እንዳበሉ ዝመጹና መራሕቲ፡ ኣብ ክንዲ ንሓድሽ ኤርትራዊ ቅደሓሳብ ለዉጢ {paradigm shift} ዘሳጋጉሩና፡ ኣዝዩ ንኡስ ጥማሓቶም ንምዕጋብ ተወሳኺ ጸገማት ስለዝፈጥሩልና፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝፍትሑ ጸገማት ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ይብድህዎ ስለዘለዉ፡  ህዝቢ ኣብ ጸገማቱ ምፍታሕ ጥራይ እዩ ከተኩር ዝምረጽ።

እቲ ጸገም ኣብ መሪሒነታት ካብ ሃለወ፡ እቲ ኣማራጺ ክልተ መገድታት ጥራይ እዩ።

 

 ንሳተን ድማ፡

  1. እቲ መሪሒነታት ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ተኣኪቡ ፖሎቲካዊ ጸገማቱን ግርጭታቱን ፈቲሑ ብከመይ ዉልቃዉን ፖሎቲካዉን ግርጭታቱ ከም ዝፈትሖ ንጹርን ጉሉጹን ጸብጻባት ንመሰረታት ፖሎቲካዊ ዉድብን ህዝብን ሒዙ ክመጽእ ኣለዎ። ወይ ድማ
  2. እቲ መሰረታት ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ጉጅለታትን ህዝብን፡ ነቲ ማሕለኻታት ጸቢብ ዉድባዊ እምነታት ሰይሩ ወይ ሰጊሩ፡ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ብደረጃ ከባቢ፡ ብደረጃ ሃገርን ብደረጃ ክፍለ ዓለም ህዝባዊ ናይ ረብሓ ፖሎቲካ መጋባእያታት ፈጢሩ፡ ብሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሉ ናብ ሓድሽ መድረኽ ጥርናፌን ቃልስን ዝኣትወሉ ማሕበራዉን ፖሎቲካዉን ምስግጋር {transformation} ኪደት ክፈጥር ኣለዎ። እዚ ብልሓት ኣጣራንፋ እዚ ስግር እቲ ኣብ ዘለዋሉን ከባብያተን ሓሊፈን ብጽፍሒ ሃገር ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ናይ  ፖሎቲካዊ ተግባር ኡግሚ {action potentials} ናይ ህዝብን ሃገርን ፖሎቲካዉያን ናይ ጸቕጢ ሓይሊ {pressure group} ኣብ ልዕሊ ስርዓት ...ፍን ዝተፈላለያ ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ተቃወምቲ ሓይልታት ክኾና ይኽእላ እየን ዝብል ገምጋማት ኣሎኒ። እዚ ገምጋም እዚ ብሃዉሪ ዝመጸ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ኣብ ሰናይ ፍቃድን ድሌታትን መሪሒነታት ዉድባት፡ መሪሒነታት ምልካዊ ስርዓት ...ፍን ፖሎቲካዊ ተቃዉሞ ዉድባት ምጽባይን ምዉዳቕን ግዚኡ ሓሊፉ ስለዝኾነ እየ።

 

እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ዝባሃል ዘሎ ንዋት ወይ መድሃኒት መፍትሒ ጸገማት ዘይምጥርናፍና፡ ኤርትራዉያን ጥራይ ኣይኮኑን ዘልዕልዎ ዘለዉ። ዋላእዉን መራሒ ኢትኒካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ወይ ወያኔ፡ “”ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን”” ካልኣይ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ እንኮሎ “” ጉባኤ ኣይኮነን ዘድልየኩም፡ ሃገራዊ ዋዕላ እዩ ዘድልየኩም”” ኢሉዎም እዩ። ስለ ዝተባህለ ስለዝተደልየ ዘይኮነስ፡ ኤርትራዉያን ናይ ገዛእ ርእስና ካብ ህሉዉ ኩነታትና ዝነቕል ርኽኽብን ዳይነሚክስ፡ ኣዝዩ ዝተነጸረ ዕላማን ራእይን ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ክህልወና ኣለዎ

 

መደምደምታ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ሓደ ዓቢ ፖሎቲካዊ ጭርሖ ስለዝኾነ፡  ነዚ ዓቢ ጭርሖ ብምልዓልን ብምምራሕን ማሕበራዉን ዉድባዉን ክብደታቶም ወይ ጽልዋታቶም ከዕብዩ ዝደልዩ ዉልቐ ዜጋታት ወይ መራሕቲ ፖሎቲካዉያን ዉድባት እዉን ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ብምዝንጓዕ ዝኾነ ዜጋ ካብ ሰናይ ድሌታት ተላዒሉ ክድግፎ ከምዝኽእል እዉን ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ዉሽጡ ግን ቡዙሕ ክግራሕ ዘለዎ ትሕዞን ዕላማን ስለዘለዎ፡ ካብ ሕሉፍ ቶሞክሮታትና ብምግምጋም ዘየዳግምን ኣድማዕን መታን ክኸዉን ምርጫታትና ብግቡኡ ከነቐምጥ ኣሎና።

 

ሃገራዊ ዕርቂ (National reconciliation):

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 10:27 am

ማለት መስርሕ ንሓድሽ ፖሎቲካዊ ባህሊ ዘሳጋግር መሰረታዊ ተሓድሶ ንሓድነት፡ ማዕርነትን ፍትሒ ህዝቢ ናይሓንቲ ሃገር ኣራጋጊጹ ብግብሪ ኣብ ፖሎቲካዊ ምጣኔሃብታዊ ማሕበራዊ ባህላዊ ምቅይያራት ኣብ ሂወት እቶም ደቀባት እታ ሃገር ዘራጋግጽ፡ መስርሕ ሓድሕድ ምቅብባል፡ ጣዕሳ፡ ይቕረይኹንካ፡ ካሕሳ፡ ምሕዋይ በሰላ፡ ደበስ፡ ሕሉፍ ታሪካዊ ግምገማ ዘካይድ እዩ። ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን መዝነታትን፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ምዕባሌ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ክንክን ዉሑዳትን ዉጹዓትን እቲ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ሳላማዊ  ኣጋባብ ኣፋታትሓ ግርጭት፡ ኣብ ማዕርነት ብዛዕባ ኣረጊትን ሓድሽ ወለዶን ኣቶኪሩ ድማ ንምርምራቱ ንግብራዊ ሓቂ ወይ ጋህዲ ንምግባር ዝካየድ መስርሕ እዩ። ሃገራዊ ዕርቂ ክብሃል እንኮሎ ንጹር እዩ ብደረጃ ሃገርለኸ ጠቀስን ሓቆፍን እዩ።

 

ብመሰረቱ ግን እቲ ዕርቂ ካብ ክልተ ቡኡሳት ሰባት ጀሚሩ ብደረጃ ስድራ፡ ማይቤታት፡ እንዳ፡ ቀቢላ፡ ኤትኒክ ጉጅለታት ክህልወን ዝኽእል ናይ መሬት ሕቶ፡ ናይ መግሃጫ ከብትን መጭዓና ሕቶ፡ ናይ ማይ ዋሓዚ ሕቶ፡ ናይ ባህርያዊ ሃብትን ምምቅርሑ ሕቶታትን ናይ ፖሎቲካዊ ስልጣን ሕቶ፡ ናይ ጥዑይን ሓባራዉን ምምሕዳር ሕቶ ካልኦት ዘይተጣሕመሱ ግርጭታት ንምፍታሕ ዝሳላሰል መስርሕ ሰላማዊ ኣጋባብ  እዉን እዩ። ሃገራዊ ዕርቂ ኣዝዮም ሓያላት ሰባት ወይ ጉጂለታት ንካልኦት ንምዕብላል ዝካየድ ማሕበራዊ ናይ መፍጠሪ ሰላም መስርሕ ኣይኮነን፡ ብኣንጻሩ ፖሎቲካዊ ስልጣን ናብ ምቁጽጻር ህዝቢ ዘሳጋግር፡ ንመሰረታዊ ሽግር ህዝቢ ኣለልዩ ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ፡ ንሽጉራት ኣፍደገ ራህዋ ዝኽፈተሉ፡ ጹቁጣት መሰሎም ዝራጋገጸሉ፡ ውሕዳን ብቡዙሓን ካይ ጽቀጡን ካይዕብለሉን ዘይ ስገር ቀይሕ መስመር ደረታት ዘቀምጥ፡ ብዱላት ዝካሓስሉን ዝድበስሉን፡ ገበነይናታት ብሕጊ ዝሕተትሉ ወይ ምሕረት ዝዋሃቡሉ፡ ካብ ምዉጣጥ ናብ ምትሕብባር፡ ካብ ምንዕዓቅ ናብ ምክብባር፡ ካብ ምንጽጻግ ናብ ምቅብባል፡ ካብ ሽርሕን ሚስጥራዉነት ናብ ግሉጽነት፡ ካብ ዘይሓላፍነታዊ ናብ ሓላፍነታዊ፡ ካብ ምጥርጣር ናብ ምትእምማን፡ ካብ ዜሮ ተጻዋርነት ናብ ሙሉኡ ተጻዋርነት ዘሳጋግር ማሕበራዊን ፖሎቲካዉን መስርሕ እዩ።

 

ኣብ ዓለምና ኣብ ማእከል ዘተፈላልዩ ኣህዛባት፡ ሃገራት፡ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት፡ መንግስታት፡ ሃገራዉን ዞናዉን ዓለምለኻዊ ማሕበራት፡ ትካላት፡ ዝተፈላለየ ዋዕላታት ንዝተፋላለየ ዕላማን ማዓላታትን ቀጻሊ እዮም ዝካየዱ። ብተዛማዲ ድማ ሃገራዊ ዕርቅታትን ክልትኣዊ ወይ ቡዙሓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንነባሪ ሰላምን ሓበራዊ ፖሎቲካዊ ምጣኔ ሃብታዊ ማሕበራዊ ባህላዊ ምዕብልናታት ንምርግጋጽን ማሕበራዊ ፍትሒ ማዕርነታዊ ሽርክነት ንምንጋስ ተባሂሎም ከምዝካየዱ ሩጉጽ ጉዳይ እዩ። ሃገራዊ ዕርቂ ከም ዛዕባ፡ ከም ፖሎቲካዊ ኣምር፡ ከም ጭርሖ፡ ከም መስርሕን ትግባሬን ኣዝዩ ዓቢ ስትራተጂካዊ ሕቶ እዩ።

 

ሃገራዊ ዕርቂ ክብሃል እንኮሎ ናይ ዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን በይናዊ ወይ ቡዝሓዊ ፖሎቲካዊ ልፍንት ወይ ዕርቂ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ናይ መላእ ሃገር ሕጋዉያን ተወከልቲ ህዝቢ፡ ንጡፋት ፖሎቲከኛታትን ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት፡ ሲቪላዊ ወይ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ወራዙትን መራሕት ልዑል ህዝባዊ ትካላት፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ፡ ፈሊጣን፡ ተዓዘብትን ሓሳብ ኣሃብተምትን ወጻእተኛታት ኣድማዒ ተሳትፎን ዉሳኔን ዝሓትት ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ነዊሕን መስርሕ እዩ። ሃገራዊ ዕርቂ ዋዕላ፡ ኣኼባ፡ መጋባእያ፡ ልፍንታዊ ስራሓት ማለት ኣይኮነን።

ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ህሉዉ ኩነታት ጥራይ ኣይኮነን እዉን ዝሙርከስ።

 

ሃገራዊ ዕርቂ ነቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሕሉፍ ታሪኽ እቲ ሕብረተሰብ ብታሪኽ፡ ብማሕበራዊ ፍትሒ፡ ብሕጊ፡ ብሰብኣዉን ስነምግባራዉን መዓቀኒታት ንፍጻሜታት እንዳመዘነ ፍርድታቱ የቀምጠሉን ንዉሳኔን ኣፋታትሑኡን ዝምልከት ድማ ናብ ህዝቢ ብምዉራድ፡ ብባህግታት ህዝቢ ዕግበት ይዉስን። መላእ ህዝቢ ዝተሳማማዓሉን ዝዓገበሉን ሕሉፍ ታሪኻዊ ገምጋማት ምስገበረ፡ ቀጺሉ ንህልዉ ኩነታት እቲ ሃገርን ህዝብን ይመዝን፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ንመጻኢ እቲ ሃገርን ሕብረተሰብን ብሓባር፡ ብማዕረ፡ ብምክብባር፡ ብሓድነት፡ ብምዕባሌ ከንብሮ ዝኽእል ካብ ፍጹም ማሕበራዊ ጸጋታት እቲ ሕብረተሰብ ዝመንጨወን ተመሊሱ እዉን ንኡኡ ዝኩስኩስ ጥዑይ ዓንደ መንግስት፡ ጥዑይ ፖሎቲካዊ ስርርዕ፡ ጥዑይ ድሌት ህዝቢ ዘዕግብ ምጣኒ ሃብታዊ ጥዑይ ፍትሓዉን ምዕሩይ ማሕበራዉን ጥዕናዉን ኣገልግሎት፡ ጥዑይ ማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላት ዘራጋግጽ፡ ጥዕይ ዘቤታዉን ግዳማዉን ሜላታት ዝትልም፡ ብዓቢኡ ድማ ባህላዊ ትንሳኤ ዘራጋግጽን ንሃገራዉን ህዝባዉን ጸጥታ ዘዉሕስ ባይታ ዝፈጥር መስርሕ እዩ።

 

ሃገራዊ ዕርቂ ብባህሪኡ ኣብ ዝተወሰነ ፖሎቲካዊ ማሕበራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ባህላዊ ዛዕባታት ዝተደረተ ኣይኮነን ኩሉእንትናዊ ሃለዋት ሂወት እቲ ሃገርን ህዝብን ጠቀስ ዳህሳሲ እዩ። ሃገራዊ ዕርቂ ካብ ዉልቀ ሰብ ዜጋ ጀሚሩ ስድራቤት፡ እንዳ፡ ቀቢላን ኢትኒክ ጉጅለ ክሳብ መላእ ሃገር ኣብ ኩሉ እንትናዊ ሃለዋት ሂወቱ ማለት ኣብ ሰብኣዉነቱ፡ ሰብኣዊ መሰላቱን ጉቡኣቱን፡ ስነምግባሩ፡ ፖሎቲካዊ ማሕበራዊ ምጣኔ ሃብታዊን ባህላዉን ሂወቱ ዝምርምርን፡ እዚ ገበን እዚ በደል እዚ ከምዚ ክከዉን ይግባእ እንዳበለ ካብ ዝደቀቀ ክሳብ ዝዓበየ ጉዳይ እቲ ህዝቢ ርትዓዉን ሂወት ሶኻዕን መዕልቦ ኣናዳይን እዩ።

ሃገራዊ ዕርቂ ብባህግታት ወይ ዊንታታት ጥራይ ዝካየድ መስርሕ ኣይኮነን።

ነዚ ዊንታታትን ባህግታትን ክዉን ክገብሩ ዘኽእሉ ጹኑዓት ባይታታት ክህሉዉ ኣለዎም።

 

እቲ ባይታታት እንብሎ ዘለና፡

1.       ቀዳማይ ኣብ ዉሽጥ ሃገር ዝካየደሉ ባይታ ክራጋገጽ ኣለዎ።

2.        ካልኣይ ብህዝቢ ተወኪላ ዝተመርጸት ናይ ሃገራዊ ዕርቂ ሓቀኛ ናይ ሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ኮምሽን ክትህሉ ኣለዋ።

3.       ሳልሳይ ነታ ኮምሽን ልዕላዊ ስልጣን ዘወንን ግዝኣተሕጊ ወይ ቕዋም ክህሉ ኣለዎ።

4. ራብዓይ ናይ ሃገራዊ ዕርቂ ናይ ስራሕ ሓይልታት ኮሚቴታት ብደረጃ ዓዲ ወረዳ ኣዉራጃ ሃገር ክቖማ ኣለወን፡ ኣብ ትሕቲ ኮምሽን ዕርቂ ዝማሓደራ ናጻ ናይ ታሪኽ ተማራመርቲ፡ ፍርዳዊ ትካል፡ ሲቪካዊ ኣብያተ ትምህርት፡ መርመርት፡ ናይ ፖሎቲካዊን ቁጠባዊን ፖሊሲታት ሓንጸጽት ኪኢላታት፡ መራኸቢ ቡዙሓን ዝሓቆፋ ትካላትን ካልኦት ዘይተሮቕሑ ክህሉ ኣለዎ።

 

ሃገራዊ ዕርቂ ክባሃል እንኮሎ ገለ ሰባት ጥራይ ንምምቅርራሕ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘጣጥሕ፡ ንተቃወምትን ገዛኢ ስርዓትን ዝተዓርቅሉ፡ ሓደ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝዕወተሉ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ስልጣን ትጭብጠሉ፡ መሳርሒ ንዋት ገይሮም ዝወስድዎን ነዚ ንምትግባር ዝንቃሳቀሱ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ፍጹም ጌጋ ኣራዳድኣን ፈተነን እዩ። ሃገራዊ ዕርቂ ናይ መላእ ሃገርን ህዝብን ኮይኑ፡ እቲ ህዝቢ ሕሉፍ ተሞክሮታቱ ሓሊኹ ንቅድሚት ከምዘይስጎም ኣብ ዝኾነሉ እዋናት፡ ካብዚ ፈንጢሱ ዝወጸሉ መስርሕ  ሰላማዊ ኣጋባብ  መስረታዊ ለዉጢ ሕብረተሰብን ፖሎቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ዝርከበሉ እዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ዕርቂ የድሊ ? ብሕጽር ዝበለ ኣጋባባት እተን ክልተ ዘዉትር ዝላዓላ ፖሎቲካዊ ኣምራትን ትሕዞ ኣጣቃቅምኣን ካብተገንዘብና ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ዕርቂ የድሊ ኣየድልን ዳርጋ ምሉስ ሕቶ እዩ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ዕርቂ የድሊ እዩ።

 

ኣብ መስርሕ ፖሎቲካዊ ኣምራዊ ትንተናታትን ኣታጋባብርኡን ብገለ ክዝረብን ክትንተንን እንከሎ ኣዝዩ ዱንጉርን ላህመታዊ ኣፍልጦ ከምዘለዎምን ብኣንጻሩ ብስምዒትን ባህግታትን ዝተንጀርበበ ምኻኑ ደሚቁ ይርኤ። ንልፍንታዊ ስርሓት ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት፡ ንስሙር ግንባር ዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ንጸቢብን ከፊላዊ ፖሎቲካዊ ምጥርናፋት፡ ንኪዳን ትሕተ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ዝንባሌታት ከም መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ዝካየድ ዘሎን ዝተኻየደን ኣምሲልካ ምግላጻት እዉን ይስማዕ እዩ። ብመሰረቱ እዚ ጉጉይን ዘይፖሎቲካዊን እዩ።

 

ኤርትራዉያን ዕላማና፡ ብዲሞክራስያዊ ማሕበራዊ ፖሎቲካዊ ሰዉራ ወይ ብሃገራዊ ዋዕላን ዕርቂ ኣቢልና ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ዝነገሶ ሕብረተሰብን ሃገር ሃገራዉነት ንምህናጽ እንተኮይኑ።

        1.  ኣቀዲምና ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ተዛማዲ ሓቅነት ዘለዋ ምርምራት ከነካይድ ኣለና፡

        2.  ብንጹር ክንወቕዖም ንደሊ ስትራተጂታት ክንፈልጥ ኣለና።

        3.  ገና ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነት ከምዘለና ከነለሊ ኣለና።

        4.   ኣዝዩ ዱሑርን ሕቡኡን ጉጂላዊ ፖሎቲካዊ ረብሓታት ዘራጋግጽ ኣጀንዳታት ክንስንድዎን 

              ኣብ እንካን ሃባን ክንኣቱ ክንበቅዕ ኣለና።

         5.  ሰናይ ድሌት፡ ግሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ርእሰ ረብሓዊ መስዋእት ከነጥሪ ኣለና።

         6.  ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ዝካየድ ዘሎን፡ ብሕጂ ክካየድ ዝኽእል መስርሕ    ምድቃቅ ህዝብን ሃገርን ዲሞክራሲ ኣብ ዓለምና ዓንኬል ዘጓጥም ዘሎ ጸገማት ብከመይ ክንካላኸሎን ንዉጉኖን መጽናዕትታት ምክያድ ንኤርትራዉያን ኣዝዩ ኣገዳስን ጠቃምን እዩ።

 

መብዝሓትኣን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ካብ ኣብ ዉሽጠን ዘሎ ጸገማት ንላዕሊ፡ እቲ ንጸገማተን ንምፍታሕ ዘለወን ተበግሶታት ብናይ ግዳም ሓይልታት ጸቅጥታት ክድረኽን ክግታእን እንከሎ ይዓቢ። ዓለማዊ መስርሕ ንጥፈታት ፖሎቲካዉን ምጣኔ ሃብታዊ ንህላዌ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ብጽምዳዊ ኩርናዓቱ ስለዘጻቡቡልና ዘለዉ፡ ንዘለዉና ጸገማት ንምፍታሕ ዝህልወካ ተበግሶታት ብግዳማዊ ፖሎቲካዉን ምጣኔ ሃብታዊ ስትራተጂ ሓያላን ሃገራት ስለዝጽሎ እቲ ተበግሶታታት እንዳሃለወ ከንሱ ርእስኻ ኺኢልካ ጸገማትካ ንከይትፈትሕ ካይተማሓድርን ዝግበር ማሕለኻታትን ጸቕጥታትን ኣዝዩ ዝሓየለን ዝዓዘዘን ብምኻኑ እዩ።

 

ኣምር ሃገራዊ ዕርቂ ብንጹር በቲ ዝጠበቐ ትርጉሙ ድኣ ኣይኹን እንበር፡ ሓደ ብሰላማዊ ኣጋባብ ተሳላስሎ ሱር ነቀላዊ ማሕበራዊ ፖሎቲካዊ ሰዉራ እዩ። ሕመረት ሃገራዊ ዕርቂን ኣገዳስነት ፖሎቲካዊ ምርጫታትና ቀንዲ መናዓዓቢ ናይቲ መስርሕን፡ ምግላጽ ናይቲ ዘይክማህ ፖሎቲካዊ ባህግታትና፡ ናይ ኣማራጺታት ህልዉ ብዶሆታትናን ተሞክሮናን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትን ንኩሉና ዘገዱስና ጉዳያት ብንጥፈት ምዝታይ ምርዓም ዘጣቃለለ እዩ። ነዚ ንምስልሳል ድማ ዘቤታዉን ግዳማዉን ሮቋሒታት ዘተኣናግድዎ ክፍጠሩሉ ኣለዎም።

 

ንሃገራዊ ዕርቂ ንኣጋባባት ቃልሲ ብዝምልከት ዝተደርሰ፡ ዝተቶርጎመ፡ ዝትኣመመ እማሜታት ኣዝዩ ቡዙሕ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ንክኻየድ ንሓስቦ ዘለና መስርሓት ንሓንሳብ ምስ ፈረንሳ፡  ደቡብ ኣፍሪቃ፡  በኒን፡  ሊባኖስ፡ ኣልጀርያ………...ተ፡ ተሞክሮታት ብምዝማድ ክግለጽን፡ ነቲ ኣብኡ ዝተጠቅምሉ ብልሓት ብቀጥታ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ከምዝኽእል ዘተንብህ ጹሑፋት መጽናዕታት ነቢብና ኢና። ኣንቱም ሰባት እንበር ንኤርትራ ይፈልጥዋ እዮም ወይስ ካልእ ኤርትራ ትባሃል ሃገር ኣላ ዝብል ሕቶ እዩ ዝመጸካ። ምክንያቱ እማሜኦም ንኤርትራዊ ባይታን ኤርትራዊ ኣህጉረ ጥንታዉን ዘመናዉን ስልጣኔን ኣብ ባዕላዉን ዉድዓዉን ክስተታት ዝተመስረተ ብዘይሙኻኑ እዩ። ከምቲ ኣቦታትና ዝምስልዎ

 

ሕማቕ መምህር የደንቁር፡ ሕማቕ ሓኪም ዓይኒ  ሰብ የንቁርከምዝባሃል፡ ሓደ ካብቲ ርኡይ ጸገማት ናይዞም ፈሊጣዉያን ዝኾኑ ዜጋታት፡  ነቲ ኣብ ከባቢ ዝነብሩሉ፡ ዘንበብዋ፡ ዝተዓዘብዎ ካብ መግዛእቲ ይኹን ከባቢኦም ዝወረስዎ ኣፍልጦታት ብዘይ ዜቤታዊ ዉኸሳ ከምዘለዎ ብዘይ ገለ ምልዉዋጥ ከተኣታትዉዎ ይህቅኑን ይናጣጠፉን።  ርዱእ እዩ ኣብ ዓለምና ተዛማድነትን ፍሉይነትን ናይ ህዝብታት ሃገራት ኣቋዉማ፡ ተሞክሮ፡ ጸገማት፡ ግርጭታት፡ ጽፍሒ ምዕባሌ፡ ድሌታት፡ ማሕበራዊ ጸጋታት….. ... ከም ዘሎ። ነዚ ድማ ብምዉድዳር ሰንጠረጅ ሰሌዳ ኣብቲ ዝቀርብ መሰረተ ሓሳባት መወከሲ ዘለዎ ጭብጥታት ከሰንዮ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ፈረንሳ ጋቲማላ በኒን ደቡብ ኣፍሪቃ ስለዝበልካ መፍትሒ ናይቲ ህሉው ጸገማት ኤርትራ ማለት ኣይኮነን።

 

ንባዶሽ እማሜታቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቁቡል ክገብሩ ኣዳለዉቲ ናይቲ እማሜ ብዶክተር፡ ብፍላስፋ፡ ብዳይረክቴር፡ ብኢምባሳደር ማዓርግ ትምህርት ዝዉንኑ ፈሊጣን ከምተጸንዐ ሰሊሞም ይዝርግሕዎ።

ሙጉተይ ኣገልግሎት መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ንፖሎቲካዊ ባህልና ንምቅያር ዝካየድ መስርሕ እዩ። ምክንያቱ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ብቀዳምነት ስነሰብኣዊ፡ ስነኣእሙራዊ፡ ገብረገብነታዊ፡ ስነምግባራዊ ቕሩቡነትን ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ ሃብታዊ፡ ሕብረተሰብኣዊን ባህላዉን ሱር ነቀላዊ ለዉጥታን ንምምጻእ ዝካየድ ማስርሕ ማሕበራዊ መስርሕ ብምኻኑ እዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ መወከሲታት ናይዚ መስርሕእ ንምክያድ እቲ ባዓልቤታዊ ዉድዓዉን ምልክታት ኮይኑ፡ እቲ ግዳማዊ ኩነታት ድማ ከም ካልኣዊ ሮቋሒታት ክበስል ክበቅዕ ስለዘለዎ እዩ።

 

ሃገራዊ ዕርቂ ብከፊልን ካብ ሃገር ወጻኢ ቡኩራት ሰለስተ ርብዒ ኣባላት ሕብረተሰብናን እቲ ህሉው ስርዓትን ዘለዎ ክካየድ ይክኣል? ኣይፋሉን ኣይክኣልን እዩ። ስለምንታይ ዘይክኣል ቡኩራት እቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዘለዎ ድዩ? እወን ኣይኮነን ዝብል ሕቶታትን መልስታትን ክልዓሉ ይኹሉ እዮም። ኣብዚ ሓደ ንጹር ሙጉት ክመጽእ ይኽእል እዩ። ንሱ ድማ እቲ ሃገራዊ ዕርቂ ንኣባላት እቲ ስርዓት ኣይምልኮቶምን ድዩ? ይምልከቶም እባ፡ የግዳስ ህሉዉ ስርዓት ኣብ ፖሎቲካዊ ዘተ ስለዘይኣምንን ብዓቢኡ ድማ ገበነይና ስለዝኾነ ንኡኡ ንጽበየሉ ምክንያት የሎን፡ ካብቲ ስርዓት ወጻኢን ተቃወምትን ዘለና ጥራይ ሃገራዊ ዕርቂ ኣካይድና ዓቅምታትና ጠርኒፍና ኣንጻሩ ደዉ ምባልን ካብ ሱሩ ባሕጊካ ምእላይን ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ምርጫ ክባሃል ይክኣል እዩ። ሕጂዉን እዚ ብመገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተበጽሕ፡ ስሙር ግንባር ወይ ልፍንቲ እንበር ሃገራዊ ዕርቂ ኣይኮነን።

 

ብዓቢኡ ግን ነቲ ስርዓት ክትሓድጎ ክትብል ነቲ ንሱ ዛጊት ዝቋጻጸሮ ዘሎ ሰለስተ ርብዒ ብዝሒ ዘለዎ ኣካላት ሕብረተሰብና ንተሳታፍነቱ ክትርሕርሕን ክትሕርምን እንተኾንካ እቲ ዕርቂ ትብሎ ኣብ ክንዲ ዕርቂ ንዕርቂ ከሕልፍ ዘይክእል ዓጽሚ ጎሮሮ ወይ ሕማም መንሽሮ ክኸዉን እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ዕርቂ ማለት ናይ ፖሎቲካዊ ዉድባት ወይ ናይ መራሕቲ ፖሎቲካዊ ዉድባት በይንኣዊ ዕርቂ ወይ ክኣ ናይ ሓደ ዋዕላ ወይ መጋባኣያ ፍጻሜ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቅ ንሱ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት ዝግበር መድረኻዊ ስምምዓት ዉህደታት ምትሕንፋጻት ፖሎቲካዊ መድረኻዊ ልፍንት፡ ስሙር ግንባር ወይ ድማ ስምረት ናይ ፖሎቲካዊ ዉድባት ጥራይ እዩ ክብሃል ዝክኣል።

 

እቲ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ክከይድ ዝድለ እንተሃልዩ  ሓደ ፈጺሙ ክስገር ዘይክኣል ቅድመ ኩነት ኣሎ ንሱ ድማ ምልካዊ ስርዓት ... ክእለ ወይ  ብቀዳምነት ቅዋማዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ። ንኹልኻ ዝቕይደካን ዝዳንየካን ግዝኣተ ሕጊ ካይሃለወ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ ኣይክኣልን እዩ።

 

ሃገራዊ ልፍንቲ (National Coalition) ን: ስሙር ግንባርን {united front}:

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 10:23 am

ፖሎቲካዊ ትርጉም ልፍንቲ ወይ ስሙር ግንባር ሓደ ንጹር መግለጺ፡  ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ቃልስ እትጥቐመሉ እዩ ንሱ ድማ ዝተፈላለየ ስነሓሳባዉን ግብራዉን ፍልልያት ዘለዎን ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት፡ ሰልፍታት፡ ግንባራት ዉድባት፡ መንግስታት፡ ዉልቀሰባት፡ ሲቪላዊ ማሕበራት ሓደ ንኩሎም ብማዕረ ዝምክት ጸገማት ከጋጥሞ እንከሎ ነዚ ብተናጸል ክገጥምዎ ኣብዘይበቅዑሉ፡ ሓባራዊ ጸገማት ንምፍትሑ ብዓይነት ይኹን ብዓቀን ሰብኣዊ፡ ነገራዊ፡ ፋይናንሳዊ፡ ሞራላዊ ዓቅምታቶም ጠርኒፎምን ኣዋሃሂዶም ንሓደ ንጹር ዕላማ ጋህዲ ፍታሕ ንምምጻእ ዝገብርዎ ግዝያዊ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባር እዩ።

 

እዚ ብክልተ ደረጃታት ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ጋህዲ ክከዉን ይክኣል።

1.           ዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት መንግስቲ ሃገረን ንምምራሕ ኣብ ዘካየድኦ ምርጫታት ብዓብላሊ ድምጺ ምስ ዘይዕወታ፡ ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰልፍታት ድምጽታት ብምልፋን ነቲ መንግስቲ ከቅዉም ዝኽእል ወንበራት የማዓራርያን ይላፈናን። እቲ ዝቀዉም መንግስቲ ድማ ልፍንታዊ መንግስቲ ይብሃል።

2.           ንሃገራዊ ናጽነት ወይ ሓርነት ንምርግጋጽ ዝቃለሳ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ሰልፍታት፡ ግንባራት ኣንጻር ሓደ መግዛእታዊ ወይ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝቃለሳሉ እዋናት ብሓደ ወገን ናይ ሓባር ጸቃጥን ጸላኢን ስለዘለወን፡ ብካልእይ ወገን ነዚ ንምግጣም ናይ ሓባር ዕላማን ራእይን ስለዘለወን፡ ሓይልታተን ጠርኒፈን ብሓደ ክቃለሳ ኣብ ገለ መትከላዊ ስምምዓት ክኣትዋ ከለዋ ልፍንቲ ወይ ስሙር ግንባር፡ ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ቀጽርታት እንዳተባህለ ይስመ። ብኣቃዉሙን ጠባያቱን ግን ልፍንቲ ወይ ስሙር ግንባር እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ደንበ ተቃዉሞ ብቀጽርታት (Blocks) ንክጽፈያ ዝሕልን ዘሎ ድቀተ ሓሳባትን ንጥፈታትን እዉን ኣካል ናይቲ መድረኻዊ ምዉህሃድ ስሙር ግንባር  ወይ ልፍንት ጥራይ እዩ።

 

ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ዝጸሮን ዘታባብዖን ምቛም ፖሎቲካዊ ስሙር ግንባር ወይ ልፍንቲ ጥራይ እዩ። ምክንያቱ በቲ ሓደ ወገን ፖሎቲካዊ ዘተ ዘይኣምንን ዘይቅበልን ምልካዊ ስርዓት ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ ሃይማኖት፡ ኣዉራጃ፡ ኢትኒክ ጉጂለ፡ ሃገራዉን ዲሞክራስያዉን ዕልማናዊ ዕላማታት ተሞርኪሱ ዝንቃሳቀስ ፖሎቲካዊ ተቃዉሞ ኣሎ። ኣብዚ ግዝያት እዚ እቲ ፋሕ ኢሉ ተወዲቡ ዝንቃሳቀስ ዘሎ ፖሎቲካዊ ዉድባት ብተናጸል ንምልካዊ ስርዓት ... ክገጥሞ ስለዘይክእል ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ኣብ ምግጣሙ ክስለፍ ኣለዎ። ኣብዚ ግን ንጹር ክኸዉን ዘለዎ ሓደ ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ምህላዉ ጥራይ ነቲ ልፍንታዊ  ወይ ስሙር ግንባራዊ ስርርዕ ከቕሞ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ዝገዱ ዘይዓበዩ  መላኺ ኣታሓሳስባትን ዕላማን ዘለዎም ኣካላት ተቃወምቲ እዉን ክስኣኑ ስለዘይክእሉ እዩ።

 

እቲ ዝቀዉም ናይ ሓባር  ስሙር ግንባር ወይ ልፍንቲ ነቲ ገጢምና ዘሎ ብዶሆታታት መፍትሕ መታዓየይ ክኸዉን ዝኽእል ክኸዉን ኣለዎ። ከምኡ ክኸዉን ድማ ኣብ ዝተነጸረ መትከላት፡ ዕዙዝ ዕግበታት፡ ድሉዉነት፡ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ዳይነሚካዊ ኣዋዳድባ፡ ኣሳታፊ፡ ቁጽጽር ናይ ህዝቢ ዝመልኮ፡ ኣዝዩ በሊሕን ንጡፍን መሪሕነት ዝዉንን፡ ንተራ ህዝባዊ ማሕበራት ዘዕዝዝ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ናይ  መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘታባብዕ ክኸዉን ኣለዎ። እቲ ብዝወሓደን መሰረታዊ ዕታር መትከላት {set of principles}  ከመይ ዝኣመሰሉ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ።

 

ነዚ ብቐጥታ ንምምላስ ከምዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ኣለዎም፡

1.       ምልካዊ ስርዓት ... ክእለ ከምዘለዎን ኣብ ዕንኡ መሰረታዊ ለዉጢ ዝገብር ኤርትራ ዘመናዊት ሲቪላዊት ደዉላ ከምትቅየር ምእማንን ምቅላስን።

2.        ኤርትራ ብዓንድታት ሃገራዊ ዕርቅን ግዝኣተ ሕጊ ከምትቀዉም ምእማንን ምቅላስን።

3.        ልዑላዉነት መሬትን ሓድነት ህዝብን ብዘይ ገለ ዋጋ ዕዳጋ ምቅባል።

4.        ተሳትፎ ህዝብ፡ ቁጽጽር ህዝቢ ልዕሊ ኹሉ ምኻኑ ምቅባል።

5.        ከፋፋልን ዘይዕዉት መልክዓት ቃልሲ ዝዉገነሉን ዝማሓዳደረሉን ዝቕየረሉን መስርሓት ምፍጣር።

6.        ምርጫታት፡ ዉሳኔታት፡ ድንጋጌታት ብዲሞክራስያዊ ድምጽታት ከምዝሓልፍን፡ ዝሓለፈ ዉሳኔ ድማ ኩሎም ኣባላት እቲ ልፍንቲ ወይ ስሙር ግንባር  ከምዘተግብርዎ ምእማንን ምቅባልን።

7.        ፖሎቲካዊ መዝነት ብብቅዓትን ኣበርክቶን ምዕዳልን ንንእሽቶይ ወለዶ ዝማሓላለፈሉ መካኒዝም ምምድማድ።

8.        ኣዝዩ ዘይተጻራሪ ሕመረት ፖሎቲካዊ ክብርታትን እምነታትን ምዉናን፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ኣይደሎጂ ዝፋላለዩ ፖሎቲካዊ ዝንባሌታት ምትብባዕ።

9.        ዲሞክራስያዊ ማእከልነት ምኽባር፡ ማእከልነት ድማ ባህግታት መሰረታቱ ምስማዕን ጠለባቶም ከምሓሳብን ግብርን ከተርግሞ ምግባር…….. ዝኣመሰሉ እዮም።

 

ኣብ ተሞክረና ንርእዮ ዘለና ናይብሓቂ ዘይፖሎቲካዊን ዘይፈሊጣዉይን ኣባህላታትን ሕልምታትን እዮ። ገሊኦም ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ... ናጻ ትኹን ኣይትኹን ኣይንታዮምን እዩ። ገሊኦም ጥራይ እዚ ምልካዊ ስርዓት ብዝኾነ መንገዲ ይትኣለ እንበር ናይ ጽባሕስ ቐስ ኢልና ንርእዮ ዝብሉ እዮም። ገሊኦም ንኤርትራ ልዕላዊት ሃገር ከንሳ፡ ጥብቖ ናይ ኢትዮጵያ ኮይና ክትነብር ዝናጣጠፉ.. እዮም።  እቲ ፖሎቲካዊ ከም ንጥፈታቶም ሞያ መንበሪኦም  ፖሎቲካዊ ስልጣን መቖጻጸሪ ስለዝኮነ፡ ባህግታት ህዝብና ኣብ ሓድነትን ሰላምን ዘለዎ ጽምእታት፡ ብምዕዛብ ሃገራዊ ዋዕላ እንዳበሉ ይንቃሳቀሱን ኣብቲ ዝካየድ ንሳቶም ሃገራዊ ዋዕላ ድማ ተሸይሞም ህዝቢ ከም መተካእታ ስርዓት ... ቡራኼኡ ክልግሰሎም ካይደቀሱ ዝሓድሩን ብኡኡ ዝቛደሱን ቡዙሓት እዮም።

 

ናይዞም እከያት ናይ ጥንቆላን ከርበን ፖሎቲካዊ ጸናጽል ዝኾኑ ብዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ቀቢላ፡ ኣዉራጃ ኣእምርኦም ዝተቃነዩ ድማ ዉትሩ ብእኡ ክሽረጡን ከሸርጡን  ይነብሩ። ንልፍንታዊ  ወይ ስሙር ግንባራዊ ስራሓት  ንናይ ሓባር ዋላ ንምእታዉ ኣብ ኩነታትና ብፍጹም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ሕቶታት ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ ሕመረት ፖሎቲካዊ ክብርታት እተን ተላፈንቲ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት እዩ። ኣብ ሕመረት ፖሎቲካዊ ክብርታተን (Core Values) ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትዋ እንተኾይነን እሰን ይኹን እቲ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባር  ሓቀኛ ከምዘይኮነ ንምልላዩ ብቐሊሉ ይክኣል እዩ።

 

መንግስት ኣብ ስደት {government in exile}:

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 10:20 am

መንግስት ኣብ ስደት {government in exile}:

 

ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ኤርትራ፡ እዚ መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ጣቓ ፖሎቲካ ዳርጋ ካብ 1975 .. ዝዝረበሉ ዝነበረ ምኻኑ ኣቀዲመ ከዛኻኽር ይደሊ። ቅድሚ ምስ ሕሉፉን ህልዉን ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታታት ኤርትራ ምዝማደይ፡ ፖሎቲካዊ ትሕዝትኡ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ክትግበርን ክእወጅን ይኽእል ምስ ዓለምለኻዊ ተቀባሉነቱ ብምዝማድ ክገልጹ ክፍትን እየ።

 

መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ከም ፖሎቲካዊ ኣምርን ትግባሬን ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዝያት ብጻዕቂ ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ከም ፖሎቲካዊ ኣምር ሓደ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ንጉጅሉኡ ከም ሓደ ሕጋዊ ወኪል ህዝባዊ ስልጣን ሃገሩ፡ ኣብ ስደት ኮይኑ ዝጽዕደሉ እዩ። ሕሉፍ ታሪኽ ከምዝምህረና፡ መንግስት ኣብ ስደት መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ወቕት ኩናት ወራርን ጎበጣን ዝተራእየን ዝተዘዉተረን ምኻኑ እዩ።

 

መንግስት ኣብ ስደት፡ መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ብነገስታት ወይ መሳፍንት {monarchs or feudalist} ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ብካልኦት እዉን ዝጻዓድ እዩ። መሳፍንት ወይ ነገስታት ጸኒሓዊ ሕጋዉነት ዉናኔ ፖሎቲካዊ ስልጣን {traditional legitimacy} ኣሎና ስለዝብሉ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ብዉሽጣዉያን ዜጋታቶም ወይ ድማ ብናይ ግዳም ጎቦጣ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ብሕጋዊ ህዝባዊ ምርጫ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ፖሎቲካዊ ጉጂለ፡ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ወይ ናይ ግዳም ጎበጣ ዝተረከቦ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ንሓንቲ ልዕላዊት ሃገር ካልእ ናይ ግዳም ሃገር ብጎቦጣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ከተእትዋ እንኮላ፡ ዜጋታታ ኣንጻር ጎቦጣን መግዛትን ልዕላዉነት ሃገሮምን ሓራ ንምግባር ኣብ ዝናጣጠፍሉ እዋናት፡ መንግስት ኣብ ስደት ተባሂሉ ከምዝእዋጅን ከምዝናጣጠፍን ታሪኽ ብጽኑዕ የዉክኣልና።

 

እቲ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንሉ፡ ናብ መቦቆላዊ ዓዱ ተመሊሱ፡ ነቲ ነይሩኒ ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብሎ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብርን ዝናጣጠፍን እዩ።

 

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እዋን ኣስታት 11 ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስት ኣብ ስደት ዝኣወጃ ኣለዋ። ኩነታታተን ዝተፈላለየ ዝገብረን እኳ እንተኾነ፡ ኩለን ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንለን፡ ናብ መቦቆላዊ ሃገረን ተመሊሰን፡ ነቲ ነይሩና ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብልኦ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብራን ዝናጣጠፍን እየን። ዓለምለኻዊ ሕጊ ንግብራዊ ስጉምቲ ኣዋጅን ንጥፈታትን መንግስት ኣብ ስደት ክቕበሎ፡ እቲ መንግስት ኣብ ስደት ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ ከማልኦ ዝግብኦ ሮቛሒታት እኳ እንተሃለወ፡ ነዚ ሮቛሒታት ኣማሊኡ እዉን ተመሊሱ ንሃገሩ፡ እቲ ዝጠልቦ ዝነበረ ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን ከም ሕጋዊ ዉሕስነት ዝህቦ ወይ ዝቕበሎ የሎን። ስለዚ ዳግም ንመቦቖላዊ ሃገሩ ብምእታዉ ብሕጋዊ ምርጫታት ፖሎቲካዊ ስልጣን ክዓትር ኣለዎ ማለት እዩ።

 

እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ካብ ኮነ እቲ ሓቕታት ትርጉምን ተግባርን ናይ መንግስት ኣብ ስደት፡ እንታዋይ ፖሎቲካዊ ጉጅለ እዩ ሕጅ ኣብ ኤርትራ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ? እንታይ ሕጋዉነት ኣለዎ? መን እዩ ተዋጋያይን ተካኢን ፖሎቲካዊ ስልጣን ገይርዎ? ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዳማዊ መግዛቲ ድያ ትርከብ? እንታይ እዮም እቶም ጭቡጣት ዳይነሚክስ ንመንግስት ኣብ ስደት ከኣዉጁ ዝደራርኹ?…... ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም።

 

እቲ ሓቂ ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታን ክዉንነትን ኤርትራ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

  1. ኤርትራ ሓንቲ ናጻ ልዕላዊት ሃገር እያ።
  2. ናጻን ልዕላዊትን ሃገር ኮይና፡ ሓደ ሃገራዊ ምልካዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዘለዋ እያ።
  3. ብኹረት ዘቤታዊ ልዕላዉነት ቅዋምን ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና እያ።

ካብዚ ጭቡጥ ክዉንነት እዚ ብምንቃል እቲ መንግስት ኣብ ስደት ክንምስርት ኣሎና ዝባሃል ሓሳብን ዘረባታትን ንጥፈታትን ጽዉጽዋይ ምኻኑ ክገልጽ ይደሊ።

 

ድሕሪ ዙሑል ኩናት ዓለም ምዉድኡ፡ ቡዙሓት ዘይንቡራት ፖሎቲካዊ ስጉምትታትን ምዕብልናታትን ኣብ ዓለምና ክምተራእዩ ዝክሓድ ሓቂ ኣይኮነን። የግዳስ ኩሉም ካብ ዉሽጣዊ ኩዉንነትን ማሕበራዊ ጸጋታት ናይተን ዝተፈላለያ ሃገራት ስለዘይነቀሉ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ክፍትሑ ዘለዎም ተወሰኽቲ ሽግራት ኮይኖም ኣለዉ። ድሕሪ 2000 .. ጥራይ መንግስት ኣፍጋኒስታን ኣብ ጀርመን ተሰሪሑ ንዉሽጥ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ፡ መንግስት ዒራቕ ኣብ ኣመሪካ ተሰሪሑ ንዒራቕ ኣትዩ፡ መንግስት ሶማል ኣብ ኬንያ ተሰሪሑ ንሶማል ኣትዩ.. ከም ሳዕቤኑ ግን ዛጊት ተዛማዲ ቅሳነት ኣይተረኽበን። ርእሱ ዝኻኣለ ሃገራዊ መንግስት እዉን ዛጊት ኣይተራጋገጸን። ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰራዊት ናቶ፡ ኣብ ዒራቕ ብሰራዊት ኣመሪካን ኣዉስትራልያን ካልኦት ሃገራትን፡ ኣብ ሶማል ድማ ብሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ዝሕሎን ዝምራሕን ዘሎ።

 

ስለዚ ኤርትራዉያን ካብዚ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን እንርእዮ ዘሎና ሓደገኛ ተሞክሮታታት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ልዕሊ ኹሉ ግን መንግስት ኣብ ስደት ምቓምን ምእዋጅን፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ዘሎና ሽግራት፡ ንገዛ ነብሱ ክፍታሕ ዘለዎ ሽግር ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና። ንሓንሳብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሓንሳብ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ንሓንሳብ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባር፡ ንሓንሳብ ቀጽርታት፡ ንሓንሳብ ምሕዝነት፡ ንሓንሳብ ኪዳን፡ ንሓንሳብ መንግስት ኣብ ስደት…... ዝብሉ ፖሎቲካዊ ሕዋማትን {formulas} ጣቛታትን፡ በብእዋኑ እኳ ገሊኦም እንተተግበሩ ገሊኦም ድማ ንክትግበሩ ዝዝረበሎም እንተኾነ፡ ንኩሉ ጥዕም ግድፍ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ከዕዉተና ዝኽእል ፖሎቲካዊ ሕዋም ብልሓት ንዋት ቃልሲ ክንዓልብ ኣሎና።

ሕጂ ኸ ናበይ ገጽና ኢና ክንጓዓዝ ከም ሃገርን ህዝብን?

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 9:56 am

ሀ፡ መእተዊ ባህርያት ኩናት፡

 

ወትሃደራዊ ስነፍልጠት ሓደ ዓዉዲ ስነፍልጠት ብዛዕባ ወትሃደራዊ ስነኪነት፡ ስነኣእምሮን ግብራዊ ንጥፈታት….... ካልኦት ተርእዮታትት ምስ ኩናትን ዕጥቃዊ ግጭታትን ዝትኣሳሰር ኣስተምህሮ ዝህብ ዓዉዲ ስነፍልጠት እኳ እንተኾነ፡ ወትሃደራዊ ታሪኽ ከምዝገልጾ ግን ባህርያት ኩናት፡ ብወትሃደራዊ ስነፍልጠትን ወትሃደራዊ ሓይልን ተሰንዩ ብጎነጻዉን ደማዉን ምፍሳስ ዘለዎ ፖሎቲካ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጾ። (more…)

ሓባራዊ ጸገም ምህላዉ ሓይሊ ናይ ሓድነትን ስኒትን እዩ!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 9:41 am

13/02/2008 ..

 

ሓባራዊ ጸገም ምህላዉ ሓይሊ ናይ ሓድነትን ስኒትን ከንሱ፡ ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ እዩ። ኣብ ኤርትራ ቦኺሩ ዘሎ ነገር እንተሃልዩ ቡኹረት ግዝኣተ ሕጊ ጥራይ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ መሰረታዊት ቡኹረት እንዳተሳማምዔ ከንሱ፡ ገሊኡ ዝያዳ ህሱይን ቡዱሉን፡ ገሊኡ ዝያዳ ሓላዪ ህዝብን ሃገርን፡ ገሊኡ ዝያዳ ሃገራዉን ዲሞክራስያዉን፡ ገሊኡ ንማሕበሩ ከብ ኩሉ ሕልፊ ሰቡ ሙሁርን ምጥርናፍ ናይ መንእሰይን ገይሩ ዝዛረብ፡ ገሊኡ ከም መተካእታ ስርዓት ... ንነብሱን ጉጁሉኡን ዝጽዕድ ገሊኡ ከም ነባር ተቃዋማይን ተቃላሳይን ንጉጅልኡ ዝወስድ፡ ገሊኡ ከም ብሉጽን መተካእታ ዘይብሉ መደብ ፖሎቲካዊ ዕዮ፡ ምትካልዋልታን ሜላን (Strategy and Tactic).. ከምዘለዎ ኣምሲሉ ዝግዕር፡ ከንህን ክዋዳደብን ይርኤ ኣሎ።

 

እዚ ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ተርእይቶታ፡ ናይ ነገር ጥዕናን፡ ቀጻልነት ዘለዎ ማሕበራዊ ፍትሕን ምዕብልናን ከንጸፍን ከምጽእን ዝኽእል ጣቛታት ከምዘይኮነ እዉን ኩሉ ብሕልንኡን ኣእሙርኡን ዝግምግሞን ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። ቃልሲ ማለት ህልኽ ማላት ኣይኮነን፡ ቃልሲ ማለት ብጸግዕነትን ጥብቖነትን (appendix) ቲፎዝነትን ተቆሪንካ እንዳርኣኻ ዓይነስዉር እንዳሰማዕኻ ጸማም፡ ሓቂ ክትዛረብ እንዳተገብኣካ ቀለዓለም ምዝራብ ማለት ኣይኮነን። ቃልሲ ማለት ምዉንጃል፡ ምጥቃን፡ ምዑላቕ፡ ምድንጋር፡ ዘይተራጋገጹን ዘይተጨበጡን መርትዖታት ወይ ሙህዞታት መስሪትካ ንዜጋታት ምኽሳስ ወይ ምክፋእ፡ ምሕሳዉ፡.... ማለት ኣይኮነን፡ ቃልሲ ሓደ ንኩሉእንትናዊ ሂወት ሕብረተሰብን ሃገርን መሰረታዊ ንምልዋጥ እተካይዶ መሪርን ከበድት ሓርጎጽጎጻት ዘለዉዎ ማሕበራዊ ኪደትን መስርሕን እዩ።

 

ኣብ ማሕበራዊ ኪደትን መስርሕን ድማ ኩሉ ኣቶኩሮኻ ኣብ ምጭባጥ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘተኮረ ጥራይ እንተኾይኑ፡ ነቲ ማሕበራዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ ባህላዊ፡ ሓድነታዊ ሂወትን መዳያትን ናይቲ ሕብረተሰብ ዘንጊዕክ ትኸይድ ስለዞሎኻ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዘካየድካዮ ቃልሲ ንኩሉ እንትናዊ ሂወት እቲ ሃገርን ህዝብን ዝቕይርን ህዝቢ ዝረብሓሉን፡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ዉልቀሰባት ወይ ጉጂለ፡ ኣብ ላዕለዋይ ፖሎቲካዊ ስልጣን ቕርጻ ብምቕይያር፡ እቲ ዝተካየደ ቃልሲ ከምዚ ሙሉእ ሓሳብ ብዘይ መእሰሪዓንቀጽ (verb) ፈዚዙን ዘይገላጺ ኮይኑ ዝተርፍ፡ ከምኡ ኮይኑ ድማ ይተርፍ። ስለዚ እቲ ክንዳይ ግዝየን፡ ጉልበትን ሂወትን ሰብ፡ ነገራዉን ፋይናንሳዉን.... ዝወድኣ መስርሕን ኪደትን ቃልሲ ኣብ ክንዲ ንረብሓ መላእ ህዝብን ሃገርን ዝዉዕል ንዉልቀሰባትን ጉጂለታትን ይዉዕል ማለት እዩ። ዓስቢ ቃልሲ ንዉልቀሰባትን ጉጂለታትን እንተዊዒሉ ድማ ምልካዉነት ናይቶም ዉልቀሰባት ወይ ጉጂለታት ተራጋጊጹ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ምልካዉያን ኣሊኻ ካልኦት ምልካዉያን ወይ ኣርካናት ኩናት (Lords of war) ምትካእ እንታይ ዋጋን ሳዕቤኒን ክህልዎ እዩ ኣቀዲሙ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር እዩ።

 

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓሳብ እዩ ዝመርሕ። ዝተነጸረ ሓሳብን ራእይን እንተዘይብልካ ናበይ ገጽካ ክትከይድ ምኻንኻ እዉን ስለዘይትፈልጥ፡ ኣብ ደርበስበሳትን ዕንክሊልን ኢኻ ንግዜኻ ተሕልፎ። ሓደ ሓድሽ ሓሳብን ሓድሽ ራእይን ዘይብሉ ኣብ ዝተፈላለየ መስርሕ ተፈቲኑ ዝበተኸን ዝተፈግረን ልምዳዊ ኣረጊት መሪሒነት ከም ናይ ለዉጢ ሓይሊ ተወሲዱ፡ ለዉጢ ከምጻልካን ንለዉጢ ክመርሓካን ኣፍካ ከፊትካ፡ ኣእዳዉካ ኣጣሚርካ፡ ሕልናኻ ከዲዕካ.. ትጽበ እንተኼንካ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ንስኻ እዉን ናይ ታሪኽ ተሓታቲ ኢኻ። ልዕሊ ኹሉ ግን ናይ ሳዕቤናቱ ከቢድ ዋጋ፡ ደቕኻን ደቂ ደቕኻን ክኸፍልዎ ምኻኖም ክትዝንግዕ የብልካን።

መዋእሉ ኣብ ምምጻእ ሓድነት ዘበርዓነ ሕጂ ሓድነት ከምጻለይ እዩ ኢልካ ምትስፋዉ፡ መዋእሉ ኣብ ወትሃደራዉን ፖሎቲካዉን ጉዕዘታት ዝፈሸለ ሕጂ ፖሎቲካዊ ወይ ወትሃደራዊ ዓወት ከምጻለይ እዩ ኢልካ ምጽባይ፡ ኣብ ምምስራት ጡዕይ ምሕደራን ቅዋሚ ስርርዓትን ዘበርዓነ፡ ኣብ ምርግጋጽ ልዕላዉነትን ግዝኣተ ሕጊ ዝፈሸለ.. ከምዚ ሙኻኑ እንዳፈለጥካ ንሓቂ ዘይምቕባል (denial) ጥራይ እዩ።

ኣብ ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታ ኤርትራ ጥዑይ ሓሳብ ንህዝብን ሃገርን ክመርሕ ዝኽእል ኣይኮኖን ተሳኢኑ። ጥዑያት ፖሎቲከኛታት ንሃገሮምን ንህዝቦምን ከገልግሉ ዝደልዩ ኣይኮነን ተሳኢኖም፡ ምሁራትን ለባማትን ኣይኮነን ተሳኢኖም እንታይድኣ ሓደ ጽንዑ ናይ መሰረታት ምንቕስቓስ (Grass-root movement) ተበግሶ እዩ ተሳኢኑ ዘሎ። እቲ ክቃለስን ረብሓታቱ ክካላኸልን ከሰስን ዝኽእል ኣዝዩ ዝበዝሓ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ገሊኡ ኣገልጋሊ ምልካዉያን፡ ገሊኡ ኣገልጋሊ ኣርካናት ኩናት፡ ገሊኡ ላንጋላንጋ፡ ገሊኡ ኣብ ዉልቓዊ ሂወቱ ምስሳን፡ ገሊኡ ኣፉን ኢዱን ኣኪቡ ብምጽቓጥ፡ ገሊኡ ብሃይማኖት፡ ብብሔርን ኣዉራጃን ብምምቕቃል.. ከም መእሰሪ ማእዶ ዘይብሉ መኾስተር ተባታቲኑ ስለዘሎ፡ ጥዑይ ሓሳብ ይኹን ጥዑይ ፖሎቲከኛ መጽዩ ብቐሊሉ ንመንገዲ መሰረታዊ ለዉጥን መጻኢ ቡሩህ ሂወት ክመርሖ ማዕረ ክንደይ ኣሸጋሪ ምኻኑ ክልለ እኳ ዝኽእል እንተኾነ፡ እቲ ርጉጽ ተኽእሎ ዘዉትር ዘሎ እዩ።

 

ንሓያል ምብትታን ሕብረተሰብ ብሓያል ቀላሲ ሓባራዊ ጸገማትን፡ ኣድማዕን ኣዙዩ ተዓጻጻፊ ስልትን፡ ጽኑዕ ፖሎቲካዊ ራእይን ምትካል-ዋልታ ወኒንካ ኢኻ ትገጥሞ። እዘን ሰለስተ ሮቓሒታት ንምቅንጣጥ ፍርሒ ካብ ኣእምሮ ዜጋ፡ መጽያዊ ዉሕስነት ሂወት ዜጋ፡ ምሕያል ዜጋን ምህናጽ ነብሰተኣማምነት፡ ስኒትን ሓድነትን፡ ተወፋይነት፡ ድሉዉነትን ተስፋ ስለዝሃንጻ፡ ኩሎም መዳናገርትን ጉራቔናት (odds) ንሕብረተሰብ ንምድንጋር ዘለዎም መስኖታት ብልዑል ባዕላዊ ንቕሓት ሕብረተሰብ ስለዝሉከት፡ ቃልሲ ሓፋሽ ህዝብን ክዕወት ግድነታዊ እዩ። ዘይረብሕ ጉርሕታት፡ ራዕዲን ፍርሕን፡ ጸቢብ ስስዔን ኣንነትን (ego)….. ኣብ ዘብጽሓና መድረኽ ከምዘይብሉ ክንግንዘብ ኣሎና።

 

ንሓቒ ሓቂ፡ ንጌጋ ጌጋ ክንብል ዘይንበቕዕ እንተኼና፡ ንዝኸዉን ይኸዉን እዩ፡ ንዘይከዉን ኣይከዉን ወይ እምቢ ናይ ምባል ዓቕሚ እንተጸንቒቕና፡ እንዳፈለጥካ ምጽቓጥ እንተኣብዚሕና፡ ንጉዳይና ካልኦት ክሰርሑልና ንጽበን ንደልን እንተኼና፡…... ጸገም ከምዘሎና ፈሊጥና፡ ጸገማትና ክንፈትሕ እዉን ሃስዉሰዉ ክንብል ከምዞሎና ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ንኩነታትናን ኩነታት ኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ባይታታት ድሕረ ባይታ ንምቕያር ዝድለ እንተኾይኑ፡ ኣብ ንኩላህና ዝብድሃና ዘሎ ሓባራዊ ጸገማትን ብድሆታትን ከነተኩር ይግብኣና። ሓባራዊ ጸገማትና ብንጹር ድሕሪ ምልላይና፡ ንገዛእ ርእሱ እቲ ምልላይ ሓባራዊ ጸገማትና ሓይሊ ናይ ሓድነትና ክኸዉን እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ድማ ምጥርናፋት ናይ መሰረታት ምንቕስቓስ ፈጢሩ ንዓወት ከብጽሓና  እዩ።

 

 

ካብ ከልቢ ፈሪህኻ፡ ኣብ ቶኽላ ኣይዑቖብን እዩ!!!

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 9:36 am

3/6/2008 11:34:03 PM

ብዛዕባ ምልካዊ ስርዓት ... ኣልዒልካ ምዝራብ ቡዙሕ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን፡ ምክንያቲ እቲ ስርዓት ስርርዕዓዊ ዉድቀት ስለዘጋጠሞ፡ ነዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዉድቐት እዉን ክጽገን ስለዘይክኣል፡ ኣብ መስርሕ ንኡኡ ምትካእን ተካእን መሳሪሒ መተክእን ምዝታይ ይምረጽ። ምልካዊ ስርዓት ... ብዘይካ ፖሎቲካዊ ስርርዓዊ ዉድቀት፡ ከም ፖሎቲካዊ ስርዓት መሽምሹ ኣብ ምዓሙቕ ዉቕያኖስ ኣብ ዝሽመመሉ ዘሎ ወቕት፡ ነዚ ኣልዒልካ ምዝራብ ዳርጋ ንኾንቱ ግዝየኻን ዓቕምኻን ምህላኽ ብምኻኑ እዩ።

 

ሎሚ መዓልቲ ኣልዒለ ክፍትሾ ሓሲበ ዘሎኹ ዛዕባ፡ ዝምድናታት “”ተቃዉሞ ደንበ ኤርትራ”” ዝምድናታቱ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ብቕዓታቱን ህዝቢ ኤርትራ ብከመይ ይርእዮ ኣሎ ንምድህሳሱ ዘተኮረ እዩ። ኣቀዲመ ንኩሉ ነባቢ ክምሕጸኖ ዝደሊ ነገር እንተሃሊዩ፡ ምስ ዝኾነ ወገናት ኣብ ፖሎቲካዊ ኣታሓሳስባይን፡ ርእይቶታተይን ዉሳኔታተይ ክንሳማማዕ እንተዘይክኣልና፡ ከም ናጻ ሰባት ካብ ኣታሓሳስባይን ድሌተታይን ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት መጠን፡ ሰብኣዊ ክብረቶም ስብኣዊ ዉሳኔታቶም ብሕልናይ ኣይክነፍጎምን እየ። ናተይ ሰብኣዊ መሰለይን ክብረታተይን እዉን ካይንፈግ ይላቦ። ነፍስወከፍ ሰብ ንነፍስወከፍ ዝመስል እንተኾይኑ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ዝሓስቦ ሓሳብ ሓደ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዓለምና ኣህዛብ ዘይኮኑ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ዘሎ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ እንተሃልዩ ድማ ሓደ ሓሳብ ጥራይ ስለዘሎ ፖሎቲካዊ ፍልልይ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሓቂ ግን ቡዙሓት ስለዝኾና፡ ቡዙሓዊ ኣታሓሳስባታት ክህሉ ግድነታዊ እዩ። ካብ ፍርሒ ነቂለ ንፍርሕታተይ ክፈርሕ እንተሃቂነ ዳርጋ ዕሱብነትን ተምበርኻኽነትን ስለዝኾነ፡ ብትብዓት ዝራኣየንን ዝስማዓንን ዉልቓዊ ርእይቶይ ሓሳበይን ፖሎቲካዊ መርገጽየይ ክድሕድሖ እየ። ስኑ መዊጹ ክስሕቕ ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ ክስሕቕ ይኽእል እዩ። ብሙጉት ክገጥም ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ ክገጥም ይኽእል እዩ። ፈሪሑ ክሕባእ ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ እዉን ክብሎ ዝሓስቦ ሓሳባት ኣነ ይብለሉ ስለዘለኹ ተሓጊሱ ክድቕስ ይኽእል እዩ። የግዳስ ከምቲ ፕረዝደንት ጆን ኤፍ ከነዲ ዝበሎ እዩ “” ካብ ፍርሒ ነቂልና ብፍጹም ኣይንዛተ ኢና፡ ግን  ንክንዛተ ብፍጹም ክንፈርሕ የብልናን””  ስለዝኾነ፡ ክዝቲ ዝደሊ  ብትሕዝቶኣዊ፡ ተጻዋርነትን ምክብባርን ዝዓሰሎ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ይብል።

 

መእተዊ

 

ቃልሳዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዛትን፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ካብ 1973 .. ዝጀመረ እዩ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ .. ... ነይረን፡ ኣብ ሜዳ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ኢፒኣርፒ፡ ወያኔ፡ ኢሂደን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ምንቅስቃስ ዓፋርን ሶማልኦጋዴን.. ነይረን። ኣብ መስርሕ ዝካየድ ዝነበረ ቃልስታት እንዳሓየሉን ነቲ ፖሎቲካዊ ባይታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንዳዓብለሉ ዝመጹ ሓይልታት ግን ወያኔ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ... ድማ ኣብ ኤርትራ እዮም። እዞም ክልተ ሓይልታት እዚኣቶም፡ ሓየላትን ወሰንትን ናይ ፖሎቲካዊ ባይታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኖም ንክወጹ ድማ ረብሓታቶም ዘማእከለ ወትሃደራዊ፡ ስለያዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ምትካልዋልታዊ፡ ስልታዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔሃብታዊን ሎጂስቲካዊ ምትሕግጋዛት ከምዝነበረም መላእ ዓለምና ዝፈልጦ ሕሉፍ ታሪኽ እዩ።

 

ካብቲ ኣዝዩ ዓቢ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝገበርዎ፡ ብዘይካ ምስ ሰራዊት ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ 6 ወራር 1982 ..ፈን ካብ 1988-1991 ... ኣብ ዉሽጥ ኢትዮጵያ፡ ንምግጣም ዝተኻየደ ምትሕግጋዝ፡ .. ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም ወትሃደራዉን ፖሎቲካዉን ክንፊ ንምቕሃሙ፡ ኣብ 1980-1981 ... ዝተኻየደ ዝተሓላለኸ ፖሎቲካዉን ወትሃደራዊ ተርግኣዊ ስርሒት (blitzkrieg) እዩ። ኣብዚ ናይ ምቕሃምን ምቑጻይን ተርግኣዊ ስርሒትዚ፡ ካብ ተጋደልት ... ዝተሳተፍዎ፡ ናይ ወያኔ ተጋደልቲ ዝተሳተፍዎ ዉግኣት፡ ስፍሒ ወትሃደራዊ ስትራተጂካዊ ቦታታትን መጥቃዕትታት፡ ብዝሒ ዝተሳተፈ ሰራዊትን ብዝሒ ዝተኻየደ ዉግኣት ይበዝሕ ነይሩ። ነዚ ንምዉካስ ብኣቀዲሙ ተገዳላይ ወያኔ ዝነበረ ኣቶ ኣስገደ ገብረስላሴ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “’ጓህዲ””3* ትብል መጽሓፍ ተወከሱ። ሰራዊት ... ነቲ ኣብ ሓማሴን፡ ሰንሒትን ሳሕል ዝነበረ ሰራዊት .. ካብ ዝነበሮ ማዓስከራትን እስትራተጂካዊ ቦታታት እንዳነቀለን እንዳቐረመ ንባርካ ከምዝወሪድ ገይርዎ። ሰራዊት ወያኔ ድማ ኣብ ደንካልያ፡ ኣኮሎግዛይ፡ ሰራየን ጋሽን ሰቲትን ዝነበረ ሰራዊት .. ዝቕተል እንዳቐተለ ዝተረፈ እንዳሃደነ ከብኪቡ ባርካ ከምዝኣቱ ገይርዎ። ብክልቲኡ ሓይልታት ተደፊኡ ዝወረደ ሓይሊ .. ድማ ኣብ ታህዳይን ኮሮኮንን ከምዝእከብ ዝገበሩ እዮም።

 

ዋላ እኳ ከምዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ዓበይቲ ወትሃደራዊን ፖሎቲካዊ እስትራተጂካዊ ምትሕግጋዛት የካይዱ እንተነበረ፡ ዝምድናታቶም ብባህሪኡ ስልታዊ እዩ ዝነበረ። ናይ ሓባር ጸላኢ ብቅድመተኸተል ኣቀዲሙ ስርዓት እምቦሮጦርያዊ ሃይለስላሴን፡ ቀጺሉ ፋሽሽታዊ ስርዓርትደርግን ዝዓበየን ዝሓየለን ሰራዊትን ኣጽዋርን ብቕዓትን ዝነበሮ ኣብ ክፍለዓለም ጸሊም ኣፍሪቃ ስለዝነበሩ፡ ነዚ ዓርሞሾሻዊ ሓይሊ ንምድኻምን፡ ካብ ዓትዒትዎ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣሊኻ ነቲ ፖሎቲካዊ ባይታታት ንምቕያሩ፡ ብተናጸል ክገጥምዎ ስለዘይበቕዑ፡ ንዕኡ ንምድኻም ብወገን ኤርትራ ... ክገጥሞ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብደቡብ ኦሮሞ ብማእከል ኢሂደን ብሴሜን ወያኒ ክገጥምዎ ናይ ወትሃደራዉን ስትራተጅን ስልትን ብምዉህሃድ ናይ ሓባር ቃልስታት ኣካይዶም እዮም።

 

ዋላ እኳ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላእን ናይ ሓባር ስርሓት ብሓባር የካይዱ እንተነበሩ፡ ካብ ባህርያት ስልታዊ ዝምድናታቶምን ክወቕዕዎ ዝደልዩ ዕላማታትን ፖሎቲካዊ ራእይታት መሰረታዊ ፍልልያት ስለዝነበሮም፡ እቲ ዝምድናታቶም ንሓንሳብ ንዝላዓለ ጥርዚ ዝድይብን፡ ሃንደበታዊ ድማ ተመሊሱ ንታሕቲ ዘንቖልቑል ቡዙሕ ሓርጎጽጎጻት ዉረድ ደይብ ዝነበሮ ከምዝነበረ ታሪኽ ዘስመረሉን ብወገን ክልቲኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት በጨቕ ዘብልዎን ሓቂ እዩ።

ኣዮኖት “”ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ”” እዮም ሕጂ ምስቲ ኣብ 1980-1981 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ከም ወትሃደራዉን ፖሎቲካዉን ክንፊ ንከይህልዉ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምትሕብባር ብወትሃደራዊ ጎንጺኡ ዘዉጽኦም ሓይሊ ወያኔ ዝምድናታት ዘለዎም? ፡

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 9:30 am

ካብቶም ዓሰርተሰለስተ “”ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ”” ብዘይካ ሰለስተ ዉድባት ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ኤርትራን ሰልፊ ናህዳን ኣቀዲሞም ካብታ ዓባይ .. ኣብ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ጉጅለታት (political-fragments) ዝተፈናጨሉ እዮም። (more…)

ምሕዝነት ስልታዊ ደኣ’ምበር ስትራተጅያዊ ባህርያት የብሉን

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 9:21 am

 

ቃለ መሓትት ምስ ብጻይ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ (ኣፈ ባይቶ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ) 

“”ምሕዝነት ስልታዊ ደኣምበር ስትራተጅያዊ ባህርያት የብሉን ናብ ናይ ቀደም ኵነታት ክምለስ ኢልካ ምሕሳብ ድማ ሕልሚ!”” (more…)

September 16, 2008

ጠንቕን ሳዕቤናትን ቁጠባዊ ወጥርታት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ

Filed under: Economics — eritrearealclearpolitics @ 8:28 am

መእተዊ ቁጠባዊ ወጥርታት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ፡ እኩብ ድምር ናይ ዝተፈላለዩ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ሮቛሒታት እዩ። ኣብዚ እዋናት እዚ ዓለምለኻዊ ናይ ቁጠባ ኪኢላታት ከምዝሕብርዎ ኣብ 33 ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምና ዝላዓለ ምዝንባላት ናይ ቁጠባዊ ቀረባትን ጠለባትን ናህሪ ዋጋታት መግቢ፡ትሑት ዓቕምታት ኣህለኽቲ (Consumers) ክርኤ ምኻኑ ይጡቑሙ። (more…)

Interview of Mr.Merid Zeru with Voice of Eritrea’s Naz

Filed under: Media — eritrearealclearpolitics @ 8:04 am

http://www.bahtimeskerem.com/interview2.ram

May 29, 2013

Voice of Eritrea chat with Ato Merid Zeru from Holland with regards to the current issues of Eritrea.

Filed under: Interviews — eritrearealclearpolitics @ 8:15 am

Voice of Eritrea @ 881fm CKDU of  Halifax Canada.
For Sunday May 26 20013 is pleased to announce a chat with
Ato  Merid Zeru from Holland
with regards to the current issues of Eritrea.
Recorded Time 2 pm EST
8 pm Berlin Time.

http://www.youtube.com/watch?feature=player_embedded&v=F3g91wJQNkI#!

 

May 8, 2013

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተኣጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 9:17 am

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!

ሎሚ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከጽሕፍ ዘገደደኒ ትዕዝብታተይ ድሕሪ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ/ ፎርቶ ብናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ምብርዓኑ፣ ቀጺሉ ብጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተወስደን ዝዉሰድ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምሽራብ ዜጋታትን ብመንጸሩ ኣብ ህዝብና ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሚቕ ስቕታ ብምዕዛበይ እየ።

ንዓሚቕ ስቕታ ማርቲን ኔምሎር ዝተባህለ ጀርመናዊ ክገልጾ እንኮሎ ከምዚ ይብል፣-

First they came for the communists, መጀመርታ ናብ ዴሳዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a communist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ዴሳዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the socialists, ቀጺሎም ናብ ማሕበርነታዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a socialist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ማሕበርነታዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the trade unionists, ኣስዒቦም ናብ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበርተኛታት መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a trade unionist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ማሕበርተኛ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the Jews, ቀጺሎም ናብ ይሁዳዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a Jew. ከምኡዉን ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ኣይህዳዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the Catholics, ካብኡ ናብ ካቶሊካዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a Catholic. ሽዑ እዉን ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ካቶሊካዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for me, ኣብ መጨረስታ ናባይ መጺኦምኒ፣
and there was no one left to speak for me ዝተረፈ ሓደ ሰብ ስለዝይነበረ ፣ ዝዛረበለይ ስኣንኩ።

Martin Niemöller

ብሓፈሻ ኣብ ካልኣይ-ኪናት ዓለም ፣ ብፍላይ ድማ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣዶልፍ ሂትለር ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣብ ሃገር ጀርመን ጭቢጡ ንህዝቢ ጀርመን፣ ህዝቢ ኣይህዱን ህዝቢ ኤዉሮጳን ኣብ ዘህልቀሉ ዝነበረ እዋናት፣ ትዕዝብቱ ኣብቲ ዝነበረ ኩነታት ንምግላጽ ዝሃቦ መግለጺ እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ስቕታ ማዕረ ክንደይ ኣህዛብ ከተህልቕ ከምትኽእልን፣ ሰብ ክብደል እንኮሎ እንተድኣ ኣጽቂጥካ፣ ከም ኣታዓድላ ዋንጫ ናባኻ ክበጽሓካ ምኻኑን፣ ሽዑ ድማ ዓገብ ኢሉ ዝዛረበልካ ሰብ ከምዘይርከብ ንምጡቋም ዝሓለነት መግለጺ እያ። ስቕታ ኣዝዩ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም እዩ። ንስቕታ ከም ልቦና ገይሮም ዝገልጽዋ ሰባት ክርከቡ ከምዝኽእሉ ዘጣራጥር ኣይኮነን፣ የግዳስ ስቕታ ክስበርን ክትርባዕ ዘለዎ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም እዩ። እዚ ኩሉ ግፍዕን ሓሰረ መከራ ወሪድና ዘሎ ኤርትራዉያን ካብ ስቕታና ዝነቀለ እዩ። ክሳብ ስቕ ክንብል ዝመረጽና ድማ ብእብረ ክንዳሃኽ ምኻና ፍሉጥ እዩ።

21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ/ ፎርቶ ብናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ምስተጋህደ፣ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሒቕታ ጎሲዖም እዮም። እቲ ጉሳዕ ድማ “እስላማዊ ምትእኽኻብን እስላማዊ ስጉምቲ ምኻኑ እዩ”። እዚ ሒቕታ እዚ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ንኹሉ ዜጋ ኣብ ደዉታ ምፍጣጥ ኣእትዩ ከምዝነበረን፣ ብቅጽበት ህዝቢ እዉን ከምዝነጸጎ ዝራጋገጽ ሓቂ እዩ። ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ከምዘይተዋጽኦም ኣብ ዝገምገምሉ እዋናት፣ ዘረብኦም ኣዲቦም ኣብ ምእሳር  ኣትዮም። መብዛሕትኦም ዝተኣስሩ ላዕለዎት ወትሃደራዊን ሲቪላዉን ሰብ መዝታት ድማ ምእመናን እስልምና ከምዝኾኑ ዘካትዕ ሕቶ ኣይኮነን።  ዝነበሮም ጽፍሕታት፣ ዝነበሮም ኣራኣእያን ተራን፣ ኣቀዲሞም ዝተዛረብዎን ዝበደልዎ….ወ.ዘ.ተ ብዘየገድስ፣ ክሳብ ናጻ ቤት ፍርዲ ንመእሰሪ ጉዳዮም መርሚሩ ገበነኛታት ወይ ንጹሃት ዘይበሎም፣ እዞም ምስ ናይ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ናይ ሕልናን ፖሎቲካን እሱራት እዮም። ኩሎም ናይ ሕልናን ፖሎቲካ እሱራት ድማ ብዘይዉዓል ሕደር ክፍትሑ ከምዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ክጠልብን ስቕትኡ ክሰብር ይግባእ።

ድሕሪ ኤርትራ ካብ እምባሮጦራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ምዉጽኣ፣ ብጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ፣-

1.      ኣመንቲ ዮሆባ ተባሂሎም ሰብኣዊ መሰሎምን፣ መሰልዜግነቶም ክጋሃስ እንኮሎ ኣጽቒጥና፣

2.     መማህራን ናይ ቛንቛ ዓረብ ብዕስለ ተሃዲኖም ክሽረቡ እንኮሎዉ ኣጽቒጥና፣

3.     ስንኩላን ኣብ ማይሓባር ክቕተሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

4.     ኣስታት 48000 ተጋደልቲ ብዘይ ገለ ጻማን መደባትን ክጽልጸሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

5.     ኣስታት 5000 ሰራሕተኛታ መንግስት ዝነበሩ ካብኦም 32 መምህራን ዩኒቬርሲቲ ኣስመራ ክጽልጸሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

6.     ኣመንቲ ጰንጠ ቆስተ ተሓዱሶን ተባሂሎም ዜሃታት ኣብ ኮንተይነራት ክሙቁሑ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

7.     11 ላዕለዎት ኣባላት ባይቶን ጋዜጠኛታት ክእሰሩ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

8.     ባይቶ መንግስት ኤርትራ ክድስክእል እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

9.     ዜጋ ከም ጨዉን በርበረ ክሽየጥ ክልወጥ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

10.    ዜጋ ብጥይት ክቁለብ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

11.     ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ኩለን ጎሮባብቲ ሃገራት ኣብ መጋርያ-ኪናት ክጠብሰና እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

12.    ጳጳስና፣ ካህናትና፣ ሸኻትና ክእሰሩ ብኣስገዳድ ተገፊፎም ንሳዋ ክወርዱ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

13.    ኣረጋዉያን፣ ማእከላይ ዕድሜ፣ መንእሰያትን ህጻናትን ብኣማኢት ኣሽሓት ክስደዱ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

14.    ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ክእሰሩን ክስወሩን እንከለዉ ኣጽቒጥና፣ ….ወ.ዘ.ተ

ሕጂ ድማ ኣስላም ዶ ክሪስትያን ዝብል ምህዞ መጺና። ሓደ ሃይማኖት፣ ሓደ ኤትኒክ-ጉጂለ፣ ሓደ ዜጋ…ወ.ዘ.ተ ክብደል እንኮሎ፣ ዓገብ ዘይንብል እንተ ኼና ከም ሃገርን ህዝብ ክንቕጽል ኣይኮናን። ምኽንያቱ ከም ኣታዓድላ ዋንጫ ናብ ኩላህና ብእብረ ክበጽሓና ስለዝኾነ፣ ከም ሕብረተሰብ ባዲምና ክንተርፍ ኢና። ስለዚ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ንኩሎም ኣቀዲሞም ድሒሮም  ዝተኣስሩ ናይ ሕልናን ፖሎቲካን እሱራት ብዘይ ገለ ቅድመኩነት ክፈትሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጸቕጢ ክገብር ይጽዉዕ ኣሎኹ።

እዞም ሕጂ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ንሙሉእ ዕድሚኦም ከም ሃገራዉያን፣ ዕልመናዊ ፖሎቲካዊ እምነት ዝነበሮሙን፣ ንዕልመናዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተቓለሱ እዩም። ከምኡ ስለዝነበሩ ድማ ኣብ ዝላዓለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ስርርዕ ህ.ግ.ደ.ፍ ተመዲቦም ክነጥፉ ጸኒሖም። ሕጂ ብሃንደበት ኣብ እስላማዊ ሃገራዉነት ክኣምኑን፣ ነዚ ስነሓሳብ ከዕዉቱ ክጥርነፉን ክነጥፉን ኣይክእሉን እዮም። ብምንም ተኣምር ኣብ ሓደ ካልኢት ዝቅየር ፖሎቲካዊ እምነት ድማ የሎን ብሕጂ እዉን ኣይክህሉን እዩ።

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ከምኣመሉ ብቲሒም-ቲሕም ብዛዕባ እዞም ምስ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፣ ዝነዝሖ ዘሎ ወሬታት ሰሚዔዮ ኣሎኹ፣ ካብ ባሃሊኡ ደጋሚኡ ስለዝኾነ ግን ንጊዚኡ ትም መሪጸ ኣሎኹ። ማዓንጣ፣ ፖሎቲካዊ መትከላትን ሓቂ እንተሃሊዎም ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃየ ንህዝቢ ኤርትራ መግለጺ ይሃብሉን፣ ንቅዩዳት ድማ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ጠበቅኦም ሒዞም ነብሰም ዝካለኸልሉ ባይታ ይፍጠር። ክፈጥር ዘኽእል ቅርጻ፣ ፖሎቲካዊ ትሕዝቶ፣ ፖሎቲካዊ መትከል….ወ.ዘ.ተ ስለዘይብሉ ግን ፈጺሙ ክገብሮ ኣይኮነን።

ብሕቡኡ ይኹን ብቕሉዕ ኣብ ዉሽጥ ደምበ ተቓዉሞ ይኹን ኣብ ደንበ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ንገሌና እናንኣደ፣ ንዝተረፍና እንዳካፈኤ ዘዋስን፣ ዘካፍእ፣ዝንጽልን ዘጸልምን ሃይሞኖታዉን ኤትኒካዊን ሓዘል ናይ ታሪኽን ተረኽቦን ጠመተን ኣራኣእያ ዓይነታዊ ኣብነት ኣብ ምፍሓቕ ማሕበራዊ ክብርታትናን፣ ምድኻም ሲቪካዊት ሃገር ኤርትራ ዘናጻጸረ ፍጻሜን ተግባርን እዩ።

ኤርትራ ከምሓንቲ ጽንዕቲ ሲቪካዊት ሃገር ዘብላ ኤትኒካዊ-ጉጂለ፣ ሃይሞኖታዊን ሰብኣዊ ምክብባርን ምጽዉዋር ክብርታት ዝዉንን ሕብረተሰብን ሃገር ብምኻና እዩ። ነዚ ንመዋእላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝወነኖ ማሕበራዊ ክብርታትን ፍሉይ ሕላገታት (መለለይ) ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ክፈግርዎን ክሰብሩዎ ካብዝነቕሉ ክልተ ወሎዶ መመላእታ ወሲዱ ኣሎ። እዚ ማሕበራዊ ክብርታት እዚ እንተተፈጊሩ፣ ኤርትራ ናይ ዝኣሳስራ ዝይብላ እኽብካብ ጂኦግራፊካዊ ቀጽሪ እያ። ሲቪክ ኤርትራን ኤርትራዉነትን ካብ እኩብ ድምር ናይ እስላምን ክርስትያን ንላዕሊ ብማሕበራዊ ክብርታቱ ዝልለ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ንማሕበራዊ ክብርታትና መታን ክንሕሉ ስቕታና ክስበር ኣለዎ። ኣንካይዶ ብዕስለ፣ ሓደ ዉልቀ-ዜጋ ክብደል እዉን እንተሪኢና ዓገብ ክንብል እንተዘይክኢልና ዝለመስና ሕብረተሰብ ኢና።

መዛዘሚ ፣ ሃይለ፣ ተስፋጋብር፣ ቦኽረጼን….ወ.ዘ.ተ ተኣኻኺቦም ለዉጢ ከምጹ ስለዝሃቀኑ መስቀላዊ ጥርኑፉነት ዘብሎም ምኽንያት የሎን። ዓብደላ፣ ሙስጦፋ፣ ሳልሕ…ወ.ዘ.ተ ተኣኻኺቦም ለዉጢ ከምጹ ስለዝሃቀኑ እስላማዊ ጥርኑፉነት ዘብሎም ምኽንያት የሎን። ሓደ ምንቅስቓስ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዳይነሚክስን፣ ዝተሰከሞ ወይ ከዕዉቶ ዘሓሰበ ዕላማታት ዝግለጽን ዝልለን እዩ። ከተግብርዎ ድዮም ካየተግብርዎ ብዘየገድስ፣ ጠለቦም ነቲ ኣብ ኤርትራ ቦኺሩ ዘሎ ግዝኣተ-ሕጊ ንምርግጋጽ ስለዘንሃዩ፣ ብኡኡ ጥራይ ክግለጹን ክልለዩን ዝግባእ። ስለዚህዝቢ ኤርትራ ብሓባር “ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ  ኣይክተርፍን’ዩ!” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል፣ ኣንጻር ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍን ተግባራቱን ደዉ ክብል ይጽዉዕ ኣሎኹ።

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!!!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

8/5/2013

 

 

 

May 6, 2013

ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 6:21 am

ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ

ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ፖሎቲካዊ ስርርዕ፣ ከም ኣካላዊ ፖሎቲካዊ ዉደባ፣ ከም ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት ኣብ ዉሽጥ ስነ-ኣእሙራዊ ማሕበራዊ ኣቛዉማን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኝነት ዝተጸፍየ  ብቀሊሉ ክትድህስሶ ዘይክኣል ቀንዲ ምንጪ ማሕበራዊ ሕማም ዝኾነ ሂወታዊ-ግዛዕ እዩ። እዚ ሓደገኛ ጃንዳ’ዚ ጥንሰ-ሓሳቡ ማካቬላዊ ፣ ሕቡሩ ሕብረ-ነፋሒቶ፣ ተግባራቱ ተግባራት ሰይጣን፣ ሃገራዉነቱ ካብ ነብሰ-ሕንከትን ነብሰ-መንነትን ዝነቕል ሕሉፍ ሃገራዉነት እዩ። ንሙኻኑ ሕሉፍ ሃገራዉነት እንታይ ማለት እዩ? ሕሉፍ ሃገራዉነት ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ?

ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ በዞም ዝስዕቡ ሕላገት-መለለይታት ይፍለጥ፣-

1.              ኣብ መብዛሕቲኡ፣ፖለቲካዊ ቅቡልነት ደውላ ብሰውራዊ ቅቡልነት ይብገስ።

2.             ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ ሃገር ናይ እቶም ነታ ደውላ ዝሕለቑን ዘሐየሉን ጥራሕ ትኸውን።

3.             ህላዌ ህዝባ ከኣ ነታ ደውላዊት ሃገር ንምግልጋል ይኸውን።

4.             “ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጢ ደውላ” “ካብ ደውላ ወጻኢ ምንም ኣካል ኣይህሉን”።

5.             “ንደውላ ዝቃወም ዝብሃል ብምንም ተኣምር ኣይፍቀድን” ብዝብሉ መለለይታት ይፍለጥ።

6.             ንሕብረተሰብኣዊ ርኽክብ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብመልክዕ ሰንሰለታዊ ጽምዳዊ ኣራእያ ምትፍናንን ይሰርዖ።

7.             ዘገልገልካ ኣገልግል፣ ዝገበርካ ግበር ባህርያትካን ኣታሓሳስባኻ ካብ ጉጂለ መራሕቲ እታ ደዉላ ፍንትት እንተድኣ ኢልካ፣ ብባህርያት ብቅጽበት መንነትካ ምምንዛዕ፣  ኣባል ኣብ ናይ “ዘይቡሉጽ” ዝብልዎ ይሰርዑኻ፣ ቀጺሎም ንሂወትካን ሂወት ስድራቤትካ ይሃድኑኻ፣ ጸለመታት ብምክያድ ማሕበራዊ ተነጽሎ ክግጥመካ…ወ.ዘ.ተ ብምንጣፍ ዝልለ እዩ።

8.             እቲ ቀንዲ “ሃገር ብኹሉ ዜጋ ትህነጽን ትምዕብል ዝብል ፖሎቲካዊ ፍልስፍና” ስሒቱ፣ ብዘይተማልኤ ጠመተ ንገዛእ ርእሱ ከም ቀንዲ ሓላይን መራሒ ሃገር ወሲዱ ከም ቀንዲ ወኪል ሃገር ኮይኑ ብምንጣፍ ዝልለ እዩ። ስለዚ ሕሉፍ ሃገርነት ኣዝዩ ሓደገኛ ንፋሽሽትነት ዝምዕብል ፖሎቲካዊ ስነ-ሓሳብ እዩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ ኣብ ሓደገኛ ቃራና መገዲ ተሳጢሑ ዘሎ። እዚ ተረኽቦ እዚ ሩጉጽ ኣብ ባይታ እንዳሃለወ ከንሱ ጌና ንጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝድግፍዎ ዜጋታ ኣለዉ። እወ ኣለዉ ክሳብ ግብኣቴ ሬሳኡ ድማ ይውሓዱ ይብዝሑ ደገፍት ክህልዉዎ እዮም። እቲ ምንታይስ፣ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኣባታዊ ማሕበረ-ምጣኔሃብታዊ ኣቃዉማን ኣታሓሳስባ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለዝነብር፣ ወትሩ ንሱ ዘንህየሉን ዝሕባኣሉን ጎዳጉድ ማሕበራዊ ድኽመታት ሕብረተሰብና እዩ።  ክሳብ እዚ ድኽመታት እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ህልዉ ዝኾነ ድማ፣ ብቀጥታ ዶ ብተዛዋዋሪ ደገፍት ክህልዉዎ ግድነታዊ እዩ።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ቃልሲ ንሕብረተሰብና ካብ ዉልቀ-ዜጋ ጀሚርካ እኹል ሓቤሬታ ብምስናቕ ዉልቃዊ-ሓርነቱን ናጽነቱን ከምዘራጋግጽ ምግባሩ እዩ። ዉልቃዊ-ሓርነቱን ናጽነቱ ዘራጋገጸ ዜጋ ካብ ሞቑሕ  ኣባታዊ ኣእሙሮ ስለዝናግፎ፣ ከም በደልኡዘመናዊ ኣእሙሮ ስለዝዉንን ንዘመናዉነት ክቃለስ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ወዲሰብን ታሪኽ ፖሎቲካ ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ሓደገኛ ዝገብሮ ካብ ናይመንነት ቅልዉላዉ ናይቶም ተኸተልቱን መራሕቱ ስለዝነቕል እዩ። ነብሰ-ሕንከታትን ናይ መንነት ቅልዉላዉ ኣብ ዘጋጥሞም እዋናት፣ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ክፈጥሩ ስለዝህቕኑ ካይተፈለጦም ብቅጽበት ናብ ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት ስነሓስብ ብምእታዉ ሃገርን ህዝብን የፍልሱ ።  ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ብኣካልን ብኣታሓሳስባ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ጊልያ ናቱ ክኸዉን እዩ ዝጽዕትን ዝጽዕድ፣ ንኣታሓሳስባ ህ.ግ.ደ.ፍ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ዘሰስን ኣታሓሳስባ፣ ተግባር፣ ምስ ዘዘዉተር ድማ፣ ጊልያ ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።

 

ወድሓንኩም!!!

መርእድ ዘርኡ

3/5/2013

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝልየሉ ግብራዊ-መሰረታዊ ሜላታት፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን መንበሪ፣

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 6:19 am

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝልየሉ ግብራዊ-መሰረታዊ ሜላታት፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን መንበሪ፣

ቀዳማይ ጎነጽ እዩ፣-

1.      ፖሎቲካዊ ጎነጽ የካይዱ ከፋራሩሑኻ።

2.     ኣካላዊ ጎነጽ የካይዱ ከርዕድኻ።

3.     ስነ-ኣእሙራዊ ኪናት የካይዱ ከንበርኹኻ። እዚ ስለስተ ዓይነት ጎነጽ ተጠቂሞም እንተድኣ ዘይተዓወቱልካ ናብ ካልኣይ ገጽ ይሳጋገሩ።

ካልኣይ ናይ ኣሉታ ወሬ ኪናት እዩ፣-

1.      ብኽድዓትን ጥልመት ሃገር ይኸሱኻ።

2.     ዘይመንነትካን ተግባራትካ ይጥቁኑኻ።

3.     ማሕበራዉን ሰብኣዉን ተነጽሎ መታን ከጋጥመካ፣ ንኣብ ከባቢኻን ቀረብትኻን ብስምካ ምጥፋእ ይስሕሩ።

4.     ከም ሰብ ዋጋ ከምዘይብልካ ከምስሉ ዘይተባህለን ዘይነበረን ወሬ ይብትኑ።

5.     ምስ ቤተሰብካ፣ ሓዳርካ፣ ዉላድካ፣ ኣዕሩኽቱኻ ክበታቱኑኻ ይጽዕሩ። እዚ 5 ዓይነት ጸለመን ጠቀነን ተጠቂሞም እንተድኣ ዘይተዓወቱልካ ናብ ሳልሳይን ናይ መጨረስታ ገጽ ይሳጋገሩ።

ሳልሳይ ምሕራም፣ ምቅንጻል፣ ምሽራብ፣ ምንጻልን ምሙቛሕ እዩ፣-

1.      ይንጽሉኻ፣ የደስኩልኻ፣ ይጽልጹልኻ፣ ይሸርቡኻ፣ ይኣስሩኻ ወይ ድማ ይቅንጹሉኻ።

2.     ኤርትራዊ መንነትካ ይምንዝዑኻ፣ ሬሳኻ ኣብ መሬት ዓደቦኻ ካይ ቕበር ይገብሩ፣ ዓድኻ ከምዘይትኣቱን ትወጽእ ይገብሩኻ።

3.     ንገዛ ነብሶም ከም ጥቕዉ ዝኾነ ኤርትራዊ ትዉልዲ ከምዘለዎም ኣምሲሎም፣ ብትዉልዲኻ ወይ ብወገን ኣቦ/ኣደ ስግር-መረብ ወይ ስግር ቀይሕ-ባሕሪ ይቡቑጽኻ።

4.     ዕሱብ ናይ ወያኔ፣ ማእከላይ ስለላ ኣሜሪካ፣ ወይ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዘይመንግስታዊ ትካላት…ወ.ዘ.ተ ብምባል ሓንሳብ ንሓዋሩ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ ንምጥፋእ ከምተዓጠካ ኣምሲሎም ምስልኻ ክድዉንኻ ይፍትኑ። እዚ ሜላታት እዚ ካብ ጊሓቱ ካብ ንቃልሲ ዝተጸንበሩሉ እዋናትት ዝስራሓሉ ዝነበሩ ሕጂ እዉን እንተኾነ ዝስራሓሉ ዘሎ እዩ።

5.     ኣቀዲሞም የጸልሙኻ፣ በቲ ንሳቶም ዘጸሎሙኻ ተገዚኻን ተሸምሪርካ ትኸይድ ምኻንኻ እንተተገንዚቦም፣ ካብ ዝነበረካ ሓላፍነት ክብ ዝበለ ሓላፍነትን ስራሕ ሂቦም ይምዱቡኻ፣ ግዳይ ናይ ኢሰብኣዊ ሜላታቶም ኬንካ ከም ሓደ ጊልያ ትነብር፣ ከተሕጉሶም ድማ ዘይግቡር ትገብር፣ ዘይቡሁል ትብል።

በዚ ሰለስተ ገጻት መጥቕዓቲ እንተዘይተዓዊተሙልካ፣ ዓቕሚ ተቀባልነቶምን ጽልዋኻን፣ዘለኻዮ ቦታን ጊዜን ስለዝድሩቶም እንበር ሂወትካ ክወስዱ እዉን ድሕር ዝብሉ ኣይኮኑን። ሙቹኡ ቦታን ጊዝየን እንተረኺቦም ብቛጻ ይቁንጹሉኻ።ነዚ ኹሉ ዘካየዱልካ መጥቃዕትታት እንተስዒርካዮም፣ ከምዚ ዝጠልቀየ ጅርባ ለዘዝ ለዘዝ ድሕሪ ምባሎም፣ ፍላን ጊዜ ቦታን ኣይሓለወን እንበር ዘረቡኡ ወይ ተግባራቱ ቁኑዕ ነይሩ ይብሉ። ንብዓት ሓርገጽ ክነብዑ ዝጸንሑ ቶኻሉ እንታይ ቁኑዕ ኣፍሊጥዎም? ቁኑዕ ስለዝፈለጡ ዘይኮኑስ ምስ ስዓርካዮም ክጡቡሩኻ እዮም ዝፍቱኑ።

ስለምንታይ እዮም ከምዚ ዓይነት ሃሳይ ሜላታት ዝጥቀሙ?

1.      ሽዉሃት ጽልኦሙን ቂሞም ኣዝዩ ዓሚቕን ሪሒብን እዩ።

2.     ሽዉሃት ስስዔ ስልጣኖም ደረት-ኣልቦ እዩ።

3.     ወዲሰብ ምስ ምፍጣሩን ዝዓበየሉ ከባቢን ዝሕዞ ዉልቛዊ ጸባያት ኣሎዎ፣ ነዚ ካብተፈጥሮኻን ከባቢኻን ዘጥረኻዮ ፍሉይ ጸባያት መግለጺ መንነትካ ዝኾነ፣ ብዘይ ገለ ንሕስያ ደርዒሞም፣ በቲ ንሳቶም ዝደለዩኻ ማሕበራዊ ህንደሳ ፈንጢሕካ-ስራሕ ክሰርሑኻ ስለዝዉሱኑ እዩ። ኣብዚ ኣብ ሞንጎ እቲ ኣቀዲሙ ዝጸንሓ ጸባያትካን መንነትካን፣ ብንሳቶም ዝደልይዎ ክሰርሑኻ ዝፍቱኑ ዘለዉ ፍሉይ ጸባያትን መንነት ግርጭታት ይጋሃድ እሞ ድሕሪኡ ከምሰብ በቲ ዝሓሰብዎ እንተዘይርዒምካ ንጥፍኣትካ ወይ ድማ ንትንሳኤኻ ይኸዉን።

4.     ሃገርን ህዝብ ኣይንታዮም እዩ።

5.     ዘለዎም ሰብኣዊ ጽዓቶም ኣብ ኣሉታን ሰይጣናዊ መንፈስ ዝተሓዝኤ እዩ።

6.     ሰብ ብሰላምን ራህዋ ክነብር እንተ ሪኦም ዓቕሎም ኽርጥ ስለዝብሎም፣ ንሰላም ብዕግርግር ክትክኡ ዝህቕኑ ሓሳዳት ፉጡራት ብሙኻኖም እዮም።

7.     ናይ መንነት ቅልዉላዉን  ነብሰ-ሕንከታት ስለዘለዎም እዮም።

 

ወድሓንኩም!!!

መርእድ ዘርኡ

5/5/2013

 

 

 

April 23, 2013

ECDM DIALOGUE’S PAPERS FOR OUR COMMON STRATEGY AND FUTURE

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 7:39 am

ECDM DIALOGUE’S PAPERS FOR OUR COMMON STRATEGY AND FUTURE (more…)

April 15, 2013

ተራ መንእሰይ ኣብ ህልዊ ማሕበራዊ ሰዉራ ኤርትራ ብዝምልከት፣-

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 8:55 am

 

ተራ መንእሰይ ኣብ ህልዊ ማሕበራዊ ሰዉራ ኤርትራ ብዝምልከት፣-

 

መፍለጢ መንእሰይነት ብቁጽሪ-ዕድመ ጥራይ ምስ ዝውሰድ ካብ ዓቕመ ኣዳም/ሄዋን ክሳብ ምፍጣር ስድራቤትነት ዘሎ ግዜ ይዉሰን። እዚ ድሩት-ጊዜ መንእሰይነት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኹን ዓለም ካብ 18 ክሳብ 30 ዘሎ ዕድመ  ምኻኑ ዓለምለኻዊ መዕቐኒ እዩ። ብቁጽሪ ዕድሜ ኣየናይ ዕድሜ መንእሰይ ምኻኑ ካብ ተራዳዳእና፣-

 

ቀዳማይ፣ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ኤርትራ ማሕበራዊ ክብርታቱ፣ ባህልታቱ፣ ሃገርነታዊ መንነቱ ገብረ-ገብነቱን ስነምግባሩ፣ ብፍላይ ድማ መንእሰይ በቲ “ፈንጢሕካ ሓድሽ ስራሕ ዝብል ማሕበራዊ ህንደሳ (social engineering) ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተፈግረን ዝተበከለን እዩ። እዚ ኣዕናዊ ማሕበራዊ ህንደሳ ዝሓድጎ ሓድግታት ኣሎ፣ ንሱ ድማ ጽልዉኡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ኣስሪጹ ልክዕ ከም ሓደ ሕማቕ ኣብነት (model) ልክዕ ባህርያትን ጠባያትን ናይቲ ማሃንድስ ዝቅለቡ፣ ንኡኡ ክመስሉ ዝወሰኑ ንኡሳን ጋኒናት ተምሳል ናይቲ ዓቢ ጋኒን ዝፍጠሩ ምኻኖም እዩ። መረዳእታ ኣንካይዶ ኣብቲ መንእሰይ ወለዶ፣ ኣብቲ ኣረጊት ወለዶ እዉን ቅዳሕ ናይ ኢሰያስ ክኾኑ ዝህቕኑ ኣብ ኣዛራርብኦም፣ ኣብ ኣታሓሳስብኦም፣ ኣብ ኣካዳድንኦም ኣዝዮም ቡዙሓት እዮም። ስግር እዚ “ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና” እንዳበለ ዝጭርሕ ናይዚ ኣዕናዊ ማሕበራዊ ህንደሳ ሙሩኽ-ሓይሊ እዉን ዘሎ እዩ። ስለዚ ግዳይ ናይዚ ሓደገኛ ማሕበራዊ ህንደሳ ከም ዘለዉ ምግንዛብ ከድልየና እዩ። ብሓፈሻ ንመንእሰይ ሞተር ሕብረተስብ፣ ለዉጢ ዝቕበል፣ ኣካላዊ ብቕዓት ዘለዎ…ወ.ዘተ ኢልና እኳ ነለልዮ እንተኾና፣ ብፍላይ ኣብ ዉሽጥ መንእስያት እዉን በቲ ኣብ ሕብረተሰቦም ዝጋሃድ ኣሉታዊ ዝንባሌታት ዝተለኽፉን ዝልከፉን የለዉን ማለት ኣይኮነን። እዞም ሕጂ ንመንግስት ኤርትራ ይኹን ተቃዉሞ ዝመርሑ ዘለዉ ቅድሚ 40 ዓመታት ነቲ ሰዉራ ክስለፍዎ እንኮሎዉ፣ ካብ ደቂ 19-27 ዓመታት ዝዕድሜኦም እዮም ዝነበሩ። ቀደም ሶጎምቲ፣ ሕጂ ኣድሓርሓርቲ ኮይኖም ማለት ኣይኮነን። ኣብ ባህርያቶም ዘይነበረ ሓድሽ ባህርያት ኣብ እርጋኖም ክጥርዩ ዝክኣል ኣይኮነን።

 

ካልኣይ፣ብሓፈሻ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትር፣ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ፣ብናይ ኪናት-ስንብራት (war trauma) ከም ሳዕቤኑ ኣብ ዝተፈላለየ ስነ-ኣእሙራዊ ጸገማት ዝኣተወ ከምዘሎ ምስትብሃል ከድሊየና እዩ።

 

ሳልሳይ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንመንእሰያት ከምዘይሓልፍ መንፈሳዊን ኣካላዉን ሃስያታት ስለ ዘዉረደሎም ናቱ ኣሉታ ሓድግታት ከምዘለዎ ክንፈልጥ ይግባእ።

 

ራብዓይ፣ ሃገር ሓዲጎም ስግር-ዶብ ክሰግሩ እንኮሎዉ ዘጋጠሞም ኢሰብኣዊ መንፈሳዊን ኣካላዊ ምጉስቓልን ባህደላን (abuse) ኣሎ።

 

ሓሙሻይ፣ ከም ዉጽኢት ናይቲ ኣርባዕተ ኣቀዲሙ ዝተጣሕመሰ ፍጻሜታት ሓያል ስነኣእሙራዊን ብድሆታት እንዳሃለወ ከንሱ፣ ብተወሳኺ ካብ ሃገሮምን ስድራቤቶም ምስተፈልዩ ናፍቆት፣ ተነጽሎ፣ ሻቅሎት፣ ራዕዲ፣ ነብሰ-ምትሓት፣ ሕርቃን፣ ኩቱር ጽልኢ፣ሓዲሽ ሂወት ምጅማርን ብክልተ እግርኻ ደው ክትብል ምቅላስ፣ ስድራኻ ነብስኻን ክትሕግዝ ምህቃን…ወ.ዘ.ተ እዉን ኣሎ።

ኣብዚ ዘለናሉ እዋናት ኩሉ ወሎዶታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ እኳ እንተሃለወ፣ ብፍላይ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀንዲ ብቀሊሉ-ተጠቓዒ ዕላማ (soft target) ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይኑ ከምዘሎ ቡዙሕ ዘታሓታትን ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ካብ ወዱ/ጓሉ ካብ 1 ዓመት ክሳብ 42 ዓመት ዝዕድሚኡ 73% ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝግምገም ብተዛማዲ መንእሰይ ኮይኑ፣ ብዉሽጢ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብደገ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ክሃድንዎን ንማዓልኦም ከዉዕልዎ ዘይፈንቀልዎ ጎቦ ዘይፋሓርዎ ጉዳጉድ የሎን።

ኣብ-ኮንቱ መዓላታት መታን ከዉዕልዎ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ቡዙሓን ተጠቂሞም፣ ኣብ ክንዲ ቁኑዑን ሃናጽን ፍልጠትን ተሞክሮ ዘቕስምዎ፣ ብዘንባዕ ዝኾነ ጎስጋሳት ብምልካፍ፣ ልዕሊ ህሉዉ ዓቕሙን ልዕሊ ትጽቢቱን ስለዘንበድበድዎ፣ ዋላካ ክልዓል እንተጀመረ፣ ኣንፈቱ ግን ኣብ ነዉጺ እዩ ዝርከብ ዘሎ።

Ø  ንሓንሳብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ መንእሰያት ማሕበር ክምስርት እየ ይብል፣ ብዝተፋላለየን ተመስሳሊ ኣስማት የቕዉምን ይእዉጅ።

Ø  ንሓንሳብ ኤርትራዊ ጉዳይ ብኣና ጥራይ ብኤርትራዉያን ክፍታሕ ስለዘለዎ፣ብዉሽጣዊ ዓቕምታትና ክብገስን ክቅጽል ኣለዎ ይብል። ንመረዳእታ ኣብኮንፈረንስ  መንእሰያት ዋሽንግተንዲሲካብዝነበር ንዕላማታቶምን ድርኺታቶምን ዘናጻጸረ-መደረክጥቀስእንተኮይነ፣-

/ናይፖለቲካእሱራትክፍትሑ

/ ወፍሪዋርሳይይከኣሎደውክብል፡

/ ህግደፍምእላይን

/ ብሰላማዊመንገዲህዝብዊመንግስቲምቛም።

ዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ነጥብታት ንምትግባር ከኣ፡-

/ ብምጣኔ-ሃብታዊመዳይነቲስርዓትካብዓለምለካውያንማሕበራትዝልገሰሉሓገዛትንእቲ 2% ካብኤርትራውያንዝምንጥሎንምንቓጽምቅላስ

/ ብፖለቲካዊመዳይኣብውሽጢሃገርምስህዝብናተጀሚሩዘሎናይዓርቢሓርነትርክብንካልእመደባትምውጻእ/ ምስራዕ።

/ ብተሃደራዊመዳይነቲስርዓትንምእላይግብራውንትከምዘይብሉተጠቂሱ።ብተወሳኪኣብናይክትዕመድርኽ (Debate) እውንወኪል (EYSC) ጉዳይናክንመርሖዘሎናባዕልናክንከውንኣሎናኣብዝብልፍልስፍና  ዘትኮረመደረእዩዝገበረ።ቀጺሉወኪል EYSC ከምዝበሎሃገራዊነጻነትናጉሁድክንገብርዝበቅዓናሕጂእውንከምትማሊብጽፍሪናክንዕወትኢናኢሉ

 

Ø  ንሓንሳብ ኣብተን ዘለዋ ምንቅስቓሳት ኣቲና ክንቃለስ ኣሎና ይብል።

Ø  ንሓንሳብ ምስቲ ዉጽኢት ጉባኤ ኣዋሳ ዝኾነ ሃገራዊባይቶንዲሞክራሲያዊለውጢ፡ ክሰርሕ ዝወሰነ፣ ድርብ ኣባልናት ማለት ኣባል ባይቶን ኣባል መሪሒነቱ ንክኸዉን ዘፍቀደ፣ ንመረዳእታ ዋዕላ መንእሰያት ደብረ-ዘይቲ፣-ካብ7-17ሓምለ2012ተኣኻኺቡ፡ዘተንልዝብንዘካየድና፡ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ዝወሰንዎ ዉሳኔ ኣሎ።

Ø  ንሓንሳብ ኔዉ በሉወን እዘን ኣቀዲመን ዝጸንሓ ዉድባት ይብል።

Ø  ንሓንሳብ ኔዉ በሉዎም እዞም ገዳይምን ኣሮጉቶት ተጋደልቲ ዝነበሩ ይብል።

Ø  ብመንጸር እዚ ኣብ ደገ ተወዲቡ ምስ ዉሽጥ ኤርትራዉያን መንእሰያት ዝትኣሳሰር፣ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝድግፍ ብስም YPFDJ ዝፍለጥ እዉን ኣሎ;  ስግር እዞም ክልተ ተጻረርት ሓይልታት ማለት ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ን ተጻያቱን ኣጽቂጡ ዝዕዘብ (silent majority) እዉን ኣሎ።

Ø  ንሓንሳብ ናይ ገዛእ ርእስና ግንባር ፈጢርና ብጎነጻዊ መልክዕ ነዚ ግርጭት ክንፈትሖ ኣለና ይብል…ወ.ዘ.ተ ልዕሊኡ እዉን ዝተፈላለየ ዋዕላታት ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ሽወደን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣክሱም፣ መቀለን ደብረዘይቲ ኣካይዱ እዩ። ናይ ብሓቂ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ምርጫታትን ስጉምታትን ወኒኑ ዘንሂን ዝነጥፍን ዘሎ እዩ።

ስለዚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ብድሆ ይርከብ ኣሎ። ዋላ እኳ ዝተደርደረ ጸገማት እንተሃለዎ፣ ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ዝኾዶ ዘሎ ጉዕዞ ብርሃን ከምዘሎ (there will be light at the end of the tunnel) ወይ ድማ ናይ ቀረባ ደረት ትርኢት ናይ ጮራ ለዉጢ ከምዘሎ ክፈልጥ ኣለዎ። ነዚ ብርሃን’ዚ ንምርካብ ድማ እቲ ቀንድ መዕቀኒ ከርሰ-ጉዳይ (parameter) ሎሚ ጽባሕ ዘይብሃሎ ብቀዳምነት ዉልቓዊ ሓርነቱ፣ ቀጺሉ ናጻን ሓራን ናይ መንእሰያት ማሕበራት ብደረጃ ዝነብረሉ ዘሎ ከባቢ (Local) ፈጢሩ ክእዉጅ ኣለዎ። እዘን ብደረጃ ከባቢኡ ዝተፈጥራ ናጻን ሓራን ናይ መንእሰያ ማሕበራት፣ ቀጺሉ ብደረጃ ሃገርን ክፍለዓለምን መጋባእያታት ብምፍጣር፣ መጀመርታ ነቲ ገጢምዎ ዘሎ ብድሆ ከፋኽስ የኽእሎ፣ ቀጺሉ ሃናጺ ጊደ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ከበርክቱ ይክኣል እዩ።

ብተወሳኺ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ቀንዲ ቀላሲ ማእከል (nucleus) ዝኾነ ኣካል ፍንጫሕ-መሰንገለ ሕብረተሰብና ሓደ ፈጺሙ ዘይንዓቕ ኣሎ። ንሱ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ሕብረተስብ ኤርትራ እየን። ደቂ ኣንስትዮ 54%ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝግምገማ እዉን ከምኡ ክገብራ ግድነታዊን ቀንዲ ወሳኒ እዩ። ብዘይ ናጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፣ ብዘይ ሙዕሩይን ርትዓዉን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትያ ዝዕወት ማሕበራዊ ሰዉራ ድማ ፈጺሙ የሎን።

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ማንፌስቶ ፖሎቲካዊ ራእይናን ዕላማና ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጣሕሚሱ ዘሎ እምነትናን መርገጺ’ዚ ብንጹር ኣብ ዓንቀጽ.4. መሰረታዊ መትከላት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ፖለቲካዊ ናጽነትን ደሞክራስያዊ መሰላት ዜጋታትን ፣- ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ብኸምዚ ዝስዕብ ንኡስ ዓንቀጻት ብንጹር ኣቀሚጥዎ ኣሎ።

4.10. ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ግብራውነቱ ንምርግጋጽ፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውዳቤ ክህልዎ ይግባእ። ህዝቢ በብሞይኡ፣ በብማሕበራዊ ጉጅልኡ፣ ናጻ ህዝባዊ ትካላት ብደሞክራስያዊ ኣትሓሳስባ ዓምቢቡ፣ ናብ ደሞክራስያዊ ትካላት ምህናጽ እንተተሰጋጊሩ፣ ልዕልና ሕጊ ይነግስ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ይኸብር፣ ይውሓስ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.11. ናጻ ደሞክራስያውያን ማሕበራት፣ ወይ ህዝባዊ ትካላት ማለት ድማ፣ ከም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ማሕበር መንእሰያት፣ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ስንኩላን፣ ማሕበር ሓርበኛታት፣ ማሕበር ኩሉ ዓይነት ሞያ፣ ከም ኣብነት፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት፣ ማሕበር ሓካይም፣ ማሕበር ናይ ሕጊ ኪኢላታት/ ጠበቓታት/ ማሕበር መማህራን፣ ማሕበር ነጋዶ፣ ማሕበር መጓዓዝያ፣ ማሕበር ስነ-ቑጠባ፣ ማሕበር ስነ-ጥበባውያን፣ ማሕበር ድሕነት/ኣንጻር/ ብከላን ልምዓትን፣ ማሕበር ተጣበቕቲ ህጻናት፣ ማሕበር ረድኤትን ምትሕግጋዝን፣ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካልትን፣….ወዘተ ከም ናጻ ማሕበራት ምስዝቖማ፣ ደሞክራስያዊ መሰረትን በርጌሳዊ ፈልስታት የንጽፋ፣ ልዕልና ሕጊ የንግሳ የውሕሳ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምኽባር ምውሓስ ንጡፍ ተራ ይጻወታ ዝብል መትከል ንኣምን።

መንእሰይ ኤርትራ ብሓፍሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ደገ ዝነብር ዘሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዘርእዮ ዘሎ ብድሆታትትን  ቃልስታትን  ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝንኣድን ክታባባዕ ዝግብኦ ኮይኑ፣ ጻዕርታቱን ቃልሱታቱ መታን ኣድማዒ ንረብሓ ሃገሩን ህዝቡ ክዉዕል፣ ንጹር ዉዳቤ፣ ንጹር ዕላማ፣ ንጹር ራእይ ክህልዎ ስለዝግባእ ኣብኡ ብሙሉእ ኣቃልቦ ክስርሓሉ ይሕተት።  እቶም ማእኮሎትን ዓበይቲ ሰብ ዕድሜ-ጸጋ ድማ ብዘይ ገለ ተግላባነት ኣዉንታ ተሞክሮታትና ክንምህሮምን፣ ጉጉይ መገዲ ኣብ ዝሕዙሉ ድማ ዓገብ ክንብል ይግባእ። ንዉልቃዊ ሽዉሃታትና ንምዕጋብ ሸንኮለል ነብሎም እንተኼና ታሪኽ ክሓትና እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ኣብ ሓደገኛ ቃራና-መገዲ ተሳጢሓ ዘላ ሃገርናን ህዝብና ሓንሳብ ንሓዋሩ ንጥፍኣት ንፈርዶ ስለዘሎና ፣ ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት፣ ከም ናይ 21 ክፍለዘመን ናይ ዓለምና ገበን ክቑጸር እዩ።

 

ወድሓንኩም!!!

መርእድ ዘርኡ

5/2/2013

 

ግንዛቤታት ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ”

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 8:52 am

 

ግንዛቤታት ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ”

 

መእተዊ፣– ኣቀዲሙ ብዝተፈላለዩ ጉዱሳት ኤርትራዉያን ለዉጢ ብከመይ መልክዕ ኣብ ኤርትራ ክራጋገጽ ኣለዎ? እንታይ ማለት እዩ ከ መሰረታዊ ለውጢ? ለዉጢ ነቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምዕባሌ እንዳዓቀብና፣ ነቲ ዝጎደለና ብደፋእታ እንዳመላእና ማሕበራዊን መንግስታዊ ለዉጢ ከነራጋግጽ ንኽእል ኢና ዝብል ወገናት፣ ብመንጸር እዚ ድማ ለዉጢ ብተራጻሚ ሰዉራ ጥራይ እዩ ኣብ ኤርትራ ክራጋገጽ ዝኽእል ዝብል ወገናት ፣ክትዓት ልሙድ እዩ። ነዚ ኣካታዒ ዛዕባ’ዚ ምስ ኣብ ዓለምና ዝተራእየ ተሞክሮ ብምዝማድ ክድህስሶ ክፍትን እየ። መወከሲታተይ ቡዙሕ ኣኳ እንተኾነ፣ ሓንቲ ካብተን ቡዙሓት ኣብ ኣልጀዚራ ነዚ ኣመልኪቱ ዝተዋሂበ ትንተና ዘገምታዊ ምዕባሌ ሰዉራ ዓረብ (The evolution of Arab revolutions) ብግብጻዉያን ዝተጻሕፈ ብይኣክል (ክፋያ) ብዝብል ስያሜ ዝተጻሕፈ እዩ።

 

ድሕረ-ባይታ፣– እቲ ዝርዝር ቡዙሕ እዩ ኣሕጽር ኣቢለ ነቲ ቀንዲ ፍጻሜታትን ዉጽኢታቱ ክጥሕም ክፍትን እየ። ቅድሚ እቲ ሰዉራ ምብርዑ ኣብ ግብጺ ፕረሲደንት ሑሱኒ ሙባረክ ፖሎቲካዊ ስልጣን ድሕሪኡ ንወዱ ከዉርሶ ምቅርራባት ይገብር ስለዝነበረ፣ ኩሎም ጉዱሳት ግብጻዉያን ብይኣክል ዝፍለጥ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ፈጢሮም ንመደባት እቲ ስርዓት ብጥርኑፍ ክገጥምዎ ከምዝጀመሩ ኣብ ግምታትና ክስዉኣና ኣለዎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብን ሴሜን ኣፍሪቃ እዉን ዝተፈላለየ ቃልሲ ኣንጻር መለኽቲ ፖሎቲካዊ ስርዓዓታቶም ከምዝነበረ  ክዝከር ኣለዎ። እኩብ ድምር ናይቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘገምታዊ ምዕባሌዊ ቃልስታት ድማ ናብ ዝላዓልው ጥርዚ ዓሪጉ ሰዉራ ከምዝባራዕ ገይሩ።

ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዕለት 18/12/2010 ብሃገር ቱኒዝያ እዩ ጀሚሩ። ነቲ ህዝባዊ ሰዉራ ጠንቂ ዝኾነ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት፣ ድኽነት፣ ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ብልሽዉናታት፣ ናይ መግቢ ቅልዉላዉን ሕጽረታት፣ ሕርመት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት፣ ሕርመት ፖሎቲካዊ ናጽነት፣ ትሑት ደርረጃ መናባብሮ፣ ዘይሙዕሩይነትን ዘይፍትሓዉነት ናይ ፕረዚደንት ዚን ኢልዓቢዲኒ ቤን ዓሊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ህዝቢ ቱኒዝያ ብዘዉረዶ ሰፍ ዘይብል ሃስያታት እዩ።

ንማሕበራዊ ሰዉራ ቱኒዝያ ንክባራዕ ቃታ(trigger) ዝኾነት ድማ ቱኒዛዊ መንእሰይ ማሓመድ ባዉዚዚ ኣብ ማእከል ህዝቢ ላምባ ከስኪሱ ነንብሱ ሓዊ መሰባርዓ እዩ። እዚ ኣብ ቱኒዝያ ሓድሽ ተረኽቦ ኣይነበረን ኣቀዲሙ እዉን ኣብ ከተማ ሞናስቲር ኣብ ወርሒ 3/2010 ሓደ ቢሮክራስያዊ ጸቕጥታት ዝበዝሖ ዜጋ ዓቡዱሰላም ትሪመች ዝባሃል ተማሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ነይሩ እዩ። ብመገዲ መራኸቢ ቡዙሓን ንኩሉ ህዝቢ ቱኒዝያን ዓለምን ስለዘይተዘርግሔ ግን ከም ሓደ ሩሱዕ ፍጻሜ ኮይኑ ተሪፉ። ናይ መንእሰይ ማሓመድ ባዉዚዚ ብመገዲ መራኸቢ ቡዙሓን ኣልጀዚራ ቅዳሕ ፊድዮ ናይቲ መስርሕ ነብሰቕትለት ምስተዘርግሔ፣ ቀጺሉ ነቲ ዝነበረ ምዕፋናት ዜናዊ-ሓቤሬታ ሓንቲ ነስማ ቲቪ (Nessma TV) ኣብ ዕለት 29/12/29010 ብሰፊሑ ነቲ ኩነታት መሰቀላዓቶ መላእ ህዝቢ ቱኒዝያን ብሓደ ተላዕለ። ምልዓል ህዝቢ ቱኒዝያ ንስርዓት ፕረዚደንት ዚን ኢልዓቢዲኒ ቤን ዓሊ ን23 ዓመታት ዝገዝኤ ኣብ ዉሽጥ 28 መዓልታት ካብ ዝዓትዓቶ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከምዝወርዱ ኮነ። ሒቕታ ማሕበራዊ ሰዉራ ቱኒዝያ ድማ ንመላእ ኣህዛብን ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃ ግብጺ፣ሊብያ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮ፣ ንማእከላይ ምብራቅ የመን፣ ባሕሬን፣ ሱርያ፣ ዮርዳኖስ፣…ወ.ዘ.ተ ስለዝጸላወ፣ ኣህዛብ ድማ ተላዕለ። ኣብ ቱኒዝያ፣ሊብያ፣ግብጺ፣የመን ማሕበራዊ ሰዉራ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ክቕይር እንኮሎ፣ ኣብተን ብንግስነት ዝማሓደራ ዝነበራ ሃገራት ሞሮኮ፣ ዮርዳኖስ፣ ባሕሬን ብምትዕርራያትን ጽገና ለዉጢታት (Restructuring and Reform) ከምዝታሃዳዳእ ተገይሩ። ኣብ ኣልጀርያ ሞሪታንያ ፈዚዙ ተሪፉ። ኣብ ሱርያ ናብ ዲዕ ዝበለ ኪናት ሕድሕድ ተኣትዩ ክሳብ ሕጂ ን ክልተ ዓመታት መመላእታ ወሲድ ይቕጽል ኣሎ።

ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ህዝብ ዝተፈላለየ ክዉንነትን ፖሎቲካዊ ዳይነሚክስ እኳ እንተሃለዎም፣ ንኩሎም ሓደ ዝገብር ሮቛሒ ድማ፣ ኣብዘን ኩላተን ሃገራትን ኣህዛብ ፖሎቲካዊ፣ምጣኔ ሃብታዊን ማሕበራዊን ፍትሕን ማዕርነት ዘይምህላዉ እዩ። ግብትናን ሃብትን ናይ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ሚስሌነታቶም እንዳኻዕበተ ክከይድ እንኮሎ፣ ብመንጽሩ ናይቲ 99% ዝብዙሑ ርሒብ-ገቤል ናይተን ሃገራት ከምቲ ኣብ መእተዊ ድሕረ-ባይታ ዝጣሕመስክዎ መናባቡሩኡን ሂወቱ እንዳንቆልቖለ ብምኻዱ እዩ። ስለዚ ቀንዲ ምልዓል ኣቲ ማሕበራዊ ሰዉራ ፍትሒ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ወድሰብ ንምንዳይ ዝተኻየደ እዩ።

 

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ባህርያቱንዉጺቱን፣

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ብባህርያቱ ህዝባዊ ሰዉራ እዩ። ፣ ብትሕዝትኡ፣ ብኣሳላልፍኡ ዘማእከሎ ህዝባዊ ሕቶታትን፣ ዝወሰደሉ ጊዝየ፣ ዘጥፍኦ ዓቕሚ ጉልበት፣ ዘባኾኖ ፋይናንሳዊ ነገራዉ ትሕዝቶን፣ ዘብረሶ ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጻታት ቀሚርካ ከተስባህለሉ እንተጀሚርካ፣ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ንኣብነት ሊብያ ኣብ ዉሽጥ 7 ኣዋርሕ መስርሕ ጥምጥም 46000 ሂወት ሊባዉያን ለኪሙ፣ ዘይትኣደነ ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጻታት ዓንዩ። ስለዚ እቲ መስርሕ ለዉጢ ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል ዋጋታት ዝተኸፍሎ እዩ። ብመንጸር ናይ ሊብያ ናይ ግብጺ እንተተዓዚብና፣ ዳርጋ እቲ ለዉጢ ብዘይ ገለ ክሳራ ተዓዊቱ ክባሃል ይክኣል።

ተዓዊቱ ክብል እንኮሎኹ፣ ነቶም ዝነበሩ ፍጹም ገበትን ሓዉሲ-ገበቲ (totalitarian and authoritarian) መራሕቲ ስርዓታት ፣ ካብ ዓትዒቶሞ ዝነበሩ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምምንዙዑ ኣመልኪተ እየ። ዓወት ሓደ ማሕበራዊ ሰዉራ ቀንዲ መለኪዒታቱ ኣብ ዑና እቲ ኣረጊት ፖሎቲካዊ ስርዓት ብሓድሽን ካብ ኣቀዲሙ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዝማዕበለ ትሕዝቶ፣ ነቲ ህዝቢ ዝተቃለሰሉን ዝተሰለፈሉ ሕቶታት ብቀጥታ ብግብሪ ምስዝምልስ እዩ። ፍጹም ገበትን ሓዉሲ-ገበቲ ስርርዓት ኣሊኻ፣ ተመሳሳሊ ወይ ድማ ሓዉሲ ገበቲ ስርርዓት እንተተኪኡ፣ ብምእላይ እቶም ኣቀዲሞም ዝነበሩ ገዛእቲ ዓወት ዘይኮነ ፍጹም ፍሽለት እዩ።

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ካብ ዝካየድ ኣስታት ሽሞንተ ኣዋርሕ በሊዑ ዘሎ። ኣብ ዉሽጥ ሽሞነተ ኣዋርሕ ድማ ዉጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ሰዉራ ክሕፈስ ዘይክኣልን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ቱኒዝያ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ሰዉራ ዝነበሩ ኣባል ሓጋጊ ኣኳል ብቓጻ ተቀንጺሉ ኣሎ፣ ኣብ ሊብያ እዉን ምዉድዳብን መጥቃዕቲ ኣብ ቢንጋዚ ኣመሪካዊ ኢንባሲ ብጽንፈተኛታት ናይ ቅንጸላ መጥቛዕቲ ተኻይዱ ኣሎ፣ ኣብ ግብጺ እዉን ሰንከልከላት ናይ ፕረሲደንት ሞርሲ ኣሎ። እዚ ክዉንነታት ዘንቀሎ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዘይርጉኡነት ዳግም ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ይናኻኸስ ኣሎ። ዳግም ነዚ ህዝባዊ ምንኽኻሳት ቀንዲ መንቀሊ ኮይኑ ዘሎ፣ ዝጸንሔን ዘሎን ትጽቢታት ህዝቢ፣ ምስ ዘሎ ክዉንነት ደዉላ ስለዝተጋራጨወ እዩ። እዚ ዳግም ዝናኻኸስ ዘሎ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ንህዝቢ ብዘዕግብ ግብራዊ መልሲ እንተዘይረኪቡ ናብ ዓንዳርነት (anarchism) ማዕቢሉ ሃገርን ህዝብን እዉን ክብትን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

ብማሕበራዊ ሰዉራ ኣቢልካ ሓንሳብ ምስተዓዋትከ፣ ዉልቀ ሰባት ወይ ጉጂለ ነቲ ሰዉራ ክጨዉይዎ ስለዝኽእሉ፣ ካይ ጭወ ክትካላኸል ጉቡእ እዩ፣ ነቲ ዝተዓወተ ሰዉራ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ፍርያቱ ስለዘይሓፈስካ፣ መሊስካ ሰዉራ ምልዓል ግን ሓደገኛ እዩ። እቲ ምንታይስ ነቲ ዝተዓወተ ሰዉራ ዓቂብካ፣ ነቲ እቲተኽሎ ደዉላ ምቅራጽን ምምዕርራይን፣ ግዝኣተ-ሕጊ ፣ ፖሎቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ፣ ሓርነት ዜጋታት፣ማሕበራዊን ምጣኔሃብታዊ ፍትሒ ምርግጋጽ ስለዝኾነ፣ ኣብ ዉሽጥ ዉሑዳት ኣዋርሕ ክትግበር ነይርዎ ኢልካ ምጽዓድ ህንጡዩነትን ዘይክዉንነትን እዩ። ኣብ ከምዚ ዘይሩጉእ ስለስተ መሰረታዉያን ዝንባሌታትን ወገናትን ኣብ ቀጻሊ ምትሕንናቕ ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣-

1.      እቲ ዝበዝሔ ህዝቢ ዉጽኢት ናይቲ ሰዉራ ካይጭወን ተረባሒ ናይቲ ዘካየዶ ሰዉራ ክኸዉን ዝደሊ፣ ነቲ ኣብ ምክያድ እቲ ሰዉራ ዝነበረ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ብዝሓየለ መልክዕኡ (momentum) ኣብ ዝላዓለ ደረጃ ከም እጉሚ ናይ ጸቕጢ ሓይሊ ኮይኑ፣ ነቲ ተተኺሉ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስርዓት ናብ ዝደልዮ ነገራዊ ሓይሊ ክቅየር ዝጽዕት እዩ።

2.     ብፖሎቲካዊ ጨለታትን ፖሎቲካዊ ጉጂለታት እንዳተመርሔ ነቲ ዝተካየደ ሰዉራ ንምጭዋይን፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ፕሮግራሙ ዘለዎ ፖሎቲካዊ ራእይታት ንምትግባር ድንዕታታት ዝገብር ዘሎ እዩ።

3.     ሓያላን ሃገራትን ናይ ምዕራብ ሃገራት ምስ ረብሓታተን ዝሳማምናዕ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት መታን ክከዉን ዝገብርኦ ስዉሩን ጉሁድ ምቁጽጻራትን ጸቕጥታትን እዩ።

እቲ ቅልስ ብኣካልን ብማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ክቅጽል ምኻኑ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን፣ ብልክዕ ኣንፈቱ ናበይ ገጹ ክኸይድ እዩ ግን ቀስ ኢልካ ዝርኤ ጉዳይ እዩ።

 

ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ኤርትራዉያን እንታይ ክንማሃር ንኽእል?

 

ካብዚ ማሕበራዊ ሰዉራ እዚ ኤርትራዉያን ቡዙሕ ክንማሃር ይክኣል እዩ; ካብቲ ቡዙሕ መሰረታዉያን ነገራት ክጠቅስ፣-

1.      ካብቶም ቀንዲ ነቲ ናይ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ከም ወሳኒን ቀንዲን ዝተጠቅምሉ መሳርሒ ካላሽን (AK-47)፣ ቦምባ፣ መድፍዕ ኣይነበረን። እንታይ ድኣ ማሕበራዊ ማእከላዊ መራኸቢ  (Social Media) ከም Facebook፣ YouTube: LinkedIn: Twitter: …ወ.ዘ.ተ እንዳተጠቕሙ እዮም ህዝቢ ኣላዒሎምን ወዲቦም ሰዉራ ዘዐወቱ። ካብዚ ተሞክሮ እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ዓይነት ማሕበራዊ ማእከላዊ መራኸቢ ክንጥቀምን ክንጅምር ከምዘሎና እዩ።

2.     ቀንዲ ዳይነሚክ እቲ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ሰዉራ ዝኾነ፣ በቲ ዘጋጠመ ሽቅለት ኣልቦነት፣ ድኽነት፣ ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ብልሽዉናታት፣ ናይ መግቢ ቅልዉላዉን ሕጽረታት፣ ሕርመት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት፣ ሕርመት ፖሎቲካዊ ናጽነት፣ ትሑት ደረጃ መናባብሮ፣ ዕንደራ፣ ዘይሙዕሩይነትን ዘይፍትሓዉነት እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ግን እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎን ልዕሊኡ  ሰብ ዝሽየጠሉን ዝልወጠሉ፣ ስድራቤት እቲባታተነሉን፣ ዜጋታት ንባሮት ኣብ እተቀየርሉ፣…ወ.ዘ.ተ ከንሱ፣ ማሕበራዊ ሰዉራ ኣብ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ እዩ ክጅምር ምስተገብኦ፣ ኣብዚ መደምደምታ ዘብጻሓኒ ክልተ መሰረታዉያን ሓቅታት እየን፣ ንሳተን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሰዉራ ኣካይዱ ዝተዓወተ ህዝቢ ብሙኻኑን፣ እቲ ጭቆና ፈጺሙ መዳርግቲ ስለዘይብሉ እየ። ስለዚ እቲ ኩቱር ፍርሒ፣ መሰረት ዘይብሉ-ዘይምትእምማን፣ ዉልቀ-ስስዔ (egocentric)፣ ዘየሎ-ቂም፣ ሕልክስክስ ምባል…ወ.ዘ.ተ ሓዲግና ትማሊ ዝገበርናዮ ሎሚ ድማ እወ ንኽእሎ ኢና ክንደግሞ ክንብል ክንበቕዕ ከምዞሎና ንማሃረሉ ኢና።

3.     ኣብ ሰብኣዉነትን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ክንዲ ኣፍረይቲ ፍትሕን ሰላም ንኸዉን፣ ኣፍረይቲ ስደተኛታትን ቀረብ ኣካላት ሙእዙዛትን ዘይምእዙዛት ጭዋዳታትወዲ-ሰብ ኬና ከምዝተረፍናን፣ ኣንካይዶ ኣዉንታ ከነበርክት ዉልቀ-ዜጋ ሓርነትና ክንእዉጅ ከምዘይበቓዕና ተማሂርና። እቲ ምንታይስ እዚ ኩሉ ህዝቢ ኣብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ዝተሳተፈ ህዝቢ ዉልቃዊ-ሓርነቱ ኣዊጁ ዝተሳተፈ ህዝቢ ብምንባሩ እዩ።

4.     ኤርትራዉያን ተቃለስት ንሒዝናዮ ዘሎና ስልቲ ኣጋባብ ኣቓላልሳና ክንቅይር ከምዞሎና ሚሂሩና እዩ።

5.     ብሰላማ ኣጋባብ ቃልሲ (ብህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት) ኣነ እየ ዝብል ገባቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ተቦርቒካ ክእለ ከምዝኽእል ሚሂሩና፣

6.     ህዝቢ ዘልዓሎ ቃልሲ፣ ብዘይ ገለ ጸገም ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ከምዝስለፍን፣ ዉሕስነት ሰላማዊ ኣጋባብ ስግግር ፖሎቲካዊ ስልጣን ክራጋገጽ ከምዝኽእል ተማሂርና።

7.     ህዝቢ ብሰላማዊ ኣጋባብ ዝጀመሮ ቃልሲ ፣ ብምሕንጋድ ናይቲ ገባቲ ስርዓት ከመይ ኢሉ ንደማዊ ምፍሳስ ዘለዎ ቃልሲ ከምዝቅየር ካብ ሊብያን ሶርያን ተማሂርና…ወ.ዘ.ተ።

8.     ለዉጢ ብዉሽጣዊ ማሕበራዊ ጸጋታትናን ዉሳኔና እንተዘየራጋጊጽናዮ፣ እቶም ዝሓገዙና ወይ ዝወሰኑልና ናብ ድላዮም ክወስድዎ ከምዝኽእሉ እዩ።

 

 

ትንስኤ ማሕበራዊ ሰዉራ ኤርትራ፣ በዮኖት ኣታሓሳስባታት ይትሓላለኽ ኣሎ?

 

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ኣብ ኤርትራ ጋህዲ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ጋህዲ መታን ክኸዉን፣ ክዉገዱ ዝግብኦም ሰብ ዝፈጠሮም ጸገማት ክንኣሊ ይግባኣና። ንኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ክዉንነት ዝሓላልኾ ዘሎ ቀንዲ ጉዳያት እንተሃሊዩ፣ገለ ንምጥቃስ፣-

1.      ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንህዝቢ ኤርትራ ሓቤሬታ ከምዘይረክብ ብምግባሩ እዩ።

2.     ኤርትራዊ ጉዳይ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይ ምኻኑ ሓሊፉ ዓለምለኻዊ ጉዳይ ከምዝኸዉን ስለዝኾነ፣ ኣብ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ንጥፈታትን ዉሳኔታትን ናይ ቡዙሓት ስዉሩን ጉሁድን ኣእዳዉ ምህላዉ እዩ።

3.     ናይ ኤርትራ ፖሎቲካ-ጨሌታት (Elites)  ብዓቢኡ ንዘካይድዎ ቃልስታት፣ ካብ ዝኻሓነ ጽልእን ሕርቃን (ressentiment) ስለ ዝነቅሉ፣ ከምቲ ኣድጊ ዝበለቶ ኣነ “ዘይበልዓላ ሳዕሪ ኣይብቆላ” ቢላ ዝተራገሞቶ፣ ንሳቶም እዉን ልክዕ ንሶም ዘይመርሕዋ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝቢ ዋላ ብትን እንተበለት ኣይንታዮምን እዩ። ሒነ ክፈድዩ ድማ ምስ ዝኾነ ሰይጣን ተሓባቢሮም ሽዉሃቶም ከዕግቡ ዝወሰኑ እዮም። ሕቶኦሙን ባህግታቶም ብዛዕባ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዲሞክራሲን ንቡር ሂወት ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘይኮነ፣ ሕኔ ንምፍዳይ  ንትኹላዊ ምትፍናን ንምእታዉ ኣንቃዕሪሩ ዝጠመተ እዩ።

4.     ንፖሎቲካዊ፣ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበዊ ኩዉንንት ኤርትራ፣ ካብ መሰረታዊ ጠንቕታቱ ዘይኮነ፣ ካብ ሳዕቤናቱ ነቂልና ስለ ነንብቦን፣ ብኡ መሰረት ድማ ጽምዶ-መደባትና ስለንስእልን ንነጥፍ እዩ።

5.     ጉጉይ ኣታሓሕዛን ኣፋታትሓ ግርጭት ስለንዉንን።

6.     ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ብኣዛመዉቲ-ሓይልታት ስለዝተባሕተ፣ እቲ ሲቪክ ሃገራዊን ዲሞክሮስያዉን ባእታታ ከም ዝነቀጸ-ዕፉን ርእሱ ኣድኒኑን፣ ብኣድማዕነት ከነጥፍ ዘይምብቕዑ’ዩ።

7.     ኣብ ኣኣሙሮና ብባዕልና ዘሕደርናዮ ጭንቀትን ራዕድን ዘንቆሎ፣ ዜጋ ነንሕድሕዱ ከምዘይታኣማመን ስለንገብር እዩ።

8.     ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ዲሞክራሲ፣ ብዝሓለፈ ንካሰስ እንቴኼና፣ ብኡ መሰረት ክንማቓቀል ስለዝኾና ዓቢ ዕንቕፋት ንሓደ ኬንካ ምቅላስ የጋጥም ስለዘሎ እዩ።

9.     ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነት ተሓቢኡ ስለዝነብር፣ ካይተረዳና ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክንወቕዕ ተባሂሉ፣ ንሃገራዉነትን ሓርበኛነት ኤርትራዉነት ስለ ንወቕዕ፣ ሃገራዉነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ስለነእትዎ ህዝቢ ሰኸኽ ይብል ብምህላዉ እዩ።

10.   ጉዳይ ህዝቢን ጉዳይ ልዑላዉነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ ክስራዕ ዘይምብቅዑ እዩ።

11.     ዝበዝሔን ዘሕብን ኣዉንታ  ኤርትራዊ ሃገራዉን ሓርበኛዉ ታሪኽ ጎሲካ፣ ኣብ መእሰሪን መጨበጥን ዘለዎን ዘይብሉ ኣሉታ ታሪኻት ኣቲኻ፣ ዜጋ ሃገራዉነቱን መንነቱን ከምዝጸልኦ ብምግባር፣ ንክቓለስ ድሉዉነቱ ከምዘጥፍእ ይግበር ስለዘሎ እዩ።

12.    ሃገራዊ ሓላፍነት ዘይምቅባልን ገዛእ-ርእሲ ጽኑዕ ዲስፕሊን ዘይምህላዉ እዩ።

13.    ኣብ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘጻወዶም መጻወድያታት ኣቲኻ ኣብኡ ምኽዳድ ስለዘሎ እዩ።

14.   ናይ መንነት ቅልዉላዋት ስለዘጋጠመ እዩ…ወ.ዘ.ተ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ሰዉራ ከካይድ ድልዉ ዶ ኣሎ?

 

ዝተፈላለየ ንፍትሒ ዘንሂ ምንቅስቓሳት እኳ እንተሃለወ፣ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ሰዉራ ከካይድ ዛጊት ድሉዉ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይስ ካብዘይብሉ ማዓንጥኡ ሽጥ ኣቢሉ ዘዓወቶ ሰዉራ፣ ብገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተመንጢሉ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ንኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛተ ስለዝወቕዔ፣ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንገጢምዎ ዘሎ ብዶሆታት ብሓባር ዝገጥሞ በብዉልቁ ከፈትሖ እዩ ዝህቕን ዘሎ። እቲ ወሲድዎ ዘሎ መፍትሒ ድማ፣ ኩሉ ዝኽኣለ ንኤርትራ ሓዲካ ንስደት ምጽኣት እዩ። ማሕበራዊ ሰዉራ ከሳላስል ዝኽእል ሓንጎልን ሰብን በብሓደ እንተድኣ ጺሁ፣ ማሕበራዊ ሰዉራ ብዓዲ ዉዒል ኣረጋዉያን ህጻናትን ክካየድ ስለዘይክኣል እዩ።

የግዳስ እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ኣይኮነን። እቲ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘዘዉትሮ ኣሉታ ፖሊሲታት እንዳቀጸለ ኣብዝኸደሉ እዋናት፣ እቲ ምረት ጭቆና እንዳላዓለ ስለዝኸይድ፣ ብዘገምታዊ ምዕባሌኡ (evolution) ሓልዩ ናብ ዝላዓለ ሕርቃንን ቅብጸት ስለዝዓርግ፣ ስለዝመረጽናዮን ዝደለናዮ ዘይኮነስ፣ ክዉንነት ብዝገዝኡ ዝተቀየዱ፣ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ከጋጥም ማሕበራዊ ሕጊ እዩ። እዚ ፈጺሙ ዘይተርፍ ማሕበራዊ ሕጊ፣ ብኸመይ ነማሓድሮ? ንገጥሞ? ንመርሖ? ከመይ ዝኣመሰለ ዳይነሚካዊ ቅርጻን ስትራተጂ ነዋድደሉ ግን ባዕላዊ ሮቛሒ ወይ ጉዳይ ይኸዉን። ስለዚ እቲ ቡኹረት ባዕላዊ ኩዉንነት እዩ።

እዚ ቡኹረት እዚ ኣብ ታራ-ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነን። ዋላ እዉን እቲ ዕላማ ሓንጺጹ ተወዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ፣ ዝላዓለ ብልሒ ጫፍ ንቅሓት ሕብረተሰብ ክኸዉን ኣይበቕዕን ዘሎ። ቡቁዕን ሶጋሚን መራሒ ዘይብሉ ህዝቢ ድማ፣ ንጊዚኡ ደንበርበር ከምዝብል ዘታሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ደንበርበራት እዚ ጊዝያዊ እዩ። ኣብ መስርሕ ማሕበራዊ ሰዉራ መሪሒነት ኣብ መስርሕ ክፍጠር ስለዝኽእል እዩ።

ማሕበራዊ ሰዉራ ክነቕል ህዝቢ ክነቕሕ ኣለዎ፣ ፍልጠትን ሓቤሬታ ዝተመገበ ሓንጎል ህዝቢ፣ ዝተመጎቦ ፍልጠት ንልቡ ምስኣንበድቦዶን ኣሳራሰሮ ማሓዉራቱ ክንቃሳቀሳ እየን። ቀጺሉህዝቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ መጀመርታ ዉልቃዊ ሓርነቱ ክእዉጅ ኣለዎ። ቀጺሉ ኣብታ ዝነብረላ ከባቢ ኣብ ጥቕምታቱ ዝተምኖርኮሰ ምትእስሳራት ክፈጥር ኣለዎ። ምትእስሳራቱ ናብ ጽኑዕ ናይ መሰረታታት መጋባእያ ብምስግጋር ብደረጃ ሃገርን ክፍለዓለማትን ክትኣሳሰር ኣለዎ።

 

ህዝቢ ኤርትራን ፖሎቲካዊ ዉድባቱ ናይ ለዉጢ ትጽቢታቱ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ድዩ?

 

ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነ ሃገርን ህዝብን ኣማጻጽኣ ለዉጢ ብዝተፈላለየ መልክዓት ክኸዉን ከምዝኽእል ዘጣራጥር ኣይኮነን፣ ብፍላይ ድማ ኣብዘይ ማዕበላ ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ገባታዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዝርከባ ሃገራት፣ ወትሃደራት ጥርኑፋትን ብረት ዝሓዙ ብምኻኖም፣ ህዝቢ ሓንቲ ክገብር ኣብዘይክኣለሉ እዋን፣ ወትሃደራት እዉን ኣካል እቲ ጭቁን ህዝቢ ስለዝኾኑ ምትእትታዉ ይገብሩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። ብሰራዊት ዝካየድ ዕልዋ መንግስቲ መብዛሕትኡ ፖሎቲካዊ ስልጣን በቶም ዕልዋ ዘካየዱ ወትሃደራትይትሓዝ፣ ስሕት ኢሉ ድማ እቶም ዕልዋ ዝገበሩ ኣባላት ሰራዊት ፖሎቲካዊ ስልጣን ንህዝቢ የረክቡ እዮም።

ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዘተራእየ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትር  ምንቅስቓስ፣ ቡዙሕ ነገራት እዩ ሚሂሩና። ካብቲ ቀንዲ ዝተማሃርናዮ ጉዳያት ንምጥቃስ።-

1.      ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዉሽጡ ብገዛእ ርእሱን ዉሳኒኡ፣ ብመን ብዘየገድስ ለዉጢ ይደሊ ከምዘሎ ።

2.     ዝኾነ ናይ ተቃዉሞ ምንቅስቓስ ኣብ ዉሽጢ ተላዒሉ፣ ነታ ዝተፈጥረት ጫፍ ፈትሊ ማሕበራዊ ሰዉራ ሒዙ ናይ ምቅጻሉ ትግባሬ ማእዳድ ምኻኑ።

3.     ምብትታኽን ሕጽረታት ሓቤሬታ ዝዓበየ ብድሆታትና ምኻኑ።

4.     ዝኾነ ይኹን ኩነታት ተፈጢሩ ብብቅዓት ንህዝቢ ከራጋግእን ክመርሕ ዝኽእል ፊተዉራሪ ዉደባን መሪሒነት ሃጓፍ-ቡኽረት ምህላዉ።

5.     ርክባት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብናን ምንቅስቓሳትና ምስ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር ህዝብን ምንቅስቓሳትን ዝተበትከ ምትእስሳራት ምኻኑን፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ዘሎ እዉን ካይተፈለጦ ሚስጢራዊ ከም ዝኸዉን ከምተገብረ ምኻኑ….ወ.ዘ.ተ።

ህዝብና ለዉጢ ምድላዩ ንቡሩን ጽቡቕ እንድዩ፣ የግዳስ ለዉጢ ምድላይ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ለዉጢ ክትደሊ እንኮሎኻ ኣቀዲሞም ዝላዓሉን ክምለሱን ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣-

1.      ለዉጢ ብኸመይ ኣጋባብን ስለምንታይን?

2.     ኣየናይ ኣጋባብ ኣማጻጽኣ ለዉጢ እዩ፣ ዉሕስነት ዘለዎ ነቲ ንሓልሞ ሕልሚ ጋህዲ ክተግብር ዝኽእል?

3.     ኩሉ ህዝባዊ ጠለብ ኣልዒሉ ዝነቅል ምንቅስቓስ፣ ብዘልዓሎ ህዝባዊ ሕቶ ዝቅየድን ክምልስ ወይ ድማ ከተግብር ይኽእል ድዩ? ብኸመይ መርትዖ ተራጋግፆ?

4.     ህዝቢ ተላዒሉ ሰራዊት ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ክስለፍ እንኮሎ ዶ ይምረጽ ወይስ ሰራዊት ተላዒሉ ህዝቢ ክስዕቦ? ህዝቢ ዘይተሳተፎ ቃልሲ ከ እንታይ ዉሕስነት ኣሎ? ህዝቢ ተመጻዊ ድዩ ክኸዉን ወይስ መጻዊ ፖሎቲካዊ ስልጣንን መሰላት ዜጋታት?

5.     ኣብ ወቕቲ መስርሕ ለዉጢ ሓደጋታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ንምዉሓዱ፣ ከነትግብሮም ዘሎና ቅድመ-ምቅርራባት ከ ኣለዉዶ? እንታይ እዮም…ወ.ዘ.ተ?

እዚ ኣብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ዘዕወተ ህዝብን ሃገራት ሕጂ ገጢሙዎ ንርእዮ ዘሎና ሓርጎጽጎጻት፣ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስክዎም ሕቶታት ኣቀዲሞም ብምልኣት ስለዘይመለሱን ምቅርራባት ስለዘይገበሩሎም እዩ። ማሕበራዊ ሰዉራ ተዓዊቱ ክባሃል፣ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቅያር ጥራይ ኣይኮነን፣ እንታይድኣ  ካብ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራስያዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቅያር፣ ዘይትካላዊ ኣሳራርሓ ብትካላዊ ኣሳራርሓ ምቅያር፣ ንህዝቢ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ምጉንጻፍ፣ ካብ መሰል-ኣልቡ ናብ ዝተራጋገጸ ሰቪካዊ መሰላት ምስግጋር፣ ካብ ዝዳሓረ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዉን ማሕበራዊን ስርዓት ናብ ካብኡ ዝማዕበለ ስርርዕ ምስግጋር….ወ.ዘ.ተ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ጊዝየ ዝቕየርን ዝራጋገጽ ነገር ኣይኮነን፣ መስርሕ እዩ፣ እቲ መስርሕ ድማ ብብቕዓት ማሕበራዊ ጸጋታት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዝነዉሔ ወይ ዝሓጸረ ጊዝያት ዝራጋገጽ ጉዳይ እዩ።

ዋላ እኳ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጣሕመሰ ሓቕታት ይኹን፣ ተቦጉሶንፍጻሜዕለት 21/01/2013 ሓይልታትምክልኻልኤርትራኣብፎርቶኣስመራመዲብዎዝነበረዕላሙኡይህረምኣይህረምዕዉትእዩ።ዕዉትዘብሎመርትዖእዚዝስዕብሮቛሒታትእዩ፣

1. ነቲዘይቅህምማሕታ-ቁልዒ ቃልሲወሊዖሞኣለዉ።
2.
ኣብህዝቢኤርትራንማሕበረሰብዓለምዕዙዝግንዛቤታትኣሕዲሩኣሎ።
3.
ነቶምዓሎቕቲጸረሃገርኤርትራሕልሞምበታቲኽዎንኣፋራሪቕዎኣሎ።
4.
መሰረታዊህዝባዊሕቶኣላዒሉንኣናኺሱኣሎ።
5.
ጽቡቕኣብነትንብድሕሪሕጂዝቃለሱንዲሞክራስያዊያንሃገራዉያባእታታትኣብዉሽጥህዝብናንሓይልታትምክልኻልኤርትራኣብዉሽጥንወጻኢኤርትራዘለዉዜጋታትኮይኑኣሎ።
6.
ንኤርትራኤርትራዉነትከምቲቀደምበጃዝሓለፉ፣ሕጂእዉንበጃክሓልፉላዝደልዩዉፍያትከምዘለዉኣራጋጊጹኣሎ።
7.
ነቲኣብዉሽጥላዕሎዎትሓለፍቲ...ዝኸይድዝነበረናይለዉጢፖሊሲታትዘተታትብድሕሪማዕጾንሰጣሕደገንንህዝብከምዝወርድኣተግቢሮምኣሎዉ።
8.
ለዉጢብዉሽጣዊዓቕምታትማሕበራዊጸጋኤርትራዉያንክመጽእከምዝኽእልድሙቕጮራብርሃንኣብሪሁኣሎ።
9.
ኤርትራዉያንኣንፈትፖሎቲካዊንማሕበራዊንጽምዶታትናከነነጽርከምዞሎናገዲድናኣሎ።

እዚ ዓወታት እዚ ዉጽኢት ናይቲ ብዘገምታ ክእከብ ዝጸንሔ ዉሽጣዊ ቃልስታት ኮይኑ፣ ንመጻኢ ድማ ከም ሓደ መንጠሪ-ሰደቓ ንዝላዓለ ቃልሲ እዩ።

ብመንጸር እዚ፣ ፍጻሜዕለት 21/01/2013 ሓይልታትምክልኻልኤርትራኣብፎርቶኣስመራመዲብዎዝነበረ ዕላማ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓዊቱ ነይሩ እንተዝኸዉን ኤርትራ ናበይ ገጻ ምስከደት? እዚ ሕቶ እዚ ዛጊት ዘይተመለሰ ሕቶ እኳ እንተ ኾነ፣ ብሓፈሻ ካብ ቶሞክሮታት ዓለምናን፣ ብፍላይ ድማ ካብ ተሞክሮ“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ክግመት ዝክኣል እዩ። ሓቂ ከዳምጽ ዝኽእል ኣእዛንን ኣእምሮ ዜጋታት ዉሑድ ኣብ ዝኾነሉ እዋናት፣ ንቁኑዕ ገምጋማት ምቕማጥ ናብ ዘይተደልየ ሳሓቦ-ጓቱቶ ሓሸዉየ ናይክትዓት ከእትወና ስለዝኽእል ንጊዚኡ ከምዘለዎ ከፋት ክሓድጎ ወሲነ ኣሎኹ።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

19/2/2013

 

 

 

 

 

 

 

ጠንቂ ምህሳስ ሃገራዉነትን ፣ምዕባይ ቅድመ-ሱሩት ደማዉን (perennialism) ሞሎኮታዊ ዝምድናታት ዝኾነ ዳይኔሚክስ፣

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 8:47 am

 

ጠንቂ ምህሳስ ሃገራዉነትን ፣ምዕባይ ቅድመ-ሱሩት ደማዉን (perennialism)ሞሎኮታዊ ዝምድናታት ዝኾነ ዳይኔሚክስ፣

 

መቕድም፣-

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክኸዉን ካብቲ ቀንዲ ዘወሰነና ምኽንያት፣ ዓዉላማ ቀንዲ ዓለምለኻዊ መሪሕ-ምሕደራ ንምህላዉ ስለተገንዘብና እዩ። ኣብ ዓዉላማዊ ዘመን ከምቲ ኣብ 1970ታት፣ 80ታት፣ 90ታት…ወ.ዘ.ተ ዓይነት ኣዋዳድባ ተወዲብካ ክትቃለስን ከተቃልስን ስለዘይክኣልን ህዝባዊ ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋጽ፣ ምስ ዘለናዮ ዘመን ዝጥዓዓም ኣዋዳድባን ስነሓሳብን ክህሉ ስለ ዝግባእ እዩ። ንዓዉላማ ኣዉንትኡን ኣሉቱኡን ብግቡእ ስለዝመዘና ድማ ብመገዲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ኣቢሉ ከመይ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ዓቂብና ሓራ ዜጋን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ግዝኣት-ሕጊ ዝቅየድ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክህልወና ከምዚኽእል ንምኽኣል ንቃለስ ኣሎና።

ሲቪክ ዲምክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ማእከል ፖሎቲካ መስመራትኤርትራ ከምዝግተር ኢና ጌርና ዘሎና። ነቲ ኣመና-ሩሑቕ ጸጋማዊ፣ ነቲ ኣመና ሩሑቕ የማናዊ፣ ወይ ድማ ነቲ ኣመና ጹሉል ዓይነት ሃገራዉነትን፣ ነቲ ኣመና ንኡሱን ጸቢብን ሃገራዉነት፣ ንማእከል ሓደ ሲቪካዊ መንነትን ሃገርነትን ንምስሓቡን ንምሽምራሩን ዘናጻጸረ ፖሎቲካዊ ጽምዶ እዩ። እዚ ጽምዶ’ዚ ነቲ ምድቓቕ ሃግውራዉነትን መንነትን ኣብ ምድሓን ዓቢ ጊደ ክጻወት ይኽእል እዩ ዝብል ግምታትን እምነታትን ኣሎና። ኤርትራ ቡዙሓዊ ሕብረተሰብ (hetroginiouse) እኳ እንተኾነ፣ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት ናብ ቅድመሱሩት ዝምድናታት ብምዉዳቕ ብኢትኒክ፣ ብሃይማኖት፣ ብቀቢላ…ወ.ዘ.ተ ንክንቃሳቀሱን ክዉደቡን ዝጎቶም ዘሎ ቀንዲ ጎታቲ ሮቛሒ ዓዉለማዊ ኩዉንነት እዩ።  ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብ መታን ክትህሉ ብግቡእ ዓለማዊ ፖሎቲካ ዓዉላማ ተረዲና መስመርና ከነነጽርን ቃልስና ክንስሕልን ስለዘሎና እዩ።

ነዚ ግምታትን እምነታትን ንምርድኡ ድማ  ዓዉለማ ብግቡኡ ምርድኡ ስለዘድሊ፣ ነዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ ምርድኡ ከድሊ እዩ። ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ ስለዝተባህለ ዲሞክራሲ ይትከል ማለት ኣይኮነን። ሃገር ሃገር ስለዝተባህለ፣ ሃገርን ሃገራዉነትን ከምዘለዎ ወይ ከምዝነበሮ ይቕጽል ማለት ስለዘይኮነ፣ ነቲ ክዉንነት ብልክዕ ክንርድኦ ስለዝግብኣና እዩ።

ጠንቂ ምህሳስ ሃገራዉነት ደፋእን ጎታት ሮቓሒታት ኣለዎ፣-

1. እቲ ዉሽጣዊ ደፋኢ ዳይኔምክስ ሮቓሒ፣ ቡዙሓዊ ሕብረተሰብ ን ዘይፍትሓዊ ፖሎቲካዊ ስርዓታትብምህላዉ እዩ።

2. እቲ ጎታቲ ዳይኔሚክስ ሮቓሒ፣ ዓዉላማ (globalization) ምጣኔ ሃብታዉን ፖሎቲካዊን ምሕደራ( world order) ዝፈጥሮ እዩ። 

3. ዓለምና ብዉሑዳትን ኣዝዮም ሕቡራት ዝኾኑ ሕቡኣን-ማሕበራት ብዘዉጽእዎን ዝወሰንዎን ቅድን ዕላማ ፖሎቲካዊን ምጣኔ ሃብታዊ ስለትማሓደር እዩ።

ካብዞም ሰለስተ ዳይኔሚካዊያን ሮቓሒታት እቲ ዝሓየለ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ዉሽጣዊ ሮቓሒ ዝኸዉን፣ እቲ ግዳማዉን ጎታቲ ሮቓሒ እዩ። ዝሓየለ ዝገብሮ ድማ ሰፍ ዘይብል ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ሓይሊ ስለዝዉንን እዩ። ነዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ብመርትዖ ንምስናዩ እስከ ነዚ ዝስዕብ ክዉንነት ንጣሕሙሶ፣-

ኣዝየ ብዓሚቅ ካይኣተኹ መዛኻኸሪ ክተንብህ፣ ካብ 1648 ዓመት ንዳሓር ዘሎ ጊዝያት ኣትሒዙ፣ ኣብ ዓለምና ኣህዛብ ብደረጃ ሪፓፕሊካት ክጥርነፋን ልዕላዉነተን ከራጋግጻ እኳ እንተጀመራ፣ እቲ ዝላዓለ ጥርናፌ ብደረጃ ስነሓሳብን ኣካል ሃገራዉነትን ሃገር ግን ታሪኻዊ ተረኽቦ እዩ። እዚ ንታሪኻዊ ተረኽቦ  ብክልተ መልክዓት ዝማዕበለ እዩ። እቲ ቀዳማይት ኣብ ቅድመ-ሱሩት ዝምድናታት (primordialist) ተመስሪቱ ብዘገምታዊ ምዕባሌኡ (evolutionary) ናብ ዝላዓለ ጥርዝ ሃገር ዝተወደበ ኮይኑ፣ እቲ ካልኣይ ድማ  ዘመናዊ መልክዕ ን ዘመናዉነት (modernist) ዝሓዘ ናይ ዘመና ተርእዮ ዝላዓለ ጥርናፌ እዩ። ኣብዚ ካልኣይ መልክዕ ጥርናፌ ዘመናዉነታዊ ተርእዮ ሃገርነት ክልተ ዝተፈላለየ  ጉጂለታት ዝጠመረ እዩ። እቲ ቀዳማይ ኣብ 19 ን 20 ክፍሊ ዘመን ዝላዓለ ጥርዚ ምዕባሌ ኢንዱስትሪያላዊ ሰዉራ ኣዕዊተን ኣብ ዝላዓለ ጥርዝ ዝበጽሓ ክኾነ እንከሎዋ፣ እተን ካልኣይ ጉጂለ ድማ ኣብ ትሕቲ እዘን ሃገራት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ነይረን፣ ናጻ ዝኾና ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ሃገረ መንግስቲ (nation state) ዝመስረታ እየን።

ኤርትራዉያን ራኢና ማሕበራዊ ፍትሒን ብሓባር ብሰላም ንምንባር ክራጋገጽ ካብ ኮነ፣ ብዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣቢልና ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ሕብረተሰብን ፖሎቲካዊ ስርዓት ንምጥያስ ፣ ነዚ ሎሚ እንሓልሞ ጽባሕ ጋህዲ ክንገብሮ እንደሊ ንምትግባሩ ዝቡዱሁና ዉሽጣዉን ግዳማዊ ብዶሆታት ብልክዕ ከነለሊ ኣሎና። ኣብ መእተዉየይ ከምዝጠቀስክዎ ካብ ዉሽጣዊ ብድሆታት ግዳማዊ ብድሆታት ስለዓቢ ብዕምቆት ምርድኡ ከድሊ እዩ።

ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስነሓሳብ ህዝብን ሃገር ኣብ ሓደጋን ቅልዉላዉን ይርከብ ኣሎ። ኣብ ግምታትናን ብግብሪን ንህላዌ ሓቀኛ ዲሞክራሲ  ኣብ ዓንዲ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ክጽፈን ክዓቢ ከምዝኽእል  ክንርኢ ዝጸናሕና፣ ድሕሪ ዓለማዊ ዝሑል ኩናት ምብቕዑ፣ ዓለምለካዊ ዓዉላማዊ ምሕደራ (world order) ምስተቀየረ ግን ሕቶ ሃገራዉነት፣ ሃገራዊ መንነትን፣ ልዕላዉነትን ሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣሎ።

ዓዉላማዊ ምሕደራ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ሓንቲ ሃገር ኣብ ክንዲ ከም ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ዝወስዶም፣ ከም ሓደ ኣህላኺ (consumer) ስለዝቆጽሮም ንሕቶ ስነሓሳብ  ህዝብን ሃገር ንሓደጋ ኣቓሊዑ፣ ንኣህዛብ ንትኹላዊ ምትፍናን (ploarization) ይድቕድቆም። እቶም ብሓደ ሃገራዊ መንነት ዝጽዕዱ ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ናብ ዝደቀቀ መንነት ተመሊሶም ክጽዕዱ ይድርኾም።

ኣብ  ዓዉላማዊ ምሕደራ ፣ ስነ-ኪነታዊ ሰዉራ ንመራኸቢታትን ሓቤሬታ ንዓለምና ንኑእሽቶ ቁሸት እኳ እንተቀየራ፣ ብመንጸር እዚ ኣዉንታዊ ምዕብልና ድማ፣ ደቂ ሰባት ብሳጹን ናይ ኢንተርኔት መራኸቢታት (internet modems) ተጨዉዮም፣ ኣካላዊ ማሕበራዊ ርክክብ እንዳማእደደ ስለዝኸይድ ማሕበራዊን ኣካላዊ ተነጽሎታት ፈጢሩ ኣሎ። ኩሉ ሕብረተሰብኣዊን ፖሎቲካዊ ሽግራት ንምፍትሑ፣ ሕቶ እንካን ሃባን ስለዝኾነ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ብኣካል ተራኺቦም ሽግራቶም ብእንካን ሃባን ዝፈትሑ ድማ፣ ሽዉሃት ድሌታቶም ንምዕጋብን ኣትሓሳስባታት ደቂ ሰባት ንምሙቛሑን ንምቁጽጻሩ ናይ ብማዕዶ ብጽሕፍ  ኪናት ዘካይድሉ ኮይኑ ኣሎ። ዉጽኢት ናይ ከምዚ ንጥፈታት ድማ ንሕብረተሰብ ነንሕድሕዱ ከምዝናጻጸል ገይርዎ ኣሎ።

እዚ ሕብረተሰብኣዊ ምንጽጻል ፣ ነቶም ስግረዶባት ምጣኔ- ሃብታዊ ወፍሪታት ኣካይዶም ሕሱር ጉልበት፣ ሰፊሕ- ዕዳጋን ጥረ-ነገራት ንምምዝማዝ ዝነጥፉ ኣዝዮም ሃብታማት ዉልቀሰባት፣ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ኩባንያታት (multinational corporation (MNC) ዕዱን ባይታ ፈጢሩ፣ እቲ ሃብታም ዝነበረ ኣዝዩ ሃብታም፣ እቲ ድኻ ዝነበረ ኣዝዩ ድኻ፣ እቲ ሓደ ሕብረተሰብ ዝነበረ ንቡዙሓዊ፣ እቲ ሓደ መነት ዝነበረ ንቡዙሕ ንኡሳን መንነት፣ እቲ ሓደ ሃገር ህዝቢ ዝነበረ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ…ወ.,ዘ.ተ ብምድቃቕ የዳቕቆምን ንሕቶ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ድማ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ የህዉትቶ። ሓደ ተቃላሳይ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ፣ ሓደ ዓሳ ኣብ ዉሽጥ ባሕሪ፣ ሓንቲ እስትንፋስ ኣብ ዉሽጥ ብደም ዓጽሚ ጭዋዳታት ጅማታት ዝተሃንጸ ፍጡር እዮም ዝነብሩ፣ ሓቐኛ ዲሞክራሲ ድማ ኣብ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ጥራይ እያ ክትምስረት፣ ክትዕንብብን ክትዓብ እትኽእል።

ካብ 17 ክፍሊዘመን ምህናጽ ሃገርነትን ዲሞክራሲ ኣትሒዙ፣ ደቂ ሰባት ንስነሓሳብ ሃገርን ህዝቢ፣ ክም ሓደ ፈጺሙ ክጉሰ ዘይክኣል መሰረት ዲሞክራሲያዊ ፖሎቲካዊ ኣምር ወሲዶም ክሰርሕሉ ጸኒሖም እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ መሰረት እዚ ዝተነጽፋ ሓያላት ሃገራትን ሃገራዊ መንነታትን ዝሃነጻ ናይ ምዕራብ ሃገራት ንርኢ ከምዞሎና ርጉጽ እዩ። እዘን ሓያላት ሃገራትን ሃገራዊ መንነታትን ዝሃነጻ ናይ ምዕራብ ሃገራት፣ ጸጋታተን ንምኽዕባት ንሳተን ዝቃጻጸርኦ  ምሕደራ ዓዉለማ ብምፍጣር ድማ ንዓለም ብሱዉር ወይ ብጋህዲ ይመርሓ ኣለዋ። ምሕያል ዓዉላማ ንሕቶ ሃገራዉነት፣ ልዕላዉነት፣ ስነሓሳብ ሃገርን ህዝቢ፣ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ብምፉኻስ ዕድላት ኣህዛብን ሃገራት ንሓደጋ ከምዝቃላዕ ገይርወን ኣሎ።

ብቀዳምነት ክንጸር ዘለዎ ሓቂ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ዓዉላማዊ ምሕደራ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ስነ-ኪነታዊ ቅዲን ምሕደራን ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ? ብጫፍ ብልሒ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ስነ-ኪነታዊ ንጥፈታት እንዳቶጎተ ማሕበራዊ፣ ባህላዊን ፖሎቲካዊ ምቅይያራት (transformation) ዝፈጥር ስርዓት እዩ፣ ካብ ረብሓ ቡዙሓት ማሕበረሰባት ድማ ናይ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ሰባት ኣብ ንነብረላ ዓለም ዘራጋግጽ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝተወደበ ተጻይ ናይ ዓዉላማ ምንቅስቓስ (counter-globalisation movement) ዘሎ። ዓዉላማ ሙዕቡል ናይ ሓቤሬታ ስነ-ኪነታዊ ሰዉራ ቅዲ-ቅድመ ሓሳብ ለዉጢ (paradigm shift) ስለዘራጋገጸ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘይካሓድ ኣዉንታ ግደ ከምዘበርከተ ዘይንፈላለየሉ ጉዳይ እዩ። ብመንጽሩ ዉድቀት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገር ስለዘራጋግጽ ግን ካብ ኣዉንትኡ ኣሉትኡ ዓብዩ ኣሎ። ዓዉላማዊ ምሕደራ ከመይ ገይሩ እዩ ንዉድቀት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ጋህዲ ዝገብሮ?

1.      ንኣምር ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ልዕላዉነት ጥሒሱ፣ ዞናዊ፣ ስግረ-ዞናዊ፣ ዓለምለኻዊ ምጣኔ-ሃብታዊን ፖሎቲካዊን ወትሃደራዊ ምትእስሳር ዝፈጥሮ መዘና ዘይብሉ ጸቕጥታት እዩ። ንመረዳእታ፣ዓለምለኻዊ ናይ ንግዲ ዉድብ (World Trade Organization) እንዳሃለወ ከንሱ ፣ኣብ ዉሽጢ እዚ ዉድብ እዚ ዝነጥፋ ካልእ ዝሓየለ ዉድባ ብምፍጣር ንከባቢኤን ስግረ-ከባቤኤ ብዓቢኡ ድማ ንዓለምለኻዊ ናይ ንግዲ ዉድብ ዝቃጻጸራን ምጣኔ ሃብታዊ ዉዲት ዘካይዳ ካብ ቡዙሓት ገለ ንምጥቃስ፣ ከም ዞባ ነጻ ንግዲ ሰሜን ኣመሪካ (North American Free Trade Agreement)፣ ምትእኽኻብ ኤዉሮጳዊ ምጣኔሃብታዊ ማሕበረሰብ (European Economic Community) ኣለዋ። ናይዘን ክልተ ዓበይቲ ዉድባት ዕላማን ንጥፈታት ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ወፍሪታት ፣ ምብሓትን ምቁጽጻር ድሪኺታት ዝመንጨወን ዝተጸምደን እኳ እንተኾነ፣ ንስግረ ደባዊን ዓለምለኻዊ ምጣኔ ሃብታዊ ወፍሪታተን ዘዉሕስን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር፣ ጎኒ ንጎኑ ፖሎቲካዉን ማሕበራዊ ዘይሩጉኡነት ብምፍጣር ዝዝዉተር ጸቕጢ እዩ።

2.     ድሕሪ ምዉዳእ ዓለምለኻዊ ዙሑል-ኪናት ኣብ ሞንጎ ምዕራብን ምብራቕ ክፍልታት ዓለምን፣ እቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ኣድማዕነትን ተዛማድነት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ከም ቀንዲ መለለይ-ሕላገት ሃገራዊ መንነት፣ ብቛንቛ፣ ብኤትኒክ-ጉጂለ፣ ብቀቢላ፣ ብሃይማኖትን ብመሰል-ርእሰ ዉሳኔ ተሳቢቡ ዝራኣናዮ ምብትታን ኣህዛብን ሃገራት ዩጉዝላቪያ፣ ሶቪየት-ሕብረት፣ ሶርያ፣ሱዳንን ሶማሊያ…ወ.ዘ.ተ እዩ። ናይዚ ምብትታን’ዚ ጠንቂ ዉሽጣዊ ግርጭታት እተን ዝተበተና ሃገራትን ንምብትታን ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣህዛብ ን ሃገራት ዘይኮነ፣ ካብ ስግረ-ዶባት ዝነቅል ስግረ-ደባዊ ምትእኽኻብ ዘታባብዖን ዝፈጠሮ ጸቕጥታት እዩ። ነቲ ዉሽጣዊ ቡዙሕነት ኣብ ክንዲ ንሓደ መንነት ክዓኩኽ ዝሕግዞ፣ ንትኹላዊ ምትፍናን ክኣቱ ዝያዳ ሓሸዋ ይዉስኸሉ ኣሎ።

ዲሞክራስ ብዝበለጸ፣ ኣብ ክሊ ሃገራዊ፣ ፖሎቲካዊ ዉደባን ስልጣ ዝጋሃድ፣ ዝሰርሕን ዝዓቢ መስርሕ እዩ። ዓዉለማ ንኣገዳስነት ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ብምፍጋር ከምዘንቆልቁልን ከምዝዳኸም ስለዝገብሮ፣ ዲሞክራሲ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ንሓፋዊ ዲሞክራሲ (liberal democracy) ኣብ ዓለምና እንዳተዋሰነን እንዳተዳኸመ ይኸይድ። ስለምንታይ? ዓዉላማዊ ምሕደራ ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ግምታት ኣእምንሮናን ተግባር ከም ዉሁብ ዘይተርፍን ፈጺሙ ዘይጉሰ መሰረታዊ ፖሎቲካዊ ኣምር ናይ ደቂ ሰባት ወሲድና፣ ብኡ መሰረት ተጥርኒፍናሉ ዝጸናሕና መንነት ብስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ዝተሃንጸ ራሕሪሒና፣ ኣብ ክንዲ ብምርዓም ብጸቅጢ ፣ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ቬርገሳዊ መንነት ክልብሰና ስለዝማጣጠር፣ ኣህዛብ መንነቶም ኣጥፊኦም ኣብ መንነታዊ ቅልዉላዋት ይድቕደቑ እሞ፣ ኣብ ዉሽጢ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ማሕበራዊ ወጥርታት፣ ዘይምትእምማን፣ ፍርሕታትን ምሕንጋድን ፈጢሩ፣ ናይ መንነት ፍሉይነታት ግን ኩሉእንትናዊ ምልኣት ዘለዎም ቅድመ-ሱሩት መንነታት ከምዝባርዑ ይገብሮም። ኣብ ኮንጎ፣ ዩጉዝላቪያ፣ ሶማል፣ ሱዳን…ወ.ዘ.ተ ዝራኣናዮ ተሞክሮታት ናይ መንነት ሃንደበታዊ ምቕይያራት ምስ ቅድመ-ሱሩት ዝምድናታት ነዉጺታት ናይ ምትእስሳር ጸባያት ዘለዎ እዩ።

ንፖሎቲካዊን ኣምር ዲሞክራሲ ከም ሓሳብን ተግባር፣ ካብ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ነጺልና፣ ክንጥቀመሉን ከነተግብሮ ኣብ ንህቕን እዋናት ሙስሉይ እንበር ሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣይከዉንን። ንመረዳእታ ኣብ ገለ ሃገራትን ኣህዛብ ዲሞክራሲ ከምዘሎን ኣብ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ዝተነጽፈን ዝተነድቀን ከምስሉ ፣ ካብተን መሰረታዉያን ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ዝኾና ሓንቲ ፣ ሰብ ክዋዳደርን ክመርጽን ክምረጽ መሰሉ ብምርግጋጽ ፣ ናይ ዉድድር ምርጫታት የፍቕዱን የካይዱን እዮም። ኣብዚ ምርጫታትን ዉድድራትን ድማ ብዘይካ እቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ዘሎ፣ ሓድሽ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ የሎን። ከም ገለ ህዝቢ ነቲ ዘዳሉዉሉ ማሕለኻታትን ዉዲታትን ጥሒሱ ካልእ በደላ ሰብ እንተመሪጹ ብሻንብቆ-ብረት ይስሃሉዎ፣ ንትኹላዊ ምትፍናን ኣእትዮም ህዝቢ ነንሕድሕዱ የቃትልዎ ወይ ድማ ነቲ ናይ ምርጫ ወረቓቕቲ ብምንዳድ ንሳቶም ከምዝተዓወቱ ይእዉጁ፣ እዚ ድማ ወትሩ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ሃገራት ዝተራእየ ተርእዮታት ኣብ ኮንጎ፣ ኬንያ፣ኢትዮጵያ…ወ.ዘ,ተ ከም መርትዖ ዘለዎ ተሞክሮ ተራእዩ እዩ።

ፖሎቲካዊ ኣምር ዲሞክራሲ ብንጹር፣ ኣብ ፍጹምነት ጽኑዕ ኣዋዳድባ ህዝቢ፣ ሃገርን ፖሎቲካዊ ስልጣ ተሞርኪሱ ድሌት ቡዙሓት ዘራጋግጽን፣ መሰል ዉሑዳት ድማ ዝግብኦም መሰላት ካይንፈጎም ጽኑዕ ዕርድን ዋልታ እዩ። ብወሰንቲ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት (dominant group or elite) ስዉራትን ጉሁዳት ጉጂለታት ዝዝወር፣ ዝቅለስን ዓቢ ህዝባዊ፣ ሃገራዊን ዓለምለኻዊ ዉሳኔታት ዝዉሰን እንተኾይኑ፣ እቲ ቆይሙ ዘሎ ትካላዊ-ጉጂለ (Establishment) ናይ ስልጣን ፍጹሙነት ስለዝጎድሎ፣ ኣዝዩ ቱሑት ዲሞክራስያዊ ባህርያት ዘለዎም፣ ሙስሉያት ዲሞክራስያዊ ትካላት እዩም። እዞም ሙስልያት ዲሞክራስያዊ ትካላት ድማ ብካልኦት ናይ ወጻኢ ሃገራት ብስም ዘይመንግስታዉያን ትካላት ወይ ዉድባት (NGO) ተተኪኡ ሃገራዊን ህዝባዊን ትካላት እንዳጸነተን እንዳተተክኤን ይኸይድ፣ ኣብ ክንዲ ንዝበዝሔ ኣህዛብ ዓለም ረብሓታት ዘራጋግጹ ድማ፣ ረብሓ ናይቶም ዉሑዳት ዝቋጽጸርዎ የገልግሉ። ንመረዳእታ፣- ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UN)፣ ዓለምለኻዊ መንግስታዊ ዉድባት (IGOs)፣  ምጣኔሃብታዊን ምዕብልና ምትሕብባር ዉድብ (OECD) ፣ዓለምለኻዊ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO); ኤዉሮጳዊ ጸጥታዊ ምትሕብባር ዉድብ (OSCE)፣ ዓለምለኻዊ ናይ ንግዲ ዉድብ (WTO) ዓለምለኻዊ ናይ ገበነኛ ቤትፍርዲ (ICC or ICCt)…ወ.ዘ.ተ እየን።

ሓደገኛ መስርሕ ዓዉላማ ንሓቀኛ ዲሞክራሲን ዲሞክራስያዊ መስርሕ ኣስጋኢ ዝኾነሉ ዘሎ  ሓደ ጭቡጥ መርትዖ ኣሎ። ንሱ ድማ ዓዉላማ ንስልጣን ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ማለት ነቲ ቀንዲን ወሳኒን ምንጪ ሰረተ-ህልዌ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ብዘይ ገለ ንሕስያ የዳቕቆ፣ የዋስኖን ይጎስዮን ምህላዉ እዩ። እቲ ምንታይስ  ምስ ስግረዶባዉነት (transnationalisation) ናይ ምጣኔሃብታዊ ንጥፈታት ተኣሳሲሩ ኣብ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊ ሂወት ኣህዛብ ብቀጥታ ስለዝጸሉ እዩ። እተን ሃገራት ወይ ኣህዛብ ኣብ ክንዲ ኣብ ማሕበራዊ-ጸጋታተንን ስነሓሳብ ህዝቢን ሃገርን ዝተሞርኮሰ ፖሊሲታት ዝሕንጽጻ፣ ብስግረዶባዉነት ፖሊሲታትን ኣንፈተን ስለዝስሕታ፣ ካይተረድኤንን ተገዲደን ግሊያ ናይ ስግረዶባዉነት ፖሊሲታት ይኾና። ሓንሳብ ኣንፈተን መሰጥፍኣ ድማ ኣብ ቡሩሱል፣ ሎንደን፣ ዋሺንግቶን…ወ.ዘ.ተ ኮይኖም እንታይነቶም ብዘይፍለጡ ሕቡኣን ወይ ናይ ፍሉይ ረብሓ ጉጂለታት (secret societies &special interest groups) ይዉሰን። ካብቲ ዝወሶኑልካ ፍሕት ክትብል እንተፈቲንካ ድማ ዝተፈላለየ ሽርሕታት፣ ጸቕጥታትን ዉዲታት ኣብ ልዕሌኻ ብምትግባር ኣዳኺሞም ካብ ስልጣን ይኣልዩኻ ወይ ድማ ነቲ ሕብረተሰብ ንትኹላዊ ምትፍናን ኣትዮም ኣብ ኩናት-ሕድሕድ ትደቅዲቓ ነንሕድሕድካ ከምዝዋዳእ ይገብሩዎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፣ መብዛሕትኡ ጊዝያት ዝርኤ ተሪዮታት፣ ኣህዛብ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫታት ንመን ይመርጹ ከምዘለዉ ንምርድኡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንሃገራዊን ህዝባዉን ልዕላዉነት (Sovereignty)፣ ምልኣተ ናጽነትን ሓርነት፣ ሲቪካዊ ሃገርነትን መንነት ዝጣበቁን ዝጽዕዱ ሓይልታት  እንዳተዋሶኑን እንዳተዳኸሙን ይኸዱ እሞ እቲ መልክዕ ኣልቦ ዶብ ሰገር ፖሊሲታት እንዳሳዓረ ይኸይድ። እዚ ስዕረት እዚ ብሃገራዉነትን ዲሞክራሳዊነትን ዘይምእዘዙ ሓይልታት ዉዳቤኤሙን ሓይሎም ከምዝወጹ ይገብሮም፣ ምትፍናን ናይ ክልተ ሓይልታ ማለት ሓይሊ ስልጣንን ሓይሊ ዲሞክራሲዉነት ዘይብሉ ሓይሊ ብመንጸሩ ንሃገራዉነትን ዲሞክራሳዊነትን ስልጣን ዝጻረር ሓይሊ ስለዝፈጥር፣ እቲ ወናኒ ሓደ ሃገር ዝኾነ ህዝቢ ናብ ክልተ ክራኸብ ዘይክእል ዋልታታት ብምስላፍ ንትኹላዊ ምትፍናን ከምዝኣቱዉ ይገብሮም።

እዚ ክዉንነት እዚ ማሕበራዊ ዉድቀት እዩ ዝፈጥር። እቲ ምንታይስ መስርሕ ዓዉላማ ንተሳትፎ ዲሞክራሲ ስለዝጾሉ እዩ። ዓዉላማ ብግብሪ ንማሕበራዊ-ባዶነት (Social Vacuum) ብዝላዓለ ጥርዚ-ሕና ኣብ ምፍጣር ስለዝርከብ፣ ኣብ ኩሉ ሃገራትን ኣህዛብን ዓለም ማሕበራዊ-ባዶነት ሩጉጽ ኮይኑ ኣሎ። ንማሕበራዊ-ባዶነት ቀንዲ ሩጉጽ ዝገብሮ፣ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ብስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ከም ሓደ ተፈጥሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ዉሽጣዊ ሕብረተሰብኣዊ ሕጊ ዝጥምቶ፣ ከም ኣህላኽን ናይ ዕዳጋ-ሕብረተሰብ ስለዝጥምቶ እዩ። ማሕበረሰብ ንዕዳጋ ኣብ ዝቅየረሉ እዋናት፣ ኣብ ክንዲ ሕብረተሰብኣዊ ሕጊ፣ ሕግታት ዕዳጋ ቀንዲ ገዛኢ  ሕብረተሰብ ይኸዉን። መንነት እቲ ንሕብረተሰብ ድማ ብምህላኹ ይዉሰን። ከም ኣህለኽቲ ዞሎና ምጣኒሃብታዊ መንነት፣ ነቲ ሲቪካዊ ወይ ተፈጥራዊ ሰብኣዊ መንነትና ብእስትንፋስ ዘይህብ ቅልጣፌ ይድምስሶን የዳቕቆን እዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ ብተነጽሎ ናይቲ ገዚፍ ዘይህልኽ ህዝቢ ዝንጻባረቕ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ናይ ምህላኽ ሓይልን ማሕበራዊ ኣቓዉማ ኣታሓሕዛ ናይቶም ቁሩብ ዘህሉኹ ወይ ድማ ናይ ምህላኽ ዓቕሚ ዘይብሎም ከም ጸገም ካብኡ ዝገደዱን ጌርካ ብምቁንጻብ ዝገልጽ ዘሎ ተርእዮ እዩ። ንመረዳእታ መብዛሕትኡ እዋናት ዝግለጽን ዝሩቁሑ 1,032,532,974 ዝብዙሑ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብባህርያዊ ሃብቱ ካብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት ዝሃብተመት ክፍሊ ዓለም፣ ብሃንደበት እንተዝጸንቱ፣ ብምጽናቱ ዝድነቕ ወይ ዝስንብድ ዓለም የሎን። ምኽንያቱ ብመግዛትን ሓድሽ መግዛትን ተመጽዩ ናብ ብትከት ወይ ፍጹም ድኽነት ዝወደቀ ኣህዛብ ስለዝኾነ፣ ብሕጊ ዕዳጋ ዓዉላማ ከም ዘየህልኽ ሕብረተሰብኣዊ መንነት ስለዘጠሙቆዎ ካብ ክህሉ ክጸንት ይምነየሉ። ከርሲ ናይቲ ቁምነገር፣ እቶም ብኣድማዕነት ከም ኣህለኽቲ መንነቶም ከራጋግጹ ዘይክኣሉ፣ ንነብሶም ይኹን ንኻልኦት ኣህዛብ ዓለም ከምዘይጠቅሙን ከምዘይህልዋት ናይ ምጽብጻብ ባህርያት ስለዝዉንን እዩ።

ዕዳጋ ንሕብረተሰብ እንዳዋሓጠን ብኣህላኽነትካ መንነት እንዳዓደለ ስለዝኸይድ፣ ብምህላኽ ዝፍለጥ መንነት ልዕሊ ኹሉ ይስራዕ። ልዕላዉነት ሃገርን ህዝብን ዲሞክራስያዉነት ይኹን ካልኦት ዓይነት ፖሎቲካ ንምክያድ ዘይክኣል ይመስእል፣ እዚ ድማ ቡዙሕ ዘገርም ጉዳይ ኣይኮነን። እቲምንታይስ ዕዳጋ ብፉሉይነት ርእሰ-ሙኡኩሉነት ጭዉ ዝበለ ዉልክቃዉነት ዝልለ ክኸዉን እንኮሎ፣ ዲሞክራሲ ግን ብኣድማሳዉነት እዩ ዝልለ። ብርግጽ ብዘይ ሓባራዊ ዕላማ፣ ነቲ ሓባራዊ ዕላማ ዝብል መበገሲ ብቀዳምነት ክዉን ዝገብሮ ተዛማዲ ናይ ህዝቢ ዝብል ቅድመ ግምታዊ መወከሲ፣ መሰረታት ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ከራጋግጽ ኣይክእልን እዩ። ኣቃዉማ ፖሎቲካዊ ሕብረተሰብ ከም ህዝቢ ናይ ብሓባር ዘቋድሶም ባህርያትን፣ ሓባራዊ ረብሓታት፣ ሓባራዊ ስክፍታታት፣ ሓባራዊ ምትሕልላያት፣ ሓባራዊ ዕላማታትን ምትካል ዋልታ ኣብ ዝብል ቅድመ-ግምታት ዝተሰረተ ብሙኻኑ እዩ።

ርሒብ-ገቢል (masses) ዝብል ቃል-ፖሎቲካዊ ኣምር ብዝዓሞቀን ዝሰፍሔ ትሕዝትኡ ንምርድኡ ኣታናትና  ናይ ሄግል ማሕበራዊ-ክልሰሓሳብ (Hegel’s social theory) ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ብዝምልከት ክንግንዘብ ይክኣል እዩ። ሄግል ኣብ ዘቕረቦ ፍልስፍና ንሓደ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ብሰለስተ ጥርዝዊ-ሰንጠረጅ ወይ ባእታታት ማለት ስድራቤት፣ ሲቪላዊ-ሕብረተሰብን መንግስት ዝቆመን ፈጺምካ ክትፍላልዮም ዘይትኽእል ምትእስሳራት ከምዘለዎም ይድምድም። እዚ መደምደምታ እዚ ዝገልጸልና ነገር እንተሃሊዩ፣ ቀዳማይ፣ ርሒብ-ገቢል ዝብል ኣምር ንኡኩብ ዲሞግራፊካዊ ብዝሒ ጥራይ ዘናጻጸረ ዘይኮነ፣ ንማሕበራዉን ሞሎኮታዊን ትካላት፣ ማሕበራዊ ቀጸላታቱን ጸዋታኣዊ ትሕዝትኡ፣ ምክፍፋል ማእቶቱን ሞያታቱን፣ ወለዳታቱ፣ ሓባራዊ ሞራሉን ስነ-ምግባር፣ ዜግነት፣ መንነት፣ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊ መሰላትን ጉቡኣት፣ ድሌታት መላእ ርሒብ-ገቢልን ኣራእእያቱ  ዘጣቓለለ ኮይኑ፣ነዚ ዘማሓድር ንብረት ወይ መሳርሒ ርሒብ-ገቢል ዝኾነ መንግስቲ ከምዝህልዎ እዩ። ካልኣይ፣ ሓንቲ ስድራቤት ብደምን ብተንካፊ ስምዒታዊ ሸነኻታ ጽንዑ ምትእስሳር ዘለዋ ናይ ትእምርቲ ኣሃዱ ሙኻና እዩ። እዛ ናይ ትእምርቲ ኣሃዱ እዚኣ ቀንዲ መሰረት ሕብረተሰብ ምኻናን፣ በቲ ንሳ ብመዉስቦን  ተሳትፎ ኣብ ምፍራይን ምሻጥን ምልዋጥ ትጻወቶ ግደ ድማ ኣብ ዉሽጥ ሕብረተሰብ ናይ ዉልቃዉነት ሽዉሃት፣ ምቅርራብን ምጉናይ፣ ዉድድር፣ ምትሕግጋዛት…ወ.ዘ.ተ ዘምርሕ ጋድማዉን ቱኹላዉን ዝምድናታት ከምዝጋሃድ ኩዉን ትገብር። ኣብ ገለ እዋናት ንዉልቀን ዉልቃዉነት ምስ ማሕበራዊ ሂወት ብምዝማድ ብኣሉታ ዝምባሌ ወይ ዉልክቀ እዩ ወይ ሕሉፍ ስስዔ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ፣ ብመንጸር እዚ ኣዉንታ ከምዘለዎ ምርዳእ ኣድላይ እዩ። እቲምንታይስ ዝምድናታት ሕብረተሰብ ካብ ዉልቀ ጀሚሩ ንስድራቤት፣ ካብ ስድራቤት ምስ ሕብረተሰብ ናይ ሓድነት ምትእስሳራት ስለዘለዎ እዩ። ብዓቢኡ ግን ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሕጋዊ ማዕርነትን ሓርነት ንዝዓለመ ሓባራዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ ዘስዕብ ብዉልቃዊ ተቦግሶታት ዝልለን ዝዕየር ብምኻኑ፣ ቀንዲ ኣግእዞ ዉህደትን ጥምረትን እዩ። ሓራ ዝኾነ ዉልክቀሰብን ዉልቃዉነትን እንተዘየሎ ሓራ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ክፍጠር ስለዘይክእል እዩ። ኣብ ሕቶ ዲሞክራሲ ንዉልቀ ሰብ ዘማእከለ ካብ ኮነ፣ ናይ ስድራቤትን ጉጂለን ጉዳይ ድማ ናይ ምስሳይ (accommodation) ሕቶ ስለዝኾነ እዩ። ከምቲ ሄግል ዝገልጾ ኣብ ስርዓተ ድሌታት (The System ofNeeds) ምብትታን ስድራቤታትን ምድቃቅ ሕብረተሰብ ናብ መባእታዊ ባእታታት ንልዕል ዝበለ ድሌታት የምርሕ። ሓደ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ብመስርሕ ናይ ዝጎደለ ምምልላእን እንካን ሃባን ተኣሳሲሩ ዝህነጽ ባህርያዊ ሓድነት ከንሱ፣ ዓዉላማ ንድንፋዔ ፖሎቲካዊ ግንዛቤን ንቕሓት፣ ፖሎቲካ ሪሒብ-ገቢል ክዉን ዝገብሮም ሮቛሒታት ብምፍጋርን ብምቡርቓቕን፣ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝተሞርኮሰ ሕብረተሰብ ናብ ምድቓቕ ገጹ ይመርሖ ከምዘሎ እዩ።

ብዓለማዊ ዕዳጋ ዝተደረኸ መዋዳድርቲ ዘይብሎም ናይ መራኸቤታት ስነ-ኪነት ምዕባሌታት፣ እቲ ዕዳጋ ዝፈጠሮ ናይ ሓቤሬታን መራኸቢታት ሰዉራን፣ ንቅሓት ወይ ግንዛቤ ብዘይዕገት ናህሪን ምልኣትን ዝፍኖ ሓቤሬታ ከምዝኾነ ጌርና ከም እንርዳእ ይገብረና። ሓቤሬታ ከም ግንዛቤን ንቅሓት ይዉሰድ እኳ እንተኾነ፣ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ባህርያትን ገጽ የብሉን። ምኽንያቱ፣-

1.      ዉጽኢት ናይ ስነኪነት እዩ።

2.     ንገዛእ ርእሱ ጥበብ-ስነኪነት እዩ።

3.     ቅርጺ፣ትሕዝቶን መልእኽትን ዝዉሕዝሉ ኣጋባብ ዝተሓላለኹ ኮይኖም ዉህደቶም ሓቤሬታ ስነኪነት ካብ ስነኪነት ዝተፈጥረ ብምኻኑ እዩ።

4.     ብስነኪነታዊ ነገርነቱ፣ ሓቤሬታ መራኸቢ ዘይኮነ ጸረ ርክክብ እዩ። ብሓፈሻ እንካን ሃባ ዝጠልብ ርክብ፣ ብፍላይ ድማ ዕዘት ኣገዳስነቶምን ዳይነሚክነቶምን ብዘየገድስ ክዉሕዙ ኣየፍቅድን እዩ። እቲ ምንታይስ እቲ ዝዉሕዝ ሓቤሬታ ከምዘለዎ ክትጎስሞ ስለዝድርኸካ ንዓይ ጥራይ ስምዓኒ ወይ ድማፈቲኻ ጸሊካ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ ዝብል ድንዕታ ስለዘለዎ እዩ።

5.     ሓቤሬታ ኣብ ስነኪነት ዝተወቀተ ብምኻኑ፣ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ገጻት ዘይብሉ ብምኻኑ፣ ንሓደ ሕብረተሰብ ከም ሓደ ሂወት ዘለዎ እኩብ ኣይርዕመሉን። ነቲ እኩብ ክጎጃጅሎን ክጀዳቕቆ ይጽዕት።

6.     ስነኪነት ንዓና ከም ኣብ ነናይበይንና ደሴት ወሽቡ፣ ንኣካላዊ ርክብ ደቂ ሰባት መንዚዑ፣ ብመገዲ ኤለክትሮኒክ ዘይኣካላዊ-ሃዉሪ (virtual) ብምርኻብ ኣካላዊ ማሕበራዊ ተነጽሎ ይፈጥር። እዚ ክዉንነት እዚ ድማ ደቂ ሰባት ወይ ሕብረተሰብ ካብ ማሕበራዊ ተምክሮን ኣካላዊ ርኽክብ ይንጸል

7.     ዓዉላማ ብስንጊንጢሪነት ናይ ሓድሽ መራኸቢታት ስነኪነት ሓቤሬታን ህዝባዊ ዓንኬል ይፈጥር። ምልክታት ተነጽሎን፣ ማሕበራው ምድቓቕን ድማ ይቀርጽ። ስነኪነት ንህዝቢታት ዓለም ንጹል ብዝኾነ ማሕበራዊ ተሞክሮ ብዝሕርም ብልሓታት ሓቤሬታ የባጽሓልና ኣሎ። እቲ ሓቤሬታ ኣብ ክንዲ ሓቤሬታ ኮይኑ ፍልጠት ዘስንቀካ ይንጽለካ እሞ ተገልቢጡ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዘይኣካላዊ-ሃዉሪ ማሕበራዊ ዓንኬል የዳቕቆ። እቲ ምንታይስ ኣካላዊ ክልተኣዊ ርክክብ ዝፈጠሮ ናይ እንካን ሃባን ሓቤሬታታት ስለዘይኮነ ከምዚ ንህዋ ክንፅብጦ ዘይንኽእል ዘይጭበጥን እዚን እቲን ክትብሎ ዘይክኣል ጉዳይ ስለዝኸዉን፣ ተነጽሎታት ፈጢሩ ኣብ ስነኣእሙራዊ ጸቕጥን ልምሰት ኣእሙሮ የእትወና። ናይ ማሃዝነትን ናይ ምሕሳብን ዓቕምታትና እዉን እንዳተዳኸመ ይኸይድ።

8.     ሓቤሬታ ኣዝዩ ተዋራራሲን ተዛማዲን ዘይርግኡን ስለዝኾነ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ምክፍፋል ወይ ድማ ናይ ምምሕባር ባህርያት ስለዘይብሉ፣ ንሓደ ማሕበራዊ ኣቓዉማ ከንቕል ወይ ድማ ለዉጢ ከምጽእ ብጻልጥኡ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ከምዚ ክዉንነት ሓይልኻ ወይ ድማ ስልጣንካ ናይ ምሕራም ፖሎቲካ ክህሉ ዝክኣል። እቲ ምንታይስ ኣቲ ወሳኒ ተራ ናይ ፖሎቲካዊ ምልዓል ከምዘይዕተር ኮይኑ ብመራኸቢ ቡዙሓን ተገቢቱን ፖሎቲካዊ ድሌትን ፖሎቲካዊ መረጻታት ኣብ ናይ መረጻታት ሳንዱቕ ጥራይ ተጨባጥነቱ ዘራጋግጸሉ ክዉንነት ስለዘጣጥሕ እዩ። ሓቤሬታ ሓይሊ ኣኳ እንተኾነ፣ ሓቤሬታ ካብ ማሕበራዊ ርክክብን ተሞክሮን ዝንጽል ካብ ኮነ፣ ካብ ኣዉንትኡ ኣሉትኡ ይዓዝዝ። ገለ ማሕበረሰብ ዓለምና ወይ ደቂ ሰባት፣ንዓብላልነት መራኸቢ ቡዙሓን ከም ቀንዲ መራጋገጺ ሓርነት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ መራጋገጺ ብልሓት ገይሮም ስለዝወስድዎ፣ ብመራኸቢ ቡዙሓን ኣቢሎም ሓርነት ወዲ ሰብ ከራጋግጹ ይህቕኑ። እንተኾነ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት፣ ኣባላት ህዝቢ ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፉ ከም ደረኽቲ ተሳተፍቲ ዘይኮነስ፣ ከም ትንፋስን ቁምነገርን ዘይብሎም ነገራት ወይ ጸላጽል እዮም ዝራኣዩ።  ቀንዲ ሕመረትን ኣገዳስነትን ፖሎቲካዊ ድሌታትን ፖሎቲካዊ ምርጫን እምብኣርከስ ዳይናሚክነት ናይቲ መስርሕን፣ ምግላጽ ናይቲ ዘይስበር ፖሎቲካዊ ቆራጽነት፣ ናይ ኣማራጺታት ህልዉ ተሞክሮን፣ ምግላጽ ናይቶም ድሌታት፣ ኣብ ንሓባር ዘገዱሱ ጉዳያት ብንጥፈት ምዝታይን ዘጠቓልሉ እዮም።

መዛዘሚ፣-

ዓዉላማን ፖሎቲካ ንነብረላ ዘሎና ዓለም እዚ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ኣጋባብ ዝተጣሕመሰ ካብ ኮነ፣ ቀዳማይ ካብዚ ማሕለኻታት እዚ ከነምልጥ ዶ ንኽእል? ካብዚ ዓዉላማዊ ማሕለኻ ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና፣ ነቲ ማሕለኻታት ብግቡኡ እንተፈሊጥናዮ ግን ኣብ ክንዲ ንረብሕኡ፣ ንረብሓና ክንቅይሮ ተኽእሎታት ኩሉ ጊዝያት ሩጉጻት እዮም። ዕላማናን መሰረት ዕላማና እንተሲሕትና ግን ኣንፈትና ኣጥፊኡ ክገዝኣና ምኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ  ኩነታት ዓዉላማን ኣሉታቱ ግቡእ ኣፍልጦን ተገንዝቦን ስለዘይብሉ፣ ግንዛቤታት ከጥሪ ጻዕርታት ከድሊ እዩ።

ኤርትራዉያን ብዘይ ገለ ዞናዉን ዓለምለኻዉን ተጻብኦታት ዕላማና ከነዕዉት ዶ ንኽእል? ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ተጻብኦታት ናይ ረብሓ ተጻብኦታት ብደረጃ ዓለም ዝንጠፈሉ ስለዝኾነ፣ ከምዚ ዓሳ ካብ ባሕሪ ቦሎኽ ኢሉ ዝወጽእ ግን ክነብር ድማ መሊሹ ንባሕሪ ዝምለስ መታን ካይከዉን፣ ዝተነጸረ ፖሊሲታት ኣብ ሓባራዊ ረብሓ እንካን ሃባን ፈሊጡ፣ ንሕና እንዕወተሉ እቶም ካባና ዝደልዩ ድማ ዝዕወትሉ ናይ ዓወት ዓወት (win win) ዘሳስን ፖሊሲ ክህልወና ይግባእ። ብመንጸር እዚ ኣብ ዉሽጥና ሓድሕዳዊ ኣፍልጦ (recognition) ዝመለልይኡ፣ ሓድነት ኣብዉሽጢ ቡዙሑነት ተቀቢልና ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነት ዘእትወና ፖሎቲካዊ መስርሕ ሓድነት (melting pot) ብዘይዉዓልሕደርከነንቕሎክንክእልኣሎና።

እሞ ዓዉለማ ከምዚ እንተኾይኑ ከመይ ጌርና ዉሑድ ህዝቢን ድኻን ንኡሽቶ ሃገር በይንና ክንሰርር ኢና? ዝብል ተስፋ-ቀቢጻዊ ሕቶ እዉን ክልዓል ይኽእል እዩ። ዓዉላማ ብፍላይ ንሳልሳይ ዓለም ህዝብታትን ሃገራት፣ ብሓፈሻ ድማ ን99% ንህዝብታት ቀዳማይ ዓለም ወይ ሙዕቡላት ሃገራትን ኣህዛብን ዓምጢሩን ገቢቱ ሒዝዎ ስለዘሎ፣ እቲ ቃልስታት ኣብ መላእ ዓለምና ብመላእ ኣህዛብ ዓለም ስለዝካየድን ኣብ ማሕበራዊን ምጣኔሃብታዊ ፍትሒ ምንዳይ መትከላት ስለዝሙርኮስ ቁኑዕ ቃልሲ እዩ። ቁኑዕ ቃልሲ ድማ ዉዒሉ ሓዲሩ ከምዝዕወት ንኣምን እንተኼና ኣብ ዓለማዊ ቃልሲ፣ ቃልስና ኣበርክቶ መታን ክህልዉ ክንቃለስ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ።  ሰዉራ ኤርትራ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ክቃለስ እንኮሎ፣ ኣንጻር እምባራጦራዊት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ እምባራጦራዊት ኢትዮጵያ ብሓያላት ሃገራት ኣሜሪካ፣እንግሊዝ፣ ሩስያን ኢስራኤል እንዳተሓገዘት እያ ን30 ዓመታት ተቃሊስና ናጽነትና ዘራጋገጽና። ሕጂ እዉን ኣንጻር ዉሽጣዊ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን፣ ግዳማዊ ገበቲ ኣካላት ዓዉላማ ክንቃለስ ናይ ግድን ስለዝኾነ ክንቃለስ ኢና። ነዚ ቃልሲ እዚ ዝጸሮ ወሳኒ ግደ ወዲሰብ ስለዝኾነ፣ ወሳንነት ተራ ዜጋ ከነራጋግጽ ክንበቕዕ ኣሎና። ኣብ እነካይዶ ቃልሳዊ ስትራተጂ ወትሩ ሰብ ማእከላይ ቦታ ስለዝሕዝ ብዓይነቱን ዓቀኑን ንቁሕ ዜጋ ኣብ ምፍጣር ሚስጢር ዓወት ማሕበራዊ ሰዉራና ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ።

እዚ ብጂግንነትን ሓርበኛነትን ዝመለልይኡ ህዝቢ ኤርትራ፣ ስድራቤታቱ ክባታተን፣ ኩሊቱ ከም መቓያየሪ ኣቁሑ መኪና ክሽየጥን ክልወጥን እንኮሎና፣ እንታይ እዩ ወሪድና? እዚ ኹሉ ጅግንነት ብምንታይ መኺኹ ተሪፉ? ዝብል ሕትኢታት ዘላዕል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ገሌና ደገፍት ጋባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ገሌና ደገፍት ማሓዉራት ዘይብለን ፖሎቲካዊ ዉድባት ካብ ኮና፣ ሓደ ሩኡይ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ጸገም ጉድለት ማሕበራዊ ንቅሓትን፣ ዉልቓዊ ሓርነትካ ዘይምእዋጅን ኮይኑ፣ ሳዕቤናቱ ክዛረብ ዝኽእል ናይ ኣእምሮ-ጊልያ ናዉቲ ማእቶት ኣርካናት ኪናት ስለዝኾና እዩ። ስለዚ እቲ ብድሆ፣ ናይ ኣእሙሮና ናይ ምቅያር ብድሆ ስለዝኾነ፣ መጀመርታ ነብስና ሓራ ከነዉጽእን ንኣእሙሮና ክንቃለሶ ይግባኣና። ንኣእምሮና ክንቃለሶ ድማ ፍልጠት ክንድልብ ስለዝግብኣና ተማሃር፣ ስራሕን ተቃለስን ቀዳማይ ጭርሖና ክከዉን ይግባእ። ምስተማሃርናን ዉልቃዊ ሓርነትና ምስ ኣወጅና፣ ንካልኦት ሓራ ከነዉጽእን ወሳኒ ጊደ ሰብ ክንጻወት ንኽእል ኢና።

 

መርእድ ዘርኡ

03/02/2013

 

 

ጭግራፊስ ሃሪማ ተእዊ!

Filed under: Article — eritrearealclearpolitics @ 8:44 am

 

ጭግራፊስ ሃሪማ ተእዊ!

 

http://www.tesfanews.net/archives/11739

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራዉያን  ዜጋታት ግዳይ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብ ምስግጋር ኮይኖም እንከለዉ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣጽቂጥካ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሕጂ ንማንኪ ሙን ደብዳቤ ምጽሓፍ ሓልዮት ድዩ ወይስ ካብ ሓላፍነት ምህዳም እዩ?

ሓድሽ ጠባያቱን ተግባራቱ እኳ እንተዘይኮነ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ኩቱር ዓቅሊጽበትን ንድየትን ዝነቀለ፣ ኣብዚ እዋናት እዚ ብናህሪን ጻዕቒ ዝወስዶ ዘሎ ሰብኣዊ ቅትለት፣ ኣካላዊ-ጥልፈት፣ ሽርበትን ምእሳራት ደዉ ከብሎ እግዝዝ።

ኣብ ዉሽጢ ከርሲ እቲ ስርዓት ኮይኖም ከም ወትሃደራዊ ሞኮንናት፣ ወትሃደራት፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ሚኒስቲሪታት ተመዲቦም ዝዓዩ ዘለዉ ዜጋታት፣ኣዝዮም ቡዙሓት ዲሞክራስያዉያንን ሃገራዉያን ኣዝዮም ለባማትን ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታት ከምዘለዉ ኣዳዕዲዒና ስለ ንፈልጥ ፣ ሕጂ ጊዚኡ ስለዝኣኸለን ልዕሊ ዓቐኑን ዓይነቱ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ምብትታን ኤርትራዊት ስድራቤት ጋህዲ ስለዝኾነ፣ ንጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጂ ይኣክል ክብሉ ብትሕትና ንጽዉዕ። እትምንታይስ እታ ዝደቐቐት ባእታ ስድራቤት እንተተባታቲና ኤርትራ ከም ሃገር ክትህሉ ስለዘይትኽእል’ዩ።

ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስሩዕ-ስርዓተ ዶሞዝን ማሕበራዊ ዉሕስነት ስለዘይብሉ፣ ብዘይካ ዉሕዳት ሱሱዓትን ብተፈጥርኦምን ዉጽኢት ናይቲ ፋሉልን ብልሽዉ ስርዓት ዝኾኑ ምጣኔ-ሃብታዉን ሞራላዉን ቡልሽዋትዝኾኑ ሰብመዝታትን ተሓባበርቶም፣ ብሃዉሪ ዜጋታ መብዛሕትኦም መዓልታዊ ድራር-ዕለቶም ክምእሩሩ፣ ኩነታት ገዲድዎም ኣብዘይተደልየ ምጣኔ-ሃብታዉን ሞራላዉን ብልሽዉናታት ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዉሽጥ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብቀሊሉ ክሓዊ ዘይክእል ናይ ብልሽዉና ነባሪ-ሕማም (corruption) ፈጢሩ ስለዘሎ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሕጊ ዓሳ-ባሕሪ (ዝፈርዘነ ንዝናኣሰ፣ መዝነት ዘለዎ ንመዝነት ዘይብሉ፣ ገንዘብ ዘይብሉ ንገንዘብ ዘለዉ፣ ሓያል ንድኹም፣ ኣሳላጢ ህዝባዊ ጉዳያት ንኣገልግሎት ዝደሊ ዜጋ፣ ነንሕድሕዱ ብዘይ ገለ ንሕስያ ይባላዕ ስለዘሎ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክሓስበሉን፣ ነዚ ከምዚ ተግባራት ክኹኑኖን ክነጽጎን ንጽዉዕ።

እቲ ጽቡቕ ኢሰያስ ኣፍወርቂ እንታይ ክገብር ምኻኑ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-ምምልልስ ይእንፍት እዩ። ትዝ ካብዝብለና ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ምስ ኢሰያስ ኣብ ኤሪ ትቪ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጠኛ “ጉዳይ ዋሕዚ መንእሰያት ጽኣት-ንስደት (Exodus) ኣብ ዝሓተተሉ እዋናት መልሱ ደርሆስ ኣንዊሕካ እንተኣሰርካያ ዝፈታሕካያ ይመስለ ድሕሪ ምባሉ፣ ከምቲ ልሙድ ዘመኽንዮ፣ መንእሰይ ንስደት ዝጽእተሉ ዘሎ ምኽንያት ብድርኺት ሽርሕታት ማእከላይ ስለያ ኣሜሪካን ካልኦት ጸላእትን ኣብ ዘጻወድዎ ዉዲታት ጽንፈት-ኣእምሮ (brain drain) ስለዝወደቀ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ዝኸዶ ከይዱ ሃገሩ ስለዘይርስዕ ግን ንሃገሩ ደዉ ክብል ምኻኑ ብምሽሓጥ ዛዚምዋ”።

እዛ “ደርሆስ ኣንዊሕካ እንተኣሰርካያ ዝፈታሕካያ ይመስላ” ዝብል ዘረባ፣ተሪር እማቴ እዩ። ናብ ዝኸድ እንተኸዱ፣ ካብ ምቁጽጻርና ወጻኢ ኣይኮኑን ብጻልጣ የስምዕ። ኢሰያስ ካብ ምንታይ ነቂሉ? እንታይ ዘታኣማምን ነገራት ስለዘለዎ እዩ? ዝብል ሕቶታት ክልዓል ስለዝኽእል፣ ኢሰያስ ካብ ኣሲሩሎም ዘሎ ሰኪዔት መጻወድያታትን መደባትን ነቂሉ፣ ብርእሰ ተኣማምነት ነዚ ዘረባ እዚ ተዛሪብዎ። ከም ዉጽኢት ናይዚ ኣማቲ ዘረባ፣ መጀመርታ ሰብ ክሓልፈሉ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ስፍራታት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራ ፈንጂታት ተኺሉሉን ጸሚዱሉን።

ቀጺሉ ብግብሪ ኤርትራዉያን ዜጋታት ካብ  ጎራባብቲ ሃገራት ሓሊፉ፣ ካብ ዉሽጥ ከታማታትን ዓድታት ኤርትራ ገሊኦም ተሓቢሎም ገሊኦም ተጨዉዮም ንሲናይ ብምልኣኽ ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ወይ ድማ ዉሽጣዊ ንዋት ኣካላቶም ከም ሃላኺ ኣቕሓ ክሽየጡን ክልወጥን ንርኢ ንሰምዕ ዘሎና። ኣሰልካይን ደረት-ጊዝየ ዘይብሉ ጉዱድ-ዕዮ ከይኣክል፣ እቲ መንግስት ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምጣቱ እንዳተሸምረረ ኣብ ዝኸደሉ እዋናት፣ ከም ቀንዲ ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንዜጋታቱ ክሸይጥ ክልዉጥ ወሲኑ፣ ን4 ዓመታት ድማ እስትንፋስ ብዘይህብ መገዲ ሰሪሕሉ።

እንታይ ጭብጢ ኣሎ? ብኸመይ ሙኹኑይ ትገብርዎ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት መርትዖ ዘሰነዮ መልሲ ክህሉ ኣለዎ እንበር፣ ኣልዕል ኣቢልካ ጠቀነ እዉን ጽቡቕ ኣይኮነን። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣራጋጊጹ ዝፈልጦ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ብትካላዊ ኣስራርሓ ከምዘይሰርሕ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ምጣኔ-ሃብታዊ ካልእ ስዉር ወፍሪታት ከካይድ እንኮሉ፣ ብስም ዉልቀ ሰባት ዘዋፍር እዩ። ነቶም ዉልቀሰባት ኣካላት-ብርኪ ናይቲ ምጣኔ-ሃብታዊን ካልእ ስዉር  ወፍሪ ጌይሩ፣ ዝነበሮምን ዘለዎምን ገንዘብ ኣራማሚሱ ወይ ይኣስሮም፣ የጸልሞም፣ ካብኡ ሓልፉ እዉን ይቀትሎም።

ኣብዚ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ድማ ብልክዕ ከምቲ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ ብደረጃ ዉልቀ-ሰባት፣ ወትሃደራዉያን ሞኮንናትን ናይ ስለያ መኮንናት ምትእትታዉ ኣለዎ።

 

ቀዳማይ መርትዖ፣ ዜጋታት ብናይ መንግስት ኤርትራ መካይን ካብ ዉሽጥ ሃገር ንጎራባብቲ ሃገራት ብዘይ ገለ ጸገም ይኣትዉ ኣሎዉ። ብዘይ ኣፍልጦ ሴኪዔት መንግስት ኤርትራ ንሲናይ ዝተጨዉዩ ዜጋታት፣ ስድራቤታቶም ናይ ቅርቢ ምትእስሳር ምስ መንግስት ኤርትራ ዘለዎም፣ ካብ ሲናይ ብዘይ ገለ ጸገም ንተሰነይ ብፍልይቲ ቶዮታ ላንዲ-ክሩዘር ዝተመልሱ እዉን ኣለዉ (ንኣብነት ጓሉ ንወዲለገሰ)

 

ካልኣይ መርትዖ፣ ዜጋታት ካብቲ መንግስታዊ መጻወድያ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ወጻኢ ዜጋታት ብዉልቂ ወይ ብዕስለ ክወጹ እንተተረኺቦም ድማ ብጥይት ይሳሃሎም፣ ከም ዉጽኢት እዚ ስጉምቲ መንግስት ኤርትራ ሓያሎ ዜጋታት ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተቀቲሎም እዮም። ርጉጽ እዩ፣ ኣለዉ ብዉልቂ ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ ገበናዊ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት፣ ገንዘብ ከካዕቡቱ ዝተዋፈሩ፣ መንግስት ኤርትራ ኣብ ክዑቡት ምንጭ  እቶቱ ስለዝተጫረትዎ ኩሉ ጊዝየ እዩ ዝሃድኖም። ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረሺኖም እዮም፣ ገሊኦም ተሰዊሮም እዮም፣ ገሊኦም ካብ ሱዳን ተጨዉዮም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስት ኤርትራ ኣትዮም እዮም።

እዚ ስጉምትታት እዚ ንመንግስት ኤርትራ ካብ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ስርሓት ናጻ ምኻኑ ንምርኣይ ዝጥቀመሉ ሜላ እኳ እንተኾነ፣ ምስሉይ ስጉምትታት እዩ። ኣብ መጨረስታ ካይጠቀስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፣ብስም ድነ ተቃዉሞ መንግስት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳን ዝነጥፉ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ዝነጥፉ ከምዘለዉ እዩ።

ንኣብነት ሓንቲ ብዉልቀ ዜጋታት እትነጥፍ ሰኪዔት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ካብ ኣስመራ (ሰንበል ነቂላ ንዓዲ-ተከለዛን ድንበዛን- ቀጺላ ንዓዲ-ንኣምን ዓንሰባ- ቀጺላ ብመንሱራ ባርካ ኣቢላ ንከሰላ ተእቱ ቀሌቤት ነይራ። ኣብ ሓጺር ጊዝያት ቡዙሓት ሰባት ስለዘሳጋገሩ ዘይተደነ ካሻታት ዝመልኤ ገንዘብ እዮም ወኒኖም። መንግስት ኤርትራ ንዕዳጋ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ዝዋዳደሮ ስለዝረኸበ፣ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ገንዘባዊ እቶት ምስተሸምረረ፣ ነዛ ተዋዳዳሪት ብዉልቀ ዜጋታት ትነጥፍ ሰኪዔት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ክረኽብዋ ጊዝየ ኣይወዳኣሎምን፣ ኣብ ሓጺር መዓልታት ረኺቦም ኣብ ኣስመራ ሰንበልን ኣብ ዓዲተከለዛን ኣብ ክሻታት ተዓሺጉ ዝነበረ ገንዝብ ብመንግስት ኤርትራ ተሃጊሩን ገለ ኣባላት እታ ቀሌቤት ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ወዲቆም።

 

ሳልሳይ መርትዖ፣ መንግስት ኤርትራ ንኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ ዉሽጥ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዝነብሩ ብቀጻሊ ይስልል እዩ። ንኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ኮይኖም ዝስልዩ ሃሱሳት፣ ሓደ ሃሱስ ንኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ ወይ ምስኡ ዝሰርሑ ን25 ዜጋታት ይጻናጸን ንወርሒ ድማ 500 ናቕፋ ይኸፍሎም፣ ንኣብ ኤዉሮጳ ኮይኖም ንዜጋታቶም ዝስልዩ ብመሰረት ዘምጽዎ ሓቤሬታታት ካብ 300 ክሳብ 500 ኤሮ ፣ ንኣብ ካናዳን ሴሜን ኣሜሪካን ኮይኖም ንዜጋታቶም ዝስልዩ ብመሰረት ዘምጽዎ ሓቤሬታታት ካብ 400 ክሳብ 700 ዶላር ይኸፍሎም። እቶም ሃሱሳት ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዘካይድዎ ንጥፈታት ንዜጋታት ምጽንጻን ጥራይ ዘይኮነ፣ ገሊኦም ኣብ ሓዋላ ገንዘብ፣ ገሊኦም ኣብ ምሳዳድ ጽዕነት ኣቕሑ ዜጋታት ንኤርትራ፣ ገሊኦም መራሕቲ ናይቲ ኤርትራዊ ማሕበረሰባት…ወ.ዘ.ተ ኮይኖም እዉን ይነጥፉ እዮም። ኣብ ዉሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዉን እንተኾነ፣ ነቶም ብጊዝየ-ደረት ዘይብሉ ጉዱድ-ዕዮ ዝስልከዩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፍሉይ-ሓለፋታትን መብጻዓታትን እንዳገበረ፣ ከም ንገሊኦም ንዉሕ-ዝበለ ጊዝያት ዕርፍቲ ንገዝኦም ከምዝፍቀደሎም ብምግባር፣ ንገሊኦም  ዉልቃዊ ስራሓቶም ከካይዱ ብምፍቃድ፣ ንገሊኦም ተወሳኺ 500 ናቕፋ ብምሃብ…ወ.ዘ.ተ ንሰራዊት ከምዝስልዩ ዝገብር ፖሎቲካዎ ስርዓት እዩ። ርክብ ቴለፎናት ዜጋታት ካብ ናብን እዉን ይጻናጸ እዩ። ካብዚ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ መርትዖታት ብምንቃል፣ መንግስት ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ኣዝዩ ሱጡምን ንጡፉን ናይ ጸጥትኡ ናይ ምሕላዉ ዓቕምታት ዝወነነ ጭፍራ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስለያዊ ዉዳቤን ንጥፈታትን ዘሳላስል ስርዓት፣ ኣንካይዶ ንኣብ ሲናይ ዝተጨዉየ ዜጋ ንምድሓን ስድራቤቱ፣ ካብ ደገ ብመገዲ ዌስትሬን ዩኔን ንባንክ ኤርትራ ብምልኣኽ ኣብ ኣስመራ፣ ደቀምሓሬ፣ ከረን፣ መንደፈራ እንዳተኸፍለ ገንዘብ ንወኪላት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ስለዘይፈልጦ ዘይኮነስ፣ ናቱ ሰኪዔት ስለዝኾነ ጥራይ እዩ፣ እንዳራኣየ ከምዘይራኣየ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ። ንታሪኽ ተባሂሉ እንበር፣ እዚ ክንዝርዝሮ ዝጸናሕና መርትዖታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፣ ማሕበረሰብ ዓለምና ካይተረፈ እዉን ዝፈልጦ ሓቂታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኢሰብኣዊ ተግባራት ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ብትሪ ክኹኑኖ ንጽዉዕ ኣሎና።

ገባቲ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጂ እዉን ነቲ ሓሊቡ ዘይጸንቀቆ ህዝብና ፋይናንሳዊ ዓቕምታቱ ንምሕላብ ናጻ ወፍሪ ብምባል 2 ዋዕላታት ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ዝተካየደ ዋዕላታት ብተሳተፍቱ በዳህቲ ሕቶታት እኳ እንተቀረበ ጭቡጥ መልስታት ኣይረኸበን፣ ኣብ ቀጺሉ ዝተገብረ ቃለምልልስ ግን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲታት ምቅይያር ክገብር ከምዘይኮነ ኣነጺሩ እዩ። ሓራ ዝኾነ ምጣኔ-ሃብታዊ ወፍሪታት ክካየድ ክራጋገጻ ዝግብኤን መሰረታዉያን ሮቛሒታት ኣለዋ፣ ንሳተን ድማ፣-

1.ግዝኣተ-ሕጊ ክራጋገጽ ኣለዎ። 2.ዉሕስነት ጸጥታ ዜጋታትን ብሕታዊ ክፋል ምጣኔ-ሃብቲ ክህሉ ኣለዎ። 3. ሰላምን ምርግጋእን ክራጋገጽ ኣለዎ። 4.ቅርዕዉ መንግስታዊ ትካላዊ ምሕደራ ክህሉ ኣለዎ። 5.ተዛማዲ ናይ ዜጋታት ዉልቃዊ ሓርነት ክራጋገጽ ኣለዎ። 5.መንግስቲ ብዝኣወጆ ሕግታትን ፖሊሲታትን ዝቅየድን ዘተግብርን ክኸዉን ኣለዎ…ወ.ዘ.ተ.። እዚ ብተዛማዲ ካይተራጋገጸ ዝካየድ ምጣኔ-ሃብታዊ ወፍሪታት ብፍጹም ንሓደጋ ዝተቃልዔ ምኻኑ፣ ተሞክሮና ሚሂሪና እዩ።

ብዝኣወጆ ሕጊታት ዘይቕየድ ስርዓትን ንዜጋታቱ ከም ጨዉ-በርበረ ዝሸይጥ-ዝልዉጥ ስርዓት፣ ብዝኾነ ትኣምር ወይ ምኽንያታት ክነብር ዘይኮነ፣ ህዝቢ ፎኦ ኢሉ ፍጹም ዘይምእዙዙነት ከጋጥም ዝግባእ እዩ።

ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ፖሎቲካዊ ስርርዕ ፍጹም ወዲቁ ኣብ ግብኣት ሕሉም-ሕሉም ንክድበን ተዋዲዱ ኣብ ዝሃለወሉ ጊዝያት፣ ኣብ ሓመድ-ድቤኡ ኩሉ ኤርትራዊ ንፋይ ሓመድ ክዘርዉ ንጽዉዕ። እዚ ጭፍራ’ዚ ካብ ኩቱር ሽዉሃት ቂም ምስ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነ ዘይመርሓ ኤርትራ ኣብ ማዓሙቅ ቀይሕ ባሕሪ ትስጠም” ዝብል ናይ ህልኽን ቂምን መንፍስ ኣሕዲሩ፣ ምስ ምጥፍኡ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ክጠፍእ እኹል ምቅርራባትን፣ ነቲ ክዉንነት ጋህዲ ንክኸዉን ዘጣዓዕም ኩነታት ኣብ ምፍጣር ብዝላዓለ ዓቅሙ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝነብር፣ ንሃገራዊ መንነቱ፣ ንማሕበራዊ ክብርታቱ፣ ንመሬትን ክብሪን ዓዲ-ኣብኡ፣ ንምዕዋት ሰብኣዊ መሰሉ፣ ንምርግጋጽ ጊዝኣተ-ሕጊ ብሓደ-ድምጺ ኣብ ዝኣምነሉ ዉደባ ትሰሊፉ ክልዓል ኩዉንነት ሃገርና ይጽዉዖ ኣሎ።

ህዝቢ ንምንታይ ክዉደብ ኣለዎ? በብመገዱ በብዉልቁ ዘይቃለሶ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ብጾትኡ፣ ብርኪ-ዕድሚኡ፣ ሞዩኡ፣…ወ.ዘ.ተ እንተዘይተወዲቡ፣ እቲ በብጉጅልኡ ዝተወደበ ብደረጃ ሓደ ሃገራዊ መንነትን ሃገርን እንተዘይተላፊኑ፣ ኣንካይዶ ንጥቅሙ ሃገሩ፣ ንጥቅሚ ዉልቁ እዉን ክኻላኸልን ከራጋግጽ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ዘይተወደበ ህዝቢ ንክጭቆን፣ ንክግዛእ፣ መሳሪሒ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት፣ መሳርሒ ናይ መለኽቲ፣ መሳሪሒ ናይ ኣርካናት-ኪናት(Lords of war)፣ ቡቱን ህዝቢ…ወ.ዘ.ተ ክኸዉን ዝተዋደደ ወይ ዝተቀረበ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ሎሚ እዉን ከምትማሊ ህዝቢ ክነቕሕን ክዉደብ ከምዘለዎ እጽዉዕ ኣሎኹ።

እዚ ናይ ሕጂ ብኢሰያስ ተጻሒፉ ዘሎ ደብዳቤ ንባንክ ሙን ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝተዋደደ ሑሱር ሜላ እዩ።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

5/2/2013

May 3, 2012

ፈሊጡ ዝተሸርበ ግዛዕ፣ ህላዊኡ ብቀሊሉ ንምርግጋጽ ቀሊል ኣይነበረን፣

Filed under: Politics — eritrearealclearpolitics @ 8:40 am

ፈሊጡ ዝተሸርበ ግዛዕ፣ ህላዊኡ ብቀሊሉ ንምርግጋጽ ቀሊል ኣይነበረን፣

ማሕበራዊ መራኸቢ-ቡዙሓንን ባህርያቱን፣-

ንማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ብግቡእ ዝገለጻ ሰብ ኣብ ዓለም እንተሃልዩ፣ ፕረሲደንት ቶማስ ጀፌርሶን እዩ። ፕረሲደንት ቶማስ ጀፌርሶን ንማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ኣብ ኣርባዕተ መሰረታዉያን ሮቛሒታት ከምዝሙርኮስ እዩ ገሊጽልና። ንሳተን ድማ ኣብ ተኽእሎታት፣ ምናልባትነት፣ ሓቂን ሓሶት ከምዝምርኮስን ኮይኑ፣ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን እቲ ሓቂ ድማ ሃሰዉ ኢልካ ካብ ነዊሕ ጹሑፍ ኣዝዩ ዉሑድ ጥራይ ከምዝርከብ እዩ። ናይ ተጻይ ማሕበራዊ መራኸቢ-ቡዙሓን ካብ ቁጽጽር ህዝብን ካብ መትከላት ናይ ጋዘጠኛነት ሕጊ ስነምግባር (Journalist’s Code of Ethics)  ማለት ካብ ሓቅነት ፣ ዉድዓዉነት፣ ቅንዕና፣ ልክዕነት፣ ኢሻራዉነትን ናጻን፣ ተሓታትነ ን ዘስዕባ ጉድኣታት ዘማዛዘነ (Minimize Harm) ዝተኸተለን ዝዕቆበን ምስ ዘይከዉን፣ ልክዕ ከም ራድዮ ሆተል ሮዋንዳ ናይ ሁቱ ናይ ጽልኢ ፈነወ ዝነበረት እሞ ኣብ መንጎ ሁቱን ቱቱሲን ዝባሃሉ ደቂ ሓደ ሃገር ክልተ ኤትኒክስ-ጉጂለታት ንትኹላዊ ምትፍናን ኣእትያ ኣማኢት ኣሽሓት ኣህዛብ ዘህለቀት ክኸዉን’ዩ።

ንሕጽረታት ሓቤሬታ ዝፈጠሩ መሰረታዊ ሮቛሒታት፣-

ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብኣዝዩ ሙስጡር ኣጋባብ ኣካይዳ ስለዝኸይድን ናጻ ማሕበራዊ መራኸቢ-ቡዙሓን ንዑ ክትጥቀም ዘኽእለካ መሰልን ሕጊ ስለዘየለ፣ ብቀሊሉ መርትዖ ዘሰነዮ ሓቤሬታታት ከተዉጽእን ክትረክብን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ስለምንታይ ኣጸጋሚ ዝኸዉን ብመረዳእታ ከቕርቦ፣- ኣብ ሓደ ቤትጽሕፈት ወይ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ብሓባር ዝሰርሑ ዜጋታት፣ ኣብ ዉሽጥ ቤትጽሕፈቶም ወይ ኣሃድኦም እንታይ ይግበርን ይኸይድን ከምዘሎ እዉን ብልክዕ ኣይፈልጡን እዮም። ከከም ዓቕምታቶም፣ ክከም ኣገልግሎት-ተኣማምነቶም፣ ከከም በቲ መራሒ-ስርዓት ተፈታዉነቶም ሙሉእ ዘይኮነ ዝተባታተኸ ሓቤሬታታት ዝዉኑኑ እዮም። ስለዚ ኣንካይዶ ኣብ መላእ ሃገር ዝኸይድ ዘለ፣ ኣብ ቤትጽሕፈቶም ወይ ኣሃድኦም ዝኸይድ ዘሎ ዝተማልኤ ሓቤሬታ የብሎሙን። ነቲ ዝዉንንዎ ዝተባታተኸ ሓቤሬታታት ድማ ሙሉእ ክገብርዎ ኣይክእሉን እዩም፣ እቲምንታይስ ሰብ ነንሕድሕዱ ስለዝፋራራሕ መእተዊን መዉጽእን ዘይብላ ሓቤሬታ ሒዙ ዝፈዘዘ እዩ። ስለዚ ዕለት፣ ቦታ፣ ስም ብሚስጢር ተኣከብቲ፣ ዝተዛረብሉ ዛዕባን ዉሳኔታትን ፈሊጥካ ዜና ክትዝርግሕ ካብ ኤርትራ ኣብዚ እዋናት’ዚ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ሙኻኑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። እቲ እንኮ ዝክኣል፣ኣብ ደገ ትነብር እንኮሎኻ ኣካል ናይቲ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዘሎ ሙሱጡር ምንቅስቃስ ምስትኸዉን ጥራይ እዩ። እቶም ኣብ ዉሽጥ ዘለዉ፣ ክዝርጋሕ ዝደልይዎ ሓቤሬታ ንህዝቢ፣ ኣብኡ ኮይኖም ክዝርግሕዎ ስለዘይክእሉ ብደገ ተዘርጊሑ ንዉሽጥ ክዞርቖሎም ኣብ ዝዉሰንሉ እዋናት ጥራይ ከምዝካኣል ቡሩህ እዩ። እቶም ዝሩቑሑ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን መንግስት ኤርትራ ምስእዘን ነዚ ወረ ክዝርግሓ ዝቐነያ ዌፕ-ሳይታት ወነንተን ቅርበትን ምትእስሳራትን ክህልወን ዶ ይኽእል? ፈጺሙ ክሕሰብ ዝኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ እዉን ኣብ ቅመራ ኣትዩ ከምዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ።

ምንጩ ዘይተራጋገጸ ወረን ጠንቁን ዕላምኡ፣-

 

ደይ መደይ ኢሉ ዝተሓብኤ ወዲሰብ፣ ኣነደይቱ ኣይኮኑን ብቀሊሉ ዝርእዩዎ፣ እንታይ ድኣ ኣብቲ ተሓቢሉ ዘሎ ጉድጋድ ኮይኑ ንሱ እዩ ዝርእዮም። ንኣቶ ኢሰያስ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከናድዮ ቀንዩ፣ ንሱ ንኣነደይቱ ክርእዮምን ክሰምዖኦምን ቀንዩ፣ ኣብ ዘደለዮ ስዓትን ቦታን ድማ ካብታ ተሓቢኡ ዝሕጸነላ ዝነበረ ቦታ ወጺኡ ኣሎ። ምንጩ ዘይተራጋገጸ ወረ፣ ሞይቱ ዶ ጸሚሙ ክባሃል ዝቀነየ ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ካብ ኣቀዲሙ ዝነበሮ ትርኢት ሰዊዱ ኣብ ዕለት 28/04/2012 ቦሎኽ ኢሉ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ብጥዕና ምህላዉ ኣራጋጊጹ ኣሎ።  ነዚ ሓቂ እዚ ዘይቕበል ሰብ እንተሃሊዩ ሚትሪንግ ጥራይ ኢልካ ክሕለፍ ዝግብኦ እዩ። ስለዚ እቲ ሓሚሙ ሞይቱ ዝብል ወረ ትርጉም ከምዘይነበሮ ክራጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሓፈሻ ንኣስታት 30 መዓልታት ዝኸዉን ብፍላይ ን 8 መዓልታት፣ ካብ ትርኢት ህዝብን መራኸቢ ቡዙሓን ዝተሸርበ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ዝተሓብኣሉ ሰለስተ ዓበይቲ ብድሆታት ነይረንኦ፣- ቀዳማይ ሬሳ ናይ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ዓዱ ኣትዩ ክቅበር ምኽልካሉ። ካልኣይ ስርዓት ወያኔ 18 ኪ.ሜ ኣብ ዉሽጥ ልዑላዉነት ኤርትራ ኣትዩ፣ ብዘይ ገለ ጸገማት ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ምምላሶምን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሓንቲ ክገብር ዘይምኽኣሉ። ሳልሳይ ኣብ ዉሽጡ ገጢምዎ ዘሎ ፖሎቲካዊ  ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዊን ጸገማትን ዓለምለኻዊ ጸቕጥታት ንምኽዋል እዩ።

ነዚ ሰለስተ ዓበይቲ ብድሆታት ብዕዮ ክብድሆ ስለዘይክእል፣ ኣንፈት ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ንምጥምዛዝ ገለ ክምህዝ ስለዝነበሮ፣ ነዚ ዝተኻየደ ተዋስኦ ብምምሃዝ ን8 መዓልታት ተዛናጊዕሉ ኣሎ። እቲ ገጢምዎ ዘሎ ብዶሆታት ግን በዚ ዝተኻየደ ተዋስኦ በኒኑ ዝኸይደ ኣይኮነን፣ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

 

 

ድምጺ ቶክሲ ዘይብሉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ኪናት፣-

 

ኪናት ብብረት ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ዓለምና ዝካየድ፣ ድምጺ ቶክሲ ዘይብሉ ኪናት እዉን ብማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን፣ ብስለያ ጸረ ስለያ፣ ብሽርሕን ዉዲታትን…ወ.ዘ.ተ  ይካየድ እዩ። እዚ ካብዕለት 20/04/2012-28/04/2012 ኣብ ዉሽጥ ኤርትራን ደገን ክካየድ ዝቀነየ ድማ እቲ ካልኣይ ዓይነት ኪናት ኣቀድም ኣቢለ ዝጣሕመስክዎ እዩ።

ኣብዚ ን8 መዓልታት ዝተኻየደ ድምጺ ቶክሲ ዘይብሉ ኪናት  ጭር-ጭር-ዓበደ መን ተዓዊቱ መን ከሲሩ? መን ጎሪሑ መን ሃሊይ? መን ኣዳናጊሩ መን ተዳናጊሩ? ዝቡሉ ሶንኮፍ ሕቶታት ተላዒሎም ኣብ ጉጉይ መደምደምታ ከብጹሑና ይኽእሉ እዮም። ዓወት ብጊዝየን ምንጭን እዩ ዝዕየር። ከምኡ ካይከዉን ድማ ነቲ ነዚ ኪናት-ኩነት ዝፈጠሩ ዳይነሚክስ ክንርኢ ኣድላይ እዩ። ኣብ ሓደ ዉግእ ክትዕወት ክትስዓር ወይ ድማ ብጃላነት ክትወጽእ ንቡር እዩ። ሓደ ፖሎቲካዊ ስርዓት ወይ ተቃዋሚ ጉጂለ ኢዱ-ኣጣሚሩ ንተጻዩ ወገናቱን ኣይዕዘብን እዩ። ሓድሕዳዊ ስለያዊ ዙርቓታት (Infiltiration); ስልታዊ ምድንጋራት (Deception); ሽርሕታት (Sabotage) ን ዉዲታትን (Conspiracy )ክህሉ ድማ ንቡር እዩ። ኣብዚ 8 መዓልታት ዝተራእየ እዚ ተርኽቦታት’ዚ እዩ። እዚ ዝተራእየ ተርእዮ ናይ ሓደ ጊዝየ ተርእዮ ድዩ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። መልሱ ኣይኮነን ቅድሚሕጂ ነይሩ ብሕጂ እዉን ክርኤ እዩ።

 

ዕሙቀትን ዝርጋሔን ናይቲ ዱንጉር ወሬ፣-

እቲ ሓደ ዝገርም ነገር እንተሃሊዩ፣ ምስቲ ዘሎ ሕጽረታት ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ፣ ዳርጋ ብዘይካ ዉሑዳት ዝበዝሔ ህዝብና ነዚ ወረ እዚ ሰሚዕዎ እዩ። ብከመይ እዚ ወረ እዚ ተዘርጊሑን በጺሕዎን ናይ ብሓቂ እዩ ዝገርም። ዝኾነ ሻቕሎት ኣይነበሮን ንቡር መዓልታዊ ሂወቱን ንጥፈታቱን የሳላስል ነይሩ። ኢሰያስ ይሙት ኣይሙት፣ ይሕመም ይጥዔ ንሓደ ካልኢት ናይ ጊዝየ ኣይተጭነቀሉን። ብኣንጻሩ ሩፍታ ዓሲልዎ እዩ። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት መንግስት “ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ኢሎም ዝሰርሑ ዘለዉ እንታይ እዩ እዚ ኩነታት ዝኸይድ ዘሎ ኢልካ ኣብ ትሓተሉ እዋናትን ንምክትታሉ መታን ክጥዕሞም ኣስማት ኣብ ትሕብሮሎም እዋናት፣ እምባእ ፍላን ውዲ ፍላን ኣብዛ ትብላ ዘሎኻ ዕለት ኣብዚ ስራሕና መጺና ኔይሩ ይብሉኻ። እሞ ኢሰያስ ከ ሪኢኺሞ ዶ ወይ ተጸሊዎ ሰሚዕኩም ዶ ኣብ ትብሎሎም እዋን እቲ መልሲ ኣይራናን ኣይሰማዕናን እዩ። ዳግም ካብቲ ትማሊ እተዛራረብናሉ ነቂሎም ገለ ምክትታላትን ሓቤሬታትን ኣኪቦም ይጸንሑ ይኾኑ ኢልካ፣ ሕጂ ኸ ዝተቃያየረ ጉዳይ ኣሎ ዶ ኢልካ ኣብ ትሓተሉ እዋናት፣ እንተ እቲ ሰባይ ተሸሪቡ ኣሎ ካልእ ግን ንቡር ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ፣  ግን ምስ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ብምስማዕና ዝመጸ ስነኣእሙራዊ ጸቕጥታት ድዩ ወይስ ገለ ሱዉር ነገር ኣሎ ኣይንፈልጥን፣ እቲ ኩነታት ክብድብድ ዝበለ ስምዒታት ፈጢሩልና ኣሎ ይብሉ።

ነቲ ብመርበብ ሓቤሬታ ኣሰናን ዓዋተን ዝዉሃብ ዝነበረ ሓቤሬታ ሙርኩስ ብምግባር፣ ቡዙሕ ኣእማንን ሰባትን ተፈንቂሉ ብዘይካ ናይ ኢሰያስ ሽርበት ካልእ ፈጺምካ ክጽመድን ክቑረን ዝኽእል ጭቡጥ ሓቤሬታ ክርከብ ኣይተኻእለን።

ካብዛ ሓንቲ “ሽርበት ኢሰያስ” ዘይርግጽቲ ሓቤሬታ፣ ሰለስተ ዘይሩጉጻት ኣብ ተኽሎታትን ምናልባትነታትን ዝቶሞርከሳ ክምዕብል ኪኢሉ፣-

ሀ. ኢሰያስ ተጸሊዎ ኣብ ኮማ ኣትዩ፣ ኣብ ገዝኡ ደቂሱ ኣሎ፣ ወይ ድማ ንገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ዉሽጣዊን ግዳማዉን ፖሎቲካዊ ጸቕጥታት ኣቃልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝን ንተቃወምቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሓሰዉቲ ምኽኖም ንምርኣይ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ኣራእያታት ንምምዛን …ወ.ዘ.ተ ተባሂሉ፣ ድሎ ካይትዕሎ ኢሉ ነዚ ሓቤሬታ ብ መልሓስ ተቃወምቲ ኣናፊሱ ካብ ተሓቢሉ ዘሎ ድነ ክጋላገል ወሲኑ ኣሎ።

ለ. ኢሰያስ ምስ ኩነታት ጥዕንኡ፣ ዕድሚኡ፣ ፍጹም ዉድቀቱ፣ ዘሎ ፖሎቲካዊ ጸቕጥታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፣ ብንሱ ዘፍቀዶ ዳግመ ዉደባ ስስርዕ እቲ መንግስት ንክግበር ኮሚቴ ዶ ኾን መዚዙ፣ እታ ኮሚቴ ኣብ ዓዋተን ኣሰናን ትባሃል ዞላ ትነጥፍ ሃልያ።

ሐ. እዞም ዓዋተን ኣሰና ዝሮቕሕዎም ዘለዉ ሰብ-መዝታት መንግስት ኤርትራ፣ ምናልባሽ ንኢሰያስ ጨዉዮም ኣብ ትሕቲ ሙሉእ-ቁጽጽር ሒዞሞ፣ ንሳቶም ዝቓጻጸርዎ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ንምድካን ዶ ይኸዉን ዝነጥፉ ዘለዉ ዝብላ ነይረን።

ኣብ ከምዚ ከቢድ እዋናት፣ ባህርያዊ እዩ ዝኾነ ወዲሰብ ዝተፋላለየ ግምታትን ሚዛናት ክገብር። እቲ ዝገብሮ ግምታትን ሚዛናትን፣ ካብ ቀንዲ ዕላሙኡ እንተኣላጊስዎን ሽታታሕ እንተድኣ ኣቢልዎን ጥራይ ኢና እቲ ኩነታት ገዚኡዎ ነይሩ ክባሃል ዝኽእል።

ትርን ኣድማዕነት ዘይርጉጽ-ወረ፣-

 

ስለምንታይ ንመላእ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዉያን፣ እዚ ናይ ለንቀነ ዘይርጉጽ (Uncertainty) ኣብ ምናልባትነትን(Probability) ተኽእሎታት (Possibilities) ዝተሞርከሰ ዘመተ ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ንህዝቢ ከላዕል ኪኢሉ ዝብል ሕቶ ከላዓል ከምዝኽእል ሩዱእ እዩ። መልሱ ድማ።-

ሀ. እቲ ፕሮፖጋንዳዊን ዉዲታዉን ዘመተ ማሕበራ ስነ-ኣእሙራዊ ፈተነ (Social psychology experiments) ብምንባሩ እዩ።

ለ. ንትጽቢታትን ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝምርምር ብምንባሩ እዩ።

ሐ. ንጥምረት ማሕበረ-ስነኣእሙራዊ ኣቃዉማ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንክልለ ዝደፍእ ብምንባሩ እዩ።

መልሰ-ግብሪ ናይዚ ሰለስተ ከቢድ ፈተነታት፣ ብጥምረት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዓሚቕ ኣስተንፊሱን፣ ሪሒብ ሩፍታን ዓሲልዎ እዩ። ዉሑዳት ኣካላትን ደገፍት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ን ገለ ተቃወምቲ ዉድባትን ኣባላተን ድማ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ኣትዮም እዮም። ካብዚ ዝተራእየ ሩፍታን ራዕድን ሰለስተ መሰረታዉያን ጉዳያት ኢና ተዓዚብና፣-

ሀ. ዝበዝሔ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን መራሒኡን ክጋላገል ከምዝደሊ ኣርኢና’ዩ።

ለ. ገለ ገለ “ተቃወምቲ” ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እየ ዝብሉ፣ ምእላይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከምዘየርብሖን ከምዘየሕጉሶምን ኢና ተዓዚብና። ምኽንያቱ ህዝቢ ክድወሽን ክብጽበጽን እንኮሎ፣ ኣብ ክንዲ ከራጋግእዎን ቁኑዕ ማኣዙኑ ከተሕዝዎ ዝህቕኑ ከጽቕጡን ልዕሊኡ ቶንኮላት ክስሕሩ እዮም ተራእዮም።

ሕ. ኣብ ሕማቕ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት፣ ንህዝቢ ከራጋጉኡ፣ ክመርሑን ቁኑዕ ማኣዙኑ ከትሕዙ ዝኽእሉ ተቃወምቲ ዉድባት ኣዝዮም ዉሑዳትን ድኹማት ሙኻኖምን ሕጽረታት ቡቁዕ መሪሕነትን ጽኑዕ ዉደባን ከምዘሎ ኣገንዚብና እዩ።

ምንጪ ናይ ዘይሩጉጽ ወረ፣-

 

እዚ ናይ ምድንጋር ኣብ ምናልባትነትን ተኽእሎን ተሞርኪሱ ክካየድ ዝቀነየ ድምጺ ቶኽሲ ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ምንጩ መን ኮን ይኸዉን?

ሀ. 90% ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ።

ለ. 5% ባህግታትን ትጽቢታት ኣቃላሕቱ።

ሐ. 5% ናይ ግዳም ሓይልታት። ክኸዉን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ነይሩን ኣሎን። 90% ምንጩን ማሃዚኡን ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ በልናዮ፣ ነቶም ኣውረይቱ እዉን ናጻ ዘዉጽኦም ኣይክነን። ከምዚ ዓይነት ተሃዋሲ ዜና ካበይ ኣምጼሞ ኣብ መድረኽ ወጽዮም ምንጭታቶም ክገልጹ ጉዱዳት እዮም።

ብሓፈሻ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ብፍላይ ድማ መራሒኡ ኣቶ ኢሰያስ ብኣጋጢሙዎ ዘሎ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ፖሎቲካዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዉን ብዶሆታትን ጸቕጥታት፣ ኣቃልቦ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምጥምዛዝ ገለ ክፈጥር ነይርዎ። ከም ኣመሉ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሻቕሎቱን ትኹላዊ ምትፍናናት ክሸሞ ነዚ ኩነታት ክፈጥር ንክንደይ ዝኣክል ጊዝየ ዉጥን ኣዉጺሉ? ክንደይ ዝኣክል ጉልበት-ሰብ ኣዋፊሩሉ? ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ወጻኢ ገይሩሉ? ክንደይ መዓልቲ ኣብ ዕጹው ገዛ ተሓቢሉሉ? ንክንደይ ሰብ ዝኣኽሉ ሓባቢሉሉ ኣዋፊሩሉ?…ወ.ዘ.ተ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብ መጨረስታ ተዓዊትሉ ዶ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ እወ 20% ጊዝያዊ ዓወት ተዓዊትሉ እዩ። እንታይ ጊዝያዊ ዓወታት እዩ ኣመዝጊቡ?

ሀ. እቲ ዝዓበየ ጊዝያዊ ዓወት ንሱ ዝደልዮ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፣ ብመልሓስን ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ተቃወምቲ ከምዝቃላሕ ገይሩ።

ለ. ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ጸሊኡዎ ከምዘሎ ፈሊጡ።

ሐ. ኣብ ሕማቕ እዋን መን ምስኡ ደዉ ክብል ከምዝኽእል ፈሊጡ።

መ. ብቀሊሉ ንድሌታትን ባህግታትን ተቃወምቲ መዝሚዙ፣ ኣብ ዉሽጥ ተቃወምቲ ዘሪቁ ክሰርሕ ዘኽእል ጊዝያዊ ዓቕምታት ከምዘለዎ ኣራጋጊጹ።

ረ. ንባህግታት ህዝብና ኣባኺንዎን ንቡዙሓት ጉሩሃት ደለይቲ ለዉጢ ጊዝያዊ ናይ ሞራላዊ ዉድቀት ከምዝገጥሞም ገይሩ።

ብመንጸር ዓወታት ኣቶ ኢሰያስ እንታይ ጉሁድ 80% ክሳራታት ኣጋጢምዎ?

ሀ. ኣቶ ኢሰያስ ማዕረ ክንደይ ህዝቢ ኤርትራ ክሽገር እንኮሎ ከምዘይዓጦ፣ ሓላፍነት ከምዘይስምዖ፣ ንህዝቢ ከራጋግእን ቁኑዕ ማኣዝን ከትሕዝ ከምዘይክእልን ከምዘይደሊ ኣራጋጊጹ።

ለ. ኣቶ ኢሰያስ ማዕረ ክንደይ መታለሊን ሽርሓዉን ምኻኑ ኣፍሊጡ።

ሐ. ኣቶ ኢሰያስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ኣንጭዋን ድሙን ጸወታታት ይጻወት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መ. ኣቶ ኢሰያስ ብሕጂ እዉን ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ሓደገኛ ሰብ ምኻኑ ንነብሱ ኣቃሊዑ።

ረ. ኣቶ ኢሰያስ ንደገፍቱ ብማዕረ ተቃወምቱ ከምዝርእዮም ንጹር መልእክቲ ንደገፍቱ ኣማሓላሊፉ። እቲ ምንታይስ ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝነብሩ ደገፍት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዉሽጢ እተን ዝሓለፋ 8 መዓልታት ብስእነት ሓቤሬታ ልዕሊ ዝኾነ ዜጋ ንሳቶም እዮም ተሸጊሮም ዝነበሩ። ስለዚ ደገፍት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዚ ፍጻሜ’ዚ ፍሉይ ግንዛቤ ኣሕዲሩሎም ስለዘሎ፣ ዝነበሮም እምብነታት ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኢሰያስ ባይታ ስለዝዘበጠ’ዩ።

ሰ. ዉሑዳት ዜጋታት  ሓቀኛ መሲልዎም ንኣቶ ኢሰያስ ዝገብሮ መደረታት ዝኣምኑ ዝነበር  ዜጋታት፣ ማዕረ ክንደይ ዓላቕን ሓሳዊን ምኻኑ ኣገንዚብዎም ኣሎ።

ሸ. ኣቶ ኢሰያስ ዝፈጠሮ ምድንጋራት ንህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ እዩ ኣቆጢዑ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ቁጣዔ ናቱ ሩጉጽ ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ። ህዝቢ ከም ሓሳዊ፣ ዓላቂን መዳናገርን እንተፈሊጥዎ፣ ኡሮማይ ጥራይ እዩ ክባሃል ዝኽእል። ካብዚ ዝዓቢ ክሳራን ዉድቀትን የሎን። ስለዚ ኣቶ ኢሰያስ ጊዝያዊ ዓወት እኳ እንተተጋናጸፈ፣ ነባሪ ክሳራ እዉን ኣብ ገዛእ ርእሱን ዝመርሖ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ገይሩ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኣዝዩ ተሃዋሲ ኩነታት እንታይ ክግበር ነይርዎ፣-

እቲ ተቃዋሚ ሓይሊን ለዉጢ ዘገድሶም ጉዱሳት ዜጋታት፣ ኣብ ከምዚ ናይ ምድንጋራትን ሓያል ፕሮፖጋንዳዊ ጸቅጥታት እንታይ ክገብር ይግባእን ተኽእሎታት ነይርዎም?

ብሓፈሻ እቲ ሓላፍነት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ንጹር ዕላማታት ሰርዔን ዝንቃሳቀሳ ፖሎቲካዊ ዉዱብ ሓይልታት ከምዝኾነ ክዝከር ይግባእ። ቡርቱዕ ዉሑጅ ምስመጸካ፣ በቲ ዝመጸካ ማኣዝን ደዉ ኢልካ ክትገጥሞ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ እንታይ ድኣ፣ ናብቲ ዝዉሕዘሉ ዘሎ ማኣዝን ገጽካ ብምኻድ ኢኻ ክትገጥሞ ዝክኣል። ምስቲ ቡርቱዕ ዋሕዚ ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን እዚ ሓቤርተታ እዚ ኣጣራጣሪ ከምዝነበረ 90% ዝተራጋገጸ እዩ ዝነበረ፣ እቲ ዝተረፈ 10% ነቲ ክዉንነትን ሓቕን ዓብሊኽዎ ስለዝነበረን ፣ እቲ ክዉንነት ናይ ገዛእ ርእሱ ከቢድ ጸቕጥታት ነይርዎ እዩ። ኣብ ከምዚ ከቢድ ጸቕጢ ዝህልወሉ እዋን፣ ብሓፈሻ ለዉጢ ዝጽዕዱ ጉዱሳት ዜጋታትን፣ ብፍላይ ድማ ንጹር ዕላማታት ሰርዔን ዝንቃሳቀሳ ፖሎቲካዊ ዉዱብ ሓይልታት ክገብርዎ ዝግብኦን ዝነበረ፣ ነቲ ህዝቢ ምርግጋእን ኣንፈት መስረታዊ ለዉጢ ካይስሕት ማኣዙኑ ምትሓዝ እዩ። ነዚ ክገብሩ ዝሃቀኑ ዉልቀ ዜጋታትን ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሳት፣ዉድባት ግንባራት ኣለዋ። ብኣንጻሩ ከም ህዝቦም እግሮሙን ኣእዳዎምን ኣኪቦም ነቲ ግጥም ዝዕዘቡ ዝጸንሑ፣ ብሓፈሻ ለዉጢ ዝጽዕዱ ጉዱሳት ዜጋታትን፣ ብፍላይ ድማ ንጹር ዕላማታት ሰርዔን ዝንቃሳቀሳ ፖሎቲካዊ ዉዱብ ሓይልታት፣ ኢሰያስ ኣብ ቴለቪዢን ቃለ-መሕትት ክገብር ምኻኑ ምስተቃልሔ፣ ዳሶም ስለዝስሰነሎም ካብ ተሓቤሙሉ ዝነበሩ ባዓትታት ፣ ናብ ኩሉ ማሕበራዊ መራኸቢ-ቡዙሓን ወጽዮም፣-

ሀ. ብዓዋተን ኣሰናን ዝሃብዎ ዘይተራጋገጸ ሓቤሬታ ተላዒሎም (Generates) ጋዜጣዊ መግለጺታት ምቅራቦም፣ ከም ቅራፍ ባናና ረጊጾም (The opposition stepped on a lie peel) ሓነግ ዝበለ ተቃዉሞ ኣምሲሎም ክሕጩጩሉ ተራእዮም።

ለ. ነቲ ብዓዋተን ኣሰናን ዝተዘርግሔ ዘይርጉጽ ወሬታት፣ ብመገዲ ተቃዉሞ ተራጋጊጹ ሓቅነቱን ጉጉይነቱን ዘይምርግጋጹ፣ ጉድለትን ሕመቕን ተቃወምቲ እዩ ተባሂሉ።

ሐ.ኣብ ተቃዉሞ ቡኽረት መሪሒነት፣ ብቅዓት፣ ጽኑዕ-ምትእስሳር ምስ ኣብ ዉሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኣሎ ተባሂሉ።

ሐ. ኣብ ተቃዉሞ ቀንዲ ፈለግ ቃልሲ (Mainstream) ገና ኣይተበጽሔን ተባሂሉ።

መ. ንጹር ዕላማታት ሰርዔን ዝንቃሳቀሳ ፖሎቲካዊ ዉዱብ ሓይልታት ንህዝቢ ከራጋግኣን ክመርሓን ኣይበቕዓን ተባሂሉ።

ረ. ንጹር ዕላማታት ሰርዔን ዝንቃሳቀሳ ፖሎቲካዊ ዉዱብ ሓይልታት፣ ኣብ ክንዲ ብኣጀንድኤን ደድሕሪ ኣጀንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝዉሕዛን ኣብ ፍጹም ምህዉታትን…ወ.ዘ.ተ ዘለዋ ኢየን ተባሂሉ። እዚ ኩሉ ሚዛናት ወይ ኣባሃላታት ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፣ ዋላ ኣባላት ንጹር ዕላማታት ሰርዔን ዝንቃሳቀሳ ፖሎቲካዊ ዉዱብ ሓይልታትን ህዝብን ከልዕሎ ዝጸንሔ ርኡይ ድኽመታት ስለዝኾነ፣ ከም ቅቡል ተወሲዱ ንምእራሙ ጻዕርታት ክካየድ ከምዝግብኦ ዘማትእ ጉዳይ ኣይኮነን።

እቶም ሕጂ ከምዚ ዝብሉ ዘለዉ እንታይ ከተጣቡቡ ጸኒሕኩም፣ ዝብል ሕቶ ግን ንዕኦም ክምልስዎ ዝሕደግ እዩ። ዝኾነ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝገበረ፣ ነቲ ብዓወተን ኣሰናን ዝተዘርግሔ ሓቤሬታ ከም ሩጉጽ ሓቤሬታ ኣይወሶዶን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ብቱሑት ዓቕሙ ንህዝቢ ከራጋግእን ቁኑዕ መስመሩ ከትሕዝ ሃቂኑ እዩ። ህዝቢኤርትራ ግዳይ ናይ ዝኾነን ዘይኮነን ወሬታት ከይከዉን እዉን ከጠንቅቅ ፣ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ሓርጎጽጎጻት ብትዕግስቲ፣ ልቦናን ትብዓትን ክመሚ፣ ንጹር ዝኾነ ሃገራዊን ዲሞክራስያዊን ራእይ ክንዉንን ከማሕጽን ጸኒሑ እዩ። ስግሩ ሓሊፉ እቲ ዝባሃል ዘሎ ወሬታት ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክግበር ዝግብኦ መርሓ-ገበይን ፖሎቲካዊ መስርሕን ብኑጹር ኣቀሚጡ እዩ።

ኣብ ኣሻቃሊን ተኣፋፊ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት፣ ርእስኻ ከም ሰገን ኣብ ሑጻ ቀቢርካ ጸኒሕካ፣ ደቢኑ ዝነበረ ደበና ምስተቀንጠጠ ቦሎኽ ኢልካ  ጥቁዉ ክትከዉን ምፍታን ምልክት ትብዓትን ምልክት ቡቁዕ መሪሒነት ኣይመስለንን እዩ።

ክትመርሖም ጸገም ክሞርሑኻ ጸገም፣ ክትዉድቦም ጸገም ክዉዱቡኻ ጸገም፣ ሓሳብ ክህቡኻ ጸገም ሓሳብ ክትህቦም ጸገም ዝኾኑ ዉልቀ-ዜጋታት ጉራቔናት ዝደለይዎ ከንህዩ መሰሎም እኳ እንተኾነ፣ ፈጺሞም ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ካብ ምዉርዛይ ሓሊፎም ክጻወትዎ ዝኽእሉ ሃናጺ ግደ የሎን።

ወትሩ ብኣታቶም ዝልዓል ነቀፌታ ምስማዕን፣ ጉድለታትካ እንዳዉሓድካ ምኻድ ግን ከድሊ እዩ።

ኣብ ከምዚ ድንግርግር እዋናት ዘተራእየ ዱንጉር ኣንፈታት ነይሩ ዶ?

እወ ነይሩ፣ ክነብር እዉን ግድነታዊ እዩ። ካብቲ ዝተራእየ ድንግርግራት እቲ ዘሕጉስ ብዉልቀ-ሰባት ብምንባሩ እዩ። ዉልቀ- ዜጋ ብጥሙር ዕላማ፣ ዲስፕሊን፣ራእይ…ወ.ዘ.ተ ተቀይዱን ተማእዚዙ ስለዘይከይድ፣ ኣብ ዝኾነ ጊዚየ ዝኾነ ዘይተጸንዔ፣ ዝተራእዮን ዝስምዖን ክዛረብ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ምስ ገበን ዝቁጸር ኣይኮነን። እቲምንታይስ ዝኾነ ፉጡር ኣብታ ገለ ዝርእየሉን ዝሰምዓሉ እዋናት ስምዒታቱ፣ ባህግታቱን ትጽቢታቱ ክገልጽ ባህርያዊ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ ገሊኡ ደረት ዝሳኣነ ነይሩ ክኸዉን ይኽእል እዩ፣ የግዳስ ሕጂ ዓቢ ተሞክሮ ተረኺቡ ስለዘሎ፣ እቲ ዉልቀ-ዜጋ እዉን ክማሃርን ክጥንቀቅን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

 

ወድሓንኩም!!!

መርዕድ ዘርኡ

03/05/212

 

Next Page »

Blog at WordPress.com.

Design a site like this with WordPress.com
Get started